ቀጻሊ ደርጓዕጓዕ ዞባና

2024-01-16 11:17:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 604 times

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ተበሃጊ እስትራተጅካዊ ኣቀማምጣ ከም ዘለዎ፡ ተደጋጊሙ ዝንገር እዩ። ብማዕሪኡ ድማ ብቐጻሊ ዘይምርግጋእ ክሕቆን ዝጸንሐን ዘሎን ዞባ እዩ። እቲ ዘይምርግጋእ በብግዜኡ ክብ ለጠቕ ይብልን ብዝተፈላለዩ ኣሰላልፋታት ይስነን። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ጥርዚ ምስሕሐብን ደርጓዕጓዕን ኣትዩ’ሎ። እዚ ዝገላበጥ ዘሎ ማዕበል ሓያሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታትን ድሌታቶምን ዘንጸባርቐ እዩ።

ኢትዮጵያ ናይ ንነዊሕ ግዜ ዘይምርግጋእ ዝጸንሓ ሃገር ኮይና፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ነቲ ዘቤታዊ ጸገማ ብዞባዊ ኣጀንዳ ንምሽፋን ብዝመስል ሓድሽ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፋይል ከፊታ። ብመንጽር ዞባዊ ኮነ ኣህጉራዊ ደረጃ ናይ መወዳእታ መልክዑ ሒዙ ንዝተዓጽወ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ዝትንክፍ ዛዕባ ዋንነት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኣልዒላ። ብዓብይኡ ምስ ኤርትራውያን ከምኡ ከኣ ምስ ኣህጉራዊ ሕግታት  ዝጓነጽ ኣጀንዳ ክትከፍት ፈቲና። ብሰንክ’ዚ ከኣ ካብ ጐረባብታ ኮነ ምዕራብ ዝነጸላ ዲፕሎማሲያዊ ክሳራ ኣጋጢምዋ ጸኢሑ።

ድሕሪኡ ቃናኣ ቀይራ ብዙሓት ብዘይተጸበይዎ ኣንፈት ምስ ሶማሊላንድ፡ ንወተሃደራዊ መደበርን ወደባዊ ኣገልግሎትን ዝኸውን መሬት ምክራይን ከም ሃገር ኣፍልጦ ንምሃብን ዘተኮረ፡ ናብ ምልውዋጥ መረዳድኢ ሰነድ  ከቲማ። ብመንጽርቲ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝነበረ ደገፍ ኢትዮጵያውያን ክርአ ኣንከሎ፡ ኣብ ምኽታም ምስ ሶማሊላንድ፡ ክንዲ’ቲ መንግስቲ ብልጽግና “ወነንት ባሕሪ ኮና” ዝበሎ ዝኾነ ኣይመስልን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ብመሪሕነት ክልል ሶማሊያ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መረዳድኢ ሰነድ ብቕሉዕ ዝቃወም ድምጺ ተሰሚዑ።  መንግስቲ ብልጽግና፡ እዚ  ንመኽሰብ ዝተሓሰበ ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ምስ ሃግርጌሳ፡ ናብ ካልእ ክሳራ ከይወስዶን ነቲ ሃዲኡ ዝጸንሐ ዛዕባ ኦጋደን ንድሕሪት ከይመልሶን ከኣ የስግእ ኣሎ።

ሃገረ ሶማሊያ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ተበግሶ  ብኢድ ኣእታውነት ከሲሳ ኣትሪራ ኮኒናቶ። ሶማልያውያን ኣልሸባብ ከይተረፈ ብናይ ሓባር ድምጺ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኣንጻር ተግባራት ኢትዮጵያ ድምጾም ኣስሚዖም። ወተሃደራዊ ሓይላ ኣብ ተዳሎ ክጸንሕ ኣዚዛ። ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት በበቲ ዝምርሕሉ ቻርተራት ኣብ ጐኒ ልኡላውነት ሶማልያ ንክስለፉ ጸዊዓ። ኣንበሳድራ ካብ ኢትዮጵያ ስሒባ። ኣንበሳድር ኢትዮጵያ ካብ ሃገራ ኣውጺኣ። ክሳብ “ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ብሓይሊ ዝተፈጥረ እዩ” ምባል በጺሓ።

ሶማሊላድ ካብ 1991 ጀሚራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ተኸታታሊ መጸዋዕታ ኣቕሪባ ሰማዒ ስኢና ዝጸንሐት እያ። ኣብ ውሻጣዊ ምምሕዳራ ግና ቁጣባዊ ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ኮነ፡ ስሩዕ ምርጫታት ኣብ ምክያድ ካብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ዕቤት ጸኒሓ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ በቲ ሓደ ወገን፡ መሬት ክትካረየላ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ቅርብቲ ብምዃና ተጠቃሚት ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል ናይ ብዙሓት ሚዛን እዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ብእትኸፍቶ ዕድል፣ ምናልባት ናይ ካለኦት ኣፍልጦ ከስዕብ ይኽእል ተባሂሉ ስለ ዝግመት።

እንተኾነ ምስቲ ብተበግሶ ጅቡቲ ምስ መቃድሾ ዝጀመረቶ ናይ ምቅርራብ መስርሕ ጠሊማ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምሽራዋ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምጸኣላ ከም ዝኽእል ምልክታት ተራእዩ። ብገለ ካብ ህዝባ’ውን “ኣፍደገ ባሕርና ንኢትዮጵያ ኣይንህብን” ዝብል ተቓውሞ ተንጸባሪቑ። ናይ ምክልኻል ሚኒስተራ፡ ዓብደልቀኒ መሓመድ ኣተየ ከኣ፡ ብሰንክ’ቲ፡ ምኽታም መረደዳድኢ ሰነድ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሱዕድ ዓረብያ፡ ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ዓባይ ብሪታንያን ዝኣመሰሉን ዝሃብዎ ግበረ መልሲ ብውሕዱ “ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማሊያ ይተዓቀብ” ዝብል ምዃኑ ንኢትዮጵያ ኮነ ሶማሊላንድ ዘቕሰኖም ኮይኑ’ሎ። መራሕቲ ኤርትራ ከምቲ ልማዶም ዘጽቀጡኳ እንተመሰሉ፡ ኣብቲ “ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝኾነ ኣካል ኢዱ ከእቱ የብሉን ዝብል ናይ ቀደም መርገጽና ኣለና” ዝቓንኡን ንተበግሶ ኢትዮጵያ ዝቃወምን መርገጺ ሒዞም ኣለዉ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ “ኣፍልጦ ምሃብዶ መሬት ምርካብ” ኣየንኡ ይቐድም”  ዝብል ኣብ መንጎ ክልቲኦም ከተምቲ  ናይ ጉርሒ ምውጣጥ ዘሎ ይመስል።

ሱዳን ኣብ ኣፍደገ ምብትታን እያ ዘላ። ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ተደፊኡ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይታ ሃገር ተሸምቂቑ ኣብ ፖርትሱዳን ክሰፍር እንከሎ፡ እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ብኣንጻሩ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ካርቱም ምቁጽጻሩ ናብ ማእከላይን ምብራቓውን ከባቢ ናይታ ሃገር ይዝርጋሕ ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ደሃዩ ዘይስማዕ ዝነበረ ኣሕመድ ደጋሎ ናብ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሩዋንዳ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ኣብ ከባብያዊ ዲፕሎማሲ እውን ይሰልጦ ምህላዉ የርኢ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ምስ ናይ ሱዳን ሲቪላዊ ሓይልታት  ለውጢ ስምምዕ ከቲሙ። ኣዲስ ኣበባ  ድማ  ከም መራኸቢ ማእከል ምስ መራሕቲ ኢማራት ዝመረጻን ዝተፈቕደሉን ይመስል።

ጀነራል ኣልቡርሃን “ኣነ እየ ሕጋዊ መራሒ ሱዳን” ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ብዝመስል ንደጋሎ ኣፍልጦ ሂበን ንዝበለን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስታትን ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ኣብ ርእሲ ምትሕልላፍ፡ ምስ ኢማራት፡ ቻድን ኬንያን ድሮ ኣብ ምስሓብን ምስጓጉን ኣንበሳድራት በጺሑ ኣሎ። ኢሳያስ ብወገኑ ኣልቡርሃን ንምድጋፍ ሱዳናውያን ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝወስድሉ ዕድል ከፊቱ ከም ዘሎ ብዙሓት ምንጭታት ዘረጋገጽዎ’ዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝርአ ዘሎ ምውጣጥ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሱዳን  እቶም ተዋሳእቲ እቶም ብግልጺ ዝረኣዩ ጥራይ ዘይኮኑ ብድሕሪት ዝተሰለፉ ወገናት እውን ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ኢማራት፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ብመሐመድ ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሱዕዲያ፡ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ቀጠር፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ሒዘምዎ ዘለዉ መስርዕ ናይዚ ኣብነት እዩ። ብድሕሪ’ዚ ዝመጽእ ናይ ሓያላት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ኣሰላልፋ ከም ዝህሉ ከኣ ርዱእ እዩ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ተካይዶ ዘላ ወፈራ ሓድሽ ተአግሶ ጉጅለ ሑቲ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ስግኣትን’ውን  ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ።

ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣካል’ዚ ዝሕቆን ዘሎ ዞባ እዩ። ኣብዚ ዞባ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣሰላልፋኡ “ከመይን ምስ መንን” ከም ዝኸውን ብሓባር ክሓስብን ክወፍርን ናይ ግድን የድልዮ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ቀዳማይ ኣድህቦኡ “ኣብ ኤርትራ ስርዓት ናይ ምቕያር ተልእኮኡ” እምበር፡ ካልኦት ብዘንቀልዎ ኣጀንዳ ምክፍፋል ከይከውን ከስተውዕል ይግበኦ።

Last modified on Friday, 19 January 2024 20:46