ሻቕሎትና ብኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ

2021-07-31 11:18:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1636 times

ህላወ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ናይ 1998-2001 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቲሉ  ዝተኸስተ እዩ። እቲ ውግእ ምስተጀመረ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናይ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ኣጠቓቕማ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን መንእሰያት “ንጸጥታና ኣስጋእቲ ኢኹም” ተባሂሎም ተታሕዙ። እዞም ኣብ መጀመርያ ዝተታሕዙ፡ ፍቸ ኣብ እትበሃል ኣብ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ ጐንደር ካብ ኣዲስ ኣበባ 100 ኪ/ሜ ዝርሕቀታ ከተማ ሰፊሮም። እቲ ውግእ ምስ ቀጸለ ድማ ዝማረኹ ወይ ብድሌቶም ኢዶም ዝህቡ ወተሃደራት ኤርትራ  ምስበዝሑ እቲ ዝዕቆብሉ ቦታ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብላቴ ናብ ዝበሃል መደበር ታዕሊም ተቐይሩ። ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን፡ ደደሳ ናብ ዝበሃል ቀደም መራሒ ሊብያ ዝነበረ መዓመር ጋዳፊ ደርጊ ንምሕጋዝ ኣብ ዝሃነጾ ኣዝዩ  ጽኑዕ መደበር ታዕሊም ተወሲዱ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ደደሳ ተዓቚቦም ዝነበሩ እናበዝሐ ምስ ከደን፤  እቲ ውግእ  ጠጠው ኢሉ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ምስተኸተመ፡ ኣብቲ መደበር ዝነበሩ ኤርትራውያን መጻኢኦም እንታይ ክኸውን ከም ዝደልዩ ምርጫታት ቀሪብሎም። ካብቲ ዝተዋህቦም ምርጫታት፡ ናብ ኤርትራ ምምላስ፡ ናብ 3ይ ሃገር ምጥያስን ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ተሰሊፍካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስን ነይሩ። ድሕሪ ምርጫታቶም ምንጻሩ፡ እቶም ናብ ኤርትራ ምምላስ ዝመረጹ ብናይ እሱራት ምልውዋጥ  ስምምዕ መሰረት  ናብ ኤርትራ ተመሊሶም። እቶም ምስ ውድባት ምስላፍ ዝመረጹ ነናብተን ዝመረጽወን ውድባት ተሰሊፎም። እቶም ናብ 3ይ ሃገር ምጥያስ ዝመረጹ ከኣ ብቀይሕ መስቀል ተመዝጊቦም ምስተጻረዩ  ንላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ተረኪቦም። ቅድም ናብ ዋዕላ ንህቢ ደሓር ከኣ ሽመልባ ናብ ዝበሃል ኣብ ሰሜን ትግራይ ዝተኸፍተ መደበር ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝምልከት ትካል ክመሓደሩ ጀሚሮም።

ዋላኳ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠጠም ኢሉ፡ ጉዳይ ዶብ ከኣ ብሕጊ ዝብየነሉ መስርሕ ምስ ሓዘ “ስደት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከቋርጽዩ፡” ዝበል ትጽቢት እንተነበረ፡ ብተግባር ግና እቲ ዋሕዚ ዛይዱ። ኣብ ውትህድርና ዝነበሩ መንእሰያት ከይተደረተ ስድራቤታት ብምሉአን ናብ ስደት ክፈልሳ ጀሚረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ስደት ውግእ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ጸረ-ህዝቢ ምምሕዳር ምንባሩን ምዃኑን ዘረድእ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ጉጅለ ህግደፍ ናቱ ካብ ዓድኻ ዘልቅቕ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት ሓቢኡ፡ ንዋሕዚ  ኤርትራውያን ናብ ስደት ንኢትዮጵያን ንምዕራባውያንን  ከላግበሎም ዝፍትኖ ሸፈጥ፡ ላግጽን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ዝመሃዞ ምዃኑ ግቡእ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ከም ውጽኢት ናይቲ ዋሕዚ ስደት ብብዝሒ ምቕጻሉ ከኣ ኣብ ትግራይ ኣብ ርእሲ ሽመልባ፡ ተወሰኽቲ መደበራት፡ ማይዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽን ሕንጻጽን ተኸታቲለን ተኸፊተን። ኣብ ክልል ዓፋር ከኣ 2ተ ካልኦት መደበራት ተኸፊተን። እዚ መደበራትዚ ኤርትራውያን ዝዕቆብሉን ኣብ 3ይ ሃገር ክጣየሱ ዝጽበይሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም መንጠሪ ናብቲ ብሱዳን ኣቢልካ ናብ ሊቢያን ካብኡ ድማ ናብ ኤውሮጳ ዝዝርጋሕ ሓደገኛ፡ ናይ ደቂሰባት ንግዲ ውጥን ንምትላም ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ዝሰሓት ኣይኮነን። ካብዚ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መደበራት በብግዜኡ ብቐጥታ ብመንገዲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣስታት 10 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተጣየሱ ይግመት።

ኤርትራውያን ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣምሊጦም፡ ዶብ ካብ ዝሰግሩ ጀሚርካ ኣብ ዝኣተዉዎ ዓዲ ብህዝቢ ትግራይ ዝተገበረሎም ሕውነታዊ ኣቀባብላን ምድግጋፍን እቶም ብኡ ዝሓለፉ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ እዩ። ኣብ ከባቢ’ቲ መደበራት ብዝነብር ሓረስታይን ብተቐማጦ ኣብ ጥቓ’ተን መደበራት ዝርከባ ከተማታት ትግራይን ነዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተገብረሎም ሕውነታዊ ምትሕግጋዝን ዑቑባን’ውን ክዝንጋዕ ዝግበኦ ኣይኮነን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንጉዳይ ስደተኛታት ወትሩ ካብ ኣጀንዳኡ ስለ ዘየውጸኦ፡ ብ1 ነሃሰ 2019፡ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ክዛዝም እንከሎ ኣብ ዘጽደቖ ፖለቲካዊ ውሳነታት ንስደተኛታት ብዝምልከት ካብ ዝበሎ “ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከተን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራን ሰዲህኤ ይምሕጸነን።….ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘቐምጥ ስለዝኾነ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።”  ዝብል ይርከቦ።

እዚ ኣድማሱ ኣስፊሑ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ትግራይ ምስተጀመረ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝያዳ ኣሻቓሊ ኮይኑ። እቲ ቀንዲ ኣሻቓሊ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ መደበራት ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ምንባሩ እዩ። ብዘካዚ እቲ ራሕሪሐምዎ ዝመጹ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ሕነ ካብ ምፍዳይ ድሕር ስለ ዘይብል፡ ከምቲ ብግብሪ ዝተራእየ በቲ ጉጅለ ምግፍዕን ምብስባስን ከየጋጥሞም  ስግኣት ዝለ ዝነበረ እዩ። ከምቲ ዝተፈርሖ ከኣ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ተቐቲሎም፡ ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ፡ ንብረቶም ተራስዩን ብዙሕ ዓይነት ግህሰታት ኣጋጢምዎምን። ካብዚ ጽባሕ ዘሕትት ዘስካሕክሕ ተግባራት ንምህዳም፡ ተዋጋእቲ ሓይልታት ነብሶም ንከንጽሁ ሓደ ነቲ ካልእ ኣብ ዝኸሰሉን ዘላግበሉን ንርከብ ኣለና። ስለዚ እቲ ጉዳይ ዋና ዘየብሉ ከይጠፍእ  ብዝብል ሰዲህኤ ነቲ “ሻራ ብዘይብሎም ወገናት ተጻርዩ፡ ገበን ዝፈጸመ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቕረብ” ዝብል ናይ ብዙሓት ወገናት መጸዋዕታ ኣትሪሩ ይድግፎ።

እቲ ጉዳይ ሎሚ እውን ከም ዝሓለፈ ተረኽቦ ዝዝንቶ ዘይኮነ እዋናዊ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ብፍላይ  እተን ተሪፈን ዘለዋ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ኣብቲ ሓይልታት ትግራይን ኣምሓራን ደማዊ ውግእ ዘካይድሉ ዘለዉ ከባቢ ስለ ዝርከባ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዓውዲ ውግእ እዮም ዘለዉ። ስለዚ ካብዚ ደልሃመትን ጨንቅን ክወጹ ኤርትራውያን ከነእውየሎምን ኩሉ ዝከለና ክንሕግዞምን ጻውዒት ንደልየሉ ኣይኮነን። ኣብቲ ከባቢ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ንጉዳይ ስደተኛታትና ብሰብኣውነት ክርእይዎን ክሕልዉዎምን ደጊምና ንጽወዖም። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት ዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላትን’ውን ብሰንኪ ብኩራት መራኸቢ መስመራት ይጭነቑ ከም ዘለዉ ርዱእ ኮይኑ፡ ዝኾነ መንገዲ ተጠቒሞም ህይወት እዞም ስደተኛታት ንምድሓን ኩሉ መማረጽታት ክጥቀሙ ንምሕጸን።

Last modified on Saturday, 31 July 2021 13:22