EPDP News

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሓድሽ ምዕባለታት ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ምቅርራብ ድማ ብፍላይ፡ ብሓደ ሸነኽ ተስፋን መጐስን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሻቕሎትን ምጥርጣራትን ፈጢሩ ከምዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ምፍትሑ፡ ተቓወምቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ምፍቃዱ፡ ናይ ህጹጽ ኣዋጅ ኵነት ምልዓሉ፡ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምቕባሉን ዶባት ተኸፊቶም ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ክራኸቡ ምኽኣሎምን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹን ንህዝብታትን መንግስታትን ዓለምና ዓቢ ተስፋ ዘሕደረ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጂ ግርም ኰነ ዝተባህለሉ ወቕቲ ኢዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ’ዚ ተስፋ’ዚ ተበጊሱ፡ ልክዕ ከም ኢትዮጵያ፡ እሱራቱ ክፍትሑ፡፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርክቡ ደቁ ናብ ትምህርቶም፡ ናብ ስርሖም፡ ናብ ወለዶም ክምለሱ፣ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል፣ ተቓወምቲ ስርዓት ኢሳያስ ናብ ሃገሮም ክምለሱ፣ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ክዀነሉ ኢዩ ነይሩ ትጽቢቱ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ ደገፉ ንመስርሕ ሰላም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝገለጸ። እንተዀነ ግን፡ ትጽቢታቱ ስለዘይተፈጸመሉ ወይ ክፍጸም ምዃኑ ዝእምት ምልክት ስለዝሰኣነሉ፡ እቲ ኣሕዲርዎ ዝነበረ ተስፋ ብእንብኡ ክበንንን ክሃፍፍን ናይ ግድን ኰይኑ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ደጋጊሙ ዘቃልሖ “ምድማር” ዝብል ዘይብሩሁን ዘይንጹርን ክለሳ-ሓሳብ፡ ሰባት ከከም ድላዮም ንኽትርጕምዎ ዕድል ዝህብ ኢዩ ኰይኑ ተረኺቡ። ገለ synergy ወይ ምውህሃድ ኢሎም ተርጕሞሞ፣ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከኣ፡ ኤርትራ ናብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ትምለስ ኣላ ዝብል ትርጕም ክህብዎ ከለዉ፣ ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ንኢትዮጵያውያን እምበር ንኤርትራ ኣይምልከትን ኢዩ ዝብል ትርጉም ክህብዎ ተራእዮም ኢዮም። ነዚ ኵሉ መዕረፊ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ምዃናን እቲ “ምድማር” ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ከምዘይኰነን ከብርህዎ ሓላፍነቶምን ግዴታኦምን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ብግርህነት ድዩ ወይስ ብሸርሒ ኣይገበርዎን።

ዶር ኣብዪ ብኣንጻሩ፡ ደቅና፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ጅቡትን ኣርባዕተ ዘይኰኑስ፡ ሓደ መራሒ፡ ሓደ ሰራዊት፡ ሓደ ኣርማ፡ …ወዘተ ዘለዋ ሃገር ክርእዩ ኢዩ ትምኒተይ ብምባል፡ ነቲ ድንግርግር ዝያዳ ከምዝዓሙቕ ኢዩ ገይርዎ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ጅቡትን 3 ኤምባሲታት ክህልወን መባኸኒ ገንዘብን ጕልበትን ኢዩ ክብል ተሰሚዑ። ኣብ ርእሲ’ቲ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክገብር ኢየ ኢላ መደባት ምስርዓ፡ ንወደብ ዓሰብ ብሽርክነት ክጥቀምሉ ምዃኖም፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ዓሰብን ኣዲስ ኣበባን ናይ ጋዝ ቱቦ ክስራሕ ኢትዮጵያን ናይ ዓረብ ዓማራትን ንኤርትራ ዘይሓወሰ ስምምዕ ከም ዝገበራ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ናይ ኢትዮጵያ ኢና ሰሚዕናዮ።

እዚ ዅሉ ንልዑላውነት ሃገርና ዘሸራርርፍ ከይከውን ሻቕሎት ኣሎና። ልዑላውነት ናይ ሃገር ብሓድነት መሬቱ ወይ ዶባቱ፡ ናጽነት ርእሰ-ውሳኔኡ፡ መለለዪ ባንዴራኡን ሕገ-መንግስቱን ኢዩ ዝልለ። ከም’ዚ ስለዝዀነ ድማ ኢዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ሰበስልጣን ኢጣልያ ንወደብ ምጽዋዕ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ንምህናጽ ዝገበሮ በይናዊ ስምምዕ፡ ዘዛርብን ዘዋጥጥን ዘሎ። መራሒ ካልእ ሃገር ኣብ ክንዲ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኰይኑ ክሰማማዕን ክኽትምን በየናይ መንገዲ ዝረኸቦ ውክልና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ መራሕቱ ባዕሉ ደኣ ክመርጽ ኣለዎ እምበር መራሕቱ  ካልኦት ናይ መጕዚት መራሕቲ ክመርጽሉ ሓላፍነት ዘሰከሞም ኣካል የለን።

ናጽነት ኣብ ሃሃገርና ብግቡእ ከየስተማቐርና፡ ኣብ ሃሃገርና ዲሞክራሲ ሱር ከይሰደደ፡ ሓድነት ህዝብታትና ብኤትኒካዊ ምስሕሓባት ተበጣጢሱ: ህዝብታት ኣብ ስደትን ምፍንቓልን ምቅትታልን ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ነጢርካ ናብ’ቲ ናይ ሃገራት ኣውሮጳ ዝመስል ሓድነት ከተቋምት ምፍታን ግዜኡ ዝሓለወን ምስ ክውንነት ዝሳነን ትልሚ ይኹን ሓሳብ ኣይኰነን።

ገለገለ ምሁራት ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ሃይለስላሰ ንፈደረሽን እንተዘየፍርሶ፡ ኤርትራ ኣይምተገንጸለትን ነይራ፤ ኣብ ሜዳ ኤርትራ እንከለኹ፡ ምስ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ፈደረሽን ኮንፈደረሽን ንዘራረብ ኔርና ኢና። ዕልዋኹም ጥራሕ ይተዓወት እምበር ዘይከኣል ኣይኰነን ይብለና ነይሩ ክብሉ ተሰሚዖም ኢዮም (ሻለቃ ዳዊት ወልደገርጊስ)። እዚ ምስ’ቲ መስፍን ሓጐስ ብዛዕባ’ቲ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ለካቲት 1991 ኣብ ዝጸውዖ ኣኼባ ናይ ገለ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር፡ (ሓው መስፍን ሓጐስ እውን ዝተኻፈሎ ማለት ኢዩ) ኢሳያስ፡ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸውን ዝነበሮ መደብን ባህግን ንምዕዋት ዝገበሮ ጻዕሪ ዋላ’ኳ ተቓውሞ ረኺብዎ እንተፈሸለ፡ እቲ ሓሳብ ምህላዉ ግን ንሻቕሎትና ብዝያዳ ኢዩ ዘበርኾ። ህዝቢ ኤርትራ ጌና ናጽነቱ ከየስተማቐረ እንከሎ፡ ኢሳያስ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ደሚሩ ክመርሕ ይሓስብ ምንባሩ ምስማዕና ኣዝዩ ዘስደመመና ጕዳይ ኢዩ ነይሩ። እዚ ንባዕሉ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ምእንቲ ስልጣኑ ክብል ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ዋላ ንልዑላውነት ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘአቱ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሕር ከምዘይብል ኢዩ ዝእምት። ትማሊ ዝነበረ ሕልሚ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዘይህልወሉ ወይ ዘይቅልቀለሉ ምኽንያት የለን።

ውልቀ-መላኺ ኤርትራ ንህዝቢ ከዐሹ ብዶብ ንኣስታት 20 ዓመታት ክግዕር ምጽንሑን ሎሚ ብጒዳይ ዶብ ፍጹም ተገዳስነት ዘይምርኣዩን ዘስደምም ኢዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብይን ኮሚሽን ብዘይ ቅድመ ኵነታት ክንትግብሮ ኢና ዝበሎ መብጽዓ ቀለሙ ከይነቐጸ እንከሎ፤ ናይ ዶብ ሕቶ እኳ ንዓና ካልኣዊ ኢዩ… ብዛዕባ ዶብ እኳ ኣይተዛራረብናን ምባሉን፡ ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ንመብጽዓኡ ዘይምፍጻሙን ድማ፡ ካብ’ቲ ንህዝብና ኰነ ንዓና ዘሻቕል ዘሎ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት ኢዩ።  

ከምኡ’ውን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ ካብ ዘረባኡ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ። ካብ ሕጂ ጀሚረ፡ ሓሓሊፈ ኣብ ገለ መድረኻት ንኤርትራ ዝምልከት ጕዳይ ክዛረብ እንተሰሚዕኩምኒ ጋን ከይኰነኩም ወይ ውን እንታይ ኢዩ ዘይስርሑ ዝሰርሕ ዘሎ ከይትብሉ ምእንቲ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጕዳይ ኰይነ ክሰርሕ ስልጣን ሂቡኒ ኣሎ። ኢሉ ነይሩ።

ኢሳያስ ድማ፡ ንዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ “ኣነ ደጊመ፡ ደጋጊመ ኢለካ ኣለኹ፡ ገለ ነገር ዝግበር እንተሎ ወኪል ንስኻ ኢኻ ትመርሓና። ንቃል-ዓለም ኢለ፡ ወይ ንዕኡ ከሐጕስ ኢለ፡ ወይ ዘረባ ክጥዕመኒ ምእንቲ ኢለ ዘይኰነስ፡ ናይ ብሓቂ እዚ ሕጂ ህይወት ኣልቢስና ንገብሮ ዘለና ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይ ልምዓት ናይ ገስጋስ ናይ ዕበየት መደባትና ሓደ ካብቲ ካልእ ዝፍለ ኣይኰነን። ነዚ ከኣ ዶር ኣብዪ ኣብ’ዚ ኣሎ ክመርሓና ኢዩ” ኢሉ። ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣቶ  ዑስማን ሳልሕን ፕረሲደንታዊ ኣማኻሪ፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብን እውን  ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ብጽሖት ኣብ ዝገበርሉ እዋን፡ ዶር ኣብዪ መራሒና ኢዩ ክብሉ ተሰሚዖም ኢዮም። እዝስ ኣየሻቕልን’ዶ?!!!!

ስለ’ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ካብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ መገዲ ባቡር፡ ምስ ሰበስልጣን ዓዲ ጣልያን ተራኺቡ ብዘይ ህልውና ወከልቲ ኤርትራ ክሰማማዕ ምኽኣሉ፡ ብሓቂ ውክልና ተዋሂብዎ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ኢዩ። እዚ ድማ፡  ንልዑላውነት ኤርትራ ዝዳፋእ ሓደገኛ ክስተት ኢዩ። ደገፍቲ ስርዓት ኣስመራ፡ ነዚ ተረኽቦ’ዚ ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ንምሕዳር ኢሉ ኢዩ፡ ንኣኽብሮት (courtesy) ኢዩ እናበሉ ከመሳምስሉ እኳ እንተፈተኑ፡ ኢሳያስ ግን፡ ባዕሉ ንቃል-ዓለም ኢሉ ከምዘይተዛረቦ ኢዩ ብንጹር ኣገባብ ገሊጽዎ ኢዩ። ናይ ወጻኢ ጕዳይ ሚንስተር፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ፕረሲደንታዊ ኣማኻሪ፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብን እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበርዎ ብጽሖት ንዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ መራሒና ከምዝበልዎ ዝዝከር ኢዩ።

ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታትና ትምህርቲ ክንቀስም እንተዘይክኢልና፡ ትማሊ ንዝተገብረ ጌጋታት እናደጋገምና ክንነብር ኢና ማለት ኢዩ። ኣብ መንጐ ብመለስ ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢህወደግን ኣብ መንጐ ስርዓት ኢሳያስን ድሕሪ ሪፈረንደም ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቍጠባዊ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ተኸቲሙ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ጕዳይ ዶብ፡ ልክዕ ከም’ዚ ሕጂ ዝብሃል ዘሎ፡ ዶባትና ናብ ትርጕም ዘይብሉ ብርኪ ክሰጋገር ኢዩ ተባሂሉ ብዙሕ ተዘሚሩ ኢዩ። ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ከኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጐ ክልቲኡ መንግስታቶም ዝተገብረ ስምምዕ ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበሮምን።

ሎሚ ድማ፡ ስምምዕ ጌርና ክብሉ ንሰምዕ ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ዝርዝር ስምምዓት ግን የለን። ጕዳይ ዶብ ቀዳምነት ንህቦ ኣይኰነን፡ ብዛዕባ ዶባት ዝገበርናዮ ዝርርብ የለን እናተባህለ ክዝረብ ንሰምዕ ኣለና። ጕዳይ ዶብ ክሳብ ክንድ’ዚ ንኡስ ጕዳይ እንተደኣኰይኑ፡ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንኽልቲኡ ኣህዛብ ናብ ውግኣ ኣእትዩ ክሳብ 70,000 ዝዀኑ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ዝተቐዝፍሉ ምኽንያት ክኸውን ዝኸኣለ?!!! ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ኣብ 1998 ዘጋጠመ ኵነታት ክድገም ኣይኰነን ኢልና ደቂስና ክንሓድር ዘኽእል ዋላ ሓንቲ ውሕስነት የብልናን። ኣብ መንጐ መራሕቲ ዘይምስምማዕ ምስ ዝፍጠር፡ ምስምሳት ፈጢሮም ተልዓል፡ ተኣንጐት ኢሎም ንክልቲኡ ኣህዛብ ዋጋኡ ከኽፍልዎ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታኡን ምሕጽንታኡን የቕርብ።

1.   ኣብ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ወተሃደራዊ መደበራት ክህሉ ይኹን ንልዑላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ሽርክነታትን ስምምዓትን ምፍጻም ብትሪ ንነጽግን ንቃወምን፤

2.   ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክውዕል ንጽውዕ፤

3.   ኣብ መንጐ ኤርትራን ካልኦት መንግስታትን ዝግበር ስምምዓት ንህዝቢ ኤርትራ ብግልጺ ክሕበሮ መሰሉ ምዃኑ ንኣምን፤

4.   ንልዑላውነት ናይ ኤርትራ ዝጣበቕን ዝሕሉን (watchdog) ናጻ ዝዀነ ሲቪላዊ ማሕበር ብሞያተኛታት ክቐውም ኣድላዪ ምዃኑ ነዘኻኽርን ብሸነኽና ዘድሊ ምትሕብባር ንምግባር ድልውነትና ንገልጽን፤

5.   ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ጐድኒ ጭቁን ህዝቦምን ልዑላውነት ሃገሮምን ደው ክብሉ ንጽውዕ፤

6.   ደለይቲ ፍትሒ ማዕረ’ቲ ህዝብን መድረኻዊ ዕማማትን ዝጠልቦ ሓላፍነት ክብ ብምባል ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ነዚ ሓድሽ ክስተታት ክመዝኑን ምስኡ ዝመጣጠን ስጕምታት ክወስዱን ነዘኻኽር፤

7.   ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብህጹጽን ብዘይ ቅድመ-ኵነትን ክፍትሑ ንጽውዕ፤

ፍትሒ ሰላምን ዲሞክራስን ዝነገሳ ናጻ ኤርትራ ንምህናጽ ንቃለስ

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

3 ለካቲት 2019

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብተን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ቃል ጸብጻብ  ዘቕርባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ተኸታታሊት ሰብእዊ መሰል ኤርትራ፡ ጓል ቺለ፡ ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ መዘክር ኣቕሪቡ። ኣብዚ መዘክሩ እዘን ሓዳስ ተኸታታሊት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይተዓጻጸፍን ጨቋንን ስርዓት ኤርትራ ጽኑዕ ምክትታል ክገብራ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።

እዘን ሓዳስ ክኢላ፡ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 25 ለካቲት ክሳብ 22 መጋቢት 2019 ኣብ ጀነቫ ዝካየድ መበል 40 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናይ መጀመርያ ናይ ቃል ጸብጻበን ክቕርባ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ብ31 ጥሪ 2019 ዝተላእከ ናይ ሰዲህኤ መዘክር፡ ኣብ ቅድሚ እተን ፍልይቲ ተኸታታሊት ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት፡ ምስቲ ካብ ኤርትራ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ጸገም ከቢድ ምዃኑ ከም ዝርዳእ ጠቒሱ፡ ምስቲ  ወኪል ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ኣካል ብዘይሕፍረት ብ28 ጥሪ 2019 ኣብ ኣድማሳዊ እዋናዊ መድረኻዊ ዳስህሳስ ዘቕረቦ መስሓቕን ጻዕዳ ሓሶትን ጸብጻብ ኣዛሚዱ ገሊጽዎ።

እዚ መልእኽቲ ናይ ቅድም ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ወይዘሮ ሸይላ ኪታሩዝ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ዋላኳ እንተዘይተተግብረ፡ ናይቲ ስርዓት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ምቅላዕን ሕብረተሰብ ዓለም ንውሳነታትን ለበዋታትን ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንከተግብር ኣብ ምድፋእን ንዘበርከቶኦ ኣስተዋጸኦ ኣመስጊኑ።

መዘክር ሰዲህኤ፡ እዘን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብባይቶ ሰብእዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት  ዝተመዘዛ ወይዘሮ ክራቨትዝ፡ ኣብ መጻኢ ግዜአን ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ደረት ዘየብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል  ክውገድን ተሓታትነት ክሰፍንን ኣብ ምግባር ክዕወታ ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ።

 ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ፡  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ሓቢሩ፡   ነዚ ኣሰቃቒ  ኩነታት ሰብኣዊ መሰል  ኤርትራ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምምጻኡ ንክዕወታ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ክተሓባበር ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ።

Under a mechanism called UPR (Universal Periodic Review), UN member states report every five years  to the UN Human Rights Council  on what actions they have taken to improve the human rights situations in respective their countries in fulfilling their human rights obligations. They also mention the challenges they faced while trying to take action. When its time came to present something in the afternoon of 28 January, the Eritrean regime – represented by the same old Ambassador Tesfamichael Gerhatu - had no factual achievements to report. Instead, regime representative had to go back to the same old bald lies presented in its previous two UPR reports.

Eritrean Regime Continued its Limitless Lies at UPR reporting 1

If any, what one would call “successes” it had to report included the signing of the Ethiopian Prime Minister’s initiative for peace accord, and the UNDP-UNICEF projects for children and women in Eritrea. That was all. Almost none of previous recommendations were achieved.

Unsatisfied with what Eritrea had to report, member countries listed additional 261 recommendations for the Asmara regime to act towards improving human rights in Eritrea. These were in addition to the myriad recommendations of the Council and the UN Special Rapporteur which were not acted upon.  

Many of the 89 member states that made statements during the session, did not find it useful to repeat their old critical viewpoints and strong condemnations of the failures of the Eritrean regime, and instead “praised”  the peace accord with Ethiopia and listed their sharp recommendations.

The usual Eritrea supporters like North Korea, Myanmar, China, Russia, Syria, Saudi Arabia, the Sudan and Pakistan praised the “Eritrean government for its endeavors despite many challenges.” None of them could mention those non-existent endeavors.

The working group meetings of this 32nd session of the UPR mechanism were held between 21 January and 1 February. The UN Human Rights Council will hold its 40th session between 25 February to 22 March 2019 during which time the new UN Special Rapporteur for Eritrea, Ms. Daniela Kravetz, is expected to report of what she had done since her election to the post last October.

****

Eritrean Regime Continued its Limitless Lies at UPR reporting 2While serving as a humanitarian law expert on the Security Council mandated Panel of Experts on the Sudan from 2016 to 2018, Ms Kravetz conducted fact-finding missions to the Sudan and regional countries to investigate alleged violations by the parties to the conflict. Previously, she worked for over twelve years at the UN International Criminal Tribunal for the former Yugoslavia, first as a law clerk in Chambers and later as a prosecutor in the Office of the Prosecutor. Her prior experience includes working as a human rights officer in the UN Mission in the Democratic Republic of Congo.

Ms Kravetz has specialized in providing technical assistance and training to domestic institutions on the promotion of women’s rights, working as a consultant on projects aimed at addressing gender-based violence in several countries. She has served as international human rights and gender expert before the Inter-American Court of Human Rights, and is currently on the roster of international amicus curiae of the newly established Special Jurisdiction for Peace in Colombia. She is a graduate of the University of Chile (Chile) and the Catholic University of Louvain (Belgium). She was called to the bar in Chile in July 1996.

Mandate by the Human Rights Council

Human Rights Council resolution 35/35 extended the mandate of the Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea and requested the mandate-holder to continue as appropriate the follow-up on the implementation of the recommendations of the Commission of Inquiry on human rights in Eritrea and her recommendations in her report, and to submit a and present a written report to the Human Rights Council at its thirty-eighth session, and to address and engage in an interactive dialogue with the General Assembly at its seventy-second session.

Individual complaints

In the discharge of her mandate, the Special Rapporteur on Eritrea has developed the information sheet below to facilitate the submission of information. Although communications are also considered when they are not submitted in the form of this model questionnaire, the Special Rapporteur would be grateful for receiving information tailored to her mandate. The objective of this questionnaire is to have access to precise information on alleged human rights violations in Eritrea. If any information contained in the questionnaire should be kept confidential please mark “CONFIDENTIAL” beside the relevant entry. Please do not hesitate to attach additional sheets, if the space provided is not sufficient.

Should you have any questions concerning the completion of this form, please feel free to contact the Special Rapporteur.

The questionnaire (English, Arabic, Tigrinya) should be filled out and sent to:
Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea
c/o Office of the High Commissioner for Human Rights
United Nations at Geneva
8-14 avenue de la Paix
CH-1211 Geneva 10
Switzerland
Fax: (+41) 22 917 90 06
E-mail: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. or This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. (then please include in the subject box: Special Rapporteur on Eritrea).

New UN Special Rapporteur for HR in Eritrea to Present Her First Oral Report Soon

In a good-wishes memorandum to the new UN Human Rights Special Rapporteur for Eritrea, Ms Daniela Kravetz of Chile, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) expected her and the UN system to keep under close scrutiny the repressive and inflexible  regime in Asmara.

The new UN expert is expected to present her first oral report in a few weeks' time on the human rights situation to the 40th Session of the UN Human Rights Council due to meet in Geneva between 25 February and 22 March 2019

The EPDP message, dated 31 January, said it fully appreciate the difficulties ahead for her, difficulties that are compounded by her not having access to Eritrea in addition to the and "the blatant lies of the regime, as witnessed in the laughable contents of the third Universal Periodic Review (UPR) report the regime representative shamelessly presented to the UN Human Rights Council on 28 January 2019."

The message alluded to the 6-year long hard work of her predecessor, Ms Sheila Keetharuth, who scored successes in recording the excessive abuses of the Eritrean regime in addition to her unachieved work to "encourage and mobilize the international community to push for the implementation of the resolutions and recommendations of the UN Human Rights Council."     

The EPDP memo hoped that Ms Kravetz, who was appointed by the UN Human Rights Council last October, would succeed in helping to stop the ongoing heinous human rights violations in the country by ensuring accountability for those responsible for serious human rights violations in Eritrea.  

The message concluded by stating that the EPDP alongside other Eritrean justice seekers are committed to do what is possible to help her mandate succeed in facing the "challenging tasks" of changing to the better the sad human rights situation in Eritrea

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ፓርላማን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ጀርመን ኣብ ዘቕረቦ መዘክር፡ ጀርመን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምለስ ከተካይዶ ንዝጸንሐት ቅኑዕን ቀጻልን ጸዋዒት ዓሚቕ ምስጋናኡ ገሊጹ። ናይዚ መዘክር ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ጀርመን እውን  ተላኢኹ እዩ።

እዚ መዘክር ብ25 ጥሪ 2019 እዩ ናብ ፈደራላዊ ፓርላማ ጀርመን ብናይታ ሃገር ፕረሲደንት ሆን ዎልፍጋንግ ስቻውብለ፡ ናብቲ መንግስትቲ ድማ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሀይከን ማስ ኣቢሉ ተላኢኹ። ኩሎም ኣንጻር ወልቀ ዲክታተር ኣብ ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለዉ ወገናት፡ በቲ ፓርላማ ጀርመን ብ17 ጥሪ 2019   ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ሓድሽ ዝምድና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምለስ  ዝጠልብ ዝወሰኖ ውሳነ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝተቐበልዎ እዚ መዘክር ኣስፊሩ።

እዚ “ኤርትራዊ መልእኽቲ ምስጋና” ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ መዘክር ሰዲህኤ ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ ፓርላማን መንግስትን ጀርመን  ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ከጨንቕ ዝጸንሐ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ማሕበራዊ ፖለቲካውን ሰብኣውን ኩነታት እንተዘይቀይርዎ፡ ምስ ኤርትራ ናይ ልምዓት ምትሕብባር ከምዘይቅጽል ብምግላጹ ተስፋ ከም ዝገበሪ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ናይ ጀርመን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሀይኮ ማስ ዝገለጽዎ ዝተቐየረ የብሉን። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ደጊፎም፡ (ተኣምራዊ) እውን ኢለምዎ ነይሮም። እዚ  ለውጢ ኣብዚ ዞባና ከም ዝሰፍሕ እውን ተስፋ ነይርዎም። እንተኾነ ብዛዕባዛ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሓድሽ ናይ ለውጢ እስትራተጂ ዘየብላ  ኤትራ ሻቕሎት ነይርዎም እዩ።

እዚ መዘክር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ 2018 ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ኣቶ ገርድ ሙለር ሚኒስተር ዕቤት ጀርመን፡ ንኣካላት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከይተቐየረ ኤርትራ ካብ ጀርመን ሓገዝ ኣይክትረክብን እያ ንዝበልዎ እውን ኣዘኻኺሩ።

EPDP Pays Gratitude to Germany 2

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እቲ መዘክር ናይ ጀርመን ወግዓዊ ምንጭታት፡ ጀርመናዊ በዓል መዚ ሚቻአለ ሙንተርፈሪንግ ኣብዚ ቀረባ እዋን  ናብ ኤርትራ ከም ዝገሻ ከም ዝሓበረ ብምጥቃስ፡ እተን ጀርመናዊት በዓልቲ መዚ ኤርትራ ናይዚ ከባብያዊ ናይ ዕቤት ዕድል ተጠቃሚት ክትከውን ንሓለፍቲ ኤርትራ ንክደፋፍእዎም ጸዊዑ።

.መንግስቲ ጀርመን ኣብ ልዕሊቲ ዘየናሕሲ፡ ኩሉ ዝፈልጦን ቀጻልን ስቓይ ዝፍጽም ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ እተካይዶ ዘላ ድፍኢት ኣብ ፍረ በጺሑ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ከብቅዕ ትስፍው ምዃኑ ገሊጹ።

In a memorandum addressed to the presidium of the German Bundestag and the Foreign Ministry, the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) expressed its “most profound gratitude for Germany’s consistent and correct stance towards the regime in Eritrea”. The memorandum was copied to the international secretariats of CDU/CSU; SPD; Alliance 90/The Greens; FDP and the German Left.

Sent on 25 January 2019 to the German Federal Parliament (the Bundestag) via its president, the Hon. Wolfgang Schäuble, and to the German Government through Foreign Minister Heiko Maas, the memorandum stated that all Eritreans opposed to the

one-man dictatorship in Asmara have warmly welcomed the 17 January 2019 decision of the German Bundestag that strongly supported not only the peace process between Eritrea and Ethiopia but also Germany’s demand for the urgency of normalization of the alarming situation in Eritrea.

Entitled “Eritrean Message of Gratitude”, the memorandum stated that the vast majority of Eritreans are encouraged to note that the German Federal Parliament and Government are committed to never resume “development cooperation with Eritrea” before that rogue regime addresses the “disquieting political, social and human rights issues” that disrupted normal life in the country for quarter of a century.

It further stated that situation in Eritrea is still as it was described by Foreign Minister Heiko Mass. In his address to the German Bundestag last 12 October, Mr. Mass hailed the bold reforms started in Ethiopia that he termed “an African Miracle.” He hoped that that a “reform euphoria” would influence the rest of the region, but added his disappointment with Eritrea where there is still “no strategy to indicate how an orderly opening up within the country could look”.

The EPDP memo also thankfully recalled the August 2018 visit to Eritrea of Mr. Gerd Muller, the German Development Minister, who then sternly told Asmara regime representatives that Germany shall NOT be expected to support Eritrea until the unacceptable situation in the country is changed.        

EPDP Pays Gratitude to Germany 2

Meanwhile, the memo cited recent official German sources informing that German State Minister Michele Müntefering is due to pay a visit to Eritrea soon and pledged she will ask the authorities in Asmara “to seize the opportunity offered them by developments” in the region.

The EPDP memo concluded by hoping that the pressure Germany is putting on the callous Asmara regime will bear fruit in the near future and alleviate the prolonged and untold suffering in Eritrea.

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብዙሕነትና ዝወለዶ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ክህልወና ነውሪ ኣይኮነን። ነውሪ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ሃብቲ እውን እዩ። ሃብትን ጌጽን ዝኸውን ግና ከነመሓድሮ እንከለና እዩ። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ብክኢላ ክወሃሃዱ እንከለዉ ናይ ሓባር መሳጢ መልክዕ ከም ዝህልዎም፡ ናይ ሓሳብ ብዙሕነት እውን ብምጽውዋር፥ ምክእኣልን ቀዳምነታት ብምስራዕን ክመሓደር እንከሎ፡ ዓቕሚ መልክዕን ግርማን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዙሕነት ስሙ ከም ዝሕብሮ ንኣማራጽታት ዕድል ስለ ዝኸፍት ዝሓሸ መዋጽኦ ክትረብ ናይ ምርጫኣፍደገ ዝኸፍት እዩ።

ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ወይ ፍልልይ ጸጋ እዩ ክበሃል እንከሎ ብፍንው ዝተሓዝ ኣይኮነን። ኣብ ጉዳይ ሃገር ክንፈላለየሎም ዘይብልና ዛዕባታት ኣለዉና። ኤርትራውያን ኣብታ በጃ እንሓልፈላ ኤርትራን ህልውነኣን ፍልልይ ክህልወና ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንዓኣ ምስ ኣውሓስና ኢና ብዛዕባ፡ ልዕልናኣ፡ ታሪኻ፡ ዕቤታ፡ ፍትሓውነታ፡ ክብራን ጸጋታታን ክንዛረብን ክንቃለስን እንኽእል። ኣብ ልኡላዊ ህልውናኣ እንተዘይኣትኪልና ግና፡ ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል ኩሉ ብዛዕባኣ እንብሎን እንሓልዮን እንተፈታሕካስ ጥራሕ ቁጻር ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ኣብ ልኡላውነታ እንተ ተፈላሊና፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ኤርትራዊ ክሊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይኮነ፡ ናይ ኤርትራውን ዘይኤርትራውን ፍልልይ እዩ ዝኸውን። እዚ ማለት ዝኾነ ናይ ሓባር እንብሎ ዘየብልና ኢና እንኸውን።

ብናይ ክሳብ ሎሚ ተረደኦና ፍልልይና ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሕድሕድና ኮነ፡ ፍልልይና ምስ ህግደፍ ኣብ ብኸመይ ኤርትራን ህዝባን ይርህዎም ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-መላኺ ጭቆና ክትመሓደር ክድግፍ እንከሎ፡ ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ከኣ ብኣንጻሩ ኤርትራ ልዕልና ህዝባ ዝረጋገጸሉ ብሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲ ክትመሓደር ይግበኣ ኣብ ዝብል ሰፊሕን መሰረታውን ፍልልይ ኢና ክንጐዓዝ ጸኒሕና። በቲ ካልእ ወገን ኣብ ሕድሕድ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝጸንሐን ዘሎን ፍልልይና፡ ኣብቲ ህግደፍ ዘይቅበሎ ልዕና ህዝብን ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራስያያዊ ምምሕዳር እንዳተረዳዳእና፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ግና ክንፈላለ ጸኒሕናን ኣለናን። እዚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ፍልልይ፡ ዝፈላልን ዘሰማምዕን ኣነጺርካን ቀዳምነትካ ሰሪዕካ ናይ ምሓዝ ድኽመትና ኣጋዲድዎ እምበር፡ ከምቲ ምስ ህግደፍ ዝጸንሓናን ዘለናን ምጥምማት ሰፊሕን መሰረታውን ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ፡ ጸረ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ጸረ ዲሞክራስን ጸረ ልዕልና ሕግን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብተዘዋዋሪ ከርእዮ ዝጸነሖ ጸረ ኤርትራዊ ህልውና ኣካይድኡ የግህዶ ከምዘሎ ዝሕብሩ ምልክታት መመሊሶም ይጐልሑ ኣለዉ። ቅድም ጸረ ህዝቢ ካብ ኮነ ብዘይህዝቢ ኣሎ ዝበሃል ልኡላውነት ሃገር ትርጉም የብሉን ክንብል ጸኒሕና። ንህዝቢ ካብ ልኡላውነት ሃገር፡ ንልኡላውነት ሃገር ካብ ህዝቢ ፈሊኻ ምርኣይ ስለ ዘጸግም እቲ ንህግደፍ ጸረ ህዝቢ ብምዃኑ ብጸረ ሃገርነት ምኽሳሱ ብግቡእ ይጐልሕ ኣይነበረን። ሎሚ ግና ህግደፍ ነቲ ኤርትራዊ ልኡላውነት እውን ከምቲ ጉዳይ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ብግህዶ ይጥንጥኖ ኣሎ። ስለዚ ጠቕሊሉ ጸረ ህዝብን ጸረ ልኡላውነት ሃገርን ናብ ምዃን እዩ ዝስጉም ዘሎ።

እዚ ካብ ኮነ ኣብዚ እዋንዚ እንተደኣ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ንኣምን ኮይና ዝኾነይኹን ምስ ህግደፍ እንስለፈሉ ምኽንያት የብልናን። በዚ ምኽንያት ኢና ከኣ እቲ ደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምቲ ህግደፍን ብዝብል ከረሓሕቐና ዝጸንሐ መንደቕ ፈሪሱ፡ ኩልና ቅድም ምእንቲ ህልውና ደሓር ከኣ ምእንቲ ፍትሓውነትን ደሞክራስያውነትን ሃገርና ብሓባር ከነድምጽ ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ኣቲና ኣለና ንብል ዘለና። ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ምርጫታት ብንጹር ወይ ኤርትራን ህዝባን ወይ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፍእ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ዘይኮነስ ዕሉል መላኺ ውልቀ-ሰብ ኮይኑ ኣሎ። ምናልባት ደኣ “ክንዲ ብጹሕ ውሉድካ ኣይትምሓል” እዩ እምበር፡ ኤርትራዊ ኮይኑስ ካብ ንኤርትራን ህዝባን ምስ ክብሮምን መሰሎምን፡ ንሓደ መስዋእቲ ጀጋኑ ጠሊሙን ኣብ ጉዳይ ልኡላውነት ነቀይነቀይ ዝብል ዘሎ ሚዛኑ ዝሰሓተን ውልቀሰብ ዝመርጽ ኣሎ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።

ሎሚ መን ኣየናይ እዩ ምርጫኡ ተሓቢእካ ብምሕማይ ዘይኮነ ኣፍ ኣውጺእካ ኣብ መድረኽ ኣብ ዝኾነሉ ወሳኒ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። ትማሊ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣስመራ ተጠሊዑ “ደሓር ጋሻ ከይኮነኩም ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሓላፍነት ተዋሂቡኒ ኣሎ” ክብለና እንከሎ፡ ዘሰከፈና ኔርና። “ክላእ እዝስ ንጸወታ እዩ” ኢልና ብዘይስኽፍታ ዝሓለፍናዮ እውን ኔርና። ሎሚ እዚ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ተጠሊዑ ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ክወዓዓልን ክፈራረምን ክንዕዘብን ክንሰምዕን እንከለናኸ ዕሕሕሕ ኣይንብልን ማለት ድዩ። ናቱስ ዝሕሸሉ መተባህለ፡ ብወገን እቲ “መንግስቲ ኤርትራ እየ” ዝብል ወገን፡ ነዚ ብዝምልከት ዝስማዕ ድምጺ ዘይምህላዉኸ ንስኽፍታና ኣበሪኹ “እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ?” ክንብልዶ ኣይድርኸናን።

እዚ ምልክታት ምስቲ ብዝሑን ዝስመዓሉ ዘሎ መድረኻትን “ብጌጋ ዝበሃል ዘሎ ምላቑያ እዩ” ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ወይ “እዚ እሞ ዘይሕሰብ እዩ” ኢልካ ብምድዕዓስ ዝረአ ኣይኮነን። ኣብ ተመኩሮና ክኸውን ኢልካ ዘይገምትካዮ ክኸውን ኣይተራእየን ማለት ኣይኮነን። “እዚ ኩሉ መስዋእትነት ተኸፊልዎ ኣይመስለንን” እንዳበልካ ዝሕለፍ እውን ኣይኮነን። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ በታ ኣብ መወዳእታ እቲ ዳሕረዋይ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናይ 19 ሺሕ መንእሰያት መስዋእቲ ከፊልና ዝበለት ልሳኑ፡ ኣብ ኣደባባይ ብሓጐስ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ “ኣይከሰርናን” ክብልዶ ኣይሰማዕናዮን ኢና። ርግጸኛታት ኢና፡ ብፍላይ ደገፍቱ እዚ “ኣይከሰርናን” ዝብል ቃል ካብ ኣፉ ይወጽእ ኢሎም ኣይተጸበዩን። ንሕና ግና እዚ ሰብኣይ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን ዝብል እምነት ስለ ዝነበረና፡ ብኸምዚ ዓይነት ቀጥታዊ ንዕቀት ህዝቢ ምምጻኡ’ኳ እንተደንጸወና፡ ከምዚ ዓይነት በደል ክፍጽም ናይ መጀምርታኡ ከምዘይኮነ ኢና እንርዳእ። ስለዚ ናይዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ መተካእታ ዘየብሉ መፍትሒ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ንኹልና ኤርትራውያን ዝምልከተና ሓደጋ ንምብዳህ ብሓባር ከነድምጽ ምብቃዕ እዩ።

መግለጺ ሓዘን

Tuesday, 22 January 2019 13:59 Written by

ሓፍትና ኣልማዝ ሃብተ ሰለሙን፡ ብዕለት 15 ጥሪ 2019 ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሽወደን፡ ብሞት ካብ’ዛ ዓለም ተፈልያትና ኣላ። ስውእቲ ኣልማዝ ሃብተ ብ15 ሚያዝያ 1965 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ። ብለካቲት 1978 ናብ ተሓኤ ተሰሊፋ፡ ኣብ ብሪገድ 72 ተመዲባ ተቓሊሳ። ተሓኤ፡ ተደፊኣ ኣብ መሬት ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ፡ ከም ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኰይና ግቡኣ ፈጺማ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣባል ሰዲህኤ ኰይና ክትቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ 5 ዓመታት ኣቢላ ናብ ሽወደን ተሰዲዳ ክትነብር ጸኒሓ።

በዚ ዘሕዝን ተረኽቦ፡ ንስውእቲ መንግስተ-ሰማይ፡ ንስድራቤታ፡ ቤተሰባን መቓልስታን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦም፡ ጠሉ ድማ የውርደሎም እናበልና ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክንገልጽ ንፈቱ።

 ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

 

 

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መንግስቲ፡ ብህዝቢ ዝተመርጸን ህዝቢ ናተይ ብዝብሎ ሕግን ስርዓትን ዝምራሕን ክኸውን እንከሎ ኣብ ቅድሚኡ ካብ ዝጽበይዎ ብደሆታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ግሉጽ ተሓታቲ ምዃንን ዘይምዃንን እዩ። እቲ ተሓታትነት ኣብ ዙርያ ኣተገባብራ ናይቲ ብህዝቢ ንመንግስቲ ዝተዋህበ ሓላፍነት ዝካየድ እዩ። ብህዝቢ ሓላፍነት ዝተዋህበ መንግስቲ እንታይ ክገብርን እንታይ ከይገብርን ከም ዝግበኦ ዝተድረተ ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ተደሪቱ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ቀይሕ መስመር እንተሰጊሩ ብህዝቢ ይሕተት ጥራይ ዘይኮነ ይቕጻዕ እውን። እቲ መቕጻዕቲ “ደጊም ካብ ፈቓድና ወጻኢ ስለ ዝኸድካ ካብ ስልጣን ውረድ” ክሳብ ምባል ይድይብ። ካብ ፈቓድ ህዝቢ ወጻኢ ከይከድ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ምስ ሰናይ ግሉጽ ተሓታትነት ዝመርሕ መንግስቲ ከኣ ይነኣድ። እቲ ናእዳ “ኣገናዕ ጽቡቕ ኣለኻሞ በቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ኣገባብ ቀጽል” ዝብል ይኸውን።

ብህዝቢ ሓላፍነት ዝተዋህበ መንግስቲ ንህዝባዊ ተሓታትነት ይፈርሕን ካብኡ ንምድሓት ብጥቃቐ ይሰርሕን። ከም በዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰለ ብዘይሕፍረት ጉዳይ ህዝቢ ክለዓል እንከሎ “እንታይዶ ምስ ህዝቢ ዝኣተኹዎ ኩንትራት ኣለኒ እዩ” እንዳበለ ዝብዳዕ ግና ኣግሂዱ ኣንጻር ህዝቢ ስለ ዝዓዪ፡ ብህዝቢ ከይሕተት ኣይፈርሕን እዩ። ህዝብን ብህዝቢ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ሕግታትን ዘኽብር መንግስቲ ብንጹር ዝሰፈረ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ክህልዎ ይግባእ። እዚ ንጹር መንግስታዊ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ስረሓት ንምስላጥ ጥራይ ዘይኮነ ንግሉጽነትን ተሓታትነት ኣብ ቅድሚ ህዝብን እውን ጥጡሕ እዩ።  ከም ኩነታት ኤርትራ ነዚ ኩሉ ኣካላት መንግስቲ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዘይኮነ ሓደ ውልቀሰም ዓምጢሩ ክሕዞ እንከሎ ግና ንኣሳልጦ ስራሕ ኮነ ንተሓታትነት ዘይጥዕም ጥራይ ዘይኮነ ዘየኽእል እዩ።

ግሉጽነት ወይ ሓበሬታ መንግስቲ ከከም ዝጥዕሞ ንህዝቢ ቆንጢሩ ዝህቦ ወይ ጠቕሊሉ ዝኸልኦ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ መሰል እሞ ድማ ብስሩዕ ኣገባብን ብኣገደስቲ ትካላትን ቀጻልነት ብዘውሓሰ መስርሕ ዝወሃብ እዩ። ግሉጽነት ወይ ስሩዕ ዋሕዚ ሓበሬታ ኣገዳሲ ዝኾነሉ፡ ህዝቢ ኣብ መንግስቱ ዝህልዎ ናይ ምቁጽጻር ግደ  ኣብዚ ሓበሬታ ዝምርኮስ ስለ ዝኸውን እዩ። ዘይግሉጽ መንግስታት ምስ ህዝቦም ብጎቦ ዓይኒ እዮም ዝረኣኣዩ። ዘይግሉጽ ኣካይዳኻ ሓቢእካ፡ ከምዚ ናይ ህግደፍ ባዶ መዝሙር “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ምዝማር ግና ሕማምካ ምሕባእ እዩ።  ሕማሙ ዝሓብእ ከኣ ሓባእ ፈውሱ እዩ።

ጉድለታት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ኤርትራን ህዝባን በብሓደ ዘርዚርካ ስለ ዘይውዳእ ብድብድቡ ኩሉንተናኡ ዘይቅርዑይ እዩ ኢልካዮ ምሕላፍ ዘጸግም ኣይኮነን። እንተኾነ ከከም እዋኑ ሓደ ሓደ ጉዳያት እንዳመዘዝካ ምጥቃስ’ውን ይከኣል። ዘይግሉጽነትን  ኣተሓባባእን ባህሊ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ  ክለዓሉ ካብ ዝግበኦም ነጥብታት እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ግሉጽነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ኣብ ዘይግሉጽ ዓለም ክነብር ዝወሰነ ኣካል እዩ። እዚ ጉጅለ ካብዚ ዝኸደሉ ዘሉ ኣተሓባባእ ንክወጽእ ዓቕምን ጉልበትን ከም ዝሓጽሮ ንጹር ኮይኑ፡ ዋላውን ህዝቢ ብናቱ መንገዲ ሓበሬታ ከይረክብ ኮነ ኢሉ ኣፍደገታት ዝዓጹ ምዃኑ ከኣ እቲ ጉዳይ ናይ ዓቕሚ ዘይኮነስ ናይ ባህሪ ምዃኑ የነጽረልና። እዚ ኩሉ ተጠቕሊሉ ከኣ ናብቲ “ጉዳይ ሃገር ነዓና ከም ጉጅለ እምበር ንህዝቢ ስለ ዘይምልከቶ፡ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ሓበሬታ ምርካብ እንታይ ክገብረሉ” ኣብ ዝብል ትምክሕትን ንዕቀት ህዝብን ዝጠቓለል እዩ። ኣብዚ እቲ ሓበሬታ ምርካብን ዘይምርከብን ህዝቢ ባዕሉ ፈንጢሱ ከረጋግጾ ዝግበኦ እምበር ብህግደፍ ዘይትኮቦ ምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ካብዚ ከይወጻእና እቲ ብናይ ሓበሬታ ስእነት ሃገሩ ናበይ ገጻ ትጐዓዝ ከም ዘላ ጠፊእዎ ኣብ ሰንፈላል ዘሎ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዙርያ ኢሳይያስ ዘለዉ ኣካላት እውን ግዳይ ናይዚ ሰንፈለል ይኾኑ ከም ዘለዉ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር እዩ።

እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ሃገረይ ጓና ይኸውን ኣለኹ ክብል ዝጸንሐ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንክወጽእ ኣብ ቃልሱ ቀጺሉ ኣሎ። እቶም ነቲ ዘይግሉጽነት ከም ክዕቀብ ዝግበኦ ውርሻን ዘሕብን ባህልን ገይሮም ዝሕብሕብዎ ዘነበሩ ንጡፋት ደገፍቲ ኢሳይያስ፡ ሎምስ ናይ “ክሳብ መዓስ ብዘይግሉጽነት ንሕመስ” ድምጺ ከስምዑ ዝጀመሩ ይመስሉ። እዚ ምዕዝምዛም ሓደ ካብ ውጽኢት ምፍራስ ናይቲ ብጉዳይ ኣይውግእ ኣይሰላም ዝምድና ምስ ኢትዮጵያን ስማዊ ማዕቀብን ተፈጢሩ ዝጸንሐ መሕብኢ በዓትታት ዝውሰድ እዩ። ኢሳይያስ ኣብዚ እዋናዊ  ጉዳይ ኤርትራን ከባቢኣን ንህዝቢ ክበሃሎ ዝግባእ ዘይምሕባሩ፡ ንዘይግሉጽነቱ ሰማይ ኣዕሪግዎ ዘሎ እዩ። ሎሚ ኢሳይያስ ስቕ መሪጽሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ምዝራብ ስኢኑ ወይ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሉ ኣገባብ ስለ ዘይረኸበ ዘይኮነ፡ እቲ ዝዛረቦ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ቅቡል ከምዘይከውን ስለ ዝተረደአ እዩ። ክሳብ መዓስ እዩ ብኸምዚ ዓይነት ትም ክቕጽል ደጊም ኢሳያስ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ክውስኖ ዝግበኦ እዩ። እዚ ሰብኣይ ኣብተን ውሱናት ብፍላይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ መገሻኡ ወስ ዝብለን ቃላት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ሒዝዎ ዝቐርብ ናይ ሓሳብ ስንቂ ከም ዝወደአን ህዝቢ ኤርትራ ኣሕዲርሉ ዝነበረ እምነት ከም ዝተጸንቀቐን ተዓዚብናዮ ኢና።   

ቀዳም 12 ጥሪ 2019 ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምሉኣት ኣባላት ናይ ቴለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣኼባ በዚ ዝስዕብ ኣጀንዳ ተመያይጡ፡

  • ሓፈሻዊ ኩነታት ሰልፊን ንጥፈታቱን
  • መስርሕ ምስንዳእ ሓባራዊ ጉባኤ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ፤ ሓበሬታ ካብ ንኡሳን ሽማግለታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቐሪቡ
  • ንጉዕዞ ሰልፍናን ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪን ብዝምልከት፡ ብንኡስ ሽማግለ ሰነድ ናይ ሓባራዊ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተመምዩ ዝተዳለወ ንድፊ ቅዋም ኩሉ ኣባል ብዕምቆት ክመያየጠሉን ርእይቶኡ ክህበሉን ናብ ኩሉ መሰረታት ተላኢኹ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኩሉ ኣባል ብመሰረት ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ፡ ብዓቢ ተገዳስነት ክርእዮን ኣብ ምምዕባሉ ክሳተፍን ናይ ዞባ ሽማግለ ኣጥቢቑ ተላብዩ።
  • ጸብጻብ ካ ናይ ዞባ ገንዘባዊ ቤት-ጽሕፈት

እኼባ ሓደ ብሓደ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ኣልዒሉ ተመያይጡ። ከምቲ ልሙድ ኣባላት ዘለዎም ሃነጽቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ከም ወትሩ እዚ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ተስፋ ዝህብን ፍናን ኣባላት ሓፍ ዘበለን ኮይኑ ተዛዚሙ።

ብደም ጀጋኑ ዝተረጋገጸ ልዑላውነት ሃገርና፡ ብዋጋ ዕዳጋ ኣይድፈርን’ዩ!              

ክንዕወት ኢና!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.

15 ጥሪ 2019