ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞከራስን ፍትሕን ብሓፈሻ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ብፍላይ፡ ተበዲልና እምበር በዲልና ዘይወጾም መራሕቲ ኢዮም። ስለዝዀኑ ድማ፡ ይቕሬታ ክሓቱ ወይ ሕድገታት ክገብሩ ባህርያቶም ኣየፍቅደሎምን ኢዩ። ጌጋኻ ከይኣረምካ፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ዝተበገሰ ተጻይ መልሲ እንዳሃብካ ሃገር ምምራሕ ስለዘይከኣል ከኣ፡ እንሆ ኤርትራን ህዝባን ብስእነት ሰላምን ሰናይ ምሕደራን ንእልቢ ዘይብሉ ጸገማት ተቓሊዖም ይርከቡ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ዕጫ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ድንቍርና፡ ህውከትን ስደትን ኰይኑ ኣሎ።
ነዚ ሓቂ’ዚ ንምሽፋንን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኢዩ እምበኣር ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብድሆታትን ዕድላትን ዝብል ቃላት ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት እናደጋገመ ንህዝቢ ከደናግር ክፍትን ዝጸንሐን ዘሎን። ብዓይኒ ሓቂ እንተርኢናዮ ግን፡ እዚ ስርዓት’ዚ ብብድሆታት ዝቝዝም ንዝተፈጥሩ ዕድላት ድማ ብኸንቱ ዘባኽን ስርዓት ኢዩ።
ናጽነት ኤርትራ ብ1991 ምስ ተረጋገጸ፡ ንብድሆታት ህንጻ ሃገር ንምስዓር ዘኽእሉ ብዙሓት ዕድላት ኢዮም ተኸሲቶም ነይሮም። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ተቐቢሎም፡ ከም ተቓወምቲ ብናጽነት ክዋስኡ ዘኽእሎም ዘተ ንምግባር ቅሩብነቶም ዝገለጽሉ እዋን’ዩ ነይሩ። መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ናይ ሓድሽ ወለዶ መራሕቲ ተባሂሎም ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ከኣ ብፍላይ ክድግፎም ድልዊ ነይሩ። ዓለም ብዓለማ ብኢትዮጵይ ጀሚርካ፡ ናጽንትን ልዑላውነትን ናይ ኤርትራ ተቐቢላ፡ ምስ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ኤምባሲታት ኣብ ኤርትራ ከፊታ። ጣልያን፡ መገዲ ባቡር ኤርትራ ባዕለይ ክሰርሖ ኢላ ተመባጺዓ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ንኽጣየሱ ዘድሊ ሓገዛት ክገብር ወሲኑ። ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን ከኣ፡ ነታ ዘላቶም ዓቕሚ ኣብ ህንጸት ሃገሮም ከውዕሉ፡ ብሓብር ድዮም ወይስ በብውልቆም ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ገንዘቦም ከዋፍሩ ክጓየዩ ዝተራእይሉ ወቕቲ’ዩ ነይሩ።
ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ግን፡ ነዚ ዕድላት’ዚ ብምሉኡ ኣባኺኑ’ዩ ናብ ብድሆታት ቀይርዎ። ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ዲፕሎማስያዊ ዕዮ ዘይሳነ፡ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንዅሎም መራሕቲ ኣፍሪቃን ብምቍንጻብን ብምጽራፍን ኢዩ ፈሊምዎ። ንጣልያን ውን ከምኡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድና እንተዘይሃብኩምና ይትረፈና ዝብል መልሲ ሂቡ፡ ብጕልበት ኤርትራውያን ነቲ መገዲ ባቡር ዘመናዊ ንምግባር ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝነበረ ንምጽጋን ክንደይ ግዜን ገንዘብን ከጥፍኣሉ መሪጹ። ንወኪል ኤምባሲታት ሕብረት ኣውሮጳ ኣባሪሩ፤ ስደተኛታት ከይምለሱ፡ ምስኦም ተሓኤን ዕላማታቱን ክምለሱ ኢዮም ካብ ዝብል ስግኣት ናይ መምለሲኦም ገንዘብ ደኣ ሃቡኒ እምበር፡ ከመይ ከምዝምለሱስ ባዕለይ ኢየ ዝፈልጦ ብምባል ነቲ ተበግሶ ኣምከኖ። ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ድማ፡ ንገሊኦም ፕሮጀክትታቶም ሰሪቑ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘየኽእል ምስምስ፡ ንኣብነት ፋብሪካ ክገብር እንተበሉ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ዘይርከቦ ቦታ ክተኽልዎ ወይ ድማ እዚ ፕሮጀክት’ዚ ድሮ ብኻልኦት ቀሪቡ ኣሎ ኢሉ ከምክኖን ቦንድ’ዶ ናይ ገዛውቲ ፕርጀክት’ዶ እናበለ ሃብቶም፡ ገንዘቦምን ጕልበቶምን ክዝርፍ ኢዩ ተራእዩ። እትረፍ’ዶ ኣውፈርቲ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ውሕዳት ሰብ ርእሰ-ማል ሃገሮም ራሕሪሖም ክወጹን፡ ሃብቶም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከዋፍርዎን ተራእዮም።
እቲ ጸይቂ ስራሕ ኣብ’ዚ ጥራሕ ተደሪቱ’ውን ኣይተረፈን። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት የመን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ውግእ ብምብራዕ ንዞናና ናብ ዘይርጉእን ናይ ውግእን ወረ ውግእን ዞና ቀይርዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብምልዮናት ዝቝጸሩ ነበርቲ ናይ’ዘን ሃገራት ኣደዳ ሞት፡ ስንክልና፡ ምፍንቓልን ስደትን ኰይኖም። እታ እንኮ ዝነበረትና ዩኒቨርሲቲ ተዓጽያ፡ ብወተሃደራት ዝካየድ ኣብያተ-ትምህርትን ኮለጃትን ተተኪኣ። በዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኤርትራ፡ ዝነበራ ዕድላት ኵሉ ባኺኑ፡ ስማን መልክዓን ተደዊኑ፡ ዜጋታታ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲ ቅንጸላን ስደትን ኰይኖም። ዋላ እቶም ነቲ ውልቀ-መላኺ ናብ ስልጣን ዘምጽእዎ ተጋደልትን መራሕቲ ብጾቱን ከይተረፉ ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ኣይደሓኑን። ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኢያ ተቐይራ። ነዚ ናይ ቤት ማእሰርቲ መነባብሮ ድማ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ፡ ከም ድላይካ ከይሰጋእካ ክትዛወር ትኽእል እናበለ ክንየተሉ ይስማዕ ኢዩ። እወ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘረባ የለ፡ ተቓውሞ የለ፡ መሰል የለ፡ ባእሲ የለ፡ በቶም ዝሕልውኻ ወተሃደራት ዝወሃበካ ትእዛዛት እናፈጸምካ ኢኻ ትነብር። ነዚ’ዩ ሰላም ሰፊኑ ኢሉ ክምክሓሉ ዝስማዕ።
ሕጂ ብዛዕባ ኣየናይ ዕድል ኢዩ ስርዓት ኢሳያስ ክዛረብ ዝፍትን ዘሎ ብዙሕ ብሩህ ኣይኰነን። እንታይ ከይረገጣ ዝተረፈቶ ጩራ ብርሃን ኣልያ ኰይና ኢያ ዕድላት ኣሎ ክብለና ዝፍትን ዘሎ። እዛ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ምስ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንትን ገይረያ ኢሉ ዝዛረበላ ዘሎ ምሕዝነት እንተዀይና፡ ሰላምን ልምዓትን ንምምጻእ ዘይኰነስ ንህውሓት ንምቕርቃርን ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ጐብለልን ናይ’ቲ ከባቢ ንምዃን እንተዘይኰይኑ ካልእ ዝርአ ወይ ዝጭበጥ ዕላማ ኣይርኣናላን። ቅድሚ ሕጂ እውን ንኤርትራ ዝሓወሰት ኢትዮጵያ ክመርሕ ስለዝደለየ ኢዩ ንክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ውግእ ዝነቖተን ፍልልይ ምስ ወያነ ዝተኸስተን።
ኣብ ህልው ኵነታት ኤርትራን ኣብ ምዕባለታት ከባቢናን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ዕድላትን ብድሆታትን መደባት ስራሕ 2020 ብዝብል ኣርእስቲ፡ ሓጐስ ገብረሂወት (ክሻ)፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብርሃ ክሳን ወለንኪኤል ኣብርሃን ዝርከብዎ ዝለዓለ ተላኣኣኺ ጕጅለ ኢሳያስ፡ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት መራሕቲ ማሕበራትን ትካላትን ዘካድዎ ዘለዉ ሰሚናራት፡ ነቲ ምስ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተበጽሐ ዘይንጹር ውዕላትን ስዒቡ ኣብ ዝተገብረ ብጽሖታት ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ መራሕ ሃገር ዘይትጽበዮ ኢሳያስ ዘስምዖ ናይ ጥልመት መደረ ንምክሕሓስን ንሱ ዘስዓቦ ህዝባዊ ቁጠዐን ንምዝሓልን ዝዓለመ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም ንመንእሰያትና ብሓድሽ ተክኖሎጂ ኣዕጢቕና ኣንጻር እዞም ኣዕነውቲ ሶሽያል ሚድያ ከነዋፍሮም ኣሎና ክብሉ ዝተሰምዑ።
እቲ ተወሲኹ ተባሂሉ ዝተዘርበሉ ደሞዝ ከኣ፡ ብመሰረት ኣብ 2016 ዝተገብረ ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ እሞ ኣብ 2018 ኣብ ግብሪ ዝውዓለ ዝብሃል፡ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ 1800 ናቕፋ ክኸውን ተወሲኑ ክነሱስ፡ ገለ ግን 500 ናቕፋ ይውሃቦም ምንባሩ’ዩ ኢሳያስ ጠቒሱ። ነዚ ድማ ንሱ ከምዘይፈልጦ ዝነበረ ኰይኑ ቀሪቡ። እቶም ነዚ ዝገበሩ ታሕተዎት ሰበ-ስልጣን ምንባሮም ኣሚቱ ወይ ምስ ናይ ቀረባ መራሕቶም ኣባኢሱ፡ ሕጂ ናይ ክልተ ዓመት በብ1300 ንወርሒ ተሓሲቡ ክኽፈሎም ከምዝወሰነ ገሊጹ። እዚ’ዩ ተወሲኹ ተባሂሉ ክግለጽ ዝሰማዕናዮ። ካልእ ዝሰማዕናዮ ወሰኽ ኣይነበረን። ነቶም ኣብ 2020 ክጅመር ተባሂሉ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ስራሕ ኢሎም ሕቶኦም ከቕርብሉ ዝፈተኑ ጋዜጠኛታት ክግስጽ ከሎ ድማ፡ ኣብ 2020 ዘይኰነስ ኣብ 2021 ኢዩ ዝጅምር ክብል ተሰሚዑ። ብሓጺሩ ኣብ 2020 ዝዀነ ይኹን ክግበር ዝተመደበ ምምሕያሽ የለን። ን2021 እንተዀይኑ ድኣ ሽዑ እታ ርሕቕቲ ትመስል ዓመት ምስ መጸት ዘይመርከብናሉ። ካብ ንዓመታ ደርሆስ፡ ሎምዘበን እንቋቍሖ’ዶ ኣይምሓሸን።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ጕባኤና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።” (ካብ ፖለቲካዊ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ፡ ሰዲህኤ)
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣርዑት ሓጺን ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ዝተጻዕነ እዩ። ነዚ ኣርዑት ሓጺን ብቃልሲ ሴርካ ናጻ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት እውን ናይ ኩልና ዕማም እምበር፡ ሓደ ተዕዛባይ ኮይኑ ናይቲ ካልእ ጻዕሪ ዝጽበየሉ መስርሕ ኣይኮነን። እዚ ንምዝኽኻር ዝጥቀስ እምበር ነቲ ሓቢሩ ብተመኩሮ ጽንኩር ቃልሲ ፈሊሑ ዝገረረ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓድሽ ዝንገሮ ኣይኮነን።
እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብጽሒታትና ኣብ ምዕዋትዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ብመልክዕ ክፈላለ ይኽእል። ብኣተሃላልዋና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዘለናን ኣብ ወጻኢ እንነብርን፡ ብዕድመና መንእሰያትን ዓበይትን፡ ብጾታ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ብዝተዋፈርናሉ ዕማምን ክእለትን ኣባል ሰራዊትን ሲቪልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ክንበሃል እንከለና፡ መን ኣበየናይን ብኸመይን የድምዕ ብመልክዕ ክፈላለ ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ናይ ኩልና ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ግና ሸቶኡ ሓደ ወጻዕትን ናይ ወጽዓ ኣተሓሳስባን ኣወጊድካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ ናብ ሓደ ናይ ዓወት ፈለግ ዝፈስስ እዩ።
ጉጅለ ህግዲፍ: ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓኡ ፍጊዕ ኢልዎ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ምብጽሑ ተረዲኡ፡ ብፍርሒ ተዋሒጡ መህደሚ ከናዲ ሃንደፍደፍ ይብል ከምዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ህግዲፍ ፈትዩ ዝኣተዎ ዘሎ ናይ ድሮ ውድቀቱ ምዕራፍ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ ላዕለዎት መራሕቲ ህግዲፍ ናይ ኣኼባ ሸበድበድ ተዓዚብናዮ ኣለና። ካብ ዕላማታት ናይዚ ኣኼባታት ነቲ ዓለም ብዓለማ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክትዛረብ እንከላ፡ “ዋላኳ ምስ ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ ሰላም ዝመስል ኣንፈት እንተተኸፍተ፡ እቲ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ለውጢ ግና ፈጺሙ ኣይተራእየን” ትብሎ ዘሎ እንዳሓደረ ዘጨንቖን ዝውጥሮን ዘሎ ቅኑዕ ገምጋም ንምኽዋል ይመስል። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ህዝቢ ኤርትራ “ሎምስ ግዲ ኣብ ልኡላዊት ኤርትራ ራህዋ፡ ሰላምን ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል እንዳተጸበና ነታ ህይወት ብዙሓት ጀጋኑ ዝተኸፍላ ሃገር እውን ከጥፍእዋ እዮም” ብዝብል ዝገልጾ ዘሎ ረዚን ስኽፍታ ናይ ምሕባእ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ እውን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግዲፍ ካልእ ምርጫ ስለ ዘየብሉ ከምዚ ዓይነት ኣተሓባባእ ክጻወት እንተፈተነ ዘተዓዛዝብ እምበር ዘገርም ኣይኮነን። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን በዚ መደንዘዚ ተግባራት ህግዲፍ ክጥበር እሞ ካብዚ ዘለዎ ናይ ቃልሲ መስርሕ ንድሕሪት ተመሊሱ መዕንደሪ ወጽዓ ናይቲ ጉጅለ ክኸውን ማለት ዘበት እዩ። ነቲ ሓዊ ናይ ምጥፋእ ኣኼባታት ዝውሃቦ ዘሎ ገብረ መልሲ እውን ነዚ ዘመልክት እምበር ከምቲ ህግዲፍ ክኾነሉ ዝሓሰቦ ኣይኮነን።
ኣብ ከምዚ ሎሚ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታትን ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ዳምዳምን፡ ኩልና ኣበርክቶና ኣብ ቃልሲ ከነሕይልን ኣብ ተዳሎ ክንከውንን ናይ ግድን እዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ፡ ዝያዳ እቲ ካልእ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብወጽዓ ህግዲፍ ዝተበደለን ኩሉ ዕድላቱ ዘጥፈአን ብምዃኑ፡ ካብዚ ሓሊፉ ዝተወደበ፡ ተራኺብካ ብጉዳይ ህዝቢ ናይ ምልዛብ ዝያዳ ዕድል ዘለዎን ናይ ምግዳድ ዓቕሚ ዘለዎ ዕጥቂ ዝውንን ስለ ዝኾነ፡ ሓላፍነቱ ከም ዝዛይድ ይዝንገዖ እዩ ዝብል ሻቕሎትኳ እንተዘየብልና ከምቲ “ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለካ እንተዝውስኹኻ” ዝበሃል ከነዘኻኽሮ ኣድላይ እዩ።
ስለዚ ድማ እዩ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ፡ “ጕባኤና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።” ዝብል ቁምነገር ዘስፈረ።
ኣብዚ ወሳኒ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ንህዝቡ “ኣነ ኣብ ጐነኻ ኣለኹ” ክብሎ እምበር፡ “እንታይ ኢና እሞ እንገብሮ፡ እዚ ሰብኣይ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ” እንዳበለ ከዕዘምዝም ኣየምሕረሉን እዩ። ምናልባት ስቓዩን ስቓይ ህዝቡን ዘንጊዑን ሰሓብ በቒሊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝኸውን እንተልዩ እሞ ከኣ መሬት ምስ ወገሓ ጣዕሳኡ ኣይክወጸሉን እዩ።
ጉጅለ ህግዲፍ ዘርእዮ ዘሎ ዕግርግርን ኣብ ዘዘይምልከተካ ጉዳያት ጨብረቕረቕን ናይ ሓያልነቱ መርኣያ ዘይኮነ ናይ ዓቕሊ ጽበቱ ምልክት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ምስቲ ሓደ እንዳተመሓዘወ ምስቲ ካልእ እንዳ ተፋትሐ፡ ከብቲ ዓቕሉ ኣጽቢብሉ ዘሎ ቀንዲ ኤርትራዊ ዛዕባ ንምህዳም፡ ሎሚ እውን ከም ኣመሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ዘይኮነ ህውከትን ዕግርግርን ካብ ምጽሕታር ድሕር ከምዘይብል ካብ ተመኩሮና ክንመሃሮ ዝግበኣና እዩ። ናይዚ ዘይቅዱስ ማእለማ ቀዳማይ ግዳይ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ክኸውን። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ መዕገሲ ወልፊ ውግን ህውከትን ህግዲፍ ቅድሚ ምዃኑ፡ ብንጹር “ኣነ ምስ ህዝበይ እየ” ዝብል መርገጹ ከነጽር ይጥለብ ኣሎ። እዚ ድምጺ ሰራዊት ኣብ ዝስመዓሉ፡ እቲ ወሳኒ ሓይሊ ህዝቢ ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፍ ክተኣማመን ይግበኦ። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ርእዩ ከምዘይረኣየ ምጽቃጥ ግና፡ ንሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ዘለዉዎ ናብ ዝኸፈአ’ውን ክወስድ ከም ዝኽእል ምስትብሃል ኣገዳስን እዋናውን እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ስደት ኤርትራውያን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ብብዙሕ ውረድ ደይብ ዝሓልፍ ዘሎን እዩ። ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዘይቅሱንን ደፋእን ሃለዋት ምፍጣሩ እዩ። እቲ ቅድም ናይቲ ዘይቅሱን ክትስደድ ዝደፍእ ሃለዋት ጠንቂ መግዛእቲ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። እቲ ድሕሪ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ምውጋዱ ስልጣን ዝሓዘ እሞ ንብዓት ስደተኛታት ክሕብስ እምነት ዝተነብረሉ ጉጅለ፡ ዝያዳ ስደተኛታት ክፍጠሩ ጠንቂ ምዃኑ ከኣ ንተመኩሮ ስደት ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ይገብሮ።
ኣብ ግዜ መግዛእትን ድሕሪ መግዛእትን ዝተሰደ ኤርትራዊ ብብዝሒ ኮነ፡ ብኣድማዕነት ኣብ ጉዳይ ቀጻልነት ሃገር ከነወዳድር እንከለና፡ እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደተኛ፡ ዝበዝሐ እሞ ድማ ብመንእሰይ ዝተዓብለለ፡ ብርሰት ከየስዕብ ዘስግእ ምዃኑን ብሩህ እዩ። ኤርትራዊ መንገዲ ስደት ክሓስብ እንከሎ ኣብ ግምት ዘእትዎ፡ ቀዳማይ ብቐሊሉ ካብ ኤርትራ ዝወጸሉ ኣቕጣጫ እዩ። ካለኣይ ከኣ ድሕሪ ምውጻኡ ኣርሒቑ ዝስደደሉ መንገዲ ምጥጣሕ ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል። በመንጽር እዚ ዝበዝሐ ኤርትራዊ በመንገዲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ዝስደድ ክንዕዘብ ጸኒሕና። እቶም ናብ ክልቲኡ ኣቕጣጫ ዝስደዱ ከነወዳድር እንከላና ከኣ ዋላኳ ካብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ናብ ሱዳን ዘምርሑ እንተለዉ፣ እቶም ብመንገዲ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ከም ዝበዝሑ ይግመት።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነብርሉ ግዜ፡ ብዘይካቲ ኣብቲ መደበር ዝግበር ናይ መጽለሊ፡ ሕክምና፡ ታሕተዋይ ደርጃ ትምህርትን ምውሓስ ድሕንነቱን ኣገልግሎታት፡ ኣብ ዓዱ ብሰንኪ እኩይ ተግባራት ህግዲፍ፡ ዝተሓረሞ ናይ ደረጃ ዩኒቨርሲት ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣብ ክልል ትግራይ ክረክብ ምጽንሑ ናይ ትማሊ ተዘክሮና እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስለቲ ምስ ኤርትራዊ ስደተኛ ዘርእይዎ ዝነበሩ ምትሕብባር፡ ብሓፈሻ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡ በግዜኡ ከመስግን ጸኒሑ እዩ። እዚ ከኣ ታራ ምምስጋን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ውሳነታት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዓብይ ውራይ ሒዙ “ሰዲህኤ ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ኣህዛብን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘቐምጥ ስለዝኾነ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።” ዝበሎ ምስትብሃል ይከኣል።
ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መራሕተን ጥራይ ዝተሓጽረ፡ ዘይግሉጽ ስምምዕን ወዛሕዛን ከም ዝተገብረን ብዙሓት ኣብቲ ስምምዕ ከባብያዊ ረብሓ ዘለወን መንግስታት ከም ዝደገፈኦን ንዝክር። መንግስቲ ኤርትራ ካብዚ ዘይቅዱስን ዘይግሉጽን ስምምዕ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ከም መቐጸልታ እቲ ብሰንኩ ዓዶም ንዝለቐቑ ኤርትራውያን ደድሕሪኦም እንዳሰዓብካ ናይ ምስቓዮም ባህሪኡ፡ ጉዳይ እቶም “ተኲስካ ቅተል” ፖሊሲኡ ስዒሮም ካልእ መተካእታ ስለ ዘይረኸቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነኺስዎ ዘሎ ኣጀንዳ ምዃኑ ሎምስ ብሩህ ምልክታት ከረኢ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቲ ሃገሮም ቅድሚ ሕጂ ዝፈረመቶ ስምምዓት ጓዕጺጾም፡ “ንስኻ ስደት ይግበኣካ እዩ፡ ንስኻ ግና ስደት ኣይግበኣካን እዩ” ክብሉ ከም ዝተደናደኑ ክንዕዘብ ጸኒሕና። እንተኾነ ንጉዳይ ስደት በቲ ቀንዲ መሰረቱ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ ክትዓግቶ ኣይተኻእለን። ሎሚ እውን እነሆ ብዘይኣፍልጦን ተቐባልነትን እቶም ኣብ ኣብ መደበራት ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ መደበር ስደተኛታት ነታ ካብ እትኽፈት 7 ዓመታት ዘሕለፈት ካብ ከተማ ሽረ ንወገን ምዕራብ እትርከብ መደበር ሕንጻጽ ናይ ምዕጻው ሰላሕታዊ ወስታታት ንዕዘብ ኣለና።
ድሕረ-ባይታ መዛግብቲ ኢትዮጵያ ከም ዝሕብሮ፡ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ማዕጾኣ ከፊታ ናይ ምቕባልን መሰል ስደተኛታት ናይ ምሕላውን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ። ብ2004፡ ነቲ ብ1951ን ብ1967ን ዝፈረመቶ ዓለምለኻዊ ፕሮቶኮል ስደተኛታትን ናይ 1969 ስምምዕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ኣብ ግምት ኣእትያ ኣተሓሕዛኣ ዝያዳ ከተማዕብል ዝወሰነት ሃገር እያ። በዚ መሰረት ናይ 29 ለካቲት 2020 ዝተሓደሰ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ 748,448 ናይ 29 ሃገራት ስደተኛታታት ኣዕቊባ ከም ዘላ ይሕብር። ካብዚኣቶም ኤርትራውያን 22% ይሕዙ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ምስጉን ድሕረባይታኡ ጓዕጺጹ፡ ነቲ ሓላፋይ ጉጅለ ኢሳያስ ከሕጉስ ክብል፡ ዓለም ለኻዊ ውዕል ጥሒሱ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራን ስደተኛኡን ከይቀያየም በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽሮ ንፈቱ። ብኣንጻሩ ነቲ መሻርኽቱ ኮይኑ ዘሎ ጉጀለ ህግዲፍ፡ ናይቲ ሕጂ ዝፈርሖ ዘሎ ስደት ጠንቂ ባዕሉ ምዃኑን እቲ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ መደበራት ብምዕጻው ዘይኮነ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ደፋኢ ምምሕዳር ብምውጋድ ጥራይ ከም ዝዕረን ምኽሩ እንተዝልግሰሉ ኣዝዩ መምሓረሉ። ከምዚ ምባል ሓርቢትዎ ምስ ህግዲፍ ኮይኑ ነቲ ስደተኛ ክዘርዮ ግና ዓገብ ዘብል እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ስደት ግዝያዊ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን። ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዘለዎዉ ይሃልዉ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደቶም ዝኾነ ኣብ ሃገርና ዘሎ ወጽዓ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳተፉ ከኣ ብቐጻሊ ይጽውዕን የተባብዕን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ብቓልሶም ንጠንቂ ስደት ስዒሮም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ፡ ኢትዮጵያ ኮነ ካለኦት ዘዕቆበኦም ሃገራት፡ መሰሎም ከኽብራን ብዋጋኦም ምስ ጉጅለ ህግዲፍ ከይጣልዓን ካብ ምዝኽኻረን ዓዲ ኣይወዐለን ንመጻኢ እውን ዝቕጽለሉ እዩ። እቲ ሓሓሊፉ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት ገዲፍካ፡ ንልግስን ኣቀባብላ ኤርትራዊ ጋሻን ክልላዊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ እንዳነኣደ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብዋጋ ኤርትራዊ ስደተኛ መሳርሒ ጉጅለ ህግዲፍ ከይከውን ይምሕጸን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እንዝከረሉ ቅነ ንርከብ ኣለና። ኣብ ኣመዓባብላ እዛ ዕለት ኣብ 1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ ምልዕዓል ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዝተኻየደን ቀንዲ ሕቶአን፡ ማዕረ ክፍሊትን መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብር። ነዚ ስዒቡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ብዛዕባ ወጽዓአን ዝዝቲ ኮንፈረንስ ኣካይደን። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኸየደ፡ ታሪኽ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ይሕብር። እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስቶዮ ኣብ 1913-14 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ከም ዝነበሮን፡ ድሕሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትኽበር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ክትክበር ጀሚራ።
እነሆ ናይ 2020 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ከኣ “ኣነ ናይ ማዕርነት ወለዶ እየ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብግብሪ” ብዝብል ቴማ ትዝከር ኣላ። ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ንምርጓድ እዩ። እዚ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሰን ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮና ዝምህረና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋግጽናዮ ሓቂ እዩ።
ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክንመጽእ እንከለና፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ እሞ ተሳትፎአን ክሳብ 30% ዝበጽሕ ዝነበረ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንኹሉ ጸገማት ክኢለን፡ ንካለኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ኣብነት ከም ዝኾና ምስኩር እዩ። ነዚ ኩነታት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክንመዝኖ እንከለና ግና፡ ናብ ካልእ ጫፍ ከይዱ እተን ዝያዳ ዝተበደላ፡ ምስ ተሳትፎአን ኣብ ቃልሲ ዘይመጣጠን መነባብሮ ዘሕልፋን፡ ክንድቲ ኣበርክቶአን ኣብ መሪሕነታዊ ቦታታት ክሳተፋ ዕድል ዘይረኸባን ኮይነን ኣለዋ። ኣብ እዋን ቃልሲ ከመይ ከም ዝዋግኣ እምበር ብኸመይ ኣግእዞ ደቂ ኣንስትዮ የረጋግጻ ክመሃራ ዕድል ከምዘይኣይረኸባ ከኣ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታተን የረድእ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪር ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን ከምዘይርህወን’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣደነት ትዕድልተን ተወሲኽዎ፡ ናታተን ወጽዓ ዝመረረ ከም ዝኾነ ብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምርግጋጹ ዝከኣል እዩ።
8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ወጽዓአን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ክትከውን ኣይግበኣን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ እሱራት ከይኮና መጻኢ ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዘማዕድዋላ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።
ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞና፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ዘይምጽንሑ ከም ቀንዲ ኣሻቓሊ ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ነዚ ሻቕሎትዚ ንምፍዋስ ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ቀንዲ ዕማሞም ወሲዶም ንምፍትሑ ይቃለሱ ኣለዉ። ብመንጽር እዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ነብሱ ዝኸኣለ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ርእሲ ምቛሙ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ንረኽቦ። እንተኾነ እዚ መበገስን መርኣያ ድልዉነቱ ንማዕረ ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ዘመላኽት እምበር፡ ኣብዚ መዳይዚ ጌና ብዙሕ ቃልሲ ከም ዝጽበዮ ይኣምንን ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቅሩብነቱ የረጋግጽን።
መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾነ ተርእዮ ብእዋናዊ ምዕባለ ክጽሎ ባህርያዊ እዩ። በምንጽር’ዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዓመትዚ ከቃልሕኦ ዝግበአን፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ንልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ከየእትዎ ዘስግእ ዘሎ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ ዘውግዝ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውድባተን፡ ሰልፍታተንን ማሕበራተንን ከካይደኦ ዝጸንሓ ቃልሲ፡ ብተበግሶ ኣደታት ኣብ ኤውሮጳን ብምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዋሽንግተንን ይምዕብል ንዘሎ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓሳት ዘተባብዕን ዘሕይልን ክኸውን ይግበኦ።
ኣብዚ እዋንዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝያዳ ዝሐለፉ ዓመታት ብጸረ ህዝቢ ተግባራትን ጥልመትን ህግደፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኣዝዩ ዘማርረሉ ህሞት ኢና ንርከብ ዘለና። ክንድቲ መረርኡ ጭረሖ ይኣክልን ካልእ ንቕሎታትን ኣምሪሑ ኣንጻር ወጽዓ ይለዓዓል ምህላዉ ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ኣብ ግምት ከእትወኦ ይግበአን። ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ተጽዕኖ ስዒረን ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ንክኾና ቀንዲ መሳርሒአን ሓድነተን ምድልዳል ምዃኑ ኣሚነን፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ብሰንኪ ዘይመሰረታዊ ምኽንያታት ዝተረሓሓቐ ዓቕመን ናብ ሓደ ኣምጺአን፡ ነቲ ብሓባር ክቃለስ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ ተቓውሞ ኣውንታዊ ኣብነት ክኾነኦ ይግበአን። ብዘይካዚ ቃልሰን ብዘይተሳተፎ ደቂ ተባዕትዮ ክዕወት ከምዘይክእል ተረዲአን፡ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዝብቅዐን ኣገባብን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ከድልየን እዩ። ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ እውን ዓወት ጓለንስተይቲ ዓወት መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ጐነን ክስለፉ ይግበኦም። ግዜ ነዊሑ ወጽዓ ህዝብና ብኽንድኡ ደረጃ ከይመርር ከኣ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ተንሰኣ ተሎ ……” ንብለን።
8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!
ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ህዝቢ ብኣድማዒ ኣገባብ ክቃለስ፡ ንውጽኢት ቃልሱ'ውን ካብ ኢዱ ከይወጽእ ክቆጻጸርን ድልዱል ውደባ ከምዘድልዮ እምነት ሰዲህኤ እዩ። ብቑዕ ውደባ ዝሰኣነ ህዝባዊ ናዕቢ ዕላምኡ ብጸረ ህዝቢ ሓይልታት ክጭወ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ሰደህኤ ህዝቢ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይቃለሰ፣ ንመጻኢ ዕድሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቍጽጽሩ የእትዎ፣ ዝብል ዘይዕጸፍ እምነት ዘለዎ።” (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ካብ ዝሰፈረ ተልእኾ ሰልፊ ዝተወስደ)
ኤርትራውያን ሎሚ’ውን ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና። “ሎሚ እውን ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና” እንብል ነቲ ትማሊ ዘካየድናዮ ናይ 30 ዓመታት በሊሕ ቃልስን መስተንክራዊ ዓወትን ንዘይምዝንጋዕ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ቃልስና ናይቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ መቐጸልታ ምዕራፍ እምበር፡ ካብኡ ነጺልካ ዝረአ ከም ዘይኮነ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ብዙሓት ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ረቂቕ ናይ ምውሓስ መሰረታዊ መሰል ቃልሲ ተዋሳእቲ እውን ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝነበሩ ምሉእ ህይወቶም ንቃልሲ ዘውፈዩ ሰብ ኒሕን ሕድርን ሓርበኛታት እዮም።
ኣብቲ ናይ ናጽነት ቃልስና ኤርትራውያን በሃግቲ ናጽነት ኔርና። ባህግና ካልእ ኣካል ከግህደልና ከይተጸበና ከኣ፡ ከከም ዓቕምናን ኩነታት ዘፍቀደልናን ጸኒዕና ተቓሊስና። ሳላ ኢደይ ኢድካ ዝበልና ከኣ ቃልስና ብናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ሃገርና ተጸንቢሉ። ስለዚ ኢና ከኣ “ናጽነት ኤርትራ ናይ ኩልና ብኹልና እምበር፡ ከምዚ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ፡ “ናጽነት ኣምጻእን ናጽነት ተተኳብን” እንበሃሃለሉ ኣይኮነ ኢልና እንኣምን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ነቲ ከም እታ በላሕ ጫፍ ኲናት ዝምሰል፡ ግደ መሪሕ ውድባት ኤርትራ ብምንእኣስ ኣይኮነን። እታ በላሕ ክፋል ኲናት፡ እቲ ዝተረፈ ኣካላት ናይታ ኲናት ብሓባር እንተዘይደፊኡ ወጊኣ ከምዘይተድሚ፡ ውህደት መሪሕ ውድባትን ህዝብን ቅድም ኮነ ሎሚ ወሳኒ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዝግበኦ ኣይኮነን።
ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓለም ዝመስከረሉ ወጽዓ፡ ግፍዕን ግህሰትን ዝፍጽም ዘሎ ጉጅለ ኢሳያስ ንምውጋድን፡ ብራህዋ፡ ፍትሒ፡ ምዕሩይን ትካላውን ምምሕዳርን ንምትካእን ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ባህሪ፡ ካብቲ ብረታዊ ቃልስና ዝተኻየደሉ ግዜ ኣብ ዝተፈለየ ዓለማዊ ኩነታትን ምዕባለን፡ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ ክልቲኡ ማእከሉ ህዝቢ ስለ ዝኾነ መሰረታዊ ምርሕሓቕ የብሉን። ከምቲ ኤርትራውያን በሃግቲ ናጽነት ባህግና ንምግሃድ ኩልና ነናትና ጸጸር ዝደርበና እሞ ዝተዓወትና፡ ሎሚ እውን ኩልና ኢና ነዚ ዘለናዮ መዋእል ብዝምጥን ኣገባብ ኣንጻር ህግዲፍ ክንስለፍ ዝግበኣና።
ኣብ ቃልሲ ግደ ውድባት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ጠቒስና ኣለና። እተን ውድባት ብበሃጊት ሓርነት ዝተነድቃ እምበር ኣብቲ ሓርነት ባህጊ ብዘይብሎምን ንናይ ካለኦት ባህጊ ጥራይ ብዝቃለሱን ዝቆማ ኣይኮናን። እዚ ማለት ብዙሓት ንነናይ ገዛእ ርእሶም ሓርነት ዘካይድዎ ቃልሲ፡ ብሓባር ክውደብ እንከሎ እዩ ህዝባዊ ናይ መሰልን ሓርነትን ቃልሲ ማዕበል ዝኸውን። ኣብዚ ዝኾነ ወገን፡ ወይ ንገዛእ ርእሱ ከም ንናይ ካለኦት መሰል ፍሉይ ተሓላቒ ወይ ድማ ከም መሰሉ ዝረጋገጽ ብናቱ ኣበርክቶ ዘይኮነ፡ ብናይ ካለኦት ቃልሲ ገይሩ ዝሓስብ እንተልዩ፡ ክልቲኦም ወገናት ግጉያት እዮም። ምኽንያቱ ኩልና ናይቲ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝወርድና ዘሎ በደል ግዳያት ኢና። በቲ ካልእ ወገን ካብዚ ናይ ጸልማት እዋን እንወጽእ፡ ብናይ ኩልና ቃልሲ ምዃኑ ኣነጺርና ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣብ ዘይተነጸረሉ፡ ቃልስና ኣድማዒ፡ ውዱብን ኣሳታፍን ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ተወዲብካ ምቅላስ፡ ነቲ መሪሕ ኣካል ዝመርጾ መንገዲ፡ ክሳብ ክንደይ “መንገዲ ደሓን መጻኢ” ምዃኑ ግቡእ ምክትታል ዘይምግባር ናብ ሕማቕ መደምደምታ ከም ዝወስድ ኣብ ተመኩሮ ህግዲፍ ኣርእይዎ እዩ። ደጊም “ኣነ እየ እዚ ለውጢ ኣምጺአልካ እሞ ብምርጫኻ ዘይኮነ፡ ብምርጫይ ክመርሓካ እየ” ዝብል ካልእ ኣካል ከይመጾን ወናኒ ናይቲ ተጠኒሱ ሎሚዶ ጽባሕ ይሕረስ ዝበሃል ዘሎ ለውጢ ክኸውንን፡ ብንቕሓት ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ክሳተፍን ከበርክትን ይግበኦ።
እዚ ንህዝቢ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ኣብ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ካለኦት ናይ ለውጢ መድረኻትን ተሰሊፍና ንዘለና ኤርትራውያን እውን ዝምልከት እዩ። ውዱብ ምዃን ኣብ መስርሕ ቃልሲ ነቲ መንገዲ ምሓዝ እዩ። እቲ ዝኸበደ ሓላፍነት ከኣ በዚ ዝመርጽካዮ ጉደና ቃልሲ፡ ኩሉ ካባኻ ዝድለ ግቡእን መሰልን እናተግበርካ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ካለኦት ብዛዕባኻ እናተዛረብካን እጃምካ እንዳበርከትካን ክትጐዓዝ ምብቃዕ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ናይ ሓደ ሃገር ህዝብን መንግስትን እንታይ ክገብሩ ይግበኦም፡ እንታይከ ክገብሩ ኣይግበኦምን ዝዳኒ ናይ ውዕል ሰነድ ኣለዎም። ንሱ እቲ ኣብ ሃገርና በዂሩስ ንክህልው ንቃለሰሉ ዘለና ሕገ-መንግስቲ እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ተወዲብና ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዘለና መስርሕ እውን፡ እቲ ዓብይ ዕላማ ዘመልክት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኮይኑ፡ ናይ መሪሕነትን መሪሕነት፡ ህዝብን መሰላትን ሓላፍነታትን ዘነጽር ሰነዳዊ ውዕል ኣለና። ነዚ ተማእዚዝካ ብትካላዊ መንገዲ ግቡእካ ብምፍጻም ካብ ናይ ካለኦት ተጸባይ ምዃን ናጻ ምውጻእ ከኣ መባእታዊ ሓላፍነት እዩ።
ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዝኾነ ውዑይ ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ክፍሊ ሕረተ-ሰብዚ ከም ምርጫኡ፡ ኣብቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ውዱብ ኣካላት ተሳቲፉ ናይ ምብርባር፡ ምስግጋርን ግደኡ ክፍጽም ሓደ ምርጫ እዩ። ወይ ድማ እቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ውዱብ ኣካላት ዝሓዞ ኣቕጣጫ እንተዘይተሰማሚዕዎ፡ ናቱ ውደባት ክፈጥርን ኣተሓሳስባኡ ከሰጉምን ኣብ ኢዱ ዘሎ እምበር ካልእ ዝተኹበሉ ኣይኮነን። እቲ ዝምረጽ ኣገባብ ግና ካብ ዘዝመጸ ሓድሽ ትውልዲ ጀማሪ ዝኸውን፡ ኣብቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ቃልስን ምህናጽ ሃገርን እናተዋሳእካ ናትካ ኣበርክቶ ወሲኽካ ምምዕባሉ እዩ። ማለት ኣብቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ መሰረት፡ ናትካ ሕጡብ ኣብ ርእሲ ሕጡብ እንዳቐመጥካ ምብራኹ እዩ ስልጡን ኣተሓሕዛ። ነዚ ኣቐሚጥካ ንውድባት እንዳነኣኣስካ፡ ናይ ርሑቕ ተዓዛቢ ወይ ነቓፊ ጥራይ ምዃን ግና ብሓጺሩ ሓጋዚ ኣይኮነን። ኣይኮነዶ መንእሰይ ካልእ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ባህጉ ብኣበርክቶኡ ከግህድ እምበር፡ ምስምስ ብምፍጣር ካብ ቃልሲ ዓዲ ክውዕል ኣይግበኦን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“…ሎሚ ልዕሊ ዕስራን ሾመንተን ዓመት ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት፣ ኤርትራ ሃገርና ልዑላውነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ቁጠብኣ መሬት ዘቢጡ፣ ምልክታት ናይ ዝፈሸለት ሃገር ኣንጸላልዩዋ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። እቲ ኣፍራይ ዝብሃል ሓይሊ ኤርትራ፡ ኣውራ ድማ እቲ ንቐጻልነት ሃገር ዘውሕስ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ፡ ካብ ንቡር መነባብሮኡ ተፈናቒሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ብጅምላ ክስደድን ክበታተንን ተገዲዱ ንሓደጋታት ምድረበዳን ባሕርን ካልእ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ይቃላዕ ኣሎ።…” (ካብ መቕድም፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
ኤርትራዊ ንሃገሩ ኤርትራ በጃ ከም ዝሓልፈላ ንምግላጽ ተጽዕኖ መግዛእታዊ ሓይልታት ከይገደቦ፡ ዘሚሩላ፡ ገጢሙላ፡ ደሪሱላን ደሪፉላን። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበረ ብዝምድናዊ ኣገላልጻ ዘይጐነጻዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንሳላሳ ዓመታት ከም ሓንቲ መዓልቲ ክቡር ዓጽሙ ከስኪሱላ ሓፊስ ደሙ ኣፍሲሱላ። ናይ ዝኾነ ሃገር ዜጋ ነንሃገሩ ከም ዘፍቱን ከም ዘፍቅርንኳ ርዱእ እንተኾነ “ኤርትራውያን ፈተወቲ ሃገሮም እዮም” ዝብል ቅጽል ኣብ ቅድሚ ዘይኤርትራውያን ወገናት እውን ቅቡል እዩ። እዚ ካብ ዘብርሆ ጉዳያት ሓደ ከኣ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለላ እምበር ከም ገጸ-በረኸት ዘይተዋህበት ምዃና እዩ። ነዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ክብሪ ናይ ምቕጻሉ ብደሆ ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እዩ።
መግዛእቲ ተሳዒሩ ኤርትራ ብሳላ ደቃ ናጻን ልኡላዊትን ምስ ኮነት፡ ትጽቢት ኤርትራን ኤርትራውያንን፡ ናይ ቀደም ዛንታ ጅግንነት እንዳዘከርካን እንዳስተንተንካን ምንባር ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ነቲ ዝተመዝገበ ቅያ ከም መንጠሪ ወሲድካ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ን30 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኾሊፉ ዝጸንሐ ልምዓት ንምምላስ፡ ዝያዳ ጉያ፡ ኣብ መዳያት ሰላም፡ ልምዓትን ህንጸትን፡ ዲሞክራስን ምኽባር መሰረታዊ መሰላት እዩ ነይሩ ህርፋን ኤርትራውያን። ብኻልእ ኣገላልጻ ቃልሲ ዘስዓቦ ስንብራት ኣብ ክንዲ ምሕካኽን መመሊስካ ምጉዳእን ንዓኡ ምሕዋይ እዩ ነይሩ ድሌት ኤርትራውያን። እንተኾነ ብሰንኪ ናይቲ ንኤርትራዊ ጸጋታትን ህርኩት ዓቕሚ ህዝባን ኣሳንዩ ናብ ሃገር ናይ ምሕዋይን ዳግመ-ህንጻን ደረጃ ናይ ንምድያቡ ሓላፍነት ዝነበሮ ኣካል ቅሩብ ብዘይምንባሩን ክሳብ ሕጂ ዘይምዃኑን፡ እነሆ ባህጊ ኤርትራን ህዝባን በቲ ዝተጸበይዎ ኣቕጣጫ ክስጉም ኣይከኣለን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምዚ ዝኾነ፡ እቲ ሎሚ ተሓቚኑ ተሓቚኑ “ህግዲፍ” ናብ ዝበሃል ዘይጥዑይ ጉጅለ ጽዕዩ ዘሎ ኣካል፡ ኣንጻር ባህጊ ሃገርናን ህዝብናን ዘቕነዐ፡ ዓቕሚ ስኢኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ናይ ምጽናትን ሃገር ናይ ምዕናውን መንገዲ ስለ ዝመረጸ እዩ።
ሎሚ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ዝኾነ ሴክተር ጠቒስካ ክትግምግም እንተጀሚርካ፡ እቲ መደምደምታ “ኣሉታዊ” ጥራይ እዩ። መዳያት ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ሰላም፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ……. ወዘተ ኣልዒልካ ብዛዕባኡ ናይ ቀረባ ዳህሳስ እንተካየድካ፡ መደምደምታኻ ኣብ ኤርትራ “መድሃኒት የለ፡ ቤተሰብና ኣበይ ከምዝተኣስሩኳ ኣይንፈልጥን፡ ማይን መብራህትን የለን፡ ናቕፋ ተሳኢኑ፡ ዘይሰራሕናሉ ግብሪ ክፈሉ ንበሃል ኣለና፡ ቤት ትምህርቲ ፈሪሱ ኣብ ደገ ኢና እንምህር” ዝብሉ ተደሚሮም ገዚፍ “ኣሉታ” ዝሰርሑ ቃላት ኢኻ እተዋህልል።
ድሕርቲ ክጅመር እንከሎ ንብዙሓት ሓቀኛን ትካላዊ ዋና ዘለዎን ዝመስል ዝነበረ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝጸንሖም ጽምኢ ሰላም ሃዊጽዎም፡ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ኣትዮም። ኣብቲ መገሻኦም እታ ሓንቲ ከም ሓሙስ “ኣውንታ” እትበሃል፡ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ቤተሰብን ወላድን ውሉድን ምርእኣዮም እያ። እቲ ካልእ እቶም ገያሾ ምስተመልሱ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዘላቶ ሃለዋት ንምፍላጥ፡ በታ ክልተሻብ ትረአ ዘላ፡ ናይ ትማሊ ጻዕዳ ሎሚ ግና ጸላም ኣስመራ ምጅማር ልሙድ ስለ ዝኾነ “ኣስመራ ጻዕዳ ከመይ ኣላ?” ክትብሎም እንከለኻ፡ ብዛዕባ ጐደናታት፡ ነባራት ህንጻታታ፡ ደረጃ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላታ፡ ዝህቡኻ መልሲ፡ ካልእ ካብኡ ዝሓሸ ቃል እንተዘይተሳኢኑ ኪኖ “ኣሉታዊ” ዝኸይድ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝኖም ከኣ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ስደት ብግቡእ ስለ ዘይገልጾ፡ “ፍልሰት” ክንብሎ ዝጸናሕና ኣስመራ፡ ኣይኮነንዶ ብለይቲ ብቐትሪ “ተወር” ዝብል ሰብ ዘይብላ ጽምዋ ምዃና እዮም ዝገልጽዋ።
ሰብ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ንቡር ህይወት ወሳኒ ባእታ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ የብላን ማለት ኩሉ የብላን ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድሕሪኡ ኩነታት ገጠር ኤርትራን ናይተን ካብ ኣስመራ ዝነኣሳ ከተማታትን ዝገደደ ከም ዝኸውን ርዱእ ስለ ዝኾ፡ ኣይትሓተሉን ኢኻ። በዚ ጽምዋ ስለ ዝሰንበዱ ካብቲ ዝሓሰብዎ ግዜ ቀልጢፎም ነናብ ዝመጽዎ ዝምለሱ ገያሾ ብዙሓት እዮም። ክሳብ ጫፍ ገጠራት ከይዶም ቤተሰብ ሓቲቶም ክምለሱ መደብ ዝነበሮም በቲ ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ዝረኣይዎ ኩነታት ውድቀት ተስፋ ቆሪጾም ካብ ኣስመራ ዝምለሱ ብዙሓት እዮም። ብሓፈሻ “ድሕሪ ሕጂ መገሻ ናብ ኤርትራ ይኣኽለኒ” ዝብል እምበር፡ “ናብ ኣስመራ ክመላለስ እየ” ዝብል ሳሕቲ ኢኻ እትሰምዕ። ብሓጺሩ ብሓፈሻ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣስመራ መሰታ ቀዳሞት ነይረንስ መሰታ ዳሕረዎት ኣብ ዝኾናሉ ደረጃ እየን ዘለዋ።
እዚ ኩሉ ዘርእየና፡ እምበኣር ጉጅለ ህግዲፍ ንኤርትራ ብምልእታ ኮነ፡ ንከተማ ኣስመራ፡ መንበሪ ዝጥቀመለን እምበር ዘመሓድረን ከምዘይኮነ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ፡ ህግዲፍ ንኤርትራ ደይመደይ ኢሉ፡ ከም ዝጠለማ ዘርኢ እዩ። ኤርትራ ግና ናትና ናይ ኤርትራውያን ሃገር እምበር፡ ናይ ህግዲፍ ብሕታዊት ትካል ስለ ዘይኮነት፡ ንሕና ኣብ መስርዕ ለውጢ ተሰሊፍና ዘለና፡ ብግብሪ ዓው ኢልና “ንሕና ኣለናልኪ ኤርትራ “ ክንብላ ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ እዋን ኢና ዘለና።
ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ
“6.3 ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ህዝብታትን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጐጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘንብር ስለዝኾነ፡ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።” (ካብ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
ስደት ንኤርትራውያን ነዊሕ ታሪኽን ውረድ ደይብን ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ እዩ። ስደት ንኤርትራውያን ካልእ መፍትሒ ምስተዓጽወ ዝውሰድ ህይወት ናይ ምድሓን ስጉምቲ እምበር ናይ ባህታ ጉዕዞ ኣይኮነን። ንኤርትራ በብተራ ዝገዝእዋ ሓይልታት፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል ጭረሖ ኣምሪሖም፡ ህዝባ ንብራስን ንምብስባስን ዝመረጽዎ ኣጽናቲ ስልቲ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ነይሩ ሕጂ ኣብ ግዝኣት ህግዲፍ እውን ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ 1967 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተወስደ ናይ ብርሰትን ምጽናትን ሓደገኛ ስጉምቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ምንባሩ ብመጽናዕትታት ዝተሰነደ ዘይርሳዕ ተዘክሮ እዩ። ኤርትራውያን ስደት ንክመርጹ ዘገደዶም ኣስካሕካሒ ስጉምቲ ዝተወስዶም፡ ነቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ የዕጥቑ፡ የዕንግሉን ይሕብሩን እዮም ብዝብል፡፡ እቶም ተቓለስቲ ካብ ህዝቦም ነጺልካ ከም ካብ ባሕሪ ዝወጸ ዓሳ ንምስዓሮም ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ኤርትራውያን ግና ብደረጃ ስደተኛ ኣብ ዓዲ ጓና ምንባሮም ከይዓገቶም ነቲ ኣብ ዓዶም ኮይኖም ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ ንኹሉ ናይ ስደት መረረት ተጻዊሮም ቀጺለምዎ እዮም። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ድሕሪቲ ዋጋ ዝኸፈልሉ ናጽነት ኤርትራ ናብ ዓዶም ብኽብሪ ተመሊሶም ጻማ ቃልሶም ኣይረኸቡን። ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ድሕሪ ናጽነት ሓደስቲ ኣጋይሽ ስደተኛታት ክቕበሉ እውን ተገዲዶም።
ስደት ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ እንዳነከየ ዝኸይድ እንዳገደደ ምኻዱ ካብ ናይ ካለኦት ሃገራት ስደት ፍሉይ ዝገብሮ እዩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደት ኤርትራውያን ከምቲ ናይ ቅድም ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ዘይኮነ፡ ናብ ብዙሕ ኩርነዓት እዩ። እቲ ቀንዲ ኣቕጣጫታት ከኣ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኮይኑ ጸኒሑ። ስደት ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 እዩ ብወግዒ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቡ። ብቕደም ተኸተል ከኣ፡ ፍቸ፡ ብላቴ፡ ደደሳ፡ ሽመልባ፡ ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ሕንጻጽ፡ ኣሳይታን በራሕለን ኣብ ዝተባህሉ ከባብታት ኢትዮጵያ መደበራት ተኸፊቶም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዕቊቦም ኣለዉ።
ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ዘይሕገ-መንግስታውን ዘይዲሞክራስያውን ምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ ዝተፈጥረ እዩ። እቲ ጉጅለ ነቲ ዋሕዚ ንምዕጋቱ ዝመረጾ መንገዲ፡ ኣብ ኣመራርሓኡ ዘሎ ሕጽረታት ገበናትን ብምትዕርራይን ጠንቂ ስደት ብምውጋድን ዘይኮነ፡ ብሓይሊ ኣብ ዶባት እዩ ክዓግቶ ፈቲኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ፡ ናይ “ተኲስካ ቅተል” መምርሒ ከተግብር ስለ ዝመረጸ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናይዚ ጸይቂ ፖሊሲኡ ግዳይ ከም ዝኾኑ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ሸዊት ያቆብ ዝተወስደ ጭካነ ከኣ፡ ናይዚ ግፍዓዊ ተግባር ኣብነት እዩ።
ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዝፍጽሞ ዘሎ፡ ምግሃስ መሰላት፡ መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ዘይፍለጥ መጻኢ ዕድል ኤርትራዊ መንእሰይ ዘጸልመተ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ብኣኡ ኣጐልቢብካ ዝካየድ ካብ ባርነት ፈሊኻ ዘይርአ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ዝርከብዎም ብዙሓት ገበናት እዮም። ከም መራሒ ህግዲፍ ሃገር እናባደመት ብታሕጓስ ኣፍልቡ ዝወቅዕ ዘይኮነ፡ ዋሕዚ ናብ ስደት ክዓግት ንዝደሊ ምምሕዳር እቲ መፍትሒ ጠንቂ ስደት ካብ መሰረቱ ምድራቕ እዩ። ህግዲፍ ግና ብፖሊሲ “ኪድን ኣይትበሎ፡ ከም ዝኸይድን ግበሮ” ስለ ዝምራሕ፡ ከምስል ከጉባዕብዕ እምበር፡ ኣብቲ ጠንቂ ስደት ዋኒነይ ኢሉ ክሰርሕ ባህሪኡ ኣይፈቕደሉን እዩ። እዚ ጉጅለ ቂምን ምፍዳይ ሕነን ቀንዲ መለለይኡ ስለ ዝኾነ፡ ነቶም መሰረታዊ መፍትሒ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ከም ግዝያዊ መዕገሲ ስደት ዝመረጹ ኤርትራውያን ደድሕሪኦም እንዳሰዓበ ካብ ምስቓዮም ድሕር ኣይበለን። እቲ በብግዜኡ ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ገሊኡ ብኢድ ኣዙር ገሊኡ ከኣ ብቐጥታ፡ ከካይዶ ዝጸንሐ ቅትለትን ጭውያን ከኣ ናይቲ ጽዩፍ ተግባሩ ኣብነት እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ከኣ በቲ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ፡ ኢደ-ወነናውን ጻሕታሪ ህውከትን ዘይቅዱስ ዝምድናኡ ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍልጦ ዘለዎም ከይተረፈ ተጽዕኖታት ክፈጥር ትንዕምንዕ ይብል ኣሎ። ንስደተኛታት ዝምልከት ዓለምና እትሰርሓሉ ዘላ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ነቲ ባዕሉ ክስደድ ዝድርኾ ዘሎ ኤርትራዊ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘእትዉ ኣፍደገታት ራማ፡ ሑመራን ዛላንበሳን፡ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዝተመደቡ ኢትዮጵያውያን ናይ ምምዝጋብ ሰራሕተኛታት ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ኩነታት ኣገዲድዎም ክስደዱ ዝወሰኑ ኤርትራውያን ዝወስድ ዘሎ ንኢሳያስ ናይ ምሕጓስ ዘይሓላፍነታዊ ወስታታት ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እዚ ወስታ ኣብ መጻኢ፡ ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ስደተኛታት ዝተመዝገቡ ሕጋውያን ኤርትራውያን ኣሕሊፍካ ናብ ምሃብ ክምዕብል ከም ዝኽእል ከኣ ኣቓልቦ ዘድልዮ እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይኮነ ጠፊእዎም ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠሞም ጸገም ንምዕጋስ ከም ግዝያዊ መፍትሒ ብምውሳድ ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣብዚ ዛዕባዚ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት፡ ክሓስብሉ ይግበኦም። ብዓብይኡ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ኩሉ ዓቕሙ ጸንቂቑ ኣብ ድሮ ዘይተርፍ ውድቀቱ ዝርከብ ዘሎ ዲክታቶር ንከሕጉስ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ዘቀያይሞ መንገዲ ከይክተልን ንዓለም ለኻዊ መሰል ስደተኛ ከኽብርን ንጽወዖ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከኣ ከምቲ “ንውላዱ ፈትዩ፡ ንወዲ ጐረቤት ዝጸልእ፡ ነቲ ውላዱ’ውን ኣይፈትዎን’ዩ” ዝበሃል፡ ነቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርእይዎ ሓልዮት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክነፍግዎ ኣይግበኦምን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እቲ ቀዳመይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ማእከሉ ኤርትራዊ ዛዕባ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ብምንባሩ ክሳብ ክንደይ ኣብ ኢትዮጵያውያን ሓያል ህቦቡላ ኣልዒሉ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ካብቲ ብዙሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ዝባሃል ዘሎ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ “ እዚ ሰብኣይ ኣብ ጉዳይና ኣትዩ፡ ናይቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መስርሕ ለውጢ ደጋፊ ምዃኑ ይጠቅስ ኣሎ፡ ነዚ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነቱ ከም ዝቕጽል እውን ብነድሪ ገሊጹ፡ ከምዚ ካብ ኮነ ኣብታ ንሱ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ፡ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር ብምትእትታው፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ተቓወምቱ ብምዕዳም፡ እሱራት ብምፍታሕን ምርጫ ብምክያድን ደኣ ዘየሰንዮ። ካብዚ ሓሊፉ ገዛኻ ዓጺኻ ኣብ ገዛ እንዳማትካ ወደኽደኽ ምባልን ምዝራግን ናይ ድሓን ኣይመስልን” ዝበልዎ ጥራይ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
ኣብቲ ካለኣይ “ዘቤታዊ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ክፋል ቃለ-መጠይቑ ከኣ፡ መልእኽቱ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣቀራርባኡ ኣዝዩ ዝዛሕተለን ዝወረደን ነይሩ። ካብቲ ዝበሎ እንተላይ ብደረጃ ቋንቋ እውን ክትርደኦ ዘጸግም ኮለል ምባሉ ክውህለል ዝኽእል ሓሳባት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ። ስርዓተ-ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዘይምዕሩይን ዘይትግበርን ምጽንሑ፡ ዕዳጋታት ኤርትራ ዘይርጉ፡ ቀረብ ዝውሕዶን ብዋጋ ምስ ዓቕሚ ዓደግቲ ዘይከይድን ምንባሩ፡ ቀረብ ሓይሊ ኤልክትሪክን ማይን መሬት ዝዘበጠ ምዃኑ፡ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ከምዘይተዓወተ፡ ጉዳይ መራኸቢ ናይ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን ኣዝዩ ድኹም ምንባሩ፡ ክቱር ሕጽረት ቀረብ ኣቑሑትናይ ኮንስትራክሽን ምህላዉ፡ ብኮለልን ጥውይዋይ ዝመልኦ መንገድን ጠቒስዎ። ኣብቲ ንወደባት ብዝምልከት ከኣ “ዓሰብን ባጽዕን እሞ የለዋን” ብዝብል ኣቀራርባ ባዕሉ ተኣሚኑ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢሳያስ ፍታሕ ከምዘይጽበ’ኳ ርዱእ እንተኾነ “ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ክዛረብዩ” ካብ ተባህለስ ኮንደኾን ኢሉ ዝተጸበዮ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበ ጸገማቱ ዝፈትሓሉ እምበር ጸገማቱ ዝጽብጽበሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ ኢሳያስ ክዝርዝሮ ዘምሰየ ጸገማትን ሕጽረታትን ኣብ እንዳኹሉ ስለ ዘሎ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ፡ ብውሕዱ ግና ክንዲ ኢሳያስ ዘይፈልጦ ኤርትራዊ የለን። ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣብ ዓለም እውን ፍሉጥን ኣዛራብን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ንቡር ህዝቢ ዘለዎ ጸገማትን ሕጽረታትን ናብ መንግስቲ ከቕርብ፡ መንግስቲ ከኣ ሓላፍነት ወሲዱ፡ “እዚ ጸግምዚ ፈቲሐ ኣለኹ፡ እዚ ጸገምዚ በዚ ምኽንያት ኣይፈታሕኩዎን ኣብ መጻኢ ከኣ ከምዚ ዓይነት ፍታሕ ከቕርብ እየ” ኢሉ ክምልስን ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ከዕሪ እንከሎ እዩ። ናይ ኢሳያስ ግና ካብ ንቡር ወጻኢ ተመሊሱ ከምቲ “ሓሚምካ እንተኸድካዮስ፡ ሞይቱ ይጸንሓካ” ዝበሃል ኣብ ኣብ ተለቪዥን መምስ ቀረበ ጸገም እዩ ዝዝርዝር። እቲ ህዝቢ ጸገሙ ክዝርዝር እቲ “መራሒ” እውን ጸገም ክጽብጽብ። እቲ ነቲ ጸገም ዝፈትሕ ከደኣ መንዩ ክኸውን? ኮታ ናይ ኢሳያስ ጉዳይ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ዘብል እዩ።
ሃገርና ኤርትራ፡ ናይ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ናይ ዝተፈላለየ ክሊማ፡ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ ምድርን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ብህርኩት ህዝብን ብቀይሕ ባሕሪ ዝገረመትን ብምዃና፡ ጽቡቕ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ናይ ምምዕባል ዕድል ስለ ዘለዋ፡ ኣይኮነንዶ ንህዝባ ንካለኦት ዝኸውን ዕቤት ከመዝግባ ካብ ዝግበአን ሃገራት ሓንቲ እያ። እንተኾነ ነዚ ዝተጠቕሰ ወሳኒ ናይ ዕቤት ረቛሕታት ኣወሃሂዱ ሓላፍነት ህዝቢ ወሲዱ ዝመርሕ ውፉይ፡ ምቕሉልን ህዝቢ እምነት ዘሕደረሉን ብህዝቢ ቆጽሊ ዝወደቆ ምምሕዳር ኣብ ዘይብሉ እቲ ዝበልናዮ ዕቤት ክምዝገብ ኣይክእልን እዩ። ንኤርትራ ኣብቲ ባዕሉ ኩሉ ግዜ ኢሳያስ መውጽእ ኣፉ ዝገበሮ ጸገም ንክትወድቕ እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ኢሳያስ ዝመርሖ ምምሕዳር እዩ እንብል ከኣ ካብዚ ብምንቃል ኢና።
ኢሳያስ ካብ ዝልለየሉ ኣሉታዊ ባህርያት እቲ ቀንዲ ካብ ሓቅን ክውንነትን ወጺእካ ድኽመትካ ብካለኦት ከተማኻኒ ምፍታን እዩ። ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን ንሱ ባዕሉ ክነሱ፡ ንሓንሳብ ካብ ጣልያንን እንግሊዝን ጀሚሩ፡ ቀደም ንኤርትራ ዝገዝእዋ ዝነበሩ እሞ ዝተሳዕሩ፡ ንሓንሳብ ድማ ናብቲ ባዕሉ ዝጸሕተሮ ናይ ብዙሓት ህይወት በሊዑ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ጠጠው ዝበለ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምልጋብ ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ ክብል ተዓዚብናዮ። ንመጻኢ እውን ምስዚ ኩሉ ጸጋን ብጽፍሩ ዝነብር ሕጉግ ህዝብን፡ ኣብ ኤርትራ ዘየድመዐስ፡ ደጊም ብሓፈሻ ምስ ከባቢና ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ሰሪሕና ኢና ጸገማትና እነወግድ እንዳበለ፡ ናበይ ገጹ ክሃድም ሓሲቡ ከም ዘሎ ኣንፈቱ ኣርእዩና ኣሎ። እዚ ውሽጣዊ ጉዳይካ ምርኣይ ፈሪሕካ፡ ናብ ደገ ደገ ምምዕዳው ከኣ ናይ ሎሚኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ መድርኻት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዓዚብናዮ ኢና።
ስለዚ እቲ ናይ ኢሳያስ ኣቕጣጫ ቀይርካ ህድማ ሓድሽ ኣይኮነን። ኢሳያስ ጉዳይ ህዝቢ ኣገዲስዎ ጸገማት ዝፈትሕ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሱ ቀንዲ መንስአ ናይቲ ጸገም እምበር፡ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ክኸውን ዝተዓደለ ኣይኮነን። እዚ ዘመልክተና ከኣ ጉዳይና ባዕልና ካብ ምሓዝ ካልእ መተካእታ ዘይብልና ምዃኑ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ግዜ ካብተን ናቱ መራኸቢ ብዙሃን እውን ርሒቑ ምስ ጸንሐ ብ7 ለካቲት 2020 ንኣስታት 2 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ዝኸውን ግዜ፡ ነቶም ልሙዳት ጋዜጠኛታቱ ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ ነታባይን ኣብ ቅድሚኡ ኮፍ ኣቢሉ ከሕተት ኣምስዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ቃለ- መጣይቕ ክበሃል እንከሎ ሱሌማንን ጳውሎስን፡ መልእኽቲ ምብጻሕ ከበሃል እንከሎ ድማ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብርኣብን ቀወምቲ ተሰለፍቲ ኢስያስ እዮም።
እቲ ነዚ ናይ ትማሊ ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብዘይተለምደ ኣገባብ፡ ዘቤታዊ ጉዳይ ገዲፉ ብናይ እንዳማቱ ብፍላይ ከኣ ብናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ምጅማሩ እዩ። ኣብ ቆጸራኡ ክጸንዕ ድዩ ኣይጸንዕን እንድዒ እምበር “ዳሕራይ ክንመጾ ንኸውን ኢና” ብዝብል፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘድህብ ቃለ-መጠይቕ ክገብር ቆጸራ ሒዙ ኣሎ። ኢሳያስ ኣብዚ ናይ ትማሊ ዘረባኡ፡ ካብቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ንላዕሊ መራሒ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከም ዝቐረበ ኩልና ብምግራም ተዓዚብናዮ ኢና። እዚ ከኣ ነቲ ከወጥሞን ከቐልቅሎን ዝጸንሐ ሸታሕታሕ ኣብ ሉኡላውነት ኤርትራ መሊሱ ዘራጉዶ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን “ናይ ካለኦትከ እንታይ ገደሶ ቅድም ናቱ ዘይገብር” ከም ዝብልዎ ርዱእ እዩ። ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ከምቲ ብዙሓት ተዓዘብቲ ክመዝንዎ ዝጸንሑ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ክተዓራረኽ እንከሎ ዝወጥኖ ውዲታት ከምቲ ዝተጸበዮ ከም ዘይኮነሉ እዩ ብእንጽርጽሮት ዝገዓረ።
ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝጠቐሶ ዘይዕቱብን ተገላባጥን እዩ። እቲ ጥንቂ ናይ ዘይምዕዋቱ ናቱ ንኤርትራዊ ዛዕባ ጠንጢንካ ናብ ጉዳይ ዓባይ ኢትዮጵያ ምድላው ክነሱ፡ ነቲ ብቃላት ክጻወት እንከሎ “ዝነደየ ጃንዳ” ዝብል ሓድሽ ስም ዘጠመቖ፡ ኣብ ጉዳዩ ዘሎ ህወሓት ከላግበሉ ሰሚዕና። ብቐደሙኸ ኢሳያስ ምስታ ብቐረባ ምስ ኤርትራ እትዳወብ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነት ክልል ትግራይ ዘለዎ ዝኸሓነ ጽልኢ መመሊሱ እንዳጻሕተረን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካለኦት ኢዱ እንዳእተወን ጸወታ ተወዲኡ፡ (game is over) ብዝብል እንዳሽካዕለለ፡ ዶብ ተመልኪቱ ንኤርትራ ዝምልከት ንኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ከኣ ንኢትዮጵያ ክወሃብ ይሓስብ ነይሩ ማለት ድዩ። ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ቅድሚ እቶም ትማሊ ምስኡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት፡ “ድሕሪ ሕጂ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ዘልዕሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ክስምሙ ወይ ክምርዙ ዝደልዩ እዮም” ከም ዝበለኸ ረሲዕዎ ማለት ድዩ። እዚ ከኣ ከምቲ “ባዕላ ሰቒላቶ ርሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ” ዝበሃል እዩ። ስለዚ ሕጂ እውን ጉዳይ ዶብ ንከይውዳእ እቲ ናይ ኢሳያስ ጉዳይካ ከይወገንካ ብህርፍን ዓብይ ግዝኣት ተሰሊብካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጠብሎቕሎቕ ምባል ካብቲ ጠንቅታት ሓደ እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ኣብዚ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዳርጋ 1 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ኮለል ዝበለሉ ዘረባኡ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዋላ ንባድመ ዝምልከት ገዲፍና ክንግደሰሉ ኢና ኢሉ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ታራ ጉዳይ ጐረቤት ዘይኮነ፡ ከም ቀንዲ ጉዳዩ ክንሰርሓሉ ከም ዝጸንሐን ከም ዝቕጽሎን ገሊጹ። እዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ዝመጽእ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝስራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝረአ ውጽኢት እዩ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ኢሳያስ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጢ ዕረያ ብዝብል ስም ኣመላኺዑ ገሊጹ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝገበረሉ ከምዘይተዓወተ፡ ዝያዳ በዓል ጉዳይ ኮይኑ ሻቕሎቱ ገሊጹ። ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዝዩ ጠሊቑ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ፍልልያት ፈጢሩ ዘሎ እዋናዊ ዛዕባኦም ኣትዩ፡ ሰልፉ ምስቲ ዘይምእኩል ምምሕዳር ፈደራሊዝም ዘይድግፍ ሓይሊ ምዃኑ ኣንጸባሪቑ።
እቲ ዝያዳ ዘገርም ኢሳያስ ኣብቲ ዝያዳ 20 ዓመት ዝተሰርሓሉን ምርኡይ ኣውንታ ዘመዝገበን ሎሚ ከኣ ይመሓይሽዶ ይሰረዝ ዘዛርብ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ርኢቶ ክህብ ተሓቲቱ ከም ዝነበረን ርኢቶኡ ምስ ሃበ ሓሳቡ ከም ዝተነጽገን ክገልጽ ሰሚዕናዮም። እቶም ሽዑ ርኢቶ ክህብ ዝዓደምዎ ሓቆም ሰብ መሲልዎም። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና ወዮ ሃገር ብዘይሕገ-መንግስትን መንግስታዊ ትካላትን ብጉልበት እንዳገዘአስ ብዛዕባ እንታይነት ናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ ከመጻረ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ዘይሓፍር ደረቐኛ ወይ ጉዳያት ምግንዛብ ዝጸገሞ ዓዋን ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
እዚ ኣንጽርጽሮት ዝተሓወሶ ዘረባ ኢሳያስ፡ ካብ ዘመሓላለፎ መልእኽታት፡ እቲ ጐሊሑ ዝርአ፡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ተመሳጢሩ፡ ንኢትዮጵያ እቲ ሒዛቶ ዘላ ምስ ኩነታት ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ዝሓሸ ዲሞክራስያዊ ኣንፈት ንድሕሪት ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማእዘኑ ኣጥፊኡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝወደቐ ምምሕዳር ናይ ምምላስ ሕልሙ ከም ዘይተዓወተ ዘመልክት እዩ። ኣብ ዘይዓቕሙ ነዚ ብዙሓት ዋናታት ዘለዉዎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣፍሪሱ ክሰርሕ ኣብ ቅድሚ ዝለኣኽዎ ጐይተቱ እንታይ ከም ዘመኽኒ ከም ዝጠፈኦ እውን ምርዳእ ይከኣል። ብፍላይ ከኣ ነቲ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ ናይ ዲሞክራሲ ሓደ መርኣያ ዝኾነ “ምርጫ” ክሳብ ክንደይ ትርጉም ከስእኖ ከም ዝፈተነ ተዓዚብናዮ።
እቲ ካልእ ኢሳይስ ዘንጸባረቖ ብውገን ኢትዮጵያ ኮነ ብሱዳን ይምዕብል ብዘሎ ለውጥታት ተኸቢቡ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከም ዘሎን፡ እቲ ለውጥታት፡ ናብ ኤርትራ ከይለሓመ ኣብ ዘዘለዎ ክቕህመሉ ዝነበሮ ሕልሚ የብርዕን ከም ዘሎን ከም ዝሰንበዶን እዩ። ብዓይኒ ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ሱዳን ዓወት ተመዝጊቡ ኢሉ ዝኣምን ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጽልሙት ኩነታት እንተ ተመሊሱ እዩ። ምናልባት እውን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ንሱ ትርጉም ከም ዘየብሉ ረሲእ ተሰጊሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንበይኑ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ምርካቡን ብሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ ትካላት ንኣብነት ባንኪ ዓለም፡ ንኣብይ ይንእድዎ ምህላዎም ሕማም መርዘን ከም ዝኾኖ ኢሳያስ ኣመልኪቱ እዩ። ደጋጊሙ ንናይ ግዳም ሓይልታት ዝራገም ዝነበረ ከኣ ነዚ ዘመላኽት እዩ። እንተ ብዛዕባ ተለኣኣኽነት ኮይኑ ኣብዚ ከባቢና ዋጋ ዳኣ ኣየውጽአን እንበር፣ ክንድኡ ጉዳዩ ገዲፉ ልኣኹኒ በሃሊ መራሒ የለን።
ኣብቲ ንኢጋድ ኮነ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመስረተ ማሕበር ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤልመንደብን ዘቆናጸበሉ ሓሳቡ ከኣ፡ ሓንቲ እትገርም ሓረግ ጠቒሱ። “ንሕና ሓሳብ ነቕርብ ካብ ናትና ዝሓሸ ሓሳብ ንዘቕርቡ ድማ ንሰምዕ” እትብል። ሰማይ ንሃገርኩም ኢሳያስ ዝሰምዕ እዚኒ ኣለዎ ማለት ድዩ። ዝሰምዕ እንተዝኸውን ደኣ ቅድሚ ኩሉዶ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይመሰመዖን። ምዃንኳ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነቱ ከም ዘይኮነ ሎምስ መመሊሱ በሪሁ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ሕጂ ንሕና ዘለናዮ ወሳኒ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ውዑይ ወቕቲ፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ እውን ንሓቢርካ ምስራሕ መተካእታ የብሉን። እቲ ነባር ምሳልያዊ ኣበሃህላና “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” እውን ነዚ እዩ ዘመላኽት። ሓቢርካ ምቅላስ ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮ ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ብዘይካ ውሑዳት ኣሰነይቲ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ሓባር መለለይ ከም ዝኾነ ከኣ ርዱእ እዩ። ንሕና ናብቲ ኣብዚ እዋንዚ ዘድሂ ዘሎ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ክንበጽሕ ነዊሕ ግዜን ቃልስን ከም ዝወሰደልና ኩልና እንፈልጦ እዩ። ምኽንያቱ ዳርጋ ስዒርናዮም ኢና እንብሎም ዘለና፡ ምንጽጻግ፡ ምጽልላምን ምንዕዓቕን ልዕልና ሒዞም፡ ሓቢርካ ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ ምቅላስ ዓገቲ ምንባሮም ናይ ትማሊ ተዘክሮና እዩ። ሎሚ ከኣ እነሆ ብምጽውዋር፡ ምክብባርን ምድልላይን ተደፊኦም ካብ መድረኽ ይወጹ ኣለዉ።
ናይ ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ኣዋጃት፡ መግለጽታትን ውሳኔታትን፡ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ዘይጐስዩ ኮይኖም ኣለዉ። ናይዘን ዝጠቐስናየን ፖለቲካዊ ትካላትና ጉባአታት፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ኣብዚ እዋንዚ ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ፡ መራሕተን ዝምድርዎን ኣብ ሚድያታ ወጺኦም ክሕተቱ እንከለዉ ዝምልስዎን እውን ካብዚ ዝረሓቐ ኣይኮነን። መደበራት ተለቪዥን ወሲኽካ ኩለን ናይ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ደንበ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ኣብዚ ዛዕባዚ እየን ዝዝንብያ ዘለዋ። ኣብ ግብሪ ግና ኣብቲ እንደልዮ ዘተኣማምን ትካላዊ ኮነ ካልእ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ደረጃ ኣይበጻሕናን። ክሳብ ሎሚ ኣይበጻሕናን ማለት ግና ንመጻኢ እውን ኣይክንበጽሕን ኢና ዘስምዕ ኣይኮነን።
ናይቲ ብግብሪ ኣብ ናይ ቃልሲ ባይታ ከምቲ እንብሎ ክንከውን ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር ኣብ ኢድና እንከሎ ምዃኑ ሓደሓደ ግዜ ይድንጽወና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ባዕልና ንባዕልና “ስለምንታይ?” ኢልና ክንሓትት ንግደደሉ ግዜ ኣሎ። እንተኾነ ናይዚ ሕቶዚ መልሲ፡ ኣብ ኢድና ዘሎ እምበር ካብ ልሳን ካልእ ኣካል እንጽበዮ ኣይኮነን። ከምኡ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ንጉዳይና ኣብ ዝምልከት ቅድሚ ብዛዕባ ካለኦት፡ ብዛዕባና ክንዛረብን ብጽሞና ክንሓስብን ናይ ግድን ስለ ዝኸውን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነቲ ናትና ድኽመት መዝሚዙ ጉዳይና ኣብ ምግዳድ ረብሓ ዘለዎ ኣካል የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ እጃም ጉጅለ ህግዲፍ ዓብይ እዩ። ምኽንያቱ ናትና ሓቢርካ ኣንጻሩ ምቅላስ፡ ቀንዲ ዕድመኡ ዘሕጽር ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ፡ ምዝራግ ሓድነትና ንዓኡ መድሕን ህይወትን መቐጸሊ ኣብ ስልጣኑን እዩ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ክንዲ ሓቢርና ኣንጻር ናይ ሓባር ወጻዒና ንቃለስ ከተፋኑንና ዝጸንሑ ዝንባለታት ክንስዕር ዘይምብቃዕና፡ እቲ ቀንዲ ተኣኪብና ኣተሓሳስባና ኣርኒብና ኣንጻር ህግዲፍ ከይንቃለስ ዓጊቱና ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከም እንድግፎን እንብህጎን እንገልጾ ዘለና ሓቢርካ ምስራሕ፡ ብእርኑብ ትካላዊ መልክዕ ከነተግብሮ ዘይምኽኣልና ከኣ ናይዚ ዘይሓጋዚ ዝንባለታት ሃፈጽታ ዘይገደፈና ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ልክዕ እዩ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድና ዝጸንሑ ምንጽጻግ፡ ምጽልላምን ምንዕዓቕን ቦታ ይስእኑ ኣለዉ። እንተኾነ ክሳብ ብሓደ ዘቃልሰና፡ ከከም ኣድላይነቱን ተቐባልነቱን፡ ሓድነት፡ ልፍንቲ፡ ግንባርን ጽላልን ከነዕውት እንኽእል፡ ኩሉ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ድሕሪት ካብ ዝሰርዕ ድሕረትን ድሑር ዝንባለን ነጺህና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ቅድም ኣብ 2017 ዝነደፎ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ እማመኡ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ከኣ፡ በዚ ዝስዕብ ውሳነ ኣራጒድዎ እዩ፡
“ 3.1. ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድአ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ፤
3.2. ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃ፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ፡ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ፤” ብዝብል። ከም ቃሉ ከኣ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ መስርሕ ትስፉው ዘተ ኣትዩ ኣሎ።
ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ኣዝዩ ኣሻቓልን ቅልጡፉ ሃገራውን ዞባውን ኩነታት፡ ኣብ ህዱእ ኩነታት እውን ግዜ ቀንዲ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ህዝብና በዚ ሓይልታት ለውጢ ጀማሚርናዮ ዘለና እሂን-ምሂን’ኳ ተስፋ እንተሰኾዐ ግና “እሞ መዓስ እዩ ብግብሪ?” ይብለና ኣሎ። ክሕተት ዝግበኦ ሕቶ ከኣ እዩ። ስለዚ ንሕና በቲ ትስፉው ናይ ምቅርራብ ምልክት ከይተዘናጋዕና ክንቅልጥፍ ኣለና። ሎሚ ብናይ “የርክቦ ሮማዕ ኢለ” ዘይኮነ ብናይ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ናይ ጉያ መንፈስ ኢና ክንጐዓዝ ዝግበና። እቲ ርግጸኛ እትኾኖ ብዛዕባ ሓደ ተረኽቦ ብግብሪ ምስ ተራእየ’ኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ንዕዘቦ ዘለና ንላዕሊ ውድቀት ጨቋኒ ጉጅለ ከም ዝቐረበ ዝእምት ኩነታት ክንጽበ የብልናን። ከምቲ “እምኒ እንተወደቕካዮ ይሰብረካ፡ እንተወደቐካ’ውን ይሰብረካ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ ኣብ ህልውናኡ ኣበሳቢሱናስ ዉድቀቱ ካልእ ሓማቕ ሳዕቤን ምእንቲ ከይጐተልና፡ ከሎ ጌና ብዘይቅቡል ምኽንያት ግዜ ከይበላዕና “እስከ ንራኸብ’ሞ፡ ሓሳብና ክእርነብ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ልብና ክሓድር እዋኑ እዩ።