EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ናይ ዓሚ፡ ሎምዘበንን ንዓመታን ምቅብባል፡ ብማንም ዘይድንጉን ዘይቅልጥፍን ብናቱ ሕጊ ዝምራሕ ቀጻሊ መስርሑ ሓልዩ ዝኸይድ ጉዕዞ እዩ። ናይዚ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዝቀባበል ናይ ግዜ መለክዒ ዓመት ንውሓት ማዕረ 12 ኣዋርሕ እዩ። ዝኾነት ዓመት ናታ ማዕረ ትዕድልቲ ዘለዋ ክትከውን እንከላ፡ ኣብታ ዓመት እንታይ ተሰሪሑን እንታይ ኣይተሰርሐን ግና ብኣና በቶም ኣብኣ እንዋሳእ ኣካላት ክቀያየር ዝኽእል እዩ።

ሓንቲ ዓመት ናይ ሰላም ኮይና እታ ካልእ ናይ ህውከት፡ ሓንቲ ዓመት ናይ ዓወት ኮይና እታ ካልእ ናይ ስዕረት፡ ሓንቲ ዓመት ናይ ሃብትን ጽጋብን ኮይና እታ ካልእ ከኣ ናይ ጥምየትን ጸገምን …… ወዘተ ንክኾና ተፈጥሮኣዊ ጽልዋ የብሉን እኳ እንተዘይተባህለ፡ እቶም ቀንዲ ቀየርቲ ንሕና እቶም ብዓመት እንዳተለከዐ ናይ ግዜ ጸጋ ዝውሃበና ሰባት ኢና። ከምቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝበሃል፡ ወዲ ሰብ፡ ካብቲ ሰብ ዘብሎ ካብቲ  ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ንመጻኢ ብዝሓሸ ክጥቀመሉ ክበቅዕ እንከሎ እዩ። ንኣብነት ካብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመተ- 2019 ተመኩሮና ተማሂርና፡ መጻኢት ሓዳስ ዓመት 2020፡ ዝሓሸ ዓወት ከነመዝግበላ ክንበቅዕ ኣብ ቅድሜና ከቢድ ሓላፍነት ኣለና። ኣይግበሮ እምበር፡ ናይዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመት ኣበርክቶና ካብታ ዝሓለፈት ዓመት ዘይማዕበለ ምናልባት እውን ዝተሓተ እንተኮይኑ ከኣ ዘይዕግበትና ንምንጽብራቕ “ክላእ ዓሚ ይሓሽ” ኮይኑ ክብንል ክንግደድ ኢና። በዚ ኣጋጣሚ ካብ ንቕድሚት እንዳኸደ ብኣተሓሳስባ ንድሕሪት ምምላስ ወጺእና መጻኢት ሓዳስ ዓመት 2020 ኣብ ኩሉ መዳያት ዝሓሸ ኣስተዋጸኦ እነመዝግበላ ክትከውን ተስፋና ልዑል እዩ። ተስፋና፡ ተስፋ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ከኣ፡ ማዕረ ትምኒትናን ተስፋናን ንቕድሚት እንምርሽ ኮይና ክንበቅዕ ረዚን ሓላፍነት ኣብ እንርከበሉ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ብሃውሪ ዘይኮነ፡ ዓቕምኻ ኣብ ግምት ኣእቲኻን ቀዳምነትካ ኣለሊኻን መደብ ብምትላም ዝዕመም ዕማም እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኮይና፡ ከነመዓዱ እንከለና፡ ቀንዲ ቆላሕታና መጻኢ ሓድሽ ዓመት ክኸውን ከም ዝግበኦ ርዱእ ኮይኑ፡ ናይ ዝሓለፈን መጻእን ዘንተ-ምትእስሳር ንምዕቃብ ብዛዕባዛ ነፋንዋ ዘለና ተመሊሳ ዘይትመጽእ  ዓመት እውን ንሕና ሓይልታት ለውጥን  ወጻዒ ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግዲፍን ገጽንገጽ ከመይ ከም ዘሕለፍናያ ሓደ ሓደ ጉዳያት ምትንካፍ ኣገዳሲ እዩ።

ብመንጽር እዚ ኣብ 2019፡ ኣብ ደንበ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ናይ “ይኣክል” ማዕበል መሊሱ ዝነደረላን ውዱብን ዘተኣማምንን መልክዕ ንምትሓዙ ተስፋ ዝህብ ጻዕሪ ዝተኻየደላ ዓመት ነይራ። ብዘይካዚ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ሓደ ብዘይ’ቲ ካልእ ከም ዘየድምዑ ተገንዚቦምን ሓቛፊ ኣተሓሳስባ ኣጥርዮምን ምቅርራቦም ዘሕየሉላ ዓመት እውን ነይራ። ካብዚ መንፈስ’ዚ ዝተበገሰ ድማ’ዩ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ተሰላሲሉ ኣብ ሓደ ሰልፊ ዝመጸላ ዓመት ዝኾነት።  ኣብ ርእሲዚ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራዊ ደንበ ለውጢ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከሳቕዮም ዝጸንሐ ብሓባር ክትሰርሕ ናይ ዘይምብቃዕ ሃጓፍ ንምምላእ ሓያል ጻዕሪ ዘካየድላን ናብቲ ንጽበዮ ፍልልይ ዝሓቁፍ ሓድነት ዝወስድ ኣንፈት ምትሕግጋዝ፡ ምጽውዋርን ምትሕብባርን ዝሓዙላ ዓመት ነይራ። እዚ ኩሉ ኣንፈታት ውንዙፍ ኮይኑ ኣብዛ ንቕበላ ዘለና ዓመተ-2020 ኣብ ኣድማዒ ውጽኢት ምእንቲ ክበጽሕ ድልዉነትና ኣብ እነሕድሰሉ ድሮ ሓዳስ ዓመት ንርከብ ኣለና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ሓደ ወገን ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎን ኣብ  ወጻኢ (ዲያስፖራ) ዝነብርን ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ደንበ ለውጢ ዝምዕብል ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ተሓጊዙ ክናበብ ዝጀመረላ  ዓመት ነይራ።

ኣብ እንዳ ጉጅለ ህግዲፍ ብኣንጻሩ፡ እቲ ጉጅለ፡ ኩሉ ህዝቢ ከታልለሉ ዝጸንሐ መሕብእታት ኣገልግሎቱ ወዲኡ ፈሪስዎ፡ ኣብ ጐልጐል ከም ዝወገሖ ዝብኢ ቁሊሕሊሕ ዝበለላ ዓመት ነይራ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ይትረፍዶ ዝማዕበለት ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ከበርክት፡ ንቀንዳ ነታ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቕ ድጉል ሕልሚ ከም ዝነበሮ ብንጹር ዝተቓለዓላ ዓመት ነይራ። እቲ ጉጅለ ካብዚ ባዕሉ ዝዛረብ ተንኮሉ ንክሃድም ብዙሓት ሓሶታት ሰኒዑ ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ዝሰኣነላ ዓመት ከኣ ነይራ። ህግዲፍ ካብቲ ንሓያሎ ዓመታት ተዓጽይዎ ዝነበረ መዳጐኒ ዝወጸ ከምስል፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘይቅጽሎ ዝምድናታት ክገብር ፈቲኑ ምኽኣል ስኢንዎ ዘዕለበጠላ ዓመት ነይራ ምባል’ውን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከባቢኡ ብነገራዊ ጠቕምን ስልጣንን ኣህጢሩ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” እንዳበለ፡ ኣኪብዎም ዝጸንሐ መዳኸርቱ ሓድነት እውን መእሰሪኡ ተፈቲሑ ዘልሓጥሓጥ ኣብ ዝበለሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኮታ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት እቲ ካብ ቀደም እውን ናይ ቁልቁል ኣቕጣጫ ሒዙ ዝጸንሐ ጉዕዞ ህግዲፍ በቲ ዝሓዞ ኣንፈት ቅልጣፈ ወሲኹ ዝተነቑተላ ዓመት እያ ነይራ። ወዲቑ ምህላዉ ስለ ዝተገንዘበ ድማ’ዩ መድሕን ያኢ መሲልዎስ ንኣብይ ወራስ ዓራት ክኾኖ፡ ኣብይ እንተልዩ ኤርትራ ክትድሕን ከምእትኽእል ዝተተስፈወ።

ኣብዛ ንርከባ ዘለና ሓዳስ ዓመት እምበኣር፡ ንሕና ደንበ ለውጢ ብሓፈሻ ነቲ ሒዝናዮ ክነስና ኣብ ድማዕ ዘየብጻሕናዮ ጉዕዞ፡ ብሓድሽ መንፈስን ኣተሓሳስባን ንቕድሚት ምድፋእ ቀንዲ ስራሕና ክኸውን እዩ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ንቕድሚት ክንጐዓዝ ወይ ኣብ ዘለናዮ ጠጠው ኢልና መፍቶ ህግዲፍ ክንከውን ዝውስን ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ክንወፍረሉ ናብ ዝግበኣና ዓመት ንኣቱ ከም ዘለና ብጽሞና ንረዳእ። ነቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ረዚን ምስላ ነስተውዕሎ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮና እንተተመሊስና ነዊሕ ግዜ ኣባኺንና ብዙሕ ዕድላት እውን ሓሊፉና እዩ። ሎሚ ግና በቲ ባኺኑ ዝሓለፈ ግዜን ዕድላትን ጣዕሳና እንጽብጽበሉ ዘይኮነ፡ ንዓኡ ከይንደግሞ ኢና ክንጥንቀቕ ዝግበኣና። እንተ ህግዲፍ ደጊም ንቁልቁል ናይ ምንቋት እምበር ናብ ላዕሊ ናይ ምብራኽ ዕድሉ ኮነ ተስፋኡ ተዓጽዩ እዩ። ኣብዚ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኮይና እምበኣር፡ ነቲ ህግዲፍ ክደክም እንከሎ ሓቢርካ ናይ ምድካም ዘይንቡር ኣካይዳና ቀይርና፡ ህግዲፍ እንዳደኸመ ክኸይድ እንከሎ፡ ንሕና ብኣንጻሩ እንሕይለሉ ሓድሽ ምዕራፍ ከነውሕስ ንበገስ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰዲህኤ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ዘይምቅዳው ከጋጥም እንከሎ፡ ነቲ ፍልልይ ብዘተ ምፍታሕን ምምሕዳሩን ብኡ ኣቢልካ ድማ ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመስረተ ጥዑይ ዝምድና ብምምስራት፡ ጸጋታትና ኣብ ምልዕዓልን ምውዳብን ህዝቢ ክቐንዕ ዝከኣል ጻዕርታት ክገብር እዩ፤” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ከም ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ካብ እንብህጎምን እናበሃግናዮም ዘይከኣልናዮምን ሓደ፡ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ረጊጽና ዘሰማመዓናን ዝፈላልየናን ኣለሊና ኣንጻር ህግዲፍ ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ ወርትግ ከሻቕለና ዝጸንሐን ዘሎን ሕጽረትና እዩ። እንተኾነ ናይ ሓቢርካ ክትሰርሕ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ዕዙዝነት ዘይስገር ስለ ዝኾነን ካልእ መተካእታ ሰለ ዘይብልናን ኣብዚ ዛዕባዚ ተስፋ ከይቆረጽና ንጽዕት ምህላውና ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ነቲ ብደገፍቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኣማሓዳርን ጋዜጠኛን ተለቪዥን ኣሰና ኣቶ ኣማንኤል ኢያሱ ዘጋጠም ናይ መጥቃዕቲ ሃቐነ ንምቅዋም፡ ነቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካለኦት ዜጋታትን ዝወስዶ ዘሎ ግህሰት ሰብኣውነት ንምውጋዝ፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ካብ ባህልናን ልማድናን ወጻኢ ዝኾነ ጨካን ምቅትታል ዓገብ ንምባብ በብኹርናዑ ዝተራእየ ብሓባር ድምጽኻ ናይ ምስምዕ ተበግሶ ከምቲ “ሓደ ኢልካ ክልተ ዝበሃልን ዝቕጽልን” ንዓበይቲ ሓባራዊ ስረሓት ኣፍደገ ዝኸፍትን ምትእምማን ዝፈጥርን ስለ ዝኾነ ክተባባዕ ዝግበኦ እዩ።

ሓደ ካብቲ ናይ ሓባር ተበግሶታት፡  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ)፡  ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓዲለ)፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር  (ኤሃግ)፡ ዝርከብዎ  እዩ።  እተን ኣንጻር ኣካያዲ ተለቪዥ ኣሰና ንዝተፈጸመ ዓመጽ ዝኹንን ሓባራዊ መግለጺ ዘውጸኣ፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ካናዳ፡ ሕመኣ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ደንማርክን እውን ንተበግሶአን ኣብ ህዝባዊ ሓባራዊ ዕማም ኣገዳሲ መንጸፍ ጌርና ኢና እንወስዶ። ቅድም ቀዳድም እዚ ተበግሶታት እዚ ህግዲፍ ነንዘሳወሮ ሓዊ ንምጥፋእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ፡ ዜናዊ፡ ዲብሎማስያውን ካልኦት ሰክተራትን ናይ ሓባር ተበግሶ ንምውሳድ እውን ክቕጽል ይግበኦ። ምኽንያቱ እዚ ብሓባር ምስራሕ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ሰማዒ እዚ ከም ዝረክብን ናይ ህዝብና ተስፋ ዘለምልምን ምዃኑ ዘመልክትን ንዝዓበየ ሓባራዊ ዕማም ባይታ ዘንጽፍን ስለ ዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ ናይዞም ዝጠቐስናዮም ሓሙሽተ ጽላላት፡  ሰልፍታትን ውድባት ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ናይ ምስፍሑ ጻዕሪ እውን ክቕጽል ይግበኦ።

ብመሰረቱ ኣብ ቃልሲ ብሓባር ምስራሕ ኣድላይነቱ መሰረታዊ እዩ። ከምቲ እንደልዮ ደኣ ኣይተዓወተን እምበር ብሓባር ክትሰርሕ ናይ ምጽዓር ተመኩሮና ነዊሕ ዝዕድሚኡ ምዃኑ ነዚ እዩ ዘመልክት። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብኽልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ኣድላይነት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ኣዝዩ ዝዓዘሉ መድረኽ ኢና እንርከብ። በቲ ሓደ ወገን ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ በደልን ጭቆናን ኣብቲ ኣዝዩ ዝኸፈአ ጫፉ ዝበጸሓሉ ግዜ ስለ ዝኾነ ኣገዳስነት ሓቢርካ ህዝብኻን ሃገርካን ምድሓን ብኽንድኡ ደረጃ ክብርኽ ናይ ግድን እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ኩሉቲ ካብ ህዝብና ሓቢእዎ ዝኸይድ ዝነበረ መንነቱ ተቓሊዑ መታለሊ ሓሩጩ ኣብ ዝወደኣሉ ግዜ ይርከብ ስለ ዘሎ፡ ሓቢርካ ናይ ምቅባጹ ኣገዳስነት ዝያዳ ኩሉ ግዜ ናይ ቀዳምነትና ቀዳምነት ኮይኑ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ኢና ዘለና።

ጉጅለ ህግዲፍ ክሳብ ክንደይ ዕርቃኑ ወጺኡ ከምዘሎ’ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ኣግሂዱ ኣላሽ ኣብ ክንዲ ምባል የድሕነኒ’ዩ ዝብሎ ኣእማን ካብ ምፍንቃልን ውዲት ካብ ምእላምን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሱዳንን እስራኤልን ዘጋጠሙ’ሞ ብሓባር  ዝኾነናዮም ጸይቅታት ኢድ ኣለዎ። እንተኾነ ነዚ ኮነ ኢሉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከርዕድ ዝመሃዞ ፋይዳ ኣይረኸበሉን። እቲ ዝኣረገ ናይ ሓሶት መዛግብቲ እንዳገንጸለ፡ መርበባት ጸጥታ ኣሜሪካን እስራኤልን ካብ ስልጣን  ክዓልዋኒ መደብ ነይርወን፡ ኳታር ተቓወምተይ ትድግፍ ኣላ …… ወዘተ ክብሎ ዝቐነየ ከኣ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝ ዝመሃዞ እዩ። እዚ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዝተወሃቦ ኣይኮነን። እንተኾነ ናይ  ምንባርን ዘይምንባር ስለ ዝኾነ፡  ህግዲፍ ክሳብ ሕልፈቱ ካብዚ መንገድዚ ኣይክወጽእን እዩ።

ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ምስራሕ ኣብ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዕማም ኣይኮነ። ነዚ ኣምር እዚ ኩሉቲ ሎሚ ብጉጅለ ህግዲፍ ዝግፋዕ ዘሎን ናይዚ ጉጅለ ሕልፈት ዝብህግን ክኽተሎ ዝግባእ  እዩ። ብፋላይ ከኣ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ሓደ ኣባል ሰዲህኤ፥ “ግደ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ለውጢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእቲ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፉ ዝበሎ፡ ኣብ ዓድን ኣብ ወጻእን ዝነብር ኤርትራዊ ክናበብን በብጽሒቱ ከልዕልን ይግበኦ። ዝተወደበን ዘይተወደበ እውን ከምኡ። እንተላይ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዘሎን ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት ዘሎን። ከምቲ እቲ ወጽዓ ንኹልና ኤርትራውያን ዘረኻክበልናን ዘቐንዝወናን ዘሎ፡ ድሕሪ ህግዲፍ ዝመጽእ ራህዋ ከኣ ንኹልና እዩ። ንኹልና ክርህወና ግና ኩልና ከከምቲ ኩነታትናን ከባቢና ዘፍቅደልና እንዳተናበብናን እንዳ ተመላላእናን ከነብርክት ናይ ግድን እዩ። ኢደ-እግርኻ ኣጣሚርካን ነብስኻ ካብቲ መስርሕ ኣርሒቕካን ብኣበርክቶ ካልኦት ለውጢ ምጽባይ ግና ውጽኢት ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ህግዲፍ ዕድመ መግዛእቱ ንከናውሕ ክንኮነሉ ከም ዝብህጎ ምዃን እዩ።

ስለዚ እቲ ተውዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኣካላት በበይንኻ ምውፋር ገዲፉ፡ ብሓባር ምስራሕ ክቕጽል ናይ ግድን እዩ። ብሓባር ምስራሕ ጸጸግዕኻ ሒዝካ ብዝወጽእ መግለጽታትን ኣዋጃትን ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ብሓባር ምስራሕ ካብ ሕዱር ቂም ወጺእካ፡ ምትእምማን ኣጥሪኻን ኣብ ክንዲ ብናይ ርሑቕ ሕሳብ ምርሕሓቕ ኣብ ህልዊ ዝድህሰስ ዘሰማምዓካ ዛዕባ ኣትኪልካ ብምስራሕ እዩ ዝረጋገጽ። ሓቂ እዩ ብሓባር ምስራሕ ማዕረቲ ኣገዳስነቱ ጻዕርን ኣበርክቶን ዝሓትት እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝሓቶ ዋጋ ግና፡ ዝከኣል ስለ ዝኾነ ክንክእሎ ክንበቅዕ ይግበኣና። በበይንኻ ምውፋር ከምዘየዕውት ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። በቲ ዘየዕወተካ መንገዲ ምቕጻል ከኣ ናይ ሕመቕ መግለጺ እዩ። ከምቲ ብርሃን እንተብሂግካ ብጸልማት ምሕላፍ ግድን ዝኸውን፡ ናብቲ ናይ ዓወትና ምስጥር ዝኾነ ሓቢርካ ምስራሕ ንምብጻሕ ከኣ ብድሆታት ክንሰግር ቅሩባት ክንከውን ግድን’ዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንሲተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ሃንደበታዊ ዕርክነት ምስ ተጋህደ፡ ብዙሓት ወገናት ብዛዕባቲ ተረኽቦ፡ ነናቶም ሕቶታት ከልዕሉ ተኸታቲልና። ንሕናውን ኣካል ናይቶም ሕቶታት ክሓቱ ዝጸንሑን ዘለዉን ኢና።

እቶም ሕቶታት ብዙሓት ኮይኖም፡ “እዚ በዚ መጸ ከይተባህለ ዝነጉድ ዘሎ ዝምድና፡ ኣብ መንጎ መንን መንን እዩ?” ዝብል ካብቶም ብብዙሓት ዝለዓሉ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ነዚ ሕቶዚ ነናቶም መልሲ ክህብሉ ከም ዝጸንሑ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና ኢና። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝምስክሮን ዓብላልን መልሲ ከኣ “እቲ ዝምድና ብውሕዱ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቀኛን ትካላውን ርክብ ዝፈጥር ኣይኮነን” ዝብል እዩ። እቲ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት መሰረታዊ ረብሓን ባህግን ዘውሕስ ርክብ ኣምሲልካ ንምቕራቡ ዝግበር ፈተነ ከኣ ፈጺሙ ዘድህሰስ ትሕዝቶ ዘየብሉ እዩ። ብፍላይ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ እዚ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ዝብል ጉልባብ ለቢሱ ዝካየድ ዘሎ ገልታዕታዕ፡ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ በቶም ናብቲ ጨቋኒ ጉጅለ ዝቐረቡ ኣካላት እውን ኣመጻጽኣኡን ካይድኡን ዘይፍለጥ፡ ህዝብና ብዘይተጸበዮ ኣቕጣጫ ብሃንደበት ዝነጠበ እዩ።

እቲ ዝምድና ብኣፍልጦ፡ ምርጫን ሓቀኛ ተሳትፎን ህዝብና እንተዝመጽእ፡ በየናይ መጀመረ፡ ነየናይ ዛዕባኸ ቅድሚት መሰረዐ፡ ኩላትና እንግምቶ እዩ። ህዝብና ኣይኮነንዶ ምስ ብብዙሕ ጉዳያት ዝመሳሰሎ ጐረቤቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነ ወገን ሰላም ከምዘይጸልእ ርዱእ እዩ። ምእንቲ ሰላም ዝኸፈሎ ዋጋን መስዋእትን ከኣ ክሳብ ክንደይ ሰላማዊ ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዘሎ ኩነታት መስርሕ ሰላም ብኸመይ ክተሓዘሉ ከም ዝደሊ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ረብሓኡ ዝተሰረተ ሰናይ ጉርብትናን ጥዑይ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ክሰርዕ ዕድል እንተዝወሃቦ፡ “ቅድም እቲ ናብዚ ዝጸንሕናዮን ዘለናዮን ምስሕሓብ ዘብጸሓና ጉዳይ ዶብ ይጠረርን፡ ኣብ መሬትና ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይውጻእን፡ ድሕሪኡ ናብ ንቡር ዝምድና ንእተው” ከም ዝብል ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኢትዮጵያ ድልዱል ዝምድና ንምፍጣር ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዓፋርን ትግራይን ጓሲኻ ናብ ኦሮሞን ኣምሓራን ነጢርካ ወዛሕዛሕ ምባል፡ “ምስ መላምንቲ ሓውናን መቓብርትናን” ንጀምር ከም ዝብል’ውን ርዱእ እዩ። ግና መን እሞ መጻኢ ዝምድናኡ ናይ ምውሳን ዕድል ምስ ሃቦ።

ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ከቢድ ውዲት ዝሓቖፈ ዝመስል፡ ናይ ሰላም መስርሕ፡ ብዙሓት ንኤርትራዊ ልኡላውነት ሃዲዶም ኣብ ክንዲ ሰላም ዘምጽኡ ህውከት ዝዕድሙ ተርእዮታት ክንዕዘብ ጸኒሕና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ተጠሊዖም፡ “ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይነ ተመዚዘ እየ’ሞ ሃንደበት ከይኮነኩም፡ ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና ዓሰብ ንኸውን፡ ምህናጽ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ባቡር ዝምልከት ስምምዕ ከቲመ፡ ኢሳይያስ ኣብ ክንድኡ ንኤርትራ ወኪለ ክምድር ፈቓድ ሂቡኒ እዩ …… ወዘተ” ዝብሉ መደረታት ከስምዑ ክንከታተሎም ጸኒሕና። እነሆ ሎሚ እውን ኮንደኾን የኽፈኣለይ ኣሎ ኢሎምን ብለባማት ተማዒዶምን፡ ናብ ልቡም ተመሊሶም ካብ ርእሲ ልኡላውነት ሀገርና ወሪዶም ይኾኑ ኢልና ኣብ ዝገመትናሉ፡ ናይ ሰላም ኖበል ምሽላሞም ከጸንብሉ እንከለውን ካብ ኦስሎ ጀሚሮም ክሳብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዳርጋ መራሒ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘምስሎም መደረታት ከስምዑ ተኸታቲልና። ንህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ ህዝቢ ሱዳን፡ ሶማል፡ ጅቡቲ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብዝተፈልየ፡ ከኮማስዕዎ ሰሚዕና። ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ “እንታ እዚ ሰብኣይ ካብ ርእሰና ዘይወርደልና” ይብልዎም ኣለዉ። እዚ እዩ ከኣ “ሕጂ’ውን ወያ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዘበለና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝዝንብዩ መደንዘዝቲ መደረታት ከስምዑ እንከለዉ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ንሓንሳብ ከምቲ “ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ” ዝበሃል፡ መሊሱ ነቲ ናይቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣበሃህላ ከድምቖ፡ ንሓንሳብ ድማ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ምጽቃጥ ክመርጽ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ኩነታት ካብ ምስካፍ ሓሊፉ የስግእ።

እዚ ኩነታት ደሚርካ ብኹሉ ኣቕጣጫ ክምዘን እንከሎ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ናይ ህዝብና ናይ ሰላም ባህግን መሰረት ገይሩ ዝነቐለ መስርሕ ዘይምዃኑ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እዩ እምበኣር “እሞ ናይዚ ኣይምዉት ኣይስሩር ተበግሶ ሰላም ዋናን ሃንዳስን ደኣ መን እዩ?” ዝብል ሕቶ ክነልዕል ዝድርኸና። ነቲ ካብ ቀደሙ ለማጽ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልካ፡ መዳልያ ሰላሊምካን ጅቡኡ ገንዘብ መሊእካን ንኢሳይያስ ናይ ምምልኻዕ ሃቐነታት ኣዛሚድካ ክረኣይ እንከሎ፡ ናይዚ ልዕሊ’ቲ ዝግበኦ ዝዝመረሉ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋናታት ካለኦት፡ ዝብገሰሉ ባይታ ከኣ ብውሕዱ ዘይኤርትራዊ ትጽቢት ምዃኑ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ከምዚ ካብ ኮነ ናይ ህዝብና ጽምኣት ሰላምን ቅሳነትን፡ ክንድቲ ንሕና ንቕንዘዎ ዘየሻቕሎም፡ ኣብ ዞባዊ ረብሓኦም ጥራይ ዝቋመቱ ሰብ ርቡሕ ጁባ ወገናት ዝሕብሕብዎ መስርሕ’ዩ ምባሉ ብልክዕ ምግላጹ እዩ። ግደ ኢሳይያስ ኣብዚ መስርሕ ከኣ ተለኣኣኽነት እዩ። ነቲ ተለኣኣኽነትከ ክኢልዎዶ ኣይከኣሎን ከኣ ኣብ መስርሕ ለኣኽቱ ዝመዝንዎ እዩ። እንተ’ቲ ሓቀኛ ትርግታ ልቢ ህዝብና ጽን ኢሉ ዝሰምዕ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ክረግጾ ዝግበኦ ርኻብ ጌና ኣይረገጸን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ብናይ ካለኦት ዓቐን ዝተስፍየ ሰላም ተጠቃሚ ኣይኮነን። እቲ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብመትከል ቅኑዕን ኩልና ክንሰርሓሉ ዝግበኣናን ክነሱ፡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና በቲ ክተሓዞ ዝግበኦ ኣብ ዘይተታሕዘሉ ግና፡ መዳህለሊ፡ መደንዘዝን ሓቀኛ መንገድኻ ዘስሕትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ስነ_ጥበብ ናብ ኤርትራ ምጋሾምን ከረን ይኹን ምጽዋዕ ምብጸሖምን ሕማቕ ኣይመኾነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ በዚታት ተዳህሊሉ ካብቲ ሓቀኛን ውሑስን ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ሕገመንግስታዊ ምምሕዳርን ናይ ምርግጋጽ ቃልሱ ከየላግስዎ ክጥንቀቕ ነዘኻኽሮን ንጽወዖን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሰዲህኤ፡ ንብዙሕነት ከም ቅሙጥ ሃገራዊ ጸጋን ሓይልን ስለ ዝቕበሎ ነቲ ኣብ ሞንጎ ብሄራትን ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታትን ሰላምን ቅሳነትን ዝዓሰሎ ተሳኒኻ ናይ ምንባር ባህሊ ንምስፋንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነትን ንምዕቃብን ክጽዕር እዩ።” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

“ሓድነትና ምስጢር ዓወትና እዩ”፡ ክንብል እንከለና፡ ብኣንጻሩ “ምፍልላይና ጠንቂ ስዕረትናን ውድቀትናን እዩ” ማለትና ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራዊ ነጻነትና ብመሪርን ነዊሕን ቃልስን ሓያልን ዘይቋረጽን ህዝባዊ ተሳትፎን ከነረጋግጽ እንከለና፡ ከመይ ጌርና ብብዝሕን ዓይነትን ሓይሊ ሰብ፡ ዘመናውነት ኣጽዋርን ዓለም ለኻዊ ደገፍን ኣዝዩ ንዝበልጸና ሓይሊ መግዛእቲ ምስዓርና ምስጢሩ እንታይ ከም ዝነበረ ንብዙሓት ዘገረመ ነይሩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ቃልስና ፍትሓውነት ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ኣብ ዓወት ዘብጸሓና ቃልስና ብኤርትራዊ ብሓድነት ዝተደረዐ ስለ ዝነበረ እዩ።

ሓድነት ዝረጋገጽን ምስጢር ዓወት ዝኸውንን፡ ኣብቶም ንሓድነት ከም ምስጢር ዓወቶም ገይሮም ዝወስዱን ዝዕቅብዋን ዝኾነ ፍልልይ ኣብ ዘይህልወሉ ኣይኮነን። ሓድነት ዝረጋገጽ ፍልልያት ሃልዩ፡ ኣበይን ስለምንታይን ትፈላለ፡ ኣበይን ብኸመይንከ ኣብ ሓድነት ተትክል ኣንጺርካ ብምሓዝ እዩ። ኣብቲ ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ምንባሩ ኣመስኪሩ ንብሎ ዘለና መድረኽ ቃልሲ እውን፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎን ጠንቂ ምፍልላይ ዝኸውን ዘሎን፡ ብዙሕነት ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ቋንቋን ካልእን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ሳላ ብሓልዮት ህዝብን ሃገርን፥ ብምጽውዋርን ምክእኣልን ዝተመሓደረ ኣድማዒ  ውጽኢቱ ተራእዩ። ብኣንጻሩ ሎሚ ብዞም ዝጠቓቐስናዮም ናይ ብዙሕነትና መርኣያ፡ ተፈላሊና ክንናቖትን ክንረሓሓቕን እንከለና እቲ ቀደም ዝነበረና ልቦናን ሃገራዊ ሓላፍነትን ይጐድል ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ሓድነት ከምቲ ወሳንነቱ ምዕቋቡ እውን ዋጋ የኽፍል እዩ። ከምቲ ኣብ ሓድነት ተረባሕቲ ዝነበርናን ዘለናን ነዚ ዘይብህግዎን ዘይደልይዎን’ውን ነይሮምን ኣለዉን። እቲ ፍልልይ እቶም ናይ ቀደም ጸረ ሓድነት ሓይልታት ከም ናይ ሎሚ ህግዲፍ ዝተርንዑን መንግስታዊ መልክዕ ዝሓዙን ዘይምንባሮም እዩ።

እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋጽኦ ነቲ በዂሩ ዘሎ ምጽውዋርን ምክእኣልን ናብ ንቡር ምምላሱ መተካእታ የብሉን። እዚ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ቅድሚ ሕጂ ምስጢር ዓወትና ዝነበረ ብዙሕነትና፡ ሎሚ ግና መናቖቲናን ምረሓሓቒናን ምዃን መንእሰያት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ምዃኑ ከኣ ኣተሓሳሳብነቱ መሊሱ ይረዝን። መንእሰይና ተዋሳኢ ናይዚ ዳሕረዋይ ስልጡን ዘበን ብምዃኑ፡ ብፍላይ ዘፈላልዩ ጉዳያት ኣብ ምውጋን ዓብይ ትጽቢት እንዳንበርናሉ፡ ኣብ ምጽሕታር ጸቢብ ስምዒታት ክሳተፍ እንከሎ፡ ቃልስና ክሳብ ክንደይ ከቢድን ንድሕሪት ከይምለስ ዘስግእን ምዃኑ ዘጠንቅቕ እዩ። መንእሰይ እንተኾነ ናብ ዝሓሸ ኩለመዳያዊ ስኒት የስግረና፡ ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ዝነበረን ክንዲ ናጽነት ዝኣክል ዓብይ ጉዳይ ዘውሓሰን ሓድነት ክዕቅብ ናይ ግድን እዩ።

ብዛዕባ ሓድነት ደጋጊምና ክንጉስጉስ እንከለና፡ ፍልልያት ፈጺሙ ኣይሃልወና ማለትና ኣይኮነን። ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ምስዓብ፡ ናይ ዝኾነ ኣውራጃ ተወላዲ ምዃን፡ ናትካ ቋንቋ፡ ባህልን ብሄርን ምውናን ዘይግደብ መሰል ነፍሲ ወከፍ እዩ። እዚ ፍልልያት ረብሓ ሃገር ዘይጐድእ ክኸወን ግና ንኤርትራዊ ሓድነት ብዘይሃሲ መንገዲ ክቃነ ይግበኦ። ብኻልእ ኣገላልጻ ንሓደ ካብዚ ብግቡእ ክተሓዝ እንከሎ ጸጋ እዩ እንብሎ ዘለና ዝንባለታት ልዕሊ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ምስርዑ ግና ይፈቶ ይጸላእ ነቲ ምስጢር ዓወትና ዝኾነ ሓድነትና ዝፍሑቕ ጥራይ ዘይኮነ ዝጻረር ስለ ዝኾነ፡ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ እዩ። እንመርጾ ሃይማኖት ኮነ ኣውራጃ ሓድነታ ኣብ ዘይተሓለወት ኤርትራ ትርጉም ከምዘይህልዎ ምስትብሃል ከኣ ሓጋዚ እዩ።

ንሕና እቶም ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልስን ዓወትን ተመኩሮና ግደ ሓድነት ወሳኒ ምንባሩ እንኣምን፡ ግደ ሓድነት ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ወሳንነቱ ህያው እዩ ኢልና ኢና እንኣምን። ስለዚ ኢና ከኣ ምርግጋጽ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ካብ ዓወት ኣንጻር ህግዲፍ ፈሊኻ ኣይርአን’ዩ እንብል። ብኣንጻሩ እቲ ሳላ ሓድነታዊ ኣበርክቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ግና፡ ደጊም ሓድነት ህዝብና ንረብሓኡ ከምዘይኮነ ስለ ዝተረድአ፡ በቲ ሓድነት ኣይግደስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምፍራሱ ሓይሊ ሰብን ጥሪትን ካብ ምውፋር ድሕር ከምዘይብል ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምግላጽ ይከኣል። ህግድፍ ኣብ ከምዚ በታኒ ዕማም ምውፋሩ እምብዛ ዘገርም ኣይከውንን’ዩ ምኽንያቱ ካብኡ ጥራይ ስለ ዝዕንገል። እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕዝንን ዝኸውን ብግብሪ ግዳይ ወጽዓኡ ክነስኻ፡ ናይዚ ኣብ ምክፍፋልና ዝሃጥር ጉጅለ መሳርሒ ዝኸውን ኤርትራዊ ክህሉ እንከሎ እዩ።

ኣብዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ምቅላስ ወሳኒ ዝኾነሉ ግዜ፡ ጸቢብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሓድነት  ፍልልያት ኣሳዊርካ ምርሕሓቕ ወይ ክሳብ ምብኣስ ምብጻሕ፡ ህግዲፍ ይወድቦ ኣይወድቦ ንረብሓ ህግዲፍ ዝውዕል ምዃኑ ፈጺሙ ክሰሓት ኣይግበኦን። ንረብሓ ህግዲፍ ካብ ወዓለ ኣንጻር ባህግን ትጽቢትን ህዝብና ምዃኑ ከኣ ኣብኡ እንከሎ ፍሉጥ እዩ። ህግዲፍ ናይ ህውከትን ምፍልላይን እምበር፡ ናይ ሰላምን ሓድነትን ሓይሊ ስለ ዘይኮነ ኣይኮነንዶ ባዕልና ክንበኣሰሉ እንከለና፡ ባዕሉ ኣንቂዱ ዝውለዖ ሓዊ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ክህልው ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ፍልልይዚ ሰዓሪ ንምዃን ከኣ ካራሩ ስሒልካ ኣብ ዓውዲ ውግእ ዘይኮነ፡ ምኽንያትካ ኣዋህሊልካ ኣብ ዓውዲ ዘተን ልዝብን እዩ እቲ ግጥም ክኸውን ዝግበኦ።

ብሓይልን ዓመጽን ክዕብልል ዝደሊ ኣብ መድረኽ ዘተ ዝቐርብ ጭብጢ ዘየብሉ እዩ። ብዓመጽን ዘይምኽንያታዊ ዕብለላን ዝኣምን ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሰዓራይ እዩ። እቲ ኣብ ዓመጽን ሸፈጥን ዝኣምን ዘይሩዘይሩ ኣንጻር ህዝቢ ስለ ዝኾነ ወዳቓይ እዩ። ዕድል ህግዲፍ በዚ ዝምዘን ኮይኑ፡ ካብቲ ዕድሜኡ ከነሕጽረሉ እንኽእል ቀንዲ መንገድታት ከኣ ሓድነትና ምድልዳል እቲ ቀንዲ እዩ።   

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀንድን መሰረታውን ዕላምኡ ዝገበርካ ገይርካ፡ ኣብ ስልጣን ምንባር ምዃኑ ዘየማትእ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ከውሕስ ክብል ኩሉ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከም ዘይብል ከኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ኣብቲ መስርሕ ቀንዲ ግዳይ ዝገብሮ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንብል እንከለና፡ ምስ ኩሉ መሰላቱ፡ ባህሉ፡ ቋንቋኡን ክብሩን፡ ዋጋ መስዋእቱ፡ ጸጋታቱ ማለትና ኢና።

እዚ ዲክታተር ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እኩይ ተግባሩ ንከዐውት ዝጥቀሞ ሜላታት ብዙሕ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዓቲቡ ምእንቲ ከይርእን መፍትሒ ሃሰው ኣብ ምባል ከየድህብን ሻቢብካ ምሓዙ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ኣብ ክንዲ ምስ ዝሓሸን ብሩህ መጻእን ምውድዳድ ምስቲ ዝሓለፈ ህዝብና ተቓሊሱ ዝሰዓሮ ናይ ግዜ መግዛእቲ ህይወት እንዳወዳደረ “ሎሚ ኣብ ትሕቲ መግዛእተይ ይሕሸካ” ዘስምዕ መዝሙር ይዝምር። ካብዚ ሓሊፉ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት  መግዛእቱ ድሕሪ ናጽነት፡ ንኹሉ ሓጥያት ነቶም ገዛእቲ እንዳላገበ ናይ “ግዜ ይወሃበኒ ከዕሪ’የ” ምሕጽንታ ምቕራብ ልሙድ መመኽነይታኡ ነይሩ።

እቲ ቀንድን ክሳብ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላኡ ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ውሽጣዊ ጉዳዩ ዝርኢ ተሰናቢዱ ደገ-ደገ ንከመዓዱ ዘገደድዎ መሰናበዲ ኩነታት ምምሃዝ እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምድጋፍ ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምሽቓልን ኣድህቦኡ ንምጥምዛዝን፡ ካብ ኣንጻር የመን ጀሚርካ ክሳብ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝኸፈቶን ከምዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸገም ማህሰይቲ ዘስዓበን ውግኣት ምዝርዛር ከይተገደድና ናይ ቀረባ መመሳመሲ ተረኽቦታት ምቕራብ ይከኣል። ናይ ኣሜሪካን እስራኤልን ናይ ጸጥታ ትካላት ብ2011 ኣብ ልዕሊ ግዝኣተይ ዕልዋ ተሊሞም ነይሮም ክብል ሰሚዕናዮ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ እታ ጁብኡ ትመልኣሉ ዝነበረት መንግስቲ ቐጠር፡ ኣብ ልዕለይ ትምህዞ ዘላ ኢሉ ዓሰርተ ነጥብታት ዝሓዘ ክሲ ዘርጊሑ። ኣብዚ ክሱ ዋላኳ ብዙሕ ዘይናቱ ሕብርታት እንተቐባብኦ ህላወ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራ’ኳ ተኣሚኑ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ናይቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ቅልውላው ሰዳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ብዘቕረብዎ እማመ ዝተሳዕሮ ሕነ ንምፍዳይ ብዝመስል መልክዑ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ውጥም ቅልቅል ክብል ምጅማሩ እውን ህዝብና ብውሽጣዊ  ጉዳይ ሃገሩ ንኸይሓስብ ንምድህላሉ ዝመሃዞ እምበር፡ ካልእ ኣይኮነን። ኣብዚ ክንጸር ዝግበኦ ሓደ ጉዳይ ከምቲ “ደርሆ ነቅዩ ዘበራብር፡ ንርእሱ ምስተበራበረ እዩ” ዝበሃል እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቐ ሰብኣይን ጉጅለኡን፡ ንኽዘርጉ እምበር ንክዓርቁ ዘይገሹ ምዃኖም እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እዚ ዕቡድ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ዘራጊ ስረሓት ኮለል ክብል ዝውዕል፡ ካብ ስሩዕ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃን ከባብያዊ ምትሕብባር ኢጋድን እንዳበኾረ ምዃኑ እዩ። መብኮሪኡ ምኽንያት ንጹር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መገባእያታት ዘቕርብ ስብእና ዘየብሉ ንርእሱ ተናዒቑ ንሃገር ዘንዕቕ ፍንፉን ምዃኑ ነብሱ ይነግሮ ስለ ዘሎ እዩ። ከምቲ “ኣብ ጥቓ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብኣቶም ዝፈስስ ጸይቂ ተግባራቱ፡ ናይዚ ከባቢ መራሕቲ እውን ሎሚስ ጉዳይዚ ንህዝብና ደም  ዘንብዕ ዘሎ ዲክታተር ፍጊዕ ከም ዝበሎም ምልክታት ንርኢ ኣለና። እቲ ፍጊዕ ምባል በቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ቅብጥሮት ሳጓታት እናሃበ፡ ዘመላኽዖ ዝነበረ መራሒ ኢትዮጵያ ምጅማሩ ከኣ የገርም።

እምበኣር እቲ ቀንዲ ጉዳይና ክፋእ እዚ ዲክታቶር ምዝርዛር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ደጊም ኣብ ቀረባ ይሃሉ ኣብ ርሑቕ፡ ኤርትራዊ ይኹን ዘይኤርትራዊ ጸይቂ ተግባራቱ ዘይተረደአ ኣካል ስለ ዘየለ። ንሱ እውን ድሕሪ ሕጂ ነብሱ ሓኹኹ ወይ ምኽሪ ለባማት ሰሚዑ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣትን ክሕደትን ክምለስ ኣይኮነን። ስለዚ ንሱ ህዝብና ንምድህላል ሕብሩ እንዳቐያየረ ክምህዝ እንከሎ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ቁምነገር “ንሱስ ሕራይ ከም ቀደሙ እዩ፡ ንሕና ሰብ ፍሉይ ዋኒን ከ እንታይ ንግበር?” ዝብል ሕቶ ምምላስዩ ዝኸውን።

ኢሳይያስ መንዩ፡ ንምንታይከ ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ኣርዑት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይጽዕንን ኣብ ኣራዊታዊ ተግባራት ይዋፈርን፡ መፍትሒኡ ምውጋዱ ጥራይ ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ግቡእ ግንዛበ ረኺቡ እዩ። ግናዛበ ጥራይ ዘይኮነ ክንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ዘየድመዐ ግብራዊ ምንቅስቓሳት ይካየድ ከም ዘሎ እውን ኣይኮነንዶ ንዓና ዋናታቱ ንህግዲፍ እውን ዝረኣዮ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ነዚ ዲክታቶር ምስ ኩሉ ግናይ ምናዩ ሓጢጥካ ጉሒፍካ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ነጊሱ ህዝባ ንክርህዎ ዘኽእል ኩነታት ንክፍጠር ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኬድናዮ ዘለና ዘይንእስ ዕማም ይጽበየና ከም ዘሎ ከነስተውዕል ይግበኣና። ምስትውዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘስተውዓልናዮ ናይ ምትግባሩ ትብዓትን ተወፋይነትን ክንውንን ይግበኣና።

እቲ ክንሰግሮ ዝግበኣና ዘይሰገርናዮ፡ ምስጋሩ ስለ ዝኸበደ ዘይኮነስ፡ ንሕና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ራእይና፡ ትጽቢትናን ሸቶናን ሓደ ክነሱ፡ ኣብዚ ሓደ ዝገብረና ኣትኪልና ብሓባር ምቅላስ ከቢድ ኣይኮነን፡ ግና ኣይተግበርናዮን። ብዙሕነትና ህያብ ብምዃኑ፡ ሓቢርና ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ጠንቂ ዘይምትእምማን ከምዘይከውን ጌርካ ምምሕዳሩ ከቢድ ኣይኮነን፡ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይራዓምናዮን። መስርሕ ቃልስና ብምዕራፋት ኣዋዲድና ቀዳምነታትና ሰሪዕና ምቕጻል ኣባና ዘይተጀመረ ዝከኣል ኣካይዳ እዩ፡ እንተኾነ ንሕና ኣይሰግርናዮን። ብሓፈሻ ንፍልልያት ኣብ ዝጸውር መስርሕ ሓድነት ክንጽመድ ዘይምኽኣልና ማእከላይ ነጥቢ ናይዘይምብቃዕና ኮይኑ ኣሎ ኢልካ ምጥቕላል ዝከኣል እዩ። ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ዋኒን ነቲ ዝከኣል ክነሱ ዘይከልናዮ ክንክእሎ ምብቃዕ ይኹን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዚ እዋንዚ፡ ምናልባት ናይ ሓደ መስርሕ ናይ መወዳእታ ጫፍ “እዚ እዩ” ምባል’ኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዝለዓለን ዝመረረን ናይ ጭቆና ደረጃ እዩ ዝርከብ። እቲ ጭቆና ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራውን ዝወርድ ዘሎ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ንኹሉቲ ንመመላኽዒ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስማዊ ትካላቱ ኣዕንዩ፡ ኣብ ደረጃ ውልቀ-ሰባዊ ገባሪ ሓዳግነት በጺሑ ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝበለሐ ናይ ጨቋንነት ኮረሻ ተወጢሑ መወዳእትኡ ብውድቀት ክዛዘም ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ ማለት እቲ ወጻዕን ተወጻዕን ዘራኽብ ገመድ እምብዛ ተሳሒቡን ተወጢሩን ምብታኹ ዘይተርፍ ምዃኑ ብብዙሕ ኣብነታት ምቕራብ ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ ከም ዘለና ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዝነበሮ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ ተጸንቂቑ እዩ። ህግዲፍ እውን ዋላኳ ኣፉ መሊኡ ብእዉጅ “ኣላሽ” እንተዘይበለ፡ ደጊም ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ልማዱ ንህዝቢ ኤርትራ ብምፍርራሕ ኮነ ዘይትግበር መብጸዓታት ብምእታው ዘዕሽወሉ መንገድታት ዕጽዊ ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ብዙሓት ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። በብኹርንዑ ብዝህቢ ዝለዓል ሕቶታት ክምልስ ፍሑኽ ክብል ዘይምኽኣሉ፡ ብኣንጻሩ ካብ ንቡር ኣካይዳ ወጺኡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ኮንተይነር ምሕብኡ  ናይ ተሰዓርነቱ ዓብይ መረዳእታ እዩ። ህዝቢ ብብዙሕ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት እንዳተሳቐየ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ፡ ታራ ተዓዛይባይ ምዃኑ’ውን ካልእ ናይ ስዕረቱ ምልክት እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ፍልልያት ክፍጠር እንከሎ መፍትሒኡ ብመንገዲ ሰዓራይን ተሰዓራይ ዘይኮነ፡ ኩልኻ ሰዓራይ ብእትኾነሉ ምውጋን ልሙድ ኣሰራርሓ ዝኾነሉ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ናይዚ መስርሕዚ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ከኣ ብዙሓት እዮም። እዚ ንክኸውን ግና ናይቶም መሪሕ ተዋሳእቲ ንኣብነት ኣብ ጉዳይና ህዝቢ ኤርትራን ገዛኢ ጉጅለ ህግዲፍን ካብቲ ዝተሰቐልካሉ ጫፋት ወሪድካ ኣብ ማእከላይ ናይ ሓባር ተረድኦ ናይ ምምጻእ ቅሩብነትን ምቕሉልነትን ክረአ ግድን እዩ። ናይ ሓደ ካብ ክልቲኦም ቅሩብነት ኣብ ዝበኾረሉ ግና “ብሓደ ኢድ ጥራይ ምጥቓዕ” ከምዘይከኣል ሓቢርካ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣየጋጥምን። ብመንጽርዚ ክርአ እንከሎ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ማዕርነት፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ሕገመንግስታውን ብዙሕነታውን ዲሞክራስን ፍትሕን ፍትሓውነትን ክወሓስ ናብ ህግዲፍ ከቕርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ፡ ብሰንኪ ናይቲ ጉጅለ፡ ንዕቀት፡ ብደዐ፡ ትምክሕትን ድርቅናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኮታ ብሰንኪ ድሑር ኣተሓሕዛኡ ኣብ ጉዳያት፡ ክዕወት ኣይተኻእለን። ስለዚ ህዝብና እነሆ ኣብ መስርሕ ሰዓራይን ተሰዓራይ ክኣቱ ተገዲዱ ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ይጠማጠም።

ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ተዓዊቱ፡ ርእሱ ኣቕኒዑ፡ እግሩ መሊኡ ዝረግጸላ፡ ኣፉ መሊኡ ዝዛረበላ ሃገር ክውንን ዘይተርፍ እዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ሕድሕዱ ዝነበረ ምፍርራሕ ተወጊዱ፡ ካብ ሰለይቲ ናይቲ ጉጅለ ዝነበሮ ስግኣት በኒኑ ብድፍረት፡ ኣፉ መሊኡ ኣብ ኣደባባያት ኣስመራ ከይተረፈ፡ ብትሪ ዝነቕፈሉ ዘሎ ህሞት ናይቲ ዘይተርፍ ስዕረት ህግዲፍ ዋዜማ ዘርኢ እዩ። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ተሳዒሩ ርእሱ ዘድንነሉ ኩነታት ምምጽኡ ከምዘይተርፍ ብዙሓት ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ህግዲፍ ኤርትራዊ ጉዳይ ምትንካፍ ፈሪሑ ንሓንሳብ ብዛዕባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ንሓንሳብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከኮማስዕ ዝውዕል ዘሎ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከም እተሳዕረ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ቅድሚ ወጋሕታ ዘሎ ትስፉው ድቕድቕ ጸልማት ኢና ዘለና። እቲ ዝስዕብ ንህዝብና ዝበርሃሉ ንህግዲፍ ግና ንሓዋሩ ዝጽልምቶ ከም ዝኸውን ከኣ ክንተኣማመን ይግበኣና።

እንተኾነ ከምቲ “ክሳብ ዝሓልፍ፡ ትንፋስ የሕልፍ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ ክሳብቲ ዘይተርፍ ስዕረቱ ዝያዳ ከይልክም፡ ግዜ ውድቀቱ ንምቅልጣፍ ህዝብናን ዝተወደቡ ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ክፈጥርዎ ዝግበኦም ድፍኢትን ክኸፍልዎ ዝግበኦም ዋጋ ምኽፋልን ዘይስገር እዩ። ህግዲፍ ሎሚ ከምቲ ሰራውሩ ብፍልሖን ካልእ በላዒቶን ዝነቐጸን ዝቆንቆነን ኦም ዳግማይ ናይ ምጥጣዕ ዕድል ዘየብሉ፡ ፈጺሙ ጽቡቕ ዘይወጾን ናይ ለውጢ ንፋስ ዘይነፍሶን ንቑጽ ኣካል ኮይኑ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህዝብና እዚ ጉጅለ ተሳዒሩ ክውገድ እምበር፡ ናብ ልቡ ንክምለስ ፈጺሙ ክጽበዮ ዘይግባእ። ንህግዲፍ ናብ ልቡ ክምለስ ዘይምጽባዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ሰራውሩ ተበሊዑ ነቒጽዎ ዘሎ ደፊእካ ዓነው ናይ ምባሉ ሓላፍነት ኣብ ቅድምቶም ናይ ለውጢ ተጠቀምቲ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዘሎ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ከምይነትን እንታይነትን ህግዲፍ ናይ ሓባር ሚዛንን ኣተሓሳስባን ወኒኑ እዩ። እቲ ኣብዚ መስርዕ ዘይኣተወ ከምቲ “ካብ ብሱል ጥረ” ዝበሃል ንጣር እዩ። “እሞ ከምዚ ካብ ኮነ ደኣ እንታይ ይገበር?” ዝብል ሕቶ ንምምምላስ እውን፡ ነቲ “ህግዲፍን ናይ ጭቆና ኣካላቱን ይወገዱ” ዝብል ከም ናይ ሓባር ማእከላይ መረዳድኢ ወኒንዎ እዩ። ኣብ ተካኢ ናይ ድሕሪ ህግዲፍ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ከኣ ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ሓሳባት  የቕርብ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር ከኣ መዓርፈኦምን ሸተኦምን ሕባራዊ ወጽዓ ምውጋድን ሃገር ዳግማይ ምህናጽን ኮይኑ፡ ብደረጃ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ተወዲቡ ሓይሉ ንምድልዳልን ኣተሓሳስባኡ ንምስጣምን ይቃለስ ኣሎ። እዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ቃልሲ መዛርዑ ዘርጊሑ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ነዚ ናብ ሓደ ሸቶ፡ ብዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝወፍር መዛርዕ ቃልሲ  ኣረዳዲእካን ኣወሃሂድካን ሓያል ቀያሪ ዓቕሚ ከም ዘጥሪ ናይ ምኽኣሉ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ዘሎ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ።  ብመንጽር እዚ ሎሚ ነቲ “ከይረገምካዮ ርጉም” ጉጅለ ህግዲፍ ክንራገም ግዜ ነባኽነሉ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ክሳብ ክንደይ ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ንኸውን ኣለና ንምፍላጥን ንምምዛንን ብሓላፍነታዊ ስምዒት ናብ ውሽጥና ክንቋመተሉ ኣብ ዝግበኣና ግዜ ኢና ዘለና። ናይ ህግዲፍ ቆንቊኑ ረይረይ ምባል፡ ናትና ድፍኢት እንተተወሲኽዎ ህዝብና ርእሱ ናብ ዘቕንዓሉ፡ ህግዲፍ ከኣ ርእሱ ኣድኒኑ ናብ ዘብቅዓሉ ደረጃ ምብጻሕና ዘይተርፍ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ዘይቅሱን ኩነታት ንክበጽሕ ብዝተፈላለዩ ምዕራፋትን ውረድ ደይብን እዩ ሓሊፉ። እቶም ዝሓለፎም ምዕራፋት ኩሎም ናይ ቃልስን ብደሆን ኮይኖም፡ ከከም ኣመጻጽእኦም ክምክቶምን ክስዕሮምን እዩ ጸኒሑን ዘሎን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ቃልሲ ዘጋጠምዎ ገዛእትን ጨቆንትን ከኣ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣንበርኪኽካ ናይ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታታን እስትራተጅያዊ ሰሓብነታን ተጠቃሚ ክትከውን ምድላይ ከም መሰረታዊ ጉዳይ ወሲዶም ኩሉ ዝከኣሎም ሰሪሖም እዮም። እንተኾነ ናይ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ተኸታተልቲ ገዛእቲ መደብ ተዓዊቱ ንኤርትራ ከምቲ ዝደለዮ ኣራጢጡ ዝገዘኣ የለን።

ገዛእቲ፡ መግዛእታዊ ሕልሞም ንምዕዋት፡ ነቲ መግዛእቲ ዘይቅበል ህዝቢ ንምንብርካኽ ዝተጠቕምዎ  ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ጽላታት ጥራይ ዘይኮነ ረቀቕቲ ናይቲ ህዝቢ ልምዲ፡ ሕግን ባህልን ዝብርዙ ውዲታትን ፍሕሶታትን እውን ተጠቒሞም እዮም። ኣብ ሓደ እዋን ኤርትራዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ኣብ ሕጋውን ትምህርታውን መዳያት ከም ዝሃስሱ ዝተገብረ ዘይዕዉት ሃቐነ ናይዚ ኣብነት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ዘየናሕስን መንነቱ ዘጥፍእን ምዃኑ ኣደልዲሉ ምስ ተረደ፡ ካብዚ ዕንወትን ብርሰትን ንምድሓን ዝመረጾ መተካእታ ዘየብሉ መዋጸኦ በቲ ዝበለሐ ኣገባብ ምቅላስ ጥራይ ነይሩ። ናይቲ ከም መቐጻለታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘይጐነጻውን ፖለቲካውን ቃልሲ ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ምጅማር ከኣ ምስጢሩ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ከቢድ፡ ግና ቀያሪ ቅዲ ቃልሲ ክነቅል እንከሎ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝኽፈል ዋጋ ከቢድ፡ ዝወስዶ ግዜ ከኣ ነዊሕ ምንባሩ ስሒትዎ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ነቲ ነዊሕ ግዜን ከቢድ ዋጋን ስኑ ነኺሱ ከፊልዎስ ንዋጋኡ መስዋእቱ ዝምጥን ዓወት ናጽነት  ጨቢጡ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንመስዋእቲ ጀጋኑና ኣብ መዓላኡ ዝወዓለ ሰማእትነት እዩ እንብሎን ነዚ መስዋእትነት ንዘራኽሱ እንኹንን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ቃልሲ ናብ ናጽነት፡ ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ ንኻለኦት ምእንቲ መሰሎም ክቃለሱ ዝግበኦም ኣህዛብ ኣብነት ዝኸውን ግዜ ዘይስዕሮ ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ተመኩሮ ኣመዝጊቡ እዩ። ብድምር ከኣ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዘመስክስረ ጽኑዕ ህዝቢ” ዝብል ኣኽሊል ጽንዓት ደፊኡ። ኣብዚ ምዕራፍ ቃልሲ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ንብዝሒ ሰራዊትን ዘመናዊ ዕጥቅን ዓበይትን ሓያላትን ኢና ንዝብሉ መንግስታት ከይተረፈ፡ ብጽንዓትን ትብዓትን ብምስዓሩ ስሙ ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ከይተረፈ ገኒኑን በሪኹን ሰፊሩ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይረአ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ጅግንነት ክፍጽም እንከሎ፡ “ጽባሕ ድሕሪ ናጽነትከ እንታይን ከመይን ክንገብር ኢና?” ዝብል ተረድኦኡ ምስቲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ብቕዓቱ ይመጣጠን ከምዘይነበረን ሕጂ ዋጋ የኽፍሎ ከም ዘሎን ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ።

ደራሲ መጽሓፍ ሃገረይ ኤርትራ፡ ካብ 2000 ክሳብ 2012 ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ፡ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኪዳነ ውሉደ-ኳንድባ፡ ኣብ መጽሓፎም፡ “ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ንከምጽእ ክቃለስን ክስዋእን ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ምምጻእ ናጽነትና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት እንታይ ክግበር ከም ዝኾነ ብንጹርን ብዕምቆትን ፈሊጡ ዝቃለስ ተጋዳላይ ህግሓኤ ዳርጋ ኣይነበረን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ኣይኮነን” ብዝብል ኣስፊረምዎ ኣለዉ።

ብኣንጻርዚ ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ውፉይ፡ ተባዕን ኩለ-መዳያዊ ተሳታፍን ክኸውን፡ ድሕሪ ናጽነት ግና ፈራሕ፡ ምእዙዝን ከም ድላዩ ዝዕንድረሉን ግኡዝን ንክኸውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ  ኣድብዩ ተንኮላት ይምህዝ ከም ዝነበረ ንምግላጽ፡ እዞም ኣቐዲምና ስሞም ዝጠቐስናዮ ሎሚ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ተባዕ ደራሲ፡ “ድሕሪ ናጽነት ፍረ ናጽነት ኤርትራ ምእንቲ መሊኡ ከይምቅር፡ ኣቶ ኢሳይያስ ከም ኣመሉ ንናይ ሰራዊት ይኹን ናይ ሲቪል ላዕለዎት ሓለፍቲ እናመቓቐለ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኽእል እሞ ንኤርትራ ብዘየዳግም ንከዳኽማ ዘኽእሎ ዕድል ክረክብ ሃቂኑ” ዝብል ብሱል ትዕዝብቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘርኣዮ ንድሕሪት ዘይብል ተሳትፎን ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ትብዓትን ፍቕሪ ሃገርን ክርእአ እንከሎ፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነትና ግና ነኪዩ ኣሎ። ነክዩ ክንብል እንከለና  ነቲ ምእንታኡ ዝተቓለሰሉ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ሕገመንግሳታዊ ስርዓትን ማዕረ ተጠቃምነት ጸጋታት ሃገርን ኣዋዲቕዎ ማለትና ዘይኮነ፡ በቲ ብግቡእ ተወጢኑ ብህግዲፍ ዝስረሓሉ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምድንዛዝን ምክፍፋልን ውዲት ተሃስዩን ክልተሻዕ ተራእዩን ንምባል ዝኣክል እዩ። ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብዚ መዳይዚ’ውን “ሓቂ ስለ ዝኾነ ብዘይቃለ-ዓለምን ብጋህድን ክብሎ፡ ህዝብና ብሓፈሻኡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዘለዎ ንቕሓት ትሑት ኮይኑ ረኺበዮ” ይብሉ። ምስዚ ኩሉ ግና ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብኢሳይያስ ዝመሃዝ ዘሎ ልኡላውነት ናይ ምሕሻሽ ውዲታት ከምዘይዕወት ንምብራህ እዞም ዝጠቐስናዮም ተባዕ ደራሲ “ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናይ ኢሳይያስ ዓይነት ሕሱራት ጸወታታት ንኽዕወቱ ዲልን ዕድልን ኣይህብን እዩ” ብዝብል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕጸፍ ጽንዓትን ዘይተርፍ ዓወትን ንምግላጽ ኣስፊረምዎ ኣለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተቓለሰ፡ ኣንጻርቲ “መግዛእቲ” ዝብል ሓፈሻዊ ቃል ዘይኮነ፡ ኣንጻር ኩሉ እቲ ገዛኢ መንዩ ብዘየገድስ ምስኡ ተሓዚሉ ዝመጽእ ጥልመታትን ግህሰታትን እዩ። ወረ ህዝቢ ኤርትራስ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝወርዶ ዝነበረ እቲ ካብ ባዕዲ ዝተጸበዮ እዩ። ከምቲ “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝበሃል ደኣ፡ ብመስዋእቱ ኣብ ዘውሓሳ ሃገር፡ እሞ ኣብቲ ቃልሲ “ናትካ ኢና” እንዳበሉ እቲ ግናዮም ሓቢኦም ብልኡም ቃላት ክሽህጥዎ ብዝጸንሑ ወገናት፡ ካብ ናይ ግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝገደደ ጭቆና ክወርዶ እንከሎ ግና ዝያዳ ከምዘጉህዮን ከም ዝመሮን ፍሉጥ እዩ። መፍትሒኡ ከኣ ከምቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ፡  ትስፉውን ጽኑዕን  ኮይንካ ምቅላስ ጥራይ እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቶም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኤርትራ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዘመስከረ ጽኑዕ ህዝቢ” ኢሎም ዝነኣድዎ፡ ተመሊሶም  “ህዝቢ ኤርትራ ሎምስ ክልተሳብ ተራእዩ” ኢሎም ክሓምይዎ እዮም።

ርእሰ-ዓንቀጽ

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣበራቱ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ካብቲ ኣበራቱ እቲ ቀንዲ ከኣ ናቱ ኣቐሚጡ ደገደገ ከመዓዱ እምበር፡ ውሽጡ ክርኢ ዘይተዓደለ ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዛ ለዋህ ናይ ኢዳ ዘይረኸበት ሃገርና ንዘጋጥም ጸገማት፡ ቀሪቡ ክፈጥሕን ከማሓድርን ዘኽእል ብቕዓትን ትብዓትን ስለ ዘየብሉ፡ ንዓኡ እቲ ዝቐለለ መዋጸኦ ነቲ ጸገማት ምሕባኡ ወይ ናይ ሓሶት ግዳማዊ ተሓታቲ ምፍጣር እዩ። ናይዚ ሸንኮለል ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ዝርኢ ብናይ “መጹና መጹኻ” ልብወለዳዊ ኣውያት ተሰናቢዱ፡ ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳዩ ኣወንዚፉ፡ ናብ ግዳም ከም ዝቋመት ንምድፋኡ እዩ።

ጉጅለ ህግድፊ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳህለሊ ውዲት ክምህዝብ እንከሎ፡ ብሃታሃታን ገርህን ዘይኮነ፡ ኣብ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ይረክብ እዩ ዝብሎ፡ ዛዕባ መሪጹ እዩ ኣብኡ ዘትክል። ንኣብነት እቲ “ብደገ መጸና” ኢሉ ኣሰይጥኑ ዝስነዖ፡ ንህልውና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቕ ገይሩ ይስእሎ። ነዚ ንምዕዋት ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጉዳይ ሃገሩ ኣብ ጽመጾ፡ ዓይኒ ዘይሓሲ ምዃኑ ንሓያሎ ግዜ መዝሚዝዎ እዩ። እዚ ጉጅለ ቀልቢ ህዝቢ ንምቕያር ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ናይ ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ህይወት በሊዑ። ብዙሓት ብዛዕባዚ መዳህለሊ ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ ናይ ቀረባ ምክትታልን መጽናዕትን ዘካየዱ ወገናት ከም ዝምስክርዎም፡ ብሓላፍነትን ብልቦናን እንተዝተሓዙ፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን ዕሸላት ዝወሓጡ ውግኣት፡ ህግዲፍ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምቕያር ኮነ ኢሉ እንተዘይጥቀመሎም፡ ብዘይ ደም ምፍሳስ ክውገኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ውግኣት እዮም። ንኣብነት ህግዲፍ ንዝተወሰነ ግዜ ውግእ ኣሳዊሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምስተጠቕመሎም፡ ምስ የመንን ኢትዮጵያን ዘጋጠመሙ ጸገማት ናይ ቤት ፍርዲ  ቀሪቦም እዮም ተበይኖም። ኣብ ክልቲኡ ተመኩሮታት ከኣ ህግዲፍ ጻሕታሪ ከም ዝነበረ ብሳልሳይ ኣካል ተረጋጊጹ’ዩ። መስርሕ ቤት ፍርዲ  ብዘይውግእ ክብጻሕ ይኽእል ዝነበረ መዕለቢ እዩ።

ህግዲፍ ኣቓልቦ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ናብቲ ቀንዲ ጉዳዩ ናብ ደገ ከም ዝርኢ ዝምህዞ ተንኮላት ስምዒታውን ቀጻሊ መሰረት ዘየብሉን ብምዃኑ፡ እቲ ሓደ ምስምስ ክበልዮ እንከሎ ካልእ ክምህዝ ናይ ግድን እዩ። ከም መፈራርሒ ዝጥቀመሎም ጸላእቲ ዝብሎም፡ ደሓር ከድልዮ እንከሎ ብርኮም ስዒሙ ዝተዓረቖም ናይ ሓሶት ጸላእቲ ከምኡ ብዙሓት እዮም። ምምሕዳር ዋሽንገትን፡ መንግስቲ ወያነ፡ ሃገራት ዓረብ፡ ምዕራባዊ ዓለም በብግዜኡ እንዳቐያየር ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ኣካላት እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ቀልቢ ህዝቢ ስሒቦም ይኽውሉኒ እዮም ዝብሎም፡ ከም ማዕቀብ፡ ምጥራር ዶብ፡ ምጉስጓስ መንእሰያት ሃገር ገዲፎም ንክስደዱ፡ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ብዙሕ ሸቂጥሎም እዩ። ሎሚ ግና ነቲ ንሱ ዝቃወሞ ዝነበረ ባዕሉ ክርዕሞ፡ ነቲ ዝድግፎ ዝነበረ ከኣ ባዕሉ ክጸልኦን ክረግሞን ምስ ጀመረን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ከዓቦን፡ ሓድሽ መኸወሊ  ኣጀንዳ ክፈጥር ኣብ ዝተገደድሉ እዋን ኣሎ።

ድሕሪ ደጊም ግና ንህዝቢ ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር፡ ንሓዋሩ ምዕሻው ስለ ዘይከኣል፡ እቲ “ኣተሓባባእ” ከምቲ ናይ ቅድም ኣይክቐሎን እዩ። ደጊም ህዝቢ ኤርትራ “ደርጓዕ” ስለ ዝሰምዐ ጥራይ ናይ ህግዲፍ መዳኸሪ ክኸውን ኣይኮነን። እቲ በብኹርንዑ ዝስማዕ ዘሎ “ሓቂ መሲሉናባ ተዓሽና ጸኒሕና” ዝብሉ  ናይ ጣዕሳ ድምጽታት ውጽኢት ሃብታም ተመኩሮ ኣብቲ ጋዕጋዕ ኣካይዳ ህግዲፍ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል ህግዲፍ ካብ ተመኩሮ ዝመሃር ሕልና ስለ ዘየብሉ፡ “ኮንደኾን ይኾነለይ” ብዝብል ሓድሽ ቅዲ መታለልን ሓድሽ ጸላእን ካብ ምዕዳግ ከቶ ዓዲ ኣይክውዕል እዩ። ኣብዚ ለንቅነ “ብ2011 ኣብ ልዕለይ ዝተማህዘ ዕልዋ ነይሩ” ዝብል ብላይ መዝገብ ክገናጽል ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ “ምስጢራዊ” ተባሂሉ ተሰኒዑ ቀሪቡ ዘሎ ብውሽጢ እንዳሓዘንካ ብደገ ዘስሕቕ ሰነድ፡ ብዙሓት ሓሳባት ሰፊሩ ኣሎ። ህግዲፍ “ስለምንታይ ደኣ ኣብቲ እዋኑ፡ ብዛዕባዚ ሲኣይኤ ወዲበምዎ ዝበሃል ዘሎ ፈተነ ዕልዋ ንህዝቢ ዘይሓበርካ”? ተባሂሉ፡ እንተ ዝሕተት እንታይ መመለሰ እንድዒ። ኣብቲ ጥዕናኡ ዘይተፈልጠ ሰነዱ፡ ወዮ ኤርትራዊ ዋኒኑ ወዲኡስ፡ ዞባዊ ጉዳያት ክዓምም ከም ዝኾነ ክፍክር ጀሚሩ ዝነበረ ጉጅለ ብኬንያ ጀሚሩ ጉረባብቲ ጸላእቲ ሃገራት ክኸስስ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓደ ገጽ ናይቲ ጸላኢ ናይ ምዕዳግ ሕዱር ባህሪኡ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ “ብመንገዲ ኬንያ ኣቢልካ ናይ ሃይማኖት ሰባኺ ኣዋፊርካ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ሓደ ናይ ምግባረን ፈተነ ነይሩ” ዝብል ክሲ ኣብዚ ናይ ድሮ ሞት ምምጽዳቕ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።

እዚ ጉጅለ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተጠሊዑ ኣብ ብዙሕ ኢትዮጵያዊ መድረኻት ነቲ ''ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኣብ ባይታ ከይተመልከተ፡ ዘተ ዝባሃል ዘይሕሰብ እዩ'' ኢሉ ንሓያሎ ዓመታት ዝገዓረሉ ጠንጢኑ ጐረርኡ ክሳብ ዝደርቕ፡ ''ቀዳማይ ዕማምና፡ ውሽጣዊ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምርግጋጽ እዩ፡ ንዶ/ር ኣብይ ንስኻ ክትመርሓና ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ ንቓል ዓለም ዝዛረቦ ዘሎኹ ኣይኮነን፤ ንዓኻ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ እዮም፤ ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብል እንተሃልዩ፡ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ እዩ'' ክብል ከም ዝጸንሐ ዘንጊዕዎ ማለት ድዩ። ስለዚ ነዚ ኣቐሚጥካ፡ ነቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ ናይ ምግባር ፈተነ፡ ናብ ቀሺዶ ናብ ሸኽ፡ ናብ ሲኣይኤዶ ሞሳድ ዘላግበሉ ምኽንያትከ ከመይ እዩ። ምናልባ ነቲ ንሱ ገጽ ምስ ኣርኣዮ ኣብ ዕላዊ መድርኽ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት “ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ክንደኦም ኮይነ ቃል ክህብ ወኪሎምኒ ስለዘለዉ፡ ናይ ክልቴና ብሓደ ጠሚረ ከቕርቦ እየ፤ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ደረጃ ምውኽኻል በጺሑ ስለዘሎ እንኳዕ ደስ በለና'' ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ውላ ከምቲ ኣመሉ ተሰልቢጡ እንተዝኸሶ’ኳ ቁሩብ መመልከዓሉ። እንተኾነ ኢሳይያስ ኣብ ከምዚ ጉዳያት መልሲ ክህብ ዘኽእል ሞራልን ድፍረትን ፈጺሙ የብሉን።

ስለዚ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ፡ እንተ ኢሳይያስ፡ ሓደ ተንኮል ክፍተሖ እንከሎ ካልእ ተንኮል ካብ ምእላም ዓዲ ክውዕል ዕደ። ንሕና ከም ህዝዝብ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ግና፡ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና መንገድና ክንሕዝ ክንበራበር እምበር፡ ህግዲፍ ኣብ ዘዝሃንደሰልና መንገዲ ጥፍኣት ክንነብር ከምዘይብልና ሰዲህኤ ብኣጽነኦት የዘኻኽር።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎን ኩለ-መዳያዊ ህይወት፡ ነጸብራቑን ስንብራቱን ኣብ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ እዩ። እዚ ርዱእ ኮይኑ፡ ከምቲ ወለድና “ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ፡ ኣብ ርእሲ ዘለካንከ እንተዝህቡኻ” ዝብልዎ እምተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ዝሓለፈ፡ ዘሎን መጻእን ጉዳዩ ኣይፈልጥን እዩ ካብ ዝብል ኣይኮናን መዘኻኸሪ መልእኽቲ ክንሰደሉ ዘንቀድና።   

ኤርትራን ህዝባን “ሕማመይ ሕማምካ፡ ቅሳነተይ ቅሳነትካ” ዝበሃሃሉ እምበር፡ ሓዲኦም ክሳቐ እንከሎ እቲ ካልእ ዝቐስነሉ፡ ፈላሊኻ ዝረአ ተመኩሮ የብሎምን። ህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ሃገሩ እዩ። ሃገሩ ክፈቱ እንከሎ ከኣ ምስ ልኡላውነታ፡ ናጽነታን ህዝባን እምበር፡ ስማዊ ኣፈታትዋ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሃገር ማለት ሩባ፡ ኩርባን ጐልጐልን ብዘይህዝቢ፡ ወይ ህዝቢ ብዘይ ተነጺሩ ዝተኸለለ መሬታዊ ክሊ ማለት ከምዘይኮነ ስለ ዝርዳእ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ህግዲፍ ህዝቢ እንዳብረሰ፡ ፈታዊ ኤርትራ መሲሉ ንምቕራብ ዘካይዶ ዝነበረ ፈተነ ዘይተቐበሎ። ኣብ ክሳብ ናይ ሕጂ ጉዕዞ ቃልስና ህዝብና “ሃገረይ ወይ ሞት” እንዳጨረሐ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ኣብዚ ሎሚ ኣብ ናጻ ሃገር ኮይንካ ክትዝክሮ እንከለኻ  ምእማኑ ዘጸግም እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ነዊሕ፡ መስተንክራዊ ቃልሱ ምእንቲ ናጽነት፡ ንኹሉ ብጸላኢ ዝወርዶ ዝነበረ ተጽዕኖን ጸቢብ ምቁጽጻርን ተጻዊሩን ገጢሙን፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ምምሕዳራውን ሰብኣውን መዳያት ታሪኽ ዘይርስዖ ዋጋ ከፊሉ እዩ። ዝኸፈሎ ዋጋ ግና ከንቱ ኣይተረፈን፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝኣክል መሰረታዊ ዓወት ጨቢጡ። እንተኾነ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘመግዝገቦን ንቃልሲ ክብገስ እንከሎ ዝዓለሞን ጋና ከምዘይመጣጠን ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ባዕሉ መስካሪ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ “ኤርትራ ኣይኮነንዶ ህዝባ እምና’ውን ይዋጋእ” ዝብል ናይ ጽንዓት መግለጺ ሒዙ ክጽዕት እንከሎ፡ ኣንዊሑ ዝጥምት ሕልሚ እዩ ነይርዎ። ሕልሙ ንጹር እዩ ነይሩ። ብዋጋ ደሙን ረሃጹን ዝተረኽበት ኤርትራ ንብዓታ ብደቃ ዝሕበስ እምበር፡ ተመሊሳ ዘይትነብዓሉ ውሑስ ኩነታት ምፍጣር ትጽቢቱ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕልሙ ንምውሓስ ናይ ካልእ ኢድ ከይተበጸበየ፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተኣማሚኑ ብጽፍሩ እዩ ተቓሊሱ። ኤርትራ ከኣ ቀዳማይ ምዕራፍ ሕልማ ተጋሂዱ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና።  እቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ንኤርትራ ዘተኣማምን ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ናይ ምልባሳ ዕማም ግና ብኸምቲ ብዝህቢ ኤርትራ ትጽቢት ዝተገብረሉ ክረጋገጽ ኣይከኣለን። እዚ ክሳብ ሕጂ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣጸጋሚ ክኸውንን ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቓን ዘይተገመተ ነይሩ ዘይተገመተሉ ምኽንያት ከኣ፡ “ደቃ ኢና” ዝብሉ፡ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ቃልሲ ህዝቢ ጨውዮም ስልጣን ዝሓዙ ውሑዳት ከም ገዛእቲ ኣይጭክኑን እዮም ዝብል የዋህ ግምት ስለ ዝነበረ እዩ። እንተኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ልዕሊ ባዕዳውያን ወጻዕቲ ኮይኖም። ህዝቢ ኤርትራ ባዕዳውያን ዘንብዕዎ ንብዓት ሓቢሱስ ዳግማይ ብደቁ ክነብዕ ምርኣይ ከኣ ዘሕዝንን ዘገርመን ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝበሃ ከኣ እዚ ዳሕረዋይ ንብዓት ዝያዳ ዘሕዝን እዩ።

ቃልሲ ኤርትራ ካብ ቅድም እቲ ካልእ ኣበርክቶታት መመላእታ ኮይኑ፡ ናይ ህዝባ እዩ። እቲ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ዝመጽእ ለውጢ እውን ብህዝቢ እዩ። እቲ “ለውጢ ኣብ ኤርትራ ካብ ውሽጢ ብህዝቢ ዝመጽእ እዩ” እንብሎ ከኣ ነዚ ንምዕዛዝ እዩ። ህዝብና ለውጢ ከምጽእ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጸጋሚ ኩነታት ይጥለብ ከምዘሎ ይርደኣና እዩ። እንተኾነ እዚ ዘሎ ጸገም ነቲ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓላፍነትን መስርሕን ከኽብዶን ከደናጉዮን እምበር፡ ከቶ ክዓግቶስ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ሓይሊ ህዝቢ ጠጠው ዝብል የለን። እዚ ኣብ ቀረባ ጐረባብትና ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እምበር ኣብ ኤርትራ ዝጅመር ሓድሽ ቅዲ ኣይኮነን።

 ኣብ ኤርትራ ከም ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ዝፈኩስ ዘሎ ሓይሊ ህግዲፍ፡ ካብ ዝልለየሉ ባህርያት ሓደ፡ ብሓያልነትን ወሳንነትን ህዝቢ ዘይኣምን ምዃኑ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ንጸገማት ህዝብና ቅጭጭ ከይበሎ ርእዩ ከምዘይረኣየ ዝሓልፎ፡ ንኣውያቱ እውን ጸማም እዝኒ ዝህቦ። እዚ ንወሳንነትን ርዝነትን ህዝቢ ትርጉም ዘይህብ ጉጅለ፡ ኤርትራ ክትበርስን ክትባድምን እምበር ክትስስን ከምዘይደሊ ብዙሕ ምልክታት ኣርእዩና እዩ።  መንእሰይ ኤርትራ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ ዝገብሮ ድፍኢታትን ኣብቲ መስርሕ ዘካይዶ ንግድን ከም ሓደ ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ስለዚ መንእሰያት ዓዲ ክገድፉን ወለዲ ነዚ ተግባር ከተባብዕዎን እንከለዉ  ኣንጻር ህግዲፍ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ክርድኡ ኣይግባእን። ህግዲፍ እሞ ኤርትራ ናይ ምብራስ መደቡ ኣዕዊቱ እዩ ብኩርምቱ ዝስሕቕ።

ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ንለውጥን ፍትሕን ዝቃለሱ ኣብ ኤርትራ ይኹን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣካላቱን፡ ኤርትራ ንምድሓን ኣብ ቅድሚኦም ዘላ ምርጫ ሓንቲ እያ። ንሳ ኸኣ ተቓሊስካ ንህግዲፍ ምውጋድ’ያ። እቲ ክሳብ ሎሚ ዘካየድናዮ ቃልሲ ክንድቲ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተዘየድመየ ዝመኸነ  ኣይኮነን። ሎሚ ህግዲፍ ደሓን ከምዘሎ መሲሉ ክቐርብዩ ዝፍትን ዘሎ እምበር ደሓን ኣይኮነን። ሓደ ጉዳይ የልዕል ሓደ ነገር ይወድቆ። ምስቲ ሓደ ይዕረቕ ምስቲ ካል ይበኣስ።  እቲ ቀንዲ ስዕረቱ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሕልና ህዝብና ተሓጢጡ ምውጻኡ እዩ። ሎሚ ብስዉር ድዩ ብግሁድ ንህግዲፍ ዝረግም እምበር “ደሓን እቶ” ዝብል ኤርትራዊ ሕልና የለን። እዚ ማለት ግና ኣብቲ ዝድለ ዓወት ህዝቢ ንምብጻሕ ንህዝብና ኮነ ንዓና ዝጽበየና ዘሎ ቃልሲ ቀሊል’ዩ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ነዊሕ ዝተጐዓዝናሉ ቃልሲ ኣብ መወዳእቱ ንምብጻሕ ከኣ ብሩህ ተስፋ ሰኒቕና ብዘይምቁራጽ ክንቅጽሎ ናይ ግድን ምዃኑ ንህዝብና  ከም ወትሩ ነዘኻኽሮ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ንኹሉ መሰላት ህዝብና ጓዕጺጹ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘይኮነስ፡ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ገበነኛ እዩ። መን ይፈልጥ ኣብ ቅድሚ ካለኦት ንዓቶም ብዝኽድሞ ሰይጣን ዘይኮነ መልኣኽ መሲሉ ይሰኣል ይኸውን። እቲ ብገለ ጉዳይ ኤርትራ ውራዮም ዘይኮነ ወገናት ዝትኮበሉ መዳልያታት ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ንሕና ንዲክታቶር ኢሳይያስ “ዕሉል ገበነኛ” እንብሎ ብስምዒትን ጽልእን ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ብሰንኩ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ፡ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ ኢና።

ኢሳይያስ ብቁንጣሮ “እንተለና ምስኡ፡ እንተሞትና ምስኡ” ዝመዝምሮም ድኑሳት ተሰንዩ፡ ብዘይ ሕገመንግስቲ ዝገዝእ፡ ሕድርን መስዋእትን ኤርትራውያን ዝጠልም፡ ድምጺ ህዝብና ይሰማዕ ንዝበሉ ዝኣስርን ዝስውርን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝገፍፍ፡ ናይ ዜጋታት ዝመረጽዎ እምነት ናይ ምስዓብ መሰል ዝነፍግን ብሰንክዚ ብዙሓት ዝኣሰርን ዝሕይርን፡ ንውልቃዊ ትዕቢትን ጉጅላዊ ረብሓን ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዕ፡ መወዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ዘዘውትር፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ዝግህስን ካብዚ እኩይ ተግባራቱ ንክወእ ንዝተገብረሉ ዓለም ለኻዊ መጸዋዕታ ዝነጽግ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ዓዶም ከይቅበሩ’ውን ዘይፈቅድ፡ ብኤርትራውያን ግዳያት ሓደጋ ባሕርን ምድረበዳን ዝባጩ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ኣብ  ድሑር ኣተሓሳስባ ምፍዳይ ሕነን ቂምን ዝነብር፡ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ብዛዕባ ጽባሕ ዘይኮነ ብዛዕባ ትማሊ ጥራይ ዝሓስብ ድንዙዝ እዩ። ስለዚ ንዲክታቶር ኢሳይያስ “ዕቡድ” ዝውሕዶ እምበር ዝበዝሖ ኣይኮነን።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብውሽጣዊ ንቕሎኡ ዘይኮነ፡ ብግዳማዊ ተልእኾ ብዝተሃንደሰ ወዘኽዘኽ ተሰንዩ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝተዓርቀ ዘምስል፡ ሓድሽ ምስሊ ሒዙ ከውደኽድኽ ተኸታቲልናዮ ኢና። ምክትታል ጣራይ ዘይኮነ ኣዕሚቑና እውን ተዓዚብናዮ። ተግባራት ኢሳይያስ ኣብቲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ርክባቱ ዘርኣዮ ክሳብ ብነጻነት ኤርትራ ምጥዓሱ ዘመልክት ምንቅስቓስ ዝተገረሙ ወገናት ብዙሓት እዮም።  ምስቲ ፍኹሰቱን ካብቲ ንልኡላውነት ኤርትራ መጢጡ ህዝቢ ኤርትራ ከዕሽወሉ ዝጸንሐ መርገጹ ሃንደበት ሸታሕ ምባሉን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገሪምዎ፡ ኣሻቒልዎን ኩነታት ናበይ ገጹ ይምዕብል ከምዘሎ ክርዳእ ኣኽኢልዎን እዩ።

ኢሳይያስ በዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ክንዲ ዝሓፍር፡ ብጹእ መሲሉ ክቐርብ ዝፈተነሉ፡ እንተኾነ ዕዳጋ ዝሰኣነሉ ኩነታት ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና። ንኣብነት ናትካ ዕዮ ገዛ ከይዓመምካ ናይ ዞባና ኣታዓራቒ ክትከውን ምህቃን። እንተኾነ ሓሓሊፎም ኤርትራዊ ዛዕባ ዘይኣጀንዳኦም ወገናት፡ ከሻህርትዎ ኣይጸንሑን ማለት ኣይኮነን። ግደ  ሓቂ ግና ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ኣብኡ ደኣ የብጸሓና እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝሕተት ብናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ንጹህ ደም ዝተሓጽበ ገበነኛ እዩ።

ከምቲ ወለድና “ ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ድጉሪ የውጸኦ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ናይ ከባቢና ኣጀንዳ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ዓመተ-2019 ናይ ሰላም ኖበል ተዓዋቲ ምዃኖም እዩ። ንኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ብመንጽር ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት፡ እዚ መዓርግዚ “ይምልከቶ ድዩ ኣይምልከቶን” ኣብ ኢትዮጵያውያን ውዑይ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ነዚ ኖበል ዝሃበ ኣካል እውን፡ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ነዚ ዝበቕዑ ክሳብ ሕጂ ብዝሰርሕዎ ዘይኮነስ፡ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ንክሰርሑ ንምትብባዕ እዩ ብዝብል ስኽፍታኡ ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ዝርካቡ ነዚ መዓርግ ዘብጸሖም ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ህሞት ምጥሓሶም ምዃኑ ክግለጽ ሰሚዕና ኣለና፡

እዞም ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝገበርዎ ኣስተዋጸኦ ነዚ የብቅዖም ድዩ ኣየብቅዖም ንግዜኡ ንኢትዮጵያውያን ንግደፎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን “ዝብእስ ኣብ ዘይዓዱ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ዘብልን ግና፡ ገለ ኤርትራዊ ሓልዮት ኣዝዩ ዝረሓቖም ኤርትራውያን፡ “ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ዝዕጾን ዝኽፈትን ዘሎን መጻኢኡ ዘይፍለጥ፡ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዝተቓልዕሉ፡ ሓድሽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣበርክቶ ኣለዎ። ስለዚ ከምቲ ኣብ 1979 ንግብጻዊ ፕረሲደንት ኣንዋር ኣልሳዳትን እስራኤላዊ ቀዳማይ ምኒስተር መናቸም በጊን፡ ኣብ 1994 ድማ ኣቦመንበር ውድብ ሓርነት ፍልስጥኤም ያሲር ዕራፋትን እስራኤላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢሳቕ ራቢንን ብሓባር ዝተዋህበ፡ ኣብዚ ናይ 2019 ከኣ ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክማቐል ይግበኦ ነይሩ ክብሉ ይደናደኑ ኣለዉ።” ከምዚኦም ዝኣመሰለ ድምጺ “ዓይኖም ብጨው ካብ ዝተሓጽቡን ሕንኮም ዝቐንጠጡን” ኤርትራውያን ምስማዕና እምበኣር ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ንሕናን ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን እንቃለስ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያን ተጣበቕቲ ፍትሕን መሰረታዊ መሰላትን ግና፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ናይ ሰላም ኖበል ክስለም ዘይኮነስ፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ቀሪቡ ክፍረድ ኢና እንጽበን እንቃለስን። ንጹህ ደም ኤርትራውያን ፈሲሱን መሰሎም ተገፊፉን ስለ ዘይተርፍ ከኣ፡ እዚ ከም ዝኸውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ዝዘራእካዮ ክትሓፍስ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ።

ኢሳይያስ እቲ ከምስል ዝብሎ ዝነበረ ቃሉ ዓጺፉ፡ ልዕሊ ክብሪ ኤርትራ ብሕታዊ ረብሓኡ ክብሩን ኣቐዲሙን፡ ቃል እስትራተጅያዊ ተረባሕቲ ለኣኽቱ ከየዕብር፡ ኢዱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘርጊሑ ኣብ ኣስመራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ፡ ፍሽኽታን ዕልልታን ብክልቲኡ ኣእዳዉ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ ኣርእዩ። ሰላም ዝጸምኦ ህዝብና ከኣ ነቲ ወትሩ ዘይእመን ጠላም ዲክታቶር ኣሚኑን፡ ሓቂ መሲልዎ፡ ኣጣቒዑን ዓሊሉን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ኢሳይያስ ዝድርጐሖ ቅድም ናይ ስምዒት ዝመስል ዝነበረ፡ ደሓር ግና ናይ ልቡ ምዃኑ ኣፉ መሊኡ ዝረጋገጾ “ክድዓት” ኣየቕለበሉን። ሕጂ እውን ኣብ ክንዲ በዚ ገበኑ ክሕተተሉ ምቅላስ፡ ኢሳይያስ ያኢ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ክኸውን ጭልም ዝብሉ ኤርትራውያን ምህላዎም ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እንተ ኢሳይያስ ሎሚ ገበነኛ ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ስለ ዝፈለጠቶ፡ ብቕኒት “ዝብእስያ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፡ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝሕበኣሉ ዕድል ዕጹው እዩ።