ቅድሚ 57 ዓመታት ኣብ ተጐርባ

2021-03-15 11:30:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1735 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሓለገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልስን  1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ንዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዕድለኛታት ጫፋት እየን። 15 መጋቢት 1964ን ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ምልከት ኣንቢረን ካብ ዝሓልፋ ዕለታትን ቦታታትን ብኣብነት ዝጥቀሳን ዝዝከራን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 57 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምኹላፍ ብምስትነዓቕ ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ በዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 80-84 ኣባላት ጦርሰራዊ ተቐቲሎም ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ዝኸውን፡ ተወሳኺ ረኣዲ ሓይልኳ እንተሰደዱ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን 15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደ ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝኾነን ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተን ስለ ዝኾነ እዩ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣአየ እዩ። ቅድሚ 57 ዓመት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ዘንቀድሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ ኣብ ግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ ምስ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባ እንዝክራ ዘለና።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ሽዑ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግድነት’ውን ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ። ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ እቲ ሓላፍነት ግና ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር”ዚ፡ መንእሰይ ብዝመረጾ ዘይኮነ ኣብቲ ግዜኡ ብዘሎ ምዕባለ እዩ ሓላፍነት ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ናይ ሎሚ መንእሰይ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምኽኣል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።

Last modified on Monday, 15 March 2021 13:58