አእጃምና፡ ንገብር ኣለና ዶ?

2023-11-27 11:16:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 989 times

ኣብ ዓለምና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባና ድማ ብፍላይ፡ ኣዝዩ ሓያል ፖለቲካዊ ነውጺ ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ “ፖለቲካዊ ኣንፈት ኤርትራኸ ናበይ ገጹ እዩ”? ኢልና ክንሓትት ናይ ግድነት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ዙርያ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ኢና ተሰሊፍና ዘለና። ኣሰላልፋና ኣብዚ ዝሕቖን ዘሎ ማዕበል በቲ ናይ ኣተሓሳስባና  ዝተቓነየ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኩነታትን ረብሓ ህዝባን ወጻኢ ካብ ዘኹድድ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ክመረጾ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከኣ ናይዚ ዕብዳኑ ነጸብራቕ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሩሲያ ከይዱ ንፕረሲደንት ፑቲን “ናብ ግዜ ዝሑል ውግእ ተመሊስና ኢና እሞ ኣንጻር ምዕራብ መሪሕካ ኣዋጋኣና”  ዝብል ናይ ተለኣኽነት ጥርዓን ምቕራቡ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ዘይሓላፍነታዊ  ኣበሃህላኡ ከምቲ “ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኰሓል” ዝበሃል፡ ንኤርትራን ህዝባን ዝልክምን  ዋጋ ዘኽፍልን ከይከውን  ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። 

ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢና ንኤርትራ ማእከል ገይሩ ዝገማጠል ዘሎ ናይ “ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ይግበኣና” ማዕበል፡ ህግደፍ ብዘይካ ጐቦጎቦ ምኻድ፡ ድምጹ ኣጥፊኡ ከምዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ናይዚ ስቕታኡ ትርጉም  ደገፍቱ ናይ ሓያልነቱ መርኣያ ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ ኣለዉ። እቲ ሓቁ ግና ብሰንኪ ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይተማእዘነ ጉዕዞ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ፡ ስንባደኡን ኣቕጣጫ ምስሓቱን ዘመልክት እዩ። ከምቲ “ባዕላ ሰቒላቶ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ” ዝብልዎ፡ እዚ ሓደገኛ ማዕበል ንክፍጠር እጃሙ  ቀሊል ዘይምዃኑ ዝህውጾን ዘባህርሮን ዘሎ ድማ ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ካብ ልቡ ስለ ዘውጸኦ፡ ለኪምዎ ከይጠፍእ  ክሰግእ እንተዘይኮይኑ፡ “ናብ መንገዲ ደሓን ክመርሓኒ እዩ” ዝብል ተስፋ የብሉን። ህዝብና ካብ ህግደፍ ብኽንድዚ ደረጃ ተስፋ ካብ ቆረጸ፡ ሃገሩ ናይ ምድሓን  ሓለፍነት ኣብ እንግደዓኡ ከምዘሎ ይዝንገዖ እዩ ዝብል እምነት የብልናን።

ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣድህቦና ናብቲ ጸይቅታት ናይቲ ዝተቐብጸ ህግደፍን ተግባራቱን ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ግዜ ዝያዳ፡ ኣዕዚዝና ናብ ውሽጥና ክንጥምት ኣብ እንግደደሉ ኢና ጸኒሕና ሎሚ እውን ዝያዳ ኣብኡ ከም ዘለና ንገንዘብ። ብመሰረቱ እውን ንህግደፍ ኣትሪርና ክንቃወሞን ክንቃለሶን እንከለና “ንሕናኸ  እጃምናዶ ንገብር ኣለና?”  ዝብል ሓቶ ክዝንገዖ ዘይነበረናን ዘየብልናን እዩ። ካብቲ እጃምና ምፍጻም ዘኽእለና ሓደ፡ እንታይ ኢልና ንስይሞ ብዘየገድስ፡ ሓቢርካ ዘቃልስ መድረኽ ክንፈጥር ምብቃዕናን ዘይምብቃዕናን፡ ዝበረኸ ቦታ ከም ዝሕዝ  ኣይንስሓት።

ኣብ ቅድሚ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ብደሆታት፡ እቲ ዝዓበየ ንሕቶ ሓድነት ብዘድምዕ ኣገባብ ክነዕውቶ ዘይምኽኣልና ኣብ ልቦና ኩልና ዘሎ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ካብ እንርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ መሰረታዊ ጸገምካ ዘገንዝብ ተረድኦ ክንውንን ምብቃዕና ኣብ ምርካብ መፍትሒ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝና ዘርኢ እዩ። እንተኾነ፡ በዚ ናይ ሓባር ተረድኦ ተደሪኽና ግብራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳድና ከኣ ዓብይ ናይ ድኽመትና መግለጺ እዩ። ብሓባር ዘቃልሰካ መድረኽ ምፍጣር ወሳኒን ኣንጻር ህግደፍ ተቓሊስካ ዘዕውት መሳርሒ ምውናንን እዩ። ህግደፍ ከነወግድ እናተቓለስና ነዚ ዝተበተነ ዓቕሚ ዝእክብ ናይ ለውጢ መሳርሒ ክንውንን ብዘይምብቃዓና “ዕድመ ህግደፍ ነንውሕ ኣለና”  እንተተባህለ፡ ምግናን ኣይኮነን።

ኣብ ሕድሕድና ዘሎ ፍልልይ ካብቲ ዘሰማመዓና ዝነኣሰን ዝወሓደን ምዃኑ ኣብ ሚዛን ኩልና ዘሎ እዩ።  ከምዚ ናትና ፍልልይ ኣከኣኢልካን ኣመሓዲርካን ንቕድሚት ምስጓም፡ ኣብዛ ብዙሕነት ተንግስ ዘላ ዓለም፡ ዝነበረ፡ ዘሎን ኣብ መጻኢ’ውን ዝህሉን እምበር፡ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ተርእዮ ኣይኮነን። ስለዚ ብሰንኪ ዘይምክእኣልን ዘይምጽውዋርን ክስገር ዝግበኦ ዕንቅፋት ኢና ምስጋሩ ስኢና ዘለና። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ በቲ ዝምጥነና ደራጃ ኣይከኣልናዮም እሞ፡ ሎሚን ጽባሕን እውን ኣይክንክእሎን ኢና ኢልና ኣብ ክንዲ ደው ምባል “በቲ ዝደለብናዮ ተመኩሮ ተሓጊዝና ክንሰግሮ ንኽእል ኢና” ብዝብል ኒሕን ሓቦን ንቕድሚት ንሰጉም።

ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር መድረኽ ተቓሊስና ከነድምዕ፡ መሰማምዒ ነጥብታትና ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎን ቀዳምነት ዝወሃቦምን ዘይወሃቦምን ዛዕባታትን ዝሓዋወሰ ክኸውን ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ተመኩሮና  ኣብ ጉዕዞ ንሓድነት፡ እቲ ጸገም መበገሲ ዝርዝር ኣብ ምብዛሕን ቀዳምነትካ ኣብዘይምንጻርን ዝግለጽ ምዃኑ ኣርእዩና እዩ። ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡  ብ17 ሕዳር 2023 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፣ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፡  ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብን መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን ብዝብል ኣስፊርዎ ዘሎ መልእኽቲ ናይ ቅርጥውን እዋናውን መሰማምዒ ነጥብታት ኣብነት እዩ። ፖሓኤ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ካልኣዊ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ኣብቶም ዓበይቲ ናይ ኣፈርክቡ ዕላማታት ክጠራነፉ ኣለዎም” ዝብል መጸዋዕታ ምቕራቡ ከኣ፡ ሕቶ ሓድነት ናይ ኩልና እምበር ናይ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዕማምን ሓላፍነትን ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ከም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ኣብ ወጥሪ ኢና ዘለና። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ድማ ካብዚ ወጥሪ ኣብ ምውጻእን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓንን ዓብይ እጃም ኣለና። ናይ ካለኦት ደለይቲ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ሓይልታት ናይ ደገፍ ጸዋዒትና ሰማዒ እዝኒ ዝረክብ ከኣ ቅድም ንሕና ግደና ከነበርክት እንከለና እምበር ከምቲ “ሓጋዚኣ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ድምጽና ብምጥፋእ ዝርከብ ደገፍ የለን። ነዚ ክንበቅዕ ድማ ነቲ ዝሰማምዓና እንዳጉላሕና ነቲ ዝፈላልየና ከየተዓባበና ብሓባር ክንወፍር ይግበኣና።

ዝተበተነ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘይምጥርናፉ ኣሻቒልዎም፡ “ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ዘቃልሰኩም መድረኽ ፍጠሩ” ዝብል ድምጺ ዘስምዑ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ወገናት ከኣ፡ ምሕጽንተኦም ናብ ተጽዕኖ ምፍጣር ከደይብዎ ይግበኦም።

Last modified on Monday, 27 November 2023 12:20