ህዝቢ ወጊድ ክብሎ ዝግባእ፡ ምዕልባጥ ህግደፍ

2023-11-06 10:52:10 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 857 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ፡  ህዝብና ብዘተኣማምን ዋና ጉዳዩ ክኸውን ዘይምብቅዑ ካብቶም ጐሊሖም ክረኣዩ ዝጸንሑን ዘለዉን ተርእዮታት እዩ። እዚ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከጋጥም እትጽበዮ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ዕላማ ገዛእትን ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ክኾኑ እሞ ኣብቲ መስርሕ ህዝቢ ወሳኒ እጃም ክህልዎ ዘይትጽበዮ ስለ ዝኾውን። ብፍላይ ኣብ መግዛእታዊ ተመኩሮና፡ ሓይልታት መግዛእቲ  “ኤርትራ፡ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ክሳብ ምባል በጺሖም ከም ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ  እዩ። ናይ ሽዑ ታሪኽ ከም ዘረደኣና ከኣ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረን ህዝቢ ኤርትራ ስኑ ነኺሱ ንኽቃለስ ዘገደዶን እዚ ናይ ገዛእቲ ወራሪ ብደዐን ጥልመትን  እዩ።

ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዝእ ጉዳዩ ጓና ምዃን ድሕሪ’ቲ ብቓልሱ ዘውሓሶ ናጽነቱ ምቕጻሉ  ድማ  ንፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ ፍሉይን ዘይንቡርን ዝገብሮ እዩ። እዚ ከጋጥም ከም ምኽንያት ካብ  ዝውሰዱ “ደቅናሲ ከም ገዛእቲ ኣይክጠልሙናን እዮም” ዝብል ካብ ቅንዕና ዝነቅል እምነት  ህዝብና ከም ዝነበረ ምግማቱ ኣየጸግምን። ህግደፍ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ህዝቢ ዘንበረሉ እምነት  እዩ ጠሊምዎ።  ህግደፍ ብዘይንሕስያ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመረጾ መሪሕነት፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ልዕልና ፍትሕን ክነፍጎ ምስ ኣስተውዓለ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ጥልመት ከይሳዕረረ “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብ ዘይትኣምን ተመለስ” ከም ዝባሃል፡ ብዓንተቦ ክበራበር ነይርዎ። ከምኡ ዘይምግባሩ ድማ እነሆ ክሳብ ሎሚ ንብዙሓት ዘገረመ ኩለ መዳያዊ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጠላም ኣካይዳ ህግደፍ ብስቕታ ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎን፡ ስለ ዘይተረድኦ ወይ ስለ ዘየሕመሞ እዩ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣገዳስነት ልዕልና ሕጊ፡ ካብ 50ታታት ጀሚሩ ድማ፡ ኣንፈት ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ትርጉም ምርጫ፡ ወሳንነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዝተረደአ ስለ ዝኾነ። ኣየሕመሞን ከይበሃል ከኣ፡ እቲ ጭቆናን መሪር ሳዕቤናቱን፡ ማዕጾ እንዳ ኹሉ ኤርትራዊ ስድራቤት ዝኩሕኩሕን  ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ዝዘርግን ዘሎ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ “ህዝቢ ኤርትራሲ ስለምንታይ እዩ ነዚ ኩሉ ወጽዓ ጉጅለ ኢሳያስ ዝዕገሶ?”  ዝብል ብተደጋጋሚ ዝለዓልን መልሲ ክትረኽበሉ ዘጸግምን ሕቶ ዝኸውን።

እቲ ዝያዳ ዘገርም ከኣ ናይቲ ዝበዝሐ ካብ ህዝብና “ርኢኻ ከምዘይረኣኻ” ኮይንካ ርእስኻ እናነቕነቕካ ስቕታ ምምራጽ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ዘደንጹ፡ ነዚ ብዝኾነ መለክዒ መዚንካ ጥዑይ ዘይትረኽበሉ ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ኣጸባቢቖም ዘቕርቡን ዝሕለቑን ኤርትራዊ ወገናት ምህላዎም እዩ። እዞም ህግደፍ፡ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባራት ክፍጽም፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ኣትዩ ኤርትራዊ ህይወት ክህልቕን ንብረት ከብርስን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቤተሰቦም ከይተረፈ ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ገበናትን ክፍጽም እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ዓገብ ምባል “ንኺድ ጥራይ”  ዝብልዎ ወገናት ምህላዎምሲ ምስምንታይ ይቑጸር!!!። እዞም ብዛዕባ መሰልካን ናጽነትካን ምሕሳብ ዘዋደቕዎ ኣካላት ክንድታ ንእኩይ ተግባራት ህግደፍ ዘጸባብቕዋን ዕድመኡ ክነውሕ ዝልምንሉን፡ ካብ ባህግን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝርሓቑ ክግንዘቡ ይግበኦም። ነዚ ተግባሮም ግዜ ምስ ኣፍቀደ ዝሕተትሉ ምዃኖም ተረዲኦም፡ ሕጂ እውን መስዩ እምበር ስለ ዘይዓረበ ሕሳቦም ክገብሩ ደጊምና ነዘኻኽሮም።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ካብ ተመኩሮኡ ዘይመሃርን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዋኒኑ በዓል ጉዳይ ምዃኑ ዘይስቆሮን፡ ገታርን ጠላምን ምምሕዳር ህግደፍ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈጥሮ ቀጻሊ ራዕድን ህውከትን ኣይወጸን። ብደረጃ ዞባ እውን ብርኡይ ህውከት ክጽሕትርን መጣፍእቲ ዝኾንዎ መሻርኽቲ ከናድን ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ዝርአ ዘሎ ምዕልባጣት ኣሉታዊ ሳዕቤን  ከፋል ዕዳ ንሱ ምዃኑ ተረዲኡ “ባዕሉ ይፈልጥ” ብዝብል ክሓልፎ ኣይግበኦን። ራህዋ እናተጸበየ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ጉጅለ፡  ናብ ዝገደደ ደልሃመት ይሽመም ከም ዘሎ ከኣ ከስትውዕል ይግበኦ። ምስትውዓል ጥራይ ዘይኮነ ንዓኡ ዝምጥን ህዝባዊ እምቢታ ከርኢ ይግበኦ። እቲ እምቢታ ክሳራታት ከም ዘለዎኳ  ፍሉጥ እንተኾነ፡ እቲ ስቕታ እውን ዋጋ ካብ ምኽፋል ከምዘየድሓኖ ዝረአ ዘሎ  እዩ።

ካልእ ይትረፍ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ፡ ቀንዲ ሃንዳሲኡ ህግደፍ ምዃኑ ዘይስሓት “ሰሓቦ ጉተቶ”፡ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፤ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝብልዎ፡ ቀንዲ ተሓተቲ ህግደፍን መዳምቕቱን ምዃኖም ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ባዕሉ  ኣብቲ ናይ “ተደሚርና ኢና” ወደኽደኽ ህዝቢ ኤርትራ ክዕዘቦ ዝጸንሐ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ኣስመራስ ወረ “ተደሚርና ኢና፡ ሓደ ኮይንና ኢና” ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ተወሲኽዎ ነይሩ እዩ። ብዛዕባዚ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ዘሎ ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተሓታትን ቀንዲ መሳወርን ምዃኑ ናይ ነዊሕ ግዜ ተዘክሮ ዘለዎምን ብቐረባ ዝፈልጥዎን ነባራት ኢትዮጵያውያን ፖለቲኸኛታት ከይተረፉ፡  ምስክርነቶም የቐርቡ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ክንዲ “ባዕልኻ ኢኻ ተሓታቲ” ኢልካ ምውጣሩ፡ ነቲ ምዕልባጡ ከተማኻንየሉን ከተጸባብቐሉን ምፍታን ቅቡል ኣይኮነን።  ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ንጭቆና ተለማሚድካ መዕንደሪ ወጽዓን ወጻዕትን ምዃን ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ ናጽነት ዘምጸአ ንያቱን ሓቦኡን ከሕድሶ እዋኑ እዩ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ህግደፍ ንምቅላዕን ንምስዓርን ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ፡ ካብቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ኣቕጣጫ ብዝያዳ ሓድነት ከበርኽዎ ክጽዕቱ ይጽዉዑ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣበርክቶ ናይዞም ተቓወምቲ፡ ንግደኡ ዘራጉድ እምበር ዝትክእ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ብምዕልባጥ ህግደፍ ከይተዓሸወ፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ቃልሱ  ንከሕይል ከም  ወትሩ መጸዋዕታና እዩ።

Last modified on Monday, 06 November 2023 11:57