ሕድሪ ሰማእታትና፡ ዕዳ ኩልና እዩ!

2021-06-19 11:04:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2036 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ምእንታኻ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ዝተሓተ ጽቡቕ ንዝወዓለልካ እውን ምምስጋንን ኣመስጊንካ ንኣመሰንገንቲ ምሃብን ግቡእ ስለ ዝኾነ ሰማእታትና ክንዝክሮም ግድን እዩ። ነቲ ምእንቲ ክብርኻ ዝሐለፈ፡ ኣበይን መዓስን ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም ዝቃወም የለን። ምእንቲ እቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ኣብ ልቦና ኩሉ ዝሓድርን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዘማእክልን ንከኸውን፡  ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕሉ ምኽንያታዊ መዓልቲ ምግባሩ ከኣ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቅዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ  ዛዕባታት ሓደ ክኸውን ከኣ መተገበኦ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ኣብ ካልእ ጉዳያት መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረ ኣብዚ’ውን ኣይተራእየን።

ዘይሩ ዘይሩ ግና እቲ ዛዕባ ረዚን ስለ ዝኾነ፡ መንን ስለምንታይ ወሲንዎን ብዘየገድስ፡ ሰማእታትና ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት ጥራይ ዘይኮነ ወትሩ ኣብ ሕልናና ስለ ዘለዉ 20 ሰነ ጓይላን ጃህራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሮም ምዝካራ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰዉኡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ሂቦም ዝሓሰብሉ ዝሰማምዕሉ እዩ።

እቶም ናይ ድሕሪ ናጽነት ሰማእታት ክውሰኽዎ እንከለዉ ከኣ’ሞ እቲ ኣሃዝ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ርዱእ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እቲ መዳለዊ ባህሪኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ስለ ዝንጸባረቕ ባዕሉ ናይ ዝቐንጸሎም ሰማእታት መርድእ ንቤተሰቦም ኣይተነግረን። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት እውን፡ ብዘይካ ውሱናት ከምኡ ኣብቲ ጉጅለ ህግዲፍ ዝቐለሶ ዝርዝር ሰማእታት ኣይሰፈሩን። እንተኾነ ኣብ ዝርዝር ህግደፍ’ኳ እንተዘይሰፈረ፡  ታሪኽ ኩሎም ሰማእታት ኣብ ሕቑፊ ሃገሮምን ህዝቦምን  ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ  ስዉእ ዘይወደቐላን ቅያ ዘይተሰርሓላን መዓልቲ ኣይነበረትን። ስለዚ ብግብሪኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ኩሉሳዕ መዓልቲ ሰማእታትዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይከውንን።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽባሕ ውድቀት ስርዓት ደርግ ብ20 ሰነ 1991 ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ዘስመዖ መደረኡ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ዝብል መርዚ ይርከቦ። እቲ ንህዝቢ ምክፍፋል ከቢድ ገበን’ዩ ዝበሎ፡ መልእኽቱ ንናይ ምውዳብ መሰረታዊ መሰል ዝሕርም፡ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብ ወጻኢ ምስ ካልእ ምስላፍን ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስጓምን እዩ። እዚ ከኣ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ  ዝሰጋገር ዘሎ ጥልመቱ  ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ሰማእታት ወግዓዊ  መግለጺኡ ነይሩ።

ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ኣእዋም ብምትካል፡ ዓመት ተጸቢኻ ሽምዓ ብምብራህ፡ ንቤተሰቦም ብህዝቢ ካብ ዝተለገሰ ቁንጣሮ ናቕፋ ብምሃብ፡ ታሪኽ ጅግንነቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብምቅላሕን ብዘሕቆቅንቁን ዜማታት ንቤተሰቦም ብምንባዕን ጥራይ ዝጥበር ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረታዊ ትሕዝቶ ሕድሮምን ለበዋኦምን፡ ኣብታ ብዋግኦም ርእሳ ዘቕነዐት ኤርትራ፡ ሕገመንግስታውን ኣብዘሓ ሰልፋውን ስርዓት ክትከል፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደልዲሉ ረጊጹ ኣብታ ሓላል መሬቱ ብዘይስኽፍታ ዝባኑ ቀሊዑ ከልምዕ፡ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፡ ኮታ እቲ ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ንሰማእታቱ ሃገር ብምህናጽ ዝኽሕሰሉ ዘተኣማምን ሃዋህው ክፍጠር እዩ ነይሩ።

እቲ ብግብሪ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ዋላ ሓንቲ ካብ ሕድሮም ዘየኽብር ኩነታት ከኣ፡ ሓደ ጸረ ህዝቢ ባህርን ጸቢብ ረብሓን ዝኣከቦ ጉጅለ፡ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙን፡ ልዕሊ ህዝብን ሕግን ዘሽካዕልለሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ኣጽኒዑ ተማሂሩ ሃገሩ ክሃንጽ ዝነበሮ መንእሰይ ወዲ ስዉእ፡ ገለን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ዝጠፍኣሉ ገለን ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ኣደዳ ብዙሕ ስቓያት ዝኾነሉ ኩነታት ኢና ንዕዘብ ዘለና። ብዙሓት ኤርትራውያን ወለዲ ሰማእታት፡ ደቆም ከፊሎም ብደቂ ስዉኣት ደቆም ዝሕብሓብሉ ዕድሎም ዝመኸነሉ፡ ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉ ጥልመቱ ሰማይ ዓሪጉ፡ ነታ ዋጋ ሰማእታት ዝኾነት ልኡላዊት ኤርትራ ክጣለዓላ ትንዕምንዕ ዝብለሉ፡ ኮታ ወያ ሳላ ደቃ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝተወፈዩላ፡ ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝነበረት ኤርትራን ህዝባን፡ ናይ ኩሉ ሕማቕ ምምሕዳርን ድኽነትን ኣብነት ኮይና ኣብ እትጥቀሰሉ ቀራና መንገዲ ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ንላዕሊ መግለጺ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ከኣ የለን።

“መራሒ ሃገር እየ” ስለ ዝበለ፡ ናብ ክሕደት ጉጅለ ህግዲፍ ዝያዳ  ከነድህብ ንቡር እዩ። እንተኾነ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታትና ህግዲፍ ከም ጉጅለ በይኑ ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ ተረከብቲ  ሕድሪ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ሰማእታት “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ” ኣንዳበሉ ነታጒ ረጊጾም ቡንባ እንዳደርበዩ፡ ካብ የማነ-ጸጋሞም  ዝሓለፉ፡ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ መቓልስቶም ዝያዳ ተረከብቲ ሕድሪ እዮም። ነዚ ረሲዖም ኣብ ጐኒ ህግዲፍ ኮይኖም፡ ብገንዘብን ጹሩራን ተዓሽዮም፡ ሕድሪ ሰማእታት ዘዕብሩ ዘለዉ  ውሑዳት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግዲፍ ዘለዉ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብዛዕባቶም “እቶ” እንዳበሉ ዘሰውእዎም ጀጋኑ፡ ነብሶም ክሓቱ ይግበኦም። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እቲ ረጊጽኩምዎ ዘለኹም መሬትን ጨቢጥኩምዎ ዘለኹም ብረትን ካብ ሰማእታት ዝተረከብኩምዎ ምልክት ጽንዓቶም እዩ እሞ ሕድሮም እንተ ጠሊምኩም ዓጽሞም ከይወግኣኩም ሕሰብሉ። ውላዶም ወይ ናይ ቀረባ ሰቦም ምእንቲ ሃገር ሞባእ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ስድራቤታት፡ ምእንቲ ሓላፊ ጠቕሚ፡ ምስቲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ጉጅለ ክትመሓዘዉ እንከለኹም ክሳብ ክንደይ ካብቲ ሓቂ ርሒቕኩም ከም ዘለኹም እተስተብህልሉን ናብ ልብኹም እትምለስሉን ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። 

ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡  ንቡር መንገዲ ሒዙ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር  እንጽበዮ ኣይኮነን። ሎሚ እሞኸኣ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሓላፍነቱን ሕድሪ ሰማእታትን  ምሉእ ብምሉእ ሓጢጡ ደርብዩ፡ “ኣብ ዘይጉዳይካ ናይ ምኹዳድ ዘይሓላፍነታውን ህዝቢ ከይልክም ኣብ ዘስግእን” መንገዲ እዩ ዝጐዓዝ ዘሎ። እቲ ኢድ  ኣብ ጉዳይ ካለኦት ህይወት ኣእላፍ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘኽፍል ኮይኑ ስለ ዘሎ ከኣ፡  ምስ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር እዩ። ነዚ ኩነታት ቀይርካ ንሕድሪ ሰማእታት ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላሱ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ዝምልከት’ዩ። ዝያዳ ከኣ እቲ ትማሊ ብጾቱ ኣብ ሜዳ ቀቢሩ ሕድሮም ተቐቢሉ ዝመጸን “ናይ ናጽነት ሓርበኛ” ዝተባህለን ነባር ተጋዳላይ፡ ሎሚ ኣካል ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዘዋግእ ዘሎ፡  ክልተሻብ’ዩ ተራእዩ። ሓርበኛዊ  ታሪኹ ተደዊኑ፡ “ወራሪ፡ ሰራቕን መሰላት ንጹሃት ዝግህስን” ይበሃል ኣሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክበራበርን፡ ቅድም ስሙ ክዕቅብ ደሓር ከኣ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር እንተተሰቊርዎስ ንጽወዖ ኣለና።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Saturday, 19 June 2021 13:12