መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ እንደጋና ተጠቒዑ

2024-07-09 20:44:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 411 times

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣለምዋጭ ብ6 ሓምለ 2024  ኣብ ሰዓታት  ምሸትን  ከምኡ’ው ኣብ ሳልስቱ፡  ብሰንኪ ብዕጡቓት  ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ  ሓደ ስደተኛ  ክቕተል እንከሎ፡  ልዕሊ 10 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ  ቢቢሲ ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ስድራቤት ግዳያትን ኣመሓደርቲ ናይቲ መደብርን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ናብቲ መደበር ተሰሪዖም ዝኣተዉ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣካላት ኣብቲ መደበር ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ግዜ  ጸኒሖም። ኣብ መጀመርያ እቶም ዕጡቓት ንብረት ስደተኛታት ክዘምቱ ከም ዝጀመሩን ድሕሪኡ እቲ ስደተኛ ክከላኸል ምስ ፈተነ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ እቶም ዕጡቓት ጠያይት ብምትኳስን ብኻራሩን ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸምዎ ሓቢሮም

እቶም ኣብቲ ኩነታት ዝቖሰሉ ንሕክምና ናብ ከተማ ደባርቕ ተወሲዶም ክንክን ይግብረሎም ከም ዘሎ ከኣ ኣብቲ መደበር ዘለዉ ኣባላት ስድራቤቶም ኣፍሊጦም። ካብ ደባርቕ ናብ ጐንደር ንዝሓሸ ሕክምና  እኳ ተኣዚዝሎም እንተነበረ  ብሰንኪ እቲ መንገዲ ብውግእ ምዕጻዉ ናብ ዝሓሸ ክንክን ክኸዱ ከም ዘይከኣሉ  ተፈሊጡ።

ነበርቲ እቲ መደበር ባዕላቶም ብዘቖምወን ናይ ሓለዋ ጉጅለታት ክከላኸሉኳ እንተፈተኑ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ስለ ዝነበሩ ክከላኸልዎም ኣይከኣሉን። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብቲ መደበር ዝፍጸም ተደጋጋሚ መጥቃዕትን ዝምታን ኣብ መንገዲ ናብ ከተማ ዳባት እውን ናይ ንብረትን ገንዘብን ክትራን ከም ዘጋጥም እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። ነቲ ኩነታት ዘጋድዶ ዘሎ ከኣ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምዃኑ ድማ ተጠቒሱ።

ኣብዚ መደብር ቅድሚ ሕጂ እውን ሞት፡ ዝምታ ንብረትን መጭወይቲ ቆልዑን ከጋጥም ከም ዝጸንሕ ዝዝከር ኮይኑ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከጋጥምዎ ዝጸንሐ እዩ።

Last modified on Tuesday, 09 July 2024 22:56