ገለ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ይዕሸዉ ድዮም ዘለዉ ይግርሁ?

2022-02-13 15:44:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1137 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ጥልመት ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ ስለ ዝኾነ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ጥልመት ማዕረ ህግደፍ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ሕጂ እውን መልከዓቱ እንዳቀያየረ ቀጻሊ ዘሎ እዩ። እቲ ናይ ኣቀጻጽልኡ ኣገባብ ብዙሕ እዩ። በብእዋኑ፡ 2%፡ ንኣካለ ስንኩላን ንደቂ ስዉኣት …. ወዘተ እንዳበልካ ዝካየድ ዝተመላኽዐ ቀዋሚ ምዝማት ገንዘብ ሓደ መልክዕ ኮይኑ፡ በብግዜኡ እናዘናጋዕካ  ኣብ ጁባ ሰባት ኢድካ ሰዲድካ ዝካየድ ናይ “ገንዘብ ውለዱ ሃቡ” ወፈራታት  እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ።

እቲ ጉጅለ ቅድም-ቀዳድም ጸገምን ሻቕሎትን እዩ ዝፈጥር። ደሓር ካብቲ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ዝፈጠሮ ጸገም “ንምውጻእ” ብዝብል ጉልባብ ኣሰናቢዱ ናይ ምዝማት መርበባቱ ይዝርግሕ። ናይቲ ዝዋጻእ ገንዘብ መዓላ ግና ኣብቲ ንመመሳመሲ ዝተማህዘ ዛዕባ ዘይኮነ፡ ናብ ጁባ ናይቲ ጉጅለ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ገንዘብ ኣብ ሳጹኑ ምስ ኣተወ “ኣበይከ ኣውዒልካዮ?”; ዝብል ምትሕስሳብ ምቕራብ፡ ካብቲ ገንዘብ ዘይምኽፋል ዘይንእስ ገበን ገይሩ እዩ ዝወስዶ። ንኣብነት ናይ ህዝቢ ኣፍልጦ ዘየብሉን ንህዝቢ ዘየርብሕን ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብጉልባብ መከላኸሊ ልኡላውነት  “ክተት ንሃገር” ብዝብል ልብኻ ዝበልዕ ስብከት ኣዳህሊሉ ገንዘብ ኣዋጽኡ ይብል። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሓሪሱን ነጊዱን ዝበልዓሉ መንገድታት ዓጽዩ ጥሜት ይፈጥር እሞ “ንሕና እንከለና ህዝብና ኣይጠምን” ዝብል ነጋሪት ወቒዑ “ሕጂ’ውን ገንዘብ ኣምጺኡ” ይብል። እቲ ምኽንያት መመሊሱ ይፍጠር’ሞ እቲ ገንዘብ ሃቡ ከኣ ንዓኡ ተኸቲሉ ይቕጽል።

ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ተግባሩ ኣብቲ ብምዕጋብ ድዩ ብምድንጋር ሰማዒ እዝኒ ዝረኸበሉ ኣብ ዝተወሰነ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ከም ባህሊ ኣስሪጽዎ እዩ። ኣብዚ ኣገራምን “ገለ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ይዕሾ ድዩ ዘሎ ይግራህ?” ዝብል ሕቶ የልዕል ኣሎ። ኣብዚ እቲ ኣዘራራቢ ዝኸውን፡ ስለምንታይ? ንእንታይ መዓላ? ክሳብ መዓስከ? ከይበልካ መመዚዝካ ገንዘብካ ምምጣው እዩ። ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ንተደጋጋሚ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ዝተወሰነ ዲያስፖራ፡ “ኣብ ውግእ ኣቲና እሞ መዋግኢ ገንዘብ ኣዋጽኡልና?” ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ ክኸፍልዶ ኣይከፍልን? ምባሉ፡ “እቲ ዝተኸፍተ ውግእ፡ ምስ መንዩ?፡ ንረብሓ መንዩኸ? እቲ እንኮ መፍትሒኸ ንሱ ድዩ ነይሩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ሓቲቱ መልሲ ክሳብ ዝረኽበሎም ክቕጽል ምተገበኦ። ምኽንያቱ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም መልስታት እዮም እንተ ንምኸፋል ወይ ንዘይምኽፋል ክውስኑ ዝግበኦም። ጉዳይ ጥሜት እውን ከምኡ፡ ስለምንታይ እዩ ህዝብና ጻዕራምን ፈታው ስራሕን ክነሱ፡ ናይ ተኾብቲ ልግሲ ክጽበ ተገዲዱ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዓለምና ንህዝቢ ኤርትራ ብናጻ ዝለገሰቶ ክታበት ኮቪድ-19ኳ ዝነፈጎ ጉጅለ፡ ንህዝብና ክዕንግለሉ ኢልና ነዋጸኦ ገንዘብከ ኣብ መዓላኡ ክውዕል ድዩ?” ኢሉ ክሓትትን መልሲ ክረኽበሉን እውን ናይ ግድን ክኸውን ምተገበአ።

ንሓደ ጉዳይ ኣብቲ መጀመርታ መሲሉካ ተቐቢልካ ከተተግብር እንከለኻ ክትዕሾ ወይ ክትግራህ ዘጋጥም እዩ ኢልካ ክሕለፍ ዝተለምደ እዩ። ደሓር ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዝነበርካ ምስ ተረዳእካ፡ ነቲ ዝሓለፈ ንድሕሪት ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኲርካ ኢደ-እግርኻ ምእካብ ምድግጋሙ ግና ንቡር ኣይኮነን። ነታ “ክትከይድ እንከለኻ ዝዓንቀፈትካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ትብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስትብሃላ ውሕልነት እዩ። ኣብ ቅድሚ ድሌታትን መደባትን ናይቲ ሓሲብካ ኢሉኳ ዘየናሕሲ ጉጅለ ህግደፍ “ኣይፋል ንኣገዲድካን ኣፈራሪሕካን ምውጻእ ገንዘብ” ኢልካ ምቅዋም ዋጋ ከም ዘኽፍል ማንም ኤርትራዊ ዝስሕቶ ኣይኮነን። እንተኾነ ሓቀኛን ቅኑዕን መንገዲ ብዘይዋጋ ከምዘይርከብ ንዝተረደአ ኣካል እቲ ዋጋ ቀሊል እዩ። ምናልባት ናብ ትውልዲ ሃገርካ ኬድካ፡ ኣብ ንግደት ዓድኻ፡ ኣብ መርዓን ቀብርን ቤተሰብካ ኣይትሳተፍን። ኣብ ኤርትራ ብዘጥረኻዮ ሃብቲ እንተልዩካ ዘይትጥቀመሉ ክትከውን ትኽእል። እተኾነ ብመንጽር ምእንቲ ሓቅን መሰል ህዝብን ምስላፍ እዚ  ዋጋ ከቢድ ኣይኮነን። እንተተኽፍለ እውን ሓደ እዋን  ብቃልስኻ ተዓዊትካ እትከሓሶ እዩ ዝኸውን። ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡን ጽባሕ ንውልቆም እምበር ህንጻታትን ኣባይትን ሒዞም ኣይኮኑን ክጽረጉ።

ብፍላይ እቲ ከምቲ ኣብዚ ሰሙንዚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገረ ጀርመንን ካለኦት ሃገራት ምዕራብን ዝጉስጐሰሉ ዘሎ ብኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግኣ ኢትዮጵያ-ትግራይ ኣሳቢብካ ንህግደፍ  ዝወሃብ ገንዘብ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ጥራይ ኣይኮነን። ህይወት መንእሰያት ዘህልቕን ጸጋታት ሃገርን ዘህልኽን ዘሎ  እዩ። ብዘይካዚ ኤርትራውን ዞባውን ሰላም ዝዘርግ ምዃኑ’ውን ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ይፍጽሞ ንዘሎ ገበን ዝሕተተሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ባዕሉ እዩ። ሎሚ ንዓኡ ገንዘብ ምሃብ ከኣ ክንድቲ ናቱኳ እንተዘይኮነ ብውሕዱ ብተሓባባርነት ሕልናዊ ተሓታትነትን ጣዕሳን ከም  ዘኸትል  እቶም ሎሚ ጅባኡ ዝመልእሉ ዘለዉ ገለ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ክዝንግዕዎ ኣይግበኦምን። ህግደፍ ኣይኮነንዶ ንጉዳይ ካለኦት ክከላኸል ንገዛእ ርእሱ ተሓታቲ ዝኾነሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ብልህነት እዩ።

እቶም ንህግደፍ ገንዘብ ዝኸፍሉ ዘለዉ ሰኣን ኣፍልጠኦም እዮም ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራውያን ነዚ ጉዳይ ብዘረድእ ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዝሓለፉ። እቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታትኳ፡ ኣይኮነንዶ ኤርትራውያን ዓለም እውን ንሓቀኛ ወጻዒ ባህርያት ህግደፍ ፈሊጣቶስ ንኤርትራ ብሰንኩ “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ቅጽል ክሳብ ምሃብ ምብጸሓ ብሩህ እዩ። ምስዚ ኩሉ መርተዖታት፡ እዞም ውሑዳት ዲያስፖራ ኤርትራ እንዳፈለጡ እዮም ንጉጅለ ህግደፍ ዶላራትን ዩሮን ዘሕቁፍዎ ዘለዉ ኢልካ ምድምዳም ስለ ዘጸግም፡ “ገለ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ይዕሸዉ ድዮም ዘለዉ ይግርሁ?” ክበሃሉ ባህርያዊ ይኸውን።

Last modified on Sunday, 13 February 2022 16:48