EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓደ ጉዳይ ኣብቲ እዋኑ ከተልዕሎ እንከለኻ ኣገዳስነት ኣለዎ። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ኣብ ቅነ  ዓለም-ለኻዊ  መዓልቲ ሰላም፡ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክንድህስስ ዝመረጽና። ሰላም ከም ባሕሪ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣምር እዩ። ኣገዳስነቱ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ወሳኒ እዩ። ትርጉሙ ከኣ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሰላም ኣብ ኩሉ ህይወት ደቂ ሰባት ቦታ ኣለዎ። ብዙሓት ወገናት ንሰላም “ውግእ ብዘይምህላውን ድምጺ ተኹሲ ብዘይምስማዕን” ጥራይ ይገልጽዎ። ብርግጽ ውግእን ወረ ውግእን ዘይምህላዉ ሓደ ምልክት ሰላም እዩ። እንተኾነ ውግእን ተኹስን ዘይምህላዉ ጥራይ ዘተኣማምን ሰላም ኣሎ ምባል ኣየኽእልን።

ሓቂ እዩ፡ ውግእን ድምጺ ጥይትን ዘይምህላዉ መርኣያ ሰላም  እዩ። እንተኾነ ብኩራት ሰላም ብረቂቕ ድምጺ ኣልቦ ጨንቅን መከራን እውን ዝግለጽ እዩ። “ሰላም ማለት ውግእ ዘይምህላው’ዩ” ዝብል ትርጉም ዘየዕግቦም ወገናት ንሰላም፥ ምስ ርግኣት፡ ዕረፍቲ፡ ራህዋ፡ ስምምዕ፡ ሕብረት፡ ዕርቅን ልዋምን ኣሰንዮም ይገልጽዎ እዮም። እዞም ምቁራት ቃላት ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘይምህላዎም ከኣ፡  ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላዉ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሕልናን ኣተሓሳስባን ህድኣት የብሉን። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ከኣ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላው እዩ። ኣብ ኤርትራ ሰላም ብዛዕባ ዘይምህላዉ ብዙሕ ምርምር ምክያድ ዘድልዮ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና ነቲ ኩሉ ዝርእዮ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እንተዳህሲስናዮ፡ ሰላም ዘይምህላዉ ምርዳእ ኣይክጽግመናን።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን፡ ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኣመንካዮ ሃይማኖት ናይ ምስዓብ መሰል የለን። እዛ ብዛዕባ ሰላማ ንዛረበላ ዘለና ኤርትራ ኣብ ህልውናኣ ከም ሃገር  እውን ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ምኽንያቱ መሬት ኤርትራ ብዘይኣፍልጦ ህዝባን ብዘይግሉጽ ውዑላትን ይሽየጥን ይልወጥን ስለ ዘሎ። ብሰንኪ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዓዶም ምስራሕ፡ ምምሃርን ምውላድን ምዝማድን ዝሓረሞም መንእሰያት እግሮም ናብ ዝመረሖም ስለ ዝፈለሱ ዓድታት ኤርትራ ሰብ ኣልቦ ኮይነን እየን። እቲ ኣብ ዓድኻ ሓሪስካን ነጊድካን ምፍራይን ምዕባይን ይትረፍ እሞ፡ ሎሚ ብዙሓት ቁሸታት ሃገርና ሰብ ምስ ሞተ ጉድጓድ ዝኹዕትን መኣውይቲ ዝነግርን መንእሰይ ይሓርመን ከም ዘሎ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ወላድ መኻን ኮይኖም ዝጥውሮም ዝሰኣኑ ሽማግለታት ከኣ ብዙሓት እዮም። ካብዚ ዝዓቢ ምስኣን ሰላም ከኣ የለን።

ብዓብይኡ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት የለን። እታ ሃገር እትምረሓሉ ሕግን ዝመርሓ ዘሎ ኣካልን ኢደ-ወነናውያን እዮም። እቲ ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና ከኣ መመሊሱ ይኸርር’ዩ ዘሎ። እቲ ዝምድና ዝያዳ ክኸርር እንከሎ ከኣ እቲ ቃልሲ ብኽንድኡ ደረጃ እዩ ዝዓርግን ዝውጠርን። እዚ ከኣ ናይ ሰላም ምህላው ምልክት ኣይኮነን።  ህግዲፍ ከይሓፈረ ጸረ-ሰላም ባህርያቱ ሓቢኡ፡ ኤርትራ ሰላም ዝሓረማ ክንሳ “ናይ ሰላም ደሴት” ክብላ ዝፍትን ምዃኑ ከኣ ዘገርም እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብን ኣብ ክንዲ ዘንብቡን ዝድህስሱን፡ ነቲ ናይ ህግዲፍ ሸፋጢ ናይ ሰላም ኣተረጓጉማ ተኸቲሎም፡ ንኤርትራ ከም ብሰላም እትልለ ኣብ ገነት እትነብር ሃገር ክገልጽዋ ምፍታኖም ዘገርም  እዩ። እሞ ኸኣ ኣብ ዘዘለዉዎ ናይ ስደት ሃገር ሓቀኛ ሰላም እንዳስተማቐሩ።

ንኤርትራ ምስ ኩነታት የመን፡ ሶርያን ሶማልያን ኣወዳዲርካ፡ ዝሓሸ ሰላም ዘለዋ ትመስል እያ። ናይዚ መበገሲ ከኣ ኣብ ኤርትራ ተኹሲ ዘይምስምዑን ኣብ ውግእ ሰባት ዘይምማቶምን እዩ። እቲ ቀንዲ ናብ ከምዚ መደምደምታ ዝወስድ መደዓዓሲ ምኽንያት እቲ ናይ ህግዲፍ ንኤርትራን ህዝባን ምስ ካብኣቶም ዝሓሸ ዘይኮነ፡ ምስ ካብኣቶም ዝኸፈአ ናይ ምውድዳር፡ ንቕድሚት ዘይኮነ ንድሕሪት ዘማዕዱ ኣካይዳ እዩ። ኣብዚ ሓደ ክበርህ ዝግበኦ ነጥቢ፡  ኣብ ኤርትራ ሰባት ኣብ ውግእ ዘይሞቱ ምዃኖም እዩ። ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ሰላም ዘይምህላዉ፡ ሰባት ኣብ ዓው ኢልካ ዘይዝረበሉን ዘይግሉጽን ውግእ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ እንከለዉ ኣብ ዶባት ኮነ ኢልካ ብትእዛዝ ሰብ መዚ መንግስቲ ዝቕንጸሉ መንእሰያት ብዙሓት እዮም። ኣንጻር ስርዓት ሓሲብኩም፡ ልኡኻት ናይ ወያኔ  ኢኹም እናተባህሉ፡ ዝእሰሩን ዝቕተሉን፡ ናይ ላምፓዱሳ ተረኽቦ ወሲኽካ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝሃልቁ ዘለዉ’ውን ውጽኢት ኣብ ኤርትራ  ሰላም ዘይምህላው እዩ። እዚ ከኣ ሰላም ማለት ውግእ ዘይምህላው ማለት ጥራይ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ። ብዓብይኡ እንዳ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ወሪዱ ዘሎ ናይ ሕልናን ሞራልን ሞትን ተስፋ ምቑራጽን ዓብይ ግምት  ዝወሃቦ መርኣያ ብኩራት ሰላም እዩ።

ንሕና ንሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ኢና እንቃለስ ዘለና። ኣብ ሃገርና ሰላም እንተዝህሉ፡ ዘሎ ሰላም ከነምጽእ ኣይመተቓለስናን። ህዝብና ከኣ ወትሩ ንሰላም ዝሃርፍ እዩ። “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ምምሕዳር ኣምጸኣልና” ዝብል ኣበሃህላ ህዝብና፡ ሰላም ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ እዩ። ምርግጋጽ ሰላም እቲ ሓደ “ህዝቢ ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል ኣካል ከረጋግጾ ዝግበኦ መባእታዊ ሓላፍነት እዩ። ህግዲፍ ነዚ ከውሕስ ስለ ዘይከኣለ ጥራይ “ውዱቕ ምምሕዳር እዩ” ምባሉ እንተዘይውሒድዎ፡ ኣይበዝሖን እዩ። ኣብዚ ዓለም-ለኻዊ ሰላም ዝዝከረሉ ቅነን ሰላም ዓብይ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ ግዜን ብዛዕባ ሰላም ምዝራብና፡ ዓለም በይና ሰላምና ከተረጋግጸልና ንምጽዋዕ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ግዳም ጽልዋታት ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ብጽሒት ከም ዝህልዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሰላምና ካብ ኢድና እዩ። ብመሰረቱ ቃልስና ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን  ኣብዛ ሰላም ሓሪምዋ ዘሎ ኤርትራና ዘተኣማምን ሰላም ብምርግጋጽ’ዩ ክግለጽ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ንሕና: ኣዝዩ ዝዓዘዘ ዋኒን ዘለና ኤርትራውያን ኢና። “ንሕና” ንብል ዘለና፡ ወጽዓ ህግዲፍ ከይንቕበል ዝወሰና፡ ናይቲ ኣፍ እንከለዎ  ዝተዓበሰን ዝተጠልመን ህዝብና ልሳን ክንከውን  “ወጽዓ ህግዲፍ ዝቕበል ዝባን/እንግደዓ የብልናን” ኢልና ምስ ህዝብና ኣብቲ ንወጽዓ ኣወጊድካ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ቃልሲ ተጸሚድና ዘለና ኤርትራውያን ማለትና ኢና። ዕድመ ቃልስና ነዊሕን ሰንሰለታውን፡ ቅድም ኣንጻር ግዳማዊ ወራርን  መግዛእትን ድሕሪኡ ከኣ ኣንጻር ወጽዓን ጭቆናን ናይቲ ኣስማቱን ስልቱን እንዳቐያየረ ሎሚ ግና ኣብ ሓደ ሰብ ዲክታቶር ተንጠልጢሉ ዘሎ ህግዲፍ እዩ።

እዚ ወጻዕን ጨፍላቕን ጉጅለ፡ ብሰንኪ ዝዘርኦ መርዛም ውዲታት ኣንጻሩ ሓደ ዓይነት ሚዛን ምሓዝ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ንኹላትና ንጹር እዩ። እቲ ጉዳይ ኣጸጋሚ ዝነበረሉ ምኽንያት እኩብ ድምር ናይቲ ብምክፍፋልና ዕድሚኡ ዘንውሕ ጉጅለን ናትና ንጉዳያት ብግቡእ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ ዘይርዳእን ምንባሩ እንኽሕዶ ኣይኮነን። ሎሚ ግና ሳላ ዘይስልኪ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ፡ ህግዲፍ ሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡ ኮነ ኣውራጃኡ ብዘየገድስ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ  ፈታውን ተሓላቕን ከም ዘይኮነ ተጋሂዱ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ዝድግፍዎ ኣምሲሉ ዘቕርቦም ዝነበረ ወገናት’ውን እንዳጠለምዎ፡ ትካላዊ መለለይ ናብ ዘየብሉ ርጉም ውልቀሰብ ወሪዱ ዘዕለብጥ ዘሎ። እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሓደ እዋን ሓላፍትን ኣብ ውሳነ ዝሳተፉን መሲሎም ዝርኣዩና ዝነበሩ’ኳ፡  ናይ ኣካል እምበር ናይ ሓሳብ መሰነይትኡ ከም ዘይኮኑ ተፈሊጡ እዩ። ሎሚ “ኢሳይያስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገር ክገይሽ እዩ፡ ወይ ልኡኽ ክሰድድ እዩ” እንተተባሂሉ እቶም ዘሰንዩ ወይ ዝለኣኹ መቐየርታ ዘይብሎም ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ምዃኖም ዘተሓትት ኣይኮነን።

ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ዲክታቶር ብዛዕባኡ  ጸረ-ህዝቢ መራሕን ብዛዕባ ኤርትራ ከም ኣብ ቀራና መንገዲ ዘላ ሃገርን  እንታይ ይበሃሎ ከም ዘሎ ኣብ ግምት ከእቱ፡ ፈጺሙ ቅሩብ ስለ ዘይኮነ፡ ብቕኒት “ንኺድ ጥራይ” ይጋልብ ኣሎ። ደጊም በቲ ሒዝዎ ዘሎ ክቕጽል እምበር መላሲ የብሉን። እዚ ኣካይዳ ኣብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ጥራይ ዝረአ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ዲክታቶራት ዝሓለፍዎ ብውርደትን ውድቀትን ዝድምደም  መንገዲ እዩ። እዚ ናባና ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ናይ ህዝብናን ሃገርናን መጻኢ ዕድል ኣብ ኢድ ህዝቢ እምበር ኣብ ኢድ ኢሳይያስ ዘየለ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ብጽሒትና ብጽሒት ሓይልታት ለውጢ እንታይ ምዃኑ’ኳ ዝጠፍኣና ኣይኮነን። እንተኾነ ብጽሒትካ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። በቲ ዝፈለጥካዮን ዝመረጽካዮን መንገዲ “ድምጽኻ ኣበሪኽካን ስጉምትኻ ኣንዊሕካን” ብቐጻሊ ምጉዓዝ ናይ ግድን የድሊ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ከኣ ነዚ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

ህግዲፍ ንህዝብና መዘና ብዘየብሉ ኣገባብ  ይውጽዖ ከም ዘሎን፡ ንሕና ከኣ ኣንጻርዚ ወጽዓ ንቃለስ ከም ዘለና ደጋጊምና ክንጠቕሶ’ኳ ባህርያዊ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ኣድህቦናስ ብዛዕባ ንዓና ዝምልከት ቃልሲ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ንሕና ሓንሳብ ህግዲፍ ጸላኢ ህዝብናን ሃገርናን ምዃኑ ካብ ተረዳእና ኣንጻሩ እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና ኣጽኒዕናን ተሊምናን እንንቀሳቐስ እምበር፡ እቲ ጉጅለ በብዝጥዕሞ ነናብ ዘዝኸፈተልና ኣጀንዳ ክንኩብኮብ ኣይግበኣናን። ካብ ኩሉ ግዜ ተኻላኻላይ ምዃን ወጺእና ኣጥቃዕቲ እውን ክንከውን ይግበኣና። ክሳብ ከም ናይ ላምፓዱሳ ህልቂትን ናይ ኢሳያስ ክሕደት ኣብ መገሻኡ ናብ ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ዘነድሩን ደምካ ዘፍልሑን ተረኽቦታት ዘጋጥሙ ከይተጸበና ተበግሶታት ክንወስድ ይግበኣና። ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ክብን ለጠቕን ከጋጥም ንቡር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ነናይ ውድባትና ኮነ ናይ ሓባር ንጥፈታትና ብዝከኣለና ካብ ናይ “ሕዝ ግድፍ” ኣካይዳ ክንወጽእ ይግበኣና። ቃልስና ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዘተኣሳሰር ቀንዲ ቆላሕታኡ ንቕድሚት ዝጥምት እምበር፡ ወትሩ ጀማሪ ክኸው ኣይግበኦን። ኣብ  ምዕራፋት ቃልስን ተዋሳእቱን ሓደ ካብቲ ካልእ ምብልላጽ ክህሉ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ክንመዝን እንከለና ኣተሓሕዛና ንነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ነናቱ ሚዛን ዝህብ ርትዓዊ እምበር፡ ነቲ ሓደ ሓጢጡ ዝድርቢ፡ ነቲ ካልእ ከኣ ሰማይ ሰቒሉ ዝንእድ ዕሙት ኣገባብ ክኸውን ኣይግበኦን።

እቲ ኣውንታና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ብቓልሲ ክንስዕሮ ዝግበኣና ድኽመታትና ብዙሕ መልከዓት ዘለዎን ብወድዓውን በዓል ቤታውን ዝግለጽ እዩ። ማለት ገሊኡ ፈውሱ ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ። ገሊኡ ከኣ ግዜን ዓቕምን ምውህላል ዝሓትት እዩ። እቲ እንውቀሰሉ እቲ ሰኣን ዓቕምና ዝተርፈና ዘይኮነ፡ እቲ ክንገብሮ `ንኽእል ክነስና ዘይንገብሮ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሓቢርና እንቃለሰሉ መድርኽ ምፍጣር ክሳብ ክንደይ ኣድላይ መድረኻዊ ዕማም ምዃኑ ኩልና እንርደኦ እዩ። ኣድላይነቱ ስለ ዝተረደኣና ኢና ከኣ ዝተበተነ ዓቕምና ኣርኒብና ናብ “ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ከነበርኾ ንቃለስ ዘለና። በቲ ሓደ ወገን እዚ ወሳኒ ኣብ ሓደ መኣዲ ቃልሲ ናይ ምምጻእ ዕማም ግዜ ምርካብን ዓቕሚ ምድላብን ኣየድልዮን ማለት’ኳ እንተዘይኮነ ነቲ ዝዓበየ ክፋሉ ከነሰላስለሉ ዘኽእል ዓቕምን ግዜን ግና ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ። ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ክሳብ ሎሚ ኣብ መዓላ ከነውዕሎ ዘይምኽኣልና ከኣ ብሓቂ ከተሓሳስበና ዝግበኦ እዩ። ምትሕስሳብ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ተማሂርና ንመጻኢ ከም ደፋኢ ዓቕሚ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። ስለዚ ኢና እምበኣር ወዮ ክሕቆን ጸኒሑ ክሳብ “ይኣክል” በጺሑ ዘሎ ድምጽና፡ ብራኸኡ ሓልዩ ይቐጽል” ንብል ዘለና።

ብሓባር ክንሰርሕ እንዳደለናን እንዳተገበኣናን፡ ከም ድሌትና ናይ ዘይምዃና ምኽንያት፡ ንዓና ነቶም ተዋሳእቲ ኮነ ኢልና ክንምስጥሮ እንተዘይደሊና ምስጢር ኣይኮነን። እቲ ዝርዝሩ ገዲፍና እቲ ጠንቂ መሊእና ካብ ጸቢብነት ክንወጽእ ስለ ዘይከኣልናን ካብ ናይቲ ጸቢብነት እንዳባለሒ ዝነብር ወጻዒ ጉጅለ ጽልዋ መሊእና ሰለ ዘይወጻእናን እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ንሃይማኖታውን ኣውራጃውን ጸቢብነት ተመሊሱ ከምዘይድገስ እንተስዒርናዮ ትርጉም ምውድዳርን ምትሕብባርን ተረዲእና ብቕንዕና እንተ ተንሲእና ከም እንስዕርን ድምጽና በሪኹ ከም ዝቕጽል እሙን እዩ። ነዚ ከነረጋግጽ እንተዘይበቒዕና ግና ከቶ፡ ሹሻይ ህግዲፍ ካብ ምዃን ኣይክንድሕንን ኢና’ሞ ነስተብህል።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልስና፡ በብግዜኡ ዝቕልቀሉ መድረኻውያን ዛዕባታት ኣለዉ። ንሓንሳብ ብዛዕባ ግፍዕታት ወጻዒ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዛረብ፡ ንሓንሳብ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንጽሕፍ፡ ንሓንሳብ ድማ ብዛዕባ ስደትን ሳዕቤናቱን ንምድር፡ ከም “ይኣክል” ዝኣመሰሉ ኣነቓነቕቲ ተርእዮታት መደርኽ መሓዞም ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ምንቅስቓስ “ኣግኣዝያን ኢና” ዝብሉ ወገናት ከኣ ሓደ ካብቶም ንሓንሳብ ክገሃዱ ንሓንሳብ ከኣ ክስወሩ ዝጸንሑ ዛዕባታት እዩ። ኣብቲ ዝጀመረሉ እዋን ብርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ክኽወል ጀሚሩ ነይሩ። ሎሚ ግና ዳርጋ ዋናታቱ መን ምዃኖም ተነጺሮም ኣብ ሰፋሕቲ መድረኻት ክቃላሕ ጀሚሩ ኣሎ።

ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ናይቶም ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዘለዉ ትግርኛ ዝዛረቡ ምትእኽኻብ ዝምነ ምዃኑ ዋናታቱ ክነግሩና ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብቲ ምምስሳል ኣብ ልዕሊ እቲ ቋንቋ ትግርኛ፡ እምነት ሃይማኖት ተዋህዶ ምድራብ እውን ኣሎ። ምስቲ ኣብ 40ታት ኣብ ሃገርና ተፈቲኑ ዘይተዓወተ ፖለቲካዊ ርኢቶታት ከዛምድዎ እንከለዉ ከኣ “ከምቲ ናይ ቅድም ትግራይ ትግርኚ ማለት እዩ” ክብልዎ ንሰምዕ ኢና። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ እዚ እቲ ኤርትራ ከም ሃገር፡ ባህጊ ህዝባ ከተማልእ ዘይምኽኣላ ዘሕደሮ ተስፋ ምቑራጽ ዝተሃንደሰ ናይ ዓቕሊ ጽበት ምህዞ እዩ። ካለኦት እውን ናይቶም መንቀልቱ ናይ መንነት ቅልውላው ዝወለዶ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ክኸውን ዝነበሮን ዝግበኦን ግና ዓቕሊ ኣጽቢብካ ዓዲ ዘየእቱ ኣቋራጭ መንገዲ ዝመስለካ ምምራጽ ዘይኮነ፡ ነታ ባህጊ ህዝባ ከተማልእ ዘይከኣለት ዘላ ኤርትራ ጸገማ ኣጽኒዕካ፡ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ዘይበቐዓቶ ከም እትበቅዕ ንምኽኣል ስንኻ ነኺስካን ሓድነትካ ኣደልዲልካ ምቅላስ እዩ። ቅልውላው ዝወለዶ ምርጫ ግና ቅልውላው ዝውስኽ እምበር ካብ ቅልውላው ዘውጽእ ኣይኮነን።

ንኣግኣዝያን ብዝምልከት ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ኤርትራውያንን ተጋሩን ዘሎ፡ ናይ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ መውስቦ፡ ወለዶ፡ እምነትን ንግድን ዝኣመሰሉን ዘሎ ምቅርራባት ዝከሓድ ኣይኮነን። ነዚ መሰረት ገይሮም ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወቶም ክቀራረቡን ንክልቲኦም ኣብ ዘርብሕ ክተሓጋገዙን ከኣ ኣድላይን ዝድገፍን እዩ። ወዮ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ኮይኑ ብዛዕባ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ኤርትራና ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ካለኦት ጐረባብትን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ ጽቡቕ ዝምድና  ክህልዋ ምስራሕ ካብ ቀዳምነታትና ሓደ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ከም ሓው ተፋቐር’ሞ ከም ጓና ከኣ ተሓሳሰብ” ዝበሃል፡ ኣብ ከበሳ ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ህዝቢ ዘለዎ ምምስሳል ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነናቱ ልኡላዊ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘለዉዎ ፈጺሙ ዘይስገር እዩ። ዶብ ከይዓገተካ ብዛዕባ ዝግበር ምቅርራብን፡ ዶብ ስለ ዝኽልክለካ ክግበር ብዛዕባ ዘየብሉን ዝምድናታት ምርዳእ ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ነዚ ሕቶዚ ምምላስ ምስ ሰኣኑ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ክቕበልዋ ዕጥይጥይ ዝብሉ ግና ወድዓዊ ሓቂ ኣብ ምቕባል  ዝተሳዕሩ እዮም።

ቅድሚ ኩሉ ናይታ ብቃልሲ ደቃ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ ሓድነት፡ ዘይቁርመም ዘይሽርመም ምዃኑ ኩልና እንተላይቶም ኣብ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ኣለና ዝብሉ ክርድእዎን ክርዕምዎን ግድን እዩ። ነዚ ዝድህሰስ ሓቂ ዘይቅበልን ዘየኽብርን ግና፡ ምናልባት ንነብሱ ዓዲ ክቕይር ይኽእል እምበር ቆርሚመ ቆራሚመ ሓድሽ ክሊ ክፈጥር እየ እንተበለ፡ ከሎ ጋና ከምዘይክእል ክርዳእ ይግበኦ። ኤርትራ ብብዙሓት፡ እምነታት፡ ቋንቋታት፡ ባህልታት፡ ኣውራጃታት ዝወቀበት እምበር። ትግርኛ ናይ ዝዛረብን ሓደ ሃይማኖት ናይ ዝኽተልን ክፋል ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነትን። ትግራይ እውን ከምኡ። ኤርትራዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ዘይስገር ካብ ኮነ፡ እዚ ተዓቂቡ ንክነብር ትግርኛ ንዝዛረብ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ዝነበር ብቋንቋ ዝመሳሰሎ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ካልእ ቋንቋ ዝዛረብ ወገኑ እዩ ዝቐርቦ። እዚ እቲ ዓብይ ዘይስገር ጉዳይ ኮይኑ ነዚ ብዘይሃሲ ምስቲ ካብ ልኡላዊ ክሉ ወጻኢ ክነሱ ብቋንቋን መሰል ዛዕባታትን ዝመሳሰሎ ኣይንገድን ኣይዋሰብን ማለት ግን ኣይኮነን። ከምቲ ዝበልናዮ ትግርኛ ዝዛረብ ኤርትራዊ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝነብር ብቋንቋ ዝራኸቦ ከም ዝቀራረብ፡ እቲ ትግረ ዝዛረብ ኤርትራዊ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዝነብር ትግረ ዝዛረብ ዘይዛመደሉን ዘይቃረበሉን ምኽንያት የለን። ኣብ ዓፋርን ኩናማን እውን ተመሳሳሊ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል።

ካብዚ ሓሊፉ ካብዝን ካብትን መመዥሪጥካ፡ ከምዚ ኣግኣዝያን ኢና ባሀልቲ ዝብልዎ፡ ሓደስቲ ከባብታት እንዳፈጠርካ፡ ነዛ ምእንቲ ህላወኣ ዝተቃለስናላን ምእንቲ ህንጸታ ንቃለሰላ ዘለናን ኤርትራና ንምህሳስ ዝውሰድ ወስታ ብሓጺሩ ነውሪ እዩ። ወይ ድማ ንሓደ ብቋንቋ ዝመሳሰለካ ወገን ወሲድካ ኤርትራ ናይቶም ዝተረፉ ትኸውን ኢልካ ምሕሳብ እውን ዘይሩ ዘይሩ  ሓድነታ ምግሃስ ስለ ዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ ክንርእዮ እንከለና፡ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ኢና በሃልቲ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን” ኢልካ ሸለል ዝበሃል ዘይኮነስ፡ ከሎ ጋና ቆላሕታ ሂብና ክንሰርሓሉ ዝግበኣና እዩ። ቅድሚ ኩሉ እቶም መንቀልቲ ክሳብ ክንደይ ኣብ ከውሒ ጸሚዶም ከም ዘለዉ ተረዲኦም ኣእዳዎም ክእክቡ ሓገዝ ከድልዮም እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ኣብቲ ምንቅስቓስ ዘየለናን ዘይንቅበሎን፡ ሓድነት ኤርትራ ንምድኻም ክሳብ ክንደይ ብዙሕ መጻወድያታት ይጻወድ ከም ዘሎ ክንርዳእ’ሞ እጅገና ሰብሲብና ክንቃለሶ ከም ዝግበኣና ክንፈልጥ የድልየና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሓድነትና ወትሩ ምስጢር ዓወትና” እንብል፡ ንስለ ምባል ዘይኮነ፡ ብተግባር እውን ዝተረጋገጸ ሓቂ ስለ ዝኾነ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ 60ታት ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ምርጫታት ነይርዎ። እቲ ሓደ ብቃልስኻ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ምርግጋጽ እቲ ካለኣይ ድማ ኩሉ መሰላትካ ተገፊፉ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ዋጋ ዘኽፍል ግና ድማ በዓል ምሉእ መሰል ብምዃን ዝኽሕሰካ መሪር ቃልሲ መሪጹ ተበጊሱ። ኣብቲ ቃልሲ ዝጀመረሉ እዋን ብመንጽር ነገራዊ ዓቕሚ ኣወዳዲርካ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ሓይሊ መግዛእትን ዝነበረ ፍልልይ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ’ዩ ነይሩ። ንኣብነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋንቲ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣብ ዝነበረሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከባቢ ክልተ ሚልዮን ንላዕሊ ኣይነበረን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብዙሓት ነቲ ሰፊሕ ፍልልይ ዘስተብሃሉ ክኢላታትን ተመራመርትን ከይተረፉ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ክዕወት ኣይክእልን እዩ ዝብል ግምቶም ብምዕዛዝ “ዘይትኽእሎ ቃልስስ መፋሕፍሕ ዝባንካ” ክሳብ ምባል በጺሖም ነይሮም።

ተዓዘብቲ ኮኑ ባዕሉ ሓይሊ መግዛእትን ዓንገልቱ ጐብለላትን ኣብ ግምት ዘየእተዉዎም ክልተ መሰረታዊ ብልጫታት ህዝቢ ኤርትራ ነይሮም። እቲ ሓደ ናይ ሕቶኡ ፍትሓውነት ኮይኑ፡ እቲ ካለኣይ ከኣ ምስ ኩሉ ብዙሕነቱ ኣብ ጉዳይ ሃገር፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይንቕነቕ ሓድነት። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ብሓይሊ ሰብን ብሓገዝን ብሸመታን ብዝተረኽበ ኣጽዋርን ኣዝዩ ዝበዘሐን ዝማዕበለን ሓይሊ መግዛእቲ ድሕሪ ነዊሕ ምርብራብ ተሳዒሩ። እዚ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ፡ ናብቶም ብቐጥታ ዝተስሳዕሩ ጥራይ ዘይኮነ ናብቶም ዓንገልቶም እውን ንዘለኣለም ዘይርሳዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ። ብዘይካዚ ብዙሓት ውጹዓት ንመሰሎም ንክቃለሱ ብጽንዓት፡ ሓድነትን ተጻዋርነትን ህዝብና ተተባቢዖም እዮም። ምስጢር ተዓዋትነቱ ሓድነቱ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንመግዛእቲ’ውን ኣብቲ መስርሕ ተሰቊርዎ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር ነቲ ሓያል ጐኒ ሓድነቱ ምብታን ወይ ምድኻም መፍትሒ ምዃኑ ተርዲኦም ከኣ ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ሕድሕዱ ክብትንዎ’ሞ ኣዳኺሞም ክስዕርዎ ፈቲኖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣብ ቅድሚ ሓድነቱ በቲኖም ከዳኽምዎ ዝሃቀኑ፡ ብግዝያዊ ረብሓን መዝነትን ተዓሽዩ ኣይተጻዕደን። ሳላ ከምኡ ዝኾነ ከኣ ኣኽሊል ዓወት ደፊኡ ልኡላዊት ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

ሓድነትና ምስጢር ዓወትናን ጽንዓትናን ዝኸውን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ጥራይ ዘይኮነ ኩሉሻብ ዕጥቅና እዩ። ሎሚ ኣንጻር ዘቤታዊ ወጽዓ መሪር ቃልሲ ነካይድ ኣብ ዝሃለናሉ ህሞት እውን ንግደ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝትክእ ሓይሊ የለን። ጨቋኒ ስርዓት ድሕሪ ምውጋድ ኣብ ዝካየድ ህንጸት ሃገርን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን  ሓድነትና ወሳንነቱ ሕዙእ እዩ። ምእንትኡ ኢና ከኣ ኩሉ መጻኢ ጉዳያትና ብሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ክቃነ ይግበኦ እንብል። ሓድነት ህዝብን ሃገርን ምዕቃብን ምውሓስ ኩሉ መሰላትን ዘሳኒ እምበር ዝጻረር ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለና። ሓድነቱ ናይ ዓወቱ ምስጢር ምዃኑ ንዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክጭቁንዎ ዝደልዩ ወገናት ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ነዚ ሓድነቱ ክዘርጉ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሎሚ እውን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጠርባሽ ፈተነታት ዓዲ ዘይወዓለ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኮነ ጽባሕ፡ ከም ትማሊ፡ “ሓድነተይ ዝትንክፍ ወይልኡ” ካብ ምባል ንድሕሪት ከምዘይብል ንተኣማመን ኢና። ንሕና ከኣ ኣብ ጐኑ ኣለና።

ኣብዚ እዋንዚ መልክዖም እንዳቐያየሩ ኣንጻር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ “ውጥም ቅልቅል” ዝብሉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ኣብዚ ዘራጊ ተግባራት ዲድክታቶር ዘራጊቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ሎሚ እሞኸኣ ኢሳይያስ ካብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ዘራጊ ተግባራቱ ብዝገደደ ንገዛእ ርእሳ ነታ ሉኡላዊት ኤርትራና ከም ሃገር እውን ክንደይ ደኣ ከይሰልጦ እምበር፡ ይደናደና ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ኣንጻር ህልውነኣ ንዝደናደና ሃገር፡ ሓድነት ህዝቢ ካብ ምዝራግ ድሕር ከምዘይብል ከኣ ርዱእ እዩ። ኣብ ዘየላ ሃገር ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ ብዛዕባ ህልውናኡ ክትሓስብ እውን ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን። ካብዚ ሓሊፉ ሰልፎም በበይኖም ዝመስል ብግብሪ ግና ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምልሕላሕ ምስ ኢሳይያስ ዘሳንዩ ካለኦት ወገናት እውን ኣለዉ። ምንቅስቓስ ናይቶም “ኣግኣዝያን ኢና” ዝብሉ ናይዚ ሓደ ኣብነት እዩ። ካብቲ ሳላ ሕድነቱ ልኡላዊ ክብሪ ዝረኸበ ህዝብና ዝተወሰነ ቆንጢሮም ምስ ካልእ ብምድብላቕ  ዘየለ ድሑር ስምዒታትን እምነታትን ዝማእከሉ ምትእኽካብ ክፈጥሩ ንከንቱ ዝሃልኩ ዘለዉ እዮም።

ሎሚ ነቲ ከም ናይ ሓድነቱ ድልዱል መግለጺ፡ ኣብ ግዜ ሓጐስን ሓዘንን፡ ኣብ መድረኽ ምውራድን ምድያብን ኣብ  ቃልሲ ብሓደ ተዋጊኡን ተሰዊኡን ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቓቢሩ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ  ዝተመገበ ብዓል ዝና ህዝቢ ክትብትን ምፍታን ናይ ጥዕና ዘይምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ንምድልዳል እዚ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እንከሎ፡ ሃይማኖታውን ባህላውን ብዙሕነቱ ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ ኣብቲ “ህልውና ሃገር ልዕሊ ኩሉ” ዝብል ዘይንቕነቕ እምንቶኡ ስለ ዝጸንዐ እዩ። ሎሚ ሃይማኖትን ባህልን ንዝኣመሰሉ ስምዒታት ልዕሊ ህልውና ሃገርን ህዝብን ክስርዑ ዘይግበኦም ዝንባለታት ናብ ቅድሚት እንዳምጻእካን ጸቢብነት እንዳባላሕካን፡ ንህዝቢ ኤርትራ እናቆጠርካን ብትሕቲ ሃገርነት ናብ ዘዝመሳሰልዎ ክትወስዶ ዝግበር ፈተነ ሓደጋኡ ብዙሕ ኮይኑ፡ ደሚርካ ክረአ እንከሎ ነታ ናይ ዓወትን ሓያልነትን መግለጺት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት “ሓድነት” ንምብታን እዩ። ስለዚ ሓድነት ህዝብና ካብ ህልውናኡ ስለ ዘይፍለ ወትሩ ክንዕቅቦ ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ምግሃድ ኤርትራ ከም ሃገር ዝዕድመኡ ነዊሕ እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ካብ እትፍለጥ፡ ባህርያቱን ደረጃታቱን ደኣ ይቀያየር እምበር ህዝባ ካብ ቃልሲ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ኩሉ ቃልሱ ከኣ ዘይናትካ ኣብ ምድላይን ዘይግዝኣትካ ምውራርን ዘድሃበ ዘይኮነ፡ መሰልካ ናይ ምውሓስ ግደነታዊ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። እቶም ኣንጻርዚ መሰረታዊ መሰላቱ ስለ ዝኾኑ ክቃለሶም ዝጸንሐ ሓይልታት  ንሓንሳብ ግዳማውያን ንሓንሳብ ከኣ ውሽጣውያን ኮይኖም፡ ብትሕዝተኦም ግና ዘይፈላለዩ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ከም ሃገርን ኣንጻር ህዝባ ከም ሓታቲ መሰልን እዮም።

ነቲ ዝተናውሐን ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ዘሎን ተመኩሮ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ውሱን ኣጋጣሚ ምዝርዛር ኣጸጋሚ እዩ። በመሰረቱ’ውን ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጽ’ዚ እነድህበሉ፡ እዋኑ ስለ ዝኾነ፡ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም (1961-2019) ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ባሕቲ መስከረም 1961 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ “ሀ” ኢሉ ዝጀመረሉ ዘይኮነ፡ ናብ ሓድሽን በሊሕን ምዕራፍ ቃልሲ ዝተሰጋገረሉ እዩ። ነቲ  ቅድሚኡ ኣብ ኤርትራ ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ናብ ተራጻሚ ኣገባብ ቃልሲ ዝተሰጋገረሉ እዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ፡ ዓብይ ነጥበ-መቐይሮ ስለ ዝነበረ፡ ነታ ነዚ ዘበሰረት ዕለት ባሕቲ መስከረም ኩልና ኤርትራውያን ወትሩ ክንዝክራ ናይ ግድን እዩ። ጸጋታትን ውርሻታትን ባሕቲ መስከረም ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ እንዝክሮ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ህይወትና ግቡእ ቦታ ኣለዋ።   ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ብዙሕ ምስጢራት ዝሓቖፈት ስለ ዝኾነት፡ ነቲ ቃልሲ ዘበሰረትን መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ዘመላኸተት’ውን እያ። ኣብቲ ናይ ክሳብ ሎሚ መስርሕ ቃልስና ዝሓለፉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ብዘይኣፈላላይ፡ ብዓብይኡ ከኣ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ክዝከሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ክሳብ ሕጂ መስዋእቶም ክምጐሱ፡ ንናይ መጻኢ ቃልሲ ከኣ ዝዕደሙ ኣካላት እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ሓደ ተግባር ክንፍጽም እንከለና “ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ” ብዝብል ሕድሪ እንክትም።

ኣብዚ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ምስጢራት ዝሓቖፈ ናይ 58 ዓመታት ተኸታታሊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡን ተስፋ ዘቑርጹን፡ ዘዕዉቱን ዘስዕሩን፡ ዘቀራርቡን ዘረሓሕቑን ተዘክሮታት ተራእዮም እዮም። ኮታ ሓደ ብደሆ ክሓልፍ እንከሎ ብካልእ ብደሆ እንዳተከኦ እዩ ቃልስና ክቕጽል ጸኒሑን ዘሎን። ናይቲ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ እከይ ተግባራት ወራሪ ሓይሊ’ኳ ካብኡ ካልእ ስለ ዘይትጽበ፡ ዝኾነ መኾነ።  ኣብዚ መስርሕዚ ብሰንኪ፡ ጉዳዩ ብግቡእ ክሕዝ ዘይምብቅዑ ንኤርትራዊ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ሕድሕዳዊ ግጭትን ክሳርኡን ግና ተጣዒስካ ዘይምለስ፡ እንደጋና ከም ዘይድገም ምግባሩ ዝከኣል፡ ኣዝዩ ኮርኳሕ መንገዲ እዩ ክጐዓዝ ጸኒሑ። ቃልስና ሕጂ እውን ጌና ካብዚ ኩርኳሕ ጉዕዞ ኣይወጸአን ዘሎ።

ባሕቲ መስከረም  ነዚ ጌና ዘይተዛዘመ ቃልስና ዘበሰረት ታሪኻዊት ዕለት ብምዃና ክንዝክራን ከነጸንብላን ግድን ስለ ዝኾነ፡ እንሆ ከምኡ ክንገብር ጸኒሕና። እንተኾነ እዛ ዕለት እያ ዘይትቕየር እምበር እቲ ክንዝክራ እንከለና ዝኸበና ህሞትስ፡ ከከም ናይቲ እዋን ምዕብልናታት ክቀያየር ዝጸንሐ እዩ። ድሕሪ 10 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 1971 ኣብ ተሓኤ ዝተራእየ ምፍንጫል፡ ድሕሪ 20 ዓመት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና ብ1981 ሓያል ውግእ ሕድሕድን ምብሓት ሜዳ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነት ሓርነት ትግራይን፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 1991 ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻ ምውጸኣ፥ ድሕሪ 40 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 2001 ምእሳር ነባራት መራሕትን ላዕለዎት ካድራትን ህግሓኤን ምዕጻው ውልዶ ናይ ብሕቲ ሚድያን ብህግዲፍ፡ ኩሎም እዚኣቶም ኣብቲ ናይ 58 ዓመታት ነዊሕ ጉዕዞ ነናቶም ንኡስ ምዕራፋትን ጽልዋን ዘለዎም ተረኽቦታት እዮም። እዚ ውረድ ደይብ ኣብቶም ቀጥታዊ ተዋሳእቱ ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዝነበረ ዘይኮነ፡ ኣሉታዊ ኮነ ኣውንታዊ ሳዕቤናቱ፡ ኣብ ጥቕላላ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮን ዘለዎን ስንብራት ቀሊል ኣይኮነን።

እነሆ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ጽልዋ ሒዛ መጺኣ። ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ ባሕትታት መስከረም ከኣ ሓላፍነት ከተሰክመና እያ። ሎሚ ከቢበሙና ዘለዉ ምዕባለታት መብዛሕትኦም ዓሚ፡ ቅድሚ ዓምን ቅድሚኡን ዝነበሩ ክነሶም ውሱን ምዕብልና ዘርኣዩ እዮም። መብዛሕተኦም ከኣ በቲ ሓደ ወገን ተስፋ ዝህቡ በቲ ካልእ ወገን ግና ብደሆና መሊሶም ዘዕዝዙ ኮይኖም ንረኽቦም። ህዝብና ኣብ መስርዕ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ሎሚ’ውን ቀጥ ኢሉ ጸኒዑ ምህላዉን ብሳላዚ ጽንዓቱ፡ ሰግኣት ህግዲፍ ይዓርግ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ተርእዮ እዩ። ናብ ደረጃ “ይኣክል” ምምድያቡ ከኣ ናይዚ ተደራቢ መርኣያ እዩ። ናይ ይኣክል ምልዕዓል ኣብ ዝጭበጥ ውጽኢት ንክበጽሕ ብዙሕ ምውሕሓጥ፡ ምርድዳእን ምውድዳብን ከም ዝተርፈና፡  ኣብዚ  ታሪኻዊ ዕለት ከነስተውዕለሉ ናይ ግድን እዩ። ብኣንጻሩ ብሰንኪ ህግዲፍ ሓፈሻዊ መነባብሮን ህይወትን ህዝብና ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ይኸይድ ምህላዉ፡ ሃገርና መንእሰይ ዝሓረማ ኮይና፡ ናይ ብርሰት ደበና የንጸላልዋ ከም ዘሎ ክስቆረና ይግበኦ። ናይ “ርድኡንን ኣድሕኑንን” ኣውያት ሃገርና ከኣ ዓው ኢሉ ይስማዕ ኣሎ።  ንሕና ሓቢርና  “ኣለናልኪ” ኢልና ልሳን’ቲ   ተዓቢሱ ዘሎ ህዝባና ክንከውን ዘይምኽኣልና ክብደት ናይቲ ኣብ ኣብ እንግደዓና ዘሎ ብድሆ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም፡ ናይ ቃል ዘይኮነ ናይ ተግባር ይኣክል ከነበርኽ ንጥለብ ኣለና።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ኣብ ጽባሕ 3ይን ሓድነታውን ጉባአና ኢና እንቕበላ ዘለና። እዚ ከኣ  ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣቀባብላና ንባሕቲ መስከረም ዝተፈልየ ይገብሮ። ምእንቲ ብግብሪ ዝተፈልየ ክኸውን ከኣ ሓቢርካ ብምስራሕ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ምድሓን ዘቐድም ውሳነታት ጉባአና ከነተግብር፡ ክንቃለስ ምዃና ኣብ ታሪኻዊ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ቃል ንኣቱ።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ

1 መስከረም 2019

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብዛዕባ ሓያልነት ህዝቢ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ኣለና ዝብል እምነት ኣለና። ህዝቢ  ሓያልነቱ ባዕሉ ዘረጋግጾ እምበር ብማንም ዝትኮበሉ ኣይኮነን። ህዝቢ ሓያልነቱ ዘርእየሉ ብዙሕ መንገድታት ኣለዎ። ሃገሩ ምስ ኩሉ፡ ነገራውን መንፈሳውን ጸጋታታን ክብራን፡ ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ እንከላ፡ ናይ ምድሓና ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ሓያልነት ምዃኑ  ሓደ መርኣያ ሓያልነቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መዳይ’ዚ ሓያልነቱ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩን ልኡላውነቱን ዘኸፈሎ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ዋጋ ኣመስኪርዎ እዩ።

ብዘይካዚ ህዝቢ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጸሉን መሰረታዊ መሰላቱ ዘውሕሰሉን ሕገመንግስቲ ዝመሰረቱ፡ ስርዓተ-ምምሕዳር ክውንን ምብቅዑ እውን ካልእ ሓያልነቱ ተፈቲኑ “ይበል” ዝተባህለሉ መዳይ እዩ። ህዝቢ፡ ናይቲ ብቓልሱ ዝውንኖ ስርዓት ተጠቃሚ ምእንቲ ክኸውን፡ ባዕሉ ዘደይቦን ዘውርዶን ብምርጫ ዝመጽእ “ናተይ” ዝብሎ ተግባሪ መሪሕነት ክውንን ምብቅዑ  ካልእ ናይ ህዝቢ ሓያልነትን ልኡላውነትን መረጋገጺ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ መዳይዚ ብሰንኪ ጥልመት ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉሒላ ጉጅለ፡ ጌና ከም ዘይበቐዐ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ከኣ ኣብዚ መዳይዚ በሪኹ ንክረአ እዩ።

ህዝቢ እዚ መርኣያ ሓያልነቱ ዝኾነ መሰሉ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ፡ ኣንጻርቲ ናብዚ ከይበጽሕ ዝዕንቅጾ ዓመጸኛ ሓይሊ ክቃለስ ባህርያዊ እዩ። ህዝቢ መሰሉ ክንፈግ እንከሎ፡ ዋላ እንተጸገሞ፡ ምቹእ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠረሉ ደኣ ይጽበ እምበር፡ ተስፋ ቆሪጹ ንናይ መሰል ቃልሱ ንሓዋሩ  የዋድቖ ማለት ዘበት እዩ። ህዝቢ መሰሉ ክትኮቦ ዘይኮነ፡ መንዚዑ ክውንን ናብ ቃልሲ ክነቅል እንከሎ፡ መምስ ኩነታቱ ዝተፈላለየ ኣገባባት ይጥቀም። ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምጭባጥ ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየዶ ቃልሲ፡ እቲ ኩነታት ከምኡ ንክመርጽ ዘገድዶ ስለ ዝነበረ በሊሕ ጐነጻዊ (ዕጥቃዊ) ኣገባብ ቃልሲ መሪጹ። ህዝቢ ኣገባብ ቃልሲ ክመርጽ እንከሎ፡ እቲ ቀንዲ ኣብ ግምት ዘእትዎ፡ ወድዓውን በዓል ቤታውን ጥጡሕነት እዩ። ኣገባብ ቃልሲ ክውስን እንከሎ ከኣ ኩነታት ናይቲ መሰሉ ስለ ዝገፈፎ፡ ኣንጻሩ ዝቃለስ ኣካል ክመዝን’ኳ ኣድላይ እንተኾነ ቀንዲ መስሕብ መምዘኒኡ ናቱ ኩለ-መዳያዊ ዓቕሚ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ድኹምን ድልዱል ጐኒ ጸላኢና ጨቋኒ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ናይ ህዝብና ኩነታትን ዘለዎ ድልውነትን፡ በዓል ቤታዊ ዓቕሚ ተቓውሞናን ከባብያውን ኣህጉራውን ኩነታትን ኣብ ግምት ኣእቲና ክንመዝን እንከለና፡ ኣብ ኤርትራ እቲ ተመራጺ ኣገባብ ቃልሲ ኣብ ውሱናት ብረት ዝዓጥቁ ባእታታት ከይተደረት፡ ሓፋሽ ህዝቢ ዘሳትፍ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ።  ምርጫ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ   (ሰዲህኤ) ከኣ እዚ እዩ። እዚ ኣገባብ ቃልሲ፡ መሰል ክትኮበልካ ኢድካ ዘርጊሕካ እትጽበየሉ፡ ወይ ጸላኢ ክጽወዓካ ድምጹ እትቋመተሉ፡ ናይ ምምልስላስ እምበር፡ ናይ ምግዳድ ባህሪ ዘየብሉ፡ ፍጹም ናይ ህይወት ዋጋ ዘይክፈለሉ ማለት ኣይኮነን። ኮታ መንዛዒ፡ ህዝቢ ዘሳትፍን ኣብቲ መስርሕ ዘጋጥም ዕንቅፋት ንምእላይን ንምክልኻልን ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ተፈቲኑ ዘድመዐ ናይ ለውጢ ኣገባብ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት፡ ናይዚ ኣገባብዚ ውጽኢታውነት ኣብ ብዙሓት ንኩነታትና ክጸልዋ ዝኽእላ ናይ ቀረባ ሃገራት ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝቐረበ ዳርጋ ኣብ ውዑይ መስርሕ ዘሎ ከኣ ናይ መዳውብትና ሱዳን ተመኩሮ እዩ። ገለ ወገናት ተመኩሮ ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ስለ ዝፈላለ፡ ህዝባዊ ዓመጽ ኣብ ሱዳን ሰሪሑ ማለት ኣብ ኤርትራ ይሰርሕ ማለት ኣይኮነን፡ ዝብል መጐት የምጽኡ እዮም። ኣብቲ ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ግና፡ እዚ ኣገባብዚ ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎቲ ብብዙሕ ጉዳያት ዝመሳሰል ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዓለም እውን ዝሰርሕ ብዙሕ መግለጽታት ዘለዎ ፍቱን ናይ ለውጢ ኣገባብ እዩ። ኣብ ዝርዝር ኣተገባብራኡ ግና ከከም ፍሉይ ኩነታትን ተመኩሮን ናይተን ሃገራትን ህዝበንን፡ ንኡሳን ሜላዊ ፍልልያት ከንጸባርቕ ይኽእል። ንኣብነት ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ናብ በረኻ ወፊርካ ተዓጢቕካ ኣንጻር ጸላኢ ፊትንፊት ምውጋእ እምበር ህዝባዊ ናዕቢ ወዲብካ ለውጢ ናይ ምምጻእ ተመኩሮ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ እዮም። እንተኾነ ናይቲ ቃልሲ ባህሪ ክቀያየር እንከሎ፡ እቲ ህዝቢ ዝጥቀሞ ኣገባቡ እውን ክለዋወጥ ናይ ግድን እዩ። እቲ መሰልካ ናይ ምምንዛዕ ኣዝዩ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘይጐነጻዊ ህዝባዊ ማዕበል ክፈጥ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ግና እዚ ኣገባብዚ ስለ ዝደረፍካዮን ዝመረጽካዮን ጥራይ ዝዕወት ዘይኮነ፡ ካብቲ ጐነጻዊ ኣገባ ብዘይፍለ ምናልባት’ውን ዝኸበደ ሓያል ጻዕሪ፡  ስምረትን ጽንዓትን ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሓትት እዩ።

ስለዚ ካብ ኣሕዋት ሱዳናውያን፡ ነቲ መስርሕ ሓንሳብ ምስ ሓዝካዮ ኣብ ውጽኢት ክሳብ ዝበጽሕ ስንኻ ነኺስካ ናይ ምቕጻሉ ተመኩሮ ክንመሃሮ ዝግበኣና እዩ። ሱዳናውያን ነቲ ክጭቁኖም ዝጸንሐ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ብሓይሊ ኣብ ምውጋድ ከይተደረቱ፡ ድሕሪኡ ዝመጽእ ለውጢ ውሑስን ቀጻልን ምእንቲ ክኸውን፡ ብሓንሳብ ድርብ ዕማም ሒዞም ከዕውቱ ምብቀዖም እውን ካልእ ክንመሃሮ ዝግበና እዩ። ሱዳናውያን ዘተኣማምን መስርሕ ናብ ዲሞክራሲ ንክፈጥሩ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ክፍልን ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ሓጺር ግዜ ተኸኣኢሎምን ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ኣመቓሪሖምን ናይ ሃገሮም ሰላምን ቀጻልነትን ቅድሚት ሰሪዖም ኣብ ስምምዕ ምብጸሖም ከኣ፡ እቲ ዝዓበየ ክንመሃሮ ዝግበና እዩ። ንሕና ኣብ መዳይ ምክእኣልን ዓበይቲ ጉዳያት ምቕዳምን ክሳብ ክንደይ ከም ዘይበቓዕና እንርደኦ እዩ። ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ እዚ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ው ሰማዒ እዝኒ እንተተረኺቡ፡ ንዓብይ ኣሕመድ ሓላፍነት ዘሰክሞ ተመኩሮ እዩ። ስለዚ ካብ ሱዳናውያን እንመሃሮ፡ ንህዝባዊ ሓያልነት ዝገትኦ ከም ዘየለ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ኤርትራዊ ልኡላውነትና፡ ብነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዝተረጋገጸ፡ ሰፍ ዘይብል፡ ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ዝተኸፍሎ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ እዩ። እቲ ንልኡላውነትና ቅድሚት ሰሪዕና ከም ብሌን ዓይንና እንሕልወሉ ካልእ ምኽንያት ከኣ መሰረት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃልስናን ምእንታኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ እውን ናይ ኩሉ ዓውትና መሰረትና ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ።

ብተረድኦና ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ መሪር ናብኡ ዘብጸሐ መስርሕ ኣብ 1991ን 193ን ንድሕሪት ብዘይምለስ ተረጋጊጹስ፡ ህዝብና ናብ ሕድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ምዕራፍ ሰጊሩ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ናይ ህዝብና ሕድሪ ጠሊሙ፡ ናቱ ዝናን ትምክሕትን ዘቐድም ጉጅለ ኢሳይያስ ህዝብና ኣብ ሓዲሽ፡ ብምረቱን ክብደቱን ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ዘይድሕር፡ ምናልባት እውን ዝመረረ፡ ምዕራፍ ክኣቱ ተገዲዱ። ናይ ሎሚ ቃልስና ኣብታ ብሳላ መስዋእቲ ደቃ፡ ህልውነኣ ዘውሓሰት ልኡላዊት ኤርትራ፡ ልዕልና ሕግን ማዕርነት ደቃን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ኮታ ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዜጋታታ ዝኽበረላ ሕገመንግስታዊት ኤርትራ ንምህናጽ ንቃለስ ኣለና። ናብዚ ቃልሲዚ ወፊርና እንዕወት ከኣ ኣብ ዘተኣማምን ፖለቲካዊ ሜዳ ልኡላዊት ሃገር ኤርትራ እንተ ረጊጽና ጥራይ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ዝንባለታት ክቀላቐል ክንዕዘብ ጸኒሕና። ዘይቅርዑይ ንቕሎ ኣግኣዝያን ናይዚ ምልክት እዩ። በብኹርናዑ ክቀላቐል ዝጸንሐ ንቃልስና ምእንቲ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራን መስዋእቲ ጀጋኑናን ዘራኽስን ዘነውርን ዝንባለታት ክንዕዘብ ጸኒሕና። ድሕሪቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ “ብውንኡ ድዩ ወይስ ጥዕና ስኢኑ እዩ” ዘበለ፡ ምስ ብዙሕ ዘይንቡር ኣካላዊ ምዕልባጥን ቀበጥበጥን ኣብ ኣደባባያት ኢትዮጵያ፡ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም” ምስ በለ፡ ብዙሓት ንኣእዛኖም ክኣምኑ ኣይከኣሉን። እንተኾነ ከምቲ “ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ብልበይ እየ” ብዝብል ሓረግ ምስ ኣድመቖ፡ ብዙሓት ተጠማሚቶም ማይሕነ ውሒጥዎም። እንተኾነ ነቲ ዝተባህለ ክቕይርዎ ኣይከኣሉን።  ኢሳይያስ ብዛዕባቲ ኣፉ ደም ክሳብ ዝወጽእ “ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር እዩ” ክብሎ ዝጸንሐ ምስ ኣጽቀጠ፡ ጋዜጠኛታቱ ብዛዕባኡ ሓሳቡ ክህብ ምስ ሓተትዎ፡ “ሎሚ ጉዳይ ዶብ ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ሰላም ክስምሙ/ክዘርጉ ዝደልዩ እዮም” ዝብል ዘደንጹ መልሲ ምስ ሃበ “ኣማን ብኣማን ሰብኣይሲ ጠሊሙ እዩ” ዝበሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ብዙሓት እዩ። እንተኾነ እቲ ኩነታት ብጥልመትዚ ዲክታተር ብምግራምን ከንፈርካ ብምርምጣጥን ጠጠው ኣይበለን። እንሀ’ኳ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ልውጢ ማዕበል፡ መሊሱ ዘጐሃህር “ይኣክል” ወሊዱ።

ስለዚ ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያውን ሕገመንግስታውን ስርዓት ንክንተክል፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ሓጺናዊ መሰረቱ ጸኒዑ ንኽቕጽል ምስቲ ህዝባዊ ስርዓት ናይ ምህናጽ ዕማምና ኣጐዝጒዝና ከነቕልበሉ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ከምቲ “ዝብኢ ብዝጠሓሶ ኣኽላባት’ውን ይኣትዉ” ዝበሃል፡ በቲ ኢሳይያስ ተጠሊዑ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሰነከልከል ከም ዝበለ ምስ ዝደርጉሖ፥ ብኣኡ ተተባቢዑም፡  “ኢትዮጵያ ኣብ ወድባት ኤርትራ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት” እያ ዝብል ዕላል ናይ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ። “ኢትዮጵያ ብወገን ኤርትራ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕጋዊ መሰል ኣለዋ” እንዳበሉ ዝምድሩን ዝጽሕፉን’ውን ብዙሓት እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምንጻፍ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ባቡር ምስ ለገስቲ ሃገራት ተፈራሪሞም ዝብል ሓበሬታ ብዓባይቲ ናይ ዓለምና ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ሰሚዕና። ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብቲ ነዊሕ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተዋጊኦም ዝተሳዕሩ ናይ ቀደም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ማሕበር መስሪቶምስ ኣብ ኣስመራ አንፈር ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈቱ፡ ብማዕከናት ዜና ሰሚዕና። ኮታ ኢሳይያስ ንዝኸፈቶ ጥልመት ዘራጉዱ ወስታታት ብዙሓት እዮም። እምበኣር እዚ ኩሉ ተደሚሩ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ “ሓንሳብ ተረጋጊጹ እንድዩ” ኢልና እነራጥጠሉ ዘይኮነ፡ ሎሚ እውን ንቑሕን ጥንቁቕን ሓለዋ ከም ዘድልዮ ዘረድእ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉባአኡ ክዛዝም እንከሎ ካብ ዝወሰኖም  ኣገደስቲ ውሳነታት ሓደ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ነይሩ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ ይብል። ጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት መሰረታዊ ጉዳይ ህልውናናን መንነትናን እዩ። ኩሉ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ መሰላትን ነጻነታትን እውን ኣብ ልኡላውነታ ዘውሐሰት ኤርትራ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ። እቲ ብዓለም-ለኸ ሕግታትን ውዕላትን ዝፍለጥ ናይ መሬት፡ ናይ ባሕርን ናይ ኣየርን ዶባት ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ መግለጺ ሉዓላውነትና ምዃኑ ሰዲህኤ ይኣምን። ካብ ብምብጋስ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ህዝብና ኣብ ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ ናይ ግዳም ሰራዊታት ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጹ ጕባኤ ይጽውዕ።

ጕባኤ፡ ነቲ ብደም ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ሉኣላዊነት ሃገረ ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት እናኣመጐሰ፣ ነቶም ነዚ ሓቂ ዘይተዋሕጠሎም ጸረ ሰላም ሓይልታት ድማ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ክምሃሩን ካብ ተዅታዂ ተግባራቶም ክቝጠቡን የጠንቅቕ።”

ስለዚ እቲ መሕብኢ ክጥቀመሉ ንዝጸንሐ ውድብን ግንባርን ከምኡ እውን፡ ስማዊ መዝነት ክህቦም ዝጸንሐ ዕዙማት ባእታታት ጠሊሙ፡ በይኑ ተሪፉ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ዲክታተር፡ ገበኑ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ምንፋግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ እውን ንኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ጠጠው ኣቢልዋ ምህላዉ ኣስተብሂልና፡ ሕሳብ ኩለመዳያዊ ቃልስና ንግበር።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሳዋ ካብተን ክልተ ግዜ ዝተራእያ ከባብታት ሃገርና ሓንቲ እያ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ከም መደበር ርብዳን ካለኦት መሓዙታን፡ ብዙሓት ሓርበኛታት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስንቂ  ኣስኒቓን ኣዕጢቓን ዘሰለፈት ታሪኻዊት ቦታ ነይራ።  ድርሕሪ ናጽነት ግና፡ ስሙን ግብሩን ዘይሰማማዕ ሓላፍነት ተዋሂብዋ መሰረታዊ መሰላት ኤርትራውያን ዝገሃሰላን ናብ ባርነት ዝገማገም ምዝመዛ ዝካየደላን ብሕማቕ እትለዓል ቦታ ኮይና ኣላ።

ህልዊ መደብ ሳዋ ብ1994 ክጅመር እንከሎ፡ ሕገመንግስቲ ዝመሰረቱ ትካላዊ መሰረት ኣይነበሮን። ብዙሓት ወገናት ካብ ሽዑ ጀሚሮም፡ መቆጻጻሪ ንጹር ፖሊስን ግሉጽነትን ብዘይብሉ ኣገባብ ውልቀ-መላኺ ብዘንቀዶ ስለ ዝነቐለ፡ ናብዚ ደሓር ዝኾኖ ከም ዝምዕብ ስግኣት ነይርዎም እዩ። ከም ዝኽበር’ኳ ርግጸኛታት እንተዘይነበሩ ኣብቲ፡ “6 ኣዋርሕ መሰልጠኒ፡ 12 ኣዋርሕ ድማ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ብድምር ናይ 18 ኣዋርሕ ዕድመ ክህልዎ እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ቃል ተስፋ ዘንበርሉን ብሓጐስ ዝተቀበልዎን እውን ነይሮም እዮም። ደሓር ግና ዝተፈላለዩ ምስምሳት እንዳተፈጥረ፡ ኩሉቲ ዝተባህለ ተጣሒሱ ናብ “ደረት ዘየብሉ ግዱድ ኣገልግሎት” ማዕቢሉ። በዚ ከኣ ኣብ ርእስቲ ኩሉ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ ህግዲፍ፡ መድብ ሳዋ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም መርኣያ ሕማቕ ምስሊ ጉጅለ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኮይኑ ቀሪቡ።

መደባት ሳዋ፡ ጉልበት፡ ግዜን ዕድመን መንእሰያት ዘባኽን ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ እውን መጻኢ ዕድል መንእሰይ ኤርትራ ዘጸልመተን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐን፡ ኮነ ኢልካ ኤርትራን ኤርትራውነትን ከዳኽም ዝተማህዘ ተንኮል ምንባሩ ሎሚ ብሩህ እዩ። ተስፋ መጻኢት ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት፡ ክንድቲ ዝኽእልዎ ሃገሮም ከገልግሉ ወፊሮም ኩነታት ካልእ ኮይኑ ምስ ረኸብዎ፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ክስደዱ ካብ ዘገደድዎም ጉዳያት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ሳዋ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስንብራት መደባት ሳዋ ኣብ ህይወት መንእሰያት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገር እውን ጽልዋኡ ከቢድ እዩ።  ብዛዕባ መደባት ሳዋ ዘጽንዑ ክኢላታት ከም ዝጠቕስዎ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝተሰደ ኣስታት 507,300 ኤርትራዊ፡ መብዛሕቱ ብዘይፍትሓዊ መደባት ሳዋ ዝሓለፈ፡ ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድመኡ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን  “ጽባሕ ምስ ፈርዘና መደባት ሳዋ ከርክበናዩ’ሞ ከሎ ጋና ነብስና ከነውጽእ” ኢሎም ዝጠፍኡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ዋላ’ኳ ከምዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ህግዲፍ፡ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምጅማር ሳዋን ምምራቕ መበል 32 ዙር ተዓለምትን  ብዝብል  ምስሉ ኣብ ጉዳይ ሳዋ ከመላኽዕ እንተፈተነ፡ ነዚ ጉዳይ ብነጻን ሻራ ዘይብሉን ኣገባብ ከጽንዕዎ ዝጸንሑ ክኢላታት ግና ከም ሓደ መርኣያ ዘበናዊ ናይ ባርነት መክዕ ዘለዎ ወጽዓ እዮም ክገልጽዎ ጸኒሖም። ዋላ’ኳ ህግዲፍ ጸማም እዝኒ እንተሃቦ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን፡ እዚ መደባት ሳዋ ክስረዝ እሞ ኤርትራውያን ተላዚቦምን ረድዮምን  ብዝሕንጽጽዎ ሕጊ ዝቕለስ ፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክወጽእ፡ ንሱ ክሳብ ዝኸውን ከኣ ናብቲ ዝነቐለሉ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ይጽውዑን ይምሕጸኑን ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ናይዚ ኣዕናዊ ተግባራት ግዳያት ዝኾኑን በቲ መደብ ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዛዕባቲ ሓቀኛ ኩነታት ሳዋ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ምስክርነቶም ይህቡ ኣለዉ። ህግዲፍ ግና ነቲ “ካብ ዝቐበረስ ዘላቐሰ” ወይ “መን ይንገር ዝነበረ፡ መንከ የርድእ ዝቐበረ” ዝብል ኣበሃህላ ዘንጊዑ ክሽፈን ዘይከኣል ክሸፋፍን  ንዕዘብ ኣለና። በዚ ዘይወድዓዊ  ኣበሃህላኡ ናይ ዝኾነ ልቢ ከረስርስን ኣተሓሳስባ ክቕይርን ከምዘይክእል ግና ርግጸኛታት ኢና።

ህግዲፍ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ግዱድ ውትህድርና ርትዓውነት ንምግላጽ፡ ክሕበኣሎም ካብ ዝጸንሐ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት “ኣይውግእ ኣይሰላም”ን ምስኡ ምትእስሳር ዘይነበሮ ማዕቀብን ምንባሩ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። እንተኾነ እነሆ እዞም ህግዲፍ ካብ ብዙሕ ጉዳያት ክሕበኣሎምን ክሃድመሎምን ዝጸንሑ በዓትታት ካብ ዝፈርስዎ ዝያዳ ዓመት ኮይኑ። ብዙሓት ንህግዲፍ ብግርህናን የዋህነትን ዝርእይዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ድሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኩነታት ምቕያሩን ማዕቀብ ምልዓሉንስ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ኩነታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ግዱድ ውትህድርና ለውጢ ክገብር እዩ ኢሎም ተጸብዮም ነይሮም። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ሳዋ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተርፍን ንኹሉ ዝምልከትን ስለ ዝኾነ ማሕበራዊ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ክቕጽል’ዩ”  ኢሉ። እዚ ማለት ከኣ ኢሳይያስ ክሳብ ዘሎ ክቕጽል እዩ። ምኽንያቱ  ኣብ ኤርትራ ብኢሳይያስ ዝምስረት ማሕበራዊ ፍትሒ ስለ ዘይህሉ። እዚ እምበኣር መደባት ሳዋ  ብጉልባብ “ሃገር  ምሕላውን ምምዕባልን” ንመንእሰያት ኤርትራ ብሞራል ድሂኽካ፡ ብትምህርቲ ኣደንቊርካ፡ ጉልበቶም መዝሚዝካን ክብርታቶም ግሂስካን ኤርትራ ተረካቢ ዘይብላ ንወራርን ድሕረትን ዝተቓለዐት ሃገር ከም እትኸውን ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ውዲት ምንባሩ እዩ ዘረድእ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትምህርታውን ፖለቲካውን መዳያት ዘይርሳዕ ግደ ንዝነበረን 2ይ ደረጃ  ኣያተ-ትምህርቲ ሃገርና ጨፍሉቑ፡ “2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ” ብዝብል ብወተሃደራት ብእትምራሕ እንኮ ማእከል ምትክኡ ናይቲ ትውልዲ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ናይ ምቕታል ተግባሩ ኣብነት እዩ። እቲ ተስፋ ዝህብ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ውዲት ነቒሕሉ ክቃለሶ ድልዊ ምህላዉ እዩ።

መንእሰያት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኢደ-ወነናውያን ከም ድላዮም ብዝሰርሕዎን ዝፍንጥሕዎን ሕግን ኣፈጻጽማን ዘይኮነ፡ ብንጹር ሕግን ቅዋማዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ህንጸት ሃገሩ ክሳተፍ ግቡእ እዩ። ብመንጽርዚ እዩ ሰዲህኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብሞያውያን ሰራዊትን ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክቐውም ተደላይነት ከም ዘለዎ ብምግንዛብ: ቅዋም ዘፍቅዶ ስሩዕን ዝተጸንዐን መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝህሉ ክገብር ክጽዕት እዩ” ብዝብል ኣስፊርዎ ዘሎ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እቲ ንነዊሕ ግዜ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና 3ይን ሓድነታውን ጉባአና በቲ ኣቐዲምና ዝተለምናዮ ግዜን ኣገባብን መሰረት ከም ዝተዓወተ ብደምዳሚ ኣዋጅን ውዑይ ዜናታትን ገሊጽናልኩም ኢና። እዚ ጉባአ ንሓድነታዊ ጽምኢ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ብምዃኑ፡ ብዙሓት ናይ ሓድነት ናፈቕቲ ኤርትራውያን ናይ “እንኳዕ ኣመጐሰኩም፡ ከማኹም የማስለና” መልእኽቲ፡ በበቲ ዝጥዕሞም መንገዲ ይገልጹልና ኣለዉ። እዚ ኣብ ርእሲ እቶም ኣብቲ ጉባአ ዝተሳተፉ ብኣካል ተረኺቦም ዘስምዕዎ ናይ “ኣገናዕ’ መልእኽቲ ተወሳኺ እዩ።

ርግጽ እዩ እቲ ብዘይምስልካይ ንልዕሊ 9ተ ኣዋርሕ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና መስርሕ ሓድነታዊ ጉባአ፡ ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ደንበ ተቓውሞና ናይ ሓድነት ኣተገባብራ ተመኩሮ ክወዳደር እንክለሎ፡ ልዑል ግምት ብዝወሃቦ ኣገባብ ብምፍጻሙ ነቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ሓበን እዩ። ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራዊ ክብደትን ሓበንን ዘለዎ እዩ። ጉባአና ኣብቲ ዝቐነዮ፡ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ኣጽዲቑ። ነዚ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ኣብ ዘተግብረሉ ነቲ መስርሕ ግቡእ ቀጥዒ ዘትሕዝ ሰልፋዊ ቅዋም እውን ኣጽዲቑ። ካብዚ ሓሉፉ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ተመያይጡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛዕባ ከኣ ንጹር ውሳነታት ወሲኑ ኣሎ።ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ሉኣላውነታን፡ ጭረሖ ይኣክልን ኣተሓሕዛኡን፡ ኢድ ኣእታውነት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሃገርና፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትሓይልታት ምክልኻል ኤርትራሃንደበታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝያዳ ድማ እዋናውነትን ወሳንነትን ሓቢርካ ምቅላስ፡” ካብቶም ጉባአና ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ፡ ኣዕሚቑ ዝተላዘበሎም ረዘንቲ ዛዕባታት ምንባሮም ኣብቲ ናይቲ ጉባአ ደምዳሚ መግለጺ ተነጺሩ ኣሎ።

ንጉባአና ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝወሰኑ ውሳነታት ግቡእ ኣድህቦ ክወሃቦም ይግባእ። እዞም ውሳነታ ዝያዳ ግቡእ ትርጉም ዝረኽቡ ግና፡ ክትግበሩ እንከለዉ ጥራይ እዩ። ጉባአና ኣገደስቲ እዋናዊ ውሳነታት ምሕላፉ እንሕበነሉ ኣውንታዊ መለለይና እዩ። እንተኾነ ዝያዳ እንሕበን እዞም ዝወሰናዮም ውሳነታት ተተግቢሮም፡ ኣብቲ ኤርትራውያን ሒዘምዎ ዘለዉ ናይ ለውጢ መስርሕ ከንጸባርቑ እንከለዉ  ጥራይ እዩ። ውሳነ ክውሰን እንከሎ ምስ ናይቲ ውሳነ መተግበሪ ዓቕሚ እንተዘይተመጣጢኑ፡ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ። እዚ ምምጥጣን እንተዘይሃልዩ፡ ውሳነታት ዘይፍታሕ ሕልሚ ኮይኖም እዮም ዝተርፉ።

ውሳነታት ጉባአና ኣብ ድሩት ሰልፋዊ ባህግን ስምዒታን ዝሕጸሩ ዘይኮኑ፡ ብዝከኣል ደረጃ ንኤርትራዊ ውድዕነት ዝዳህሰሱን ዝምጥኑን እዮም። ምትግባሮም እውን መሪሕ ግደ ኣባላት ሰልፍና ህያው ኮይኑ፡ ኣብ ውሱን ዓቕሚ ሰልፍናን ኣካላቱን  ጥራይ ዝጸዓን ዘይኮነ፡ ናይ ዝኾነ ፍትሓውን ወድዓውን ኣረኣእያ ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ውድብ ሰልፊ፡ ማሕበርን ቅሩብነት፡ ኣጀኹም በሃልነትን ኣበርክቶን ዝሓትት ግዜ ዘይህብ መሰረታዊ ዕማም እዩ። ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ኤርትራዊ ረብሓ ዘለዎ ክነሱ፡ ካብ ጸቢብነት ነቒልካ ዘይምርዓሙ ሎሚ ተሰጊሩ እዩ። ከምቲ ዝተገልጸ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን  ናይ ለውጢ ወገናት ካብ ቀረባን ርሑቕን ሓድነታዊ ጉባአና ብምድጋፍ ናይ “እንኳዕከ ከምዚኣ በለትየ” መልእኽቲ ይሰዱልና ምህላዎም ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ “ኩሉ ገድላዊ መሳርሕታትና ንምህሃድ ብሓባር ንለዓል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዜናኡ ብ3 ነሃሰ 2019 ኣብ ዝወጸ ሓተታኡ “ዝተፈላልዩ መልከዓት ጽላላት ዝሓቚፍ ኤርትራዊ ተቓውሞ ከደን ኣካቢ ጽላል ክሳብ ዝፍጠር፡ ኣብ ቅድሚ ህዜቢናን ኣህጉራዊ ዓውድን ስሙር ልሳን ንክህልወና ምእንቲ፡ ናይ ሓባር ልኡኽ ጉዲያት ወጻኢን፡ ናይ ሓባር ዛናን (ሚድያ)፡ ናይ ሓባር ህዜባዊ ምልዕዓልን ኣሊያታት ምቋም።” ዝብል ሓሳብ ምስፋሩ ዘተባብዕ ኣብነት እዩ። እዚ ብካለኦት ናይ ለውጢ ኣካላት  ክድገም ከኣ መድረኽ ዝጠልቦ እዩ።

ናይ ሓቢርና ንቃለስ ከነድምዕ፡ መልእኽቲ 3ይን ሓድነታውን ጉባአና ብፍላይ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ብሓፈሻ ከኣ ናብ ኩሉ ምእንቲ መሰረታዊ መሰልን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ዝሕለቕ ሓይሊ ዘቕነዐ እዩ። ኣብ ምትግባሩ’ውን ነናትና ብጽሒት ከም ዘለና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሳነታት ጉባአና ንኹሎም ኤርትራዊ ወገናት ናይ ሓድነት ኣብነት ንክኸውን ናይ ምትግባሩ ከቢድ ሓልፍነት ኣለና። ኣጻብዕትና ናብ ካለኦት ቅድሚ ምምልካት ከካብ ገዛእ ርእስና ክንጅምር ኢና። መሓዙት ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን፡ ከምቲ፥ “ጽቡቕ ሓድነታዊ ስጉምቲ ወሲድኩም” ዝበልኩምና ኣብ ምትግባሩ’ውን እጃምኩም ከተልዕሉ ትግሁ። ሎሚ ካብ “ከምዚ ክግበርን ክኸውንን ይግበኦ” ሓሊፍና ኣብ “ከምዚ ክገብር ይግበኣኒ” ክንጽመድ መድረኽ ይሓተና ኣሎ። ንምንጽጻግ ኣወጊድና ኣብ ምምልላእ ካብ ምጽማድ ሓሊፍና ካልእ መዋጸኦ የብልናን።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና፡ መተንፈሲ ስኢኑ ኣስናኑ ዝሕርቅመሉ ዘሎ ኩነታት፡ መሰረቱ ሓያልነት መላኽን ጸቢብን ኣካይዳ ህግዲፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓብይኡ ናይ ህዝብና ኣብ ርኢሱኡ ድማ ናይቲ ዝተወደበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘይምብቃዕ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ኣብዚ ድኽመትና እንተዘይተኣማሚና ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕድልና ውሑስ ኣይኮነን። ንጸገምና ኣብ ክንዲ ካባኻ ንክርሕቐልካ ካብቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ኩርናዕ ምሽንጓጉ፡ ኩልና ሰብ ብጽሒት ምዃና ብምእማን፡ ዓትዒትና ሒዝና ክንገጥሞ ይግበኣና።

በዚ ኮነ በቲ፡ 3ይን ሕድነታውን ጉባአና ተዓዊቱ ኣሎ። እቲ ዓወት ናይ ብሓቅን ቀጻልን ንክኸውን ግና እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። እቲ መንገዲ ሒዝናዮ ኣለና። እቲ ጉዕዞ ከኣ ይጽበየና ኣሎ። ከምቲ ሓደ ፈልሲ ኣብቲ እትደልዮ ከባብያዊ ኩነታት ኣየር  ምህዳእ ወይ ፍረ ኣብ ምሃብ፡ ምእንቲ ከበርክት ክንክን ዘድልዮ፡ መስርሕ ሓድነት እውን ከምኡ ሓለዋን ኮስኳስን የድልዮ እዩ። ንሕና ነዚ ተዓጢቕናሉ ኣለና። ካልኦት ነዚ ሓድነትና ከም ሞዴል ወሲድኩም፡ ምሳና ኮነ ምስ ካልእ ዝምእመኣኩም ወገን ክትሰርሕሉ ከኣ ኣፍደገ ከፊትና ኣለና እሞ “እነሀ ፈርስ፡ እነሀ ናይ ሓድነት ሜዳ” ንብል።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብዛዕባ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ክንጠቅስ እንከለና፥ እቲ ሓያል፡ ጸዋርን ተስፋ ዘይቆርጽን ጐንና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ድኹም ጐድኒ ከም ዘለና እውን ከምቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል፡ ዝሕባእ ኣይኮነን። ናይቲ ድኽመትና ቀንዲ ማእከል ከኣ ሚዛና ኣብቲ ንኤርትራ ኣብ ደልሃመት  ኣእትይዋ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለን ኣወጋግዳኡን ዘይኮነ፡ ናብቲ እንጽበዮ ዓወት ንምብጻሕ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ክንፈጥር ዘይምኽኣልና እዩ። ኣድላይነት ብሓባር ኣንጻር  ጨቋኒ ጉጅለ ህግዲፍ ምቅላስ ብሓሳብ ደረጃ ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ብዙሓት ናብዚ ከብጽሑና ዝበልናዮም ፈተነታት እውን ኣካይድና። ምሕዝነት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኣብ መንጎ ውሱናት ውድባትን ማሕበራትን ክካየዱ ዝጸንሑ ሓድነታዊ ፈተነታትን ካብቶም ናይ ሓባር ንቕሎታት ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ምስዚ ኩሉ ፈተነታት ግና፡ ሕጂ እውን ኣብ ሓድነታዊ ዛዕባ፡ ኣብቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ኣይበጻሕናን። ጻዕርና ናብኡ ንምብጻሕ ግና ሕጂ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ምኽንያቱ ካብዚ ወጻኢ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እዚ ጉዳይዚ መሰረታዊ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ነጻ፡ ርትዓውን ኣርሒቑ ዝጥምትን ናይ ሓባር መድረኽ ንክፍጠር ከይሰልከየ ክሰርሕ ጸኒሑ። ከም ኣካል ናይዚ ጻዕሩን ባህጉን ከኣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ብዛዕባ ሓቢርካ ምስራሕ ዝእምት ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓቖፈ ንድፊ ቀሪጹ ናብ ኩለን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዘርጊሑ። ዝረኸቦ ግብረ መልሲ  ተጻባኢ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ሰጓሚ ኣይነበረን። ኣብዚ መስርሕ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ-ሕድሪ (ሃግኤ-ሕድሪ) ኣብ 2ይ ጉባኤኡ፡ ምስቲ ናይ ሰዲህኤ ብዝመሳሰል መልክዑ ናብ ኩለን ውድባት ኤርትራ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ድልዉነቱ ዘንጸባርቕ መልእኽቱ ኣቕሪቡ።

ክልቲኡ ውድባትና ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ኣብዚ ሓድነታዊ ርኢቶታቱ ብግቡእ ተናቢቡ። ምንባብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሓድነት ንክመጽእ ድልዉነቱ ኣርእዩ። ድልውነቱ ኣድማዕን ግብራውን ንክኸውን ከኣ ከም መሰረታዊ መበገሲ ርኢቶታቱ ኣብ ምውጋድ ህግዲፍ ኮነ፡ ናይ ድሕሪኡ ኤርትራ ዕድል ዘንጸባርቑ ሰነዳቱ ምስ መርመረ፡ ሓደ ኮይንካ ምስራሕ ዘየኽእሉ መሰረታዊ ፍልልያት ከም ዘይነበሮም ኣረጋጊጾም። ቅሩብነት፡ ሕድገትን ሓልዮትን እንተወሲኸምሉ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ሰልፊ ካብ ምዃን ዝኽልክሎም መትከላዊ ፍልልይ ከም ዘየብሎም ከኣ ዓጊቦም።

ድሕሪ እዚ ነቲ ናብ ምሉእ ሓድነት ዘብጽሕ መስርሕ ብትብዓትን ቅሩብነትን ተተሓሒዘምዎ። እዚ መስርሕ ኣገዳስን ንድሕሪት ብዘይምለስ ኣብነታዊ መልክዕ ምትሓዙ ከም ዘድሊ ብምርዳእ ከኣ፡ ናብ ጉባአ እተብጽሖም ናይ ሓባር ኣሰናዳኢት ሽማግለን፡ ካለኦት ነቲ መስርሕ ሓድነት ዘሳልጣ ናይ ሓባር ኣካላትን ኣውጺኦም ንኣስታት 9 ኣዋርሕ ብዘይምስልካይ ክሰርሑ ጸኒሖም። ኣብቲ መስርሕ ከኣ ወነንቲ ናይ ሓባር ባህግን ድሌትን እምበር፡ ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮት ዝያዳ ከኣ ብምጽውውዋር እንተሰንየምዎ ንኹሉ ክሰግርዎ ከም ዝኽእሉ ብምትእምማን፡ ናብ ሓድነታዊ ጉባአ ከቕንዑ ተባዕን እዋናውን ውሳነ ወኒኖም። እነሆ ከኣ እቲ ሓድነት ንዝብህጉ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንኣባላት ክልቲኡ ውድባትና   ክሕበርን ክእውጅን ዝጸንሐ ሓድነታዊ ጉባአ ዝካየደሉ ግዜ፡ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ከተፍ ኢሉ።

እዚ ብጉባአ ክትጽንበል ሒዶት መዓታት ተሪፍዋ ዘሎ ሓድነት፡ ሃድኤ-ሕድርን ሰልዲህኤ፡ ካብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ውድባትና ምስማርን መሊስካ ምብታንን ተመኩሮ ቀሲሙ ብግቡእ ተቐይሱ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ ኣብ ጽንዓቱን ቀጻልነቱን እንተኣማመነሉ እዩ። እዚ ሓድነታዊ ጉባአና፡ ሃገርና ናብ ኣዝዩ ፍሉይ ዘየደቅስ ኩነታት ኣብ ዝኣተወትሉን ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ መንገዲ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ከምዘየለ ኣብ ዝተነጸረሉን ዝካየድ ዘሎ ስለ ዝኾነ ንናይ ምዕዋቱ ርግጸኛነት ተወሳኺ ዓቕሚ እዩ።

ንሕና ነዚ ሓድነትዚ ኩሉ ምእንታኡ ክኽፈል ዝግበኦ ከፊልና ከነዕውቶ ክኢልና ኣለና። እቲ ቀንዲ ዕማም ኣብ ሓድነት ምብጻሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ሓድነት ዝፈጥሮ ዓቕሚ ተደሪኽካ ምድንፋዕ ምዃኑ ከኣ ይርደኣና’ዩ። ምስዚ ኩሉ ናብዚ ደረጃዚ ምብጻሕና፡ ኣብነትን ፈለምትን ንምዃን እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ሓድነት ጉዕዞና መወዳእታ እዩ ካብ ዝብል እምነት ኣይኮነን። ዝጀመርናዮም፡ ድሕሪ ጉባአና እንቕጽሎም ምስ ብዙሓት ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓድነት ጅማሮታት ኣለዉና። እዚ ሓድነታዊ ጉባአና ነቲ ቀጻሊ ሰፋሕቲ ናይ ሓድነት መስርሕና ደፋኢ ዓቕሚ ክኾነልና ከኣ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ደረጃታቱ፡ ምሉእ ሓድነት ወይ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ነጥብታት ኣትኪልካ ኣብ ዝተሓተ ፖለቲካዊ መደባት ጽላል ምፍጣር ክኸውን ይኽእል፡ ምስ ዝኾነ ቅሩብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ክንሃንጽ ዝህልወና ድልዉነት ኣብዚ ጉባአና ደጊምና ካብ ነድምቖም ዕማማት ሓደ ክኸውን ትጽቢት ኣንቢርናሉ ዘለና’ዩ። ስለዚ ጉባአና መነየቲ ዘይኮነ፡ ንዝያዳ ሓድነታዊ ዕማም እንነቕለሉ መንጠሪ መድረኽ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ዕማም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሓቀኛ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ቅቡል እዩ ዝብል ዘይዕጸፍ እምነት ኣለና። ጭረሖ “ይኣክል” እውን ከም ብሓድሽ “ሀ” ኢሉ ቃልሲ ዝጅምር ዘይኮነ፡ ነቲ ከነካይዶ ዝጸንሕና፡ ቃልሲ ብሓድነታውን ሓልዮት ዘጐልብት’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። ብኣንጻሩ እዚ ካብ ኣድላይነት ሓድነት ፈሊኻ ዘይርአ ንቕሎ “ይኣክል”፡ ዕድመ ህግዲፍ ኣብ ምሕጻር ግደኡ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ፡ ህግዲፍ ነዚ ዘይምሕሮ መስርሕ ንምዕንቃፍ ዘይፍንቅሎ ግሁድ ኮነ ስዉር እምኒ ከምዘይህሉ ርግጸኛታት ኢና። ምልክታቱ’ውን ንርኢ ኣለና። እንተኾነ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ደጊም ብተንኮላት ህግዲፍ ፈሊሑ ዝገረረ ስለ ዝኾነ፡ በታኒ ፈተነ ህግዲፍ ክዕወት’ዩ ዝበል ስግኣት የብልናን። መን ይፈልጥ ምጥንቃቕን ሓቢርካ ብንቕሓትን ምክትታልን ግና ኣዝዩ ኣድላይ እዩ።