
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሓቢርና ንቃለስ እንብል፡ ናይ በበይንኻ ምዃን ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለ እንርዳእ ኢና። ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምውፋር ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወትና እውን ኣድማዒ እዩ። ብኣንጻሩ ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ሳዕቤን ከምዚ ኣብ ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ንዕዘቦ ዘለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና’ውን ዝምረጽ ኣይኮነን። እዚ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኮነ ምስራሕ ብደረጃ ሓሳብ ኣብ ኩልና ኤርትራውያን ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብ ከመይነትን ኣገባብን ኣተገባብራኡ ግና ፍልልይ ከም ዝጸንሓና ርኡይ እዩ። ናይቲ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል እምነት ግብራውዊ ውጽኢት ከይንሓፍስ ዓንቂጹና ዝጸንሐ ከኣ ንሱ እዩ።
ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስናን ዓወትናን ክንዛረብ እንከለና “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” ኢና እንብል። እንብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግብብራውነቱ’ውን ኣይኮነንዶ ንዓና፡ ንጸላእትና እውን ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንሕና ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ስለ ዝኾነ ክንዕቅቦ፡ ጸላእትና ከኣ ምስጢር ዓወትና ብምስራቕ ሓድነትና ከላሕልሑ ክንጓተት ዝጸናሕና። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንኤርትራ ናይ ምስዓር ሕልሚ ዝነበሮም ወገናት ዝጥቀምዎ ዝነበሩ ናይ ምክፍፋልና ምህዞ እንተዘኪርና’ውን ነዚ እዩ ዘዘክረና። ካብ ኣርበዓታት ጀሚሪካ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንሓንሳብ ከበሳን መታሕትን ንሓንሳብ ድማ ኣስላምን ክርስትያንን እንዳበሉ ከረሓሕቑና እሞ ሓይልና ኣዳኺሞም መፍተኦም ክገብሩና ዝሃቀንዎ ከኣ ነዚ ዘዘኻኽረና እዩ።
ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ዝኸውን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ኣብ ዘለና ኣንጻር ዘቤታዊ ጨቆንትን ጠላማትን እውን ህያው እዩ። ናይ ሎሚ ጨቋኒ ጉጅለ እውን ሓድነትና ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ወሳኒ ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ፡ ሓቢርና ኣንጻሩ ንከይንቃለስ ክሰርሕ ርዱእ እዩ። ደገፍቱን ተቓወምቱን ተበሃሂልና ኣብ ነንሕድሕድና ክንዳኸመሉ ከኣ ድሌቱን ሕልሙን እዩ። ህግደፍ ግና ምስቶም ደገፍተይ ዝብሎም’ውን የለን። ብሰንኪ ቀልጢፍና ንተንኮላዊ ኣካይዳኡ ዘይምፍላጥና ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣዳህሊሉና እዩ። ሎሚ ግና ክሓብኦ ዝጸንሐ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ምቅላዕ ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ደለይቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤት ኤርትራውያን ዝነበረ ምርሕሓቕ ኣዝዩ ኣብ ዝተቐራረበሉ ግዜ ንርከብ ኣለና። እዚ ንዓና ነቶም ኣብ ለውጢ ንኣምንን ምእንትኡ እንቃለስን ዓብይ ፍናን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ሓቢርና ኣንጻሩ ዘይምስላፍና ከምድላዩ ክገብር ዝጸንሐ ጨቋኒ ህግዲፍ ግና ስግኣትን ስንባደ ኦኣብሉሉ ኣሎ። ስለዚ ከምቲ ባዕዳውያን ጸላእትና ሓድነትና ዘሪጎም ዓቕምና ከምክኑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ፡ በታኒ ዘቤታዊ ውዲት ህግዲፍ እውን ፍሽለቱ ዘይተርፍ እዩ።
ሎሚ ንህግደፍ “ኣይናትካን ኢና” ዝብል ናይ ይኣክል መልእኽቲ ብማዕዶ ዘይኮነ፡ ካብ ማእከል ኤርትራ ይበጽሖ ኣሎ። ህግዲፍ ግና ነቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲ ኣፍልጦ ምሃብ ካብ ስዕረት ዘድሕኖ ግዲ መሲልዎ ክሓብኦን ጸልማት ተጐልቢቡ ኣንጻሩ ዝዝርጋሕ ናይ “ውረድ ካብ ስልጣንካ” ወረቓቕቲ ክኣሪ ይሓድር ኣሎ። እቲ ንህግደፍ ዝጽየፍ ኣተሓሳስባ ግና ኣብቲ ወረቕት ዘይኮነስ ኣብ ተሓሳስባ ናይቶም ነቲ ወረቕት ዘዳልዉ ስለ ዝኾነ ብጸልማት እንተኣከቦ ብቐትሪ ህያው እዩ። ሎሚ ህግዲፍ ሰሚዑ ከምዘይሰመዐ ደኣ ይሓልፎ ይህሉ እምበር፡ ኣብቲ ቀደም ናቱ ሕዛእቲ ዝመስሎ ዝነበረ ኤርትራዊ መድረኻት ሓጥያቱ፡ ገበናቱን ጸረ-ልኡላዊት ኤርትራ ክሕደቱን ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝስማዕ ዘሎ እዩ። እዚ ከኣ ንሓቀኛ ድምጺ ንግዜኡ እምበር ንሓዋሩ ምዕባስ ከምዘይከኣል ዘርኢ እዩ። “ሓቅስ ብእግራ ተሓዝካያ ብርእሳ ትወጽእ” ከም ዝበሃል።
እዚ ግና እኹል ኣይኮነን። ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ኣብ ግዜ ወጥሪ እውን ጸኒዑ ዝምክት ውዳበ የድሊ። ጽቡቕ ድሌትን ስምዒትን እንተዘይተወዲቡ ቀያሪ ሓይሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ውዳበ ክህልውን ከድምዕን ከኣ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ካብ ውልቀሰብ ክሳብ ውድባ፡ ሰልፍታትን ካልእ ምትእኽኻባት ሓላፍነት ክወስዱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓላፍነት ምውሳድ ቅሩብነት እንተልዩ ከቢድ ኣይኮነን። ምስ ካልእ ከም ናትካ ባህጊ ዘለዎ ኣካል ብሓባር ኣብ ቃልሲ ክትጽመድ እንከለኻ ካብቲ በይንኻ ክትከውን እንከለኻ ዝስመዓካ ውሱንነት ወጺእካ፡ ኣብቲ ብሓባር ዘስረሓካ ምትኳር ግድነት እዩ። ብዘይካዚ ሓቢርካ ንክትሰርሕ ክትምረሓሉ ንዝሓዝካዮ ኣዕኑድ ብጹረት፡ ምክእኣልን ተወፋይነትን ክትምእዘዘሉ ምብቃዕ ካልእ ዝኸፈል ዋጋ እዩ። እትራኸበሉ ናይ ሓባር መድረኽ ንውሱን ግዜ ጥራይ ዘገልግልን ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ንምዕዋትን ዘይኮነ፡ ነዊሕ ዝጠመተን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቀንዲ ማእከሉ ዝኾነን ክኸውን ይግበኦ። ቀንዲ መምዘኒኻ ከኣ በሃልቲ ዘይኮነስ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዝበሃል ክኸውን ይግበኦ።
ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና ብሓባር ዝሰርሓሉ መንገዲ ንምፍጣር ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ዘይመዕወቲኡ ምኽንያት ግና ሓቢርካ ምቅላስ ኣድላይነት ስለ ዘየብሉ ዘይኮነ፡ እቶም ብሓባር ክንሰርሕ ዝግበኣና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ኢና። እቲ ኣድላይነት ግድን ካብ ኮነ ከኣ እቲ ጻዕሪ’ውን ክቕጽል ግድን ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ሎሚ’ውን በብኹርናዑ ናይ “ሓቢርናንዶ ገለ ንግበር” ድምጽና ይስማዕ። ኣብቲ እንደልዮ ሰፊሕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ብሓደ ስጉምቲ ዘይክንበጽሖ ንኽእል። ክንጅምሮ ግና ናይ ግድን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመኡ ኣሕዲስዎ። ከም ናቱ ተበግሶ ምስ ዝወሰዱ ኣካላት ከኣ፡ ምስ ገሊኦም ናብ ምሉእ ሓድነት ምስ ገሊኦም ድማ ናብ ሰፊሕ ጽላል ይስጉም ኣሎ። ኣብ ሓድነት ኮነ ኣብ ጽላል ንምብጻሕ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ዝወስድ ግና ዝከኣል እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ እዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ እኹል ዘይኮነስ፡ ናብቲ እንጽበዮ ምልኣት ንምብጻሕ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ግድን ስለ ዝኾነ እቲ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ቀጻሊ እዩ። ምኽንያቱ ምስዚ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላልዎም ዘሎ ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ስግኣት ሓቢርካ ምቅላስ እንተደለኻ እትድግፎ እንተዘይደለኻ እትገድፎ ዘይኮነ፡ ግድን ክሳብ ዓወት ክንደፍኣሉ ዝገበኣና ግድነት እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እንዝከረሉ ግዜ ንርከብ ኣለና። ኣብ ኣመዓባብላ እዛ ዕለት ካብ 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ዘንቀሎ ምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝጀመረን ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ብዛዕባ ወጽዓአን ዝዝቲ ኮንፈረንስ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ። ድሕሪዚ ብ1911 ኣብ 19 መጋቢት ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኸየደ፡ ታሪኽ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ይሕብር። እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስቶዮ ኣብ 1913-14 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ከም ዝነበሮን፡ ኣብ ኤርትራዊ ሜዳ ካብ 1975 ጀሚሩ ድማ ብቀዋምነት ኣብ 8 መጋቢት ብደረጃ ይኽበርን ይዝከርን ከም ዘሎ ይፍለጥ። ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኣቐዲሙ ብ1945 ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዘውሕስ ቻርተር ኣጽዲቑ።
እነሆ ናይ 2019 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ከኣ “ብማዕርነት ምሕሳብ፡ ብልሓት ምምዕባልን ንለውጢ ምዕጣቕን” ብዝብል ቴማ ይዝከር ኣሎ። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። ምስዚ ኩሉ ማዕረ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ብኣዋጅ ዘይኮነስ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮና ይምህረና። እቲ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ ከኣ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር ብናተን ድሩት ቃልስን ጻዕርን ክረጋገጽ ጥራሕ ከምዘይክእል ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋግጽናዮ ሓቂ እዩ።
ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክንመጽእ እንከለና፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንኹሉ ጸገማት ክኢለን፡ ንካለኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ኣብነት ከም ዝነበራ ምስኩር እዩ። ነዚ ኩነታት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክንመዝኖ እንከላን ግና፡ ናብ ካልእ ጫፍ ከይዱ እተን ዝያዳ ዝተበደላን ምስ ተሳትፎአን ኣብ ቃልሲ ዘይመጣጠን መነባብሮ ዘሕልፋን ኮይነን ኣለዋ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባርነት ህግደፍ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን ከምዘይርህወን’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣደነት ትዕድልተን ተወሲኽዎ፡ ናታተን ወጽዓ ዝገደደ ከም ዝኸውን ብብዙሕ ኣብነታት ምርግጋጹ ዝከኣል እዩ።
8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ወጽዓአን ንከይርሳዕ ዝዝክራሉ እምበር፡ ሕሉፍ ናይ ክሳብ ሕጂ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳሉ ክኸውን ኣይግበኦን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ እሱራት ከይኮና መጻኢ ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዘማዕድዋሉ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞና፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ዘይምህላዉ ከም ቀንዲ ኣሻቓሊ ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ሻቕሎትዚ ንምፍዋስ ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ቀንዲ ዕማሞም ይወስድዎ ኣለዉ። ብመንጽር እዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ነብሱ ብዝኸኣለ ቤት ጽሕፈት ኣብ ርእሲ ምቛሙ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ደቂ ኣንስትዮ መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከምዝህልወን ንምግባር፡ ከይተሓለለ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ንረኽቦ። እንተኾነ እዚ መበገስን መርኣያ ድልዉነቱ ንማዕረ ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ እምበር፡ ጌና ብዙሕ ቃልሲ ከም ዝጽበዮ ይኣምንን ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንምዕዋቱን ዘለዎ ቅሩብነት የረጋግጽን።
መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾነ ተርእዮ ብእዋናዊ ምዕባለ ክጽሎ ባህርያዊ እዩ። በምንጽር’ዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዓመትዚ ዘቃልሕኦ ቴማ፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ዘትከለ፡ ነቲ ኣብ ወትሃደራዊ መደበራት ኤርትራ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን ዝፈስስ ዘሎ ንብዓት ኣሓተን ንምሕባስ፡ ዝዓለመ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ እዋንዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝያዳ ዝሐለፉ ዓመታት ብጸረ ህዝቢ ተግባራትን ጥልመትን ህግደፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኣዝዩ ዘማረረሉ ኢና ንርከብ ዘለና። ህዝብና ክንድቲ መረርኡ ኣንጻር ወጽዓ ይለዓዓል ምህላዉ ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ኣብ ግምት ከእትወኦ ይግበአን። ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ተጽዕኖ ስዒረን ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ንክኾና ቀንዲ መሳርሒአን ሓድነት ምድልዳል ምዃኑ ኣሚነን ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ብሰንኪ ዘይመሰረታዊ ምኽንያታት ዝተረሓሓቐ ዓቕመን ናብ ሓደ ዘምጸኣሉ መንገዲ ክፈጥራ ይግበአን። ብዘይካዚ ቃልሰን ብዘይተሳተፎ ደቂ ተባዕትዮ ክዕወት ከምዘይክእል ተረዲአን፡ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዝብቀዐን ኣገባብ ክሕዛ ከድልየን እዩ። ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ እውን ዓወት ጓለንስተይ ዓወት መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ጐነን ክስለፉ ይግበኦም።
8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ቅድሚ ሕያሎ ዓመታት ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍ ኣብ ኤርትራዊ መድረኻትን ኣዛራቢ ዛዕባ ነይሩ። ነቲ ዝምድና ደግፍቲ ህግዲፍ ከም “ማይ ጸባን” ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ኣንጻር’ዚ ዝተሰለፍና ወገናት ድማ ከም “ከብድን ሕቘን” ንምስሎ ነይርና። ኣብዚ እዋንዚ ግና በቲ ሓደ ወገን፡ እቶም ካብ ቅድም ሓደገኛነት ህግዲፍ ዝተርድኡ ሓይልታት ብዘካይድዎ ቃልሲ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህግዲፍ ብተግባሩ ኣበሳኡ ሓቢኡ ዝኸደሉ ግዜ ስለ ዘብቀዐ፡ ርክብ ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍን “ናይ ከብድን ሕቖን ዝምድና እዩ” ዝብል ርኢቶ እነሆ ኣዝዩ ሰሲኑ ብዝኸድካዮ ኩርናዕ ዝስማዕ ድምጺ ኮይኑ ኣሎ። ህግዲፍ እውን ከም ልማዱ ሓቀኛ መንነቱ ሓቢኡ ዝኸደሉ ዕድል ጸቢብዎን ኣጀንዳ ቀይርካ ናይ ምህውታት ብልሓቱ ምስራሕ ኣብይዎን፡ ኣብ ጐልጐል ዝወገሖ ዝብኢ ኮይኑ ኣሎ።
ሎሚ ህግደፍ ካብቲ ቅድም ዝተገመቶ ዝያዳ እዩ ኣብ ግጉይ ኣቕጣጫ ተሰሊፉ ዘሎ። ቅድም ፖለቲካዊ መንነት ጉጅለ ህግዲፍ ብጸረ ዲሞክራሲ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጥሕሰት ልዕልና ሕግን እዩ ዝግለጽ ነይሩ። ሎሚ ከኣ እዚ ባህርያቱ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እታ ኮንደኾን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተሳንዮ ትበሃል ዝነበረት ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ’ውን ሓጢጡ ክድርብያ ይገማገም ስለ ዘሎ፡ ምስ ህዝቢ ዘዛረብ ቋንቋ ናብ ዘይብሉ ንጹልነት ዘቕንዕ ዘሎ ይመስል። ምናልባት ነቲ ቅድም ህግዲፍ ከምስል፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝያዳ ኩሉ ተሓላቒ ልኡላውነት መሲሉ ዝቐርቦ ዝነበረ እንዳዘከሩ “ኢዶእ እዝስ ኣይውዕሎን ግዲ” እንዳበሉ ነቲ ዝስማዕን ዝድህሰስን ሓቂ ምእማን ዝሰኣኑ ኤርትራዊ ወገናት ኣይሰኣኑን። ምእማኑ እንተጽገሞም እውን እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። በቲ ኮነ በዚ ግና ኣብ መስርሕ ኣይከውንን ኢልካ ዝገምትካዮ ከም ዝኸውን ክርድኡ ይግበኦም። ምኽንያቱ እቲ ምልክታት ምላቑያታት ዘይኮነስ፡ ኢሳይያስ ኣብ ኣደባባያት ተጠሊዑ፥ “ ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ክመርሓና ወኪለዮ እየ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን በበይኑ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ብዝብሉ ዘየማትኡ ምሉእ ሓሳባት ዝዳሕደሖ ስለ ዝኾነ። ዝተፈላለየ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ንዓኣቶም ብዝሰማማዕ “ምድማር” ብዝብልዎ ቅኒቶም፡ ክምድሩ እንከለዉ ናይ ኢሳይያስን ደገፍቲ ዓራቱን ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምዃን ከኣ መራጐዲ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። እዚ “ስቕ ዝበልና ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ብዝብል ኣረጊት ውርጽጽና ዝስገር ኣይኮነን።
ደጊም ደገፍቲ ኢሳይያስ እንተኾነ ኣይውዕልዎን፡ ካብዚ ሓሊፎም ንኣበሃህላ ኢሳይያስ ካብቲ ቀጥታዊ ትርጉሙ ወጻኢ ተርጒሞም ከመላኽዕዎ እንተፈተኑ ሰማዒ ኣይክረኽቡን እዮም። እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓደ ምርጫ ከኣ ምስ ህዝብኻ ወጊንካ ዋጋ ብዙሓት ሰማእታት ዝኾነት ሃገር ኣብ ናይ ምድሓን መስርዕ ምስላፍ ጥራይ እዩ። ሎሚ በብኹርንዑ፡ ንተንኮላትን ክድዓትን ኢሳይያስ ዝተረደአን ብዓንተቦኡ ክዕጸፍ ከም ዝግበኦ ዝጠልብን ደሃያት ክደሃይ ምስማዕ ኣብ ኤርትራውያን ንቡር ኮይኑ ኣሎ። ናይቶም በብኹርናዑ ዝጋብኡ ዘለዉ ሰሚናራት፡ ዓውደ-መጽናዕትታት፡ ኣኼባታትን ሰልፍታትን መንፈስ ነዚ ዘመልክት እዩ። እዚ እንፈት’ዚ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝካየድ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ብሓቂ ኣገዳስን ቀያርን ዝኸውን ግና ኣብ ሓደ ናይ ለውጢ ማዕበል ክስለፍን ብእኡ ክሕንበብን እንከሎዉ ጥራይ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ኣካቢ ጽላል ምምጻእ ኣብ መስርሕ ለውጢ ወሳኒ ምዃኑ ከኣ ተመኩሮና የርእየና ኣሎ። ንሕና ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ዋሕስና ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ምሓዝና ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ዝተበተነ ግና ሓደ ዝመንቀሊኡን ሽቶኡን ኣተሓሳስባ ኣብ ሓደ ትካላዊ ጽላል ከነሰልፎ ምስ እንበቅዕ ጥራይ እዩ።
ንኩነታትና ምስቲ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዝሕንበብ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣመዛዚኖም፡ ኣብ ጉዕዞና ምድንጓያት ነርኢ ከም ዘለና ከመልክቱልና ንዕዘብ ኢና። ሚዛኖም ሓቅነት ኣለዎ። እንተኾነ ኣብ ሓደ ጽላል ምጽማድ ከምቲ ወሳንነቱ ዘኽፍሎ ዋጋ ብኹሉ መልክዕ ቀሊል ከምዘይኮነ ግና ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። ኣብዚ ሓደ ክዓዝዝ ዘለዎ ኣብ ናይቲ ተግባር ክብደት ተሓቢእና ግዜ ብምብላዕ ወጽዓ ህዝብና ንክናዋሕ ጠንቂ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ብሓባር ምስላፍ ብናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ቅሩብነት ዝዕመም እምበር ናብ ሓደ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበር ወይ ካልእ ውዳበ ብሓላፍነት ዝድረብ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ክኸውን እንደልዮ ንምግሃድ ጻዕርና ከካብ ገዛእ ርእስና ክጅምር ናይ ግድን እዩ። ውልቃዊ ኣበርክቶኻ ዘንጊዕካ፡ ናብ መሪሕነት ምምጥጣር፡ ናይ ውድብካ ወይ ሰልፍኻ ግደ ዘንጊዕካ ኣጻብዕትኻ ናብ ካለኦት ውድባት ምቁማት’ውን ጽጹይ ኣካይዳ ኣይኮነን።
ኣብ ሕድሕድ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ፍልልያት ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ከኣ’ሞ ካብ ሓደ ውዳበ ንላዕሊ ኣይመኾናን። ኣብዚ እቲ ፍልልያትና ብዓይኒ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ርኢና ከነወግዶ ክንበቅዕ መተገብአ። ፍልልይና መሰረታዊ ኮይኑ፡ እዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ከኣ ነቲ ንፈላለየሉ ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚ ክንስጉም ይግበኣና። እዚ እንተዘይ ሓሚቕና ወይ እንተዘይጸቢብና ዝከኣል እዩ። ነዚ ከነብቅዕ ንፍልላያት ኣመሓዲርና ኣብቲ ዘሰማምዓና ክነትክል ሓላፍነትና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ፍልልያትና እንወዳደረሉ እምበር እንጻለኣሉ ክኸውን ከምዘይብሉ ክንርዳእ ይግበኣና። ሎሚ ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ መህደሚ ኣብ ዘየብሉ መጻብቦ ተቓሊዑ እዩ። እዚ ሓድሽ ኩነታት ከኣ ካብቲ ዝነበርናዮ ዝያዳ ክንነቅሕን ከንበራበርን ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ናይ ምክእኣልን ምጽውዋርን ሓላፍነትና ከኣ ማዕረዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክብ ክብል ይግበኦ። እምበኣር ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ሓላፍነታት፡ ርኢቶታትና ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ቁጽሪ ሓደ ምዃኑ ንገንዘብ። ነዚ ሓልፍነትዚ ጓሲናዮ እንሓልፈሉ መንገዲ ሓቢርካ ምዕዋት ከምዘየለ ከኣ ንረዳእ።
ዝምድና ህዝብን መንግስትን፡ ኤርትራኸ! “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ፡” ዲና ክንብሎ ወይስ “ክቑነና ከይደንስ ተነጽየን መጻ”
Thursday, 21 February 2019 09:41 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ መንጎ ሃገራት ጽልእን ቅርሕንትን ክፍጠር እንከሎ፡ እቲ ጠንቂ መንግስታት እምበር ህዝብታት ኣይኮኑን። ግደ ህዝቢ ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ኣብ ምፍጣር ከኣ ከከም ባህርን ኣገባብ ምምሕዳርን ናይቶም መንግስታት ይፈላለ። ብህዝቢ፡ ካብ ህዝብን ንህዝብን ብዝምርሑን ግደ ህዝብን መንግስትን ብሕጊ ኣብ ዝተነጸረሉን መንግስታት፡ ግደን፡ ተሰማዕነትን ወሳንነትን ህዝቢ ከም ዝዓዝዝ ብሩህ እዩ። ብኣንጻሩ ብፈቓድ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዘይመጹ፡ ግደ ህዝቢ ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ኣብ ዘየብሉ፡ ዕድመ ስልጣኖም ኣብ ዘቐድሙ፡ ከም ናይ ሃገርና ኤርትራ ዝኣመሰሉ ጨቆንቲ ምምሕዳራት፡ ህዝቢ “እዚ እዩ ዝሕሸኒ” ዝብሎ መንገዲ ክመርጽን፡ መንግስቲ መንገዲ ሰላም ንክሕዝ ተጽዕኖ ንክፈጥርን ዘለዎ ዕድልን ጽልዋን ኣዝዩ ትሑት እዩ። ምናልባት እውን ኣይክእልን።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ፤ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ሓርፋፍ ጥራይ ዘይኮነ ምትእምማን ዘየብሉ ኩርኳሕ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዝምድና ዝፈጠሮ ሃጓፍ ከኣ ሰፊሕ እዩ። እዚ ሰፊሕ ሃጓፍ ተመሊኡ ጥዑይ ዝምድና ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንክፍጠር፡ ክፍትሑ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ከም ዘለዉ፡ ወርትግ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዝዛረብሉ ጥራይ ዘይኮነ ዝቃለስሉ ዘለዉ ዛዕባ እዩ። ህግዲፍ ነቲ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ይተኣታቶ፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ብህዝቢ ንህዝቢ ካብ ህዝቢ ዝቐውምን ዝሰርሕን መንግስቲ ይመስረት፡ ልኡላውነታና ኣብ ዋጋዕዳጋ ኣይውረድ ዝብሉ፡ መሰረታዊ ጉዳያት እቲ ሕጂ ዘሎ ሃጓፍ ንክውገድ ክትግበሩ ዝግበኦም እዮም። ብመንጽር ባህርኡን ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡን፡ እዚ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ጉዳይ ኣብ ህላወ ህግዲፍ ተተግቢሩ እዚ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ሃጓፍ ክፍታሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘኣይከኣል’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዙርያ “መሰረታዊ መሰልናን ልኡላዊ ክብርናን ብቓልስና” ዝብል ቴማ ዝዓስል ዘሎ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም እምበር፡ ህግዲፍ ኣድላይነት ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝህነጽ ጥዑይ ዝምድናን ምትእምማን እንዳ ነጸገ፡ ኣብ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰርሕ ምድንዳኑ እዩ። እዚ ኣብዚ ለንቅነ ንዕዘቦ ዘለና ካብ 60 ንላዕሊ ኣባላት ዘለዉዎ ኤርትራዊ ጉጅለ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ናይዚ “ናትካ ኣቐሚጥካ ደገ-ደገ ምርኣይ” ኣብነት እዩ። ህግዲፍ ከምዚ ዓይነት ናብ ደገ ምህዳም ዝመርጸሉ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐርበሉ ባህርን ሞራልን እንዳረሓቖ ይኸይድ ስለ ዘሎ እዩ። እቲ ካልእ ሜልኡ ድማ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ምትሕስሳብን ምትሕታትን ዝምርኮስ ዘይኮነ፡ ኣብ ምፍርራሕ ከም ዘድህብ ምግባሩ እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ፊት-ንፊት ንህግዲፍ ዘይሓቶ፡ ሕቶ ስለ ዘየብሉ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ሕቶ ዝኽተል ሳዕቤን ስለ ዘስግኦ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ህዝብና ምስ ህግዲፍ ፊት ንፊት ዝፋጠጠሉ ናጻ መድረኽ’ኳ እንትዘይረኸበ፡ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ልቡ መሊኡ ምትንፋስ ከም ዝጀመረ ብዙሓት ንኩነታት ኤርትራ ዝተዓዘቡ ዝምስክርዎ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ምትንፋስ ጽባሕ ንህግዲፍ ሒዝዎ ናብ ዝዕዘር ዘይምሕር ህቦቡላ ከም ዝምዕብል ፍሉጥ እዩ።
ምስሊ ሓደ ኣካል ካብቲ ዋና ዝያዳ ነቶም ዝዕዘብዎ ከም ዝረኣዮም ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ “ዓርክኻ መስትያትካ እዩ” ዝበሃል። ብሓፈሻ ኩሎም መንግስታት ብፍላይ ከኣ መንግስታትን ህዝብታትን ጐረባብትና ሃገራት፡ ንምስሊ ምምሕዳር ህግደፍ ብግቡእ ይፈልጥዎ እዮም። ኣብቲ ምንጽብራቑ ግና ነቲ ሓቀኛ ምስሉ ከም ዘለዎ ዘይኮነ ምስ ነናቶም ሃገራዊ ረብሓ ከም ዘዋድድዎ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዋላ ሃገራዊ ረብሓኦም የቐድሙ ንምምሕዳር ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝንእድ የለን። ዘመኻንይሉ ወገናት ግና ኣይሰኣኑን። ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እንከሎ፡ ፈረስ፡ ገመል፡ ዋልታ፡ ቡንን ጋብን፡ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ክገይሽ እንከሎ ከኣ መዳልያን ወርቅን ዝስለም ብመንጽር እዚ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍልቡ ክወቅዕ ዝተዓዘብናዮ እቲ ዲክታቶር ግና ናይ ብሓቂ ገይሩ ዝወሰዶ እዩ ዝመስል።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ናብ መቐለ፡ ናብተን ናይ ኢህወደግ ኣባል ውድባት ማእከላት ዝኾነ ከተማታት ዝበጽሕ ዘሎ፡ ኣባላቱ ብጸቢብ መዕቀኒ ህግዲፍ ዝተመርጹ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ “ህዝባዊ ዲፕሎማሲ” ዝብል ዕማም ክወሃቦ እንከሎ ንዓና ኣዝዩ ይገርመና። ንኢትዮጵያውያን እውን ከም ዝገረሞምን ካብ ጉዳይካ ናይ ምህዳም ጉርሒ ምዃኑን ኣይሰሓትዎን። ባህርዳር ካብተን ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሸንዳሕ-ዳሕ ክብለለን ዝቐነ ከተማታት ኢትዮጵያ ክነሳ፡ ኣብቲ በዓል በረኸት መንግስተኣብ ዝተዓደምሉ ኣዳራሽ ተሳታፊ ኣዝዩ ቁንጣሮ ምዃኑ ከዛርብ ዝቐነየ እዩ። በቲ ይበሃል በዚ ከኣ መልሲ እዩ። መልሲ ብመልሱ ከኣ “ቅድም ምስ ህዝብኹም ዘለኩም ዝምድና ዘይተሕውዩ” ዝብል መልሲዩ። ናይቲ ካልእ ከተማታት ተመኩሮ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። ስለዚ ህግደፍ ምስሉ ከጸባብቐሉ ዝሓሰቦ መደብ መሊሱ ስለ ዝደወኖ ኢና “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ዲና ክንብሎ ወይስ “ክቑነና ከይደን ተነጽየን ይምለሳ” ዝበልናዮ።
እቲ ካልእ ኣብዚ ክለዓል ዝግበኦ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክዕወትን ባህልና ክምዕብልን ዓብይ ኣበርክቶ ዝነበሮም ነባራት ክኢላታት፡ ኣብ ሃገሮም ድምጺ ህዝቦም ኮይኖም ብሕም ዘይበሉ፡ ኣብዚ ካብኣቶም ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድ ምስሊ ህግዲፍ ናይ ምጽብባቕ ፍሹል ፈተነ ምእታዎም እዩ። ትማሊ ነብሶም ክኢሎም ዝቖሙሉ ስብእና ኣስኢኑ፡ ንኢትዮጵያ ጽረፉ እንተተባህሉ ዝጸርፉ፡ ንኢትዮጵያ ንኣዱ እንተተባህሉ ዝንእዱ፡ ንሓንሳብ ከረባት እንዳኣሰረ ንሓንሳብ ድማ ወተሃደራዊ ድቪዛ ዝኸድኖም ክኾኑ ምርኣይ የሕዝን። እንተ ኣብቲ ሓቀኛ ኣድላይነት ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ደገፍቱ እምበር ተቓወምቱ ኣይኮናን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሓድነት ዝተበተነ ዓቕሚ፡ ንዋትን ግዜን ኣወሃህዱ ዘተኣማምን ብቕዓት ስለ ዘውሕስ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና ግደኡ በሪኽ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንበዓ” ኢልና እንምስል። “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝብል ዘረባ ኣበው እውን መንፈሱ ግደ ሓድነት ምዕዛዝ እዩ። ብኩራት ሓድነት ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምጥቃስ ከኣ “ብሓደ ኢድ ኣይጣቓዕን” ንብል። ንዕዙዝነት ሓድነት ኣገዳሲ ካብ ዝገብርዋ ቁምነገራት ሓደ ናይ ሓባር ረብሓ መረጋገጺ መሳርሒት ምዃና እዩ። ሓድነት ከምቲ ስማ ዝሕብሮ ናይ ብሓቂ ሓድነት ንክትከውን ከቢድ ግና ድማ ዝከኣል ዋጋ ትሓትት እያ።
ሓድነት ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክትስረትን ቀዳልነታን ኣድማዕነታን ንከተውሕስን ናይቶም ፈጠርታ ቅሩብነትን መጽናዕትን የድልያ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ብሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ክትስነ ናይ ግድነት እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ወይ ኣድማዕነታ ይሓጽር ወይ ድማ ርትዓውነት ይጎድላ’ሞ ቀጻልነታ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ካብቲ ብመጽናዕቲ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዝረጋገጽ፡ ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ኣሎዶ? እንተልዩኸ ኣየንኡ ይዓዝዝ? ዝብል በዚ መጽናዕቲ ኣቢልካ ይረጋገጽ። ድሕሪ እዚ እቲ ዝፈላሊ መሰረታዊ እንተዘይኮይኑ ክትሰግሮ ትብዓትን ቅሩብነትን የድሊ። ሎሚ ዘይኮነስ ጽባሕ ክትፈትሖ ዝገበኣካ፡ ህዝባዊ ተሳትፎን ሕገ-መንግስታዊ ቀጥዕን ዝሓትት ፍልልያት እንተልዩካ ከኣ ነቲ ጽባሕ ክዕመም ዝግበኦ ሎሚ ክትውድእ ጉልበትካ ኣብ ክንዲ እተባኽን፡ ከተመሓድሮ ምብቃዕ ካልእ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዝሕተት ቀሊል ዝመስል ረዚን ውሕልነት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንፍልልያት ከም ቁርን ኣስሓይታን ምፍራሑ ዘይኮነ ከም ናይ መማረጺ ሓሳባት ጽቡቕ ዕድል ጌርካ ምውሳዱ ዓብይ ጉዳይ እዩ። ብሓሳብ ንዝተፈልየካ ኣብ ክንዲ ከም መወዳድርትኻ ወሲድካ ብሓሳብ ምስዓር፡ መጻልእጥኻ ጌርካ ብምውሳድ ንከተጥፈኦ ከይደቀስካ ምሕዳር፡ ክውገድ ዝግበኦ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ናይ ይከኣልን ኣውንታዊ ቅሩብነትን ብሩህ መጻኢ ምምዕዳውን የድሊ።
ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ናይ ለውጢ ባይታ ንዕዘቦ ዘለና ኣገዳስነት ምውሓስን ሓድነት፡ ግዜ ዘይህብን ዘይስገርን ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። በብወገና ነዚ ንምውሓስ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ነርእዮ ዘለና ግና ኣብቲ ንደልዮ ድማዕ ዘይበጽሐ ንቕሎታት ነዚ የመልክት። ከምቲ መብዝሕትና ዘይንስሕቶ፡ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምሓዝ ኣባና ዝተጀመረ ኣይኮነን። ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚት ክንደፍእ ዘይምኽኣልና ግና ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ናይ ድኽመትና መርኣያ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ እቲ ዘይንቡር ብሓሳብ ምፍልላይና ዘይኮነ ንኣምር ፍልልያዊ ሓድነት ከነተግብር ዘይምኽኣልና እዩ። ንሕና ንሓድነት ከም መሰረታዊ ናይ ዓወት መሳርሒ ክንወስዶ እንከለና፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ካብ ምፍልላይ ዝድረሩ ጸረ-ሓድነት ወገናት ግና፡ ንሓድነት ኣይቅበልዋን ጥራይ ዘይኮነ ክዘርግዋ ዘይፍንቅልዎ እምኒ ከምዘየለ ክንርደኦ ዝግበኣና እዩ።
ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዘየደቅስ ኣተሃላልዋ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ከም ኩሉ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ኤርትራውያን ባእታታትን ከሻቕሎም ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ነቲ ሻቕሎት መፍትሒ ምርካብ እምበር፡ ንሻቕሎት ምኩምሳዕ፡ መፍትሒ ከም ዘይኮነ ክልቲኦም ወገናት ስለ ዝተረድኡ፡ መዋጽኦ ንምርካብ በብወገኖም ክሰርሑ ምስ ጸንሑ፡ ጻዕሮም ብሓደ ናይ ምጽማድ ተበግሶ ካብ ዝወስዱ ነዊሕ ኮይኑ። እቲ ናይ መጀመርያ ዳህሳሶም ከኣ በበይኖም ንክኾኑ ዘገድድ ምኽኑይ መንደቕ ከምዘየብሎም፡ እኳደኣ ብሓባር እንተሰሪሖም ኣብቲ ሓይልታት ለውጢ ናብ ናይ ሓባር ጽላል ንምምጻእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣበርክቶኦም ከም ዝብርኽ ስለ ዝተረድኡ ናብ ፍጹማዊ ሓድነት ክበጽሑ ተሰማሚዖም ብግብሪ ይሰርሕሉ ኣለዉ። በበይንኻ ጸኒሕካ ናብ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ምምጻኡ ከቢድ ስራሕን ረዚን ሓላፍነትን ዝሓትት እዩ። ምክእኣል፡ ምጽውዋርን ሓልዮትን ዝዕጥቁ ቅሩብነት እንተልዩና ግና ከም ዝከኣል ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ናብ ሓድነት ኣረዲኡና ኣሎ። ክሳብ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና መስርሕ፡ ተሪፉና ንዘሎ ንኡስ ጉዳያት ወጊንና፡ ብዘይስልኪ ኣበርክቶ መሰረታት ክልቲኡ ወገናት፡ ኣብ ዘተኣማምን ኣብነታዊ ሓድነት ከም እንበጽሕ ኣውንታዊ ሓባሪ ምልክት ይህበና ኣሎ።
ኣብዚ ሓድነታዊ መስርሕ ክንኣቱ እንከለና፡ እቲ ገዚፍ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ብሓባር ዝሰርሕ ናይ ዘይምብቃዕ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ ብናትና ኣበርክቶ ጥራይ ከም ዝዕመም ብምእማን ኣይኮነን። ብእንጻሩ ግደን ተራን ናይ ካለኦት ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ቦታኡ ምዃኑ ከም ርዱእ ብምውሳድ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ፍጹማዊ ሓድነት ዓቂብና፡ ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ማሕበራትን ዘተን ምቅርራባትን ንምግሃድ ንቕጽል ዘለና። እዚ ተበግሶታት’ዚ እውን ከከም ባህሪ ናይቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያቱ ናብ ፍጹማዊ ሓድነት ወይ ድማ ናብ ፍልልያቱ ዘመሓደረን ቀዳምነታቱ ዝሰርዐን ጽኑዕን ቀጻልን ጽላላት ከም ዝምዕብል ርግጸኛታት ኢና። ህልዊ ኤርትራዊ ኩነታት ዝጠልቦ’ውን እዚ እዩ። ስለዚ ሓድነት ሓይሊ ካብ ኮነ፡ ኩልና ቅዳምነታትና በብምዕራፉ ሰሪዕና ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ከይዘንጋዕና ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሎሚ’ውን ከም ቀደም፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኰነታት ሃገርና ኤርትራ ዝመራመሩን ሓሳብ ዝህቡን ብዙሓት እዮም። ሃለዋት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ብዛዕባ ዝምድነኣ ምስ ኢትዮጵያ ካብቲ ብቐጻሊ ዝጥቀስ ነጥቢ እዩ። እዚ ኣብ ዙርያ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝለዓል ሓሳባት፡ በብመድረኹን ከከም በሃሊኡን ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሕዝ እዩ። ሓደ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተባርዐ ብዙሓት “ሰዓርን ተሰዓርን ዘይነበሮ ዘይምኽኑይ ውግእ” ዝብልዎ ኣዛራቢ ነይሩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ከኣ ካብዚ ዓብይ ዛዕባ፡ ውዕል ኣልጀርስን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ሕቡራት ሃገራትን ኣተገባብርኡን ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። እነሆ ሕጂ ከኣ ኣብ ዙርያ እዚ ዓብይ ናይ ጐረባብቲ ዛዕባ፡ እቲ ቅድሚ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝተራእየ፡ ሃንደበታዊ፡ ዘይግሉጽን ጌና መዕለቢኡ ዘይተፈልጠን ምሕዳስ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ብፍላይ ምሕዳስ ዝምድና ብዝምልከት ክዝረብ እንከሎ፡ ምስቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ዘየናሕሲ ጉጅለ ኣጎዝጒዝካ እቲ ምስኡ ዝዛመድ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምልዓሉ ኣይተረፈን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስዚ ኣብ ኤርትራ ዝዘርግ ዘሎ ስግንጢር ጉጅለ ክዛመድ እንከሎ፡ ቀንዲ ማእከሉ ጠቕሚ ሃገሩ’ኳ እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ፡ እቲ ዝምድና ማእከሉ ህዝቢ ኤርትራን ረብሓኡን ዘይኮነስ፡ እቲ ብደም ኤርትራውያን ዝሃጠረን ኣእዳዉ ብደም ንጹሃት ዝጨቀወን ውልቀ-መላኺ ምዃኑ ንከስተብህል፡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምዕታ ምቕራብን፡ ዘይሩዘይሩ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝፈስስ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ምዝኽኻሩን ሕማቕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዘስምዕዎ ቃል ከኣ ናይዚ ኣብነት’ዩ።
እንተኾነ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ወጽዓ፡ ዘይግሉጽነትን ንዕቀትን ብደዐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ተሓታቲ እቲ “ንኤርትራ እመርሓ ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ናይ ግዳም ሓይሊ ከምዘይኮነ ክንእመን ይግበኣና። እንተኾነ እቲ ናይ ግዳም ናይ “ጽቡቕ ኣለኻ” ኣተሓሳስባ ኣየሻህርቶን/ኣየሻድኖን ማለት ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ፡ ጠመተና ናብ ህግደፍ ጓሲና ናብቶም ንረብሓኦም ክብሉ ዘሻህርትዎ ኢድና እንተ ቀሲርና፡ ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል ኣብ ትዕዝብቲ ክንወድቕ ኢና።
ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ብኣና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኢትዮጵያውያን’ውን ሕቶ ዘልዕል ዘሎ ዝምድና ጥራይ ዘይኮነ ምስ በዓል ሱዕድያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ዝካየድ ዘሎ ዘይጥቅው ዝምድና እውን ኣዛራቢ እዩ። ከም ሳዕቤን ናይቲ ምስዘን ሃገራት ዝግበር ዘሎ “እዛ ብርኩታ እምኒላታ” ዘብል፤ ዝምድና ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ሃገርና ምኽፍት ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ መደበራትን ካልእ ምስጢራዊ ስርሒታት ይካየድ ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዘን ሃገራት ካብ ርእስና ክወርዳ ክንጽውዕን ክንምሕጸንን ንቡርኳ እንተኾነ፡ ከምቲ “ንስኻ እንተዘይትደፋኒ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል፡ እቲ ጠንቂ ናይ ኩሉ ስግኣት፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ዘይቅዱስ ምዕባለ፡ ንምስሊ ህግደፍ ከነጸባብቕ ክንብል፡ ንዓኡ ካብ ተሓታትነት ኣውጺእና ናብ ደገ ክንቋመት እንተፈቲና፡ ንቃልስና መስመሩ ዘስሕት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ዕድመ ወጽዓ ዘንውሕ ከምዝኮነ ክዝንግዕ ኣይግበኣናን፡
እዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ዘይመሰረታዊ ስጉምቲ ወሲዱ ካብቲ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክሕባእ ህርዲግ ዝበለሉ ዘሎ እዩ። ናይዚ መርኣያ ከኣ ነቲ ምስ ብዙሕ ዋጢጡ መጺኡ፡ ኣቀጻጽላኡ ዘይፍለጥ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ንቕድሚት እንዳምጸአ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ክደፍኖ ብዙሕ ሃቐነታት የካይድ ኣሎ። እንተኾነ ተመኩሮ መምህር እዩ’ሞ ኤርትራውያን “እዚ ምስ ኢትዮጵያ ወሲድካዮ ዘለኻ ስጉምቲ እኹል ኣይኮነን” ዝብል ድምጾም ብውልቅን ብእኩብን ብዝለዓለ ኣገባብ የስምዑ ኣለዉ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን “ዝምድናኹም ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ምምላሱ፡ ናብቲ ቀንዲ ጉዳይኩም ዝወስድ ሓደ ስጉምቲ እምበር፡ ዝጽበየኩም ለውጥስ ብዙሕ እዩ” ዝብል ድምጹ የስምዕ ኣሎ። ፓርላማ ጀርመን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ምምሕያሽ ዝምድና ጥራይ ከም ለውጢ ወሲዱ፡ ኣብ ልምዓታዊ ስረሓት ምስ ኤርትራ ክተሓባበር ድልዊ ዘይምዃኑ ምግላጹ ብኣውንታ ዝጥቀስን ናይ ህግደፍ መህደሚ መንገድታት ዝዓጹን እዩ።
ኤርትራውያን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝመሓዘዉ፡ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ግዳም ሓይልታት ክንነቅፍን ክንንእድን እንከለና፡ መዕቀኒና ቀጻልነትን ረብሓ ኤርትራን ህዝባን እምበር፡ ጸቢብ ሕሳብ ጉጅለ ህግደፍ ክኸውን ኣይግባእን። ዝምድና ህዝብናን ህግደፍን ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ምዃኑ ደጊም ንድሕሪት ዘይንምለሰሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። ካብዚ ሚዛንዚ ካብ ነቐልና ከኣ ንመን ንጸልእ፡ ንመንከ ንፈቱ፡ ነየናይ ንነቅፍን ነየናይ ንድግፍን፡ ህግደፍ ክውስነልና ኣይግባእን። ካብዚ ብዘይፍለ ረብሓና ኣብቲ ንዓና ዝጠቅም እምበር፡ ኣብ ናይ ካለኦት ሕማቕ ዝምርኮስ ክኸውን ኣይግበኦን። ኣብዚ ብቑዓት ክንከውን ከኣ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ካልኦት፡ ብዛዕባና ክንዛረብ ክንበቅዕ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ኣካይዳዚ ወጽኢና ጉጅለ ህግደፍ ዘዝበሎ ንደግም እንተኮይና ግና፡ ከምቲ “ናታ እንዳሓረራስ ናይ ካለኦት ተካውስ” ዝበሃል ክንከውን ኢና። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ከም እንዕዘቦ ኣብቲ እንብህጎ ለውጢ ክንበጽሕ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ረብሓና ረብሓኦም ናይ ዝኾኑ ወገናት፡ ሓገዝን ድገፍን ክንጽበ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ዋና እንተዘየእውዩ ጐረቤት ኣይረድእን’ዩ” ዝበሃል ናቶም ደገፍ ንጸዓትና ዝትክእ ኣይኮነን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ውረድ ደይብ ዝበዝሖ፡ ናይ ክብ ለጠቕ ጉዕዞ ምዃኑ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እቲ ክብ ለጠቕ ዝፍጠር፡ ዋላኳ እቲ ወጽዓ ሓንሳብ ምስ ጀመረ ብዘይምምሕያሽ ቀጻሊ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ናይቲ ኣንጻርዚ ወጽዓ ዝካየድ ቃልሲ ብግቡእ ዘይምምሕዳሩ እዩ። ብዘይካዚ ኣካይዳ ህግደፍ ምስቲ ሓቀኛ መንነቱ ከይፍለጥ ዘካይዶ ኣተሓባባእ፡ ህዝቢ ብዛዕባቲ ወጽዓ ሓደ ዓይነት ግንዛበ ንክሕዝ ዝሓተቶ ጻዕርን ግዜን ቀሊል ኣይነበረን። ኣብዚ እዋንዚ ግና በቲ ሓደ ወገን ህግደፍ ክዋሰኣሉ ዝጸንሐ መድረኽ እንዳጸበበ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ኣካል ዝዋሰኣሉ ደንበ መመሊሱ እንዳሃብተመ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና።
ብዙሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ዝመረጾ መንገዲ ናይ ደሓን ከምዘይኮነ ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ብተግባር ኣንጻርዚ ወጽዓዚ ዝገጥም ግና ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ውሑድ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ክሃሲ ዝጸንሐ ግና ዋሕዱ ዘይኮነ ዘይስጡም ኣካይድኡ እዩ። እቲ ወጽዓ ህግደፍ እንዳተረደአ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን እንዳ ወረደ፡ ኣግሂዱ ኣንጻርቲ ወጽዓ ዘይቃለስ ወገን ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። ናይዚ ስቕታ ቀንዲ መግለጺ ከኣ ኣብ ውሱን ናብ ህግደፍ ኣይበጽሕን እዩ እትብሎ ክሊ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ እንዳማረርካ ብግሉጽ ግና እምነትካ ምሕባእ ካብቲ ከጋጥም ዝጸንሐ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ እቲ ነቲ ስርዓት ብግሉጽ ዝቃወምን ዝድግፍን ውሑድ ኮይኑ፡ እቲ ስቕታ ዝመረጸ እሞ ከም ዝረገአ ማይ ክምሰል ዝጸንሐ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ይበዝሕ እንዳተባህለ ክግለጽ ዝጸንሐ።
ብዙሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ወጽዓን በደልን እንዳረኣዮን እንዳሰምዖን ኣግሂዱ ናይ ዘይምቅላሱ ምስጢር ምርዳእ ኣጸጋምን ሕቶ ዘልዕልን ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ከምቲ ኩልና እንርደኦ በቲ ሓደ ወገን ንህዝብን ሃገርን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ሓላፊ ስርዓት ህግደፍ ኣጣቢቕካ ምርኣይን ነቲ ስርዓት ምትንካፍ ማለት ንህዝብን ሃገርን ምጉዳእ ጌርካ ምውሳድ ሓደ ካብቲ ጠንቅታት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ምናልባት እውን ህግደፍ ግዜ እንተተዋሂብዎ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናይ ጭቆና ኣእዳዉ ክእርንብ ይኽእል እዩ ዝብል ዘይትግበር ተስፋ እውን ካልእ ምኽንያት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምናልባት ንህግደፍ ምትንካፍ ካብዚ ዘለናዮ ናብ ካልእ ዝኸፈአ ኩነታት ከይወስደና ዝብል ስግኣት እውን ዕድመ ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ጠንቂ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ነዚ ናይ ህዝብና ኣብ ዘይግዜኡን ዘይቦታኡን ዝሓደረ ሓልዮት ሻቕሎትን መዝሚዙ እንዳፈራርሐ በቲ ዝጀመሮ ወጽዓ ቀጺሉ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ዝኸፈአ ሓደገኛነት ዓሪጉ።
ኣብዚ እዋንዚ ግና ህግደፍ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ፡ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል እነሆ ብዙሓት ካብቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብቶም ሴፎም መሊሖም ክድግፍዎን ክድብልሉን ዝጸሑ ከይተረፉ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ “ሕጅስ ብህዝቢ ምሽክዕላልን ከቢድ ዋጋ ብዝተኸፍሎ ልኡላውነት ሃገር ምጥላዕን ይኣክል” ዝብል ቃሎም ከስምዑን ናይ ለውጢ ዝርዝር ጠለባቶም ከቕርቡን ጀሚሮም ኣለዉ። “ቅዋም ይተግበር፡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ይፈትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ይገበረሉ፡ ምምልካት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ባይታ ብዘይወዓል ሕደር ይተግበር፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ውዕላትን ስምምዓትን ንህዝቢ ይተሓበር“ ዝብሉ ከኣ ካብቲ ጠለባት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዚ ዘመልክቶ ከኣ፡ ዕግበት ኣብ ሓደ ጉዳይ ኩልኻ ኣብ ሓደ ግዜ እትበጽሖ ዘይኮነስ፡ ግዜኡ ሓልዩ መምስ በሰለ ዘረጋገጽ ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ኣሰላልፋና እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። እቲ ሓደ ይመርሕ እቲ ካልእ ከኣ ይስዕብ። እቲ መስርሕ ከኣ ክሳብ ዓወት ይቕጽል። ስለዚ እቲ ኣብቲ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝጸንሐ፡ ነዚ ሕጂ ንደንበ ህግደፍ ዝርሕርሕ ዘሎ ኣካል ኣእዳዉ ዘርጊሑ ናይ ምቕባሉ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ናብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ዝጽንበር ዘሎ ወገን ከኣ ነቲ ተነጺፉ ዘሎ ናይ ቃልሲ ባይታ ኣንጻር ህግደፍ ግቡእ ኣፍልጦ ሂብካ ዝያዳ ናይ ምብራኹ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ምንባብን ሓቢርካ ምውፋርን ኣብ ሓጺር ግዜ ዕድመ ህግደፍ ከምዘሓጽር ርዱእ እዩ። እዚ ኣገባብ ምኽታል እዩ ከኣ ነቲ ወትሩ ካብ ምፍልላይና ክዕንገል ዝጸንሐ ህግደፍ ዕድል ዝኸልኦ።
ወጽዓ ህግደፍ ከም ናይ ኩሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ወጻዕቲ፡ ሓደ እዋን ከምዘብቅዕ ፍሉጥ እዩ። “መዓስ?” ዝብል ግና ብናትና ናይቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝውሰን እዩ። ህግደፍ ትልኽ ዝብል ዘሎ ክነብር ኢሉ ዘይኮነስ ዕድመ ንምንዋሕ እዩ። ንሕና እንቃለስ ዘለና እውን ህግደፍ ምውዳቑ ከምዘይተርፍ እናተረዳእና፡ ውድቀቱ ንምቅልጣፍ እዩ። ስለዚ ዕድመ ህግደፍ ብናቱ ሕሳብ ዘይኮነ፡ ብናትና ብርታዐ እዩ ክውሰን ዝግበኦ። ዕድመ ህግደፍ እንተነወሐ ብናቱ ብርታዐን ውዲትን ዘይኮነ፡ ኣብ ናትና ድኽመት ዝምርኮስ እዩ። ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ዝረኸብናዮ ዕድላት ብግቡእ ብዘይምጥቃምና ዘይምኽኑይ ግዜ ከም ዝበላዕና ክንእመን ይግበኣና። ንመጻኢ ከኣ ካብኡ ክንመሃር ናይ ግድን እዩ። ሓደ ጉዳይ ስለ ዝደለኻዮ ጥራይ ዝውዳእ ኣይኮነን። በሲሉ ዝውደኣሉ ግቡእ ግዜ የድልዮ። ግቡእ ግዜ ዘይምሃብ ከምቲ “ተሃዊኸን ይደፍአኦሞ ተመሊሰን ይኣርይኦ” ዝበሃል ዘኽፍሎ ዋጋ ስለ ዝህልዎ። ብኣንጻሩ ብጉልባብ “ግቡእ ግዜ ምሃብ” ዘይተደላይ ምድንጓያት ምፍጣር ከኣ ናቱ ሓደጋ ከምዘለዎ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና እንመሃሮ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ዘይተደላይ ምድንጓያት ንዘይምፍጣር “ግዜ እንከለና፡ ግዜ ኣይንጸበ” እንብል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሓድሽ ዓመት 2019 ካብ እንቕበል ድሮ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ። እዛ ተረኪብናያ ዘለና ሓዳስ ዓመት ምስተን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ክትወዳደር እንከላ ንዓና ንኤርትራውያን ተስፋታትን ስግኣታትን ዝሓቖፈት እያ። እቲ ተስፋታት ካብ ዝግለጸሉ ምኽንያታት ሓደ ህግደፍ ናይ ንለውጢ ማዕጾ መመሊሱ ንምዕጻው ዝጥቀመሉ ዝነበረ መሕብእታት ዝተቓለዓሉ ምዃኑ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ዝኾነ እንተኾነ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ካብ ሓቂ ምህዳምን መንገዲ ከይወጽእ ዝወሰነ ስለ ዝኾነ ካልእ ምስምስ ክፈጥር ከም ዝተዓጥቀ ምልክታት ይረአ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣካል ናይቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ስግኣታት እዩ።
ካብ ቀደሙ እውን ህግደፍ ለውጢ ክጻረር እንከሎ፡ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኰነተ ኣይውግእ ኣይሰላም ምስ ኢትዮጵያ ኮነ እገዳ፡ ምኽኑይ ከምዘይነበረ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነታት ምህላዉ ክጸልወካ እምበር ዘቤታዊ ስራሕካ ከይትሰርሕ ከምዘይዕንቅፍ ብናይ ብዙሓት ሃገራት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኢሳይያስ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ከም ምኽንያት ብምውሳድ ዘቤታዊ ዕዮኡ ከቋርጽ እንከሎ ኣብ ከም ናቱ ኩነታት ዝነበረት ኢትዮጵያ ግና ሕገ-መንግስቲ ኣጽዲቓን ኣተግቢራን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5ተ ዓመታት ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ ጸኒሓ እያ። ኢሳይያስ እውን ብመሰረቱ ካብ ሕገ-መንግስታውን ዲሞክራስያውን መስርሕ ስለ ዝሸፈተ እንተዘይኮኑ፡ ከምኡ ዘይገብረሉ ቅቡል ምኽንያት ኣይነበሮን ሕጂ’ውን የብሉን።
ቃልስና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልኡላውነት ኤርትራ ውሑስ ኮይኑ፡ ምእንቲ ምትካል ሕገ-መንግስታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክንቃለስ ጸኒሕና። ምውሓስ ልኡላውነትና ቀንዲ መሰረት ናይቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ቃልሲ ምዃኑ እውን ብእዉጅ ከነቃልሕ ጸኒሕና። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኢሳይያስ ሕጂኸ ካብ ለውጢ ንምህዳም እንታይ ምኽንያት ኮን የምጽእ ክበሃል ምስ ጸንሐ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዛዕባ ዘየድመዐስ፡ ደገ-ድገ እናመዓደወ፡ ጉዳይ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝያዳ ኤርትራዊ ዛዕባ ከም ዘገድሶ ኮይኑ ክቐርብ ይደናደን ኣሎ። እዚ ከኣ ካልእ ናይ ስግኣት ምልከት እዩ። ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ዘየድመዐስ ኣብ ዞባውን ከባብያውን ጉዳይ ከድምዕ እዩ ማለት ግና ዘበት እዩ።
ሎሚ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ካብቲ ዝጸናሕናዮ ናይ ቃልሲ ብርኪ ተመሊስና፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ዳግማይ ናይ ምድልዳል ቀዳማይ ሓላፍነት ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እነሆ። እቶም ኢሳይያስ ሓቀኛ እምነቱ ሓቢኡ ብግዝያውነት ይኣትዎ ብዝነበረ ናይ ልኡላውነት ቀንዲ ተሓላቕነት ተኣሚኖም ዝነበሩ ወገናት ሎሚ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣብ ስግኣትን ምድንጋርን ወዲቖም ኣለዉ። እቶም ካብ ቀደም ናይ ኢሳይያስ ናይ ሃገርነት ተሓላቒ መሲልካ ምቕራብ ዘይተዋሕጠልና ግና፡ እዚ ሓድሽ ቀልባዕብዑ ኣስደሚሙና እምበር ሓድሽ ኣይኮነናን። ኣይበልናንዶ ኣብ እንብለሉ ደረጃ ከኣ ንርከብ። ቅድሚ 6ተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኢሳይያስ ንናይ ኢትዮጵያ መራሒ ንሓንሳብ ከም ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ንሓንሳብ ድማ ከም መራሒ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣደባባያት ኣፍልጦ ክህቦ እነኮሎ፡ ኣይኮነንዶ ንደገፍቱ ነቶም ካብ ቀደም እውን ቀንዲ ጉዳዩ ኤርትራዊ ዛዕባ ከምዘይነበረ ንግምት ዝነበርና እውን ደንጽዩና እዩ። ሕጂ እሞ ከኣ በዚ ዝሻደነ መራሒ ኢትዮጵያ፡ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ መስመር ባቡር ዝዝርገሓሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ምስ ሓገዝቲ ዓው ኢሉ ክዛረብ ምስ ሰማዕናዮ ናይ ኢሳይያስ ክድዓት ተጋሂዱ እዩ። እዚ ስግኣት ኮይኑ ብዙሓት ናይቲ ኢሳይያስ ዘይብቕዑነቱ ንምጉልባብ ዝጥቀመሉ ህድማ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ከይተረፉ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ብውሽጦም ዘይኮነስ ዓው ኢሎም ዓገብ ክብሉ ምጅማሮም ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ።
ከምቲ ወለድና “ውሕጅ እንዳስሓቐ እዩ ዝወስድ” ዝብልዎ፡ ኣይከውንን እዩ ክንብሎ ዝጸናሕና ናብ ምዃን ገጹ ይምዕብል ኣሎ። ንሕና ኣብ ቦታና ኮይና ኣይከውንን ክንብል እንከለና ኢሳይያስ ግና ከምዘተግብሮ ንግምት። እስከ ብዛዕባ ኢሳይያስ ክንሓስብ እንከለና ኣብቲ ጠላም ቦታኡ ኮይና ንሕሰብ። ኢሳይያስ ህዝብን ሃገርን ለኪምካ ኣብ ምጥፋእ እምበር ኣብ ምድሓን ከምዘየለ ክንእመን ይግበኣና። እስኪ ነስተብል ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ደጊም ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናተን ሃገራዊት ሰራዊት ኮነ ኣንበሳድራት ኣየድልየንን እዩ ኢሎም ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ክዛረቡ እንከለዉ ብወገንቲ ንኤርትራ እመርሕ ኣለኹ እናበለ ዝመጻደቕ ኣካል ድምጺ ዘይምስምዑ ምስ ምንታይ ይቑጸር። ስሚዕካ ስቕ ምባል ነቲ ዝተባህለ ካብ ምቕባል ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። እዚ ከኣ ካልእ ገጽ ናይቲ ስግኣትን ክሕደትን እዩ። ኣብዚ እውን ብዙሓት ንህግደፍ ዝከላኸልሉ ዝነበሩ ወገናት “ሰይጣን ወሰደኒ መልኣኽ መለሰኒ” ብዝብል ብወግዒ ክቃወሙ ምጅማሮም ምስቲ ተስፋ ዝውሰድ እዩ። ብዝኾነ ደጊም ኩነታት ህግደፍ ዓይኒ ኣፍጢጡ እንዳረኣናዮ፡ ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ባዕልና ንዛረበላ ኢሳይያስ ክዛረበላ ንጽበየሉ ምኽንያት የለን። ኢሳይያስ ሎሚ ወይ ብዛዕባ ኤርትራ ኣይዛረብን እዩ፡ እንተተዛሪቡ’ውን ንጥፍኣታ እምበር ንልምዓታ ዝእምት ኣይክኸውንን እዩ።
ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይቲ መንግስቲ እየ ኢሉ ጀሚሩ ናብ ውልቀ-ሰብ ወሪዱ ዘሎ ዲክታቶር ኣይኮነትን። ሎሚ ኢሳይያስ ሓደ ጽሉል ሰብ እምበር ዲክታቶር ዝብል ስያመ ኣይበቕዖን እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ሓቅነት እውን ኣለዎም። ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ዓለማዊ ናይ ዕቤት ደረጃ ኤርትራ በይና ተነጺላ ክትነብር እያ ማለት ወድዓዊ ኣይኮነን። ምስ መን ትዛመድ፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰሉ መዳያትን መስርሕን ዝብል ግና ብሓደ ውሑስ ጥዕና ዘየብሉ ውልቀ-መላኺ ዘይኮነ ብህዝባ ዝለዓል እዩ። ኤርትራን ህዝባን ነዚ ክበቕዑ ከኣ ቅድሚ ኩሉ ከም ሃገርን ህዝብን ዓዲ ሕግን ስርዓት ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ክኾኑ ክበቕዑ ዘይስገር ቅድመ-ኩነት እዩ። በዚ መስርሕዚ ዘይሓለፈ ዝምድና ግና ንኤርትራን ህዝባን ዘዘኽትሞም እምበር ዘርበሓኦም ኣይኮነን። እዚ ሓቂዚ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ዝተረጋገጸን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ክንከፍል ዘግደደናን እዩ። ግጉይ መንገዲ ከይንደግም ከኣ ክንጥንቀቕ ይግበኣና።
ሓደ ሓደ ኣንጻር መሰል ርእሰ-ውሳነ ኤርትራ ተሰሊፎም ዝተሳዕሩ፡ ሎሚ ኣካይዳ ኢሳይያስ መዝሚዞም “ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት 30 ዓመታት ኣብ ዝወሰደ ደማዊ ቃልሲ፡ ኣእላፍ መንእሰያት ከፊላ ክነሳ፡ ነጻነት ከምዘየዋጽኣ ኣሚና እነሆ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ” ክብሉ እንከለዉ ኣቶ ኢሳይያስ ናይ እወ ወይ ኣይፋል ድምጺ’ኳ ኣየስመዐን። ነዚ ስቕታኡ በቲ ኣበሃህላ እዞም ወገናት ከም ዝተኣመነ ገይሮም ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም። ሓቃቶም ከኣ ምኽንያቱ ከምቲ “ዋና ገዛ እንተዘየእውዩ፡ ጐረቤት ኣይረድእን’ዩ” ዝበህል ዋና እየ በሃላይ ንዝረዓመሉ ጥልመት እንታይ ክብልዎ። ስለዚ ኣንጻርዚ ስግኣትዚ ንሕና ሎሚ ዝያዳ ዝሓለፈ ግዝያት ክንዛረበሉን ናብ ተስፋ ክንቅይሮን ንጥለብ ኣሎና።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብቲ ቀደም ቀደም፡ ዝተወሰነ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ብሌን ዓይኑ ይሕልዎን በጃ ይሓልፈሉን ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብኣንጻርዚ ካብ ንግሁኡ ኢሳይያስ ከምዚ ሕጂ ኮይንዎ ዘሎ ዕንኪላሎ ከም ዝኸውን ዝኣመቱ እውን ነይሮም። ኢሳይያስ ነዚ ውሱን ናይ ህዝቢ ደገፍ ብምምዝማዝ ዝተኽተሎ ናይ ሓሶት “ሓላዪ ህዝቢ” መሲልካ ናይ ምቕራብ ድራማታት’ኳ ይሰርሕ እንተነበረ፡ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ወገን ኮይኑ ግን ኣይፈልጥን። ግዜ ሓያል ፈራዲ ስለ ዝኾነ እዚ ናይ ኢሳይያስ ሓሳዊ ምስሉይነት ዘለኣለማዊ ክኸውን ኣይከኣለን። ምስልይነቱ እንዳተቐንጠጠ ሓቀኛ እንታይነት ናይዚ ዲክታቶር ካብ ምቅላዑ ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ማለት ኢሳይያስ ናይ ገዛእ ርእሱ እምበር ናይ ውሑዳት ኮነ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን መርኣያ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ።
እዚ ክብሃል እንከሎ፡ ኢሳይያስ በይኑ ዘይኮነ ግዝያዊ መኻይዲ ዝኾንዎ ኣካላት ፈጢሩ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ወገን መሲሉ ክቐርብ ኣይጸዓረን ማለት ግን ኣይኮነን። ኩልና ከም እንርደኦ “ዓወት ንሓፋሽ” ክሳብ ሕጂ መሪሕ ጭረሖ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኮይና ትቕጽል ኣላ። “መዓስ፡ እንታይ ንምርግጋጽን ንምዕዋትን እዩ ሓፋሽ ተዓዊቱ?” ኢልካ ምስ እትሓትት ግና፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና፡ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወትን ከዕኑን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ እንክዕወት ዘርኢ ተመኩሮ የብልናን። እምበርከ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይሕገመንግስቲ፡ ብዘይልዕልና ሕጊ፡ ብዘይፈልጦምን ዘይመረጾምን መራሕቲ፡ ብዘይምኽባር ኩሉ መሰረታዊ መሰላት፡ ብዘይ ናይ ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽ መሰልን፡ ወዘተ እንዳተመሓደረ፡ ባዶ “ዓወት ንሓፋሽ ክደጋገመሉ እንከሎ ምስምንታይ እዩ ክቒጸር። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ከም ዝተዓወተ፡ እንተኾነ ናይ ዓወቱ ተጠቃሚ ከምዘይኮነ ግና ብሩህ እዩ።
ኢሳይያስ ከም ዝኾነ ጸረ ህዝቢ፡ ንሱ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጥ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባኡ ዝፈልጥ ኮይኑ ኣይስመዖን እዩ። ናይ ካለኦት ዲክታቶራት ዝምድና ምስቲ ዝገዝእዎ ህዝቢ ንምድህሳስ ግዜ ከይወሰድና፡ ናብ ተመኩሮና ክንመጽእ እንከለና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳይያስ እንታይ ከም ዝሓስብን ስለምንታይን ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ብፖለቲካ ከኣ ዝበሰሉ ኤርትራዊ ብዛዕባዚ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ከዕልሉ እንከለዉ፡ “ኢሳይያስ ብፍላይ ምስ ትግራይ ዘለዎ ሽግር ጉዳይ ዶብ ዘይኮነ፡ ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ዘይተጋህደ ሕልሙ ከይከውን እሰግእ እየ” ዝበልዎ፡ ህዝብና ብዛዕባ ሃርጎምጎም ኢሳይያስ ይፈልጥዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዕሚቑ ከም ዝፈልጥ ዘመላኽት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብዚ ግናይ ሰብኣይ ቅርበት ዝነበሮም ወገናት ዝህብዎ ዘለዉ ግምታት እውን ነዚ ዘራጉድ እዩ።
ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ኢሳይያስ ካብቲ ኣብ ዓዲ ኮይኑ ኩሉ ንቓልሲ ዘድሊ ዋጋ ክኸፍል ዝጸንሓ ሓፋሽ ኤርትራዊ፡ ናብቲ ብረት ዓጢቑ ኣብ ሜዳ ዝተሰለፈ ኤርትራዊ ክፋል ከም ዘዳሉ ይንገር ነይሩ። ንሱ ብዝሃንደሶ ተንኮል ኣብ ኣብያተ-መዘናግዕን ካለኦት ህዝቢ ዝእከበሎምን ኣገልግሎት ዝሓተሎምን መድረኻት እንዳሲቪልን እንዳተጋደልትን እንዳበልካ ማይቤታት ተንኮላዊ ምክፍፋላት ነይሮም እዮም። ነዚ ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ዝዘርገሖ ናይ ጥፍኣት መርበብ ተኸቲሎም ጣዕሳኡ ኣብ ዘይወጽእ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ዝተሳተፉ ንዓኣቶም እምበር ንህዝቢ ዘይተቓለሱ ከም ዝነበሩ እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ከሳቢ እቲ ብምክፍፋል ዝሃጥር ኢሳይያስ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንዳሓደረ ግና ኢሳይያስ ኣይኮነንዶ ናይቲ ሓፍሽ ተጋዳላይ ክኸውንስ ናይ ጉጅለ 13 ኮነ ናይ ጉጅለ 15 እውን ክኸውን ኣይከኣለን። እዚ ኣብ ልዕሊ እዞም ናይ ኣተሓሳስባ ጉጅለታት ዝወሰዶ ስጉምትታት ከኣ ኢሳይያስ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ከምዘየለ ዘረድእ ግብራዊ ስጉምቲ እዩ። ንሱ ናይዞም ክሳብ ሕጂ ብምርኩስ ተደጊፎም ምስኡ ዘለዉ ፍሩያት ባእታታት እውን የለን። ኮታ ከም ብርሃነ ኣብርሀ እንዳቖንጠረ መዓስ ከም ዝውደኦም መስርዕ ሒዞም ዝጽበዩ ዘለዉ ግዳያት እዮም። ብእምንቶና ንሳቶም እውን እዚ ይጠፍኦም እዩ ማለት ኣይመስለናን። እንዳፈለጡ ተኾዲጮም ይጽበይዎ ምህላዎም ከኣ ደጊም ዝገበረ ይግበርና እምበር እንታይ ክገብር ብዝብል ድዉይ ውሳነ እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ረፊዱ እምበር፡ ንኢሳይያስ ከምቲ በይኑ እንዳሓሰበ ብሓሶት ምሳኹም ኣለኹም ዝብሎም፡ ደጊም ንሕና እውን ምሳኻ የለናን ዝብልሉ ዕድል ኣይዓረበን።
ኢሳይያስ ነዚ ነባርን ዝተሓላለኸን ውዲቱ ከዕውት ሓሶት ከዘውትር ናይ ግድን እዩ። ንሓቀኛ መንነት ኢሳይያስ ዘይተረድኡ ግሩሃት ሓሳዊ ምባሉ የሕምሞም ይኸውን። ምናልባት እውን ከምኡ ምባል ንኤርትራ ምውራድ ይመስሎም ይኸውን። እንተ ሓሶታት ኢሳይያስ ብዙሕ እዩ። ኣብ ካልእ ከይከድና ኣብ ዝኾነ ቃለ-መጠይቑ ዝኣትዎም ቃላትን ዝህንድሶም ቆጸራታትን ናይ ሓሶት እዮም። ቅድሚ ወርሕን ገለን ኣቢሉ ኣብ ዘካየዶ ዳሕረዋይ ቃለ-መጠይቕ’ኳ፡ ድሕሪ ሰሙን ብዛዕባ ኤርትራዊ ዜቤታዊ ጉዳይ ክዛርብ ቆጸራ ከም ዝሓዘ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ይስማዕ ነይሩ። ብተግባር ግና “ወይከ።” ኢሳይያስ ምናልባት ሓደ እዋን ንቓለ-መጠይቕ እንተቐሪቡ ብዛዕባዚ ዝጠለሞ ቆጸራ እውን ይቕረታ ኣይክሓትትን እዩ። ናይዚ ቀንዲ ትርጉም ከኣ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ እዩ። እዚ ካብ ኮነ ከምቲ “ኣድጊ ዝገበረካስ ጠይቂ ግበሮ” ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራኸ “ምሳና ከምዘየለኻ ተርዲእና ኣለና” ዘይብለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ። ብወገና ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ በጺሑ ፈሪሑ ኣይንብልን። ኣብ ቅድሚ ብዓለም ደረጃ ዝተዋደደ ጸረ መሰል ርእሰ-ውሳነ ኣታሓሳስባ ተሰሊፉ ተዓዊቱ ነጻነቱ ዘውሓሰ ህዝቢ፡ በዚ ብተግባሩ ዝፈኾሰ ሰብ ፈሪሑ ምባል ንህዝቢ ኤርትራ ዝምጥን ኣይኮነን። ምናልባት ንኢሳይያስ ምድፋር ንልኡላውነት ኤርትራ ከም ኣብ ሓደጋ ምእታው ዘይኮነ ክነሱ፡ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ከይከው እንተተባህለ ሚዛናውነት ኣለዎ። በዚ ኣጋጣሚ ንሉኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ ደድሕሪ ኢሳይያስ ምኻድ ምዃኑ ግን ኣይንዘንግዕ።
ከምቲ “ፈርስን ኣኮይ ኣኮይ ይብል፡ ኣድግንከ ዘይግዳዱ” ዝበሃል፡ ደጊም ኢሳይያስ ኣዳዕዲዑ ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ከምዘይኮነ እንዳነገረና፡ ኣብ ከባቢኡ ጥውይውይ ምባል ከብቅዕ ይግበኦ። ሓንቲ ከብድኻ እትበልዕ ኣብነት ክንጠቅስ። ኢሳይያስ ናብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገሸሉ፡ ንኢትዮጵያን፡ ብክልተ ኢዱ ንሓንሳብ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ፡ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ኣፉ እንዳሰዓመ ፍቕሩ ገሊጽሎም። ንኤርትራውያን ግና ብዘይካ ተሓቢእካ ኮለል፡ ነተን ኣብ ዘየብለን ጸሓይ ዝመስል ቅጫ ቀጭየንን ኣቑጽልቲ ሒዘንን ዕልል ዝብላሉ ለወሃት ኣዴታትና፡ ብሓንቲ ኢዱ እውን ፍቕሩ ገሊጹለን ኣይፈልጥን። እዚ ኩነታት ዋላ ደጋጊምካ ተሓቖንካዮ፡ ኢሳይያስ ምስ ህዝብና ከምዘየለ እምበር፡ ጻዕዮ ዘምጸኦ ካልእ ሓቂ የለን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ ተጸሚድናዮ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ክንጽመድ ዘገደደና ምኽንያት፤ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ዘየደቅስ ሃለዋት እምበር፡ ካልእ ኣይኮነን። ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብሰንክቲ ሓደራ ህዝብን ሰማእታቱን ክሒዱ ከም ቁርዲድ ጨምዲዱ ሒዝዎም ዘሎ፡ ወትሩ ገበናቱ፡ ኣበራቱን ጥልመታቱን እንዝርዝሮ ናይ ኣዝዮም ውሑዳት ጉጅለ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ቀጥታዊ ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን፡ ንኹሎም ምእንቲ መሰል ሰባትን ልዕልና ሕግን ዝግደሱ ወገናት ካብ ዝንጽር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ወሳኒ ዕማም እንሳተፍ ከኣ “ሕማምን ቃንዛን ህዝበይ ነዓይ እውን ሕማመይን ቃንዛይንዩ” ብዝብል ናጻ ተወፋይነት ምዃኑ ንጹር እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ህይወት ተረዲእካ፡ ዓቕምኻ ከተወፊ ንቃልሲ ቅሩብ ምዃን በይኑ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ኣይኮነን። ነቲ ዕገበት ኣሽሪፍካ ኣብ ዓወት እትበጽሓሉ፡ ንኩነታት ሃገርካን ህዝብኻን ኣብ ግምት ዘእተወን ነዊሕ ዝጠመተን እስትራተጅን በብምዕራፉ ዝስረሓሉ ሜላታትን ምሕንጻጽ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። እቲ ድሌትን ቅሩብነትን በዚ እንተዘይተሰንዩ ግና ስምዒት ጥራይ ኮይኑ ናይ ምትራፉ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዘዕውት ስራሕ ብመሰረቱ ሓባራዊ እዩ። ሓባራዊ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ወጽዓ ኮነ፡ ነቲ ወጽዓ ስዒርካ ዝመጽእ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ሓባር ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛዚ ንክዕወት፡ ጸብለል ክብሉ ዝግበኦም ኣነን ንሱን ወይ ንሕናን ንሳቶምን ዝብሉ ተጠማመቲ ሓሳባት ዘይኮኑ እቲ ብኹሉ መለክዑ ጉልበትን ዓቕምን ዘሰውድ “ንሕና” ዝብል ክኸውን ይግበኦ።
“ንሕና” ንዝብል ቃና ከነሕይል፡ ኣነ፡ ንሱን ንሳን፤ ንሳቶምን ንሳተንን ኣወጊድና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ጨፋሊቕና፡ ሓደ ሰልፊ፡ ሓደ ውድብ ወይ ሓደ ማሕበር ጥራይ ንኹን ማለት ኣይኮነን። መሰረታዊ ሸቶኡ ኣብዛ እናተቐንዘወት ዘናግፋ ስኢና ትጽወዓና ዘላ ኤርትራን ህዝባን ራህዋ የረጋግጽ ዝብል ዝተወደበ ኣተሓሳስባታት እሞኸኣ ዝተባባዕ እምበር ዝኹነን ኣይኮነን። ብመሰረቱ እውን ቃልስና ነቲ ብናይ ህግደፍ ኣተሓሳስባታት ዝተነድቀ ዓዲ ዘየእቱ እንተዘይርዒምኩም ናትኩም ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ክህልወኩም የብሉን ዝብል በሓቲ ፖሊሲ ኣወጊድካ፡ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ ምውሓስ እዩ። ናይ ኣተሓሳባ ኣማራጽታት ግና ኣብ ማእከላይ ቦታ ተራኺቦም ኣብቲ ዘሰማምዖም ብሓባር እንተዘይ ተሰሊፎም ወጽዓ ክጸርጉ ከምዘይክእሉ፡ ኣብ ተመኩሮና ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ጸገምና ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ምሕዝ ዘይኮነስ ከከም ቅርበት ናይቲ ሓሳባት ክንጽንብሮ ወይ ከነላፍኖ ዘይምብቃዕና ምዃኑ እውን መዛግብ ተመኩሮና ዝምስክሮ እዩ። ነዚ እንተበቒዕና ኢና ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና ምንጪ ብርታዐናን መልክዕናን ዝኸውን። እንዳተደላለየ ተመዓዳድዩ ዝነብር ብዙሕነት ግና፡ ግዳይ በበይንኻ ዓቕምኻን ግዜኻን ምብኻንዩ ዝኸውን። ተመኩሮና ነዚ እውን ኣርእዩና እዩ። ስለዚ ርሑቕ ከይከድና ካብ ተመኩሮና ሕማቑ ኮነ ጽቡቑ ክንዝክር ንኽእል ኢና። ዘኪርና ንመሃረሉዶ ወይስ መንገዲ ጥፍኣት ክነሱ ደጋጊምና ነታትዮ ኣብ ቀቅድሜና ዘሎ ፈተና እዩ።
እቲ ወለድና “ኣብ መስርሕ ኣይኮነንዶ ህይወት ዘለዎ እምኒ እውን ይጋጮ እዩ” ዝብልዎ ዝተፈላለየ ሓሳብ ምሓዝ ንቡር ምዃኑ ንምሕባር እዩ። ኣብ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ሓቢርካ ዝንበረሉ ወይ ዝሰረሓሉ፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘይረኣየሉ ህይወት ምጽባይ ሕልሚ እዩ። ከምዚ ዓይነት ብሕትው ህይወት እንዳመረጽካ፡ ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ሰብ ሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን፡ ወለድን ውሉድን፡ ብሓቢርካ እተስርሕ መሻርኽቲ፡ ሓቢርካ እትነብር ጐረባብቲ፡ ሓቢርካ እትጐዓዝ መጋይሽቲ ኮታ ብሓጺሩ ትርጉም ዘለዎ ናይ ሓባር ህይወት ክትምስርት ኣይመተኻእለን። ግደ ናይዚ ምስ ፍልልይካ ብሓደ ምንባርን ምስራሕን፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ዛዕባ ከኣ ኣዝዩ ዝዓዘዘ እዩ። ስለዚ ከምቲ ንጸልማት ብብርሃን፡ ንድንቁርና ብፍልጠት፡ ምስርዓር ዝከኣል ንናይ ኣተሓሳባ ፍልልይ ከኣ ብተቐራሪብካ፡ ህዝባዊ ሓላፍነትካ ተረዲእካ እሂንምሂን ምብህሃል ምስዓር እንዳተኽእለ ኢና ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ ዘለና። ንመጻኢ እውን ግዜ በሊዕና ሓይልና ከነዳኽም እንተዘይኮይና ነዚ ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ ካብ ምኽኣል ወጻኢ መዋጸኦ ከምዘየብልና ተረዲእና ነቲ ነዚ ንምኽኣል ነርእዮ ዘለና ፈንጠርጠራት ምጉልባቱ ምርጫ ዘይኮነ ግድነት እዩ።
ከም ኣካል ናይዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ደንበ ተቓውሞና ዝረአ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ንቕሎታት፡ ናይዚ ክከኣል ዝግበኦ ክነሱ ክሳብ ሕጂ ዘይተኽእለ፡ ጸገም መፍትሒ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሃድኤ-ሕድሪ)፡ ብመንጽርቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ኣብ ክንዲ በበይንና ምጥፍእ፡ ሓቢርና ክንዕወት የኽእል ኢልና ዝኣመንሉ ምርጫ ወሲድና ናብ ሓድነታዊ ጉባአ ንጉዓዝ ኣለና። ኣብዚ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ ንሓድነት መተካእታ ከምዘየብሉ ዘስተማቐረ ጉዕዘኡ ብዙሓት ብሓላፍነት እንተዘይተታሒዞም ንድሕሪት ዝመልሱ ብደሆታት ኣየጋጠምዎን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ናብ ሓድነታዊ ጉባአና፡ ነቶም ዘጋጥሙ ክሰዓሩ ዝግበኦም ብደሆታት ስዒርካ ናይ ምሕላፍ ቅርቡነት እንተልዩ ዘይስገሩ ኮይኖም ኣይረኸብናዮምን። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ንእሽቶ ዝፈላሊ ምትዕብባይ ነቲ ዓቢ ዘሰማምዕ መሊስካ ምግዛፉ ኣብ ዓወት ከምዘብጽሕ ብግቡእ ተረዲእና ኣለና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ወለድና “ጸባ እውን እምብዛ እተጠሚትካዮ ይጽልም እዩ” ዝብልዎ ብግቡእ ተገንዚብና ኣብ ክንዲ ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ ንቕድሚት ክንቋመት ከም ዝግበኣና ተገንዚብና ኣለና።
እዚ ክልቴና ወገናት ንድሕሪት ከምዘይምለስን ከምእነዕዉቶን ርግጸኛታት ኮይና ንኸዶ ዘለና መስርሕ ሓድነት ካብቲ ኣብ ደንብ ተቓውሞና ክሓብር ዝግበኦ ዓቕሚ ኣዝዩ ንኡስ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። መተባብዕን ዓዳምን ኣብነት ክኸውን ከምዝኽእል ግና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ንጉዳይ ሓቢርካ ምስራሕ ዝምልከት ጻዕሪ በዚ ከይተደረትና፡ ነቲ ምስ ካለኦት ዝተፈላለዩ ውድባትን ጽላላትን እንተ ናብ ምሉእ ሓድነት ወይ ናብ ጽላል ከብጸሓና ወጢንና ንሰርሓሉ ዘለና ርክባት ክንቅጸለሉ ኢና። ናይ ኩልና ሰብ ዋኒን ማዕረ ተገዳስነትን ቅሩብነትን ተወሲኽዎ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ ክንክእሎ ምዃና ከኣ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና።