መፍቶ’ቲ ብምፍልላይና ዝዕንገል ከይንኸውን፡

2019-12-10 20:20:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2803 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሰዲህኤ፡ ንብዙሕነት ከም ቅሙጥ ሃገራዊ ጸጋን ሓይልን ስለ ዝቕበሎ ነቲ ኣብ ሞንጎ ብሄራትን ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታትን ሰላምን ቅሳነትን ዝዓሰሎ ተሳኒኻ ናይ ምንባር ባህሊ ንምስፋንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነትን ንምዕቃብን ክጽዕር እዩ።” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

“ሓድነትና ምስጢር ዓወትና እዩ”፡ ክንብል እንከለና፡ ብኣንጻሩ “ምፍልላይና ጠንቂ ስዕረትናን ውድቀትናን እዩ” ማለትና ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራዊ ነጻነትና ብመሪርን ነዊሕን ቃልስን ሓያልን ዘይቋረጽን ህዝባዊ ተሳትፎን ከነረጋግጽ እንከለና፡ ከመይ ጌርና ብብዝሕን ዓይነትን ሓይሊ ሰብ፡ ዘመናውነት ኣጽዋርን ዓለም ለኻዊ ደገፍን ኣዝዩ ንዝበልጸና ሓይሊ መግዛእቲ ምስዓርና ምስጢሩ እንታይ ከም ዝነበረ ንብዙሓት ዘገረመ ነይሩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ቃልስና ፍትሓውነት ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ኣብ ዓወት ዘብጸሓና ቃልስና ብኤርትራዊ ብሓድነት ዝተደረዐ ስለ ዝነበረ እዩ።

ሓድነት ዝረጋገጽን ምስጢር ዓወት ዝኸውንን፡ ኣብቶም ንሓድነት ከም ምስጢር ዓወቶም ገይሮም ዝወስዱን ዝዕቅብዋን ዝኾነ ፍልልይ ኣብ ዘይህልወሉ ኣይኮነን። ሓድነት ዝረጋገጽ ፍልልያት ሃልዩ፡ ኣበይን ስለምንታይን ትፈላለ፡ ኣበይን ብኸመይንከ ኣብ ሓድነት ተትክል ኣንጺርካ ብምሓዝ እዩ። ኣብቲ ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ምንባሩ ኣመስኪሩ ንብሎ ዘለና መድረኽ ቃልሲ እውን፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎን ጠንቂ ምፍልላይ ዝኸውን ዘሎን፡ ብዙሕነት ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ቋንቋን ካልእን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ሳላ ብሓልዮት ህዝብን ሃገርን፥ ብምጽውዋርን ምክእኣልን ዝተመሓደረ ኣድማዒ  ውጽኢቱ ተራእዩ። ብኣንጻሩ ሎሚ ብዞም ዝጠቓቐስናዮም ናይ ብዙሕነትና መርኣያ፡ ተፈላሊና ክንናቖትን ክንረሓሓቕን እንከለና እቲ ቀደም ዝነበረና ልቦናን ሃገራዊ ሓላፍነትን ይጐድል ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ሓድነት ከምቲ ወሳንነቱ ምዕቋቡ እውን ዋጋ የኽፍል እዩ። ከምቲ ኣብ ሓድነት ተረባሕቲ ዝነበርናን ዘለናን ነዚ ዘይብህግዎን ዘይደልይዎን’ውን ነይሮምን ኣለዉን። እቲ ፍልልይ እቶም ናይ ቀደም ጸረ ሓድነት ሓይልታት ከም ናይ ሎሚ ህግዲፍ ዝተርንዑን መንግስታዊ መልክዕ ዝሓዙን ዘይምንባሮም እዩ።

እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋጽኦ ነቲ በዂሩ ዘሎ ምጽውዋርን ምክእኣልን ናብ ንቡር ምምላሱ መተካእታ የብሉን። እዚ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ቅድሚ ሕጂ ምስጢር ዓወትና ዝነበረ ብዙሕነትና፡ ሎሚ ግና መናቖቲናን ምረሓሓቒናን ምዃን መንእሰያት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ምዃኑ ከኣ ኣተሓሳሳብነቱ መሊሱ ይረዝን። መንእሰይና ተዋሳኢ ናይዚ ዳሕረዋይ ስልጡን ዘበን ብምዃኑ፡ ብፍላይ ዘፈላልዩ ጉዳያት ኣብ ምውጋን ዓብይ ትጽቢት እንዳንበርናሉ፡ ኣብ ምጽሕታር ጸቢብ ስምዒታት ክሳተፍ እንከሎ፡ ቃልስና ክሳብ ክንደይ ከቢድን ንድሕሪት ከይምለስ ዘስግእን ምዃኑ ዘጠንቅቕ እዩ። መንእሰይ እንተኾነ ናብ ዝሓሸ ኩለመዳያዊ ስኒት የስግረና፡ ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ዝነበረን ክንዲ ናጽነት ዝኣክል ዓብይ ጉዳይ ዘውሓሰን ሓድነት ክዕቅብ ናይ ግድን እዩ።

ብዛዕባ ሓድነት ደጋጊምና ክንጉስጉስ እንከለና፡ ፍልልያት ፈጺሙ ኣይሃልወና ማለትና ኣይኮነን። ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ምስዓብ፡ ናይ ዝኾነ ኣውራጃ ተወላዲ ምዃን፡ ናትካ ቋንቋ፡ ባህልን ብሄርን ምውናን ዘይግደብ መሰል ነፍሲ ወከፍ እዩ። እዚ ፍልልያት ረብሓ ሃገር ዘይጐድእ ክኸወን ግና ንኤርትራዊ ሓድነት ብዘይሃሲ መንገዲ ክቃነ ይግበኦ። ብኻልእ ኣገላልጻ ንሓደ ካብዚ ብግቡእ ክተሓዝ እንከሎ ጸጋ እዩ እንብሎ ዘለና ዝንባለታት ልዕሊ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ምስርዑ ግና ይፈቶ ይጸላእ ነቲ ምስጢር ዓወትና ዝኾነ ሓድነትና ዝፍሑቕ ጥራይ ዘይኮነ ዝጻረር ስለ ዝኾነ፡ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ እዩ። እንመርጾ ሃይማኖት ኮነ ኣውራጃ ሓድነታ ኣብ ዘይተሓለወት ኤርትራ ትርጉም ከምዘይህልዎ ምስትብሃል ከኣ ሓጋዚ እዩ።

ንሕና እቶም ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልስን ዓወትን ተመኩሮና ግደ ሓድነት ወሳኒ ምንባሩ እንኣምን፡ ግደ ሓድነት ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ወሳንነቱ ህያው እዩ ኢልና ኢና እንኣምን። ስለዚ ኢና ከኣ ምርግጋጽ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ካብ ዓወት ኣንጻር ህግዲፍ ፈሊኻ ኣይርአን’ዩ እንብል። ብኣንጻሩ እቲ ሳላ ሓድነታዊ ኣበርክቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ግና፡ ደጊም ሓድነት ህዝብና ንረብሓኡ ከምዘይኮነ ስለ ዝተረድአ፡ በቲ ሓድነት ኣይግደስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምፍራሱ ሓይሊ ሰብን ጥሪትን ካብ ምውፋር ድሕር ከምዘይብል ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምግላጽ ይከኣል። ህግድፍ ኣብ ከምዚ በታኒ ዕማም ምውፋሩ እምብዛ ዘገርም ኣይከውንን’ዩ ምኽንያቱ ካብኡ ጥራይ ስለ ዝዕንገል። እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕዝንን ዝኸውን ብግብሪ ግዳይ ወጽዓኡ ክነስኻ፡ ናይዚ ኣብ ምክፍፋልና ዝሃጥር ጉጅለ መሳርሒ ዝኸውን ኤርትራዊ ክህሉ እንከሎ እዩ።

ኣብዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ምቅላስ ወሳኒ ዝኾነሉ ግዜ፡ ጸቢብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሓድነት  ፍልልያት ኣሳዊርካ ምርሕሓቕ ወይ ክሳብ ምብኣስ ምብጻሕ፡ ህግዲፍ ይወድቦ ኣይወድቦ ንረብሓ ህግዲፍ ዝውዕል ምዃኑ ፈጺሙ ክሰሓት ኣይግበኦን። ንረብሓ ህግዲፍ ካብ ወዓለ ኣንጻር ባህግን ትጽቢትን ህዝብና ምዃኑ ከኣ ኣብኡ እንከሎ ፍሉጥ እዩ። ህግዲፍ ናይ ህውከትን ምፍልላይን እምበር፡ ናይ ሰላምን ሓድነትን ሓይሊ ስለ ዘይኮነ ኣይኮነንዶ ባዕልና ክንበኣሰሉ እንከለና፡ ባዕሉ ኣንቂዱ ዝውለዖ ሓዊ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ክህልው ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ፍልልይዚ ሰዓሪ ንምዃን ከኣ ካራሩ ስሒልካ ኣብ ዓውዲ ውግእ ዘይኮነ፡ ምኽንያትካ ኣዋህሊልካ ኣብ ዓውዲ ዘተን ልዝብን እዩ እቲ ግጥም ክኸውን ዝግበኦ።

ብሓይልን ዓመጽን ክዕብልል ዝደሊ ኣብ መድረኽ ዘተ ዝቐርብ ጭብጢ ዘየብሉ እዩ። ብዓመጽን ዘይምኽንያታዊ ዕብለላን ዝኣምን ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሰዓራይ እዩ። እቲ ኣብ ዓመጽን ሸፈጥን ዝኣምን ዘይሩዘይሩ ኣንጻር ህዝቢ ስለ ዝኾነ ወዳቓይ እዩ። ዕድል ህግዲፍ በዚ ዝምዘን ኮይኑ፡ ካብቲ ዕድሜኡ ከነሕጽረሉ እንኽእል ቀንዲ መንገድታት ከኣ ሓድነትና ምድልዳል እቲ ቀንዲ እዩ።   

Last modified on Tuesday, 10 December 2019 21:24