ክምእዘን ዝግበኦ ናይ ርኢቶ ጫፋት

2021-04-18 12:22:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1761 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓደ ተርእዮ ክኽሰት እንከሎ፡ ከከምቲ ኣብ ጉዳይካ ዘሕድሮ ጽልዋን ዝፈጥሮ ተጽዕኖን ምምዛኑ ንቡር እዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብቶም ነቲ ምዕባለ ዘሳወሩ ኣካላት ካብ ዘለካ ናይ ምድጋፍን ምቅዋምን ስምዒት ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሌኻ እውን ዘሕድሮ ዘይስገር ጽልዋ ስለ ዝህልዎ እዩ። እዚ ጽልዋ ኣብ ጥቓ እቲ ምዕባለ ዝፍጠረሉ ከባቢ ክትህሉ እንከለኻ ዝያዳ ይዓዝዝ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ብዛዕባ ኣብ ጐረባብትና ሃገራትን ህዝብታትን ዝፍጠር ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ክንግደስ እንግደድ። እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ዘስደምምን ዘሕዝንን ጉድኣትን ብርሰትን ዘኸትል ዘሎ ውግእ እዋናዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳና ምዃኑ ከኣ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። በቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ርእስቲ ጀኦግራፍያዊ ጉርብትና፡ ዘሎ ሕውነትን ብዙሕ መዳያዊ ምቅርራብን ከኣ ዝያዳ ቆላሕታ ክንህቦ ዘገድደና እዩ።

ሓደ ከምዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዝኣመሰለ ተርእዮ ምስ ተፈጥረ፡ ኣብ መንጎ ነቲ ተርእዮ ዘንብቡ ኣካላት ኣይኮነንዶ ኣባና ኣብ ዞባና እውን ፍልልያት ከም  ዝፍጠር ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። እዚ ነቲ ተረኽቦ ኣብ ኣመዛዝና ዝፍጠር ፍልልይ ናይ ብዙሓት ፍልልያት መንቀሊ ክኸውን ዝኽእል እዩ። ካብ ተመኩሮና ክንነቅል እንከለና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት በብእዋኑ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ምምዛን ፍልልያት ከነመዝግብ ጸኒሕና ኢና። መሰረታዊ ባህርያትን መቖሚታትን ናይቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምልላይ’ኳ ፍልልይ ኣለና። ገሌና ብዓይኒ ሃይማኖት ንርእዮ። ገሌና ብዓይኒ ብሄር ንገልጾ። ገሌና ከኣ ካብዚ ጫፋትዚ ወጻኢ ብዓይኒ ወጽዓ፡ ጸረ ህዝባውነትን  ዲክታተርነትን ንዕቅኖ። ኣብ ኣወዳድባና ብዙሓት ክንከውን ካብ ዝድረኹ ምኽንያትት ሓደ ከኣ እዚ ኣብ ኣመዛዝና  እንታይነትን ባህርያትን ናይቲ ሓሙስ ሓሙስ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ዘለና ፍልልይ እዩ።

በብእዋኑ ኣብ ከባቢና ክምዕብሉ ኣብ ዝጸንሑ ምዕባለታት እውን ከምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ዝተፈላለዩ ጫፋት ብምሓዝ ክንዋጠጥ ጸኒሕና ኢና። እቲ ተርእዮታት ኣብ ምምዛን ፍልልያት ምምዝጋብና እምብዛ ዘሰንብድ ኣይኮነን። እቲ ከጸግመና ዝጸንሐን ክሳብ ሕጂ ዘይገደፈናን፡ ነዚ ጫፋት ኣማእዚንካ ናይ ሓባር ሚዛን ናይ ምውናን ዓቕምና ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ ምጽንሑን፡ ክሳብ ሕጂ እውን ክንሰግሮ ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ ከኣ ከም ሓደ ናይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ብቕዓት ውሱንነት መርኣያ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ እዚ፡  ፍልልያት ናይ ምክእኣል፡ ንመፍትሕታት ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ፡ ንናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ግቡእ ቦታ ዘይምሃብ፡ ንናይ ተወዳዳሪኻ ርኢቶ ቦታ ናይ ምሃብ ክእለትና ዝብድህ ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ እዋንዚ እውን ከም ወትሩ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ጐረቤትና ኢትዮጵያን ዘንጸላልዋ ዘሎ ስግኣታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ውግእ ዝተፈላለየ ሚዛናት ነንጸባርቕ ኣለና። ኣብዚ ጉዳይዚ ብጽሒትና እንታይ ይኹን ኣብ ዝብል እውን ከምኡ ኣብ ሓደ ኣንፈት የለናን። እዚ ፍልልያትዚ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣጥሪናዮ ዘለና ምቅርራብ ብኣሉታ ከይጸልዎ ዘየስግእ እውን ኣይኮነን። ንጉዳይ ትግራይ ልክዕ ከም ጉዳይና ወሲድና ጠቕሊልና ኣካሉ ኮይና፡ ብኽንድኡ ደረጃ ነበርክተሉ ዝብል ርኢቶ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ይንጸባረቕ ኣሎ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ዘውርድ ዘሎ ውግእ ዝድግፉን በቲ ዘለዎ ክቕጽል ዝደፍኡን ኣካላት እውን ኣለዉ። ክልቲኦም ኣካላት ናብዚ ጫፋትዚ ወሲዱና ዝብልዎ ምኽንያታት ኣለዎም። እዚ ጫፋትዚ በበይኑ ኣብ ዘዘለዎ እናተመዓዳደወ፡ ዘምጸኦ ኤርትራዊ ኮነ ትግራዋይ ፍታሕ የብሉን። ክልቲኡ ማዕረ ሓቂ ክኸውን እውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓቅታት ክህሉ ስለ ዘይክእል። ቅሩብነትን ርትዓውነት እንተልዩ ግና፡ ነዚ ጫፋት ብዝተፈላለየ ኩርነዓቱ መዚካን  ኣማእዚንካን ብሓባር ከሰልፍ ዝኽእል መዋጸኦ ምርካብ ዘይከኣል ኣይምኾነን። ኮታ “ጉዳይ ትግራይ ጉዳይና ድዩ፡ ጉዳይ ጐረቤትና?” ዝብል ሕቶ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ እዩ ዝመስል። ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝወርድ ዘሎ፡ እቲ ጉጅለ እምበር ህዝብና ዘይሕተተሉ ጉድኣትን ቀጻሊ ኣሉታዊ ስንብራቱን “ተራ ጉዳይ ጐረቤት እዩ” ኢልና ክንሓልፎ ዘኽእለና ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትግራይ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረደ ግህሰታት እውን ተራ ጉዳይ ጐረቤት ጌርና ከይንወስዶ ዘገድደና እዩ።

እዚ ጫፋትዚ ደድሕሪ ዘዝተፈጥረ ሓድሽ ምዕባለ እንዳጐየኻ ዝውገን ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ  ትካላዊ መስርዑ ሓልዩ ብዝተሓንጸጸ መትከልን ካብኡ ብዝምዕብል መጽናዕትን እዩ ክግራሕ ዝግበኦ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንኣብነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ካብ ዝብል መሰረታዊ መበገሲ ነቒሉ፡ 10.3 ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤ 10.6 ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ኣድልዎን ጭቆናን ዝቃለስ ፖሊሲ ምኽታል፤” ዝብሉ ዝርዝራት ኣስፊሩ ኣሎ። ስለዚ ከምዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ክረአ እንከሎ፡ በዚ ንዝምድናኡ ዝቕይስ ፖሊሲኡ ክጥምቶ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ጨቢጡ ከኣ ምስ ካለኦት ኣብ ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን መድረኽ ይኣትው።

Last modified on Sunday, 18 April 2021 14:29