ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ   ኣይኮኑን

2024-06-29 07:46:24 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 108 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ፡ እንታይ ንምርግጋጽ ምዃኑ፡ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ እዩ። ህግደፍ እውን ኮነ ኢሉ “ጸማም እዝኒ” ንምሃብ እንተዘይኮይኑ፡ ብህዝቢ  እንታይ ክገብር ይሕተት ከም ዘሎ ኣዳዕዲዑ ዝርደኦ እዩ። ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምምላስ ካብ ዝጥቀሞም ብዙሓት ተንኮለኛ ሜላታት ንህዝቢ ቀዳምነቱ ዘረስዕ መህደሚ ኩነት ፈጢርካ ቅድሚት ምስራዕ እዩ። ብፍላይ ከኣ ናብ  ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘነጻጸረ ዘሰንብድ ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲካ ምቕራብ ሓደ ካብቲ  ሜላታቱ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓደጋ ፈጢርካ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ውግእ ብምኽፋት ክሕንክሮ ዝጸንሐ “ደጊም ይኣክል” ክበሃል  ዝግበኦ  መምሃሪ ተመኩሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ቀዳምነት ሰሪዑ ካብ ዝቃለሰሎም ጠለባት፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ናይ ምርካብ መሰረታዊ መሰል ሓደ እዩ። በዚ ሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ከምኡ እውን ኣድላይ ኣብ ዝበልካዮ መድረኽ ተወዲብካ ናይ ምቅዋም መሰል ጠልብ ኣለዎ። ኣብ ርእሲዚ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ዝረጋገጸሉ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዝዝርጋሕ ዲሞክራሲያዊ ምርጫታት ከካይድ ካብቲ ዝቃለሰሉ እዩ። ኢሳያስ ነዚ ጠለባት ህዝቢ፡ በቲ ምስ ጐደልኡ ክትግበር ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ከይተተግብረ ዝሞተ ሰነድ እዩ”  ምስ በሎ፡ ንተስፋታትን ትጽቢታትን ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣጸልሚትዎ እዩ።

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣማምን ሰላም ተፈጢሩ ብመንፈስ “ንገድ ነጋዳይ፡ ሕረስ ሓረስታይ” በብዘለዎ ዓቕምን ጥሪትን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከውፍር ይብህግ። ህግደፍ ግና ዕላምኡ  ጸረ ባህጊ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ከም መንግስቲ  ኣብቲ ዜጋታት ክዓምዎ ዘይክእሉ ጥራይ ከውፍር ቅሩብ ኣይኮነን። ሓረስታይ ዋና መሬቱ ኮይኑ፡ ሓሪሱ ንገዛእ ርእሱ ተቐሊቡ ዝተረፈ እቶቱ ናብ ዕዳጋ ዘውርደሉ ኩነታት ክጣጣሑሉ ይጽበ ነይሩ። ብዘይካዚ ነቲ ኣብ ህልውና ሕብረተሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ምህናጽ መጽለሊ ኣባይቲ’ኳ ብኤርትራውነቱ  ዕድል ዝኸፍተሉ ባብ ምርሓው ኣብ ግምት ክኣቱ ካብ ዘይተተግበሩ ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ብፍላይ ኣብ መዳያት ትምህርትን ሕክምናን ህልውናን ቀጻልነትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ዝውስኑ እዮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ካብ ስድራቤቶም ከይረሓቑ ካብ ወተሃደራዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይኖም ትምህርቶም ዝቕጽልሉ ባይታ ክፍጠር ሓደ ካብ ዝተቓለሰሉ እዩ። ሕክምና ብቐጥታ ከም ህዝቢ ህልውና ዝውስን እዩ። ኣብዚ መዳይዚ መጀመርያ መንግስቲ ኩነታት ብምጥጣሕ ሓላፍነቱ ክፍጽም ህዝቢ ተጸብይዎ። ንሱ ኣብ ዘይዓመሞ ከኣ ዓቕሚ ብዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት ንክምላእ መንግስቲ ኩነታት ከጣጥሕን ሓላፍነት ክወስደሉን ዝነበሮ  ነይሩ።

ብግብሪ ኣብ ኤርትራ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱን ካለኦትን ጠለባት ህዝቢ ካብ መጀመርታኡ ዝበኾሩ እዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ህግደፍ ይምልከተኒ እዩ ኢሉ ኣልዒልዎ’ውን ዘይፈልጥ ዛዕባ እዩ። እቲ ህግደፍ ኣብ በበይኑ መድረኻት ብሕገመንግስቲ፡ ብምርጫን ዲሞክራሲን ዝሕጭጮ ናይ ዘይምግዳሱ መርኣያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ብዓንተብኡ ዕላማኡ ዘይምንብሩ ዘርኢ እዩ። እቲ ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ቁጠባ ምውፋርስ ይጽናሕ እሞ፡  ነባር ጋራጃት፡ ድኳናትን መሰል ናእሽቱ ትካላትን ንምዕጻው በብግዜኡ ዝወሰዶም ስጉምትታት ምዝካር ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ “ድኳናት ሕድርን 09ን” እሱር ንክኸውን ዝፍጽሞ በደላት ካልእ መርኣያ እዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ ሳዋ ኢደን ሂበን ንክጭፍለቓን ስርዓተ-ትምህርቲ ብውትህድርና ክቃነን ንርእዮ ዘለና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብ ዓዱ መባእታዊ ሕክምናን መድሃኒትን ክረክብ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፓላ፡ ኢስታንቡልን ካልእ ከተማታትን ከርተት ዝብሎ ዘሎ፡  ህግደፍ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።

ህግደፍ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጨቋኒ ተግባሩ ንምሕባእ፡ ናብ ደገ ንምምዕዳው ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነትን ብቐጥታ ውግእ ብምኽፋትን ዝዛመድ እዩ። ሎሚ ድማ ኣብ ርእሲቲ ከም ካልእ ገጽ ናይቲ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነቱ፡ ሜላ ቀይሩ ናብ ቁጠባዊ መዳህለሊ ሜላ ምምራጽ ዝኣተወ ይመስል። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ኢጣልያውያን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣውፈርትን ዝርአዮ  ሕግብግብ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዞም ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ኣብ ምምዕባል ወደባትን ዝርጋሐ ትሕተ-ቅርጻን ከም ዘተኩሩ ከተንብሁ ሰሚዕናዮም ኢና።

ብዓብይኡ እዚ ኣብ ዓድኻ ኣልሚዕካ ንገዛእ ርሽኻን ህዝብኻን ናይ ምጥቃልም መሰል ጠቕሊሉ ዝኸሓደ ህግደፍ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ምውድኽዳኹ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተበላሸወ ምስሉ ናብ ምጽብባቕ እንተዘይ ኮይኑ፡ ቁጠባዊ ሕቶ ህዝብና ናብ ምምላስ ዘድሃበ ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ ዝጸውር ባህሪ ስለ ዘየብሉ። መንግስቲ ጣልያን ቅድሚ ሕጂ’ውን ነዚ ዝባሃል ዘሎ ፕሮጀክት ብ60 ሚልዮን ዶላር ንምትግባሩ ወጢኑስ፡ ብናይ ህግደፍ “እቲ ገንዘብ ሃቡና ባዕልና ክንሰርሖ ኢና” ብሃልነት  ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ።

ናይ ሎሚ  ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ንናይ ውጻኢ ኣውፈርቲ ጠለብ ክጸውር፡  ብሰንኪ ህግደፍ ዝደረኾ ግዱድ ውትህድርናን ጽዑቕ ስደትን ዕለታዊ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ማሕበራዊ ተርእዮ ዝዓምም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘየብሉ፡ ቀረብ ጸዓትን መራኸብታትን ኣብ ዝተደረተሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ ሕጊ ወፍሪ ኣብ ዝበኾረሉን  ቀጥዒ ዘየብሉ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ሸፈጥን ናይቲ ጉጅለ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኤርትራ  ዝሰልጥ ናይ ግዳም ወፍሪ ክህሉ ዝግመት ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ብህዝቡ ዘይተኣምነ ጉጅለ ብናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክእመን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። 

ምናልባት ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ሰንበል ኣሎ ዝበሃል “እንዳ ኮርያ”  እናተባህለ ዝጽዋዕ ምስ መሰረታዊ ድሌትን ዓቕምን ሓፋሽ ህዝቢ ዘይመጣጠን ህግደፍ ግና ዝፍክረሉን ንወጻእተኛታት እናካረየ ካዝናኡ ዘህጥረሉን ርሻናት ይህነጽ ይኸውን። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ   ኣይኮኑን” ዘብል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን በዚ ዘብለጭልጭን ንሃልኪ ዝቃላሕን ዜናታት ከይተደናገረ፡ በቲ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምምላስ  ሒዝዎ ዘሎ  ቃልሱ ንክትቅጽል ጻዋዒትና እዩ።

Last modified on Saturday, 29 June 2024 09:51