ኤርትራዊት ኣትለት ቀዳመይቲ ወጺኣ

2024-04-23 18:17:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 167 times

ኤርትራዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ብ21 ማዝያ 2024 ኣብ ሃገር ኣወስትርያ ከተማ ቬና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቀዳመይቲ ከም ዝወጸት ነቲ ውድድር ዝሰረዐ ኣካል ኣፍሊጡ። ኣብዚ ውድድር ኬንያውያን ተወዳደርቲ 2ይትን 3ይትን ክወጻ እንከለዋ፡ ካልእ ኤርትራዊ ኣትለት ሄኖክ ተስፋይ ድማ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን 6ይ ከም ዝወጸ ካብ X/ትዊተር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ናዝሬት እዚ ኣብ ቬና ዘመዝገበቶ ውጽኢት ኣብ መጻኢ ኣብ  ዝካየደ ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ክትሳተፍ ከም ዘኽእል እውን ተፈሊጡ።

እዛ ጓል 34 ዓመት ኤርትራዊት ኣትለት ነቲ 42 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ቀዳመይቲ ኮይና ክትውድእ ዝወሰደላ ግዜ 2 ሰዓታ፡ 24 ደቓይቕን 8 ካልኢትን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ናዝሬት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 4ይቲ ወጺኣ ዝነበረት ብደረጃ ኤርትራ ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ኣትሌት እያ።

Last modified on Tuesday, 23 April 2024 20:47