
“ዶብና ከይተሓንጸደ ን2 ዓመታት ምጽናሑ ብዓይኒ ታሪኽ ነዊሕ ኣይኰነን” ...ስርዓት ኢሳያስ
Saturday, 11 July 2020 22:14 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ስምምዕ ተኸቲሙ ድሕሪ ምባሉ፡ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣህዛብ ዓለምን ናይ ብሓቂ ሰላም ሰፊኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዳይ ልምዓት፡ ፍትሒ፡ ብልጽግናን ኣብ ጐደና ምኽባር ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ንቕድሚት ዝምርሻሉ መዋእል ክኽሰት’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እሱራት ክፈትሕ፡ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ምፍቃዱ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ውዕልን ብይንን ኣልጀርስ ክፈትሕ ምቕባሉን ዶባት ናይ ክልቲኦም ሃገራት ምኽፋቱን ዓቢ ተስፋን ደገፍን ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ረኺቡ ነይሩ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣህዛብ ዓለም ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክውሰድ’ዩ፡ እሱራት ክፍትሑ ኢዮም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ክግበረሉ ኢዩ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክወዳደሩ ዕድል ክውሃቦም’ዩ ተጸብዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ ተስፋ ዘጸልምት እንተዘይኰይኑ፡ ተስፋ ዝህብ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ኣይተገብረን እኳ ደኣ እናበኣሰ ክኸይድ’ዩ ተራእዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ድማ ተቖጽዩ፡ ስእነተ-ሰላም ሰፊኑ፡ ዓሌታዊ ጐንጺ፡ ምፍንቓል፡ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ማእሰርቲ ብጅምላ፡ ናይ ህጹጽ ኵነት ኣዋጅን ውግእን ወረ ውግእን ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኰይኑ።
እቲ ንሓጺር እዋን ተኸፊቱ ዝጸንሐ ዶባት ተዓጽዩ። ናይ ናቕፋን ብርን ሸርፊ ምምጥጣን ምስ ተገብረ፡ ሰብን ኣቝሑትን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝንቀሳቕስሉ ቅጥዕታት ምስ ተዳለወ ዶባት ክፍታሕ ኢዩ ዝብል ናይ ሓሶት ወረ እውን ተዘርግሐ። ብግብሪ ዝተራእየ ከኣ እሞ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ …..ናይ ወያነ ጕዳይ game over ኰይኑ’ዩ: ንሕና ኢድና ኣጣሚርና ስቕ ኢልና ኣይንርእን ኢና…ወዘተ እናበለ ክፍክርን ሰራዊቱ ንወያነ ንምህዳድ ናብ ዶባት ከጓዓዕዝን ኢዩ ተራእዩ። ብተረድኦና ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ’ቲ ቅድም ዝነበሮ ኣይሰላም ኣይውግእ ኵነታት ዝተቐየረ የለን። እታ ሓንቲ ተቐይራ ዘላ፡ ጕጅለ ኢሳያስ፡ ከምኡ’ውን እቶም ዓቕሚ ዘለዎምን ፍቓድ ስርዓት ኣስመራ ዝረኸቡን ውሑዳት ኤርትራውያን ዜጋታትን ካብን ናብን ብነፈርቲ ክመላለሱ ምኽኣሎም ጥራይ ኢዩ። እንተዘይኰይኑ፡ ህዝቢ ዳግማይ ውግእ ከይኽፈት ብምስጋእ ብፍርሒ መዓንጡ ሒዙ’ዩ ዝጽበ ዘሎ።
ጕዳይ ዶብ ከኣ’ሞ ካብ ቀደሙ እውን ንኢሳያስ ዘገድሶ ጕዳይ ከምዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ብጉዳይ ዶብ ከምዘይነበረ ሎምስ ቍልጭ ኢሉ በሪሁ ኢዩ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሕልሙ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ምምራሕ ስለዝነበረ ካብ ብጒሓቱ …..ንዓይ እኳ እዚ ዶብ ዝብሃል ነገር ትርጉም የብሉን፡ ኣይርድኣንን ኢዩ፤ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትርጕም ዘይብሉ ብርኪ ክንቅይሮ ኢና፤…. ክብል ዝስማዕ ዝነበረ። ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ናይ ሰላም ስምምዕ ውዕል ምስ ከተመ ከኣ እሞ፡ ስምዒታቱ ምቍጽጻር ስኢንዎ፡ ንሕልምታቱ ሓንቲ ከይገደፈ፡ ኣብ ጽርግያ ኵዕው ኵዕው ከብሎ’ዩ ተራእዩ። ….ኣብዪ ሓወይ ክሳብ እግሪ ዝተክል ናይ ዶብ ጕዳይ ከነሰጋግሮ ኢና፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ፡ ንህዝቢ ኣምሓራ ከይተረድኣኒ በዲለዮ ኢየ፡ ኣይከሰርናን ኵሉ ንብረትና ተመሊሱልና ኢዩ፡ ንኣብዪ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹ ኣነ ድማ ተኸታሊኡ ክኸውን’የ…… ብምባል ንሃገርናን ልዑላውነታን ኣሕሊፉ ክህብ ዓለም ብዓለማ ዝተዓዘበቶ።
ነዚ ዘሕንኽ ጥልመታት’ዚ ንምምልኻዕን ካብ’ቲ ሸታሕታሕ ኢሉ ዝተሸመመሉ ዓዘቕቲ ንምውጻእን ተባሂሉ’ዩ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት፡ …ሰለስተ ወለዶታት ከም እተኸስረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ን80 ዓመታት ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከም እተቓለሰ… ክገልጸልና ዝፈተነ። ህዝቢ ግን፡ ሽዓ ከምዝተጠልመ ብግልጺ ስለዝበርሃሉ፡ ይኣክል ኢሉ ሓሪኑ ነቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ክብንቁሶ’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። ነዚ ዝተረድአ የማነ ቻርሊ ድማ፡ ኣሰር ናይ ጐይትኡ ተኸቲሉ "ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ትርጉማት ኣሎዎ። 1ይ. ደድሕሪ ናጽነት ዝስራዕ፡ ዳግማይ ዓወት'ዩ። 2ይ. ሰላም ምስታ ን50 ዓመታት ብደገፍ ዓበይቲ ሓይልታት ኩናት ዘካየደትልና፥ ን80 ዓመታት ኣብ ግጭት ዝጸመደትና ጎረቤት" ብምባል፡ ኣብ’ዚ ዝኽሪ ናይ 2ይ ዓመት ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብትዊተር ከቃልሖ ዝሰማዕናዮ። እታ ጥልመት ብቻርሊ ትጽገን ወይ ትዕረ ጌጋ ኣይኰነት። ክትምለስ ብዘይትኽእለሉ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ኤርትራ በጺሓ’ያ።
እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ዝዀነ ይኹን ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ኣይግበርን ኢዩ ዝብል ዝነበረ ስርዓት ኣስመራ፡ መበል ካልኣይ ዓመት ውዕል ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝዝክረሉ ዘሎ ኣጋጣሚ፡ ሎምስ ለሚዶሞ’ዮም ግዲ ኢሉና ኰይኑ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተሓንጸጹ 2 ዓመት ምግባሩ ብዓይኒ ታሪኽ ክርአ እንከሎ ነዊሕ ግዜ እኮ ኣይኰነን ክብለና ተሰሚዑ። እወ፡ ንሰበስልጣን ኤርትራ፡ 2 ዓመታት ሓጺር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ፡ ዝተሰደ፡ ዝተሰውአን ግን፡ ክሳብ ክንደይ መሪርን ነዊሕን ምዃኑ ይስቆሮም’ዶ እምበር’ዩ። በማእት ኣሽሓት ዝቝጸር ህይወትን ንብረትን ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ከይበረሰ፡ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ከይተፈናቐሉን ከይተሰደዱን ከለዉ ዋላ ንሓሙሽተ ዓመታት ይኹን ካብኡ ንላዕሊ ዝነውሕ ግዜ ብህድኣትን ብሰላምን ነቲ ጐንጺ ክትፈትሕ ምጕያይ’ዶ ኣይምሐሸን ነይሩ!!!!? ሽዓ ደኣ፡ ከመይ ኢላ ኢያ መሬት ጸቢባቶም ንክልኢት ትኸውን ግዜ እውን ዕድል ከይሃቡ ናብ ፈኽራን ከበሮ ውግእ ምህራምን ዘምርሑ።
የማነ ቻርሊ ቀጺሉ …. "ምስ ሱዳን፡ ሶማል፡ደቡብ ሱዳንን ምትሕግጋዝና ክነዕቢ፥ ንዞባዊ ምትሕባብር ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ክንተግህ ኢና። ተጻብኦ ገና ንዘይበለየሎም፡ ሰላምና ዕረ ዝጠዓሞም፡ ኤርትራ ዲል ከይትረክብ ድቃስ ንዝስእኑ፡ በቲ ፍቱንን ዕዉትን መገድና ክንምክቶም ኢና" ኢሉ……። ተጻብኦ ዘይበልየሉ መን’ዩ? ንጅቡቲ ካብ ሱዳን፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብኦ ዞባዊ ምትሕብባር ቀርኒ ኣፍሪቃ ከውጽኣ ዝጽዕር ዘሎ መን’ዩ? እቲ ጌና ተጻብኦኡ ንጅቡቲ ዘይበለየሉ ስርዓት ኤርትራ’ዶ ኣይኰነን? ብኸም’ዚ መንፈስ ናይ ምትህልላኽ’ከ ከመይ ጌርካ’ዩ ደራኺ ናይ ዞባዊ ምትሕብባር ክትከውን ትኽእል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ኣብ ዝተቀራረበትሉ ኩነታት ከም ዘላ ፍሉጥ እዩ። ናይ ሃገራት ስግረ-ዶባዊ ረብሓ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጸሓሉ እዋን ኢና እንርከብ ዘለና። እዚ ንመላእ ዓለምና ዝገዝኣ ጽልዋ ኮይኑ፡ ብዘለዎም ኣቀማምጣን ቁጠባዊ ረብሓን ዝያዳ ተበሃግትን ንውድድር ተመረጽትን ከባብታት እውን ኣለዉ። ሃገርና እትርከበሉ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ካብቲ ውዑይ መወዳደሪ ከባብታት ሓደ እዩ።
ንሕና ሃንደበት’ዩ እንብሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ግና ሃንደበት ዘይኮነ ንነዊሕ ግዜ ብድሕሪ መጋረጃ ዝተሓስበሉ ኣብዚ ከባቢና እስትራተጅያዊ ረብሓ ዘለዎም ሓይልታት ዝሃንደስዎ ዝብል ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ምዕራቕ፡ ኣካል ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ጸላዊ ከባቢ ናይ ምሽማው ወፈራ እዩ። እንተኾነ ኣካይዳ በዓል ኢሳያስ ምናልባት ደኣ በቶም መጻኢ ዕድል ህዝብናን ሃገርናን ዘይኮነ፡ ረብሓኦም ዘገድሶምን ዘቐድሙን ለኣኽቶም ተመጒሱ ይኸውን እምበር፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ኣይረኸበን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር መገሻ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያን ኣብ መአግሻኡ ዘቃልሖ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መርገጻቱ ሓያል ማዕበል ይኣክል ዘኸተለ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን ብፍላይ ሕጂ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምምልላስ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ንሓድነት ናይታ ሃገር ዝሃሲ ስለ ዝኾነ ተቐባልነቱ እንዳሃሰሰ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዘልዕል ዘሎ እዩ።
ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ በይና ደሴት ኮይና ክትነብር ምሕሳብ ካብ ህልዊ ኩነታት ምውጻእ እዩ። ስለዚ ምስ ሃገራት እትገብሮ ዝምድና ብድፍኑ ዝኹነን ኣይኮነን። እንተኾነ ኤርትራ ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይትመሓደረሉ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝተሓሳሰቡ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ብዘይብሉ ጉጅለ ኣብ እትምረሓሉ፡ ብጠቕላላ ህዝቢ ብዘይፈልጦን ግሉጽነት ብዘይብሉን ጉጅላዊ ኣዋጃትን ብዘይመረጾ ኣካልን ኣብ ዝመሓደረሉ ግዜ ዝግበር ዝምድና ስግኣት እምበር ምትእምማን ሒዙ ዝመጽእ ኣይኮነን።
ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብዚ ጸጸግዕኻ ናይ ምድላይ ሸበድበድ ተዋሳኣይ ምህላዉ ተደጋጋሚ መገሻኡ ናብ ኢትዮጵያ ሓደ ምልክት እዩ። ኣብቲ ኣካይዳኡ ኤርትራዊ ረብሓ ኣብ ክንዲ ዘቐድም፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዋና መሓርን ቀታልን ኮይኑ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” ምባሉ ከኣ ኣነቓቕልኡ፡ ኣብ ህልኽ ዝተመስረተ ንህዝቢ ኤርትራ መዓት ዝጐተሉ ምዃኑ ብሩህ እዩ። መራሒ ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንሓደ ከባቢ ካብታ ንሱ ዝመርሓ ሃገር ኢሳያስ ከም ዝጠፈአት እንዳ ኣወጀ ምጽቃጡ ነቲ እንጥርጥሮ ዘይቅዱስ ውዲትን ተለኣኣኽነት ኢሳያስን ዘብርህ እዩ። ናይቲ ዲክታተር በተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ፡ መስኖታትን ናይ ኢንዱስትሪ ፓርክታትን ብምዕዛብ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝሓዘሎ ሓደጋን ናይ ግዳም ተልእኾን ከም ዘለዎ ክነስተብህል ይግበኣና። ኢሳያስ ኣብ ሓደ ቃለ-መጠይቑ ነዚ ሎሚ ምምራሕ ሃገር መትሓዚኡ ጠፊእዎ ዘሎ ፕረሲደንት ኣሜሪካ “ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ዘበላሸዉዎ እዩ ዘዕሪ ዘሎ፡ ንሕና እውን ክንተሓጋገዞ ኢና” ዝበሎ መስርዑ ኣበይ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
መራሕቲ ሃገራት ምሕዝነታትን መኻይድን ኣብ ዝመርጽሉ ግዜ ረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ቀዳምነት ክሰርዑን ናይቲ መዛምድቶም ረብሓ እውን ኣብ ግምት ከእትዉን ንቡር እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድና ዲክታቶር ኢሳያስ ግና ስግኣት ኣብ ርእሲ ስግኣት ዝድርዕ እዩ። እቲ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ምሕላቕን ዘይምሕላቕንስ ይትረፍ እሞ፡ ብመሰረቱ እውን ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ኢሳያስ ብፖሊሲ እንካን ሃባን ኣብ ገለ ካብ ኤርትራዊ ረብሓ ሕድገት ገይሩ፡ ገለ ረብሓ ክኸስብ ዘይኮነ ንብምልእታ ሃገር ከረክብ እዩ ዝደናደን ዘሎ። እዚ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ኣብ ኤርትራ ከዳኽሮ ዝጸንሐ እምበር፡ ሎሚ ዘንቅሎ ዘሎ ሓድሽ ባህሪ ከምዘይኮነ ከነተኩረሉ ዝግበኣና እዩ።
ናይ ኢሳያስ ሃገር ናይ ምጥፋእን ምሕማስን ሃነፍነፍ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸንሐን ጋና ዝቕጽሎ ዘሎን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ምስቲ ንበዓል ሕቡራት ኢመራት ብምስጢር መሬት ሂብካ ወተሃደራዊ መደበራት ክምስርታ ምፍቃድን ግነዖት መዳልያታት ምቕባሉን ኣዛሚድካ ዝረአ እዩ። ኢሳያስ ናይዘን መሬት ኤርትራ ወሲደን መዳልያ ዝሃበኦን ብኣኡ ዝዓገባ ዘይመስላን ሃገራት ድሌት ንምርግጋጽ ክሳብ ኣብ ጉዳይ ሊብያን የመንን ዘርእዮ ዘሎ ተለኣኣኽነት እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ምስቲ ብዶ/ር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሽራኽ “ናይ ጸጥታን ወተሃደራውን ኣሰልጠንቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኹ ኣሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ከኣ ስም መሰልጠኒ መደበራት እንዳተጠቕሰ ኣብ ኤርትራ ይስልጥኑ ኣለዉ” ዝብሉ ሓበሬታታት ምጽራይ ደኣ የድልዮም እምበር “ክላእ እዝስ ዘይከውን እዩ” ኢልካ ዝስገሩ ኣይኮኑን።
ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ወገናት ነቲ ንዓለምና ኣዝዩ ኣሻቒልዋ ዘሎ ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ መዝሚዞም ፖለቲካዊ ጸወታታት የካይዱ ከም ዘለዉ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ገሊኦም ምርጫ የናውሑ፡ ገሊኦም ሕገመንግስቲ ይቕይሩ። ኢሳያስ ከኣ ካብ ቀደሙ ንሓደ ጉዳይ ብሓደ ተረኽቦ ደፊንካ ናብቲ ትደልዮ ኣቕጣጫ ናይ ምኻድ ሃብታም ናይ ምልኻዕ ተመኩሮ ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልእ ብዝገደደ፡ ዝኾነ ቀረብ ኣብ ዘየብሉ ንዝተወፈየ ገንዘብ ብዘይተቖጻጻሪ ኣብ ጅባኡ እንዳመለአ፡ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ኣደዳ ጥምየትን ጽምእን ኮይኑ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት ናብ ዝኾነት ስድራቤት ሓቲትካ ክረጋገጽ ዝኽእል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ ተሃወስቲ ጸጥታውን ወተሃደራውን ወረታት ይቀላቐሉ ምህላዎም ከኣ ኢሳያስ ብድሕሪ ወጥሪ ኮሮና-19 ተሓቢኡ ነቲ ቅድም ዝፈሓሶ ውዲት ዝያዳ የኽርሮ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ ጸብጺብና፡ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓትን ፍቕሪ ሃገርን ተኣማሚና፡ “ኢሳያስ ዝገበረ እንተገበረ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣይንቕነቕን እዩ” ምባልናኳ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እንተዘይኮነ፡ በዚ ከየራጠጥና “ከምቲ ኢሳያስ ዝሓልሞ ዘሎ እንተኾነኸ?”፡ ኢልና ክንጥርጥርን ንኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲና ክንዳሎን ናይ ግድን እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ምእንታኻ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ዝተሓተ ጽቡቕ ንዝወዓለልካ እውን ምምስጋንን ኣመስጊንካ ንኣመሰንገንቲ ምሃብን ግቡእ ስለ ዝኾነ ሰማእታትና ክንዝክሮም ግድን እዩ። ነቲ ምእንቲ ክብርኻ ዝሐለፈ፡ ኣበይን መዓስን ክዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም ዝቃወም የለን። ምእንቲ እቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ኣብ ልቦና ኩሉ ክሓድርን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዘማእክልን ንከኸውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕሉ ምኽንያታዊ መዓልቲ ምግባሩ ከኣ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቅዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ክኸውን ከኣ መተገበኦ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ኣብ ካልእ ጉዳያት መድረኽ እሂንምሂን ዘይተፈጥረ ኣብዚ’ውን ኣይተራእየን።
ዘይሩ ዘይሩ ግና እቲ ዛዕባ ረዚን ስለ ዝኾነ፡ መንን ስለምንታይ ወሲንዎ ብዘየገድስ፡ ሰማእታትና ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት ጥራይ ዘይኮነ ወትሩ ኣብ ሕልናና ስለ ዘለዉ 20 ሰነ ጓይላን ጃህራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሮም ምዝካራ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰዉኡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ሂቦም ዝሓሰብሉ ዝሰማምዕሉ እዩ። እቶም ናይ ድሕሪ ናጽነት ሰማእታት ክውሰኽዎ እንከለዉ ከኣ’ሞ እቲ ኣሃዝ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ርዱእ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እቲ መዳለዊ ባህሪኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ስለ ዝንጸባረቕ ባዕሉ ናይ ዝቐንጸሎም ሰማእታት መርድእ ንቤተሰቦም ኣይተነግረን። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት እውን፡ ብዘይካ ውሱናት ከምኡ ኣብቲ ጉጅለ ህግዲፍ ዝቐለሶ ዝርዝር ሰማእታት ኣይሰፈሩን። እንተኾነ ኣብ ዝርዝር ህግደፍ’ኳ እንተዘይሰፈረ፡ ታሪኽ ኩሎም ሰማእታት ኣብ ሕቑፊ ሃገሮምን ህዝቦምን ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ስዉእ ዘይወደቐላን ቅያ ዘይተሰርሓላን መዓልቲ ኣይነበረትን። ስለዚ ብግብሪኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ኩሉሳዕ መዓልቲ ሰማእታትዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይከውንን።
ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽባሕ ውድቀት ስርዓት ደርግ ብ20 ሰነ 1991 ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ዘስመዖ መደረኡ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ውድባት ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ዝብል መርዚ ይርከቦ። እቲ ንህዝቢ ምክፍፋል ከቢድ ገበን’ዩ ዝበሎ፡ መልእኽቱ ንናይ ምውዳብ መሰረታዊ መሰል ዝሕርም፡ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብ ወጻኢ ምስ ካልእ ምስላፍን ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስጓምን እዩ። እዚ ከኣ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ ዝቕጽል ዘሎ ጥልመቱ ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ሰማእታት ወግዓዊ መግለጺኡ ነይሩ።
ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ኣእዋም ብምትካል፡ ዓመት ተጸቢኻ ሽምዓ ብምብራህ፡ ንቤተሰቦም ብህዝቢ ካብ ዝተለገሰ ቁንጣሮ ናቕፋ ብምሃብ፡ ታሪኽ ጅግንነቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብምቅላሕን ብዘሕቆቅንቁን ዜማታት ንቤተሰቦም ብምንባዕን ጥራይ ዝጥበር ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረታዊ ትሕዝቶ ሕድሮምን ለበዋኦምን፡ ኣብታ ብዋግኦም ርእሳ ዘቕነዐት ኤርትራ፡ ሕገመንግስታውን ኣብዘሓ ሰልፋውን ስርዓት ክትከል፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደልዲሉ ረጊጹ ኣብታ ሓላል መሬቱ ብዘይስኽፍታ ዝባኑ ቀሊዑ ክልምዕ፡ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፡ ኮታ ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ንሰማእታቱ ሃገር ብምህናጽ ዝኽሕሰሉ ዘተኣማምን ሃዋህው ክፍጠር እዩ ነይሩ።
እቲ ብግብሪ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ዋላ ሓንቲ ካብ ሕድሮም ዘየኽብር ኩነታት ከኣ፡ ሓደ ጸረ ህዝቢ ባህርን ጸቢብ ረብሓን ዝኣከቦ ጉጅለ፡ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙን፡ ልዕሊ ህዝብን ሕግን ዘሽካዕልለሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ኣጽኒዑ ተማሂሩ ሃገሩ ክሃንጽ ዝነበሮም መንእሰያት ደቂ ስዉኣት፡ ገለን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ዝጠፍኣሉ ገለን ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ኣደዳ ብዙሕ ስቓያት ዝኾነሉ ኩነታት ኢና ንዕዘብ ዘለና። ብዙሓት ኤርትራውያን ወለዲ ሰማእታት፡ ደቆም ከፊሎም ብደቂ ስዉኣት ደቆም ዝሕብሓብሉ ዕድሎም ዝመኸነሉ፡ ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉ ጥልመቱ ሰማይ ዓሪጉ፡ ነታ ዋጋ ሰማእታት ዝኾነት ልኡላዊት ኤርትራ ክጣለዓላ ትንዕምንዕ ዝብለሉ፡ ኮታ ወያ ሳላ ደቃ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝተወፈዩላ፡ ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝነበረት ኤርትራን ህዝባን፡ ናይ ኩሉ ሕማቕ ምምሕዳርን ድኽነትን ኣብነት ኮይና ኣብ እትጥቀሰሉ ቀራና መንገዲ ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ንላዕሊ መግለጺ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ከኣ የለን።
“መራሒ ሃገር እየ” ስለ ዝበለ፡ ናብ ክሕደት ጉጅለ ህግዲፍ ዝያዳ ከነድህብ ንቡር እዩ። እንተኾነ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታትና ህግዲፍ ከም ጉጅለ ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ ተረከብቲ ሕድሪ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ሰማእታት “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ” እንዳበሉ ነታጒ ረጊጾም ቡንባ እንዳደርበዩ፡ ካብ የማነ-ጸጋሞም ዝሓለፉ፡ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ መቓልስቶም ዝያዳ ተረከብቲ ሕድሪ እዮም። ነዚ ረሲዖም ኣብ ጐኒ ህግዲፍ ኮይኖም፡ ብገንዘብን ጹሩራን ተዓሽዮም፡ ሕድሪ ሰማእታት ዘዕብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግዲፍ ዘለዉ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብዛዕባቶም “እቶ” እንዳበሉ ዘሰውእዎም ጀጋኑ፡ ነብሶም ክሓቱ ይግበኦም። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እቲ ረጊጽኩምዎ ዘለኹም መሬትን ጨቢጥኩምዎ ዘለኹም ዕጥቅን ካብ ሰማእታት ዝተረከብኩምዎ ምልክት ጽንዓቶም እዩ እሞ ሕድሮም እንተ ጠሊምኩም ዓጽሞም ከይወግኣኩም ሕሰብሉ። ውላዶም ወይ ናይ ቀረባ ሰቦም ምእንቲ ሃገር ሞባእ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ስድራቤታት፡ ምእንቲ ሓላፊ ጠቕሚ፡ ምስቲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ጉጅለ ክትመሓዘዉ እንከለኹም ክሳብ ክንደይ ካብቲ ሓቂ ርሒቕኩም ከም ዘለኹም እተስተብህልሉን ናብ ልብኹም እትምለስሉን ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣይትዘንግዑ።
ጉጅለ ህግዲፍ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ንቡር መንገዲ ሒዙ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር ክንጽበዮ ዘይኮነ ክንቀብጾ ይግበኣና። ስለዚ ሕድሪ ሰማእታትና መኺኑ ከይተርፍ፡ ብቃል ዘይኮነ ብግብሪ “ሰማእታትና ንሕና ኣለናልኩም ቅሰኑ” ናይ ምባል ሓላፍነትና ከነሕይል ይግበኣና። 20 ሰነ ክንዝክር እንከለና ከኣ ነቲ “ንሕና ንሓልፍ ኣለና፡ ንስኻትኩም ከኣ ሓደራ ንሕድርና ቀጽልዎ” ዝብል ቃሎም ድምጽና ኣበሪኽና ከነቃልሖን ብግብሪ ከነሰንዮን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ረዚን ዘይስገር ግቡእና እዩ። ነዚ ሕድሮም ዝጠለመ ህግዲፍ ነወግድ ክንብል እንከላና፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ፡ ሕድሪ ሰማእታትና ንኽብር ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ንጽባሕ ንጽበየሉ ዘይኮነ ሎሚ ቃልና ከነሕድሰሉ ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር”፡ (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ፡ ካብቲ ንኣህጉኡራዊ ዝምድና ዝምልከት መዳይ ዝተወስደ።)
መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ምርግጋጽ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝርዝር ድማ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲ፡ ቅሳነትን ሓቢርካ ምንባርን ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ምውሓስ ነይሩ። እዚ ሎሚ እውን ዘይቅየር እዩ። ነዚ ንምዕዋት ምስ ርኢቶና ዝመሳሰል ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢዶም ዘየእትዉን፡ ንሕና እውን ኣብ ጉዳዮም ጣልቃ ዘይነእቱ ኣካላት ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ክህልወና ዘይስገር’ዩ። ብኣንጻሩ ዕላማ ናይቲ ኣንጻሩ ተቓሊስና ናጽነት ዘውሓስና መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ወነንቲ መሰልና ዘይኮነ ተመጽወቱ ገይሩ ክድህከና እዩ ነይሩ። ነዚ ዕላማኡ ንከዕውት ከኣ ምስ ሓያሎይ ናይቲ መግዛእታዊ ሕልሙ ተረባሕትን ተኸላኸልትን ኣካላት ተመሓዝዩ። ድሕሪ መሪር ምርብራብ ከኣ ሓቀኛ ናይ መሰል ሕቶ ክስዕር ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተሓቶ ዋጋ ተኸፊሉ ብግብሪ ኮነ ብሕጊ ልኡላውነቱ ኣረጋጊጹ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ወሳኒ ቃልሲ ምስተጸምደ ከምቲ፡ “ጭራ ነብሪ ዘይምሓዝ፡ እንተሒዝካ ግና ዘይምስዳድ” ዝበሀል፡ ዋላኳ እቲ ኩነታት ጽንኩር እንተነበረ ክምህ ኣይበለን። እቶም ኣብ ምርግጋጽ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ረብሓኦም ዝጐድል ኣካላት ኣብ ልዕሊኡኳ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ እንተፈጸሙ፡ እቲ ናጻ ክወጽእ ዝሓረነ ህዝቢ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ኣይጠመተን። ሳላ ክንድኡ ዝጸንዐ ከኣ ነቲ ሎሚ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡን ንድሕሪት ክመልስዎ ዝመጣልዕሉ ዘለዉ ግና ዘይኮነሎም፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ጽኑዕ ባይታ ኣትሒዝዎ ኣሎ። “ሕድሪ ስዉኣተይ ጠሊሙ ነዚ ክብረይ ዝነቕነቐ ወይልኡ” ዝብል ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ከኣ ከም ቀደሙ በብኩርናዑ የድምጽ ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዓወትዚ ከመዝግብ እንከሎ፡ ኣብቲ መስርሕ ገለን ካብ ርሑቕ ገለን ድማ ካብ ቀረባ ዝተፈላለዩ መልከዓት ሒዞም ክኸፋፍልዎ፡ ዝህቅኑ ፈተነታት ኣጋጢመሞ እዮም። ናይ ሎሚ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ እውን መቐጸልታ ናይቶም ብምክፍፋል ህዝቢ ኤርትራ ክዕንገሉ ዘንባህቑን ንምዕዋት ደገደገ ዘማዕድዉን ወገናት እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራውን ከባብያውን ብዙሕነቱ ንፋስ ከየውቀዐ ሳላ ዝምክት እቶም ናይ ቅድም ኮነ እዞም ሓደስቲ መንበሃቚቲ ክዕወቱ ማለት ዘበት እዩ። እቲ “ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ፡ ንውዲት ጸላኢ ኣይትሃቦ ዋጋ” ዝብል ኤርትራዊ መዝሙር ከኣ ንኹሉ ኣፍራሲ ተጻብኦታት ጥሒሱ ህያው ኮይኑ ክቕጽል እዩ።
ህዝብና ንዘንበረሉ ሕድሪ ጠሊሙ፡ ንመስዋእቲ ጀጋኑ ከዲዑ፡ ንምሕጽንታን ስምዕታን ህዝብና ጸማም እዝኒ ሂቡ፡ ኣዝዩ ጸቢብ ጉጅለ ረብሓን ጥልመትን ደኲኑ ዝብድለና ዘሎ ህግዲፍ እዩ። እዚ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምብዳልን ብዋጋ ጀጋኑ ዝተመዝገበ ልኡላውነት ንምጥላምን ዝተዓጥቀ ስለ ዝኾነ፡ ብውሁድ ቃልሲ ጥራይ እዩ ዝሰዓር። ምኽንያቱ ተረዲኡ፡ ሓሲብሉን ግዜን ኩነታትን ኣጽኒዑን ንዝጠለመ፡ ኣረዲእካ ናብ ንቡር ክትመልስ ምሕላን “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል” ስለ ዝኾነ። ህግዲፍ በሓቲ ህልውናኡ ንምርግጋጽ ኩሉ ቅዱስን ርኹስን መንገዲ ካብ ምጥቃስ ንድሕሪት ከምዘይብል ኣጽኒዕና ክንሕዞ ዝግበኣና ግንዛበ እዩ። እቲ ሓደ እዋን ነታ ኣንጻር ኤርትራዊ መግዛእቲ ትቃለስ ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምጥፋእ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ፈጢርዎ ዝነበረ ኣብ ታሪኹ ብጸሊም ዝጸሓፍ ምሕዝነት፡ ሎሚ “ክቱር ፍቕርስ ክቱር ጽልኢ ፈጠረ” ከም ዝበሃል፡ ኣበይ በጺሑ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ነዚ ዘይቅዱስን ዋጋ ዘኽፈሎን ተመኩሮ፡ ንናይ ታሪኽ መወከስን ከይድገም መለበምን እምበር ሎሚ ንቕድሚት ኣምጺኡ ዝዓየሉን ዝጸባጸበሉን ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግዲፍ ከምቲ ዓሳ ካብ ማይ ወጻኢ ክነብር ዘይክእል፡ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ዘየብሉ ህዱእ ሃዋህው ክነብር ከም ዘይክእል ብተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እዚ ንስለ ምባል ዝበሃል ዘይኮነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረኣይ ዘሎን እዩ። እቲ በብግዜኡ፡ ናብ ጐንጺ ዘየብጽሕ ምኽንያታት ብምጽሕታር፡ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብትና ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ፡ ንህልውናኡን ልኡላውነት ኤርትራን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ ስዕረት ዝሓፈሰሉ ውግኣት፡ ብዘይካ ትዕቢቱ ምስ ረብሓ ህዝቢ ዝምድና ዝነበሮም ኣይኮኑን። እዚ ጉጅለ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ምስቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘነበረ ኢህወደግ ብሓፈሻ፡ ምስ ህወሓት ከኣ ብፍላይ ክቱር ፍቕሪ ከም ዝነበሮ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። እንተኾነ ነቲ “ከም ሓው ተፋቐር፡ ከም ጓና ከኣ ተሓሳሰብ” ዝብል ናይ ምክእኣልን ሓቢርካ ምርባሕን ዝምድና ስለ ዘይበቕዖ፡ ኣብ ውግእ ኣትዩ፡ ብሳዕቤን’ዚ ውግኣት ከኣ ሰፊሕ ክፋል ህዝብና ግዳይ ኮይኑ።
እዚ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ከይርዳእ ዝተረደአ ትዕቢተኛ ምዃኑ ከም ርዱእ ንውሰዶ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ሎሚ እውን ንኤርትራዊ ኣጀንዳ ብዘይትግበር ቃላት እንዳ ጓሰየ፡ ደገደገ ምምዕዳው ኣይገደፎን። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብጉልባብ ምሕላው ልኡላውነት፡ ካብ ውድዕነት ንምህዳም ዘካይዶ ሽሕጣን ሎሚ እውን ኣየቋረጾን። ቅድሚ ሕጂ ምስ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ዘይነበሮ ውግኣት ከፊቱ ህይወት ብዙሓት ከከላብትን እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተገረሀ ኩልና እንሰማማዐሉ እዩ። እዚ መታለሊ ጉጅለ ሎሚ እውን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ካልእ ውሕልነት ስለ ዘየብሉ፡ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ዓምጣሪ ተግባሩ ኣይወጽአን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ዝሓለፎ ተመኩሮ መዚኑ፡ ኣነ የለኹሉን ክብል ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቲ ጌጋ ኣብቲ ህዝቢ’ውን ከም ዘሎ ክእመን ይግበኦ።
ኢሳያስ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሓትት፡ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ንዕዘብ ዘይኮነ፡ ናትና ኢልና ኢድና ከነእቱ ኢና” ክብል ሰሚዕናዮ ኣሎና። እዚ ዘይውሕሉን ዘይሓላፍነታውን ኣበሃህላ ንብዙሓት ኣዛሪቡ እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ከኣ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ ከሻቕለናን ብጽሞና ክንሓስበሉን ናይ ግድን እዩ። ኣዝዮም ውሱናት ካብ ናይ ጽልእን ቅርሕንት ታኸይላ ክወጹ ዘይከኣሉን ኪኖ ኣፍንጨኦም ዘይሓስቡን፡ ኤርትራውያን ነቲ ኣበሃህላ ከም ናይ ጅግንነት መምዘኒ ወሲዶም “ኣይበልናኩምዶ ሰብኣይ ናይ ልቡ ከይገበረ ዝድቅስ ኣይኮነን” ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ክንሰምዕ እንከለና፡ እቲ ናይ ኮቪድ-19 ጥራይ ዘይኮነ ናይቲ ዲክታቶር ናይ ኣተሓሳስባ ቫይረስ’ውን ናይ ምምካት ድርብ ሓላፍነት ከም ዘለና ክንርዳእ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ውያን “ኢድ ምትእትታው ዘይኮነ፡ ምትሕግጋዝ’ዩ ዘርብሓና”።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክፈርስ ከሎ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተን ክረኽባ ከለዋ፡ ኤርትራ ግን ነዚ መሰል'ዚ ኣይተዓደለትን። ናይቲ እዋን'ቲ ጎብለል ሃገራት ጠቕመንን ጠቕሚ መሻርኽተንን ልዕሊ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ገይረን ስለ ዝረኣየኦ፡ ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምሳል፡ "ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኢዩ ዝሕሻ፡ በይና ክትነብር ዓቕሚ የብላን" ብዝብል መመኽነይታታት ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረንን ኣብ መወዳእታ ድማ ከምትጉበጥ ገይረነኣ። እዚ ኣብቲ እዋኑ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ነይሩ፤
ኤርትራ ናይ ዓለምና መዘራራቢት ኣጀንዳ ዝኾነትሉ ኣጋጣምታት ብዙሕ እዩ። እቲ ኣዛራብነታ ንሓንሳብ ከም ናይ ጽቡቕ ኣብነት ይኸውን ንሓንሳብ ድማ ከም ናይ ሕማቕ መርኣያ ኮይኑ ክቀያየር ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ናጻ ወጺኣ፡ ብውሳነ ህዝባ ልኡላዊት ኮይና ባንዴረኣ ኣንበልቢላ ኣብ መዝገብ ሕቡራት ሃገራት ምምዝጋባ፡ ናይ ጽንዓት፡ ትብዓትን ተወፋይነትን ኣውንታዊ ኣብነት ኮይና ኣዛሪባ ቀልቢ ብዙሓት ተመራመርቲ ስሒባ። እዚ ዘረጋግጾ ሓቂ እንተሊዩ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናቱ ሓይሊ ንላዕሊ፡ ኣዚዩ ዝተዓጻጸፈ ዝሰዓረ፡ ኣብ ሰላም ርእሱ ክመርሕን ከማዕብልን ከሸግሮ ዝኽእል ነገር ከም ዘይህሉ ኢዩ።
እንተኾነ ግና ብሰንክቲ “እመርሓ ኣለኹ” ዝብል ብግብሪ ግና ሃገር ኣብ ምብራስ ዝዓዪ ዘሎ፡ ሃሰስ ኢልካ ኣወንታ ዘይትረኽበሉ ዝተጐርበሰ ጉጅለ፡ ናይ ሕማቕን ሕሰምን መዛረቢት ሞዴል/ቅዲ ኮይና። እቶም ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዝደርሱን ዝመራመሩን ወገናት ዝበጽሕዎ መደምደምታታት ዝተፈላለየ ደረጃን ክብደትን ዘለዎ ኮይኑ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝትኡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ዝሕብር እዩ። ከከምቲ ውጽኢት ምርምሮም ዝመርሖም ከኣ፡ “ኣብ ቀራና መንግዲ ዘላ፡ ዝቖሰለት፡ ዝፈሸለት …….. ወዘተ ሃገር” ኢያ ክብሉ ይመዝንዋ። ነስተውዕል እቲ ሓደ ግዜ “ኣይኮነንዶ ሰባ እምና’ውን ዝዋጋእ” ዝብል ዝነበረ ጽንዓትን ብሩህ ተስፋን ኤርትራ እዩ ናብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሚዛን ወሪዱ ዘሎ። ገለ ካብቶም ነቲ ንኤርትራ ናብዚ ኣዝዩ ዝሓመቐ ደረጃ ኣውዲቕዋ ዘሎ መሰረታዊ ጠንቂ ኣድቂቖም ዘይረኣይዎን ምናልባት እውን ፍሉይ ሕሳብ ስለ ዘለዎም ኮነ ኢሎም ዝሰግርዎን፡ ናይ ኤርትራ ዋሕዲ ህዝቢ፡ ዕሸልነት ተመኩሮ ህዝባ ኣብ ምምሕዳር ልኡላዊት ሃገርን ዘይእኹል ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ከም ጠንቂ ናይዚ ትሓልፎ ዘላ ሃለዋት ኣምሲሎም ዘቐልቅልዎ ዘይቅቡል መጐት ኣሎ። ምስ እዚ ኩሉ ግና ዕምቆታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ናይ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፍራሲ ተግባራት ጓስዮም ዝሓልፉስ የለዉን።
ንህልዊ ወድዓዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዳህሲሶም ኣዕሚቖም ዝመምዩ ርትዓውያን ወገናት ግና፡ መደምደምታኦም ብሱልን ኣብ ዙርያ “ህግዲፍ እምበር፡ ኤርትራ ኣይፈሸለትን ” ዘትክልን ንዓኡ ዘዕሙቕን ዘስፍሕን እዩ። ኤርትራ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ዘይሕገምንግስታዊ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዓመጸኛን ሸፋጥን ባህርያት ናብዚ ሕጂ ዘላቶ እንተዘየውድቓ፡ እቲ ፍሽለት ዝበሃል እሞ ይትረፍ፡ ልኡላዊትን ብልጽግትን ሃገረ ከይትኸውን ዝዕንቅጻ ተፈጥሮኣዊ ህያብ፡ ዘይምቹእ ኣቀማምጣ ኮነ ተጸባይን ሃካይን ህዝቢ የብላን።
ኣብዚ እቲ ፍሽለት ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ፍሽለት ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ጥቓኣ ዘይቀርብ ምዃኑ ንምብራህ ንክሕግዝ፡ ኤርትራ እኹል ቁጽርን ህርኩትን ህዝቢ ኣለዋ፡ ምስቲ ቁጽሪ ህዝባን ስፍሓታን ዝመጣጠን ንሕርሻ ዝኸውን ስቡሕ መሬትን፡ ንምርባሕ እንስሳን ምግራብን ዘብህግ ከባብን ትውንን፡ ኣብ ዓመት ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ሓሪስካ ምህርቲ ምሕፋስ ዘኽእል ዝተፈላለየ ክሊማ ይነፍሳ፡ ምልክታቱ ይረአ ከም ዘሎ ዕቑር ናይ ማዕድን ሃብቲ ኣለዋ፡ ምስቶም ውሑዳት ኣብ ዓለምና ዘለዉ ሰሓብቲ ገማግም ዝወዳደር ባሕሪ ምስ ወደባቱ፡ ወሳኒ ናይ ንግዲ ኣሳላጥነቱን ዝተፈላለዩ ሃብቲ ማዩን ኣለዉዋ። ስለዚ ኤርትራ ነዚ ጸጋ'ዚ ሒዛ ምስ ጥዑይ ምምሕዳር እቲ ፍሽለት ጥቐኣ’ውን ከም ዘይሓልፍ ርዱእ እዩ። ነዚ ጸጋ'ዚ ወኒና ምስ ህዝባዊ፡ ሕገ-መንግስታውን ትካላውን ምምሕዳር “እቲ ርእሳ ኣይትኽእልን” ዝብል'ሞ ንረሰዓዮ፡ ንህዝባ ኮይና ንካልእ ክንዲ ህዝባ ዝኸውን እትዕግልን ናብ ዝያዳ ዕቤትን ምዕባለን እትስጉምን ሃገር ዘይትኾነሉ ምኽንያት የለን። ነዚ ተገንዚብካ ብርትዓዊ ሚዛን እቲ ፍሽለት ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ ብሩህ እዩ።
ናይ ህግደፍ መግለጽታት ፍሽለት ብዙሓት እዮም፡ ካብኣቶም፡ ብዘይ ሕገ-መንግስቲ ዝመርሕ ዘይኮነስ ዝገዝእ፡ ንኤርትራዊ መንእሰይ ምስምሳት ብምፍጣርን ህውከት ብምጽሕታርን ብዘይ ክፍሊት ኣብ ባርነት ኣውዲቑ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ምዝመዛ ዘካይድ፡ ናይ ኣብ ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምምላኽ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰላት ዝእግድ፡ ደርሆ ጻሕቲራ እትረኽቦ ውዲት ምሂዙ “ደጊም ናብ ንቡር ተመሊስና ውሽጣዊ ኣሰራርሓና ነመዓራሪ፡ ኣብ ደጋዊ ተረኽቦታት ምሕባእ ይኣክል” ስለ ዝበሉ ንዝኣሰሮም ኣብ ቤት ፍርዲ ዘየቕርብ፡ ብቤተ-ሰቦምን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ወሲኽካ ብዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ከይብጽሑ ዝሕንግድ፡ ህዝቢ ብገዛእ ገንዘቡ ኣብ ወርሒ ካብ ባንኪ ዘውጽኦ ገንዘብ ብመቑነን ዝቐጽዕ፡ እቲ ድሕረትን ድንቁርናን ናብ ወለዶታት ምእንቲ ክመሓላለፍ ዩኒቨርስቲ ዝዓጹ ምዃኑ ናይ ምፍሻሉ መርኣያታት ኢዮም
ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ነቶም ተቐበልቱ እውን ብዘደንጸወ ናይ ፍኹሰት ኣካላዊ ምንቅስቓሳት፡ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ እንዳነጠረ፡ “ምሳኹም ኢና እምበር ነናትና ሃገራት እንብሎ የብልናን”፡ ደሓር ከኣ ኣብቲ ምሳኹም ዘካየድናዮ ውግእ ኣይከሰርናን…..ወዘተ ምባሉ ካብ ፍሽለት ሓሊፉ እንታይ መግለጺ ቅጽል ክውህቦ ይኽእል? ምናልባት ነዚ ዘይርጉእ ኣካይዳኡን ጽላለኡን “ናይ ምሕያሉ ምልክትዩ እዩ'ዶ ሜላ እዩ” ኢሎም ከመላኽዕዎ ዝደልዩ ኣካላት እንተልዮም፡ ንሳቶም እውን ምስኡ ሓቢሮም ይፈሽሉ ከይህልዉ ኣብ ጽምዋ ኮይኖም ነብሶም ክሓቱ ይግበኦም። ናይ ገዛእ ርኡሱ ጸወታ ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ክርዳእ ዘይከኣለ፡ ናብ ናይ ካልኦት ጸወታ እናኣማዕደወ “ጸወታ ተወዲኡ (Game is over)” ክብል ዝሰምዐ ኣካል ኢሳያስ ከም ዝፈሸለ ክርዳእ ኣይጽገምን።
ደራሲ ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2020፡ “ከኣደባባይ ባሻገር፡ የኢትዮጵያ ፖለቲካ ተስፋና ስጋቶች/ ኪኖ’ቲ ኣደባባይ፡ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ተስፋን ስግኣታትን” ብዝብል ኣብ ዘሕተምዎ መጽሓፍ፡ ንካልእ ደራሲ ዳንየል ቢል ጠቒሶም ኣብ ዘስፈርዎ፡ ካብ ህዝቢ ቻይና 85% ኣብቲ ሃገሮም ዝሓዘቶ መንገዲ እምነት ኣለዎ። ኣብ ኣሜሪካ 26%፡ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ 19% ካብቲ ህዝቢ እውን ከምኡ መንግስታቶም ንዝመርጽዎ መንገዲ ይኣምንዎ እዮም” ይብል። እሞ ኸድኣ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይካቶም ግዝያዊ ንዋትን ስልጣንን ኣስዲዕዎም፡ እቲ ጉጅለ ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ከይተረድኡ “ንኺድ ጥራይ ምሳኻ ኣሎና” ዝብልዎ ሒደት ባዕሉ እውን ክጸልኦም እንከሎ “መዋቓዕቲ” ዝብሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ መንግዲ፡ ኣይኮነንዶ ክኣምኖ ዘይፈልጦ ምዃኑ፡ ብዘይካ ብፍሽለት ብምንታይ ክግለጽ ይከኣል።
ስለዚ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ናይ ፍሽለት ምልክታት፡ ናይታ ነባሪት ኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ፡ ነቲ ጽባሕ ብቃልሲ ቁልቁል ኣፉ ዝድፋእ ህግዲፍ ዝምልከት እዩ። ኤርትራ ምስ ህዝባ ናብቲ ፍሽለት ብጥቓኡ ዘይሓልፍ ክቡር ቦታኣ ንክትምለስ እምበኣር፡ ነቲ ናይ ፍሽለት ቫይረስ ዘራብሕ ጉጅለ ምውጋዱ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዝተወደበ ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ግዜ ዘይህብ ዕማም ምዃኑ ንካልኢት’ውን ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ መበል 29 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ እንዝክርላ ዕለት፡ 24 ጉንበት 2020 በጺሕና። ነዛ ዕለት'ዚኣ ክንዝክር እንከለና፡ መጀመርያ ዝዝከሩ እቶም ክቡር ሂወቶም ከፊሎም ሃገራዊ ናጽነት ዘውሓሱ ጀጋኑና እዮም። ንዓኣቶም ክንዝክር እንከለና ብጅግንነቶም ንሕበንን ነመስግኖምን። በቲ ካልእ ሸነኽ ግና፡ እቲ ንሳቶም ዝተሰውእሉ ዕላማ ተጨውዩ፡ ኣብ ጠቕሚ ዉሑዳት ክውዕል ክንርኢ እንከለና ንሓዝን። ነዚ ዝሓለፈ ናይ 29 ዓመታት ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ክንመዝኖ እንከለና ከኣ “እምበርዶኸ እቲ ናብ ናጽነት ንምብጻሕ ዝተኻየደ መሪር ቃልስን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን ንረብሓን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ?” ዘየብል ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረታዊ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ናይ ናጽነት ዓመታት ምስቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘሕልፎ ዝነበረ ሕሰም ክነጻጸር እንከሎ ዘይሓይሽ፡ ወረ ኣብ ገሊኡስ ዝሓሰመ ግዜ እዩ ነይሩን ዘሎን ዘብል እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪር ኩነታት ዝነብር ዘሎ፡ ከምቲ ገለ ካብ ቀደም ናጽነትና ዘይተዋሕጠሎም ዝሓስብዎ "ኤርትራ ነብሳ ኣይትኽእልን እያ" ዝብል ዘይኮነ፡ ነቲ ብክቡር ዋጋ ዝተረኽበ ናጽነት፡ ሞሳ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ዘንጸባርቕ ሓላፍነታዊ መሪሕ ኣካል ዘይምርካቡ እዩ። ናጽነት ባዕሉ ግና፡ ጠንቂ ሕሰምና ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዘይኮነ ኢና ድማ፡ ብናጽነትና እንሕበንን ብማንም ከይድፈር ከም ብሌን ዓይንና እንከላኸለሉን። እምበኣር፡ ሎሚ’ውን “ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትና ወትሩ ህያው’ዩ” ኣሞ፡ ኣብ ዓድን ወጻእን ንዘሎ መላእ ህዝብና “ዮሃና እንኳዕ ኣብጸሓካ ኣብጸሓና” እንብሎ።
ናይ ሎሚ ዘመን መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምተን ናይ ቅድሚ ሕጂ በዓላት ናታ መለለይ፡ ስግኣታትን ተስፋታትን ኣለዋ። ልዕሊ ኩሉ እቲ ንመላእ ዓለም ኣጨኒቑ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ጌና ናይ ስግኣት ደበናኡ ኣንጠልጢሉ ኣብ ዘለወሉ ኣስጋኢ ህሞት ኢና ንዝክራ ዘለና። ስግኣት ህዝቢ ኤርትራ ግና እዚ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ህዝብና ንናጽነቱ ንዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ጠሊሙ፡ ብኢደወነኑ ንዝሓለፈ 29 ዓመታ ኣብ ስልጣን ተኾዲጩ ዘሎ በላዒ ሰብ ጉጅለ ክወርዶ ዝጸንሐ ውርደትን ዓመጽን መመሊሱ ዝውስኽ እምበር ናይ ምንካይ ምልክት ኣብ ዘየርኣየሉ ኩነታት ኢና ቅነ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነትና ንርከብ ዘለና።
ብኣንጻሩ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓትን ዲክታትርነትን ምልክን ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ተኪእካ፡ ኤርትራን ህዝባን እቲ ተሓሪምዎም ዘሎ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ናጽነታትን ንክውንኑ ዘካይድዎ ቃልሲ ኣብ ዘበረኽሉ ደረጃ ምብጻሕና ተስፋ ኣብ ዝህብ ኩነታት ምህላውና ዘመልክት እዩ። በብዘለኻዮ ምልዕዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ “ኣብ ክንዲ በበይንኻ ብሓባር፡ ኣንጻር ህግዲፍ ምቅላስ” ዝብል ኒሕ እውን ብኹሉ ወገናት ቆላሕታ ረኺቡ ኣብ ደሓን ደረጃ ምድያቡ ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ትስፉው ምዕባለ እዩ። ስለዚ ንናይ ሎሚ ዘበን መዓልቲ ናጽነት ብስግኣታትን ተስፋታትን ኢና ንዝክራ ዘለና።
ናጽነት ኤርትራ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝብጸሖ ክብሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዋጋ ዝኸፈለሉ እዩ። እቲ ሓቂ፡ እቲ ውሑዳት መራሕቲ ጉጅለ ኢሳያስ ብሒትካ ንምግዛእ ንክጥዕሞምን ንመገዛእታዊ ኣታሓሳስባኦም ምኽኑይ ንምምሳልን፡ ናጽነት ኤርትራ ብናይ ውሱናት ወገናት ከም ዝመጸ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ዘይኮነ፡ ከምቲ ኣብ መቕድም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) “ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ብ1961 ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ዝተባርዐ ነዊሕ ሓርበኛዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ብ24 ግንቦት 1991 ብወሳኒ ተራ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ሃገራዊ ናጽነት ጋህዲ ኰነ።” ብዝብል ኣስፊርዎ ዘሎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብዓድን ብበረኻን መምስቲ ዝመረጾ ውድብ ተሰሊፉ ከከም ክእለቱ ናይ ዘበርከቶ ውጽኢት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ከምዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸግም ናይ ህይወትን ንብረትን ዕንወትን ምዝንባልን ዘኸተለ ዝተናውሐ ቃልሲ፡ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እንከሎ፡ ደሓር እውን ኣብ ወርሒ ማዝያ፡ 1993 ኣብ ዘካየዶ ውሳነህዝቢ (ረፈረንደም)፡ ብኣዝዩ ልዑል ድምጺ “እወ ንናጽነት” ዝበለ፡ ኣብታ ዘውሓሳ ናጻን ልኡላዊትን ሃገሩ ትጽቢት ነይርዎ እዩ። ትጽቢቱ ድሕሪ ናጽነት ሰፊሕ ዝርዝር ዝነበሮ ኮይኑ፡ ክጠቓለል እንከሎ “ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ዝብል ሓሳብ ዝተረጋገጸሉ፡ ሰላምን ዕቤትን ዝሓቑፍ ዘተኣማምን ሃዋህው ንፍምጣር እዩ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ ዝተጸበዮ፡ ራህዋን ሰላምን ዘዑቁብ፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ዘውሕስ መንግስቲ ስለ ዘይተዓደለ፡ ነዚ ንዕዘቦ ዘለና፡ ኣብዚ መዋእልዚ “ኣብ እገለ ሃገር ተራእዩ” ንዘይበሃል ኣበሳ ተቓሊዑ ኣሎ። እቲ ቀጻሊ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ፡ ነዚ ኣብዚ ጻማኡ ዝተነፍገ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ንምዕጻፍ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ እዚ ሃገርናን ህዝባን ንሓልፎ ዘለና ጸገም፡ ብግቡእ ብሰንኪ ዘይምርዳእ፡ ወይ ቃልሲ ነዊሑካ ብምርብራብ፡ ጠንቁ ናጻ ሃገር ብምዃና ከም ዝመጸ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ንክብሪ ናጽነትን ነቲ ኣብኡ ንምብጻሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተኸደ መስርሕን ብምርኻስ፡ ናብቲ ፈቲንናዮስ ዘየርበሓናን ዘየዋጽኣናን ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣንጻሩ ተቓሊስና ዝሰዓርናዮ መግዛእቲ ክመልሱና ዝደናደኑ ዝንባለታት ይቀላቐሉ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ናብ ናይ ዘበን እኒ-እኒ ነበረ'ያ ነበረ ታሪኽ ተመሊሶም፡ ብዘብለጭልጭ ኣስማት ኤርትራዊ ሓድነትና ኣፍሪሶም፡ ንገሌና ብሄር ንደቡብ ንገሌና ቋንቋ ከኣ ንምዕራብ ክበታትኑና ይቕረ ዘይበሃሎ ትንዕምንዕ ዝብሉ ኣለዉ። ናይዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ናይ ዲክታተር ኢሳያስ ጸፋዕፋዕን ምዕልባጥን እውን ነዚ ዘራጉድ እዩ። እዚ ንድሕሪት ዝጥምት ዝንባለ ካብቲ ኣንጻር ኢሳያስን ጉጅለኡን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብዘይንእስ ክንምክቶ ዝግብኣና እዩ።
ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንድሕሪት እንዳጠመትና፡ ናይ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት፡ ጅግንነትን ተሳትፎን፡ ናይ ናጽነት ክብርን ክብደትን፡ ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ በደላት እንዝርዝረሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ እንዳማዕደና “ኣብ መጻኢኸ እንታይ ንግበር?” ንዝብል ቀንዲ ቆላሕታ እንህበሉን ቃል እንኣትወሉን እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ነቲ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ቃልሲ ምሕያልን ምጽናዕን እንተዘይኮይኑ ሓድሽ ንጅምሮ ቃልሲ የብልናን። ናይ ቀረባን ቀዳማይን ዕማምና ንጉጅለ ህግዲፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምውጋድ እዩ። እቲ ድሒሩ ዝመጽእ ከኣ ልኡላውነት ኤርትራ ዓቂብካ፡ ኣብ መቓብር'ቲ ዝተወገደ ጉጅለ፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ህዝባዊ፡ ዲሞክራስያውን ብዙሕነታውን ስርዓት ምትካል እዩ። ነዚ ኣብ ምዕዋት እቲ ቀንዲ እጃም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሓላፍነት ኮይኑ፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ካለኦት ውዳበታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ መስርዕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘለና ኣካላት፡ ባህርን ተልእኮን ውዳበታትና ብዘፍቅደልና ብሓባር ክንሰርሕ ዘለና ድልዉነት ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከነሕድሶ ይግበኣና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ ከም ወትሩ፡ መጻኢና ትስፉው ክኸውን እናተመነየ፡ ነቲ ኣብ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ ቀንዲ መሳሪሕና ዝኾነ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ፡ ንድሕሪት ብዘይምለስ ኣብ ምዕዋት ቃልሱ ኣሕይሉ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቃሉ የሕድስ።
24 ጉንበት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንዘለኣለም ትንበር!
ዘለኣለዊ ክብርን መጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሎሚ’ኳ መንቀልን ሸቶን ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝተነጸረ፡ ኣብ እንታይነቱን ከመይነቱን ዝቐርብ ብዙሕ ሕቶ የለን። ቅድሚ 29 ዓመታት ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራን ውድቀት ደርግን ግና፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ናይ ሽዑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ ሎሚ ህግዲፍ መሰዋእትን ሕድርን ደቀይ ክሒዱ ክጠልመኒ እዩ”፡ ዝብል ስግኣት ስለ ዘይነበሮ፡ ነቶም ካብ መጀመርታኡ ካብ ተመኩሮ ብዘዋህለልዎ ኣፍልጦ፡ ተወዲቦም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ኤርትራዊ ኣካላት፡ “ሎሚኸ ቃልሲ ተወዲኡ እንከሎ፡ እንታይ ደልዮም እዮም ደገደገ ዝብሉ ዘለዉ፡ ብመንግስቲ ዝተዋህቦም ምሕረት ተጠቒሞም፡ በብውልቆም ተማእዚዞም ዓዶም ክኣትዉዶ ይጽውዑ ኣየለዉን?” ዝብል ሕቶ ይቐርቦም ነይሩ እዩ። ቀንዲ ዕማም ናይቶም ካብ ሸዑ ጀሚሮም ኣንጻር ህግዲፍ ዝተሰለፉ ወገናት ግና “እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ዝተታሕዘ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ንናጻን ሓዳስን ሃገረ-ኤርትራ ዘይምጥንን ንፍረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘየውሕስን ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ ናይ ለውጢ ቃልሶም ቀጺሎም።
ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ቀንዲ ዕላማ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ መንቀልን ሸቶን ቃልሶም እንታይ ምንባሩ ምብራህ እዩ ነይሩ። ኣብቲ መስርሕ መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ምንጻር ዝሕግዙ ምዕባለታት ብክልተ ሸነኻት ክገሃዱ ክኢሎም። እቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቲ ዘይሕለል ጽዕጹዕ ጐስጓስ ብዛዕባ ጸረ ህዝቢ ባህርያትን ኣተሓሳስባን ጉጅለ ኢሳያስ ናይ ምርዳእ ጻዕሪ ናይቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝቃለሱ ዝነበሩን ዘለዉን ኤርትራውያን ውዱባት ኣካላት ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምምሕዳር ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ሓቢእዎ ዝኸይድ ዝነበረ ጸረ ህዝቢ ባርያቱ በብእዋኑ እንዳተቓልዐን እናተጋህደን ክመጽእ ክኢሉ። ብትእዛዝ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማይ ሓባር መሰሎም ዝሓተቱ ናይ ውግእ ሓርበኛታት ምስተረሸኑ፡ እቲ ተግባር ህዝቢ ዘሰንበደ፡ ዘቖጠዐን ንኣረሜንነት ኢሳይስ ዘቃልዐን ፍጻመ ነይሩ።
እዚ ናይ ክልቲኡ ኣቕጣጫታት ተረኽቦ ተደሚሩ ከኣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ “ክሳብ ተኣምን ኪድ ካብ ዘይትኣምን ተመለስ፡ እዚ ሰብኣይ በዓል ደሓና ኣይኮነን” ዝብል ግንዛበ ሰሪጹን ኣስፋሕፊሑን። መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነትን ልኡላውነትን፡ ወጽዓን ጭቆናን ናይቲ ኣብ ናጽነት ክሕባእ ዝፈተነ ትዕቢተኛ ጉጅለ ምንባሩ ከኣ ብብሩህ ተራእዩ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ክነሱ፡ ህግዲፍ ነቲ ሓቂ ከይርእዩ ብትዕቢትን ትምክሕትን ዘዕወሮም “ርእዮም ከምዘይረኣዩ” ክኾኑ ዝፈተኑ ኣዝዮም ውሑዳት ኤርትራውያን ኣይነበሩን ሕጂውን የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቲ ተመሊሱ ተስፋ ዝህብ ግና ካብዞም ተዓሽዮም “ወሰደየ ወዲ ኣፎም በዓል ስረ” ዝብሉ ዝነብሩ፡ ሎሚ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ተሰሊፎም ይቃለሱ ምህላዎም እዩ።
ቃልስና ንጹር መንቀሊ ካብ ሃለዎ፡ ዘዕውቶ ሸቶ ወይ መዓርፎ ክህልዎ ከኣ ባህርያዊ እዩ። በዚ መሰረት ናይዚ መመሊሱ ዝጉህር ዘሎ፡ 2ይ ምዕራፍ ቃልስና ሸቶ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ምዕቃብ፡ ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምውጋድ፡ ድሕሪ ውድቀቱ ኣብዘሓ-ሰልፋዊ ስርዓት ምትካልን ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ፡ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ህዝቢ ምውሓስን ዝኣመሰሉን ዝርከብዎም ምዃኖም ብሩህ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ መሰረታዊ ዕላማኡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ ሽቶ ምውሓስ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጹ ሰነዳቱ፡ ኣብ ራኢኡ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ኣካል ሃገራውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ኤርትራዊ ሓይልታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ፡ ንምልክን ሰረታቱን ካብ ስሩ ኣልጊሱ፡ ኣብ ክንዳኡ፡ ንኹሉ ናጽነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ፡ ንኤርትራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ዝከላኸልን ዝዕቅብን፡ ስሙርቲ፡ ብልጽግትን ቅዋማዊትን ሃገረ ኤርትራ ክሃንጽ ዝቃለስ ሰልፊ እዩ” ዝብል ምስፋሩ ከም ኣብነት ምጥቃሱ ይከኣል።
እቲ ኣብ መንጎ መንቀልን ሸቶን ናይ ቃልስና ዘሎ ርሕቀትን ዝበልዖ ግዜን እንተ ክነውሕ ወይ ክሓጽር ዝውስን እቲ ንሕና ኣንጻር ምምሕዳር ኢሳያስ እነድመዖ እዩ። እዚ መስርሕዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ንሕናን ህዝብናን ነቲ ኣራዊት ጉጅለ ንምንብርካኽ፡ በቲ ካልእ ከኣ እቲ ጉጅለ ንከይሰዓር ሓያል ምትሕንናቕ ዝረኣየሉ እዩ። ኣብ መወዳእትኡ ግና ናይ ህዝቢ ተዓዋትነት ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ተሰዓርነት ህግዲፍ ውሁብ እዩ። እዚ ካብ መንቀሊ ቃልስና ክሳብ ምውሓስ ሸቶና ዝኽየድ ጉዕዞ፡ ሕልኽልኻት ዝመልኦ፡ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት፡ ናይቶም ናይ ሓባር ዕላማ ስለ ዘለዎም ብሓባር ክቃለሱ ዝግበኦም ኣካላት ስጥመት፡ ኮታ መትከል ፍልልያዊ ሓድነት ጐሊሑ ክረኣየሉ ዝግባእ መድረኽ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ተሻረኽቲ ኣካላት ዝፍተንሉ እዩ።
እቲ ንህዝብና ደም እንዳንበዐ፡ ካብ ንቡር ኣተሃላልዋ ወጺኡ፡ ነብሱ ሓቢኡ፡ ጭንጭራዓበደ ዝጻወት ዘሎ መራሒ ናይዚ ኤርትራዊ ጠላም ጉጅለ፡ እዚ ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ ንቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን ዝውስን ስለ ዝኾነ፡ ንምብርዓኑ ኩሉ ዓቕሙን ንብረቱን ዘዋፍረሉ ምዃኑ ካብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ዓቕሊ ጽበትን ምህዳም ካብ ሓቅን ተግባራቱ ምግንዛብ ይከኣል። ነዚ ድሌቱ ንከዕውት ክኣስር፡ ክስውር፡ ክቐትል፡ ኩሉ መሰላት ክነፍግ፡ ምናልባት እውን ነቲ ዋጋ መስዋእቲ ብዙሓት ዝኾነ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ንድሕሪት ከምዘይበል ካብቲ ክትኣምኖ ዘጸግም መደረታቱ ተረዲእናዮ ኣለና። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ኩለመዳያዊ ንዕቀት ከኣ ኮነ ኢሉ ሃንዲሱ ዝስረሓሉ ዘሎ እዩ።
ድሕሪ ሕጂ እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ፡ ብናቱ ብርታዐን ተሰማዕነትን ዝሓሰቦ ከተግብር ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ዝጸበበ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንዓኡ እውን ንጹር እዩ። ኣብ ክንዲ ነዚ ውድቀቱ ተቐቢሉ ሞቱ ዝጽበ፡ መቐጸሊ ዕድመ ንምርካብ ዳምዳም ካብ ምባል ዓዲ ከምዘይዕል ግና ርዱእ እዩ። ካብቲ ኣብ ስልጣን ንከቐጽሎ ተስፋ ኣንቢሩ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምርጫታት ሓደ ከኣ፡ ናትና ናይቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ድኽመትን ብሓብር ክንቃለሶ ዘይምብቃዕን ምምዝማዝን ኣብ ክንዲ ምቅርራብና ምርሕሓቕና ንክሰፍሕ ምጽዓትን እዩ።
ስለዚ ቀንዲ ህልዊ ጸገምና፡ ካበይ ነቒልካ ኣበየናይ ሽቶ ከም እትበጽ ዘይምርዳእ ዘይኮነ፡ በቲ ናብ ዓወት የብጸሓኒ ዝበልካዮ ናይ ለውጢ ጐደና፡ በቲ ዝድለ ፍጥነትን ስጥመትን ብቐጻሊ ክትስጉም ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ድኹም ጐድኒዚ ከኣ ተስፋ ኣቑሪጹ ካብ ቃልሲ ዘብኩረና ወይ ከኣ ካልእ እቲ ወጻዒ ጉጅለ ዝምዝምዞ ኣቋራጭ መንገዲ ክንሕዝ ዘገድደና ዘይኮነ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከነዕርዮ ዝግበና እዩ። ንቃልስና መሪር ዝገብሮ ከኣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ ካልእ መተካእታ ዘይብሎም ብደሆታት ናይ ምስጋር ህልኽን ጽንዓትን ዘጠቓልል ብምዃኑ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ከም ኤርትራውያ ኣብ ሓንቲ ሃገር ንክንነብር ዝተፈጠርና ኢና። ሃገርና ኩሉ ተሓጒሱ ዝነብረላ፡ ጥዑይ ህይወት ክህልዋ ድማ ስምምዕን ሓድነትን ናይ ኩሎም ደቃ ግድነታዊ ተደላይ ይገብሮ። ንዓና ኤርትራውያን ሕቶ ሓድነት፡ ግዚያዊ ጸገም ንምስዓር ጥራይ ኢልና እነልዕሎ ኣይኮነን። ሃገርና ብሰላም፡ ብልጽግናን ክብርን ክትህሉ ብተግባር ከነረጋግጾ ዝግብኣና ዕላማ ብምዃኑ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ቃልሲ ንሓድነት፡ ካብቲ ንሃገራዊ መንነትናን ክብርናን ዝተቓለስናዮ ዘይትሕት ክኸውን ዝኸኣለ።
ኣብ ኤርትራ እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሓድነትና ኮይኑ ዘሎ፡ ህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ቀዳማይ ዕንቅፋት'ዚ ኣብ ምልጋስ ሓድነት ናይ ኩሎም ኣብዚ ዝኣምኑ ኤርትራውያን እዋናዊ ጠለብ ኮይኑ ይርከብ። ኣርእስትና ውን ነዚ ጠለብ'ዚ ንምምላስ፡ ጽብብ ብዝበለ፡ ንተደላይነት ሓድነት ዝድህስስ ክኸውን እዩ።
ሓድነት ወትሩ ሓይልን ዓቕምን እዩ። ሓድነት ይዕበ ይንኣስ፡ ናይ ሓባር ሸቶኻ ሓቢርካ እተዕውተሉን ኣብቲ መስርሕ ዝጸንሕ ዕንቅፋታት እትጸርገሉን መሳርሒ እዩ። ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ሓድነት ኣብ ኩሉ፡ ግዜ’ ቦታን ኩነታትን ቦትኡ በሪኹ ዝረአ እምበር፡ ሓደ ግዜ እትወስዶ ሓደ ግዜ እትጓስዮ ናይ ምርጫ ጉዳይ ኣይኮነን።
ኣገዳስነት ሓድነት ክሳብ ክንድዚ ዘይስገር ዕዙዝ ዝኸውን፡ ኣብ መንጎ እቶም ብመንገዲ ሓድነት ናይ ሓባር ሸቶኦም ከመዝግቡ ዝግበኦም ኣካላት፡ ዝኾነ ፍልልይ ኣብ ዘይሃለወሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ናይ መንነት ብዙሕነትን እንዳሃለወካ እውን፡ ንፍልልያትካ ኣመሓዲርካ ሓድነትካ ኣዕቊብካ፡ ብሓባር ተቓሊስካ ናይ ሓባር ዓወት ንምምዝጋብ መሰረታዊ መሳርሒ እዩ። ሓድነት መንነታትካን ኣተሓሳስባኻን ዓቂብካ ኣብቲ ብሓባር ዘርበሓካ ደረጃ በሪኽካ እትወጸሉ ፍቱን መንገዲ እዩ። ሓድነት ከም መውጽእ ዝኣፍ፡ ጨሪሕካዮ እትሓለፍ ዘይኮነ፡ ዓሚቕ ትርጉምን ስርጸትን ሒዙ ኣብ መስርሕ ዝምዕብል ቀጻሊ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት ስራሕ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) “ጻዕርና፡ ምስቶም ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይብልና ክሳብ ፍጹም ሓድነት፡ ምስቶም ንምቅርራቡ ግዜ ዝወስድ ፍልልይ ዘለና ከኣ ክሳብቲ ክንከዶ ዝግበና ብሓባር ንምቅላስ ዘኽእለና ሓድነት ክንበጽሕ ዝነጥፍ ቀጻሊ መስርሕ’ዩ” ዝብል መትከል ሒዙ ይጽዕት ኣሎ።
ሓድነት ወትሩ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ከምቲ “እስኪ ንተኣከብ ምኽሪ ክርከብ” ዝበሃል፡ ፍቱን ናይ ጸገማት መፍትሒ እዩ። ብዘይካዚ ነቶም ካብ ምርሕሕሓቕና ዝዕንገሉ ኣካላት ዓቕምና ኣስሚርና እንስዕረሉ እዩ። ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ካብ ምፍልላይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጥን ምትፍናን ህዝቢ ኤርትራን ዝድረር ሓይሊ ከኣ፡ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾኖ፡ ኣንጻር ሓድነትና ኩሉ መዓጹ ክኩሕኩሕን ህጣራ ንዋት ከፍስስን ድሕር ዝብል ከምዘይኮነ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፣ ሓድነት ስለ ዘድልየካ ወይ ስለ እትብህጎ ጥራይ ዝርከብ ዘይኮነስ፡ ከቢድ ግን ከኣ ኣብ ኢድና ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል ብደሆ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ።
ካብ መምዘንታት ናይዚ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓድነት፡ ብናይ ሓደ ጻዕሪ ካብቶም ኣብ ሓድነት ዝርብሑ ኣካላት ዝዕወት ዘይኮነስ፡ ናይ ኩሎም’ቶም ሰብ ዋኒን ተዋሳእቲ ኣበርክቶ ዝሓትት ምዃኑ እዩ። ኣብ መስርሕ ሓድነት ክንጽዕት እንከለና፡ ንነናይ ገዛእ ርእስናን ነቲ “ናትና” እንብሎ ኣተሓሳስባን ንምዕዋት እምበር፡ ንረብሓ ካልእ ኢልና እንህቦ ኣገልግሎት ከምዘይኮነ ክንግንዘብ እሞ፡ ኣብ ምዕዋቱ ካብ ተጸባይነትን ተዓዛብነትን ወጺእና “ይሕግዝዩ” ዝበልናዮ መዋጸኦ ሓሳብ ኣመንጭና ክንቅረብን ክንጽዕትን ይግብኣና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብቲ ብ2017 ዝነደፎ እማመ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ “ኣብ ዘለናዮ እዋን ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀና ዝኽእላ ምዃነን ምግንዛብን ብዕዙዝ ኣገዳስነተን 1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤ 3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤ 4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፡” ዝብላ ሓሳባት ናይ ምስፋሩ ምስጢር ኮነ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ 2019 “ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድአ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምትታ ይወስድ” ዝብል ፖለቲካዊ ውሳነ ናይ ምውሳኑን ትርጉም ከኣ መርኣያ ንድሕሪት ዘይምለስ ዕቱብነቱ ኣብ ኣገዳነት ሓድነት እዩ።
ሓድነት ክንድቲ ናይ ኣገዳስነት ዕዝዙነቱ፡ ምውሓሱ እውን ቀሊል ከም ዘይኮነ ተመኩሮና የረደኣና። መስርሕ ምውሓስ ሓድነት ከቢድ ዝገብርዎ፡ ንሕና እቶም ከነረጋግጾ ዝግበና፡ ቀሊል ክነሱ ከም ከቢድ፡ ዝከኣል ክነሱ ከም ዘይከኣል ጌርና ስለ እንሕዞን እንርደኦን እዩ። ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን፡ ካብ ጸቢብ ሕሳባት ዘይምውጻእ፡ እታ እተዋጽእ ሓቂ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ ምባል፡ ክንድቲ ክትስማዕ እትደልዮ ክትሰምዕ ቅሩብ ዘይምዃን፡ ዝያዳ ዓቕምኻ ኣብ ዝሓለፈ ምጽብጻብ ዘይኮነ ኣብ መጻኢ መዋጽኦ ዘይምጽማድ፡ ንሓላፍነት ብዓይኒ ቃልሲ ዘይኮነ ብዓይኒ ተጠቃምነት ምርዳእ፡ ዘይግሉጽነት ….ወዘተ፡ ካብ ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ክንወጽእ እንተንበቅዕ ምርግጋጽ ሓድነት ቀሊል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ነቲ ካብዞም ዝበልናዮም ሓድነት ዝዕንቅፉ ኣተሓሳስባታት ናይ ምውጻእ ዓቐብ ደይብና ኣብ ሰፊሕ ጐልጐል ክንበጽሕ ዝቐረብና ኢና እንመስል ዘለና'ሞ በቲ ሒዝናዮ ዘለና ናህሪ ንድፋእ።
ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መኻይድኻ ክነሱ ኣብ ክንዲ ደጊፍካ ምሳኻ ተጓዕዞ፡ ሰጊርካዮ ዕዝር ምባል ዘዐውት ኣይኮነን። እዚ ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮና ኣብ መስርሕ ሓድነት ዘኽሰረና ምንባሩ፡ ኣብ ሐሕልና ኩልና ዘሎ ዘጣዕስ ዝኽሪ እዩ። ደሓር ግና ካብዚ ክደጋገም ዘይግበኦ ናይ ሰዓራይን ተሰዓራይን ዝኽሪ ክንወጽእ ከም ዝግብኣና ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ጌርና ኢና። እቲ ናይ ርሑቕ ገዲፍና፡ ተበግሶ፡ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ደሓር ዝተራእየ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካለኦት ግንባራት፡ ጽላላትን ምትሕንፋጻትን ከኣ ናይ ሓቢርካ ምዕዋት ኣተሓሳስባ ከም ዘጥረና ዘመልክት እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ዳሕረዋይ ንቕሎታት እውን ክንድቲ ዝድለ ኣየድማዕናን። ኣብዚ ብዘይምድማዕና ከኣ ድኽመትና ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ሓድነት ተራእዩ እዩ። እዚ ተመኩሮናዚ ዝያዳ ሃሳዪ ዝኸውን ከኣ፡ ኣብ መጻኢ እውን ጌና ክንመሃረሉ እንተዘይ ክኢልና እዩ። እንተኾነ ሎምስ ምስቲ በብኹርናዑ ዝነፍስ ዘሎ ናይ ሓድነት ጠሊ፡ ዝለበምና ኢና ንመስል ዘለና እሞ ኣጽኒዕና ሒዝና ንቐጽሎ። ናይዚ “ስለምንታይ’ዩ ሓድነት ዘገድሰና?” ዝብል ሕቶ መልሲ፡ ካልእ ዝርዝር ከየብዛሕና፡ “ኣብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዓወት ክንበጽሕ ካልእ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና” እንተበልናዮ ጌጋ ኣይኮነን።
ኢሱ፡ወያካብ ቻይና ዝተሓስማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ባቱስ ግጥም ኣቢልዋ
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
- ኣብዚ እዋንዚ መላእ ዓለምናን ህዝባን፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ሻቕሎት ኣለዉ። ኤርትራን ህዝባን እውን ከም ኣካል ናይ ዓልም ኣብዚ ናይ ሻቕሎት ህሞት እዮም ዝርከቡ። እዚ ዘለናዮ ዓለማዊ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከቢድ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃገራት ዘንብሮ ሓላፍነት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። መራሕቲ ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ ቀንዲ ዝረባረብሉ ዘለዉ ዕማም ምድሓን ህይወት ዜጋታቶም ኮይኑ፡ እዚ እዋናዊ ሻቕሎት ምስ ሓለፈ ክመጽእ ዝኽእል ቁጠባውን ፖለቲካውን ሃስያታት ንምቅላል ካብ ሕጂ ጀሚሮም ኣብ ምስራሕ ነብሶም ጸሚዶም ኣለዉ። መላእ ዓለም ንጉድኣት ኮረና ቫይረስ ብሓባር ይገጥም ምህላዉ ዘይከሓኳ እንተኾነ፡ ብሰበብ ኣብ ኮረና ቫይረስ ዝተራእየ ኣተሓሕዛ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣሜሪካን ዘሎ ናይ ሓሳባት ትንዕምንዕን ኣብዚ ቀረባና ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሕቶ ግዜ ምርጫ ዘንቀሎ ምፍሕፋሕን ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ተደራራቢ ከቢድ ሓላፍነት፡ ሎሚ ካብ ሃገሩ ዝወጽእ መራሒ ሃገር ዳርጋ የለን።
- ኣይኮነዶ ኣብዚ ፍሉይ ኣቓልቦ ዘድልዮ ኩነታት፡ ኣብቲ ንቡር ኩነታት እውን፡ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ምዕባለ ናብ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ፡ ናይ መራሕቲ ሃገራት ልዝባትን ምትሕግጋዛትን ልዑል ቆላሕታ ኣብ ዝረኸበሉ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ንዘቤታዊ ኣጀንዳ ብዘይሃሲ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብኣካል ዘይኮነ ሓሳብ ኣቀራሪብካ፡ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣብ ዝካየደሉ ተነቃፊ ህሞት ኢና ንርከብ። ኣብ መንጎ መንግስታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መንግስቲ እውን፡ ኣብተን ብንቡርን ስሩዕን ትካላዊ ኣገባብ ዝምረሓ ሃገራት፡ ኣኼባታ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ በቤት ጽሕፈትካ ኮይንካ ምክያድ ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ኢና ንርከብ።
- ከም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰሉ ኩሉ ነገር ዝተፈንጠሖም፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን “ዘይንታዮም” መራሕቲ ኢና በሃልቲ ግና፡ ኣብዚ እዋንዚ ዝመርጽዎ ሜላ፡ ወይ ተሓቢእካ ምጽቃጥ፡ ወይ ድማ ዘይእዋናዊ ምኽንያት ፈጢርካ፡ ምህዳም እዩ። እንሆ ከኣ ኢሳያስ ምሕባእ ንክጥዕሞ “ክሕባእ እየ እሞ፡ ሞይቱ ኢልኩም ኣውሩዩለይ” ኢሉ ኣጽቂጡ ምስ ቀነየ፡ እዛ ምህዞ፡ ግዜ በሊዓ ምስራሕ ምስ ኣበየቶ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝቃላዕ፡ ህጹጽ ጉዳይ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ፡ ነታ ሓንቲ ምርጫ ወሲዱ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ “ኣሎኹ” ክብል ዝመረጸ ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ዘይንታዩ ምዃኑኳ ብናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ዝተረደአ እንተኾነ፡ እነሆ ሕጂ ከኣ ከምቲ “ንኡሽተይ ውራይ ግበር እሞ ፈታዊኻን ጸላኢኻን ኣለሊ” ዝበሃል፡ ጉዳይ ህዝብና ንኢሳያስ ዘይንታዩ ምዃኑ ተወሳኺ መረጋገጺ ረኺቡ። ኢሳያስ ጥዑይ እንተዝነብር፡ እቲ ዘምሕረሉ፡ “ኣብዚ ዘተዓዛዝብ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ” ዘይኮነስ “ኣብ ሆስፒታል እገለ ከይዱ ሕሙማት ኣተባቢዑ” ዝብል ዜና እዩ ዝነበረ። እቲ በቲ ቫይረስ ዘይተለኽፈ፡ ብስእነት ማይን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ዝሻቐልን ኣብ ጥራይ ገዛ ተዳጒኑ ዘሎን ህዝብና እውንኮ፡ ኣበይ ደኣ ረኺብዎ እምበር፡ ናይ መራሕቲ “ኣጆኻ” መድለዮ።
- እዚ ናይ ኢሳያስ ዘይእዋናዊ መገሻ ንኢትዮጵያውያን እውን ዘገረሞምን ፍጊዕ ዝበሎምን እዩ ዝመስል። “እዚ ሰብኣይ ለካ ሓቂ እዩ ኣብቲ ዓዱ ስራሕ የብሉን፡ መምስ ጸመዎ እንዳመጸ ንመራሕትና ካብ ስራሕ ከየብኩረልና።” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ውሑዳት ከምዘይኮኑ ርዱእ እዩ። እቲ ዘገርም እዚ ቅድሚ ሕጂ “ሚሊንየም ኣዲስ” ኣብ ዝበሃል ሰፊሕ ኣዳራሽ ክሳብ 15 ሺሕ ሰባት ኣብ ዝተዓደምሉ፡ እንግዶት ዝግበረሉ ዝነበረ፡ ከም ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ዝኾልል ሰብኣይ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መገሻኡ ግና ጡረተኛታት ወሲኽካ 7 ሰባት ኮይኖም እዮም ንምሳሕ “ንቐደም በል” ኢለምዎ።
- ነቲ መገሻ ንምምልኻዕ፡ ኢስያስ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደሎም ተባሂሎም ዝተጠቕሱ፡ ዛዕባታት ጉዳይ ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስን ምቁጽጻር ኣንበጣን ምዃኖም ካብ ናይ ሚድያ ጊላታቱ ሰሚዕና። ወዮ ደኣ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል ኮይኑ እምበር፡ ነዞም ጸገማት እዚኣቶም ንምፍታሕ ደኣ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዞኽዞኽ፡ ካብ ኤርትራ እንድዩ ክጅመር ዝግበኦ ነይሩ። እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወጺኡ ህዝቢ ከተባብዕ “ኣጀኹም ኣጆና” ክብል ወይ ኣብ ትካላት ጥዕና ከይዱ “ምሕረት የውርደልኩም” ከይብል ህዝቢ ዝተሓሰመ ጋኔንሲ፡ ነቲ ምክልኻል ኮሮና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ከካይዶ ምሕሳቡ ክሳብ ክንደይ ኩሉ ነብሱ ግርንቢጥ ኮይኑ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።
- ኢትዮጵያውያን ናብ ዝወስድዎ ምስ ጠፈኦም፡ ናብ ከባቢ እታ ቀደም ዝዋይ ትበሃል ዝነበረት፡ ሎሚ ግና “ባቱ” ተባሂላ ዘላ ከተማን ቦታ ሕርሻ መቅን ተማሊአምዎ። ኣብኡ ከኣ ኣብ ምምራቕ 200 ሺሕ ሄክታር ከልምዕ ዝኽእል ዘመናዊ መስኖ ኣሳቲፈምዎ። ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ኣዋሳ፡ ባህርዳርን ጅማን ናይ ልምዓት ትካላት ምምራቕ ኣሳቲፈምዎ ነይሮም እዮም። ምናልባት ናይ ኢትዮጵያውያን ናብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣምታት ንኢሳያስ ምውሳዶም፡ ኮንደኾን ይቐንእ’ሞ ኣብ ሃገሩ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ይወስድ ብዝብል ተስፋ ይኸውን። ኢሳያስ ግና፡ ርኹስ ናይ ምጭቋን፡ ምቕታልን ምእሳርን እምበር፡ ቅዱስ ናይ ልምዓት፡ ሰላምን ዲሞክራስን ቅንኢ ዘሕድር ሕልናኡ ንሓዋሩ መኺኑ እዩ። ንጽቡቕ ዝቐንእ ነይሩ እንተዝኸውን ደኣ ኣብ ኤርትራ እውን እኮ ብዙሕ ዘቕንእ ተርእዮ ነይርዎ። ጭቁን ህዝቢ ክርኢ እንከሎ በቲ ኣብ ራህዋ ዝነብር ናይ ካልእ ሃገር ህዝቢ መቐንአ። ድኻ ህዝቢ ክርኢ እነከሎ በቲ ኣብ ካልእ ሃገር ብሳላ ቅኑዕ ምምሕዳር ካብ ድኽነት ዝወጸ ህዝቢ መቐንአ።
- ኢሳያስ ኣብቲ ናይ ከባቢ ባቱን መቂን ምምራቕ መስኖ ከይሓነኸ ተዛሪቡ። ኣብቲ ዘረብኡ ከኣ “ኣነን ብጾተይን ካብዚ ፕሮጀክትዚ ብዙሕ ተማሂርና ኣለና” ኢሉ። እንተደኣ ብዛዕባ መስኖ ሎሚ ካብ ፕሮጀክት ባቱ ወይ መቂ ዝመሃር ኣልዩ፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ፡ ገርገራ፡ ፋንኮን ካልእ ከባብን ኣዕቚርዎ ዘሎ ማይ “ነጻ ጉልበት ተረኽበ” ኢሉ ዘስርሖ እምበር፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ፋይዳኡ ዘይሓሰበሉ ምንባሩ እዩ ዘረድእ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ መውጽኢ ኣፍ ክኾኖ ዝበሎ እምበር፡ ጸገም ኢሳያስስ ስእነት መምሃሪ፡ ዘይኮነስ ክትመሃር ቅሩብ ዘይምዃን እዩ። እወ! ክመሃር ቅሩብ እንተዝኸውን ደኣ፡ ካብ ሳዕቤናት፡ ቅትለት ማይሓባር፡ ውግእ ምስ ጉረባብቲ፡ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ምእሳር ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢድ ምእታውን ምዕጻው ኩሉ ቁጠባዊ ወፍርታትን እንዶ ኣይመተማህረን።
- በቲ በለ በዚ፡ እዚ ተግባራት ኢሳያስ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ዘሰክሞ ሓላፍነትን ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ። ኢሳያስ ኣብ ቀልቢ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ዓቕሉ ምስ ዝጸበቦን ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ተርዲኡን ዝወስዶ ዘሎ ጽሉል ስጉምቲ እዩ። እቲ ንዓና ዘሰክመና ሓላፍነት ከኣ፡ ነቲ መልእኽቱ ተረዲእና፡ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ድሕነቶምን ኣብ ዝባና ዘሎ ምዃኑ ተነግዚብና ብኽንድኡ ደረጃ ናይ ለውጢ ቃልስና ናይ ምዕዝዝ ሓላፍነት ክንወስድ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣበው፡ ሰፊሕን ዓሚቕን ትርጉም ዘለዎ እዩ። እቲ ሓሳብ ክጠቓለል እንከሎ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ሸቶ ንምብጻሕ ዝሓዝካዮ ጉዕዞ፡ ዕንቅፋታት እንተጋጠሙኻ እውን ንኹሉ ክኢልካን በዲህካን፡ መንገድኻ ምቕጻል ወሳኒ ምዃኑ ዘዕጥቕ እዩ። እዚ ረዚን ምሳልያዊ ኣበሃህላ፡ ኤርትራውያን ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኮነ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመኩሮ ቃልሶም ኣመስኪረምዎ እዮም። እዚ ተባዕ ናይ ጽንዓት ኣበሃህላ ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ምስ ኩሉቲ ዘጓንፈና ዘሎ ሕልኽልኻት ህያው እዩ።
ጉዕዞ ኣብ ቃልሲ፡ ከምቲ ስሙ ዘመልክቶ መሪርን ብሕልኽልኻትን መልከዓቶም እንዳቐያየሩ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ዝተመልአ እዩ። ብቐንዱ ናይቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምን ዕርፊ ኣጽኒዕካ ብምጥዋቕ ክሕለፍ ዝግበኦን መሰናኽላት ሃንዳሲ፡ እቲ ኣንጻሩ እትቃለስ ዘለና ጸላኢ ህዝብናን ጸላኢናን እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ሓይሊ መግዛእቲ እቲ ቀዳማይ ክእለ ዝነበሮ ዕንቅፋት ነይሩ። ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምእንቲ መሰል፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ከኣ ህግዲፍ እቲ ቀንዲ ክእለ ዘለዎ ሃንዳሲ ሕልኽልኽን ዓንቃፊ ምዕባለን ኢዩ። መስርሕ ቃልሲ ኩርኳሕ ንክኸውን ኣዕናዊ ግደ ናይቲ ጉልባቡ ዝቐለዐ ጸላኢ ዕዙዝ ኮይኑ፡ ኣባና ኣብቶም ኣንጻር ወጽዓ እንቃለስ ዘጋጥም ድኽመታትን ዝርኣ ሕጽረታትን እውን፡ ነቲ ናይ ጸረ-ህዝቢ ሓይልታት ውዲታት ኣብ ምግዳድ ዝፈጥሮ ጥጡሕ ባይታ ኣለዎ። ብወገን ሓይልታት ለውጢ ክውገድ ዝኽእል ዕንቅፋታት ከነወግድ ምብቃዕ፡ ውዲታት ጸላኢ ንከይዕወት ወሳኒ ኣስተዋጸኦ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ፡ ሓቢርካ ምስራሕ፡ መሰረታውን እዋናውን ዕማምና ክነሱ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘተኣማምን ደረጃ ከነዕውቶ ዘይምብቃዕና ክሳብ ክንደይ መፍቶ ህግዲፍ ንኸውን ከም ዘለና ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
“ሓድነት ንዓና ሓይልታት ለውጢ ዋሕስ ዓወትና እዩ። ንጸላኢና ህግዲፍን ካብ ድኽመትናን ምፍልላይናን ዝዕንገሉ ኩሎም ጸረ ህዝቢ ወገናትን ከኣ ሕማም ርእሶም እዩ”፡ ክንብል እንከለና መልእኽቱ ንጹር እዩ። ጉጅለ ህግድፍ መስርሕ ቃልስና ኣብቲ ዝዓለሞ ሸቶ ከይበጽሐ ንምኹላፉ ዝጥቀሞም ሜላታት ብዙሓትን ረቀቕትን እዮም። ዘይሩ ዘይሩ ከኣ ሓድነትና ምዝራግ ማእከሉ ዝገበረ ምዃኑ እሙን እዩ። ቃልስና ንምዕዋት ኣብ ክንዲ ብናትና ዝተጸንዐ መደብ ንኸይድ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ብዝከኣሎ ደረጃ ካብ መስረታዊ ጉዳይና ወጺና እንህውትተሉ ሓደስቲ ኣጀንዳታት እንዳፈጠረ ናቱ እሱራት ክንከውን ወትሩ ውራየይ ኢሉ ዝሰርሓሉ መርዛም ምህዞ እዩ። ናይ ሓሶት ሰባት ክኣስርን ክቐትልን እንከሎ፡ ኣንፈትና ኣስሒቱ ብዛዕባኡ ክንዛረብ ጅሆ ይሕዘና። “እገለ ሞተ፡ እገለባ ሓመመ” ዝብል ኮነ ኢልካ ዝተቓመመ መዳህለሊ ሓሶት ይህንድስ እሞ፡ ብዛዕባኡ ክንዛረብ ከኣ ካብ ግዜና ኮነ ካብ ዓቕምና ከነባኽን ጸኒሕና። ሎሚ ሎሚ ግና ምናልባት ደኣ ሓድሽ ከይምሃዝ እምበር፡ እቶም ናይ ክሳብ ሕጂ ማእለማታት ህግዲፍ መብዛሕተኦም ኣሪጎም ዕዳጋኦም ዝሒሉ እዩ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢሳያስ ሞይቱዶ፡ ብኻልእ ህግዲፋዊ ባእታ ተተኪኡዶ፡ ተባሂሉ ዝተወርየ፡ ህዝቢ ፈጺሙ ኣየቕለበሉንኳ እንተዘይበልና፡ ናይ መብዛሕትኡ ርኢቶ ኣብ ክንዲ ሃንደፍ ኢልካ ምቕባሉ፡ “እዝስ ግደፍዎ ደኣ ህግዲፍ ባዕሉ ንመዳህለልን ኣቕጣጫ ንመቐየርን ዝሰንዖ ድርዕቶ ሓሶት እዩ” ክብሎ እዩ ቀንዩ። ደሓር ከኣ ምናልባት ስነፍጥረታዊ ሞት ተሪፍዎ እንተዘይኮይኑ፡ ኢሳያስን ጉጅለኡን ብደረጃ ኣተሓሳስባ ሞይቶም ካብ ልቦና ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝወጽኡኮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ “እመርሖ ኣለኹ” እትብሎ ህዝቢ፡ ኣባኻ ዝነበሮ እምነት ካብ ምስሓብ ዝዓቢ ሞትከ ኣሎ ድዩ?
እቲ መዳህለሊ ሜላታት ህግዲፍ ብዙሕ እዩ፡ ከምዚ ክውረ ዝቐነየ ናይ ገለ ሕማምን ሞትን ምውራይ፡ ምስ ገለ ሃገራት ህውከት ምፍጣርን ኣብ ዘይምልከተካ ናይ ካለኦት ዋኒን ጠብሎቕ ምባልን፡ ዝኾነ መበገሲ ባይታ ዘየብሉ ቁጠባዊ ውጥን ክንትግብር ኢና ኢልካ ናይ ሓሶት ቃል ምእታው፡…..ወዘተ ኩሎም፡ መዳህለልቲ እዮም። ዕላመኦም ከኣ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ሓይልታት ለውጥን ህዝቢ ኤርትራን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ሓይልታት ለውጢ ምትእምማን ንምዝራግ እዩ። እቲ ተንኮል ህግዲፍ ምትእምማን ኣብ ምጥፋእ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ እንተኾይንሉ ኣብ ሕድሕድና ምንቛትን ምግድዳዕን ክፍጠር እውን ካብቲ ቀንዲ ዝሰርሓሉ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ “ሓቢርና ንጽናዕ፡ በበይንና ከይንምናዕ” ብዝብል ብዛዕባ ተደላይነት ሓቢርካ ምቅላስ መምስ ነብስና ክንላዘብ ናይ ግድን ዝኸውን።
እቲ ካብ ምግድዳዕ ዘድሕነና ሓድነት፡ ብናይ ኩልና ቅሩብነትን ኣበርክቶን ዝዕመም እምበር፡ ብናይ ውሱናት ኣበርክቶን ሓልዮትን ዝሕፈስ ማና ኣይኮነን። እቲ ሓደ “ነዓ ናባይ” በሃላይ፡ እቲ ካልእ ከኣ ነቲ መንገዲ በይኑ ክኸዶ ዘገድድ ዘይኮነስ፡ ነቲ ተመዓዳዲናዮ ዘለና ርሕቀት ንምቅርራብ፡ ከካብ ዘለናዮ ተጓዒዝና ኣብ ማእከላይ ናይ ኣተሓሳስባ ቦታ ንምርኻብ ቅሩብነት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ናብቲ ናይ ሓድነት ዕዳጋ ክትስጉም እንከለኻ፡ እንታይ ከም እትሸይጥን ከም እትዕድግን ወጢንካ ምውራድኳ ኣድላይ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዕዳጋ ንዝጸንሓካ ምሃብን ምቕባልን ቦታ ክትገድፍ ድልዊ ምዃን ከኣ ኣድላይ እዩ። ንኩነታትና ምስቲ ለባማት ወለድና “ኣዴኻ ዝበለትካ ዘይኮነስ፡ ዕዳጋኻ ዝሃበካ ግበር” ዝበልዎ ኣዛሚድና ክንሪኦ ከድልየና ኢዩ።
ብዘይ ሕድገትን ምክእኣልን ዝብጻሕ ሓድነት የለን። ኣብ ሓድነት ዘይምብጻሕ ከኣ በበይንኻ ኮይንካ ብምግድዳዕ ዘዝባኸነ ግዜ እንዳጸብጸብካ ምቑዛም መፍቶ ጸላኢ ምዃን እዩ። ሓድነት ንስሙ ሓድነት ዘይኮነ፡ ብሓደ ከተዕውቶም ኣብ ዝግበኣካ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለ እዩ። ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ምውጋድ፡ ናጻ ኤርትራዊ ውሳነ ምውናን፡ ልዕልናን ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ምዕቃብን ብሓባር ከሰልፉና ካብ ዝኽእሉ ኣበር ዘየብሎም ዛዕባታት እዮም። ብቕንዕናን ሓላፍነትን እንተመዚናዮም ኣብዚ ንዋሰኣሉ ዘለና ሜዳ ቃልሲ፡ እቶም ዝፈላልዩና ብብዝሒ ኮነ ብኽብደት ካብቶም ዘሰማምዑና ንታሕቲ እዮም። እቶም ዝፈላልዩና፡ ሎሚ ኣብቶም ዘሰማምዑና እንተ ኣድሚዕና ጽባሕ መሊሶም ዝውሕዱን ዝንእሱን እዮም። ኣብቶም ዘሰማምዑና ንኣነነትን ጽበትን ስዒርና፡ ብሓባር ክንቃለስ እንተዘይበቒዕና ግና፡ እቶም ናይ ሎሚ ናእሽቱ ዝፈላልዩና እውን፡ ጽባሕ ዝያዳ እዮም ዝፍንትሩ።
ስለዚ ኩነታትና ግዜ ዘይህብ ምዃኑ ተረዲእና፡ ወጽዓ ህዝብና መመሊሱ ይኸብድ ከም ዘሎ ተገንዚብና፡ ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ኩሉ ዝከኣሎ በታኒ ሴፍ ካብ ምምዛዝ ንድሕሪት ከምዘይብል ኣስተብሂልና፡ “ሓቢርና ንጽናዕ፡ በበይንና ከይንምናዕ”