ብህልኽን ስምዒትን ዘይኮነ፡ ብንቕሓትን ምኽንያትን

2021-12-02 17:30:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1480 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብዙሕ ናይ ሓባርና እንብሎ መቖሚታት ኣለና። ካብኣቶም ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ምጽናዕ ሓድነት ህዝባን  ናይ ደቃ ፍትሓዊ  ቃልሲ ሓርበኝነት ምኽባርን ይርከብዎም። ኣብዚ እዋንዚ ሓሓሊፉ ዝረአን ዝስማዕን ዘሎ ምልክታት ከም ዝሕብሮ ግና፡ ነዞም መሰረታዊ ኣዕኑድ መቖሚታትና  ዝፈታተኑ፡ ብዓብይኡ ህግደፍ  ዝተዃትኾም  ምልክታት ምቅልቓል ልሙድ ይኸውን ኣሎ። እቲ ነዞም መቖሚታት ዘውሕስ ጽኑዕ ዕርዲ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ዝተነድቀ ስለ ዝኾነ፡ ከተፍርሶ ዘይከኣልኳ እንተኾነ፡ ጽኑዕ ህዝባዊ ሓለዋ ክግበረሉ ግና ናይ ግድን እዩ። ካብቶም ኣንጻር መቖሚታት ኤርትራ ናይ ምድንዳን ምልክታት ዘለዎም፡ ብመንጽር ህልውና ሃገር ክረኣዩ እንከለዉ መሰረታውያን ዘይኮኑ  ፍልልያት ብምትዕብባይ ሕጋዊ ውክልና ዘይብሎም ክነሶም ወኪል ህዝቢ መሲሎም ብምቕራብ፡ ኣብ እምነት ልኡላውነት ኤርትራ ሰንከልከል ምባልን ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ንዝተጸሓፈ ታሪኽ ሓርበኝነት ምንእኣስን ብኣብነት ካብ ዝጥቀሱ ኣሉታታት እዮም። እዚኣቶም ብህልኽን ስምዒትን ዘይኮነ፡ ብንቕሓትን ብምኽኑይ መኸተን  ክረኣዩ ዝግበኦም እዮም።

ህልኽን ስምዒትን ዝድርኾ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብቶም ነዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ኣዕኑድ መቖሚታት ናይ ሓባርና እየን እንብለን ኣካላት እውን ሓሓሊፉ ይርአ እዩ። ኣብ ኣገዳስነት ምፍጣር  ሓቢርካ ዘቃልስ ሰፊሕ ጽላል ዝረአ ዘልሓጥሓጥን ምድንጓይን፡ ኣብ ክንዲ የዋጽእ ኢልካ ንዝሓዝካዮ መርገጺ፡ ንዘጋጥሞ ብደሆታት ስንኻ ነኺስካ ኣብ ድልዱል ኣትኪልካ ንቕድሚት ምስጓም በብእዋኑ ሓደስቲ ምስምሳት እናምጻእካ ዝሓለፈን፡ ዘሎን መጻእን ዘየገናዘብን ዘይተጸንዐን  ኣገባብ ምምኽታል ወዘተ…..  እንዳበልካ ዝቕልቀሉ ጸገማት ይረኣዩ እዮም። ካብ ከምዚ ዓይነት ዕንክሊል መዋጽኦ ንምርካብ መንገዲ ብህልኽን ስምዒትን ዘይኮነ ብንቕሓት፡ ምኽንያትን ሓቦን ዝሃብተመ ኣተሓሳስባ ካብ  ምሓዝ ካልእ መዋጸኦ የለን። ካብዚ ወጻኢ ሸንኮለል ምባል ግና ግዜ ምቕታል እዩ። ኣብ ሓደ መድረኽ ግዜ ምስ እንቐትል ከኣ ንሕና ኢና ካብ ግዜ ወጻኢ ኮይና ድሕሪት ንተርፍ እምበር፡ ግዜ ተመሊሱ ካልእ ናይ ጣዕሳ ዕድል ኣይክህበናን እዩ።

ሓደ ኣካል ዝተቐበሎ ርኢቶ እቲ ካልእ ክነጽጎ፡ እቲ ሓደ ዝኣመኖ እቲ ካልእ ክኽሕዶን እቲ ሓደ ዝኸኣሎ እቲ ካልእ ምኽኣል ክስእኖ እምብዛ ዘገርምን ዘነውርን ኣይኮነን። እቲ ምቕባል ኮነ ምንጻግ ወይ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ግና ብመንጽር ክውንነት ኤርትራን ህዝባን ብንቕሓትን ምኽንያት ዘሰነዮን ክኸውን ይግበኦ። ከምዚ እንተኾይኑ ዝተረሓሓቐ ንምቅርራብ ኮነ ምኽኣል ዝኣበየ ንምኽኣል ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ምክእኣል ኣድማዒ ዝኸውን ድማ ከምቲ ክትስማዕ እትደልዮ፡ ናይ ካልእ ኣካል ርኢቶ ክትሰምዕ ድልዊ ናይ ምዃን ባህሊ፡ ኣተሓሳስባን ቅሩብነትን ክጥረ እንከሎ ጥራይ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመሰረታዊ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኣብ ዝምልከት ኣብቲ ሓጺር መላለይኡ (profile) ንውሳነ 3ይ ጉባአኡ መሰረት ገይሩ “ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃታት፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ ድሉዋት ኢና።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። እዚ ቅሩብነት ዓዳጋይ ክረክብ ናብ ዕዳጋ ዘውረዶ ሓሳብ እምበር ውዱእን ኣገዳድን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ካብ“ነዓይ ጥራይ ስምዑን ናተይ ሓሳብ ጥራይ ግዝኡን” ናይ ኣተሓሳስባ ስሰዐ ጌና ከምዘይወጻእና፡ ርሑቕ ከይከድና ምልስ ኢልና ነናትና ተመኩሮ መዚና ክንርደኦ እንኽእል ሓቂ እዩ። እንተደኣ ንጉዳያት ብንቕሓትን ምኽንያትን ምምዛን ርዒምና፡ ሕጂ እውን ግዜ መስዩ እምበር ስለ ዘይዓረበ፡ ካብዚ ሸንኮለል ናይ ምውጻእ ዕድል ስለ ዘለና ንጠቐመሉ።

ኤርትራን ህዝባን ብዘተኣማምን ደረጃ መሊኦም ኣብ ዘይደሓንሉን ኣደልዲሎም ኣብ ዘይረገጽሉን ኩነታት፡ ዘምጻእና መንነት እንተምጻእና ከነሐይሎን ክንዕቅቦን ኣይንኽእልን ኢና። ብሃይማኖትካ፡ ብሄርካ፡ ኣውራጃኻን ቋንቋኻን ምግዳስ ዝጽላእ ዘይኮነ መሰል እውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ  ፖለቲካዊ  ሜዳ  በዞም መግለጽታት መንነት ካብ ምግዳስ ሓሊፍካ ንዓኣቶም መሰረት ጌርካ ምውዳብ እውን ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን ተርእዮ እዩ። እዚ መንነት ዝመሰረቱ ውዳበታት ነቲ መሰረታዊ ኣዕኑድ መቖሚታት ዘነቓንቖን ጎስይዎ ክሓልፍ ዝፍትንን ክሳብ ዘይኮነ፡ ብዓብይኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጻኢ ሕገ-መንግስታዊ ምላሽ ዝህበሉ ስለ ዝኾነ፡   እቲ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ዝቃለስ  ዘሎ ሓይልታት ዓቕምታቱ ንዘይምብታን ዕቃበኻ ኣመዝጊብካ ነቲ ዓቢ ስእሊ ምርኣይ የድሊ።  ካብዚ ሓሊፉ ነቲ መግለጽታት መንነት ይወደብ ኣይወደብ ቅድሚ ኤርትራውነት ምስርዑ ጸገም ኣለዎ። እምበርከ ንኤርትራን ህዝባን ከይሓለኻን ከይዓቀብካን ኤርትራ ኣብ ዘይሃለወትሉን ዘይተዓወተትሉን፡ ሓደ ናይ መንነት ዘንጊ መዚዝካ ምዕዋትን ምቕጻልን ይከኣል ድዩ?፡ መልሱ ብዘየወላውል “ኣይከኣልን” እዩ። ምኽንያቱ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ቅድም ኣብ ማይ ንብጻሕ”  ከም ዝበሃል ስለ ዝኾነ።

ብመንጽርዚ ብፍላይ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ካብዚ ዘለናዮ ዝደንዘዘ ሃለዋት ኣውጺኡ ናብ ዝሓሸ ብራኸ ከደይበና ዝኽእል ንጉዳያት ብንቕሓትን ምኽንያትን ምርኣይ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ ምፍጣር፡ ኣብ “ተዛሪቦም ዘየስምዑ ወቒዖም ዘየድምዑ” ኩጀታት ኮይንካ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ” ምብህሃል  ኣየእትው ኣየውጽእ እዩ እሞ ኣይንምረጾ።

Last modified on Thursday, 02 December 2021 18:37