ንዝናብ ዝተባህለ፡ ንበረድ ከይከውን
2024-09-17 11:56:39 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 494 timesኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ሓደሓደ ግዜ ዘይተጸበኻዮ ፍጻመ ኮይኑ ትረኽቦ። ካልእ ግዜ ድማ ዝተጸበኻዮ ዘይምዃኑ የጋጥም። እዚኦም ክኽሰቱ እንከለዉ ኣገረምትን ኣዛራብትን ክኾኑ ልሙድ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ትጽቢትን ተግባርን ፍልልያት ዘርእዩ ስለ ዝኾኑ። ኣብ 2018 ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ፡ ከምቲ ዘይንርስዖ ኣፍልቡ ልቡ እናወቕዐ፡ በቲ ዘይለመዶ ዘይትካላዊ ዕንደራ፡ ንዶክተር ኣብይ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ክብሎ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ንብዙሓት ምእማኑ ዘጸግም ዘይተጸበይዎ ኮይንዎም ከም ዝነበረ እንዝክሮ እዩ። እዚ ተርእዮ ዝያዳ ኣብ ሃንደበታዊ ናይ ዝምድና ምቅይያራት ዘጋጥም እዩ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ምስ ህግደፍ ምስጢራዊ ርክብ ይገብር ኣሎ ዝብል ግና ዝይተረጋገጸ፡ ወረ ካብ ዝነፍስ ኣዋርሕ ኮይኑ’ሎ። እንተኾነ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ኣብ መንጎኦም ብዝጸንሐ ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ነቲ ወረ ብዙሕ ቀልቢ ኣይተዋህቦን። ደሓር ግና እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብዝፈጠሮ ወጥርን ምክሳስን ብላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ውድብ፡ ብውሳነ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዘይከውን ዝመስል ዝነበረ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
ዝምድና ህግደፍን ህወሓትን “ብናይ ምፍቓርን ምበኣስን ውረድ-ደይብ” ክጐዓዝ ዝጸንሐ ካብ ሜዳ ክሳብ ከተማ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። ካብቶም ሓቢሮም ዝሰርሕዎም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ስርዓት ደርጊ ዘመዝገብዎ ወተሃደራዊ ዓወት ብኣውንታ ዝተመዝገበሎም እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣዳኺምካ ካብ ሜዳ ቃልሲ ንምውጻእ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ወፈራን ደሓር በብቑሩብ ክቕልዑ ዝጸንሑ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦም ስምምዓቶምን ኣብ ታሪኽ ዝምድናኦም ዝፈጸምዎ ተጣዒስካ ዘይምለስ “ጌጋን ክሕደትን” ኮይኑ ብጸሊም ዝተመዝገበ እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ከምቲ “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር” ዝበሃል፡ ብዘይካ’ቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥሞም ዝነበረ ድምጹ ዘይስማዕ፡ ምኩርራይ፡ ምስሕሓብን ምጥልላምን ቅድም ኣብ 1998-2000 ብዘይንጹር ምኽንያት፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ 2020-2022ን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣዝዩ መሪርን ኣህላቕን ውግኣት ኣካይዶም ዓለም ዘስደመመ፡ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ኣውሪዶም፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ኣሉታዊ በሰላ ኣሕዲሮም እዮም። ከም ሳዕቤን ናይዚ “ናይ ሓሶት ኣስማት” ዝተዋህቦ ውግኣት ኣብ ሕድሕዶም ክካየድ ብዝጸንሐ መሪር ናይ ፕሮፖጋንዳ ምቅንጻልን ምጽልላምን ኣይኮነንዶ ተመሊሶም ኣብ ሓጺር እዋን ክዛመዱ “ዓይኒንዓይኒ ክርእኣዩ እዮም” ኢልካ ዝግመት ኣይነበረን።
ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ምንቅስቓስ 2018፡ “ምድማር ዝብል ዝጭረሖኡ” ኣምሪሑ ኣብ ኢትዮጵያ “ለውጢ ኣምጺአ ኣለኹ” ምስ በለ፡ ብብዙሓት ደለይቲ ለውጢ ተስፋ ተነቢርሉ ደገፍ’ውን ረኺቡ ነይሩ። ግዜ ከይወሰደ፡ ብሃታሃታ ምስ ህግደፍ ዝምድና ፈጢሩ ምስ ህወሓት “ከብድን ሕቖን” ኮይኑ ኣብ ምትህልላኽ ምስ ኣተዉ ግና፡ ከምቲ “መን ምዃንኳ ክነግረካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ዝበሃል፡ ብሰንኪ ዝምድናኡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ኤርትራዊ ወገን እቲ ንብልጽግና ዝነበሮ ደገፍ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ግዜ ኣይወሰደን። ምኽንያቱ “ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ስርዓት ህግደፍ ምዝማድ ንህዝቢ ኢትዮጵያኸ እንታይ እዩ ከርበሖ?” ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ ንጹርነት ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ዝምድና ዝተሓታትት ክኸውን ናይ ግድን ስለ ዝነበረ። ህግደፍ በቲ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ተጸልዩ ነብሱ ካብ ዝልውጥ፡ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ንድሕሪት ምምላስ ከም ዝመርጽ ከኣ ናይ ብዙሓት ኣምነት ነይሩ ብግብሪ ከኣ ከምኡ ኮይኑ። ብልጽግና ናቱ ስንኩፍ ኣተሓሕዛን ብኩለ-መዳያዊ ተመኩሮ ዘይምድላብን ተወሲኽዎ፡ ድሕሪ ምስ ህግደፍ ምዝማዱ መንገዱ ናይ ህውከትን ውግእን ስለ ዝኾነ ብፍላይ ድሕሪ ሓቢሮምም ኣብ ኣንጻር ትግራይ ምውግኦም፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይቀሰነን። መጻኢኡ እንታይ ከም ዝኸውን ድማ ብሩህ ኣይኮነን።
እቲ ዘገርም፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ህግደፍ እናጸብጸበ፡ ብሰንኩ ዘጋጠሞ ክሳራታት እናዘርዘረ ንዝምድና ምስ ህግደፍ “ክጽየፎ ዝጸንሐ” ውድብ ህወሓት፡ እናሰማዕካዮስ ምእማኑ ብዘጸገም፡ ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ፡ ቦታን ፈጸምቱን ጠቒሱ፡ “ምስ ህግደፍ ብምስጢር ተራኺብና ኢና” ኢሉ። ወዮ ኣብ ዲፕሎማሲ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታውን ጸላኢን የለን” ዝበሃልሲ ክሳብ ክንድዚ ድዩ ዝተዓጻጸፍን ዝምጠጥን?፡ ኢሎም በቲ ርክብ ዝግረሙ ዘለዉ ኣካላት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ትማሊ ተጠሊዖም ንህግደፍ ያሒት ገበናት እናሰከሙ፡ “ዓይንኻ ይፍሰስ” ዝብልዎ ዝነበሩ ሓድሓደ ወነንቲ ሚድያን ነጠፍትን፡ ነቲ “ብምስጢር ተራኺብና” ዝብል ሓበሬታ እናጸባበቑ ድሮ ንህግደፍ ከመላኽዕዎ ክፍትኑ ክትዕዘብ እንከለኻ ድማ “ወይ ሰብ ደቀይ” ዘብል እዩ።
እቲ ቀንዲ ዘገድስ ጉዳይ “ናይቲ ርክቦም ኣጀንዳን ኣብኡ ዝተላዕሉ ዛዕባታትን እንታይ እዮም?” ዝብል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል “ሳላ ርክብ ዝገበርና ኣብ ዶብ ዝነበረ ናይ ሰብን እንስሳን ምጭዋይ ነኪናዮ ኣለና። እዚ ድማ ንሰላምና ኣውንታዊ ስለ ዝኾነ እንቕጽሎን እዩ” ዝብል መንፈስ ብዘለዎ ቃል ኣስሚዑ። “ብወገን ህግደፍከ እንታይ ኣልዒሉ እንታይከ ከሲቡ?” ዝብል ግና ኣይተሰምዐን። እዚ ርክብ ብዝምድናዊ ዓይኒ ህግደፍ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣብ ዝሃለወሉ ዝካየድ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ‘ንእሽቶ ሂቡ ዓብይ ክወስድ” ከም ዝደሊ ኣየጠራጥርን። ብውሕዱ ህወሓት ካብቲ ኣብ ግዜ ውግእ ፈጺምዎ ኢሉ ክኸሶ ዝጸንሐ “ኢደ-እግሩ ክእክበሉ” ከም ዝደሊ ከይደቀስካ ዝሕለም እዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን መንእሰያት ንምህላቕ ኣብ መጻኢ ኣንጻር ብልጽግና ድዩ ካልእ ኣካል ከካይዶ ንዝሕልን ውግእ ኩነታት ዘጠጣሓሉ ባይታ ክፈጥር ይደሊ ይኸውን።
እቲ ምስዚ ምስጢራዊ ርክብ ተተሓሒዙ ካብ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ጀሚርካ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክለዓል ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ሕጋውን ሕቶታት እቶም ተራኸብቲ ባዕላቶም ዝምልስዎ ስለ ዝኾነ ናብ ዝርዝሩ ኣይንኣቱን። እንተኾነ ኣብ ርእሲ’ቲ ባዕሉ ዝፈልጦን ክምኮሮ ዝጸንሐን ህወሓት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጠለመ ህግደፍ “መንገዲ ጥፍኣት እምበር ደሓን” ንከይጽበ ነዘኻኽሮ።
ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከኣ ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ፈጢርና፡ ኣካል ናይዚ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣሰላልፋን ማዕበል ለውጥን ምዃንና ተረዲእና፡ ብጽሞና ኣጽኒዕናን መዚናን፡ መስርዕና ከነለሊ ይግበኣና። ምስዚ በቲ ሓደ ወገን ረብሓን ድሕነትን ኤርትራን ህዝብን ምርግጋጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጐረባብትና ሃገራት ምዕቃብ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።