ወያነ ጌም ኦቨር >ተኾሊፍና> ጽምዶ!
ህግደፍ ካብ ዝግለጸሎም፡ በብግዜኡ ዝምስርቶ ኢደ-ወነናውን ዘይህዝባውን ዝምድናታት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃላሊ ዝምድናታት ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእቱ ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ናይ ምንባር ሕሳብ ጥራ ዝነቅል’ዩ። ህግደፍ ካብ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝሃድመሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ነዚ ፍኑው ኣካይዳኡ ንምትግባር እዩ። ብሰንኪቲ ዘካየዶ ዘይግሉጽ ዝምድናታት ከኣ ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ጓና ክኾነሉ ዝጸንሐ እዩ።
ህግደፍ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ክጸምዶ ዝጸንሐ ናይ “ስርሕ-ብትን” ዝምድናታት ኣርሑቑ ዘይርኢ ምንባሩ ርኡይ እዩ። ተመኩሮ ዝምድናኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ደረጃታቱ’ኳ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንክ’ዚ ዘይቅርዑይ ርክባት ክሳቐ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ኩሉ’ቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይሓላፍነታዊ ዝምድናታት መንቀሊኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐን ዘሎን ጥልመታትን በለጽን ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድናታት ህግደፍን ኣፈራርሳኡን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። እዚ ዘይርጡብ ዝምድና በቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናቶም ግደ ዝነበሮም ውድባት ህግሓኤን ህወሓትን ካብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዝጅምር እዩ። በብግዜኡ ክመሓዘዉን ክበኣሱን ከም ዝጸንሑ ክልቲኦም ከም ኣካል ታሪኾም ዘዘንትውዎ ኮይኑ፡ ናይቲ ዝበኣስሉ ዝነበሩ መድረኻት ተሓታቲ መን ምንባሩ ግና ወትሩ ዝካሰስሉ እዩ። ካብቲ ናይ ዝምድናኦም ዘይቅዱስ ምዕራፍ ሓደ፡ ሓቢሮም ኣንጻር’ታ ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ኤርትራ ዓብይ ግደ ዝነበራ ተሓኤ ውግእ ከፊቶም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዘዳኸምሉ ጭካነ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመዝጊቡ ዘሎን ዝቕጽልን እዩ።
ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ልዕልና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሮ መንግስቲ ኢህውደግን ዝምድና ነይሩ እዩ። “እቲ ዝምድና ብወገን ኤርትራ በየናይ ትካላዊ ኣካል ተመስሪቱ?፡ ዕላምኡ እንታይ ነይሩ? ንህዝቢ ዝነብሮ ጠቓምነትከ ክሳብ ክንደይ እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሱን። ህግደፍ ነቲ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድና ተጠቒሙ ጉጅላዊ ካዝናኡ ይመልእ ከም ዝነበረ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ክሳብ “ንዶባት ትርጉም ናብ ዘየብሉ ብርኪ ከነብጸሖ ኢና” ዝበለሉ ግዜ’ውን ነይሩ እዩ።
ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘይግሉጽን ዘይህዝባውን ዝምድና ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኽትል፡ ሰማዒ’ኳ እንተዘይረኸቡ ብዓንተብኡ ዘጠንቀቑ ኣርሒቖም ዝርእዩ ኤርትራዊ ውድባት ነይሮም እዮም። ነቲ ብግብሪ ዝተራእየ ስለ ዘተንብሁ፡ “ናይ ህዝብታት ሕውነት ዘይፈትዉ” እናተባህሉ ዝተጸርፉ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ግና ሰማዒ ዘይረኸቡ ዝገመትዎ ከኣ፡ እቲ ዝምድና ፈሪሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከቢድ ዕንወት ብዘኸተለ ወእግ ተሰንዩ ተኸሲቱ።
ድሕሪኡ’ውን ህግደፍ በቲ ቀዳማይ ጌጋኡ ብዘይምምሃርን ብዘይስኽፍታን፡ ነቲ ክቐርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ ብምንጻግ በቲ ኢደ-ወነናዊ መንገዱ ምቕጻል ንከኽእሎ፡ ነቲ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ክጉሕፎ ድሕር ኣይበለን። ንዓመታት ኣድብዩ ምስ ጸንሐ ከኣ፡ “ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘተግብር ቃል ኣትዩ” ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ 2018 ናብ ሓድሽ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ናብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ንምእታው፡ ብክልቲኦም ወገናት “ኣየናይ መንግስታዊ ትካል’ዩ ወሲንዎ? ሎሚኸ ረብሓ ህዝብን ቀጻልነት ናይቲ ስምምዕን ተሓሲብሉ ድዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣይኮነንዶ ሽዑ፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይተመለሱን።
እቲ ሓድሽ ስምምዕ’ውን፡ ኣርሒቑ ዘይርእን ስምዒታውን ብምንባሩ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብዘይምምሃሩ፡ ነዊሕ ዕድመ ከምዘይህልዎ፡ ናይ ብዙሓት ተረድኦ ነይሩ። “እዞም ብኣተሓሳስባን ብዝኽተልዎ ፖሊሲን ዘይሰማምዑ መራሕቲ እንታይ ንምርግጋጽ እዮም ዝዛመዱ ዘለዉ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን በተደጋጋሚ ዝለዓል ዝነበረ እዩ።
ህግደፍ ምስ ብልጽግና ምዝማዱ ምስ ኣወጀ፡ ነዊሕ ከይጸንሓ ኣብቲ ምግማቱ ዘጸግም ጉድኣት ዘኸተለ ውግእ ትግራይ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትዩ። ኣብዚ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ብወገን ኤርትራ “ኣየናይ ትካላዊ ኣካል’ዩ ሓላፍነት ወሲዱ ናብቲ ውግእ ንምእታው ወሲኑ?” ዝብል ሕቶ፡ ብብዙሓት ዝተላዕለ ኮይኑ፡ መልሱ ከም ናይቲ ዝቐደመ ሕቶታት “ኢሳያስን ጉጅለኡን” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ መልሲ ኣይነበረን። ድሕሪ ውግእ ትግራይ “ተኾሊፍና” ዝበለ’ውን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ውግእን ኣሉታዊ ውጽኢቱን፡ ካብ ካልእ ሲቪላዊ ወይ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ህግደፍ ዝተሰምዐ ድምጺ ኣይነበረን። ብመሰረቱ’ውን ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይምራሕ ስርዓት፡ “ፓርላማ እንታይ ኢሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትከ እንታይ ደጊሙ?” ኢልካ ክትሓትት ዝሕሰብ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን። እቲ ውግእ ብፍላይ ኣብቲ ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይ ዘውረዶ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ብብዙሕ ዘሳቕቕ መልከዓት ዝግለጽ ምንባሩ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ዝመስከርሉ እዩ። ብወገን ኣካላት ህግደፍ’ውን ኣብ ዙርያኡ ዘይተነዝሐ ናይ ጽልኢ መርዚ ኣይነብበረን።
ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ’ውን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸሞ ኣሉታውን ዘይሓላፍነታውን ተግባሩ ከይተማህረ፡ ምስ ክልል ትግራይ “ጽምዶ” ዝበሃል ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ናብ ምፍጣር ትንዕምንዕ የርኢ’ሎ። ወዮ ኣብ ንቡር ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ካብ ሓጋጊ ወይ ፈጻሚ ኣካልን ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላትን እትጽበዮ ውሳነ፡ ብሓደ ስም ዲክተረር ኢሳያስ ጸሪሑ፡ መራሕ መንግስተይ ልኢኹኒ እንዳበለ ዝግዕርን፡ ተራ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ሰባኺ ባእታ፡ “ንህወሓት ዝድግፉ ጋዜጠኛታት ናብ ኤርትራ ንክኣትዉ ተፈቒድሎም፡ ደጊም ትግራይ ብ360 ዲግሪ ኣይክትዕጾንያ፡ ከም ምስ ህዝቢ ሱዳን ዝገበርናዮ ምስ ህዝቢ ትግራይ ተኻፊልና ክንበልዕ ኢና፡” ዝብል፡ ኣብ ተጋሩ ዘማጉት ዘሎ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ተሰሚዑ። ነዚ መልእኽቲ ክሳብ “ወደባት ኤርትራ ንትግራይ ክኽፈት’ዩ” ዝብል ዝመጥዎ ወገናት’ውን ኣለዉ። እዚ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ክነሳ፡ ንሓላፍነት ፈደራል መንግስቲ ዘንጊዕካ፡ ክግበር ዝድለ ዘሎ ጽምዶ፡ ነቲ “ንኢትዮጵያ ክትገዝኣ እንትኮይንካ ፋሕፋሕ ከነብላ ኣለካ” ዝብል ዓመጸኛ ብሂል መራሕቲ ህግደፍ ዘንጸባርቕ’ውን ይመስል።
እቶም “ንጽምዶ” ዝዕደሙ ዘለዉ፡ ነቲ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንካልእ ህዝቢ ኣይከውንን እዩ” ዝብል ተደጋጋሚ መልእኽትና ከመይ ይርድእዎ ንዓኣቶም ዝምልከት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕያል ሰናይ ዝምድናታት ተቓውሞ ከምዘይህልዎ ርዱእ’ዩ። ግና ድማ ብጉልባብ ዝምድና፡ ልኡላውነት ክጠሓስ እንከሎን ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ምእታውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ዝግንዘብ ህዝቢ እዩ። ልኡላውነትካ ምዕቃብ ካብ ምኽባር ናይ ካለኦት ልኡላውነት ፈሊኻ ከምዘይርአ ህዝብና ዝስሕቶ ኣይኮነን። እዚ ዝረጋገጽ ከኣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብምትካልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምኽታልን እዩ እሞ፡ ምእንታኡ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ክሳብ ዓወት ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ የብልናን።
ናብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እንተተመሊስና ከይነውሓና፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምኽታሙ፡ ኣብ ከባቢና ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከም ዝተቐላቐለ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። እዚ ተመሓዝዮም ዝጸንሑ ዝፋትሕሉ፡ ዝጠማመቱ ዝነበሩ ከኣ ሓድሽ ኪዳን ዝምስርትሉ ኩነታት ይፍጠር ምህላዉ ዘመልክት እዩ። እዚ ክትረግሞ ንዝጸንሓካ ብምምራቕ፡ ክትምርቖ ንዝጸናሕካ ከኣ ብምርጋም ብዝተቓነየ ፖሮፓጋንዳ ዝተሰነየ ምዃኑ ንሪኦን ንሰምዖን ኣለና። እቲ ዝጸንሐ ኮነ ክፍጠር ዝባሃል ዘሎ ዝምድናታት ናይቶም ተሰለፍቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ክቱር ህርፋን ዝማእከሉ እምበር፡ ኣርሒቑ ዝጥምት “ረብሓን ባህግን ህዝብታት” ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዘይኮነ ብፍላይ ንኤርትራውያን ብሩህ’ዩ።
ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ብ1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝቢ ዘይተጸበዮ ሃንደበታዊ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ እቲ ተረእዮ ምእንቲ ፍትሕን ረብሓን ህዝብታት ዘይኮነን ቀጻሊ መፍትሒ ዘየምጽእን ብምንባሩ “ኣይፋልኩምን፡ መንገዲ ፍትሕን ሰላምን ከይጸንቀቕኩም ውግእን ዓመጽን ኣይተቐድሙ” ዝብል ስምዕታ፡ ብሓፈሻ ናይ ብዙሓት መንግስታት ብፍላይ ከኣ ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ነይሩ። እንተኾነ እቶም ውግእ ዝመረጹ መንቀድቲ፡ ነቲ ምግማቱ ዘጸግም ንዓለም ዘስደመመ ህይወትን ንብረት ዘህለቐ ውግእ ቀጺለምዎ። ኣንጻር እቶም ናይ ጥፍኣት መንገዶም ዘይተቐበሉ ኣካላት ከኣ ኣጸያፊ ጸለምታትን ጠቐነታትን ኣካይዶም።
በቲ ውግእ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሎም ዕድል ሓደጋ ምዃኑ ምስተረድኡ ግና፡ ብፍላይ ብወገን ህግደፍ ናብ ኣልጀርስ ኣምሪሖም ናይቲ ቅድም ዝተሓሰምዎ “ሰላማውን ሕጋውን መስርሕ” ተቐበልትን ሰበኽትን ኮይኖም፡ ካባ ስዕረት ተጐምጒሞም ንዋራ ዝደሓንሉ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብሰንኮም ህይወት ደቁ ዝሰኣነን ንብረቱ በሪሱ ዝተመዛበለን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከኣ “ማይ ዕሚኹ”ተሪፉስ” ክሳብ ሎሚ ይቕንዞ’ሎ። ኣብ መጻኢ ከይድገም ተማሂርሉ ክኸውን ዝነበረ ተስፋ ከኣ፡ እንደጋና ጽልእን ቅርሕንትን ብምውላዱ እነሆ እቲ ህውከት ቀጻሊ ኮይኑ ።
እቶም ካብ ቅድም ነቲ ናይ ውግእ ምርጫ ዝተቓወሙ ወገናት፡ ነቶም ውግእ መሪጾም ዘይሰለጦም፡ ኣላሽ ዝበሉ፡ “ማንቲለሲ ዘሊላ ዘሊላ ናብ ምድራ” ከም ዝበሃል፡ “ንሕናኮ ነጊርናኩም ኔርና ኢና” ኢሎም ኣይተመክሕሎምን። ብኣንጻሩ ናብ ልቦም ተመሊሶም ልዝብን ምድምማጽን ስለ ዝመረጹ፡ እሞ እቲ ተግባር ንረብሓን ደሕንነትን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንሓሳቦም ተቐቢለምዎ። ይኹን እምበር ድሕር’ዚ ጥፍኣትን ህልቂትን ዘኸትል ውግእ’ውን፡ ብህግደፍ ከም ክድገም ዝገመቱ ነይሮም እዮም። ግምቶም ከኣ ግምት ኮይኑ ኣይተረፈን።
ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ድንግርግር ዓመታት ፡ ከምቲ ሓደ ፖለቲከኛ “ተኲሲ ናይ ዘይስምዓሉ ውግእ ግዜ” ዝበሎ፡ ኣብ 2018 በዚ መጸ ዘይተባህለን ታህዋኽ ዝደፍኦን፡ ኣብ መንጎ’ተን “ዓይንን ሓመድን” ኮይነን ዝጸንሓ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ሰላም ተመሊሱ፡ ዶባት ተኸፊቱ” ምስ ተባህለ፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮነ። እቶም ብጉርሒ ዝጐዓዙ ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ከኣ፡ ገለን ተመስጊነምሉ ገሊኦም ድማ ናይ ሰላም ኖበል ተሸሊመምሉ፡ ገለ ድማ ካብ እገዳ ተናጊፈምሉ። “ንኢትዮጵያ በታቲንና ኢና ክንገዝኣ እንኽእል” ዝብላ ዝነበራ ልሳናት ህግደፍ ድማ “ዕላማና ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከይትበታተንን ምሕላውን፣ ወያነ ዳግም ናብ ስልጣን ከምዘይትምለስ ምግባርራ’ዩ” ክብላ ተሰሚዐን። በቲ ክስተት ተገሪሞም፡ “እንቀዓ መሻላ ዘይውደኣ ይመላ” ዝበሉ ጠርጠርቲ ከኣ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፎም ሎሚ ክትዝክሮ እንከለኻ ብዘደንጹ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናምበልበሉ ኣብ ኣደባባያት ተጠሊዖም “ተደሚርና ኢና” ዝብሉ ደድሕሪ ህግደፍ ዝሰኸሩ ኤርትራውያን ድማ ተራእዮም።
ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርበሐ ህግደፍ፡፡ በዓል ጽቡቖም ክኸውን ዝተመነዩ ስምዒታውያን ኢትዮጵያውያን ከኣ ንዲክታተር ኢሳያስ ዝመጉስ መዛሙር እናስምዑ ክዘሉ ተራእዮም። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና እቲ ሓደ “ተኾሊፍና” ዘርእስቱ ናይ እንጽርጽሮት ዜማ ክስምዕ፡ እቲ ካልእ ከኣ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ክንከውን ኢና” ኢሉ ክጭድር ተሰሚዖም። እቲ ክስተት ንህዝቢ ኤርትራ ጥልመት ህግደፍን መራሒኡን ሓድሽ ካምዘይኮንዎ ርዱእ’ዩ።
ህግደፍ ንመጻኢ’ውን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ “ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ ዝማእከሉ ሓሸውየ” ኣይክወጽእን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ከምቲ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሃል መልእኽትና ናብኡ ዘቕነዐ ኣይኮነን። ነቶም ህግደፍ በብግዜኡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርማ ተሰከሙ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜማ ኣቃልሑ” ክብሎም ዝጸንሐ “ናብ ልብኹም እንዶ ተመለሱ’ሞ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኩኑ” ዝብል መጸዋዕታ ከነቕርብ ግና ግድን’ዩ።
እቶም ንህግደፍ ኣሚኖም፡ ዘይኤርትራዊ ባንደራን ኣርማን ክቐያይሩ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ድማ ካልእ ዝሕብሩ ባንዴራ ናይ ምጉምጓም ግደታ ዝጽበዮም ዘሎ ዝመስል፡ ከምቲ ንዝኾነ ነገር ደረት ዘለዎ፡ “ሎሚኸ ምስመን ኢኹም ከተትዓራርኹና ትደልዩ ዘለኹም?” ክብሉ ድዮም ኣይፋሎምን፡ ንሳቶም ክምለስዎ ዝግበኦም’ዩ። ካብ’ዞም ደድሕሪ ህግደፍ ሸለውለው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራውያን፡ “መብዛሕቶም ብውሽጦም ኣይድግፍዎን እዮም” ክበሃል ይስማዕ’ዩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ውሽጦም ኣሎ ዝበሃል ሓቀኛ እምነቶም ካብ ሎሚ ዝጥዕም ደኣ ንመዓስ’ዮም ከውጽእዎ? ዝበል ሕቶ ዘኸትል’ዩ።
ከምቲ ፖሊሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዘነጽሮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋጸኦ፡ ልኡላውነቱ ዝዓቀበ፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዝተሰረተን ኢድ ኣእታውነት ዘይቕበልን ዝምድና፡ ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ወገናት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ጐረባብቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ባህላዊ፡ ታሪኻዊ፡ ቋንቋዊ፡ ንግዳውን ዝኣመሰሉን ዝምድናን ተመሳሳልነትን ዝከሓድ ኣይኮነን። ምስዚ ግና ነናቱ ልኡላዊ ሃገርን ዜግነትን ዘለዎ፡ ጐረባብቲ ህዝብታት ምዃኑ ዘውደኽደኸ እንተውደኽደኸ ዘይቅይሮ ቀይሕ መስመር እዩ። ነቲ ዝምድና ዝያዳ ንምድልዳሉ እንተኾይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ሰነዳት ሰዲህኤ ተወሪቑ ሰፊሩ እንረኽቦ፡ “ብፖሊሲ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ምዕቃቡ’ዩ። እዚ ኣተሃላልዋ ኣብ መንጎ ኣብ ዶባተን ዝመሳሰል ነባሪ ዘለወን ሃገራት ዓለም ዝረአ እምበር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጥራይ ዘሎ ኣይኮነን።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰዲህኤ፡ ቅድም ውግኣት ከይካየድ፡ ደሓር ከኣ ህዝቢ ካብቲ ቀዳማይ ስሕታን ተማሂሩ ንከይድገም “ኣይፋልኩምን” ንክብል ክጽዕቱ ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደባታት ሓደ እዩ። ብመንጽርዚ ኣድላይነት ሰላማዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ነባርን ቀጻልን ምዃኑ ዘኽብሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ፍቕሪ ህግደፍ ብዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ውዒሎም ብዝሓድሩ ልኡኻት ዝቕየስ ኣይኮነን። “ተባኢስናያ ጸኒሕና’ሞ ክንዕረቕ ኢና” ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ወይ “ገ እናበሉኻዶ ትጋገ”ዝበሃል፡ ዘይንሕናስ ኣይትበኣሱ ኢና ዝበልና፡ ካብ ምባሎም ሓሊፍና ካልእ ንብሎም የብልናን። ምስዚ ኩሉ ግና “ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንካልእ ህዝቢ ክኸውን ከምዘይክእል” ነቶም ምስ ህግደፍ ክመሓዘዉ ዝመጣጠሩ ከየተንባህና ኣይንሓልፍን።
ኣብ መስርሕ ናይዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መሰረታዊ ሸቶ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከም ዝራኽብ ዝሳሓት ኣይኮነን። ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መቓብር ዲክታተርነት ልዕልና ህዝቢ ዘረጋገጽ ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካል፡ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታትን መሰረታዊ መሰላትን ምግጋጽን ምዕቃብን ዝብሉ ናይቲ ሓባራዊ ሸቶ መርኣያ እዮም።
ናብዚ ዝተጠቕሰ ቅድሚት ዝስራዕ መባእታዊ ዘሰማምዕ ዓላማ ንምብጻሕ፡ ዓቕምና ንምእካብ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ኩልና ሓይልታት ለውጢ እምንቶ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ክሳብ ሎሚ ዝኸድናዮ ከኣ ክንድቲ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተዘይኮነ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝተቐስመሉ፡ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ምንባሩን ምዃኑን ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ እውን ኤርትራዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ፖለቲካዊ ባእታታትን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ብዘውጽእዎ ኣዋጃትን ዘስምዕዎ መደረታትን ንወሳኒ ኣድላይነት ናይዚ ናይ ሓባር መድረኽ ከይጠቐሰ ዝሓልፍ የለን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ጉዳይ ዝዕወት ስለ ዝመደርካሉ፡ ዝደገፍካዮን ዝበሃግካዮን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምትግባሩ ዘኽእል ብቑዕን ቅሩብን ዓቕሚ ኰንካ ምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ዝተመሃርናሉ መስርሕ እዩ።
ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡ “ስለምንታይ ዳኣ ክሳብ ክንድዚ ኩልና እንደልዮን እንኽእሎን እንከሎ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወትናዮ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ዝኸውን። ነዚ ሕቶ መልሲ ክርከበሉ’ውን መተካእታ የብሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ሎሚ’ውን ከም ቀዋሚ ኣጀንዳና ወስዲና ንቃለሰሉ ዘለና። እቶም ኣብ ዙርያዚ መሰረታዊ ሕቶ እንዋሳእ ዘለና ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን፡ ኣወዳድባና በበይኑ እዩ፡ ገሌና ሰልፊ ገሌና ውድብ ከምኡ እውን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን። እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እውን ጐነጻዊዶ ዘይጐነጻዊ እናተባህለ ከም ዝፈላለ ርኡይ እዩ።
በዚ ኮነ በቲ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ንወደብን፡ ዝኾነ ኣገባብ ንክተልን ሸቶና ኣብ ኤርትራ ልዕልና ህዝብን ፍትሓዊ ምሕደራን ዘረጋግጽ መሰረታዊ ለውጢ ኣምጺእካ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዘውሓሰት ኤርትራ ምግሃድ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣቐዲምካ ክረአ እንከሎ፡ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ቀዳምነታትካ ብጥንቃቐ ሰሪዕካን ዋላ ኣብ ዝወሓደ ነጥብታት ኣብ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ክትስጉምን ፍልልያት ከተጽብብን ዘይምብቃዕ ዘርኢ፡ ካልእ ናይ “እናደለኻዮን እናከኣልካዮን” ናይ ዘይምዕዋቱ ኣብነት ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ኣብ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ንከይንዕወት ይዕንቅፉና ካብ ዘለዉ ቀንዲ ጠንቅታት፡ “ነቲ ዝፈላልየካ ዝያዳ’ቲ ዘሰማምዓካ ምትዕብባይን፡ ንፍልልያት ግዜ ሂብካ ብውሕሉል ኣገባብ ክትፈትሖም ዘይምኽኣልን እዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይምጥራይ፡ ናብ ህዝቢ ሓቢርካ ዘይምቕራብ፡ ዕቱብ ገምጋም ዘይምክያድ፡ ንሓድሽ ምዕባለ ዝምጥን ሓሳብ ዘይምንጫው፡ እስትራተጅን ሜላን ምድብላቕ፡ ንብዙሕነት ውዳበታት ከም ሓደጋ ምርኣይ፡ ሓቀኛ ምትእምማን ዘይምጥራይን ዝኣመሰሉን እውን ቅድሚ ሕጂ ብውድባት ኤርትራ ብሓባር ዝተገምገሙ ክድገሙ ዘይግበኦም ሕጽረታት እዮም።
እቲ ካልእ ጐሊሑ ክረአ ዝጸንሐ ዕንቅፋት፡ ጉዳይ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሐ ኣውንታዊ ተመኩሮን ጥጡሕ ባይታን ብምውሳኽ ዋጋ ብዝተኸፍሎ ናይ ተመክሮ ጸጋ ምጥቃም፡ ኩሉ ግዜ “ሓደ” ኢልካ ጀማሪ ናይ ምዃን ዝንባለ ምርኣይ ወትሩ ዝጥቀስ ክእረም ዝግበኦ ድኽመት እዩ። ኣብ መስርሕ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ናይቶም ተዋሳእቲ ሰልፍታት ይኹን ውድባትን ማሕበራትን ውሽጣዊ ዓቕምታት ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ዝምስረት ጽላል ዓቕሚ እኩብ ድምር ናይቶም ዘቑምዎ ኣካላት ዓቕሚ ስለ ዝኾውን። እቲ ቅኑዕ መዋጽኦ ከምኡ እናሃለወ፡ ኣብ ኣድላይነት ናይተን ኣብ መስርሕ ቃልስን ተስፋ ኣብ ዝህብ ፈተነታት ምምስራት ጽላልን ዝርከባ ውዳቤታት ዕቱብ ዘተባብዕ መርገጽ ዘይምሓዝ ዘይሩዘይሩ ኣብ ምምስራት ናይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ዘይሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ዝመልስ ዝንባለ’ውን እዩ።
ካብኡ ብዘይፍለ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይቶም ሰብ ጉዳይ ለውጢ ከተምጽእ ምጽዓት፡ ኣወዳድባታትን ኣሰያይማ ጽላላትን ኣተኲርካ ለውጢ ከተምጽእ ምህቃን መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ስጉምቲ ሓላፍነት ወሲድካ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዝሕግዝ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከተተኣታቱ ምብቃዕ ምዃኑ፡ ካብ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ ምምስራት ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ካለኦት ንኡሳን ምሕዝነታትን ምትሕንፋጻትን ዝተመኮርናዮ እዩ።
ሓቢርካ ምቅላስ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብጽሒቱ ወሳኒ ምዃኑ ንሕና እንርደኦ እቲ ብሓድነትና ዝርዕድ ህግደፍ’ውን ዝግንዘቦን ንከይዕወት ውዲታት ዝኣልመሉን እዩ። ብሓባር ምቅላስ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ናይ ምዕዋትናን ዘይምዕዋትናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ምህላውናን ዘይምህላውናን እውን ወሳኒ እዩ። “ተኸኣኢልኩም ብሓባር ተቓለሱ” ዝብል መጸዋዕታ ልዕሊ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ምሕጽንታ ምዃኑ ምስትውዓል’ውን የድሊ።
ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ንኤትራዊ ልኡላውነት ዝደናደን ኣህጉራዊ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ተርእዮ ክቕልቀል እንከሎ፡ ናይ “ኣይፋል ንዓመጽ እወ ንልኡላውነት” መልእኽትና ትርጉምን ዓቕምን ክህልዎ ሓቢርካ ምስላፍ ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳትና ዝተፈላለዩ ኣካላት “ንከተድምዑ ሓቢርኩም ዘይትንቀሳቐሱ” እንበሃሎ ከኣ ነዚ ዘምልክት እዩ። እቲ ካልእ ገዲፍና ኣብቲ ጐረባብትናን ዞባናን ዝኽሰት ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ትርጉም ንክህልወና ነቲ ክሳብ ሎሚ እናኣመናሉን እናደለናዮን ዘይከኣልናዮ፡ ሓቢርካ ምቅላስ ብሓድሽ መንፈስን ድሉውነትን ምትግባር ሎሚ’ውን ምርጫ ዘይኮነ ግደታ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘለውዎ ዝተፈላለዩ ክእለታት ዝዋፈር፡ ስራሕ ዘይንዕቕ፡ ብሃፈ-ጻምኡ ዝነብር፡ ኣብ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ዝኣምን እምበር፡ ዘይናቱ ዝምነ ሃካይን ዓመጸኛን ኣይነበረን ኣይኮነን። ምስ ምምጻእ መግዛእትን ንሱ ዘኸተሎ ምግፋፍ መሰላትን ርእሰ-ምምሕዳርን ግና፡ ካብቲ ዝወርዶ ዝነበረ መከራን ክቱር ወጽዓን ንምድሓን ጐኒንጐኒ’ቲ ቃልሱ፡ ከይፈተወ ብሓፈሻ ናብ ሃገራት ኣዕራብ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ጐረቤቱ ዝኾነት ሱዳን ክስደድ ከም ዝተገደደ ታሪኽ ኣመጻጽእ ስደት ኤርትራውያን ይሕብር።
ድሕሪቲ ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተረጋገጸ ነጻነት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ናብ ሃገሩ ዝምለስ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ ሃገሩ ስልጣን ዝበሓተ፡ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝኸፍአ ብሓፈሻ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ብብዝሒ ይነብር ኣሎ። ካብቲ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ 600 ሺሕ ዝበጽሕ ኣብ ዝተፈላለያ 28 ሃገራት ይነብር ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘዳለዉዎ መጽናዕቲ የርኢ። ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩለን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ጀርመን፡ ኡጋንዳ፡ ኢጣልያን ኣሜሪካን ብኣብነት ይጥቀሳ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብተን ዝነብረለን ሃገራት ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት እውን፡ ክንድቲ ኣብ ሃገሩ ከጋጥሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ግዱድን ደረቱ ዘይፍለጥን ውትህድርና፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ ማእሰርትን’ኳ እንተዘይኮነ፡ በዳህቲ ተጻብኦታት ኣይተፈልይዎን።
ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዝዩ መሪር ህይወት ዘሕልፉለን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊቢያ፡ ደቢብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ እስራኤል፡ ቱርክ፡ የመንን ግብጽን ብኣብነት ዝጥቀሳ እየን። ናይቲ ጸገም ጠንቅታት ብዙሓት ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይ እተን ሃገራት በቲ ንስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝምልከት ዝኸተማሉ ውዑላትን ስምምዓትን ዘይምምእዛዝን ህግደፍ ደድሕሪ’ቶም ኤርትራውያን እናሰዓበ ዝኣልሞ ውዲታትን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ይኹን እምበር፡ ናይ ገለ ኤርትራውያን ዘይጥንቁቕ ኣካይዳ፡ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት’ውን፡ ግደ የብሉን ማለት ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
እተን ኤርትራውያን ዝነብሩለን እሞ ምስ ህግደፍ ዘይቃደዋ ሃገራት፡ ንኩነታት ናይቶ ኣብኣተን ዝነብሩ ስደተኛታት በቲ ንህግደፍ ዝርእያሉ መዕቀኒ መዚነን፡ ኣብ ልዕሊኦም ጽልኢ ብምሕዳር ከምቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝበሃል፡ ሃሳዪ ስጉምትታት ክወስዳ ይረኣያ እየን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብዚ ግና ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ወጥሪ ከይበጸሓ እንከሎ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መደበር ኣለውምዋጭን ዝነብሩ ስደተኛታት ከጋጥሞም ዝጸንሐ ሕማቕ ኩነታትን ህግደፍ ይግደሰሉ ዘይምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምሕጓስ ኢለን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ዝገብርኦም ሃገራት’ውን ኣለዋ። ግብጺ ኣብዚ እዋንዚ እትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ናይዚ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ።
ናይተን ሃገራት ስጉምቲ፡ እኩይ ተግባራት ህግደፍ ናብ ስደት እውን ዝኽተለካ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ከኣ ብደረጃ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ስደቱ’ውን ግዳይ ኣሉታዊ ሳዕቤን እቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝፍጽሞ ወጽዓ ካብ ምዃን ከምዘይድሕን ብግብሪ ዘርኢ እዩ። እተን ብቕንዕና መሰል ስደተኛታት ዘኽብራ ሃገራት’ውን ጸጥታአንን ናይ ህዝበን ድሕነትን ዘቐድማ ምዃነን ኤርትራውያን ክግንዘብዎን ኣካይደኦም ብኣኡ መሰረት ዝግዛእ ክኸውንን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ጸጥታኻ ምኽባር ክበሃል እንከሎ ግና፡ ሃገራት ነቲ ዝተጻልኤኦ ህግደፍ ዝረኸባ መሲልወን ነቶም መሰሎም ክሕልዋሎም ዝግበአን ኤርትራውያን ብጃምላ ምእሳረን መፍትሒ ዘይኮነስ፡ ነዓኣተን’ውን ዘየርብሐንን ዘሕትተንን ምዃኑ ክግንዘባ ይግበአን።
ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ’ቶም ከም ሕጋዊ ስደተኛ ዝተመዝገቡ ክነሶም ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘየቕስን እዩ። እቲ ዘሰክፍ ተግባራት፡ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ክኸፍልዎ ዝግደዱ ዘይተኣደነ ገንዘብ፡ ብጃምላ ምእሳርን ብዘይድሌቶም ናብቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ህግደፍ ምምላስን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝረአ ዘሎ ከኣ ነዚ የመልክት።
ኤርትራውያን ናይተን ከም ስደተኛ ዝነብሩለን ሃገራት ሕጊ ምኽባርን ናይ ህዝበን ባህሊ ምሕላውን ከምኡ ከኣ ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነብር ህዝቢ ምስናይን ጽቡቕ ዝምድና ምፍጣርን መሰረታዊ ተደላይነት ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይግበኦም። እዚ ግና ብፍላይ ናይተን ብዝኾነ ደረጃ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳረን ዝነብር ናይ ወጻኢ ዜጋ መሰልን ክብርን ናይ ምኽባር ሓላፍነት ዘለወን ሃገራት ግደ ዝዝንግዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥ ሓያል ወጥሪ ከምዘሎ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዘኪርካ፡ ክኸውን ዘይግበኦኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓይኒ እቲ መንግስቲ ከም ዝኣትዉ እትግምቶ እዩ።
ካብዚ ብምንቃል እዮም ድማ ኤርትራውያን ብኣካላት ጸጥታን ፖሊስን ኢትዮጵያ ከም ዝእሰሩን ናብ ኤርትራ ከም ዝስጐጉን ቀጻሊ ዜና ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3ተ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፖሊስ ከም ዝተቐትሉ እውን መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወጥሪ ክሳብ ዝቐጸለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝውሰድ ማህሰይቲ ከምዘየቋርጽ ከኣ፡ ካብ ናይ 1998-2000 ውግእን ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ነቒልካ እትግምቶ እዩ። እቲ ናይ ሽዑ ጃማላዊ ማእሰርቲ፡ ምስጓጉን ምርሳይ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግባእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ዝረአ ዘሎ ብስም ኤርትራዊ ዝውሰድ ጃምላዊ ስጉምቲ ደሓር ናብ ንቡር ኣብ ምምላሱ ዋጋ ዘኽፍል ጽልኢ ምፍጣር እንተዘይኮይኑ፡ መፍትሒ ከምዘየምጽእ ክርድእዎ ይግበኦም።
ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ትካል ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ከምኡ እውን ምስቲ ጉዳይ ዝዛመድ ሓላፍነት ዘለወን ኣህጉራዊ ትካላትን ማሕበራትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጠር ቅልውላው ከሎ ጋና ከቕልብሉ ይግባእ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ጉዳይ ብመንጽር ምስ ህግደፍ ዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምጥልላም ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ዝኸተመሉ ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ክህሉ ዝግበኦ ነባሪ ሰላማዊ ጉርብትና ክርእዮ ንጽወዖ። ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ “ኣበይ ኮይነ እንታይከ እገብር ኣለኹ?” ኢሎም ከስተውዕሉ ይግበኦም። ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ሓይልታት ለውጢን ዜናዊ ትካላቱን ድማ ኣብ ዝረኸብናዮም ኣጋጣሚታት ነዞም ግዳያት ድምጺ ክንኮኖም ይግበና።
ናይ ዞባና ኮነ ኣህጉርና ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ክብን ለጠቕን እናበለ ብቐጻሊ ዝሕቆን ዘሎ እዩ። ኣብቲ ቀጻሊ ሓጐጽጐጽ በብግዜኡ ዝተፈላለያ ሃገራት መዛረቢ ኣጀንዳ ይኾና። እቲ ዝላዓል ዛዕብታት ከኣ እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ይህልዎ። ትሕዝትኡ ፖለቲካዊ ምቅይያራት፡ ወተሃደራዊ ግጭታትን ውግኣትን ዘስዓቦ ሓደጋታት ዘርኢ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ናይ ምዕልባጥ መስርሕ ገለ ሃገራት ግዳይ ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ግዳይ ክኾና ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ንመጀመርተኣ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጀንዳነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ ኮይና’ላ።
ሓንቲ ሃገር ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ኣቐዲሙ ስሙ ዝጽዋዕ መሪሕ ተዋሳኢ፡ እቲ ዝመርሓ ባእታ ወይ መንግስቲ እዩ። ተሳትፎኡ ከከም ባህሪ ናይቲ ዘመሓድሮ መንግስቲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ህዝቢ እውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ ዙርያኡ ዝለዓል ኣጀንዳን ምንቅስቓሱን እዩ። ስለዚ ኤርትራ ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ነጸብራቕ ተግብራት ናይቲ “ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍን ናይ ዜና ማዕከናቱ “ሃበስቀደስን” ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ብሰንኪ ኣግላሊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ፡ ግደኡ ዝተደረተ እኳ እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ “ከምዚ ተባሂሉ፡ ከምዚ ተፈጺሙ፡ ከምዚ ከየጋጥም የስግእ እዩ” ክበሃል እንከሎ፡ “እቲ ህዝቢኸ ነቲ ኩነታት ከመይ ይርእዮ’ሎ” ተባሂሉ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ድምጺ ህዝቢ ክስመዓሎም ዝነበሮ ተረኽቦታት፡ ብዛዕባ ግደኡ ተሓቲቱስ፡ ዘዕግብ ምላሽ ዘይነበሮ ምዃኑ ስለ ዝዝከር፡ ሎሚ ንእጃም ህዝቢ ኤርትራ ብዝምከት ብዙሕ ዝለዓል ከምዘይኮነ፡ ዘንጸባርቑ ወሃብቲ ርኢቶ ብዙሓት እዮም። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፈ ተጣዒሱ፡ ሎሚ “ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ወዲቐን ተናዒቐን?” ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ንክሓትት ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እታ ኣጀንዳ እትኸውን ዘላ ሃገሩ፡ ብናቱ መሪር ቃልስን ክቡር ዋጋን ዝመጸት ምዃና ጥራይ ኣይኮነን። ልኡላውነታን ሓድነት ህዝባን መሬታን ናይ ምሕላው ሓላፍነት እውን ንዕኡ ዝምልከት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራ ህግደፍ ክመጽ ናይ ዝኽእል ውግእ ናይ ህይወት ኮነ ንብረት ዋጋ ዝኽፍሎ ንሱ ምዃኑ እውን ኣብ ተመኩሮኡ ዘረጋገጾ ኣገዳሲ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ “ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ኣብ 1900፡ 1902ን 1908ን ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተበጽሐ ውዕላት፡ ኣብ ኣልጀርስ እውን ዝተኸተመ ስምምዕን ዝተበየነ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ይመልከት” ኢሉ ኣትሪሩ ዘይምሓዙ ክጥዓስን ካብኡ ተማሂሩ ዋና ናይዚቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣብ ዝግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና።
ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ ተበሃግን ተሃዋስን እዩ። ኣብዚ ዞባ እትርከብ ሃገር ነቲ ተበሃግነት ብዝምጥን ውሕሉል መንግስቲ ክትምራሕ እንከላ ጸጋኣ ዕዙዝ እዩ። ብኣንጻሩ ንዓኣ ብዘይምጥን ሃላሊ ክትመሓደር እንከላ ከኣ ተጠቃምነታ ተሪፉ ጸላእቲ እትዕድም ግዳይ እያ ትኸውን። ንኤርትራ ክገጥማ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ብጸጋታታ ተጠቃሚት ዘይምዃን ከኣ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስጋኢ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ምውጣጥ፡ ኣብ ርእሲቲ ህንጡይነት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ኤርትራ ንምምራሕ ዘይምጥን ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኣሉታዊ ግደ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ’ዩ።
ትማሊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ብዝፈጠሮ እሞ ዕድሚኡ ዝሓጽር ዘሎ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ንምጽብባቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መድረኻት፡“ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት እንህቦ ዛዕባ ኣይኮነን፡ ክልተ ህዝብታት እዩ ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ፡ ዕላማ ዝምድናና ኢትዮጵያ ከይትበታተን ምሕላው እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ደጊም ኣብይ ኣሕመድ ኢኻ ትመርሓና………. ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰመዖ ኤርትራዊ የለን። “ኣይፋልካን ዓሪ ደኣ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ዲክታተር ንምስናይ ምስ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፎም፡ “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይስዕር (ተደምረናል፡ ፍቅር ያሸንፋል) …….” ዝበሉ ኤርትራውያን ወገናት፡ ሎሚ እንተኾነ ኣብ ኣደባባይ ብቓልዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ሕልናኦም “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሎም እንተዘይ ተናሲሖም፡ ከም ሰብ ካብ ምሕሳብ’ውን በዂሮም ዘለዉ እዮም።
ኣብ ኣልጀዚራ፡ ዘኢኮነሚስት፡ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕን ካለኦት ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን፡ ብዙሓት ብዛዕባ ውግእን ወጥርን ተመኩሮን ኣፍልጦን ዘለዎም ፖለቲከኛታት “መን ይጅምሮ ብዘየገድስ” ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምብርዑ ከም ዘይተርፍ የተንብሁ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ዝቐደመ ንብዓቱ ከይደረቐ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ውግእ፡ ብስሩዕ ዝሕብሮን ዘጠንቅቖን መንግስቲ የብሉን። ነቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ገይሮም ዘቕርብዎ ሓበሬታን ኣብ ልዕሊ ደቁ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋን ተዓዚቡ ካብ ምስጋእ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። “ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ቱርኲ ሱዕድያ፡ ኤመረት” ዝኣመሰሉ ኣስማት ሃገራት እናጸውዐ፡ “ነቲ ዝስጋእ ዘሎ ውግእ ደኾን የዕግሱልና?” ኢሉ ተስፋ ዘሕድር ከኣ ውሑድ ኣይኮነን።
እዘን ሃገራት ነቶም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት “ከዕግሱልካ” ምጽባይ ነውሪ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚት ዝስራዕን ወሳንን ግና “ኣብቲ ጉዳየይ፡ ኣለኹ ባዕለይ?” ምባልን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጉዳያት ከይተበላሸወ ድምጹ ዘይምስማዕ፡ ብኣንጻሩ መዳመቒ ብምዃን ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝዝክሮ የለን። ስለዚ ነቲ “ናይ ውግእ ውሉፍ” ህግደፍ ብዝመልመሎም ዘይሓላፍነታውያን ኣቢሉ ዝድስቖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ነጋሪት ኣብ ክንዲ ምድማቕ፡ ከሎ ጌና፡ “ስለምንታይ?፡ ብዘይካ ውግእከ ካልእ መፍትሒ የለን ድዩ?፡ ከም ህዝብን ሃገርንከ ኣየናይ ኣገባብ’ዩ ዘዋጸኣና?” ኢሉ ክሓትት፡ መልሲ ክረኽበሎምን ብእኡ መሰረት ክንቀሳቐስን ይግበኦ።
ሩሲያ ኮነ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ኮነ ኢራን፡ እስራኤል ኮነ ፍልስጤም ክለዓላ እንከለዋ፡ “እሞ እቲ ህዝበንከ ከመይ ይርእዮ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ወርትግ ዝለዓል እዩ። ስለዚ ኣብዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ፕርፖጋንዳዊ ኩርባባን ሕድሕድ ምንእኣስን” ዝሓየለሉ እዋን “ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራኸ ከመይ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ርዱእ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ዝኸውን ብሱል መልሲ ንምሃብን መዋጽኦ ንምእማትን፡ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነኸ ኣብቲ ጉዳየይ?” ንዝብል ብግቡእ ከቕልበሉ እነዘኻኽሮ።
ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓተ-መንግስቲ ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕልና ሕጊ ሕሉው ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ’ዩ። በዚ ከኣ መላእ ህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ይህልዎ። ይኹን እምበር ብልዕልና ሕጊ ዘይምእዘዙ ዓመጽትን መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ግዝኣኣቶም ንምስፍሕፋሕን ንከኽእሎም ሓይልን ዓመጽን ልዕሊ ሕጊ ክሰርዑን ይረኣዩ እዮም።
ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝብን ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ዝምድና፡ ነዊሕ ዝዕድመኡን ንምግላጹ ዘደንጹን ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። እቲ ኩነታት ኣጠቓሊልካ ክቐርብ ካብ ዝኽእለሉ፡ “ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መሰላቱን ዝተጻዕነሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዓሉ ኣቀማምጣ እዩ” ኢልካ ምጥቃስ ይከኣል። ሓይልታት ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ፡ ነዚ ግልቡጥን ሓደገኛን ኣቀማምጣ፡ ልዕልና ህዝብን ሕግን ልዕሊ መንግስትን ኣካላቱን ዝረጋገጸሉ ስርዓት ንምውሓስ እዩ።
ሕጊ፡ ንበብሓይልኻ ምኻድ ዓጊቱ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዕማማት ዝሰርዕን እንታይ ከምዝገብሩን እንታይ ከምዘይይገብሩን ዝውስን፡ በበይኑ ድሌታት ዘለዎም ኣካላት ተኸባቢሮምን ተደጋጊፎን ብሓባር ክነብሩ ዘኽእል ዳኛ እዩ። መላእ ዓለምን ህዝባን ድማ ከከም ኣድላይነቱ ብሰናይ ፈቓዶም እናተኸኣኣሉን እናተሓጋገዙን ዝነብሩ ዘለዉ፡ ብሃገራት ጀሚርካ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን ዝጸደቑ ሕግታትን ቻርትታትን ተኣማሚኖም እዮም። ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ፡ ቻርተራትን ስምምዓትን እንተተሰሪዑ ግና፣ ዓለምና ናይ ልዕሊ 200 ልኡላዊ ሃገራት ዘይኮነት ናይ ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት መዕንደሪት መኾነት ነይራ።
ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ብጀኦግራፊያዊ ስፍሓታ ኣብ መበል 101፡ ብብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣብ መበል 132 ከም እትርከብ ሰነዳት የርእዩ። እዚ ንቁጠባዊ ብልጫታት’ውን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ኤርትራ ዝዓበያን ዝሓየላን ሃገራት ከም ዘለዋ ዘመልክት እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ብሳላቲ ህዝብና ዘካየዶ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ብዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ተዓዛብነትን ዘካየዶ ህዝበ-ውሳነን፡ ካብ 28 ግንቦት 1993 ንደሓር ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ኮይና። በዚ ድማ ምስተን ሚልዮን ትርብዒት ማይላት ዝስፍሓተንን ብቢልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዘለወንን ሃገራት “ማዕረ ልኡላዊ” መሰል ኣለዋ። እዚ ልኡላዊ ክብሪ፡ ህግደፍ እንተሎ ዝህሉ፡ እንተሓለፈ ዝሓልፍ ዘይኮነ፡ ምስ ኤርትራን ህዝባን ነባሪ’ዩ። እዚ ልኡላዊ ማዕርነት ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ስለ ዘይተሰርዐ ዝተረኽበ መሰል እዩ። ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ክብራ፡ ሓርነትን ዲሞክራሲን ዝደረበት ሃገር ንክትከውን እዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ልኡላውነት ብልኡላውነት ህዝቢ እንተዘይተሰንዩ ምሉእነት ስለ ዘይህልዎ።
ኣብ ዝኾነ ተረኽቦ ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ክስራዕ እንከሎ፡ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ኣካል ተመኩሮና ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡን ከቢድ ዝዋግኡን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ምንባሩ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ መግለጺ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን” ሓደጋ፡ ምስምሳት እናፈጠርካ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ሃገራት ዝረአ ወራሪ ወስታታት እዩ። ታሪኽ ወራርን ተወራርን ነዊሕ ዛንታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝቀላቐል ዘሎ ይመስል። ናይ ሩሲያ ወስታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ናይ እስራኤል ጋዛ ናይ ምጥቕላል ሃቐነን ብኣብነት ዝጥቀሱ ተረኽቦታት እዮም። ኣብዚ እቲ ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብተደጋጋሚ ዝደገፈ ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ “ምድፋር ልኡላውነት ናይ ምቅዋም ሞራል ኣለዎዶ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር እዩ። ወያ ከም ናይ ዓለምና ኣኽባሪት ሕጊ ፖሊስ፡ ጌርካ ክትውሰድ ዝጸንሐት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ርእሲቲ ኣንጻርቲ ዓለም ኣብ ምትህድዳእ ግደ ዝነበሮም ሕግታት ብፕረሲደንታ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝውሰድ ዘሎ ህዉኽ ስጉምትታት፡ “ግሪን ላንድ ተድልየኒ እያ” ዝብል ወስታ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ንክኸውን ዘተባብዕ ሓደገኛ ተርእዮ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ዝብል ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘሎ መዝሙር ዝገልበጥካ እንተገልበጥካዮ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ክትሰርዕ ካብ ምድላይ ወጻኢ ዝትርጐም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ዝርዝር ከይነውሓና፡ ካብ ግዜ ንጉስ 2ይ ምነሊክ ጀሚርካ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሑ ውዕላትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ጠሓሒስካ ህርፋንካ ናይ ምትግባር ድሌት ንዕዘብ ስለ ዘለና። ዋላ ነቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተረኽቦ ኣጽኒሕካ፡ “ውዕል ኣልጀርስ እውን እኮ ክንጥሕሶ ንኽእል ኢና” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ’ሎ። ምናልባት “ዓለም ለኻዊ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጠቓቕማ ሕግታት ተመርኲስና፡ ብወደባት ኤርትራ ኣገልግሎት ክንረክብ ኢና” ዝብል እንተዝነብር፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን ሓደጋ” ስለ ዘየስዕብ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ተጠቃሚ ስለ ዝኸውን መተቐበሎ።
እዚ ጠቕሙን ሳዕቤኑን እንታይ ከምዝኸውን፡ ኣመዛዚንካ ዘይተሓስበሉ ዝመስል፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ስበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ ዶብ ኤርትራ ጥሒስካ ወደብ ብምውናን ጥራይ ጠጠው ዝብል ዝመስሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ እቲ ምጥሓስ ሕጊ ሓንሳብ ምስ ተኸፍተ፡ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ከም ዝበሃል፡ ተመሊሱ ናብኦም ከም ዝግልበጥ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ጽባሕ ካልእ ሓያል መጺኡ ንኦጋዴን ድዩ ንሞያለ፡ ወይ ኣልፋሽጋ “ናተይ እዩ” ምስ ዝብል፡ እቲ “ልኡላዊ መሬተይ እዩ” ዝብልሉ መርተዖ ካብ ኢዶም ከም ዝወጽእ ምስትውዓል ኣድላይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ዘሳሓሕብ ዘይተጠረረ ዶባት ከምዘለዋ ኣብ ግምት ከእትውዎ’ውን መተገብኦም።
እምበኣር፡ ሎሚ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ደፊእካ እንተኣቲኻ ጽባሕ እውን ንስኻ ግዳይ ናይ ምዃንካ ሓደጋ ክፉት ምዃኑ ርኢና ኣለና። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን በመንጽርቲ ጐረቤትና ኢትዮጵያውያ ነቲ ኩነታት ይረእየሉ ኣለኹ ብእትብሎ ዘላ መዳያት፡ ታሪኽ፡ ቅርበት ናብ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ናይ ብሄራት ኣሰፋፍራ፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጸጥታን ደሕንነትን፡ ቁጠባዊ ዕቤትን ኣህጉራዊ ሕግታትን፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ክገሃስ ዘይክእል ምዃኑ ኣስተውዒልና “ዓገብ ንልኡላዊ ግህሰት” ክንብል ግድነት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን ትካላትን፡ ኣብ ልዕሊ ሕግታትን ቻርተራትን ጥሒሶም” ንሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ብምስራዕ፡ ዘይናቶም ክውንኑ ሃንደፍደፍ ንዝብሉ ወገናት ተጽዕነኦም ከሕይሉን፡ ወረ ውግእ ንዘቃልሑ “ሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ተኸተል” ንክብልዎ ብቐጻሊ ክንጽውዕ ይግበኣና።
ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና ብሓፈሻ፡ ናይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ውረድ ደይብ ዘይተፈልዮ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ዝዋሳእ ዘሎ ህግደፍ ማእከሉ ወጽዓን በደልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮይኑ፡ ጉዕዞ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከኣ ብኣንጻሩ፡ ማእከሉ ካብ ወጽዓ ምንጋፍ ነይሩን ኣሎን። ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ኣንጻር ህግደፍ፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ክንህቦም ዘገድዱና ተረኽቦታት’ውን ከጋጥሙና ጸኒሖም እዮም። ሎሚ እንርከበሉ ዘለና ኩነታት ከኣ ብፍሉይነት ክንጥምቶ እንገደድ ክስተት እዩ።
ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ንሓርነት፡ ናይቶም ዝያዳ እነቕልበሎም ኣጋጣምታት ፍሉይነት ብውግእ ዝተሰነዩ ኮይኖም ምጽነሖም እዩ። ካብቶም ህግደፍ ወግእ ከፊቱ ናብ ፍሉይ ኩነታት ከእትወና ዝጸንሓሎም ተረኽቦታት፡ ቅድም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ደሓር ድማ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ብሓባር ተሰሊፎም ዘካየድዎ ውግኣት፡ ብፍሉይነቶም ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ኣጋጣምታት ማእለያ ዘየብሉ ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ ዝተመዛበለሎምን ዝሃለቐሎምን ንብረቱ’ውን ዝዓነወሎም እዮም። እቲ ካልእ ዝያዳ ፍሉያት ዝገብሮም ከኣ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ረብሓ ብቕንዕና እንተዝረኣዩ ብዘይወግእ ክፍትሑ ዝኽእሉ ምንባሮም እዩ። ነቶዞም ውግኣት ዘሕዝኑ ዝገብሮም ካልእ መልክዕ ከኣ ኣብቲ ዳሕረዋይ ካብቲ ቀዳማይ ትምህርቲ ዘይተወስደሎም ምዃኖም እዩ። እቲ ብዝገደደ ዘገርም ድማ፡ ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ንሓንሳብ “ተገዲድና” ንሓንሳብ ድማ “ተዓዲምና” ዝኣተናዮ እዩ” እናበለ ዝሕበኣሎም ምዃኑ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ናብ ካልእ ውግእ ክኣቱ ዘይነበሮ እዩ። እቶም ድሕሪ ነጻነት ዝኣተዎም’ሞ ካብቲ ናይ 30 ዓመታት ዘይውሕድ ዋጋ ዘኽፈልዎ ውግኣት፡ ህግደፍ ብሰንኪ ካብ ናይ ህውከት ስኽራን ዘይምውጽኡ እንተዘይኮይኑ፡ ከምቲ ናይ ግዜ ነጻነት መተካእታ ስለ ዘይነበሮም ዝተኣትዉ ኣይኮኑን። ንኣብነት እቲ ድሕሪ ከቢድ ክሳራ ናብ ኣልጀርስ ዝተወስደ፡ ብዘይደም ምፍሳ’ውን ከምቲ ብሕጊ ዝተታሕዘ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ናይ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታው ብቕርሕንትን ምፍዳይ ሕነን ዝተላዕጠጠ ካብቲ ቀዳማይ ስሕታን ዘይተማህረ ናይ ህግደፍ ትምክሕቲ መርኣያ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ትግራይ ውግእ’ውን ዝበልዐ ምስ በለዐ ንህግደፍ ጓስዩ በቶም ዝምልከቶም ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ከም ዘምርሕ ኣቐዲምካ ግንዛበ ክውሰደሉ ዝነበሮ’ዩ። ብፍላይ ከም ወገን ህዝቢ ኮይንካ ክትርእዮ እንከለኻ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝሰንከለ መንእሰይ ኤርትራ “ኣብ ምንቲ ምንታይ ኢኻ ግዳይ ኮይንካ?” ክበሃል እንከሎ ንምምላሱ ከም ዝጸግሞ ዘማትእ ኣይኮነን።
ብዘይካ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መተካእታ ምስተዓጽዎ ዘካየዶ እሞ ናብ ነጻነት ዘብቀዖ፡ እቲ ድሕሪኡ ህግደፍ ፈቐድኡ ክህንድሶ ዝጸንሐ ውግኣት ናይ ዝኾነ ጸገም ህዝብን ሃገርን መፍትሒ ኣይነበረን። ስለዚ ኢና ድማ ብወግእ ዝፍታሕ ጸገም ከምዘየለ ተገንዚብናን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ምዃኑ ኣስተውዒልናን፡ ኣንጻር ምኽኑይ ዘይኮነ ውግእ ክንቃለስ ይግበኣና እንብል። በዚ ኢና ከኣ መፍቶ ናይቶም ኣገባቡ ብዘየገድስ ብውግእ ዝነግዱን ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሑን ከይንኸውን ሓቢርና ክንቃለሶ ዝግበኣና። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀዳማይ ከጨንቐና ዝግበኦ “ውግእ እንተተጀሚሩ ምስ መን ኢና ንሰለፍ?” ዝብል ዘይኮነ፡ “ከመይ ጌርና ኢና እቲ ዝስጋእ ዘሎ ውግእ ንከይባራዕ እንገብር?” ዝብል ክኸውን ይግበኦ እንብል።
ኣብ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ካብ ዘይተመለሱ ብዙሓት ሕቶታት ሓደ፡ “ከመይን መዓስን ኢና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ዓቕምና ሓቢሩ ዘድመዓሉ መድረኽ ንፈጥር?” ዝብል ቅድሚት ዝሰፍር’ዩ። ብፍላይ ኣብዚ በብኹርናዑ ደበና ውግእ ዝያዳ ዝኸብደሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ሕቶ’ዚ ዝያዳ ከም ዝለዓል ንዕዘቦ ኣለና። ምኽንያቱ ንህግደፍ በቲ ዘይግሉጽን ዘይቅኑዕን ኣተሓሕዛ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ክንገብሮ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ወገሐ ጸብሓ “ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ እንተዘይወነንኩ ክሳደይ ንኻራ” ዝብሎ ዘሎ፡ “ተኣደብ” እንብለሉ፡ እንተዘይተዓጊሱ ድማ “እንኹንነሉ” ኣድማዒ ናይ ሓባር ድምጺ የድሊ ስለ ዘሎ። ነቲ ሓያል ናይ ሓባር ድምጺ ዘመንጩ መድረኽ ክንፈጥር እንተዘይበቒዕና፡ ካብኡ ሓሊፍና፡ ገለን ውግእ ኣንጻር ልኡላውነትና እንኹንን፡ ካለኦት ድማ “ህግደፍ ደኣ ይውደቐልና እምበር ደሓን” ብዝብል ደገፍቲ ናይቲ ከጋጥም ዝኽእል ውግእ ኮይንና ናይ ምክፍፋልና ዕድልና ክፉት እዩ። እንተ ህግደፍ ኣብ ምውዳቕ እቲ ቅድሚት ዝስለፍን ወሳንን ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዓቕሚ እዩ።
ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መድረኽ ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ዓድዋ፡ “ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣባል ማሕበረሰብ ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ዝበሎ እንተወሲድና፡ ናይቲ ጉዳይ ተሃዋስነት የረድእ። ሕሉፍሓሊፎም ንዓሰብን ኢትዮጵያን ከም ናይ ክሪምያን ሩሲያን ከወዳድሩ’ውን ንዕዘብ ኣለና። እቲ ተስፋ ዝህብ ግና ክሳብ ክንደይ ሰማዒ ይረኽቡ ኣብ መስርሕ ዝምዘን ኮይኑ፡፡ “ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ናይ እንዳማትና ባሕርን ወደብን ናይ ዋንነት ሕቶ ከነቕርብ ዘኽእል ፖለቲካውን ታሪኻውን መሰረት ኣለና ድዩ?” ዝብል ድምጾም ዘስምዑ ኢትዮጵያዊ ወገናት’ውን ምህላዎም እዩ።
ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያን ምእንቲ ነጻነቶም ን30 ዓመታት ዝኸፈልዎ ዋጋ ዘንጊዖም፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገሩ ብተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት ዘካየዶ እሞ 99.83 “እወ ንነጻነት” ዘድመጸሉ ረፈረንዶምን ልኡላዊት ኤርትራ ማዕረ ኢትዮጵያ ኣባል ሕብራት ሃገራት ምዃናን እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ ብምዃን ግዝኣታ ክንወስድ ኢና ምባሎም ንብዙሓት ዘደንጹ ክስተት ኮይኑ’ሎ። ዋና ዓሰብ ንምዃን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሚዛን ዘየብሉ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምውድዳር ከም መርተዖ ምውሳድ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እዩ። ጉዳይ ልኡላውነት ክለዓል እንከሎ፡ ባእሶምን ህልኾምን ኣንጻር ህግደፍ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኸውን ዝተገንዘቡ’ውን ኣይመስሉን።
ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ውግእ መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይከውን ብምርዳእ፡ ዝንጸግ ክንነጽግ ክኹነን ዝግበኦ ከኣ ክንኩንን ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ እዋን ኢና እንርከብ። ናይ ዓገብ ድምጽና ንክስማዕን ትርጉም ንክህልዎን ከኣ ብሓባር ዝቃላሕ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢልና እምበኣር “ናይ ሓባር ድምጺ ከነስምዕ ግድን ዝኾነሉ” ክንብል ንግደድ ዘለና።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባና ኮነ ዓለምና ገኒኖም ካብ ዘለዉ ርሱናት ፖለቲካዊ ዛዕባታት፡ “ኢትዮጵያ ብእተልዕሎ ዘላ ናይ ዋንነት ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ምስምስ፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ክላዓል ድዩ ኣይክላዓልን? ዝብል ሕቶ ቅድሚት ዝስራዕ ዘሎ እዩ። ናይዚ ሕቶ መልሲ ምስ ናይቶም መልሲ ዝህቡ ኣተሓሳባን ድሌትን ስለ ዝተሓሓዝ፡ ዝተፈላለየ ከም ዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን።
ገለ ወገናት “ምብርዑ ዘይተርፍን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ውግእ ከኸውን እዩ” ክብሉ ከለዉ፡ ካለኦት ድማ “እቶም ዝፈኻከሩ ዘለዉ መንግስታት ካብቲ ወጢሩ ሒዝዎም ዘሎ ዘቤታዊ ዛዕባታቶም ንምህዳም ዝምህዝዎ ዘለዉ እምበር፡ ውሽጣዊ ኩነታቶም ውግእ ዝጸውር ኣይኮነን” ዝብል ምላሽ ኣለዎም። እቲ ካልእ ዘገርም ካብ መራሕቲ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ “እወ ውግእ ክካየድ እዩ፡ ወይ ኣይካየድን’ዩ” ዝብል መልሲ ዝጽበዩ እሞ ንዓኡ ከም ሓቂ ክወስዱ ሃንቀው ዝብሉ የወሃት ምህላዎም እዩ።
እቲ ከይመጽእ ዝስጋእ ውግእ፡ ዝያዳ ኣዛራቢ ካብ ዝኾነሉ ምኽንያታት፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተኸታታሊ ውግኣት ክማስኑ ዝጸንሑ ምዃኖም እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ፍትሓዊ ውግእ ዝሓደሮ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዘለዉዎ ስንብራት ከይሓወየን ጻማ ቃልሱ ከይረኸበን፡ ኣብ ናይ ድሕሪ ነጻነት ዓመታት’ውን ብዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣፍልጦን ረብሓን ዘየብሎም ውግኣት ክሕመስ ዝጸንሐ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ገዛእ ርእሱን ናብ ጎረባብቲ ህዝብታትን ውግእ ከይመጽእ ክሰግኡ እትጽበዮ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ድሕሪ ነጻነት ዝተኻየደ ውግኣት፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምምላስ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ህዝቢ ብምህዳም፡ ህዝቢ ናብ ደገደገ ከም ዘማዓዱ ንምድራኹን ንምስንባዱን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ናይ ውግእ ስንብራት፡ ካብቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ናይታ ሃገር ይካየድ ብዘሎ ውግኣትን ሳዕቤናቱን ብኣዝዩ ዘተሓሳስብ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝሳቐን መፍትሒ ክረክብ ናብ መንግስቲ ዝጠርዕ ዘሎን ህዝቢ እዩ። ብመንጽር’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ባሕርን ወደብን ክንከውን ኢና” ብዝብል ዝድስቖ ዘሎ ነጋት ብመንጽር’ቲ ከቢብዎ ዘሎ ወጥሪ ቀዳምነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ መንገዲ ምሓዙ፡ “ኮንደኾን እቲ ዘለቕለቕ ዝብል ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ይጽገን ይኸውን” ካብ ዝብል ከም ዝነቅል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ምስዚ ግና “የለን ዝመጸ እንተመጸ ውግእ ካብ ምኽፋት ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን” እቲ ፈኸራ ከኣ ኪኖ መህደሚ እዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።
እዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሕድሕዶም ዝካሰስሉን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ “ተደፊረ” ጥርዓን ዘቕብሉ ዘለዉን ውግእ እንተተባሪዑ፡ “መን ምስ መን ክስለፍ እዩ? ዝብል ሕቶ ኣዛራብን ናይ ብዙሓት ግምት ዝወሃበሉ ዘሎን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝካየድ ውግእ ቀልጢፉ ዝሰፍሕ እምበር፡ ኣብቶም ጀመርቱ ተደሪቱ ዝተርፍ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በዚ መሰረት ናይዚ ሕቶ መልሲ ተሃዋሲ እዩ። ምኽንያቱ ብናይቶም ተሰለፍቲ ሓይልታት ኩለ-መደያዊ ረብሓን ሕሳብን ዝውሰን ኣዝዩ ቅልጡፍ ምቅይያር ዘርኢ ስለ ዝኸውን።
ብዛዕባዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይባራዕ ዘስግእን ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎን ውግእ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራትን ዞባን ሓሊፉ፡ ብደረጃ ዓለም እውን ብዙሓት ብዛዕባ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቅርኒ ኣፍሪቃን ኣፍልጦን ተመኩሮን ኣለና ዝብሉ ወገናት፡ ዝጽሕፍሉን ዝዛረብሉን ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ዝጸሓፍ ኮነ ዝዝረብ ከይተላዕለ ዘይሓልፍ ከኣ፡ ኣብ ርእሲቲ ኩለ-መዳያዊ ህልዊ ዓቕሚ ናይዘን ክልተ ሃገራት፡ “መን ንመን ኣብ ጐኑ ከሰልፋ ይኽእላ?” ዝብል እዩ።
ኤርትራ ምናልባት፡ ንግብጺ፡ ንሳዑድ ዓረብን ብጀነራል ኣልቡርሃን ንእትምራሕ ሱዳንን ከተሰልፍ ተኽእሎ ከም ዘሎ፡ ዘመልክቱ ኣለዉ። ኢትዮጵያ ድማ ብሕቡራት ዓረብ ኢመራት፡ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ሱዳንን ክትድገፍ እያ ዝብል ግምት’ውን ኣሎ። ከምኡ ንምግማት ዘኽእሉ ምልክታት እውን ኣለዉ። እቲ ኣሰላልፋ ብጐረቤትን ዞባን ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝኸይድ ከምዝኸውን’ውን ዝሳሓት ኣይኮንን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ምስ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ” ኣብ ስልጠናን ምህናጽ ዓቕሚ ሰብን ዝተፈራረሞ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ነዚ ዘመልክት እዩ። ድምጸን ዘየስምዓ ነቲ ኩነታት ብጽሞና ዝዕዘበኦ ዘለዋ ሃገራት ከኣ ብዙሓት እየን።
እቲ ካልእ ኣብ ኣሰላልፋ ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ፡ እቲ ኣብ ቀረባና ዝርከብ ሓይሊ ትግራይ እዩ። ብናይ ብዙሓት ሚዛን ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ዘይምትግባር ውዕል ፕሪቶርያን ተኸቲሉ፡ ተጋሩ ፖለቲከኛታት ሰልፎም ብሓባር ምስ ሓዲኦም መንግስታት ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ተርእዮታት ኣለዉ። ብኣንጻሩ “እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ናይ እገለ ደጋፊ እዩ” ተበሃሂሎም ዝካሰስሉ ዘለዉ ኩነታት እዩ። ክልቲኦም መንግስታት ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያትን፡ ናይ ፋኖን ኦነግን ህልዊ ኩነታትን መዝሚዞም፡ ኣብዚ ኣሰላልፋ ልዕልና ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ እዩ።
መንግስታት ኣይኮነንዶ ክንዲ ውግእ ዝኣክል ህይወትን ንብረትን ዝህሙኽን ኣብ ስልጣን ምቕጻሎምን ዘይምቕጻሎምን ዝውስን መደብ፡ ካልእ ንኡስ ተልእኮ ንምትግባር እውን ናብ ህዝቢ እዮም ዝመጹ። ኣብ ሽዑ በጺሖም ከኣ ነቲ ውግእ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት፡ ነቲ “ኣበይ ኣለኻ?” ኢለምዎ ዘይፈልጡ ህዝቢ፡ “መን ከማኻ፡ ዓወትና ብኣኻ እዩ ዝውሰን፡ ናይቲ ውጽኢቱ ተጠቃሚ ከኣ ንስኻ ኢኻ” ክብልዎ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። ህግደፍ ግና ነዚ ህዝቢ ብምርዳእ ዘይኮነ፡ ብሓይልን ኣጓጣጥን ናይ ምትግባሩ ተመኩሮ ዘለዎ ዓመጸኛ ጉጅለ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ድሮ ውግእ ዘካይዶ ምዕልባጥ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽሎ ዘሎ ናይ “ዓይኒ የብለይ፡ ስኒ የብለይ ክሳብ ደቂ 60 ዓመት ኣገዲድካ ምግፋፍ” ናይዚ መረጋገጺ እዩ።
ስለዚ ህዝቢ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት፡ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ “መሰረታዊ ሕቶይ ክምልሰለይ እምበር፡ ካብ ዘቤታዊ ዛዕባይ ብምህዳም ናይ ዘሳውሮ ውግእ ግዳይ ኣይከክገብረንን’ዩ” ክብልን ክጸባጸቦን ይግበኦ። እቲ ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ስሙርን ተባዕን ህዝባዊ መርገጽ ዘይምሓዝ ግዳይ ክኾኖ ዝጸንሐ፡ ሕጂ’ውን እቲ መፍትሒ ኣብ ኢዱ ዘሎ እምበር፡ ካብ ህግደፍ ዝጽበዮ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ ኣንጻር ውግእ ካብ ምዝማር ዓዲ ክውዕል የብሉን ኢና እንብል።
ዝሓለፈ ፍጻመ፡ ናይ ህልውን መጻእን ተግባር መወከስን መንቀልን’ዩ። በዚ መሰርት ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንዝሓለፈ ብዘይምርሳዕ፡ ንቕድሚት ምእማት ንቡር ኣካይዳ እዩ። ዝሓለፈ ዘይምርሳዕ ክባሃል ከሎ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ኣብ ሕሉፍ ተኣሲርካ ምንባር ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ካብቲ ዝሓለፈ እወንታን ኣሉታን ክትመሃር እሞ፡ ነቲ እወንታ ምስ ህልዊ ኩነታ ኣሰማሚዕካ ንክትወስድ፡ ነቲ ጌጋ ድማ ንዘይምድጋሙ ዘኽእል እዩ። ይሕመቕ ይጸብቕ ከይመመኻ ኣብ ሕሉፍ ጥራይ ተሽኺልካ ምንባር ግና ነቲ ቅድም ዘየዕወተ መንገዲ ከምዘለዎ ምድጋም ስለ ዝኾነ ዝምረጽ ኣካይዳ ኣይኮነን።
ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምእማት ናብ ዘየዕወተካ ኣተሓሳስባ ንድሕሪት ምጥማት ወይ ኣብ ዘለኻዮ ደው ምባል ብውልቂ ኮነ ብእኩብ ዓጋቲ እዩ። ናይ ሕሉፍ እሱር ካብ ምዃን ንምውጻእ፡ ዝግበር ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ምኽታል ዘድልዮ፡ መስርሕ ለውጢ ምዃኑ ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮን ንሓልፎ ዘለናን እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውዳበታትን መንግስታትን ዘጋጥም ክኸውን እንከሎ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ቀሊል ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ኣብ ተመኩሮ ዝተራእየ እዩ። እቲ ዝያዳ በዳሂ ዝኸውን ከኣ፡ ነቲ ዝሓለፈ ብመንጽር ዝሓለፈሉ ኩነታት ከይመዘንካ፡ ከም’ቲ ዝነበሮ ሓጢጥካ ክድርበ እንከሎ እዩ።
ኤርትራውያን እቲ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ፡ በብመልክዑ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልስና፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክረአ እንከሎ ብዙሓት ኣይኮነንዶ ክትደግሞም ክትዝክሮም’ውን ዘጣዕሱ ኣሉታታት ከም ዝነበርዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ሎሚ ክንክተሎ ዝግበኣና፡ ነቲ ዝሓለፈ ዘይምዝካሩ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ነቲ ግጉይን ግዜኡ ዝሓለፈን ጐኑ ከይድገም ምጥንቃቕ እዩ። ነቲ ብሰንኪቲ ሕሉፍ ጌጋታት ዝሓደረ ቂምን ህልኽን ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ንቕድሚት ምምዕዳው ክሳብ ክንደይ ከቢድ ቃልሲ ዝሓትት ምዃኑ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝርደኦ የለን። ሓደ ካብቲ ንህግደፍ ሓዲርዎ ዘሎ ናይ “በሓትን ጠላምን ሕማም” ከኣ፡ መንቀሊኡ ኣብ ሕሉፍ ክትጸባጸብ ናይ ምንባር ድርቅና እዩ።
ኣብ ተመኩሮና፡ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምንባር ስንክልና ንሓንሳብ ዝድይብ ንሓንሳብ ድማ ዝወርድ ኮይኑ፡ ኣብ ጉዕዞና ፈጺሙ ዘይለቅቕ ዕንቅፋት ኮይኑና’ሎ። ዝሓለፉን ዘለዉን መንግስታት ኢትዮጵያ ካብ ዝግለጽሉ ባህርያት ጉዳይ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ዘርእይዎ፡ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምንባር ሕዱር ሕማም እዩ። ብሰንኪ’ዚ እዩ ከኣ፡ ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ሓደ ክለዓል እንከሎ ነቲ ካልእ ከይተንከፎ ዘይሓልፍ። ኣብዚ እዋንዚ ምምሕዳር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕሉፍ ካብ ምንባር ከም ዘይወጸ ዘርኢ ምልክት ንዕዘብ ኣለና። ንሱ ድማ ነቲ ከምዘይቅየር ናይ መወዳእታ መልክዑ ዝሓዘ፡ ቀደም ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ ዝነበረ ፋይል ንድሕሪት ክትመልስ ዝግበር ሃቐነኦም ኮይኑ ንረኽቦ። ኤርትራ ሓደ እዋን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ፡ ብሰንኪ ዕዉርን ዓምጣርን ህርፋን ንግስነት ኢትዮጵያን ዘይፍትሓዊ ደገፍ መሻርኽቱን፣ ብዘይኣፍልጦን ድሌትን ህዝባ ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዝነበረት ዝከሓድ ኣይኮነን።
እንተኾነ ፍትሒ ተቐቢራ ስለ ዘይትነብር፡ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ኢሎም ብፍትሓዊ ኒሕ ተደሪኾም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ኤርትራውያን፡ ንሃገሮም ናብ ንቡር ቦተኣ መሊሰምዋ። ኩሉ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝርዝር ቃልስን ዝተኸፍለ መስዋእትን ገዲፍካ፡ ድሕሪ’ቲ ኤርትራ ብመንገዲ ረፈረንዶም ልኡላዊት ምዃና’ውን፡ ሓያሎ ምግንዛብ ዝጐደሎምን ብትምክሕቲ ዝዓወሩን ኢትዮጵያውያን፡ “ኤርትራ ካብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ኣይትፍለይን’ያ” ካብ ዝብል ናብ ሕሉፍ ካብ ምንቅዕራር ዘይወጹ ምንባሮም ርዱእ ኩይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ደግሲ ዘይወጹ ምህላዎም ድማ የገርም።
ኣብ ዙርያ ኤርትራዊ ጉዳይና ብግሁድን ብስዉርን ዘመዓድዉ ዝነበሩን ዘለዉን ብዙሓት እዮም። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ኣኽሊል ነጻነትን ልኡላውነትን ንክትሰቅል ናይ ደምን ድምጽን ዋጋ ዝኸፈለላ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእሲቲ ወሳኒ ግደ ህዝባ፡ ብሓፈሻ ኩሎም ነቲ ቃልሲ ዝደገፉ ወገናት፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ መንግስታት ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ተቐቢሉ ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ሸንኮለል ታሪኽ ከም ዝክዕጾ ንዝገበረ ኢህወገድ ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእ’ዩ።
ኢህወደግ ነቲ ታሪኻዊ ስጉምቲ ብምውሳዱ ዝተጠቕመ፡ እቲ ዋጋ ቃልሱ ዝረኸበ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ንድሕሪት እናተመለሰ ዘህልቖ ዝነበረ ህይወትን ዘብርሶ ዝነበረ ንብረትን ከድሕን ክኢሉ እዩ። ነፍስሄር ቀዳማይ ሚንሲተር መለስ ዜናዊ፡ ነቶም ግድን ኣብ ሕሉፍ እንተዘይነበርና ኢሎም ዘዕረምርሙ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ኣብ ሓደ መድረኽ፡ “ኤርትራ ከምልስ ክዋጋእ ዝደሊ እንተልዩ ጻዕዳ ይጽናሕካ፣ መንግድኻ ጨርቂ ይግበረልካ ኢና እንብሎ፡ ንሕና ግና ምረት ውግእ ስለ እንፈልጥ ኣይንቕጽሎን ኢና” ዝበሎ፡ ሰማዒ እንተዝረክብ፡ ኣብ ሕሉፍ ካብ ምንባር ዘናግፍን ንቕድሚት ዘማዓዱን መልእኽቲ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል፡ ኤርትራ ቅድሚ ኢትዮጵያ ከም ውጽኢት መግዛእቲ ሃገራዊ መልክዕ ዝሓዘት ምዃና ዘንጊዖም፡ ነቲ ቀደም “ዶብ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ እዩ” ዝበሃል ዝነበረ ናይ ቅድመ-ታሪኽ መዝሙር ዘኳማስዑ ሎሚ’ውን ይስምዑ ምህላዎም የተዓዛዝብ።
ሎሚ ብብዙሓት ብድሌትን ህርፋንን ጥራይ ዝድፍኡ ኢትዮጵያውያን፣ ብደረጃ መንግስቲ ከይተረፈ፡ ንልኡላውነት ዝወሃብ ክብርን ኣህጉራዊ ሕግታትን ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ “ስለ ዘድልየና ክንወስዶ ኢና” ዝብልዎ ዘለዉ ኣጓጣጥ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕሉፍ ተሸኺሎም ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ሎሚ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጺ ዘትሓዘን ቻርተራት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ጓሲኻ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣልጀርስ ዝተዳነኻሉ ኣህጉራዊ ውዕላት ረሲዕካ፡ “ሓይሊ እንከሎ ሕጊ እንታይ ይዓብስ” ብዝመስል ትምክሕቲ፡ “ብዝኾነ መልክዕ ኣካል ማሕበረሰብ ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ምባልሲ ምስ ምንታይኮን ክቑጸር እዩ።
ክከኣል ድዩ ኣይከኣልን ካልእ ኮይኑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምፍኽኻርን ምትህልላኽን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ደንዲንካ፡ ብሓይሊ ተመኪሕካ ዶብ ክትጥሕስ ምፍታን፡ ሳዕቤኑ ንኢትዮጵያ’ውን ዘየናሕስየላ ምዃኑ ዘስተውዓሉ ኣይመስሉን። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ ብዘይካቲ ኣብ ውሽጣ ከም ቃንጥሻ ዝራባሕ ዘሎ ውግኣት፡ ብዛዕባቲ ብሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን እናተቖርመመ ዝውሰድ መሬታ ክለዓል እንከሎ፡ “ልኡላዊ መሬተይ ናብ ዝኸደኒ የብሉን ክምለስ’ዩ” ክትብል እያ እትስማዕ። እዚ እዩ እምበኣር ልኡላውነትካ ክድፈር እንከሎ ከምዘይትቕበሎ፡ ኣንጻር ናይ ካለኦት ልኡላውነት ምትንሳእ’ውን ዘይቅቡልን ዋጋ ዘኽፍልን ምዃኑ ካብ ዘይምግንዛብ ዝነቅል’ዩ ዘብሎ።
ኤርትራ ምድራዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላውነት ዘለዋ ሃገር እያ። ስለዚ ኢትዮጵያውያን ኣይኮነንዶ ክንዲ ወደባን ገማግም ባሕራን ዝኣክል ምምንዛዕሲ፡ ስድሪ ካብ መሬታ ምትንካፍ’ውን ወራር ምዃኑ ተረዲኦም ሕጂ’ውን ናብ ቀልቦም ክምለሱ ይግበኦም።
እቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ 1991 ምርግጋጽ ናጽነትን 1993 ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወት ኤርትራን ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ክንድቲ ዝድለ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን። 15 መጋቢት 1964 ዝኽሪ ሓርበኝነት ተጎርባ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሳ ተዘክሮ ኣንቢራ ዝሓለፈት ናብ ነጻነት ካብ ዘብጽሐ ዕለታት እያ። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 61 ዓመታት ንዝክራ ዝጸናሕናን ዘለናን።
ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን፣ ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ተጎርባ ፍሉይ ሓይሊ ስሩዕ ሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ኣንጻርቶም ልዕልና ዕላማ፣ ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮም ምዑታት ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገጢሞም። ዕላመኦም ከምቲ ክሳብ ስዕረቶም ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ካለኦት ስርሒታት፡ ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕሃሙ ነይሩ። እንተኾነ ኩነታታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም መኮነናት ዝርከብዎም 84 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ኣስታት 22 ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘሰለፍዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ዓቕሚ’ኳ እንተሰለፉ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ግን ኣይከኣሉን።
ተጎሩባን ሓርበኛታትን ብኸፊል
እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣትን ክሳራን ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነ ክቡር ዋጋ ከፊልሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ውግእ ተጎሩባ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም። ካብቶም ስዉኣት፡ እድሪስ ኣደም ፋጃጅ፡ ዑስማን ዓፋ እድሪስ፡ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ሑመድ፡ ዑስማን መሓመድ ዓሊ ኣፋዳድ፡ ዓሊ እድሪስ ጀምዕን ሳልሕ ኑር ሓምደን ዝበሃሉ ምዑታት ከም ዝርከብዎም፡ “ዛንታና” ዝብል ኣቡ ርጃላ ብምውካስ ዝተዳለወ ሰነድ ይሕብር።
ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ምስቲ ዝተሳዕርሉ ውግእ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ፡ ሕራነ ነይሩ።
ውግእ ተጎርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊት-ንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ብፍሉይ ከም መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ዝዝከር።
ውግእ ተጎሩባ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ጀጋኑ ዝሰረጸ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 61 ዓመታት ነዚ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኽ ዝመጣጠን ካልእ ተጎርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንካልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጎርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።
ኣብ ተጎርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ። ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ ዝተፈልዩ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ቅያ ተጎርባን ካለኦት ግጥማትን ኣብ ፍረ በጺሖምስ ድሕሪ ነጻነት ንሓርነት ኣብ እንቃለሰሉ ምዕራፍ ኢና ዘለና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሎሚን ግዜ ተጎሩባን፡ ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ዓወት ተጎርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ብጽሒት መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተርን ድንድልን ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።
ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት፡ ካብ ናይ ግዜ ተጎርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየን ዝኸበደን ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ስለ ዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ ግቡኡ እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐርበኝነትን ዓቂቡ፡ ነዊሕ ዘማዕዱ ራኢ ወኒኑ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲቲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ኣብ ቅነ እዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ብዛዕባቲ ዝዓበየ ጉድለቶም ኮይኑ ዘሎ ሓቢርካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ከስተብህልሉ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ’ዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!