ህግደፍ፡ ክሳብ መዓስ'ዩ ከጽቅጥ

2021-03-12 19:25:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1590 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዘይተነግረ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈጸሞ በደል የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ከምቲ “ጠሪጣስ እንተትሓንከለይከ” ዝበሃል ዝነበረ፡ በደሉ ሓቢኡስ በዓል  ደሓንን ገባር ጽቡቕን መሲሉ ክቐርብ ዝፍትን ምዃኑ እዩ። በደላቱ ምብዛሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኹሉ መዳያት ህይወት ህዝብና ክርምሰ ዝጸንሐ እዩ።

ኤርትራውያን ከምቲ “ኣቐምጥ ዝበልካዮ ኣየጥፍእ፡ ኣጸብቕ ዝበልካዮ ኣየኽፍእ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ምስ ጠለሞም፡ በቲ ጥልመቱ ትዕግስቶም ካብ ዝውዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ኣብዚ እዋንዚ ካብ ውሽጢ ኮነ ካብ ደገ  ብደረጃ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ኮታ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝቃለስዎ ዘለዉ መግለጺ ቁጠዓኦም ኣንጻር ክሕደቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ።  እዞም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ዝተመስረትሉ ነናቶም ኣተሓሳስባን ናይ ኣተገባብራ ሜላታትን’ኳ እንተለዎም፡ ምውጋድ ናይዚ  ካብ ምጥፋኦም ድሕር ዘይብል ጉጅለ  ግና፡ ናይ ሓባር ኣረዳድኣኦምን ቀዳማይ ተግባሮምን እዩ።

በደል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ዶብ ሰጊሩ ንዞባናን ኪነኡን ዝብክል ዘሎ'ውን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብውዳበታቱ ኣቢሉ ገበናት ህግደፍ ካብ ዝቃወምን ዘቃልዕን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ምሕጽንታን መረረን ህዝቢ ኤርትራ ብምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሓደገኛ ብዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ኣብ ኤርትራ ዝበቖለ ጉጅለ፡  ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኪኖኡ ዘሎ ከባብን ከይበከለ ንክመክን ኣብ ሰላምና ረብሓ ንዘለዎም ኣካላት ከሰምዕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ጉጅለ ብሕገ-መንግስቲ ንከመሓድር፡ ግዱድ ዕስክርና ከቋርጽ ወይ ንጹር ቀጥዒ ከትሕዝ፡ ኤርትራውያን ዝኣመንዎ ሃይማኖት ናይ ምምላኽ መሰሎም ክሕሎ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ወይ ብናጻ ክልቀቑ፡ ክሳብ ሽዑ ከኣ ብቤተሰቦምን ከም ማሕበር  ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ትካላት ክብጽሑ፡  ብዙሓት ወገናት ክምሕጸንዎ ከም ዝጸንሑን ከም ዘለዉን ርዱእ እዩ። ብፍላይ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ብዝምልከት ከኣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ መርማሪ ኣካል ኣውጺኡ  ክሰርሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሓንሳብ መንገዲ ጥፍኣት ምስሓዘ ናብ ልቡ ዘይተመልሰ ጉጅለ ኢሳያስ፡ ነዚ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት፡ እንተላይ ናይ ዓለምለኻዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን ትካላት ምሕጽንታ ክህቦ ዝጸንሐ ምላሽ ብሓፈሻኡ ጸማም እዝኒ ምሃብን ምጽቃጥን እዩ። ሳሕቲ ድምጹ እንተተሰምዐ ከኣ ማእከሉ ክሕደትን ሸፈጥን ኮይኑ ጸኒሑ። ክሕደቱ ንከይክሻሕ  ከኣ ኩለን ብሕታዊ ትካላት ዜናን ኩሉ ዘመናዊ  መራኸቢ መንገድታትን ይዓጽው። ምእንቲ ዝምልከቶም ኣካላት ኩነታት ምኽባር መሰረታዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ከይምርምሩን ከየጻርዩን ዕንቅፋታት ይፈጥር። ካብዚ ሓሊፉ   ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ድምጹ ከየስምዕ፡ ነቶም ምስክርነቶም ናይ ምሃብ ሕጋዊ መሰል ዘለዎም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ፡ ናብ ኤርትራ ምእታው ይኸልኦም። ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ንሕጊ ዘይምእዙዝ ተግባራቱ እዚ ጉጅለ፡ ኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ካብ እትበሃል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ሳላ ዘመናዊ መራኸቢ መንገድታት ንኤርትራ እውን ፈንጢሱ ዝጸለዋ፡ እቲ ህግደፍ ክሓብኦ ዝደሊ ዝነበረ  ገበናቱ ኣይተሓብአን። ምስዚ ነውራም ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተሰሊፎም ዝዋስኡ ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ዝራሕርሕዎን ሕጂ ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉን ባእታታት ከኣ ሓቀኛ   ምስሊ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ  ኣብ ምቅላዕ ዓብይ ግደ ተጻዊቶም እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ውሱናት ተመሊሶም ዝረዓምዎ፡ እቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ኣብ ምቅላዑ ኣበርክተኦም ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ሕጂ እውን ካብዞም መንእሰያት እንጽበዮ ብዙሕ እዩ።

ጉጀለ ህግደፍ ግና ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ መሊሳ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ነዚ ክፉእ ምስሉ ካብ ኤርትራ ናብ ከባቢና ከላብዖ ፈንጠርጠር ኢሉ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝረአ ዘሎ ኣሻቓልን ፍንጡሕን ኩነታት ከኣ ናቱ መርዛም ኢድ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ  ዘርኣዮን ዘርእዮ ዘሎን ብገበን ዘሕትት ጠገለ ዘይብሉ ኢድ ምትእትታው፡ ምናልባት ከምቲ ኣብ ኩነታት ኤርትራ ዝለመዶ ብምጽቃጥ ናብ ዘይሰግሮ ኣንፈት ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ኣብዚ እቲ ኣብ ትዕዝብቲ ዝወድቕ፡ እቲ ንጥለመት፡ ወጽዓን ክሕደትን ናተይ ኢሉ ዝሓዞ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንበዖ ዲክታተር ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ሰማይ ዝሃገሮም፡ ንኤርትራ ከመይ ገይሩ ከም ዝረመሳ እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ዝተመሓዘውዎ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልያን እውን፡ ብህዝቦም ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ትዕዝብቲ ወዲቖም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣትያቶ ዘላ ንክትወድቕ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዕርክነት ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቅታቱ ገይሮም ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም። ግምቶም ከኣ ቅኑዕ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ብጉዳይ ኢትዮጵያ  ዝሕመዮን ዝኽሰሶን ዘሎ እውን ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ መሲሉ ክኸይድ ዝመረጸ ይመስል።  እንተኾነ ኩሉ ግዜ ፋስጋ ስለ ዘየለ፡  “ህግደፍ፡ ክሳብ መዓስ እዩ ብምጽቃጥ ክሃድም” ዝብሉ ወገናት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። “ስቕ ዝበልና ዝዝረብ ስለ ዝሰኣና ዘይኮነ ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል ኣረጊት መህደሚ ፖሊሲኡ ከኣ ሎሚ ኣይክሰርሕን እዩ። ኢሳያስ ንሱ’ኳ እንተዘይተዛረበ  ክዝረቦ ግድን እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝተራእየ፡ ኢሳያስ  ንናቱ ዘይረዊ ህርፋን እምበር ንናይ ካለኦት ኣተሓሳባ ቦታ ናይ ምግዳፍ ባህሪ የብሉን። በዚ ፍንውን ሃላልን ኣካይዳኡ ከኣ፡ ወዮ ደኣ ካብ ተመኩሮኡ ኣይመሃርን እዩ እምበር፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ቁማር እዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝጻወቶ ቁማራት ከኣ ተበላዒ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ህዝብና እውን ንሱ ብዝኣጉዶ ሓዊ ካብ ምንዳድ ዘይድሕን  ምዃኑ እዩ። በዚ ይኹን በቲ ሕብረተሰብ ዓለም ሎሚ እውን ተጽዕነኡ ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ከዛይድ ንጽውዕ። ምስዚ ግና ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ መመላእታ እምበር፡ ንናትና ናይ ኤርትራውያን ግደ ከም ዘይትክእ ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Friday, 12 March 2021 20:28