መፍቶ ህግደፍ ንዘይምዃን!

2023-12-18 11:11:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 679 times

ኤርትራውያን ሓድነትና ወትሩ ዋሕስ ዓወትናን ህልውናናን እዩ። ናይዚ ሓቅነት ንምርግጋጽ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። ብዓብይኡ ነቲ ነዊሕ ኣዝዩ ክቡር ዝዋግኡ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ክንበቅዕኳ፡ ብሃገር ዝበቆል ስርዓት ንጭቆን እንተሃለና፡ ዋና ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ምዃና ምስጢሩ ሓድነትና ምዃኑ ምስኩር እዩ። ብኣንጻሩ ናይ ግዳም ይኹኑ ናይ ውሽጢ ጸላእትና ንሓድነትና ከም ቁርን ኣስሓይታን ከም ዝፈርሕዎ ብታሪኽ ዝተረጋገጸን ሎሚ እውን ህያው ዘሎን እዩ። ስለዚ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራን ጸላእቱን ቅድም ኮነ ሎሚ “ከመይ ነይሩ ከምይከ ኣሎ? ክበሃል እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ብሓፈሻ ህዝብና ብፍላይ ከኣ ደምበ ተቓውሞ ሓድነቱ ክዕቅብ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጸላእትና ድሑር ዝንባለታት ብምጽሕታር ሓድነት ህዝብና ከፍርሱ ዝግበር ምትሕንናቕን ምጥምጣምን እዩ።”  እንተዝበሃል፡ ግቡእ መልሲ እምበር ምግናን ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ሓድነቱ ዝዓቀበ እዩ ተዓዊቱ ክበሃል እንከሎ፡ ቅድም ኮነ ሎሚ ፍልልያት የብሉን  ማለት ኣይኮነን። እዚ ሓድነቱ ኣብ ብዙሕነት ሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡ፡ ባህሉ፡ ብሄሩ፡ ከባብያዊ ምምሕዳሩን ዝኣመሰሉን ፍልልያት ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ። በዞም ፍልልያት ዝንጸባረቑ ስምዒታት እውን ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዛዕባታትን መድረኻትን ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ኣመዛዝና ምዕባለታትን ፍልልያት ክህልዉና ከኣ ንቡር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ በበይኑ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ናይ ምስላፍና ምስጢር እውን እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና ዝፈጠሮ እዩ። “እቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና ክሳብ ክንድዚ ብዝሒ ነናትና ውድብ ክህልወ ዘገድድ ሰፊሕን መሰረታውን ድዩ?” ዝብል ሕቶ ግና ከዛርብ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። በዚ ኮነ በቲ ቅድሚ ሕጂ ሓድነትና ኣጽኒዕና ተዓዊትና ክንብል እንከለና፡ ሳላ ንፍልልያትና ኣከኣኢልና፡ ነቲ መሰረታዊ ንኹልና ማዕረ ዝብጸሓና ኤርትራዊ ሸቶ ዘይዘንጋዕና ኢና።

ኣብቲ ቀዳማ ምዕራፍ ቃልስና እቲ ቅድሚት ዝሰራዕናዮ ዕማምና መግዛእቲ ስዒርካ፡ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ምውሓስ ነይሩ። ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ከኣ፡ ቀዳምነትና ውጽዓ ህግደፍ ኣወጊድካ ሓድነት ህዝባ ዝደልደለ፡ ሰላማዊት፡ ምዕብልትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገር ምህናጽ እዩ። ኣብዚ ወዮም መግለጺ ብዙሕነትና ዝኾኑን መናብርትናን ዝበልናዮም ፍልልያት፡ ነቲ ዓብይ ናይ ሓባርና ባህጊ ብዘይዕቅፍዶ ይመሓደሩ ኣለዉ ኣይፋሎምን? ዝብል ሕቶ፡ ኣፍካ መሊእካ “እወ” ኢልካ እትምልሶ ዘይኮነ ጌና ጸገማት ዘለዉዎ ምዃኑ ርእይ እዩ። ክንድቲ ዝድለ ብናይ ሓባር ቅኒት ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ኣንጻር ህግደፍ ብዘተኣማምን ክንስለፍ ናይ ዘይምብቃዕና ምኽንያታት ሓደ ከኣ ንሱ እዩ። እንተኾነ እቲ ክሳብ ሎሚ ናብዚ ናይ ሓባር ጽላል ንምምጻእ ዝግበርናዮን ንገብሮ ዘለናን ፈተናታት ተስፋ ዘቑርጽ ስለ ዘይኮነን ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብልናን ብዘለና ዓቕሚ ክንደፍኣሉ ዝግበኣና ዕማም እዩ።

ናይ ሎሚ ጨቋኒና ህግደፍ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዕድመኡ ዘሕጽር ምዃኑ ተመኩሮ ቃልስና ዘርኣየናን ንሱ እውን ዝርደኦን እዩ። ስለዚ ከምቲ ንሕና ሓድነትና ክንዕቅብ እንጽዕቶ ንሱ ከኣ ሓድነትና ንምፍራስ ክሃልኽ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝፈረሰ ሓድነት እምበር ኣብ ዝደልደለ ሓድነት ህዝቢ ረብሓ ስለ ዘየብሉ። ህግደፍ ኣፍራሲ ዕላማኡ ንምዕዋት ዝጥቀመሉ ስልቲ፡ ነቲ ክመሓደር ዝግበኦ ፍልልያት ብግጉይን ዘይሓላፍነታውን ኣገባብ ብምሓዝ ቀዳምነትና ንክንስሕት ተንኮላት ምፍሓስ እዩ ዝጥቀም። ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ሳላ ጽንዓትን ምስትውዓልን ህዝብና፡ በዚ ኣፍራሲ ተኮላቱ ክንድቲ ዝሓልሞ ኣይተዓወተን። ቀዳሞት ገዛእቲ ኮኑ ህግደፍ ኣብ ምፍራስ ሓድነት ህዝብና  ዘይምዕዋቶም ድማ ቀንዲ ናይ ውድቀቶምን ስዕረቶምን ምኽንያት ከም ዝነበረን ዝኾነን ርዱእ ኮይኑ፡ ዝገድፎ ኣሉታዊ በሰላ ግና ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ከምዘይከውን ምስትብሃል ዘድልዮ  እዩ።  

 “ኣታሓሳስባታትና ኣቀራሪብና ንህግደፍ ተቓሊስና ንስዓሮ” ምባልና  ንፍልልያትና ነከኣእሎ እምበር ነወግድ ማለት ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እኳደኣ ከምቲ “ዕንበባ መሮር እውን ዝተፈላለዩ ሕብርታት ክህልዎ እንከሎ  ዝያዳ ይምልክዕ” ዝበሃል፡ ብዙሕነትና መልክዕናን ጸጋናን እዩ። ፍልልያትና መልክዕን ጸጋን ዝኸውን ግና ቀዳምነቱ ሓልዩ፡ ዝተሰርዐን ዝተወሃሃደን ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። ናይ ኩልና ቀዳምነትን ረብሓን፡ ሕገመንግስታዊት፡ ህዝባዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ብምህናጽ ዘረጋገጽ እዩ። ስለዚ እቲ መግለጺ ብዙሕነትና ዝኾነ ፍልልያትና ናይ ብሓቂ ሓይልናን ዓቕምናን ምእንቲ ክኸውን፡ ነቲ ናይ ሓባር ቀዳምነትና ብዘይጻባእ ከነተግብሮ ናይ ግድነት እዩ። ምኽንያቱ እታ ናይ ሓባር ቀዳምነትና ዝበልናያ ጽባሕ ክትኮነልና ንቃለሰላ ዘለና ኤርትራ፡ ኣብ ዘይተረጋገጽትሉ ዋላ ሓንቲ ካብቲ ናይ መንነትና መግለጽታት ክዕወትስ ይትረፍ ክህልው እውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኢና ኤርትራ ብውሽጢ ኮነ ብደገ ኣብ ሓደጋ ኣብ እትኣትወሉ ሃይማኖት ኮነ ካልእ ናይ በይንና ንብሎ መንነት ህላወ’ውን የብሉን እንብል።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ ዘቃልሰና፡ መድረኽ ክንፈጥር ዘይምኽእልና ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ብደሆ እዩ። እዚ ክንሃድመሉ ዘይንኽእል ብደሆ ብናይ ኩልና  ተሳትፎ እምበር፡ ብናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ጻዕሪ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ብግብሪ ርኢናዮ ኢና። ስለዚ እቶም ንምቅርራብ ዝጽዕቱ ዘለዉ ዝያዳ ናህሮም ክውስኽ፡ እቶም በዂሮምን ኣጽቂጦምን ዝጸንሑ ከኣ ክበራበሩ እዋኑ ምዃኑ ብትሪ ነዘኻኽር። በዚ ዘለናዮ ሓላፍዘላፍ ኣተሓሕዛ እንተቐጺልና ግና፡ መፍቶቲ  ኣብ ምቅርራብና ዘይኮነ፡ ኣብ ምትፍናና ዝረብሕ ህግደፍ ክንከውን ኢና። ስለዚ ኢና ከኣ “ክሳብ መዓስ ኢና መፍቶ ህግደፍ ክንከውን?” ዝብል ሕቶ ክንሓትት እንግደድ።

Last modified on Monday, 18 December 2023 12:19