EPDP Editorial

እቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ኣሰር ኣንቢራ’ያ ሓሊፋ። ዕለታት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡  ምርግጋጽ ናጽነትን ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወነት ኤርትራን ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ነዊሕ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኻዊ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን።  15 መጋቢት 1964 ዝኽሪ ሓርበኝነት  ተጎርባ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሳ ተዘክሮ ኣንቢራ ዝሓለፈት  ናብ ነጻነት ካብ ዘብጽሐ ዕለታት ሓንቲ እያ። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 62 ዓመታት ንሓርበኛታታን ጀግንነቶምን  ንዝክር  ዘለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን፣ ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ተጎርባ  ፍሉይ ሓይሊ ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ኣንጻርቶም ልዕልና ዕላማ፣ ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮም ምዑታት ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ገጢሞም። ዕላመኦም ከምቲ ክሳብ ስዕረቶም ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ካለኦት ግፍዓዊ ስርሒታቶም፡  ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕሃሙ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም መኮነናት ዝርከብዎም 84 ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም፡ ኣስታት 22 ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘሰለፍዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ዓቕሚ’ኳ እንተሰለፉ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ግን ኣይከኣሉን።

እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣትን ክሳራን ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነ ክቡር ዋጋ ከፊልሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ውግእ ተጎሩባ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም። ካብቶም ስዉኣት፡ እድሪስ ኣደም ፋጃጅ፡ ዑስማን ዓፋ እድሪስ፡ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ሑመድ፡ ዑስማን መሓመድ ዓሊ ኣፋዳድ፡ ዓሊ እድሪስ ጀምዕን ሳልሕ ኑር ሓምደን ዝበሃሉ ሓርበኛታት ከም ዝርከብዎም፡ ዛንታና” ዝብል ኣቡ ርጃላ ብምውካስ ዝተዳለወ ሰነድ ይሕብር።

Untitled 2https://youtu.be/TdF18-bOp14

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ፡ ኣብቲ ዝተሳዕርሉ ውግእ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ፡ ሕራነ ኤርትራውያን’ዩ ፈጢሩ። 

ግጥም ተጎርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ራዕዲ ዝፈጠረ ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊት-ንፊት ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝነበረ እዩ ብፍሉይ ከም መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ዝዝከር።

 ውግእ ተጎሩባ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ጀጋኑ ዝሰረጸ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና፡ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኽ ዝመጣጠን ካልእ ተጎርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ፡ ብፍላይ ኣብዚ ንርከበሉ ዘላን ኩነታት ንካልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጎርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።

ኣብ ተጎርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ቅያ ተጎርባን ካለኦት ግጥማትን ኣብ ፍረ በጺሖምስ ድሕሪ ነጻነት  ንሓርነትን ምዕቃብ ልኡላውነትን ኣብ እንቃለሰሉ ፍሉይ ባህሪ ዘለዎ ምዕራፍ ኢና ዘለና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሎሚን ግዜ ተጎሩባን፡ ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን።  

ኣብ ግዜ ዓወት ተጎርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ብጽሒት መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ  ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተርን ድንድልን ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።

ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡  ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት፡ ካብ ናይ ግዜ  ተጎርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየን ዝኸበደን ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ስለ ዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ልኡላዊት ኤርትራ ንምዕቃብ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ  ሓላፍነት እዩ ዝስከም።

በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ከባብያዊ ናይ ኣሰላልፋን ሕልኽልኽ ምዕባለታትን፡ ብፍላይ ከኣ ሃቐነ ግሃሰት ልኡላውነትና ብኢትዮጵያ፡ ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጽንዓት ዓቂቡ፡ ነዊሕ ዘማዕዱ ራኢ ወኒኑ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ካልእ ከስከመሉ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ ርእሲቲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ኣብ ቅነ እዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ብዛዕባቲ ዝዓበየ ጉድለቶም ኮይኑ ዘሎ ሓቢርካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ  ከስተብህልሉ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ’ዩ ንብሎም።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!

15 መጋቢት 2026

“ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕረተሰብ ስለ ዝኾና ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ሰውራ የለን”፡ ዝብል ጭረሖ  ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ምቕያር ሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ ወሳኒ ምዃኑ ዘመልክት’ዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ኣብ ህዝባዊ ዕብየትን ቃልሲ ኣንጻር ድርብ ወጽዓን ብጽሒት ከም ዘለዋ ዘመልክት’ውን እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ድሮ’ቲ “ ንኸተትርፍሲ ሃብ”  ኣብ ትሕቲ ዝብ ኣህጉራዊል ጭረሖ ዝዝከር  8 መጋቢት  ዓለምለኸ መዓልቲ  ደቂ ኣንስትዮ 2026፡ ንርከብ ስለ ዘለና “እንኳዕ ኣብጸሓክን ኣብጸሓና”።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብሳላቲ ነዊሕ መዋእል ንዝወሰደ ቃልስን ተሳትፎን ጓለንስተይቲ፡ ኣፍልጦ ዝህቡ ስርዓታት በብኩርናዑ ምምስራቶም፡ ብደረጃ ዓለም ክንርኢ እንከለና፡ ተሳትፎኣ ይብርኽ ምህላዉ ምርዳእ ይከኣከል። በመንጽር ተሳትፎ ኣብ ፓርላማ ኣብነት ንምጥቃ ፡ ኣብ ሩዋንዳ 61.3%፡ ኩባ 53.1%፡ ቦልቪያ 53.1%፡ ሜክሲኮ 48.2%፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 42.7%፡ ኡጋንዳ 34% ወንበራት ብደቂ ኣንስትዮ ዝተታሕዘ እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከኣ ብደረጃ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም  ኣብ ሓይሊ ኣየር 24.1%፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ድማ 21.3% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን መዛግቲ የርእዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዛት እኹልዩ ማለት ዘይኮነ፡ ኣብ ዝበረኸ ንምብጻሕ እቲ መንገዲ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

 ኣብ ኤርትራ’ኳ ፓርላማ ስለዘየለ ብዛዕባ  ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓል ኣይኮነን። ካብታ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ  ጀግንነት ብምፍጻም እትምጎስ ጓለንስተይቲ ሓንቲ’ኳ ኣብ ወተሃደራዊ መዓርግ ጀነራልነት ዘይምብጸሓ፡  መርኣያ ኤርትራዊት ጓለስተይቲ ክሳብ ክንደይ ካብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዝኸፈለቶ ዋጋ  ተነፊጋ ከም ዘላ ዘርኢ እዩ። ህግደፍ ሎሚ እውን ንጓለንስተይቲ ኣብ ልዕልቲ ድርብ ወጽዓ፡ ወጽዓ ኣብ ብዝድረብ ኣገባብ ካብ ምስታፍ ዓዲ ኣይወዓለን። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣብ እትጸንሓሉ ዘጋጥማ  ሓሳረ መከራ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

ኤርትራዊት ኣብ ግዜ ሰውራ ንወሳኒ ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ተግቢራቶ እያ። ኣብ ሃገርና ንዝነበረ  ባህላውን ሃይማኖታውን ዕንቅፋታት ፈንጺጋን ንኩኹ ተፈጥሮኣዊ ተጽዕኖታት ክኢላን ንትርጉም ማዕርነት ብንቕሓት ተገንዚባ ምስ ወዲ ተባዕታይ ብቑጽሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ባይታ’ውን ተግቢራቶ እያ።  ወዲ ተባዕታይ ዝኸኣሎ ክኢላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸብለልታ ዘርኣየትሎም ተመኩሮታት ምንባሮ’ውን  ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ብናይ ሓሶት ናይ “ዋዕሮ” መዝሙር ንምዕሻዋ ዝግበር ሸርሒ ህግደፍ  ግና ዘተዓዛዝብ’ዩ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ እታ ብቃልሱ ዘረጋገጻ  ሃገሩ፡ ከመይ ክትኮነሉ ከም ዝደሊ ዘማዕድዎ ራኢ ነይርዎ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ድሕሪ ናጻነት፡ ብሰንኪ ህግደፍ ኣንጻር ትጽቢቱ ከም ዝኾነት  ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ስለዚ እያ ድማ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ኣንጻር ትጽቢት እቲ ዝተቓለሰላ መላእ ህዝባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓለም ደረጃ እውን ናይ ድሕረትን ጥሕሰት መሰላትን ኣብነት ኮይና እትጠቀስ ዘላ። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ እውን ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘካይደቶ ድርብ ቃልሲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ድርብ ኣውንታ ትጽበ ከም ዝነበረት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ኣብ ዘዝተወደበቶ ኮይና ዘንጸባረቐቶ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ጥልመት ናይቲ ጨካን ጉጅለ ኣብታ ብቃልሳ ነጻ ዘወጸት ኤርትራ፡  ካብቲ ናብ ቃልሲ ክትወፍር እንከላ ዝነበራ ወጽዓ ብዝገደደ ተደራራቢ ወጽዓታት፡ ኣብ ሃገራ ኮነ ኣብ ስደት  ብብዙሓት  ምጥቃሶም ዘሰክፉ ሕማቕ ተርእዮታት እትሳቐ ዘላ እያ።

ህግደፍ ብዘሕፍር ሸፈጥ፡ ብኣጻብዕ ብዝቑጸራ፡ ሕድሪ ሓርበኛታት ኣደታተን፡ ኣሓተንን ደቀንን ዝጠለማ ባእታታት ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ኣሳቲፉ ክወራዘ’ዩ ዝፍትን። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ እቲ “ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ” ዝብል እምነት ወትሩ ካብ ሕልነኣ ከምዘይወጽእ ርዱእ ኮይኑ፡ 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትዝከር እንከላ ብፍላይ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ውዳበታት ተካይዶ ዘላ ናይ ቃልሲ ሕራነኣ ዝያዳ ከም ዝብርኽ  ፍሉጥ እዩ።

ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ቅነ 8 መጋቢት ኮይና፡ “ከመይ ኔይረ ኣብ ከመይከ ኣለኹ?” ኢላ ክትሓትት ባህርያዊ እዩ። መልሳ ከኣ “ተሳትፎይ ካብ ዝነበሮ ብራኸ ኣንቆልቊሉ” ዝብል ከም ዝኸውን ህልዊ ኩነታታ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝኽሪ ብዛዕባ ብኽመይ  ናብቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበራ ብራኸ፡ ነዚ ህልዊ ኩነታትና ብዝምጥን ትምለስ ክትሓስብ እምበር፡ ስለ ዝጠተልመት  ብዘካየደቶ ቃልሲ ክትጠዓስን ተስፋ ክትቆርጽን ኣይግበኣን። ከምቲ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝቢ ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡  ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ጓለንስተይቲ ንዝካየድ ቃልሲ’ውን ብዘይካ ምሕዳሱን ምሕያሉን ካልእ መተካእታ የለን። ደቂ ኣንስትዮ ዘካይዳኦ ዘለዋ ቃልሲ ንተሳትፎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናብ “ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ” ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ግና ንኣገልግሎት  ጥራሕ ከም ዝድለያል ክኸውን እንከሎ፡ የሕዝን።

ኣብዚ ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ እንቃለሰሉ ዘለና መድረኽ፡ ድሩትነት ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ካብ ዘሻቕሉ ዓበይቲ ብደሆታት ሓደ ኮይኑ፡ እምብዛ ተስፋ ዘቑርጽ ግና ኣይኮነን። “ብዘይተሳትፎ ጓለንስተይቲ ዝዕወት ሓርነትን ዲሞክራሲን የለን”  ዝብል ናይ ብዙሓት እምነት ካብ ኮነ፡ በቲ ብኩራት እትሻቐል ጓለንስተይቲ ጥራይ ዘይኮነት፡ ናይ ኩሉ “ናይ ህዝባ ዝኾነት ኤርትራ” ዝብህግ ሻቕሎት እዩ። ብፍላይ እተን ሰብ ድርብ ወጽዓ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርማን መተካእታን ናይተን ሰብ ቅያ ኣደታተን ምዃነን ተረዲደን ኣብ ምብርታዕ’ቲ እቲ ተተይ ዝብል ዘሎ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ንክሳተፋ፡ ኣብዚ ቅነ 8 መጋቢት ነዘኻኽረን።

ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምትን ቆላሕታን ዝወሃቦ እምበር፡ ካብቲ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ዝረኣይ ከምዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብዚ ልኡላውነት ናይ ምዕቃብን ጸረ ዲሞክራሲ ናይ ምውጋድን ቃልሲ ኣብ ቅድሜና ድርብ ብደሆ ኮይንሉ ዘሎ ወሳኒ እዋን፡ ዝተወሃሃደ ኣበርክቶ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ከም ዘድልዮ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።   

8 መጋቢት ስለምንታይ ከም እትዝከር ኣብ በበይኑ ኩርናዕ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝረደኣኣ ኮይና፡ ግና ድማ ኣብቲ ኣዘኻኽራ፡ ነናብቲ ዝነብራሉ ዘለዋ ሃለዋት ከም ዝቓንይኣ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ንጭረሖ “ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ” ምስቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት  ኣገናዚባ እትበራበረሉ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።

ኣብዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ወጥሪ ዓመታት፡ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክደጋገሙ ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ብሂላት፡ “ መራሕቲ ሃገራትን መንግስትታን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን ሕቶና ደጊፈምዎ” ዝብል ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ከምዚ ኢለሙና እናተባህሉ ዝጥቀሱ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዘዝገሹ መራሕቲ ሃገራትን ላዕልዎት ሓለፍትን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣህጉራዊ ትካላት እውን ስመን ይጥቀስ’ዩ። ኣብዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ወትሩ እዩ ኣስማተን ዝጽዋዕ።

ኣብዚ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ ዝነበረ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና፡ “ንሕቶና ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ደጊፍዎ” ተባሂሉ ዳንኬራ ካብ ዝተወቕዓሎም ሓደ ነይሩ። መገሻ መራሒ ቱርኪ ጠይብ ኦርዶጋን ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን ብተመሳሳሊ ክግለጽ ተፈቲኑ እዩ። ብግብሪ ግና እዞም ዝተጠቕሱ መራሕቲ ኮኑ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኽካ ኩሎም ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ክህቡ ዝተሓተቱ፡ “ናይ ሃገራት ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ነዚ ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕግታትን ብዘይጥሕስ ክመሓደር ይግበኦ” ከይበሉ ዝሓለፍዎ የለን።

እዚ ርኢቶ ብዙሓት መራሕትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ሃገራትን ትካላትን፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ እሞ ድማ ብሓይሊ፡ “ክንምንዝዕ ኢና” ክብሎ ንዝጸንሐን ዘሎን ዝድግፍ ዘይኮነ፡ ብሰንጣቕ ዝጻረር እዩ። ደሓር ከኣ ስለምንታ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ “ኩሉ ናብ ዕዳጋ ዘውረድካዮ ምህርቲ በቲ ዝተጸበኻዮ ዋጋ ክሽየጠልካ ናይ ግድን ከምዘይከውን”፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መስርሕ እውን “ዘዘቕረብካዮ ሓሳብ ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ምርካብ ናይ ግድን ከምዘይኮነ ምርዳእ ስኢኑ?  ዝብል ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓመጽ ዝድገፍ ዘይኮነ፡  ክትህቅኖ’ውን ብጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከቕጽዕ ዝግበኦ እዩ። ምናልባት ነቲ ንዓለምና ከይዕብላላ ዘስግእ ዘሎ ናይ ሓያላት ልዕልና ንምስናይ ከይከውን ዝግመት’ዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ “ክንድቲ ዝሃረፍካዮ ኣግዚፍካ ኣይትኾልስ ከይሓንቀካ”  ዝብል ምሳልያዊ ኣዘረርባ ዘስተብህል ትዕግስቲ ስኢኖም ዘለዉ’ውን  ይመስሉ።

መራሒ ቱርኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሩ ኣብዚ እዋን’ዚ፡  “ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ ጐነጽን ህውከትን” ክህሉ ከምዘይትደሊ ጠቒሱ፡ “ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ዓውዲ ውግእ ወጻእተኛታት ክኸውን ኣይግበኦን፡ ምኽንያቱ ንህዝቢ እዚ ከባቢ ተወሳኺ ሕሰምን ጸገምን ዘስዕበሉ ስለ ዝኾነ”  እዩ ኢሉ። ናይዚ ሓላፍነታዊ ርኢቶ ትርጉምን መንፈስን ቀይርካ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወኒንካ፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህናጽን ወደብ ዓስብ ናይ ምውናን ሕቶና ደጊፍዎ” ምባል፡ ምናልባት ነቲ ብኣምሓርኛ ዝበልናዮ ኣይሰምዖንዩ ካብ ዝብል ይኸውን።

ከምቲ ግቡእ ግና ተተርጒሙ ምስተዋህቦኸ እንታይ ይብል ኢልካ ምሕሳብ መተገበአ። በዚ ኮነ በቲ በቲ እቲ ኣበሃህላ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ምርድዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ቱርኪ ኣብዚ እዋንዚ ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ከይገሃስ፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ክወሃባ ኣይግባእን ትብል ዘላ ሃገር ክነሳ፡ በየናይ መለክዒ እያ “ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንክግሃስ ደጊፋ እትበሃል?”

እንተ’ቲ “ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን 44 ዕጹዋት ሃገራት’ኳ እንተኾነት፡ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ  ኣለዋ” ዝብል፡ ውሁብን ብዙሕ ዓውዓው ዘየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ብኣፍልጦ፡ ስምምዕን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ናይ ዝመረጸታ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ጐረቤታ ሃገር፡  ተላዚባ መእተውን መውጽእን ክትረክብ፡ ደገፍ ዓለም ለኻዊ ሕጊ እውን ስለ ዝህልዋ። እንተ’ቲ ዘይናትካ  ምውናን ዘበት እዩ።  ኢትዮጵያ ካብ እትፍጠር ጀሚራ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ተመኩሮን ኣገባብን ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ሎሚ ከም ሓድሽ ከመይ ገይራ ወደብ ከም እትጥቀም ዝንገራ ሃገር ክትከውን ኣይመተገበን።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ምውሳኽ ቁጽሪ ህዝቢ ጀሚርካ ብዙሕ ለውጥታት ይረአ ኣሎ ዝበሃል፡ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ ለውጥታት ብዝኾነ መንገዲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረቤታ ከምኡ ከኣ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ናይ ምቕያርን ምጥሓስን ክብደት የብሉን። ፍልልይ ትርጉም “ተጠቃምነትን ምውናን” እናደባለቕካ ሰላማዊ ብዝመስል ቃላት እናቐባእካ ዝውቃዕ ዘሎ ዳንኬራ ንዝተወሰኑ ወገናት የደናግር ከምዘሎ ርኡይ እዩ። እንተኾነ፡ “እቲ ሓቂ ካብ ሓቁ ስለ ዘይሓልፍ” ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ምስ በልካ፡ እዚ ብልጽግና ብዝመርሖ መንግስቲ  ዝስማዕ ዘሎ ዓውዓው፡“እንተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን።

ህግደፍን ብልጽግናን ትማሊ“ማይን ጸባን ኢና” ይበሃሃሉ ከምዘይነበሩ፡ ሎሚ መራሕቶም፡ ኣብ ሕድሕዶም ምጽልላም ከዘንትዉ ንሰምዖም ኣለና። ካብቲ ኣበሃህላኦም ከም ዝተጠላለሙ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ባዕላቶም ዝድርጉሕዎ ዘለዉ ቃላት’ውን ዝያዳ ገላጺ እዩ። እንተኾነ እቲ ተሓቢኦም ዝኣለምዎ ውዲታት ንዓኣቶም እዩ ዝምልከት። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ” ዝበሃል፡ ዘሊልካ ዘይራኸብ ከተራኽብ ኣባትር እናወጣወጥካ፡ ገምገም ባሕሪ ኮነ ወደብ ኤርትራ  “ክውንን እየ” ምባል፡ ባእስኻ፡ ብቐንዱ ምስቲ ዋና ልኢላውነቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም ንድፍረት ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ክብሪ ኤርትራ ዘይድግፎ፡ ንኤርትራን ህዝባን ብምሕላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽባሕ እውን ነናብ ገዛእ ርእሱ ከም ዝመጽእን ተኸባቢርካ ምንባር ከም ዝዘርግን ብምግንዛብ እዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረአ ዝጸንሐ  ናይ ነዊሕ ግዜ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ 30 ዓመታት ውግእ ንናጽነት ኤርትራ፡ ናይ 1998-2000 ውግእ ዶብን ናይ ቀረባ ውግእ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተኸፍለ ዋጋ ምስተኸፈል፡ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ እዩ ተዛዚሙ።  ሎሚ’ውን ዝምልከቶም ኣካላት ቅድሚ  “ተኣንጐት ተሰለፍ ናብ ውግእ” ምብህሃል፡ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዝተፈልየ  ዕድል ስለ ዘይህልዎ፡ ቅድሚ ናብ ዓውዲ ውግእ ናብ ዓውዲ ዘተን እሂንምሂንን ክኸቱ ንጽወዖም ኣለና።

ኣብ  ቃልሲ ቀዳምነትካ ምስራዕ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ውሕሉል መንገዲ ዓወትን ምዃኑ፡ ዝከሓድ ኣይኮነን። ቀዳምነትካ ምስራዕ፡ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ  ህይወት ሰባት’ውን ወሳኒ እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ምስራዕ ቀዳምነት ዝረአ ድኽመት ንምግላጽ እዩ ከኣ “ሰረገላ ቅድሚ ፈርስ” ወይ ድማ “መርዓዊ ከይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ”  ዘብል። ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ብቑዕ ዘይምዃን፡ ኣብ ቃልስና ንሓርነት ከሕድረልና ዝጸንሐን ዘሎን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ልኡላዊት ሃገር ብዘይምውሓስ፡ ካልእ ምምናይ ዝከኣል ዘይምዃኑ ስለ ዝተረደአ እዩ፡   “ቅድሚ ኹሉ ንሃገረይ” ኢሉ ቃልሱ ንናጻነት ከቐደመ። ምእንቲ ሃገር ክቃለስ እንከሎ ግና፡ ጎኒ ንጎኑ ኪኖ ናጽነት ዘማዕድዎ ሓርነታዊ ባህጊ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ኣብቲ መሪር ቃልሲ’ውን፡ ሰላም ዝዓሰላ፡ ዕቤት ዘውሓስትን ህዝባ ኣብ ኩሉ መዳያት ልዕልናኡ ዘረጋጸላን ሃገር ምእንቲ ክትኮነሉ ዝጭርሕን ንምዕዋቱ ባይታ ዝምድምድን ዘነበረን።

እቲ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ንናጽነት ቀዳምነት ዘይሕዝ ዝነበረ ዛዕባ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቅድሚት ክመጽእ እትጽበዮ ምቅይያር ነይሩ። በዚ መስረት እዩ ከኣ ሕቶ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ፍትሕን ቅድሚት ሰሪዕና ምእንታኡ ክንቃለስ ዝጸናሕናን ዘለናን። ህግደፍ ከኣ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ኣሸቕሪሩ ናይ ምሓዛ ሕቡእ ህርፋን ስለ ዝነበሮ እዩ ከምኡ ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን።

ሎሚ ነቲ ብናይ ቃልሲ መስርሕ ሓሊፉ፡ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ምርጫን ኣህጉራዊ ሕግታትን ተቐባልነቱ፡ ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ክንቕንቑ ዝፍትኑ ዘለዉ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት፡ ክፍክሩን ክምክሑን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ተርእዮ ብልሑ ወሲኹ ይመጽእ ብምህላዉ ኣብ ኣቀማምጣ ቀዳምነታትና ለውጢ ዘኸትል ተረኽቦ ስለ ዝኾነ፡ “ንምዕቃብ ልኡላውነት ሃገር፡ ካብ ምውጋድ  ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብዘይፍለ”   እንተሰራዕናዮ ዘገርም ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ’ቶም ዝተዋሕሰ ልኡላውነትናን ሃገራዊ ክብርናን ንድሕሪት ብምምላስ “ዋላ ኣይገበኣና የድልየና እዩ” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ስምዒታውያን ወገናት፡ ኣብ ቅሉዕ መድረኻት ይስምዑ ኣለዉ። ብሰንክ’ዚ ዘይሓላፍነታውን ትምክሕተኛን ፈኸራኦም ውግእ ከይክፈት ድማ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ፡ ኣብ ዝሰግኣሉ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ነዚ ሓደገኛ ኣቕጣጫ ዝኾልፍ  ቃልስሲ ቅድሚት ክንሰርዕ ከኣ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ እዩ። ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚ ደጋጊምና  “ልኡላውነት”  ዝብል ዛዕባ ናይ ምልዓልና ምስጢር ከኣ እዚ’ዩ።

ገለ ወገናት፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ “ምዕቃብ ልኡላውነት”  ክብል እንከሎ፡ ነቲ ሃገር ናብ ኩሉ መሰላት ህዝቢ ዝተጋህሰላ፡ ተስፋ መንእሰያት ኣብ ዓዶም ኣጸልሚቱ ስደት ንቡር ዝኾነላ፡ ኣብ ክንዲ ኣብያተ- ትምህርትን ሕክምናን ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝበዝሓላ፡ ትካላት ፍልጠት ዝተዓጽዉላ፡ ጽምዋን ተነጽሎን ዝሳዕረረላ፡ ስግኣት፡ ምፍርራሕን ስቓስይን ንቡር ናብ ዝኾነላ ቀይርዋ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብምዝንጋዕ  ይመስሎም ይኸውን። እንተኾነ እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ ንመግዛእቲ ባዕዳዊ ጸላኢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘቤታዊ ጭቆና እውን ዝስከም እንግደዓ ስለ ዘይብሉ።

ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ኣእቲኻ ናይ ምዝራግ ህውከተኛ ተግባራት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝፈልጦ፡ ኣብ ምዝርዛሩ ከይኣተና፡ እቲ ቃልሲ ትካላት ህግደፍን  ኣዕናዊ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራቱን ተወጊዶም ኣርዑት ጭቆና ካብ እንግደዓ ህዝብና ክሳብ ዝውገድ ዝቕጽል  እምበኣር፡ ከምቲ ህግደፍ ዝሓስቦ፡  ህዝቢ ደገደገ ከም ዘማዕዱ ጌርካ ብምጥምዛዝን  ነቲ ዝፍጽሞ በደላት  ከም ብልጽግና ናብ ዝኣመሰሉ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣሰኪምካ ዝሕለፍ  ኣይኮነን።

እኳ ደኣ ኣካይዳ ኢሳያስ  ኤርትራዊ  ልኡላውነት ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና መወራዘዪ  ንክኸውን እጃም ስለ ዘለዎ፡ ዝያዳ ኣምሪርና እንቃለሶ እዩ ዝኸውን። ኢሳያስ ንኣብይ ሕመድ ዓሊ ተጠሊዑ፡ “ ፈቓድ ከይሓተትካ ከም ድላይካ፡ ብዓሰብ ጀሚርካ ብባጽዕ ኣቢልካ ክሳብ ተሰነይን ኡመሓጀር  ክትዕንድረሉ ከልካሊ ኣይክህልወካን’ዩ” ዝበሎ ነዚ ኣብዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ገልጠምጠም፡ ኣየተባበዖን ዝበሃል ኣይኮነን።

                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                        ነቶም ሎሚ’ውን ኣብ ክንዲ ንዝሓለፈ ጌጋ ዘእርሙ፡ ግጉይ ታሪኽ ደጊሞም ኤርትራዊ ሃገርነት  ብምኽሓድ፡ ካብ ወሰናወሰ ሓሊፎም፡ “ኤርትራ ብምልእታ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ኣካል’ያ”  ዝብሉ ዘለዉ፡ ናይ ኢሳያስ ዘይመትከላውን ዘይጥንቁቕን ኣተሓሕዛ ዝምድና መሻሕረቲ ኮይንዎም እዩ እንተተባህለ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

በእዞም ሎሚ “ልኡላውነት ኤርትራ ረኣኹ ሰይጣን ረኣኹ” ዝብሉ ዘለዉ፡ ኣብይ ኣሕመድን መዳመቕቱን “ኣነን ኢሱን ተደሚርና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ክብሃል እንከሎ፡ ኢሳያስ ብሓጐስ ክጭደድ ኢሉ፡ ኣፍልቡ እናወቐዐ ደገፉን ሓጐሱን ይገልጸሎም ምንባሩ ከኣ፡ ምስዚ ሎሚ ዝኽሰት ዘሎ ምዕባለታት ኣዛሚድና እንርእዮ እምበር፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀልባዕባዑን ካብ ተሓታትነት ናጻ እንገብረሉ ተመኩሮ ኣይኮነን። ናይቲ ዲክታተር  ኣብ ናይ ካለኦት ሃገራት ጉዳይ ኣቲኻ፡ ዓራቓይ ዘይኮነ ኣጓድ ሓዊ ምዃን’ውን፡ ነቶም ኣንጻር ልኡላውነትና ዝሕንሕኑ ዘለዉ ምኽንያት ከም ዝኾኖም ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትዩ፡ ህወሓት፡ ኣምሓራ ፋኖን ኦነግን ዝኣመሰሉ ተጻረርተይ፡ እናዕጠቐን እናሰልጠነን “ሰላመይን ሓድነተይን ይዝርግ  ኣሎ’ሞ ዓገብ በሉለይ”  ዝብል ፋይል ከፊትሉ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ናይ ምውራር ህርፋኑ ተቐባልነት ንምርካብ፡ ነዚ ኢሳያስ ዝኽሰሰሉ  ዘሎ ጣልቃ ኣእታውነት፡ መጣልዒ ከም ዝጥቀመሉ  ርዱእ እዩ።

ካብቲ ኣብይ ብጥሪኡ ብዙሓት ስለ ዝኾናስ፡ “ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ይግበኣና’ዩ” ዝብሎ ዘሎ፡ እቲ “ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትያ ትዘርገኒ’ላ” ዝብል ክሲ፡ ምስቲ ናይ ኢሳያስ  ድሕረ-ባይታ ተዛሚዱ፡ ዝሓሸ ዓዳጋይ ከም ዝረኽበሉ፡ ምልክታት ኣለዉ። ስለዚ ከምቲ “ንልኡላውነት ምጥባቕ፡ ጭቆና ህግደፍ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን” ዝበልናዮ፡ ኢሳያስ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣብ ምእታው’ውን  ኣስተዋጸኦ ስለ ዘለዎ፡ ኣንጻርቲ ተደጋጋሚ ጸረ ህዝብን ሃገርን ተግባራቱ ክንቃለሶ፡ እምበር ክንንሕፎ  ዘይግባእ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢድካ ዘላ ዝዓበየት ናይ ሓባር ሃብትኻ ልኡላዊት ሃገርካ እያ። እዛ ልኡላዊት ሃገር  ከም ህዝቢ ናይ ህልውናኻ ወሳኒት ጥራይ ዘይኮነት፡ ብነዊሕን ኩለ-መዳያዊ  ቃልስን ክቡር መስዋእትን ዘረጋገጽካያ እያ። ኣብ ምውሓሳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነታ ምርግጋጽን ምሕላዋ’ውን ኣብ እንግደዓኻ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት እዩ።

ምእንቲ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካ፡ “ሃገር ኣላትኒ” ኢልካ ንምሕባንን ምንያትን ጥራ ዘይኮነ፡ “መሊእካ እትረግጸላ፡ ኣፍካ መሊእካ እትዛረባል፡ ሓራን ኩሉ ጸጋታታ ብማዕረ እትጥቀመላን ክትከውን ምዃኑ’ውን ዘይትዝንገዖ እዩ። “እሞ እቲ ብግብሪ ትሓልፎ ዘለኻ ህይወትከ ከምቲ ዝተቓለስካሉ ድዩ ዘሎ ኣይፋሉን?”፡ ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ፡ ክሳብ ክንደይ ኣንጻርቲ ዝተጸበኻዮ ምዃኑ ንምርዳእ ካብ ካልእ ኣካል እትጽበዮ ዘይኮነ፡ ዕለታዊ ህይወትካ ዝምስክሮ ዘሎ’ዩ።

ልኡላውነታ ኣብ ዘውሓሰት ኤርትራ፡ ማዕረ’ቲ ዝኸፈልካላ ዋጋ ተጠቃሚ ንክትከውን፡ ብነጻን ዲሞክራሲያውን ተሳትፎኻ ዝጸደቐ ሕገምንግስቲ፡ ብኣኡ መሰረት ዝተመርጸ ትካላዊ መንግስቲ፡ ከም ዘድልየካ ዘማትእ ኣይኮነን። ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ግና፡ ኣመሓድረኒ ኢልካ ቆጽሊ ብዘውደቕካሉ” ስርዓትን ሕግን ዘይኮነ፡ ሕድርኻ ጠሊሙ ብኢደ ወነኑ ኣብ ስልጣን ብዝተወጥሐ ጉጅለ ክትደሃኽ ከም ዝጸናሕካን ከም ዘለኻን ናይ ማንም ኣካል ሓበሬታ እትጽበየሉ ኣይኮነን።

ስለዚ ናይዚ ትሓልፎ ዘለኻ ኣዝዩ ከርፋሕ ህይወት ጠንቂ ህግደፍ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንስኻ፡ ዓለም ብዓለማ እውን ካብ እትግንዘቦ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ካባኻ ዝድለ ግና ነቲ ኩነታት ምግንዛቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቓልሲ “ናብ ረብሓኻ ዝማእከሉ” ምቕያሩ ክትበቅዕ እንከለኻ ምዃኑ ንምዝኽኻርካ  እንተዘይኮይኑ፡ ዘይትፈልጦ  ኣይኮነን።

እቲ ንመስዋእትኻ ግቡእ ክብደት ብዘይምሃብ፡ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ንክበጽሕ፡ ናትካ ምስምሳት ብምፍጣር ተዓዛባይ ምዃን ብጽሒት ከም ዘለዎ ኣይትኽሓድ። ምረት ወጽዓ ህግደፍ ከም ዝኸበደካ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም እተንጸባርቕ ርዱእ እዩ። ነዚ መረረኻ ብሓባር ናብ “ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ውዱብ ዓቕሚ እንተዘይኣበሪኽካዮ ግና ከምዚ ትዕዘቦ ዘለኻ ዝተኣማምን ውጽኢት የብሉን። እንተ ህግደፍ ደንጊጹ ራህዋ ከምጸኣልካ ምጽባይ፡ ካብ “ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ምጽባይ” ከምዘይፍለ፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኻ እኹል መርተዖ  እዩ።

ብሰንኪ ህግደፍ ትሓልፎ ዘለኻ “እዚ ጐዲልዎ” ዘይበሃል ወጽዓን በድልን፡ ከመይ ከም ዝኸኣልካዮ ብዙሓት ዝግረምሉ እዩ። ኣብዚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ፡ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ኣብ ዘየብላ፡ ብሕገመንግስቲን ትካልዊ ስርዓትን ዘይትምራሕ፡ ብሓንቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝተሻበበት፡ ካብኣ ወጻኢ ምስ ዘሎ ቤተሰብ ብዘመናዊ መራኸቢ  ደሃይ ዘይትፈልጠላ፡  ሕሉፍሓሊፉ ኣብ ወጻኢ ዝሞተ ዜጋኣ ሓመድ ኣዳም ኣብ ዘይለብሰላ ሃገር ምንባር ዘየገረመኸ፡ እንታይ ከገርም ይኽእል። ንኩነታት ሃገርና ኣዕሚቖም ዝከታተሉ ወገናትን ትካላትን ብኸመይ ከም ዝገልጽዋ ምስ ጸገሞም እዮም ከኣ፡ ኣብ ክንድ በቲ ክቡር ስማ ኤርትራ “ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ” ክብልዋ ዝተገደዱ። እዚ ነቲ ኣግሂዱ ኣብ ቀላይ ወጽዓ ዝሕንብስ ዘሎ ህግደፍ ዘገድሶ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ውጽኢት ቃልስኻ ክሳብ ክንድዚ ክመራሳሕ እንከሎ ከም ዘሕዝነካ  ፍሉጥ እዩ።

ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ከምቁርዲድ ተጣቢቑ ደምካ ዝመጺ ዘሎ ጉጅለ፡ ሰላሕ እናበለ ዝገበለ እምበር፡ ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍና፡ ካብ 2001 ንደሓር ንዘርኣዮ ጥልመት “ኣይተረደናን፡ ከምኡ ዝኸውን ኣይመሰለናን” ኢልካ ዘይትሓልፎ እዉጅ እዩ ነይሩ። ነቲ ካብ ሽዑ ዝቐጸለ ሓድገኛ ማዕበል ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ “ዓገብ” ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም። ድምጽኻኸ ብናይቲ ጉጅለ ዕባራ ምኽንያታት ከይተሻበበ፡ ኣብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ብራኸ ነይሩዶ ኣይነበረን ንገዛእ ርእስኻ መርምር። ኤርትራ ብደረጃ ዓለም፡ ህዝባ  ብብዝሒ ራሕሪሕዋ ናይ ዝስደድ፡  ናይ ኣብያተ-ማእሰርትን  ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ህይወቶም ዝሓልፍ ግዳያትን ብዝሒ ኣብነት ኮይና ክትጥቀስ ምጽነሓን ምህላዋን ክሳብ ክንደይ ተስተብህለሉ ኣለኻ ባዕልኻ ኢኻ ትፈልጦ። ንድምጺ ናይቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ደቅኻዶ ወይስ ንመታለሊ ድምጺ ህግደፍ እዝኒ ክትህብ ጸኒሕካ ድማ ካልእ ባዕልኻ እትርደኦ እዩ።

ከምቲ “ናይ ሎሚ ገደደ” ዝበሃል፡ በቶም  ትማሊ መራሒ ህግደፍ ንዓኻ ለጊስዎ ብዘይፈልጥ ሓጐስን ሰሓቕን ዘሰራስሮም ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ ነታ መተካእታ ዘየብላ ኣብ ኢድካ ዘላ ክብረትካ ኤርትራዊ  ልኡላውነት ዝጻባእ ህቦብላ ይለዓል ኣሎ። ኣብቲ ናይ ዕብዳን ግዜ፡ ገለ ኤርትራውያን ንኢሳያስ ብዕልልታን ጓይላን “ተደሚርና ኢና” እናበሉ የዳምቕሉ ከም ዝነበሩ ትርሰዖ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ እዞም ሎሚ ሃገርና ክጐብጡ ዘንባህቑ ዘለዉ ኣካላት ኣብዚ ደርጃ’ዚ ንክበጽሑ ግደ ከም ዝነበሮ ተወሳኺ ኣብነታት ምቕራብ ዘጸግም ኣይኮነን።

ካልእ ኩሉ ኣጽኒሕና፡ ህግደፍ ኣብቲ ናይ 2018 ሓድሽ ዝምድና ምስ መንግስቲ ብልጽግና ዝተረእየሉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ምምልካት፡ “ቀዳምነትና ኣይኮነን” ኢሉ ሸለል ምምባሉ፡ ክሳብ ክንደይ ነቶም ሎሚ ዘዕገርግሩ ዘለዉ ከም  ዝተባብዖም፡ ትስሕቶ ኣይመስለናን። ብመራሕቲ ናይቲ ጉጅለ፡ “ቀዳምነትና ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከይትበታተንን ወያነ ዳግማይ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ከምዘይትምለስ ምግባርን እዩ” ክቃለስ ዘለና ክበሃል እንከሎኸ ረሲዕካዮ ዲኻ?

እቲ ብዛዕባ ልምዓትን ቀረብ መሰረታዊ ነገራትን ኩሉ ግዜ “ንዓመታ” እናበለ ዘሽካዕልለልካ፡ ፈቲኻ ጸሊእካ መግለጺ ኣብ ልዕሌኻ ናይ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ። እንተዘይንዕቀካ፡ “ዓሚ ከምዚ ኢለዮስ፡ ሎሚ ዘበን እውን ክደግሞ እንከለኹ እንታይ ኮን ይብለኒ?” ኢሉ መተሰከፈ። ስለዚ እቲ ህግደፍ ዝብሎ፡ “ህዝቢ እንተተቐበለ ይቀበሎ፡ እንተዘይተቐበሎ ከኣ ኣብይ ከይበጽሕ” ናይ ዝብል፡ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ብደዐ መግለጺ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ፈቲኻ ጸሊእካ፡ ከምቲ “ዘይተርፈካ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ሰዓሞ” ዝበሃል፡ ሎሚ’ውን እቲ ሃገር ናይ ምድሓን ኮነ፡ ወጽዓ ህግደፍ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ኣብ ዝባንካ ዘሎ ምዃኑ ንከተስተብህለሉ  እነዘኻኽረካ።

ኢሳያስን ኣብይን ከም ሎሚ ከይኮነ!

ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ንመራሒ ሃገር ክብደት ምሃብ ንቡር እዩ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ብህዝባዊ ምርጫ  ናብ ስልጣን ዝመጹ። ብመንጽርዚ “መራሒ ሃገር ቃል ከስምዕ እዩ” ክበሃል እንከሎ፡ ሓድሽ ነገር ደኾን የምጽእ ኢልካ ትጽቢት  ምግባር ልሙድ እዩ። ኣብ ኤርትራውያን ከኣ ኢሳያስ ቃለ መጠይቕ ክገብር እዩ ክበሃል እንከሎ፡ ጸገማት  ካብ ምጽብጻብ ሓሊፉ ሓድሽ ከምዘየምጽእኳ ብተመኩሮ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ዝጽበይዎ ወገናት  ዘይሳኣኑ ብመንጽር’ዚ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ሕቶታት ክምልስ’ዩ ምስ ተባህለ፡ ካብቲ ናይ ኢሳያስ ብዘይፍለ ሓድሽ ከምዘየምጽእ ተገማቲ ክነሱ፡ ዝተጸበይዎ ግና ብዙሓት ነይሮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ብዙሕ ዛዕባታት ፈላሊኻ ዘይርአ ተጸላላዊ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ካብ ቃለ መጣይቕ ኢሳያስ ትጽቢት ዝገበሩ ኢትዮጵያውያን’ውን ነይሮም። ኤርትራውያን’ውን  ውዕሎ ፓርላማ ኣብይ ኣሕመድ  ክሰምዑ ዝተጸበዩ ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ፓርላማ ውዕሎኡ፡ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዘቤታውን ከባብያውን ዛዕባታት እዩ ኣልዒሉ። ናብቲ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘልዓሎ ጉዳያት ክንመጽእ እንከለና ከኣ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዝያዳ 2ተ ዓመታት ዘይእዱባት መደረታቱ፡ “ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ። ምውናን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብን ኤርትራን ዘይስገር ቀይሕ መስመርዩ”  ክብሎ ዝጸንሐ፡ “ኢትዮጵያን ቀይሕ ባሕርን ዝተጣበቑ እዮም” ዝብል ክውስኸሉ ተሰሚዑ።

ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ካብ እትግለጸሉ ሓደ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ ኮይኑ፡ ብባሕሪ ይኹን ብውቅያኖስ “ምስ ማያዊ ኣካል ርክብ ዘየብላ” ምዃና እዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ ኣብይ ኣሕመድ፡ ዘይጣበቕ ንምጥባቕ ምፍታኑ፡ ዘይሩዘይሩ ካልእ መልክዕ ኤርትራ ናይ ምውራር ህርፋኑ ዘርኢ ካብ ምዃን ወጺኢ ዝግለጽ ኣይኮነን። ሕሉፍ ሓሊፉ ከምቲ ብተመኩሮ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይንን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤምን ዘፈራርሖ ዝነበረ፡ ተመኩሮ እስራኤል ኣብ ምጉባጥ ጎቦታት ጐላን ክጠቅስ ተሰሚዑ።

ኣብይ ኣሕመድ “ባእስና ምስ ህግደፍ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ምስ ኣልዓልና ዝጀመረ ዝመስሎም ወገናት ኣለዉ” እውን ኢሉ። “እሞ እንታይ ዳእዩ እቲ ሓቀኛ ክብሪ ኤርትራ ክትግህሱ ናይ ምድላይኩም ምኽንያት?” ዝብል ሕቶ ንምምልሳ ከኣ ዝበሎ’ሎ። ንሱ ድማ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናጻ የውጸአን ኣብ ዝነበረ ከተማታት እንዳኣተወ፡  ኣባይትን ትካላትን የፍርስን ሰባት ይቐትልን ስለ ዝነበረን፡ “ህዝብና ንምድሓን ካብ ተግባሩ  ከቋርጽ ሓቲትናዮ ኣይሰመዓናን” ይብል። ኢሳያስ ካብ ተግብሩ  ንክእደብ ሸምገልቲ ሰዲድናሉ ኣየቋረጸን ዝብል ከኣ ወሲኽሉ። ኣብ ርእሲዚ ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ  ጉዳይ ህውሓት ከይተወደአ  ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ትኽትሙ ዝብል ሕርቃን ከም ዝነበሮ እውን ኣግሂዱ። 

እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ከምዚ ዝብል ዘሎ፡ ሓደ እዋን ኣብ ተመሳሳሊ መድረኽ  “ካብ ሑመራ ጀሚርካ ክሳብ መቐለ ብሰራዊት ዝተቐትለ ሲቪል የለን” ዝበለሉ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረ ዝዘከረ ኣይመስልን።  መቐለ በሻሻ ጌርናያ ኢና ዝበለሉ ኣጋጣሚ’ውን ንነይሩ’ዩ።  እምበኣር ኣብዚ ክለዓል ዝግበኦ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ እቲ ዝዘርዘሮ ተግባራት ህግደፍ ከ፥ “ከመይ ኢሉ እዩ ኤርትራ ናይ ምውራር መመሳመሲ ዝኸውን?”  ዝብል ሕቶ ዘልዕል ዘሎ እዩ።

ኣብይ ከምዚ ዝኣመሰለ ተዋቓዕን ዘይድገምን መግለጺ ምቕራቡ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ፓርላማ ዘይመስተውዓሊ (short memory) እናበለ ምውርዛይ ስለ ዝለመደ። ግደ ሓቂ ግና እቲ ዘየስተውዕልን ዓለም ከ እንታይ ትብለኒ ኢሉ ዘይስከፍን ደረቐኛ ንሱ ኣብይ እዩ።  

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መልዓሊ ክቱር ጽልኢ ህግደፍን ብጽግናን፡ ኣብቲ ኣብ ጅዳ ዝኸተምዎ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ክንብሎ ዝጸናሕና’ሞ ደሓር ዝተጠላለምዎ ሕቡእ ስምምዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ሎሚ ኣዛራቢ ኮይኑ ይወጽእ’ሎ። ብህይወት ዘየለ፡ ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተራኺቡ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ፡  ኣሜሪካዊ ጀፈረይ ኢፕስተይን፡ ድሕሪ ሞቱ ካብ ኢመይሉ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ንክልቲአን ሃገራት ጸንቢሮም ሓንቲ ሃገር ክሳብ ናይ  ምግባረን ተኽእሎ ነይርዎም’ዩ ይበሃል ኣሎ። እቲ ቅድሚ ምብኣሶም ኣብ ፈቐዶ ኣዳራሻት፡ ኢሳያስ ኣፈወርቅ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ በበይኖም እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ’ዮም”፡ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና እንካፈሎ ወደብ ዓሰብ ይኸውን”  ዝበሃሃልዎ ዝነበሩ ነጸብራቕ ናይቲ ዝተጠላለምዎ ሕቡእ ስምምዕ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።

እዚ ምስ ውግእን ሳዕቤናቱን ዝተሓሓዝ ኣበሃህላ ኣብይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ሚዛናት   ዘንብርሉ ኮይኑ፡ ንሕና ግና ውግእ ብመሰረቱ መፍትሒ ስለ ዘይኮነ፡ ከሎ ጌና ዝኾነናዮ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ምዝርዛር   ሳዕቤናቱ ኣይንኣትውን ኢና። በቲ ካልእ መልክዕ ከኣ ኣብይ ኣምሓራን ትግራይን ንምርሕሓቕ ዝበሎ፡ ብመንጽር እቲ ኣብ ጐረባብትና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ወገኑ ንምብዛሕ ዝምህዞ ዘሎ ምዃኑ ርኡይ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኩሉ ግዜ ከተዓሻሽወሉ ዝፍትን፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና መድረኽ ፓርላማ’ውን ብዝተወሰነ ከንጸባርቖ ዝፈተነ፡ ምስ ህግደፍ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጽልእን ጸገምን ዘየብሉ ምዃኑ ንምሽሓጥ ዝገብሮ ሸፈጥ እዩ። ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሕደነትን ኤርትራ ደጋጊሙ ይእውጅ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። እሞ ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ናይቲ ልእላውነቱን ክብሩን ክግህሶ ዝመጣጠር ዘሎ ህዝቢ ፈታዊ ወይ ገባር ጽቡቕ ኮይኑ ክቐርብ ምፍታኑ ካሳብ ክንደይ ኣካይድኡ ሕንቅልሕንቅሊተይ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። በዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ከኣ ኣይኮነንዶ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታዊ’ዩ  ክትብሎ’ውን ኣጸጋሚ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብን ኤርትራ ክውንን ላዕልን ታሕትን ካብ ዝብል፡ 2ተ ዓመታት ኣሕሊፉ’ሎ። ትርጉም ሕቶኡን ኣተገብራኡን ዘይብርሁን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝለዋወጥን’ኳ እንተመሰለ፡ እናወዓለ እናሓደረስ፡ ፈኸራኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓይሊ ከም ዝጥቀም ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ደርጒሕዎ  እዩ። እቲ ዓመጹ ዘይተርፍ ምዃኑ ንምንጻር ከኣ “እንተ ብቦሌ እንተ ብባሌ ክንትግብሮ ኢና” ክብል ዓለም ሰሚዓቶ እያ። ነዚ ዘይሕጋዊ ዘይታሪኻውን ዘይሓላፍነታውን ሃቐንኡ፡ “ኣይከምኡን” ዝበሉዎ ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ነቲ ኩነታት ከም መናውሒ ዕድመ ኣብ ስልጣን ክትቀመሉ እውን ስለ ዝደሊ፡ እዝኒ ክህቦም ፈቓደኛ ኣይኮነን።

ነቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልኡላዊ ጐረባብቲ ሃገራት ምዃነን ዘነጽር፡ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስመር ከም ዘየኽብሮ ክእውጅ እንከሎ፡ ከም ናቱ ሞዴል ክወስዶም ዝጸንሐ፡ ድፍረት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ወራር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤምን ከፈራረሓሎም ዝጸንሑ እዮም። ካብዚ ሞዴልነት ብምንቃል እዩ ከኣ፡ “ኤርትራ ኣብ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ተዋግያ፡  ዘድልየና ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን እንተዘይሂባትና፡ ብሓይሊ ወሪርና ምስ ሓዝናያ ኣብ ጐና ዝስለፍ ሓይሊ የልን” ኢሉ ከሽካዕልል ክንከታተሎ ዝጸናሕናን ዘለናን። እዚ ኣቀራርብኡ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ ምስ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን ዓለም ለኻዊ ሕግታት  ከም ዘባእሶ ዝተረደአ’ውን ኣይመስልን።

መንግስቲ ብልጽግና ኤርትራ ካብ ምውራር ንድሕሪት ከምዘይብል ከፈራርሕ እንከሎ፡ ደጋጊሙ “ፈለግ ኣባይን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ” ብዝብል ቃና እዩ ህዝቢ ዘሰናብድን ዘርዕድን። ኤርትራ ሃገር ዝኾነትሉ ታሪኽ ጌጋ ስለ ዝነበረ ከነእርሞ ኢና።“ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ’ኳ 30 ዓመታት እንተወሰደላ ንሕና ግና ንምእራሙ ክንድኡ ዓመታት ኣይክወስደልናን እዩ” ምባሉ እውን ካልእ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ውዕላትን ቻርትራት ዘለዎ ንዕቀት የርኢ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ፡ ነቲ በዓል ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ “ዝተዓጽወ ፋይል እዩ” ብዝብል ኣጸንቢሎም ኣራጢጠምሉ ዝነበሩ ጉዳይ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ግብጽን “ክሽምግል እየ” ዝትሕተኡ መልእኽቲ ናብ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ልኢኹ’ሎ። ነቶም ሰብ ጉዳይ ኢና ዝብሉ በዓል ኣብይን ጸለውቲ እዮም ንዝበሎም መራሕቲ  ሃገራት ስዑድያን ኢማራትን ከኣ ብቕዳሕ ኣፍሊጥዎም። ናይቲ ሽምግልና ተበግሶን ተልእኮን እንታይ ከም ዝኸውን፡ በቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ’ቲ መልእኽቱ “ኣብቲ ክቡር ማይ ፈለግ ናይል ሓንቲ ሃገር በይና ክትውስን ቅቡል ኣይኮነን” ክብል ዘስፈሮ ሓሳብ ምልክት ሂቡ’ሎ። ግብጽን ሱዳንን ነቲ ናይ ሽምግልና መጸዋዕታ ተቐቢለን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ጀሚሩ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ከም ዝድግፍኦ ሽዑንሽዑ ብሓጐስ ኣፍሊጠን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ከም’ዛ “ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ” ናይ ምቕባል ይኹን ናይ ምንጻግ  ድምጹ ኣይተሰምዐን። መንግስታዊ ዘይኮኑ ኢትዮጵያዊ ኣካላትን ባእታታትን ግና፡ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ክቡር ነጋ ዝበሃሉ ኢትዮጵያዊ ምሁርን በዓል ሃብታም ተመኩሮን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጾም ብዛዕባ ደብዳበ ትራምፕ፡ ተበግሶ ፕረሲደንት ኣሜሪካ፡ ክትቅበሎ ኮነ ክትነጽጎ ኣጸጋሚ እዩ። ትራምፕ ሽምግልና ክብል እንከሎ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝምራሕን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝእለን ማለቱ ዘይኮነ፡ ዝበልኩኻ እንተዘይተቐቢልካ ኣብ ልዕሌኻ ስጉምቲ ክወስድ’የ ዝሕመረቱ እዩ።…..ሓይሊ ንስርዓት ክትክእ እንከሎ ድማ ትያትር እዩ ዝኽውን። ስምምዓትን ቻርተራትን ከኣ መልክዕ ጥራይ ኮይኖም ይተርፉ።” ዝበልዎ፡  ናይቲ ሻቕሎት ዕምቆት መርኣያ እዩ። ብልጽግና ንከጽቅጥ ኣገዲድዎ ዘሎ ካልእ ጉዳይ ከኣ “ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ፡ ብገንዘባዊ ኣበርከቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሃንጸ እዩ” ክብል ጸኒሑ ከብቅዕ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ግና ደጋጊሙ “ብገንዘብ ኣሜሪካ ዝተሃንጸ ፕሮጀክት እዩ” ይብል ምህላዉ እዩ ኢሎም ዝግምቱ ወገናት ብዙሓት እዮም።

ቲቦር ናጂይ ዝተባህለ፡ ሓደ እዋን ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለን ፈታዊ ኢትዮጵያ ጌርካ ዝውሰድን ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቀረባ ምስ ጋዜጣ ዘሪፖርተር (the reporter”)፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ዛዕባ ተበግሶ ሽምግልና ትራምፕ ንመንግስቲ ብልጽግና ምኽሪ ለጊሱ ኣሎ። ኣብቲ ምኽሩ፡ ምናልባት ገለ ኢትዮጵያዊ ወገናት ብርኢቶይ ኣይሕጐሱን ይኾኑ፡ ድሕሪ ምባል፡ “ንፕረሲደንት ትራምፕ ወይ ምሳና ወይ ምስ ግብጺ ኩን ዝብል ሕቶ ኣይተቕርብሉ፡ ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ ግብጺ ኣብ ወጻኢ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዝያዳ ኢትዮጵያ ተመራጺት ስለ ዝኾነት” ይብል።

 እዚ ነቲ “ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ ሕማቕ፡ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ኣይትፈጽሞ” ዝብል ናይ ለባማት ብሂል የዘኻኽር። ብልጽግና እቲ ዓለም ለኻዊ ቀይሕ መስመር እናጠሓሰ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሓን ዘሎን ጃህራን ድፍረትን ኣቐሚጡ፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ሩባ ኣባይ ክዛረበሉ ዝኽእሎ ሞራል ካበይ እዩ ከምጽእ። ናይ ምጽቃጡ ምስጢር እውን ካብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝህውጾ ዘሎ ናይ ሓሳብ ግጭት ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ።

 እንተ ብርኢቶና ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ማይ ኣባይ ኮነ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ በቲ ብ1966 ኣብ ዋና ከተማ ፊንላንድ ሄልሲንኪ ብዝተኻየደ “ርክብ ብጉዳይ ማይ  (Water Convention)” ከም ዝጸደቐ ዝንገረሉ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሃገር ተሳገርቲ ሩባታትን ማያትን ክዳነ ይግበኦ ንብል።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድምጹ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡  ምስተን ንኤርትራዊ መድረኽ ማዕከናት ዜና ብሒተን ዘለዋ መራኸቢታት  ህግደፍ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ። ቃለመጠይቑ ከም ወትሩ ብዙሓት ዝደጋገሙ ኣዛረብቲ ዝዕባታት ዝተንጸባረቕሉ ነይሩ። ካብኡ ሓደ “ከምቲ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቕ” ዝበሃል፡ ብኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት ዘይምጅማሩ እዩ። እዚ ከኣ መርኣያ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ኣብክንዲ ዘድህብ፡ ደገድገ ከም ዘመዓዱ ናይ ምድህላሉ ሕዱር ግና ፍሹል ተመኩረኡ እዩ።

ኣብቲ መወዳእታ ዓቕሙ ተጸንቂቑ፡ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሃቦም ሕቶታት ዝሓትዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ራሕሪሕዎም ክትንስእ አብ ዘዕለብጠሉ ዝነበረ ግዜ፡ ከምቲ “ንፍርዲ ኣይርትዑና” ዝበሃል፡ “ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ” ዝምልከት ኢሉ ዝጠቐሶ ርኢቶታት ኣገራሚ እዩ። ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ክገልጽእ እንከሎ፡ ከም ልማዱ  “ኤርትራ ትሕተ-ቅርጻ መንገዲ፡ እኹል ዝስተ ማይን ሓይሊ ኤለክትሪክን የብላን” ዝብል ኣረጊት ቁዘማ ኣስሚዑ።

እዚ ሕቶ ሕጽረትን ብኩራትን ብኸመይ ክምለስ ከም ዝግበኦ እውን ካብቶም ዝጠቐሶም ምኽንያታት፡ ኣብዚ መዳያት ክእለትን ኣፍልጦን ዘለዎ ዓቕሚ ሰብ ዘይምህላዉ ዝብል መመኽነይታ ክህብ ፈቲኑ። እንተኾነ “እሞ ነዚ ሕጽረት’ዚ ናይ ምምልኡ ሓልፍነት ደኣ ናትካ እንድ’ዩ?”  ንዝብል ሕቶ ከኣ  ከም ወትሩ መልሲ ኣይነበሮን። እዚ ድማ ብሓቂ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ተሓሪምዎም ዘሎ ልምዓት ኣሻቒልዎ ዘምጸኦ ሓሳብ ዘይኮነ፡ የሽካዕልል ከም ዝነበረ  የመልክት። ካብዚ ሓሊፉ ንይምሰል ኣብ መዳያት ፖለቲካን ሰብኣዊ መሰልን ዘይምጥቃሱ ክሳብ ክንደይ ካብ ባህጊ ህዝብና ከም ዝረሓቐ ዘርኢ ብሩህ ምልክት ምኳኑ ዘነጽር እዩ።

እዚ ዝተጠቕሰን ካልእን ልምዓታዊ ብኩራት ንከይማላእ ዝዓንቀፈ እሞ ኣብ መጻኢ ክርከብ’ዩ ካብ ዝበሎም ብቑዓት ክኢላታትን ምሁራትን ዘይምህላዎም እዩ ዝበሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሓድሽ ተረኽቦ ምንጋር ኣይመድለዮን። ምኽንያቱ እቲ ነዚ ሃጓፍ ክመልእ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ዝነበሮ መንእሰይ  ብሰንኪ እቲ ዲክታተር ካብ ሕቑፍኡ፡ ሃጽ ኢሎ ዓዲ ጓና ዝሰፈረ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ። በቲ ካልእ ወገን ናይዚ ክኢላን ምሁርን ዘይምህላው ጠንቂ ኢሳያስ ባዕሉ ምዃኑ’ውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።

ኤርትራ ካብ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዋላ ሓንቲ ዘየብላ ሃገር  ኣውሪድዋ ዘሎ ኢሳያስ እዩ። ነቲ ኤርትራ ዩኒቨርሲቲ ኣልባ ዝገበረ ገበኑ ንምሽፋን ድማ፡ “ነዓና ዘድልየና ዓብይ ባጅላታት ኣይኮነን”  እናበለ ተመጻዲቑ።  እዚ ኣበሃህላኡ ነተን ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝምረሐ ብሕጽረት መምህራንን ናይ ትምህርቲ መሳርሕን ዝሳቐያ ዘለዋ ኮለጃት ናብ ምምጓስ ዝዓለመ እዩ። እንተኾነ እቲ ኣብዘን ወተሃደራዊ ትካል ዝመስላ ኮለጃት ዝተማህረ ዝርካቡ መንእሰይ እውን፡ ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና፡ ምስዋርን መጭወይትን ህግደፍ፡ ግዳይ ስደት ኮይኑ ከም ዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ሕብረተሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ሰባኣዊ ትካላትን’ውን  ዘሻቕል ዘሎ ተርእዮ  ምዃኑ ዘንጊዕዎ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ክዉን ሓቂ ክሃድም ስለ ዝደለየ እዩ።

ሰላምን ምርግጋእን ናይ ልምዓት ቅድመ-ኩነት እዮም ዝበሎ፡ ህዝብና’ውን ኣቐዲሙ ዝፈልጦን ንክገሃድ ዝጽዕረሉን እምበር፡ ካብ ኢሳያስ ዝንገሮ ሓድሽ ኣምር ኣይኮነን። መንዩ ኤርትራን ህዝባን ሰላምን ቅሳነትን ተዋሒስሎምን ካልእ ቅድመ-ኩነት ተማሊእሎምን “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ኢሎም ኣራጢጦም ናብ ልምዓት ንከየድህቡ፡ ዕንቅፋት ኮይንዎም ዘሎኸ፡ ኢሳያስ ኣይፈልጦን’ዩ ንምባል  ደኾን ይኸውን?።

ቅድሚ ሕጂ ፍሽለት ህግደፍ ኣብ ምህናጽ ልምዓት ሃገር ንምሽፋን፡ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ጀሚሩ ንብዙሓት ወገናት ተሓተቲ ገይሩ ከቅርቦም ዝጸንሖ፡ ተቐባልነት ኣይነበሮን ሎሚ’ውን የብሉን። ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ ንጥቀስ እንተ ኢልና’ኳ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ኣትዩ ክዋጋእ ዘጥፈኦ ህይወትን ዘባኸኖ ጸጋን ኣብ ልምዓት ኣውዒልዎ እንተዝነብር፡ ገለ ካብ ሕቶታት ህዝብና ምመለሰ። ስለዚ ኢሳያስ ቀንዲ ነዚ ዛዕባ ዝጠቐሰሉ ምኽንያት ሎሚ’ውን ዝኣምኖ ከምዘይረክብ’ኳ ዝርደኦ እንተኾነ፡ “እቶም ሰላምን ምርግጋእን ዝኸሉእና እዮም ነቲ ዘይምዕባይና ተሓተቲ”  ዝብል መህደሚ ንምፍጣር ዝመሃዞ ምዃኑ  ርዱእ እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ “እንታይ መልእኽቲ ተመሓላልፈሎም?” ምስተባህለ፡ “ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ከውፍሩ እጽውዖም” ዝበሎ ኣገራሚ እዩ። ተመሊሶም ኣብ ሃገሮም የውፍሩ ቅድሚ ምባሉ’ኮ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሃገሮም ወፍሪ ተሓሪምዎም፡ ኣብ ስደት ከውፍሩ ዘገደዶም ኣግላልን ቀናእን ምምሕዳሩ ምዃኑ ክእመንን ኣብ መጻኢ ከምኡ ከምዘይደግም ቅዋማዊ ውሕስነት ክረኽቡን  ምተገብኤ። ስለዚ ትማሊ ኣብ ዓዶም ናይ ምውፋር መሰል ንዝነፈጎም ኤርትራውያን ሎሚ ተገልቢጡ ክጽወዖም እንከሎ ኣሚነሞ ንክምለሱ ድሌት ሃልይዎ ዘይኮነ፡ “ኢሉ ነይሩ” ንክበሃልን ንክዋራዘን ምዃኑ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ተወኪስካ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ንብዙሓት “እዚ ሰብኣይሲ ምስ ውነኡ ድዩ ዘሎ?” ዘበለ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካላትን’ውን ዘሻቕል ዘሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ናይ ምውሳድ ሸበድበድ ዝምልከት ክሕተት እንከሎ፡ “እዝስ እንተዘይለዓል መሓሸ ነይሩ” ዝበሎ እዩ። ኣብቲ እንዳዕጠጠየ ዝሃቦ መልሲ ከኣ፡ ነቲ እዋናዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ዝምጥን ኣይኮነን።

ንኤርትራዊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘውሓሰን ንዕድራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድል ዘይህብን፡ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎ፡ ብተመኩሮ ዝሃብተመ ፖለቲካዊ ጭብጥታት፡ ታሪኻዊ መርተዖታትን ዓለም ለኻዊ ቻርተራትን ሕግታትን ኣብ ክንዲ ተንቲኑ ኣየቕረበን። ኣብ ክንድኡ መሰረታዊ ኣብ ዘይኮነ፡  ቆይቊን ጸርፍን እዩ  ኣትዩ። ነቲ ትማሊ ባዕሉ“ንስኻ ኢኻ ትመርሓና”  ብዝብል ዘሻደኖ መራሒሕ ኢትዮጵያ ሎሚ ተገልቢጡ፡ ኣብ ክንዲ ብፖለቲካዊ መዕቀኒ ዝገልጾ፡ ብንዓኡ’ውን ብዝምልከት ተራ ናይ ሕርቃን ቅጽላት ምግላጹ፡ ነቲ ሓደገኛ ወስታ  ዕቱብ ኣመኻኽታ  ኣይኮነን።

እቲ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደሉ ዝሓለፈን ዘሎን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ንሱ ዝተነጽገሉን ተመኩሮ ምልዓሉ ነውሪ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግና  ዕለታዊ ህይወቱ ዝትክንፍን ዝያዳ ዘገድሶን  ኣይኮነን። እቲ ናብ ኤርትራ ዝመጣጠር ዘሎ ግህሰት ልኡላውነት ኣባና ዝድረት ዘይኮነ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ብዙሓት ክገልጽዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እምበር፡ ካብ ኢሳያስ  እንሰምዖ  ዘለና ሓድሽ ገምጋም ኣይኮነን።

ኤርትራ ከም ውጽኢት መግዛእቲ ኢጣልያ ብ1890፡ ምስዚ  ክሳብ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ምስሊ ካርታ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ዝትደኮነት፡ ኣብ መዓሙቕ ልቢ ህዝባ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ሃገር እያ። ጠቕላላ ስፍሓታ 117,600 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ብድምር  2,234 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ ክህልዋ ኣንከሎ ካብዚ እቲ 1,083  ናይተን ልዕሊ 300 ደሴታታ ገማግም እዩ። እቲ 1,151 ኪሎሜተር ከኣ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተዓጢቓቶ ዘላ ደንደስ እዩ።  ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ህያባት፡ ምልኩዕ ኣቀማምጣን ልሙዕ መሬት ሕርሻን ከኣ ዝተዓደለት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ንሓንሳብ ብምሉኣ ክጐብጥዋ፡ ንሓንሳብ ድማ ገለ ካብ ኣካላታ መንጭቶም ክወስዱ ዝህቅኑን ሓድነት ህዝባ ክዘርጉ ዝደልዩን ጸላእቲ ከጋጥምዋ ጸኒሖም እዮም። መግዛእቲ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ከምኡ ከኣ መጉዚትነት ዓባይ ብሪታንያ ዝጥቀሱ እዮም። ኩሎም እዚኣቶም ድማ ሳላ ናይ ህዝባ ሓድነት፡ ፍቕሪ ሃገርን ትብዓትን ዘዝበልዑ በሊዖም ተተኾሊፎም ዝተጸርጉ እዮም።

ነቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓለፍዎ ህይወትን ዘርኣይዎ ጽንዓትን ከም ተመኩሮ ብግቡእ ኣይተማህርሉን እምበር፡ ናብዛ ህዝባ ካልእ ገዲፍካ ን30 ዓመታት ኩለ-መዳያዊ ውግእ ኣካይዱ ናጻ ዘውጸኣን ቀጺሉ ብረፈረንደም ንልኡላዊት ሃገር ዘብቀዓን  ኣብዚ እዋንዚ “ቁሊሕ ኢሉ ብሕማቕ ዓይኒ ዝርኣ” ኣካል ከጋጥማ ኣይነበሮን። እንተኾነ ከምቲ “ምስ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ሎሚ እውን ኢደ-እግሮም ዘይእክቡ፡ ብውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ “ዓይኖም ደም ዝመለአ” ዓመጸኛታት  ኢትዮጵያውያን ኣንጻራ ኢዶም ካብ ምቕሳር ዓዲ ኣይወዓሉን።

ኣብ ታሪኽ መንግስታት ጐረቤትና ኢትዮጵያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ  ዝተማህረ መንግስቲ ኢህወደግ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ካብ ተመኩሮኡ ዘማዕበሎ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ጸጋ ከኣ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ “ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ” ኣፍልጦ ብምሃብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ዘርብሕ ምዃኑ ዝተረድአ ምርጫ  ወሲዱ፡ ናይ ሓጺር ግዜ ናይ ሓባር ጩራ ሰላም በሪሁ ነይሩ።

እቲ ዘሕዝን ግና፡ ሎሚ ኣብ ግዜ ኢህወደግ ሳሕቲ ዝስምዑ ዝነበሩ ዓመጸኛን ዘይፍትሓውን ድምጽታት፡ ነቲ ናይ ኢህወደግ “ባዕሉ ንዝዛረብ ሓቂ ናይ ምቕባል ተመኩሮ” ከም “ጌጋን ክድዓትን” እናቖጸሩ፡  ናይቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ንብረትን ህይወትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብሪሶምን ኣህሎቖምን፡  ስዕረት ዝተጐልበቡ፡ መንግስታት፡ ወራሪ ተመኩሮታት ከበራብሩ ንዕዘብ ኣለና። 

እንተኾነ፡ ከምቲ ኣቦና ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ እዩ ናጽነቱ ደፊኡ ዝርከብ ዘሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ባሪኽሉ እዩ እሞ፡ ነዛ ዘውዲ እዚኣ ዝትንክፋ ወይልኡ” ዝበልዎ፡ እቶም ሎሚ ዝስንትሩ ዘለዉ ፖለቲካውን ታሪኻውን እንዶ ዘየብሎም ዓንደርቲ ባእታት ብልጽግና፡ ብፍትሓዊ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞናውን ቻርተራትን ይምከቱ ከምዘለዉ  ዘማትእ ኣይኮነን።

ሎሚ ከምቲ “ዓሻሲ ሓደ ደርፉ” ዝበሃል፡ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ብልጽግና ብየማነ-ጸጋም “ትኽተልዎ ዘለኹም መንገዲ ኣይሕጋውን”፡ ይበሃሎም  ብዘሎ ምሕጽንታ ከይተገደሱን ዝተፈላለዩ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ንዝዕቅቡ ሕግታት ጸማም እዝኒ ብምሃበን “ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ምውናን ስለ ዘድልየናስ ብሓይሊ ከነረጋግጾ ኢና” ንዝብል ናይ ዕሽነት ድዩ ናይ ጽላለ ፈኸራ “ኣፎም መሊኦም” ይድርጉሕዎ’ለዉ። “ክበልዕ ዝበለስ  ገደል ኣፉ ኣይትኹኑ”  ንዝብልዎም ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሰምዕ እዝኒ ስለ ዘየብሎም ከኣ “ዝሓዝና ሒዝና ንኺድ ጥራይ” ምባል መሪጾም ይዓብዱ ኣለዉ።

ኩልና ከም እዝክሮ፡ ኣብ ኣከባብራ በዓል ጥምቀት 2019፡ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ጐንደር ንኤርትራ ጠቕሊላ ናብኣ ዘእተወት ካርታ ኢትዮጵያ፡ ምዝርግሓ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ቁጠዐ ኣሕዲሩ ነይሩ እዩ። እቲ ሽዑ ዝያዳ ኣገራሚ ዝገበሮ ከኣ፡ ናይቲ ኣጋጣሚ ዕዱም ናይ ክብሪ ጋሻ ዝነበረ፡ ኣንበሳደር ህግደፍ  ኣብ ኢትዮጵያ ሰመረ ርእሶም ነቲ ኩነታት “እናረኣየ ከምዘይረኣየ” ኮይኑ፡ ብሕም ዘይምባሉ እዩ።

እቲ ናይ ሽዑ ምጽቃጡን መራሒኡ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዋና ጻሓፊ ህግደፍ ዝነበረ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ምስ ኢትዮጵያ ዘርእይዎ ዝነበሩ ሕግብግብን፡ ኢትዮጵያውያን ኣብዚ እዋንዚ ዓይኖም ብጨው ተሓጺቦም “ኤርትራ ብጌጋ ዝተፈልየት ኣካል ግዝኣትና እያ” ክሳብ ምባል ንክበጽሑ ኣስተዋጸኦ ኣይገበረን ዝበሃል ኣይኮነን።

እነሆ ሎሚ ከኣ ነቲ ዕብዳን ጽላለ ወሲኸምሉ፡  ዓለም ለኻዊ ዶብ ግሂሱ፡ ንመላእ ደንከልያ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ሓድሽ ካርታ (MAP) ኣዳልዮም ዘርጊሖም። ብ3 ጥሪ 2026 ብላቴን ኣብ ዝተባህለ መደበር ንዝተዓለመ ሰራዊቶም  “ኤርትራ ወሪርካ ነዚኣ ኢኻ ኣተውሕስ” ኢሎም፡ ጀነራላት ብልጽግና በታ ኣብ ወረቐት ሰኒዖም ኣብ መንደቕ ዝሰቕልዋ ዓመጸኛ ናይ ሕልሚ ካርታ ብቓልዕ  ቃል ኣእትየም ኣረኪበምዎ። እዚ ንውዕል ኣልጀርስ እውን ሃዶሽዶሽ ዘብል ተግባር፡ ምስቲ ካልእ ምዕባለታት ኣዛሚድካ፡ ኣፍካ መሊእካ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ይፍጽሙ’ለዉ” ዘብል ሓደገኛ ወስታን መጠንቀቕታን እዩ። “ዝመጽእ ዘሎ በዓል ልደት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከነብዕሎ ኢና” ክውስኽሉ እንከለዉ ድማ የስደምም።

ነዚ ሓደገኛ ድፍረት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ተዛመድቲ ኣህጉራዊ ትካላትን ዐገብ ከብልዎ ይግባእ።  ስቕ ኢሎም እንተሪአሞ ግና፡ ኣንጻር ልዕልና ፍትሒ፡ ዓለም ለኻዊ ስምምዓትን ቻርተራትን ስለ ዝኾነ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኤርትራ ዘይድረትን ሓደገኛን እዩ። ክፋል ኤርትራ ተቐዲዱ ኣብ ዝድርበ  ካርታ ኣስፊርካ፡ “ክሳብ’ዚ ናትና’ዩ “ እናበልካ ምትህርራፍ ንረብሓኡ ከምዘይኮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘቦ ሎሚ’ውን ነዘኻኽሮ። ውሑስ፡ ሰላማውን ናይ ምትሕብባርን ጉርብትና ዘገድሶም ኢትዮጵያውያን  ንሳዕቤን ናይቲ ዝቀላቐል ዘሎ ዓመጽ ተገንዚቦም፡ ሃቐነ ወራር ብልጽግና ይቃወሙ ንዘለወ ኢትዮጵያውያን ከኣ ጻዕሮም ክቕጽሉ መጸዋዕታ ነቕርበሎም።

ኤርትራውያን ከኣ ከምቲ “ሃገር ናይ ህዝቢ ህይወት እምበር፡ ናይ ውልቀ-መለኽቲ ኣይኮነትን። ናይ ህዝቢ ህይወት ከይትኸውን ዝዕንቅፍ፡ ዝጭቁንን ዓቕሊ ዘጽብብን ኣካል ክህሉ የብሉን” ዝብል ወርቃዊ ቃል ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ነዚ ኣንጻር ኤርትራ ዝእለም ዘሎ ውዲት ምብርዓን ናይ ህዝቢ ሓላፍነት እምበር፡ “ንህግደፍ ኣሚንካ ዝግደፍ ከም ዘይኮነስ፡ ኣይንዘንግዕ” መልእኽትና እዩ።

ውግእ ብሓፈሻ ኩሉ ሰላማውን ፖለቲካውን መንገድታት ተዓጽዩካ፡  ምርጫ ምስ ሰኣንካ  ዝእቶ’በር፡ መሰረታዊ መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን። ሳዕቤኑ ከኣ ኣዝዩ ከቢድን ኩለ-መደያ’ውን እዩ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ ሳዕቤናቱ ናይ ዜጋታት ተገዲዶም ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ኣርሒቖም ናብ ስደት ከምርሑ ዝድርኽን ምዃኑ እዩ። ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣንካ ተገዲድካ ዝእተው ቅኑዕ ውግእ ከም ዘሎ ከኣ፡ እቲ  ነዊሕን መሪርን ኤርትራውያን ኣንጻር መግዛእቲ  ተቓሊሶም ዘዕወትዎ  ናይዚ መርኣያን ተመኩሮን እዩ።

ኣብ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምዝባል ኤርትራውያን ካብ መላእ ኢትዮጵያን እቲ ውግእ ካብ ዝተኻየደሉ ከባብን ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ስንብራቱ  ክሳብ ሎሚ ከምዘይሓወየ ከኣ ኣብ ብዙሓት ግዳያት ዝረአ ዘሎ እዩ። ምምዝባል ምስ ጠጠው ምባል ናይቲ ጠንቁ ዝኾነ ውግእ ዝቋረጽ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ከቢድ ጻዕሪ ዳግመ-ምጥያስን ሕውየትን ዝሓትት ከም ዝኾነ  ተመኩሮ ናብ መረበቶም ናይ ዘይተመልሱ ኤርትራውያን ግዳያት የርእየና። 

ኣብ ትግራይ ብ2020-2022 ብዝተኻየድ ንብዙሓት ዘሕዝነን ዘሰንበደን ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይ-ኢትዮጵያን ዘኸተሎ ሳዕቤን ናይ ቀረባ ተመኩሮ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባኡ ምዝንታው ኣየድልን። ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ዓውዲ ተቐርቂሩ  ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ማህሰይቲ ከቢድ ምንባሩ ዘዛርብ ኣይኮነን።  ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ብዝምድናዊ ዓይኒ ንምርኣይ እንተዘይኮኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብሰንክቲ ውግእ ኣይተሃስየን ማለት ኣይኮነን።

  እቲ ሳዕቤን፡ ዕንወት ንብረትን ሕልፈት ህይወትን ዝተሓወሶ ኮይኑ፡ ናይ ብዙሓት ተጋሩ ካብ መረበቶም ምምዝባል ከኣ እቲ ዝኸፈአ  ገጽ ናይቲ ውግእ ሳዕቤን ምዃኑ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ሓቂ እዩ። ነቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክሳብ ዝምለስ፡ ኣብቲ ዘለዎ ግዝያዊ መጽለልታት መሰረታዊ ነገራት ንምቕራብ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ክረባረቡ ጸኒሖም እዮም። እንተኾነ እቲ ዝቐርብ ሓገዛት  እኹል ኣብ ርእሲ ዘይዃኑ፡  ኣብ  ምምሕዳሩ ካብ ምክሳስ ናጻ ኣይጸንሐን።

እቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ራያን ወልቃይትን ብብዝሒ ዝተመዛበለ ተግራዋይ፡ ከባቢ 1.2 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ 146 ዘይምቹኣት መዕቆብታት ሰፊሩ ዝሳቐ ዘሎ እዩ። ካብ’ቲ ውግእ ጠጠው ዘበለ ውዕል ፕሮተርያ፡  ዝለዓለ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ዓንቀጻት ሓደ፡ “ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለስሉ ዝኽእልሉ ኩነታት ምጥጣሕ” ምንባሩ ይዝከር። እዚ ዘይምትግባሩ ከኣ እቲ ቀጻልን ዘተኣማምንን ሰላም ከውሕስ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውዕል ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ኣብ ዘስግእ ደረጃ በጺሑ’ሎ። ብስንኪ እዚ ከኣ ነቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ ሃንቀው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ተመዛበልቲ  ተስፋ ይቖርጹ’ለዉ።

እቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ስድራቤታት፡ ብሰንኪ መሰረታዊ ቀረብን ብቑዕ መጽለልን ዘይምርካብ ኣደዳ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ማሕበራዊ ጸገማትን ንጥቃዕቲ ኣራዊት ምቅላዕን ኮይኖም፡ ሰማዒ ዘይረኸበ ኣውያቶም ካብ ዘስምዑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣብቲ ተዓቚበምሉ ዘለዉ መጽለሊ ማእከላት “ሰባት ብጥሜት ይሞቱ’ለዉ” ዝብል ዘሰንብድ ሓበሬታ ብመዲያታት ተቓሊሑ። ብፍላይ ኣብቲ ቅድሚ ውግእ ትግራት፡ ኣስታት 15,017 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚበምሉ ዝነበሩ ሕጻጽ፡ ሎሚ ድማ ልዕሊ 14 ሺሕ ተመዛበልቲ ዘለዉዎ፡ እቲ ኩነታት ዝኽፈአ ምዃኑ ይንገር ኣሎ። ብዙሓት በቲ ክስተት ዝሰንበዱ ወገናት ከኣ ጥሙያት ንምዕንጋልን ዕሩቓት ንምኽዳንን ኣብ ዝነኣድ  ምንቅስቓስ ኣትዮም ኣለዉ።

 መሰረታዊ ሕቶ ናይቶም ተምመዛበልቲ፡ “ንሕና ንካለኦት ንሕግዝ እምበር ተጸበይቲ ረዲአት ኣይነበርናን እሞ፡ ሰሪሕና ንቡር መነባብሮና ክንመርሕ ናብ መረበትና ምለሱና” ዝብል እዩ። ኣብ ኣድላይነት ምምላስ ናይዞም  ግዳያት ፍልልይ የለን።  እንተኾነ  ብመንጽርቲ ኣብ ዓንቀጽ 10 ቁጽሪ 4 ውዕል  ፕሪቶርያ፡ “ክልቲኦም ወገናት፡ ብዛዕባ ዘሰሓሕቡ ከባብታት ምስ ሕገመንግስቲ ፈደራላዊ ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ብዝሰማማዕ ይፈትሕዎ” ዝብል ሓሳብ  ““ብኸመይን መዓስን ይምለሱ?”   ፍልልይ ይረአ’ሎ  ።

 ነዚ ዓንቀጽ  ምትርጓም ከኣ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ፖለቲከኛታት እውን ተሪር ፍልልያት ፈጢሩ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ምምላሶም እቲ ዝተመልስዎ ቦታ፡ “ብመንን ብኸመይን ይመሓደር?” ምስ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ።

እምበኣር እዚ ምምዝባል ውጽኢት ውግእ ስለ ዝኾነ፡ ዓሚቕን ተደራራብን ፖለቲካውን ምምሕዳራ’ውን ትርጉም ኣለዎ። መሰረታዊ ፍታሕ ዝረክብ ከኣ እቲ ናብቲ ውግእን ሳዕቤኑን ዘብጸሐ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክፍታሕ እንከሎ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ነቲ ንዝተመዛበሉ  ዘጋጥሞም ዘሎ ክሳብ ሞት ዘብጽሐ ማሕበራዊ ጸገም ንምክልኻል ግና ከምቲ “ሰብ ንምሕጋዝ ሰብ ምዃን ጥራይ እኹል እዩ” ዝበሃል፡ ናይ ዝኾነ ገባር ሰናይ ህጹጽ ምርብራብ እዩ ዝሓትት። ብመንጽር’ዚ እቲ ዘሰንብድ ሓበሬታ “ሞት ብሰንኪ ጥሜት” ምስተቃለሐ፡ ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ወገናትን ብውልቂ ኮነ ብሓባር ዘርእይዎ ዘለዉ “ህይወት ናይ ኣድሕን” ሰናይ ተግባር  ክምስገንን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ።

ነቲ ዝሓለፈን ጋና ሳዕቤኑ ሰባት ዘሳቒ ዘሎን  ውግእ ንድሕሪት መሊስካ ምእራሙ ከምዘይከኣል ርዱእ እዩ። ኣብ መጻኢ ከምዘይድጋም ንምግባሩ ግና፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ኢድ ዘለዎም ኣካላት፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ብደሆ ኣሎ  እሞ፡ ኩሉ ኣድላይን ዝከኣልን ዘበለ ዋጋ ክኸፍሉ ቅሩባት ክኾኑ ነዘኻኽሮም። 

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጸሚድዎ ዘሎ ዘቤታዊ ውግኣት፡  ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕነዖ ዘሎ፡ ዘይታሪኻዊ፡ ዘይፖለቲካውን ዘይሓላፍነታዊ ወስታ “ንረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይኮነን” እንብሎ እውን ብመጽር’ዚ ኢና።