EPDP News

ቀዳም 30 ሓምለ 2022፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ስያትል ንስዉእ ኢሳቅ ምስ ካብ ካልኦት ጨንፈራት ዝተሳተፉ ኣባላት ኮይኖም ብመሪር ሓዘን ድሕሪ ምቕባሮም፡ ሰንበት 31 ሓምለ 2022 ኸኣ ብሓባር ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣኼባ ኣብ ትሕቲ ዝወረደ ከቢድ ሓዘንን፡ ንጨንፈር ኣንጸላልዩ ዘሎ ብድሆን እዩ ተኻይዱ። ኣባላት ንህልዊ ኵነታትን፡ ከመይ ገርና’ከ ንሰግሮ ዝብሉ ሓሳባት በብሓደ ገሊጾም። ድሕሪ ዓሚቝ ምይይጥ ኸኣ ኣብ ክሊ መትከል ሰልፍና ተምርኵስና ንዕቤትን ምሕያልን ሰልፍና ኣጽዒቕና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ብናይ ሓባር ውሳኔ ውጺኦም።

ሕድሪ ኢሳቅን ሕድሪ ኩሎም ስዉኣትን ኣብ መዓላኡ ከነብጽሖ ኢና ዝብል ተሪር መርገጽ ዝሰፈኖ ኣኼባ ነይሩ።

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና

ክንዕወጥ ኢና

ዞባ ሰሜን ኣመሪክ

04 ነሓሰ 2022

ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሓይልታት ጸጥታ ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዝለዓለ ዓቐን ገንዘብ  ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ቢቢሲ/BBC ገሊጻ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሐን ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተን ኤርትራዊ ስደተኛታት ብዛዕባዚ ተረኽቦ ንቢቢሲ  ገሊጹ። እቲ ዜና ኣብ ሱዳን ከምዚ ዓይነት  ምስ ህልዊ ኩነታት ኣገናዚብካ ዝካየድ ወፈራ  ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ንኤርትራውያን ብኣልማማ ኣሲሮም ካብ 400 ክሳብ 500 ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ከፊሎም ንክፍትሑ  የገድድዎም ከም ዘለዉ ‘ውን ተሓቢሩ።

እቲ ዜና እቲ ተረኽቦ ነቲ ኣጸጋሚ ዝኾነ መነባብሮ ሱዳን ከም ዘጋድዶን ንገንዘባዊ ጠቕሚ ተባሂሉ ካብ ናእሽቱ ነቑጣታት ፖሊስ ዝነቅል ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናይቲ ዝተቐበልዎ ገንዘብ ቅብሊት ዘይህቡ ምዃኖም ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ተሓቢሩ። መብዛሕትኡ ስደተኛ ካብ ሃገሩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስለ ዝወጸኳ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ክኸይድ ዘይክእል እንተኾነ፡ ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብቲ ጉዳይ መፍትሒ ክሕብሩ ብገለ ስደተኛታት ተሓቲቶም፡ ምስምሳት ብምፍጣር ከምዘይሓገዙ እቲ ዜና ጠቒሱ። 

እቶም ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሱዳን ስደተኛታት ምእሳር ልሙድ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ማእሰርቲ ወረቐት ናብ ዘየብሎም ዘተኩር ምንባሩ ጠቒሶም፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ መነባብሮ ጸገም ገንዘብ ንምርካብን ኤርትራዊ ተገዲዱ ክኸፍል እዩ ብዝብል ግምት ብኣልማማ ይኣስሩ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ክኣስሩ እነከለዉ ካብ ዘቕርብዎ ምኽንያት ስደተኛ ኣብ መደበር እምበር ኣብ ከተማ ክነብር ኣይክእልን ዝብል እዩ። እንተኾነ መነባብሮ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኣጸጋምን ዘይውሑስን ብምዃኑ እቲ ስደተኛ ካብ ናብ መደበር ዝኸይድ ካብ ዘምጸአ ኣምጺኡ ክኸፍል ከም ዝግደድ ይፈልጡ እዮም። ሒዞም ናብ መደበራት ክወስድዎ ዘይደልይሉ እውን ኣብ ከተማታት ብተደጋጋሚ ኣሲርካ ብምኽፋል ናይ ኣታዊ ምንጮም ክኸውን ስለ ዝደልይዎ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተዓዘብዎ ይምስክሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን እዮም። ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስታት 113 ሺሕ ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 83 ሺሕ እዮም ኣብ መደበራት ዘለዉ ምዃኖም ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ኣብ መንጎ ነባራትን ሓደስትን ሰራሕተኛታት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ሱዳን፡ ደድሕሪ ፖርት ሱዳን ዝዓበየት ወደብ ዋኪን ከም ዝተዓጽወት ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ። ሬድዮ ዳባንጋ፡ ቅልውላው ዳርፉር ንምክትታል ብ2008 ዝተመስረተት ናጻ መደበር ኮይና፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ መላእ ሱዳን ሓበሬታ ትህብ ዘላ መዲያ እያ። ካብታ ሬድዮ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ካብቲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነቒሎም ብሓደ ነሃሰ 2022 ናይታ ወደብ  ዘእቱን ዘውጽእን መንግዲ ዝዓጸዉ እቶም ሓደስቲ ሰራሕተኛታት እዮም።

እቶም ነባራት ሰራሕተኛታት ነቲ ብናይ ቅድም ኣማሕዳሪ ናይታ ወደብ 190 ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቑጸሩ ዝተወሰነ ውሳነ ኣይተቐበልዎን። ካብቲ ዝነጸግሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣቆጻጽራ ናይቶም ሰራሕተኛታት ዓሌታዊ እዩ ብዝብል ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ነቲ ዜና ዘቕረበ ጋዜጠኛ፡  ብድሕሪ እቲ ምቑጻር ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ዝተሓብአ ኣጀንዳ ከም ዝህሉ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ኣብ መጻኢ ምምሕዳር ግዝኣት ፖርት ሱዳን ዓሌታዊ ምስሕሓብ ከየኸትል ዝሓደሮ ስግኣት ሓቢሩ። እቲ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ባይቶ ቤጃን ናጻ ገዛእቲ ምብራቕ ሱዳንን ዘሎ ፍልልይ ከየስፈሖ ዘፍርሕ እዩ።

ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ዝተሓላለኸ፡ ኣብ ፍልልይ ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ጥራይ ዝተወሰነ ዘይኮነ፡ ናይ ኣቦመንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሎም  ጀነራል ሓመቲ ዳግሎን ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ባይቶ ቤጃን ላዕለዎት ገዛእቲ ምብራቕ ሱዳንን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከሰላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብቲ ፕሮቶኮል ምብራቕ ሱዳን ዝብሃል ኣካል ስምምዕ ሰላም ጁባ 2020 ዝኾነ መድረኽ ከም ዝስሓቡ ኣፍሊጦም። ብዘይካዚ ካብቲ ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ዝከታተል ብጀነራል ሓመቲ ምክትል ልኡላዊ ባይቲ ሱዳን ዝምራሕ ላዕለዋይ ባይቶ እውን  ክወጹ ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ናብ ሃገረ ግብጺ ክገይሽ  ዝነበሮ መደብ ብፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ተቐባልነት  ከምዘይረኸበ፡ ራድዮ ኤረና ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።  መራሒ ህግደፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2022 እውን ተመሳሳሊ ጠለብ ከም ዝነበሮን ሕቶኡ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕን ፍሉይ ኣማኻሪ ኢሳያስ የማነ ገብረኣብን ዝርከብዎ ልኡኽ  ህግደፍ፡ ናብ ግብጺ ከይዱ ናይ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ናይ ምጋሽ ጠለብ ዝሓዘ መልእኽቲኳ ኣቕሪቡ እንተነበረ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ኣብ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ስለ ዝርከብ እቲ መገሻ ናብ ካልእ ዘይተወሰነ ግዜ ተሰጋጊሩ ዝብል መልሲ ሒዙ ከም ዝተመለሰ ኣብዚ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ተጠቒሱ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2022 ብመንገዲ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ እታ ሃገር ዝቐረበ ናይ ኢሳያስ መገሻ ጠለብ ዝተዋህቦ መልሲ እውን ንካልእ ግዜ ዝብል ኮይኑ፡ ንጹር ቆጸራ ኣይተታሕዘሉን። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ክገይሽ ዝህንጠየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብቲ ንግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ጉዳይ ዓራቓይ ተመሲሉ ኢዱ ንምእታው ዝዓለመ እዩ።

ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ  ትሃንጾ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ክሳብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበጸሐ ምስሕሓብ ኣትያ ዘላ ግብጺ፡ ደገፍ ንምርካብ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት  ርክባ ንምድልዳል  ትጽዕር ኣብ ዝሃለወትሉ እዋን፡ ኢሳያስ ከይመጻ ዝመረጸትሉ ምኽንያት፡ እቲ ካብ 2018 ጀሚሩ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝፈጠሮ ዕርክነት ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Saedia Tesfu 1(ስእሊ ስውእቲ ሳዕዲያ ተስፉ፡ ካብ ፈይስቡክ)

መስዋእትነት ገዲም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ሳዕድያ ተስፉ፡ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ሳዕድያ ተስፉ ሓንቲ ካብተን ኣብ 60ታት ዝተሰለፋ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ከተማ ከረን ቅያ ድሕሪ ምስረሓ፡ ብ1968 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝተሰለፈት፡ ኣብታ ወልደየሱስ ዓማር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘሕተማ መጽሓፍ “ምስክርነት ኣብ ግደ ተመሃሮ”፡ ብጅግንነት ተጠቒሳ ዘላ ሓርበኛ እያ። ስለዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንስውእቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፡ ንቤተሰባ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም እናበሉ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

29 ሓምለ 2022

Athlets 1የማነ ሃይለስላሴ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወዳዳርን ፊልሞን ዓንደ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጐያይን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብታ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮን ዓለም-22  ኣብ አረገን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትሳተፍ ዝነበረት ጋንታ ተፈልዮም ከም ዝተሰወሩ ተመራማሪ ማርቲን ፕላውት ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብምጥቃ ሓቢሩ።

እዞም ኣባላት ኣትለቲክስ ብሓባር ብ24 ሓምለ 2022 ካብቲ ኣዕሪፈምሉ ዝነበሩ ህንጻ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተሰወሩን ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብዛዕባ ምስዋር ናይዞም ኤርትራውያን  ምስተሓበሮ ኣብ መዝገብ ሒዙ ይከታተሎም ከም ዘሎን ተፈሊጡ።

ብመሰረት’ቲ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ዝተዋህበ ግምት፡ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትሕቲ ሓያል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ስለ ዘለዉ፡  ንከም ውድድር ዓለምለኸ ኣትለቲክስ ሻምፒዮና ዝኣመሰሉ ኣጋጣምታት ከም መሕተቲ ዑቕባ ከም ዝጥቀምሎም ርዱእ እዩ።

ኣስማት ናቶም ብዛዕበኦም ዋላ ብደረጃ ፖሊስ ሓበሬታ ዘይተረኽበ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ዓንደ ፊልሞን  ወዲ 24 ዓመት፡ ሃብቶም ሳሙኤል ቀለታ ወዲ 18 ዓመት፡ በርሀ ኣስገዶም ንጉሰ ወዲ 44 ዓመት (ኣሰልጣኒ)፡ መርሃዊ መብራህቱ ተወልደብርሃን ወዲ 18 ዓመትን ሃይለስላሴ ተኽለሃይማኖት የማነ ወዲ  24 ዓመትን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስፖተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ መብዛሕትኦም ዘይምለሱ ምዃኖም ዝተለምደን መግለጺ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭቆና ምዃኑን ዝተፈልጠ እዩ።

PFDJ Festival 1እቲ ኣብ ሃገር ሽወደን፡  ካብ ከተማ ስቶክሀልም ንወገን  ሴሜን ጃርቫ ኣብ ዝበሃል ህዝባዊ መናፈሲ/ፓርክ  ክካየድ ተመዲቢ ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ ስካንድንቪያን፡  ሓያል ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/Eritrea Hub ሓቢራ። ኣብዚ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ፈስቲቫል፡ ኣወል ስዒድ ዝተባህለ ኣንጻር ህዝቢ ዘለዓዕል ዕሉል መሳርሒ ህግደፍን  ኣማኻሪ ፖለቲካ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወቂ የማነ ገብረኣብን ኣብቲ ኣጋጣሚ  ዝሳተፉ ዕዱማት ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ብግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ ህዝባዊ መእከቢ ኣዳራሽ ተኻርዩ ፈስቲቫል ከካይድ ክፍቀደሉ ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና፡ ብትሕሓዝ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ከምዚ ዓይነት መደብ ፈስቲቫል ዘውጽእ ዘሎ፡ ንጋዜጠኛ ኤርትራዊ ሽዊደናዊ ዳዊት ይስቕ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሰቐየ እንከሎ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ ተቓውሞ “ብሩህ መጻኢ” ዝተባህለ ኤርትራዊ ጉጅለ መሪሕ ግደ ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ናይ ብዙሓት ተቓውሞ ዝዓደመ ናይ ፈስቲቫል ህግደፍ  ዛዕባ፡ ኣሳ ኒልሰን ዝተባህለት ኣብቲ ኣዳራሽ ዝርከበሉ ከባቢ ፖለቲከኛን ሕጽይቲ ከንቲባ ስቶክሀልምን ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዝተገደሱ ሓንቲ ነይራ። በዚ መሰረት፡ ብዛዕባቲ ንህግደፍ ክካረ ተሓሲቡ ዝነበረ ህዝባዎ ኣዳራሽ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓያል ተቓውሞ “ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ንሰርዞ፡ ንዓመታ ኣብቲ ቦታ ናይ ዲሞክራስያዊ ፈስቲቫል ከነካይድ ኢና”  ከም ዝበለት ተፈፈሊጡ።

ጉጅለ ብሩህ መጻኢ ብወገኑ፡ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ህዝባዊ መናፈስሲ/ፓርክ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ፡ ምስ ጠበቓታትን ናይቲ ከባቢ ሚድያታትን ምምኻርን ብኢመይልን ካልእ ኣገባብን ኣንጻርቲ ፈስቲቫል ሰፊሕ ወፈራ ምክያድን ዝኣመሰሉ ናይ ተቓውሞ ስጉምታት ወሲዱ። ኣብ መወዳእታ ከም ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ተቓውሞታት ናይቲ መናፈሲ/ፓርክ ምምሕዳር  ናይ መእከቢ ኣዳራሹ ንፈስቲቫል ህግደፍ ከካሪ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ፡ ተሳተፍቲ’ቲ ፈስቲቫል ናይ ማይ፡ ዓይኒ ምድሪን ሓይሊ መብራህትን ኣገልግሎት ንከይረኽቡ ከም ዝወሰነ ተሓቢሩ።

America and Russia 1ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሮም ኣኼባ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ናይ ምትእንጋድ መደብ ከም ዘለዋ ብ20 ሓምለ 2022 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምሕባሮም፡ ካብ ዋሽንግተን ተገሊጹ። ሩሲያ ብወገና ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስንዳእ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ።

እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ 13-15፡ 2022 ዝካየድ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ካብ ጸገም ውሕስነት መግቢ ጀሚርካ፡ ክሳብ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ንፍሪቃ ዝጋጥምዋ ዘለዉ ብደሆታት  ከም ዝዝቲ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡  መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቀጻሊ ተገዳስነት ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቀጻሊ ዝምድናን ምትሕብባርን ክሊቲኡ ኣህጉራት ዘመልክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ  ኣህጉራዊ መዳይ ዝህልዉ ሓባራዊ ቀዳምነታት ምትሕግጋዝ ንምልላይ ዘኽእል ምዃኑ  ጠቒሶም።

ብኻልእ ወገን ድማ ሩሲያ ነቲ ኣብ ወርሓት ሕዳር ወይ ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ንምድላው ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ምስ መገሻ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣፍሪቃ ተተሓሒዙ ተሓቢሩ። ላቭሮቭ ኣብዚ ሃገሮም ምስ ምዕራባዊ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ዝፈጸምቶ ወራር ኣብ ሕማቕ ዝምድና ዘለወትሉ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ ሃገሮም ኣብቲ ፍታሕ ንኣፍሪቃ ብኣፍሪቃ ዝብል መትከል ከም እትኣምንን ሰፊሕ መደብ ቁጠባዊ ወፍሪ ከም ዘለዋን ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 እዩ ተኻይዱ። ላቭሮቭ ኣብዚ ጉዕዘኦም ኣብ ግብጺ ምስ መራሕቲ ዓረብ ሊግ እውን ተራኺቦም እዮም።

እዚ ንርከበሉ  ዘለና እዋንዚ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓለምና ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓያላት ኣካላትን ብሓፈሻ ናብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቆላሕታ ዘርእይሉ ዘለዉ እዩ። ብዙሓት ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ቀጸለውቲ ኣካላት  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት ልኡኻት ይመዙ ምህላዎምን ኣኼባታት ኣሜሪካን ሩስያን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከኣ ነዚ  ዘርኢ እዩ።

ኤርትራ ኣብ ወራር ዩክረይን ብወግዒ ምስ ሩሲያ ዝወገነት እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ክንሳ፡ ኣብ ዝርዝር እተን  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ዝበጽሕወን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ኡጋንዳ ረፑብሊክ ኮንጎን ኣይተጠቕሰትን።

UN commissionብዓለምለኸ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዙ ኣባላት ኮሚሽን ክኢላታት ምርመራ ሰብኣዊ መሰል፡ 25 ሓምለ 2022 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ እሙናት ምንጭታት ገሊጾም። እቶም ሰለስተ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ክኢላታት፡ ኬንያዊት ካሪ በቲ ሙራኒ ኣደመንበር፡ ስሪላንካዊት ራድሂካ ኩማራስዎሚን ኣሜሪካዊ ስተቨን ራተርን ድማ ኣባላት እዮም። ናይዚ ኮሚሽን ክኢላታት ናብ ኢትዮጵያ ምምጻእ፡ ኣብታ ሃገር መስርሕ ምጽራይ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብኸመይ ከም ዝካየደ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ንኣገባብ ኣብ ዝምልከት ንምዝርራብ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ናይ ምምርማር ሓላፍነት ዘለዎ ኮሚሽን ክኢላታት ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ኣቚምዎ። ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውግእ ትግራይ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ዓለምለካዊ ሕግታት ብኹሎም ወገናት ብዛዕባ ምጥሓሶምን ዘይምጥሓሶምን  ክምርምር እዩ።

እዚ ኮሚሽን ክኢላታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝምልከት፡ ብ30 ሰነ 2022 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ናይ ቃል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።  ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ክኢላታት ኣብቲ ዘቕረብኦ ናይ ቃል ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ምህላዉ ሓቢረን፡ ብፍላይ ናይ 18 ሰነ 2022 ፍጻመ ቅትለት ኣማኢት ሰቪላት ምዕራብ ወለጋ ንኣብነት ጠቒሰን። ኣተሓሒዘን ከኣ ኣብቲ ጸብጻበን ዓሌት መሰረት ጌርካ ዝቐርቡ መደረታትን ጐስጓሳትን ዘርኣውን ጾታውን ፍልልያት ፈጢሮም ናብ ዝገደደ ገበን ዝወስዱ ምዃኖም ኣጠንቂቐን። ናይ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ሰብኣዊ ቀረባትን ዕጽዋታት ድማ ቅልውላው ዘጋድዱ ምዃኖም ዘርዚረን።

 

ኣብ መወዳእታ እተን ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ስራሕ ምጅማር ጠቒሰን፡ ክሳብ ሕጂ ብሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበረሉ ዘሎ ምትሕብባር ኣውንታዊ ምዃኑ ሓቢረን። ኣብ መጀመርያ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምዛዝ እዚ ኮሚሽን ተቓዊሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ ኮሚሽን ክኢላታት 30 ሓምለ 2022 ብዛዕባ ጉዕዘኡ ናብ ኢትዮጵያ መግለጺ ከውጽእ ትጽቢት ኣሎ።

ሃገርና ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ንዝተመዙ ኣካላት ዕጽውቲ ምህላዋ ዝዝከር እዩ።

ethiotigrai 1

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ነቲ ካብ ዝባራዕ ክልተ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ውግእ፡ ብዘተ ክፈትሕዎ ብመትከል ቅሩባት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ብናይ ዜና ማዕከናቶም ይገልጹ ኣለዉ። በዚ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ 7ተ ዝኣባላታ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን እትምእከል ነቲ መስርሕ ዘተ እትመርሕ ኣካል ከም ዘቖመን ስረሓ ከም ዝጀመረትን ኣፍሊጡ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ንዘተ ድልዊ ምዃኑን ኣባላታ’ኳ ብኣስማት ተዘይተገልጹ ተመሳሳሊት ኣካል ኣቚሙ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ፡ መዓስ ከም ዝጅመር ብንጹር ኣይተፈልጠን። ብዘይካዚ መን ከም ዘዛትዮምን ኣበይ ከም ዝዛተዩን ከሎ ጌና ዘሰሓሕቦም ኮይኑ ዘሎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘዛቲ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እቲ ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ከኣ ታንዛንያ ከም ዝኸውን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ዘዛቲ ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታን ካለኦት ተዓዘብቲ ዝርከብዎን ኮይኑ፡ ኣብ ናይሮቢ ክኸውን ምርጫኡ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ። እዚ ፍልልይ እዚ ኣብቲ ቀንዲ ቁምነገር ቅድሚ ምብጸሖም ዘሰሓሕብ ቅድመ-ኩነት ኮይኑ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር እዩ ዝካየድ ዝብል ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ።  እዚ በቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኢትዮጵያ ክልተ ሰራዊት ምክልኻል ኣይህሉን ብዝብል ናብ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝዓለመ ስለ ዝኸውን፡ ናይቲ ዘተ ናይ ምዕዋት ዕድል ካብ ዘጽብቡ ሓደ ምኽንያት ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ከባብታት ራያን ወልቃይትን ብዝምልከት ብወገን ክልል ትግራይ ናብ ዘተ ዘይቀርብ ኣካል ምምሕዳር  ትግራይ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ምምሕዳር ትግራይ ክምለስ  እዩ ዝብል ተሪር ቅድመ-ኩነት ኣሎ። ብወገን  ኣምሓራ ከኣ ጉዳይ ክልቲኡ ከባብታት ውዱእ እዩ፡ ራያን ወልቃይትን ናብ ትግራይ ክምለስዩ እዩ ማለት ዘበትዩ ዝብል መደምደምታ ስለ ዘለዎ፡ ካልእ ንምዕዋት እቲ ዘተ ዘጸልምት እዩ ተባሂሉ ዝፍራሕ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይኑ ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ውግእ ኮይነን ዝጸንሓ ክልላት ኣምሓራን ዓፋር ነብሰን ክኢለን ክሳተፋ ዝብል ርኢቶ ኣሎ። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ’ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግይን 3ይ ወያነ ትግራይን ዝታባህላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ብተደጋጋሚ የውጸአኦም ብዘለዋ መግለጽታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ በይኑ ክዛተ ሕጋውነት የብሉን ዝብል መርገጻተን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ብዙሓት ነዚ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘቡን ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደሱን ከም እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውት ዝኣመሰሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ምትእምማን ኣብ ዘይተፈጥረሉ ይእቶ ስለ ዘሎ፡ ኣጸጋምን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ከም ዝኸውን ግምታቶም ይህቡ ኣለዉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ነዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝግበር ዘተ ንምትብባዕ ካብ 25 ሓምለ 2022 ጀሚሮም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሾም ኣለዉ። ብዘይካ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እውን ክበጽሑ እዮም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ወጥሪ ምስ ተፈጥረ ኮነ፡ ናብ ደረጃ ውግእ ምስ ተሰጋገረ፡ ናይቲ ጸገም መፍትሒ ዘተን ልዝብን ጥራይ ምዃኑ፡ ከተንብህ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።