
ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዝላንድን ብ27 ሓምለ 2025 ተኻይዱ። ነቲ ብኣላይነት ሓብቲ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝወደበ፡ ጥምረት ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ፡ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ፖሓኤ ዘካየዶም ስረሓትን ኣሰናዳዊት ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 01 ክሳብ 03 ነሓሰ 2025 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025ን ዝተበጽሔ ምቅርራብን ዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይድሉ።
ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ፖሓኤ ኣብቲ ናይ 27 ሓምለ 2025 ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ ኣገዳስነት ሕድሕድ ኣባላት ምትእምማን ምፍጣርን ኣባልነት ንምስፋሕን ዝካየድ ጻዕርን ጠቒሱ። እቲ ኣወዳድባ ብደረጃ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድን እውን ይካየድ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።
ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣብቲ መብርሂኡ፡ ዕላማታት ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ብዝርዝር ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ፡ ብዛዕባ ኣገዳሲ ንጥፈታት ኣባላት ፖሓኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድን ኣብሪሁ። ኣብ መጻኢ በቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንክዕመሙ ከም መደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝዕመም ኣውንታ ናብተን ካለኦት ከም ኣብነት ምትእትታውን ዞባታት ብጋድሚዊ ርክብ ከም ዝተሓጋገዛ ምግባር፡ ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ምስላጥ፡ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምድና ምፍጣርን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂኡ ኣስፊሩ። ብዓብይኡ ድማ ንዕዉት መጻኢ ጉባአ ፖሓኤ ምድላው ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
ብኻልእ ወገን ድማ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ነሓሰ 2025 ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ብወገኑ፡ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ሓቢሩ ኤርትራውያን ግዱሳት ንክሳትርፍዎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ንዓወት እቲ ፈስቲቫል ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ ንዝገበሩ ወገናት ኣመስጊኑ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ክልቲኡ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ከኣ ህልዊ ምዕባለ ኣብ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ንመጻኢ ፈስቲቫላት ንምዕዋት ትኹርት ክግበረሉ ኣለዎ ዝብልዎ ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ሃነጽቲ ለበዋታትን መተሓሳስባታትን ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ መጻኢ’ውን ንክቕጽል ተላብዮም።
ኣብ መጠረስታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ቅርዓት ፍጻመ ዘሎ ፈስቲቫል 2025 መሊኡ ንኽዕወት ብዘለዎ ሓልዮትን መርኣያ ተሳትፍኦምን፡ ብወገኖም እውን ሓያል ናይ ገንዘብ ወፍያታት ኣበርኪቶም ኣኼባ ብትስፉው መንፈስን ናይ ቃልሲ ኒሕን ተደምዲሙ።
ኣብ 19 ሓምለ 2025 እውን ምስ ካብ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድ ወጻኢ ዘለዉ ዞባታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተመሳሳሊ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።
“ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘሎ ወጥሪ ንምውጻእን ንዝሓሸ መጻኢን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰፊሕ ጽሑፍ “ሆርን (HORN)” ኣብ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ25 ሓምለ 2025 ተዘርጊሑ’ሎ። እቲ ጽሑፍ ብስም ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ መራሒ ኮሚተ ዲፕሎማሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ምስ ስፍሓትን ዕምቆትን ናይቲ ጽሑፍ ነብሱ ዝኸኣለ ትካል እምበር፡ ብውልቀሰብ ዝተዳለወ ኣይመስልን።
እቲ ጽሑፍ ንኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ፈረንሳን ጀርመንን ሓደ እዋን ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ዝፈተሓሉ ኣገባብ የመሳስሎ። ብዘይካዚ እቲ ጽሑፍ ኤርትራን ገማግም ባሕርን ካብ ግዝኣት ቱርኪ ጀሚሩ ክሳብ ምምጻእ ኢጣልያ ዝሓለፎ ብምዝርዛር ይጅምር።
ካብዚ ሓሊፉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዙ ኣብ ፈደረሽን ከም ዝወደቐ ይጠቅስ። እንተኾነ ናይ ሽዑ ናይ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ሕገመንግስትን ምስቲ ንጉሳዊ ኣመራርሓ ኢትዮጵያ ዘይሰማማዕ ምንባሩ’ውን ይሕብር።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራን ትግራይን ማዕረመዕረ ሰሪዑ እናገለጸ ክሳብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ይበጽሕ እሞ ጠንቂ ናይቲ ውግእ ከምቲ ዝበሃሎ ዝነበረ ናይ ባድመ ወይ ዶብ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነበረ ናይ መን ዓብለለ ውድድር ገይሩ ይገልጾ። ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ነጻነት ኢትዮጵያውያን ናይ ምዝኽታም ስምዒት ከም ዝሓደሮም ድማ የስፍር። ነቲ ውግእ ኣለዓዒሎም ካብ ዝብሎም ከኣ ነቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዝነበረት ቁጠባዊ ምዝመዛ ንምግታእ በቲ ሓደ ወገን ሓድሽ ባጤራ ኢትዮጵያ ምትእትታው በቲ ካልእ ወገ ከኣ ኣብ ትግራይ ናይ ቀረጽን ግብርን ስርዓት ምሕያል ኢሉ ይጠቕሶ። እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንልዕሊ 18 ዓመታት ኩነተ-ኣይሰካም ኣይውግእ ከም ዘኸተለ ድማ ይዝርዝር።
እቲ ነዊሕ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ሓድሽ ዝምድና፡ ብዛዕባ ውግእ ትግራይን ውዕል ፕሪቶርያን ምስ ተንተነ፡ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ፖለቲካ፡ ጸጥታን ምክልኻልን ከምኡ ድማ ቱሪዝምን ባህልን ምውህሃድ ክፍጠር ኣለዎ ይብል እሞ ብዛዕባ ነፍሲ እዞም 4ተ ሰክተራት ከኣ ሰፊሕ ትንተና የቕርብ። ብፍላይ ንወደ ዓሰብ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘስፈሮ፡ ናይ ሓባር ላዕለዋይ ኣካል ይቐውም ይብል እሞ ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ናይ ምምዕባልን ናይ ምምሕዳርን መሰል ይህልዋ ዝብል ሓሳብ የስፍር። ነዚ ንምትግባር ከኣ ግደ ዓለምለኻዊ ትካላትን ኣካላትን ዕዙዝ ምዃኑ ይጠቅስ።
ኣብቲ ጽሑፍ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት፡ ክትግበ ኣብ ዘሎ ተኽእሎ ስግኣቶም ይገልጹ። እዚ ጽሑፍዚ ኣብ መጎ ኢልቲኦም ወገናት ናይ ምዝታይ ዕድል እንተተረኺቡ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ዝቐርብ እማመ መበገሲ ከም ዘመልክት እውን ይግምቱ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ
ሶማሊያ ኣብ ገማግም ባሕራ ንክካየደ ተመዲቡ ዘሎ ብዙሓት ሃገራት ዝሳተፈኦ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኢትዮጵያ ንክትሳትፍ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ “ምጥሓስ ናይ ዓለምን ሶማሊያን ሕጊ ማያዊ ልኡላውነት እዩ፡” ብዝብል ከም ዝነጸገቶ “ሂራን ኦንላይን (HIRAAN ONLINE)” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ20 ሓምለ 2025 ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቃድሾ ዝተኻየደ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጠባባቒ ሓይሊ ኣዘዝቲ ኮንፈረንስ እዩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ፡ መንግስቲ ሶማሊ ነዚ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብቲ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ዝነጽግ መገግለጺ ዘውጽኤ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ተሳትፎ ሕቶ ምስ ኣቕረበት ምዃኑ ሓቢሩ። ቃል ብቓል ከኣ “ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ማያዊ ግዝኣትና ሓይሊ ባሕሪ ከተንቀሳቕስ ኣይንፈቅድን ኢና። ምኽንያቱ ሶማሊያ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ልኡላውነታ ስለ እትዕቅብ ናይ ኢትዮጵያ ምስታፍ ከኣ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጥሕስ ስለ ዝኾነ” ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።
ኣብቲ መግለጺ ናይቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኢትዮጵያ ኣብ መቃድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ኣኼባ፡ ከም ኣካል ዓቃብ ሰላም ሶማሊያ ሓይሊ ባሕራ ከተሳትፍ ዘቕረበቶ ርኢቶ፡ ምስቲ ብ1 ጥሪ 2024 ሓይሊ ባሕሪ እተስፍረሉ ገምገም ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሃሳብ ዝተሓሓዝ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ማያት ሶማሊያ ክንቀሳቕሶ ዘኽእል ዝኾነ ይኹንናይ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ኮነ ኣህጉራዊ ሕጊ ከምዘየለ ብሰፊሑ ምጥቃሱ እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።
ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምሕርፋፍ ጠንቂ፡ ኢትዮጵያ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ መቃድሾ ምስ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ምስምመዓ እሞ፡ መቃድሾ ከኣ ነቲ ተግባር ምግሃስ ልኡላውነተይ እዩ ብዝብል ብኣዋጅ መልክዕ ብምስራዝ ስለ ዝተቖጠዐት ምዃኑ ይፍለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝካየድ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ማያዊ ልኡላውነት ሶማሊያ ንምድልዳል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተንጸባሪቑ።
ጥምረት ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘማእክሎ ሰፊሕ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ19 ሓምለ 2025 ተኻይዱ። ኣብቲ ብኣላይነት ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ዘካየዶም ስረሓትን ብዛዕባ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2025ን ዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ምይይጥ ተኻይዱ።
ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ፖሓኤ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ ኣገዳስነት ሕድሕድ ኣባላት ምትእምማን ምፍጣርን ኣባልነት ንምስፋሕን ዝካየድ ጻዕርን ጠቒሱ። እቲ ኣወዳድባ ብደረጃ ዞባታት፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳ፡ ሱዳን፡ ኣወስትራሊያን ኢትዮጵያን ይካየድ ከም ዘሎን ኣብ ትሕቲ እተን ዞባታት ከኣ ጨናፍር ከም ዝህልዋ ኣብሪሁ።
ካብ ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ሕድሕድ ናይተን ፖሓኤ መስሪተን ዘለዋ ኣካላት ግቡእ ምልላይን ስጥመትን ክህሉ ምግባር፡ ኣባላት ኣብ ዘዘለዉዎ ከባቢ ህዝባውን ማሕበራውን ባይታ ዘጣጥሕሉ ኩነታት ምፍጣር፡ ምስ ኣብያተ-ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ተቐራሪብካ ምስራሕን ናይ ኩለን ኣባላት ኣብ ዘየብሉ ከባቢ እቶም ዘለዉ ናይ ፖሓኤ ውክልና ዝወስድሉ ኣሰራርሓ ምሕያልን ዝብሉ ከም ዝርከብዎ’ውን ሓው ተስፋይ ኣስፊሑ ገሊጹ።
ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣብ ኩለን ዞባታት ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ብዝምልከት ዝበጸሖ ጸብጻባት ብምጥቃስ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ምምሕዳራት ናይተን ዞባታት ከኣ ተወሰኽቲ መብርህታት ሂቦም። ኣብ መጻኢ በቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንክዕመሙ ከም መደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ዞባ ዝስራሕ ኣውንታ ናብተን ካለኦት ከም ኣብነት ምትእትታውን ዞባታት ብጋድሚዊ ርክብ ከም ዝተሓጋገዛ ምግባር፡ ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ምስላጥ፡ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምድና ምፍጣርን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂኡ ኣስፊሩ። ብዓብይኡ ድማ ንዕዉት መጻኢ ጉባአ ፖሓኤ ምድላው ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
ብኻልእ ወገን ድማ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ነሃሰ 2025 ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ብወገኑ፡ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ሓቢሩ ኤርትራውያን ግዱሳት ንክሳትርፍዎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ክልቲኡ ዛዕባታት ዘይበርሃሎም ጉዳያት ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ሃነጽቲ ሓሳባት ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ መጻኢ’ውን ንክቕጽል ተላብዮም።
A 26-year-old Eritrean American, Rahel Araia, had recently hosted her own birthday party. Out of the box thinking, she took the opportunity to fundraise for a righteous cause, independence war disabled and for young girls at Wadi-Sherifoy refugee school in the Sudan. The reportage we received from the USA confirmed, Ms. Araia split the funds she raised, 40% for the disabled and 60% to the young girls in Wadi-Sherifoy school.
Rahel came to learn about the above-mentioned recipients through her parents. When she shared the background information about the disabled and young school girls via a narrative video with her close friends and invited guested, they were touched and said they were very proud to participate in such righteous cause.
Rahel’s kindness won’t be measured by monetary contributions only. It is also measure by the lasting impressions of humanitarian and exemplary message it leaves with the Eritrean youth and their families.
In conclusion, giving to the needy parts of our community should not be about the quantities or qualities of the offer. It rather should be about the message it sends to the recipient. By recognizing the needy part of our community, we want to remind all to follow Rahel’s exemplary work of kindness.
እድሪስ ሑመድ ብዝተባህለ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ዝተሳእለ
ኣብ ክልል ዓፋር ኢርታለ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብ ቦታ፡ እሳተ-ጐመራ ብተኸታታሊ ይተፍእ ከም ዘሎ፡ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ናይ ክፍሊ ጂኦለጂ ሓላፊ፡ መምህርን ተመራማርን፡ ኖራ ያኒሚኦ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ነትጒ እሳተ-ጐመራ ተፈጢሩ ሓያል ጸሊም ደሮና ከም ዘኸተለን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእልን ብምርግጋጽ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝመላለስሉ ኣዝዩ ተሃዋሲ ቦታ፡ እቲ ነትጒ ከጋጥም ሓድሽኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሎሚ ግና፡ ዝሓየለ ብምዃኑ ናብቲ ከባቢ ቀሪቦም ምስልታትን ቪድዮታት ዝቐርጹ ወገናት ጥንቃቐ ንክገብሩን ክዕገሱን እቲ ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባዚ ክስተት ኣብ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ክኢላታት ናይቲ ተረኽቦ ይወኻኸስሉ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ ናይ 15 ሓምለ 2025 ክስተት፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ምስንጣቕ መሬት ኣኸቲሉ ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣህጉራዊ ፕሮግራም ነትጒ መሬት ብወገኑ ነቲ ተርእዮ ተኸታቲሉ ዝምዝግቦ ዘሎ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ እዩ።
መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ብ16 ሓምለ 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ መቐለ ኣትዩ። ናይቲ ብፕረሲደንት እስላማዊ ጉባአ ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ዝተመርሐ ልኡኽ ተልእኮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቅድሚቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን ዲፕሎማትን ምእንቲ ሰላም ጻዕሪ ንከካይዱ ብዘቕረብዎ መጸዋዕታ መሰረት፡ ሰላማዊ መፍትሒ ናይ ምርካብ ጻዕሪ ምክያድ እዩ።
እዚ ልኡኽ ነቲ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ንምህዳእ እዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ ሆቴል ፕላነት ምስ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣባላት ካቢነኡን፡፡ ምስ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ከምኡ ከኣ ምስ መራሕቲ ናይታ ሕጋውነታ ብናይ ምርጫ ኮምሽን ተሰሪዙ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓትን ተራኺቡ ተመያይጡ።
እቲ ልኡኽ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገስ እንከሎ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ጀሚሩ ክሳብ ኩሉ ኣኼባቱ ዝፍጽም ምንቅስቓሳቱ ንመዲያ ዕጽዊ ክኾነሉ ስለ ዝተኻየደን ብኩሎም ወገናት መግለጺ ስለ ዘይተዋህበን ዝርዝር ውጽኢት ናይቲ ዘካየዶ ርክባት ኣይተሓበረን።
ውሑዳት ወገናት’ኳ ካብቲ ርክባት ኣውንታዊ ውጽኢት ዝጽበዩ እንተኾኑ፡ ናይ ብዙሓት ግምት ግና፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየደ ዘሎ ናይ ቃላት ዝለዓለ ምስሕሓብ፡ እዚ ናይዞም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ጻዕሪ ካብ ዳግማይ ውግእ ከድሕንዩ ዝብል ተስፋ የብሎም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይን ጽላል ዝተባህለ ብጉዳይ ተመዛበልቲ እትሕለቕ ሲቪላዊ ማሕበርን በብወገኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክራኸቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።
ማርያ ሄማንደዝ ስፐይናዊት ክትከውን እንከላ ቴድሮስ ገብረማርያምን ዮሃንስ ሓለፎምን ከኣ ተጋሩ’ዮም
ሓካይም ብዘይዶብ (MSF) ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ብ24 ሰነ 2021 ዝተቐትሉ ሰለስተ ኣባላቱ ዝምልከት መጽናዕቲ ዛዚሙ ከም ዝዘርግሐ ብዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ግዳይ ዝኾኑ ናይቲ ትካል ኣባላት፡ ማርያ ሄማንደዝ ጋል 35 ዓመት፡ ቴድሮስ ገብረማርያም ወዲ 32 ዓመትን ዮሃንስ ሓለፎም ወዲ 31 ዓመትን ዝተባህሉ ምዃኖም እውን ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ቅትለት እቶም ግዳያት ሰራሕተኛታት ግብረሰናይ ምዃኖም እናተፈለጠ፡ ኣብ ማእከል መንገዲ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ፡ በቲ ቅትለት ዝሕተት ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
እቶም 3 ግዳያት ኣብቲ ዝተቐትልሉ እዋን ናይቲ ትካል ወግዓዊ ምልከት ብዝነበራ መኪና እናተጓዕዙ ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ኣብ ከባቢ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብውግእ ንዝተጐድኡ ሰባት ሕክምናዊ ረዲአት ክህቡ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ መኪናኦም ተዓጊታ ጠጠው ምስ በለት ከም ዝተቀትሉ እቲ ትካል በቲ መምርመራዊ መጽናዕቱ ኣቃሊዑ። ትካል ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብቲ ምጽራይ ክሳተፉ’ኳ ብቐጻሊ ክጽዕር እንተጸንሐ ቃል ካብ ምእታው ሓሊፉ ዘዕግብ መልሲ ከምዘይረኸበ ኣስፊሩ።
ፓውላ ጊል ሊይቫ ፕረሲደንት ትካል ሓካይም ብዘይዶም፡ ዋላኳ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ውጽኢት መርመራ ንክወሃቦም ብተደጋጋሚ ቓል እንተ ተኣትዎሎም፡ ፖለቲካዊ ቅሩብነት ስለ ዘየለ እቲ ዝተጽበይዎ ከምዘይተረኸብዎ ጠቒሳ። ብሰንክዚ ምድንጓይ ንቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ኮነ ንኣባላት ናይቲ ትካል ብቑዕን ወግዓውን መልሲ ምሃብ ከምዘይተኻእለ እውን ኣስፊራ። በዚ መሰረት እቲ ትካል ባዕሉ ዘካየዶ መጽናዕቲ ንክገልጽ ከም ዝተገደደ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ እቶም ግዳያታ ናይቲ ትካል ኣርማ ዘለዎ ጻዕዳ ክዳን ሰብ ሞያ ሕክምና ለቢሶም ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ እዚ እናረኣኻ ዝተኻየደ ቅትለት ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ዘይሰብኣዊ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ከምዘብጸሖም እውን ተሓቢሩ። ደጋጊምካ ብምትኳስ ምቕታሎም ድማ ብገርሂ ዘይኮነ ኮነ ኢልካ ዘተፈጸመ ምዃኑ ዝያዳ ከም ዘረድእ በቲ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ ተባሂሉ።
ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ምክትል ሓላፊት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ኣንበሳደር ስዑድያ፡ ኣንበሳደር ኢማራት፡ ኣንበሳደር ግብጺ
ዝተወሰና ሃገራት ብኣባልነት ዝርከበኦ ዝለዓለ ጉጅለ፡ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መጀምርያ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2025 ዝጀመሮ መስርሕ ከም ዝተዓንቀፈ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ዕንቅፋት ዝተፈጥረ ግብጺ ኣብቲ ርክብ ወኪል ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ክሳተፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብምቕራባን ኣሜሪካ ከኣ ንርኢቶ ግብጺ ብምንጻጋን ምዃኑ ተሓቢሩ።
ናይቲ ኣብ ዋሽንግተን ብጉዳይ ሱዳን ዝተጋብአ ጉጅለ ኣባላት፡ ወከልቲ ኣሜሪካ፡ ሳዑድ ዓረቢያ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ግብጽን ክኾኑ እንከለዉ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ከኣ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ዝፍተሓሉ መንገዲ ንምርካብ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ፍሉይ መርገጺ ናይታ ንመንግስቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ኤርትራን ሱዕድያን ኮይና ብቐረባ እትድግፍ ግብጺ፡ ከምቲ ዝድለ ክስጉም ከምዘይከኣለ ሓደ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፈ ዲፕሎማት ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካ ብሰንክቲ ኣብ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘለዎም ኣሉታዊ ግደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተፈላለዩ እገዳታት ዝንበረትሉ መንግስቲ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ መድረኽ ንክሳተፍ ዝቐረበ ናይ ግብጺ ርኢቶ ብትሪ እያ ተቓዊማቶ። ኣሜሪካ ኣብ ርእሲዚ ኣብ ክንዲ መንግስቲ ጅነራል ኣልቡርሃን፡ ነቲ ብሰንኪ ናይ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሱዳን ዝተወገደ ሲቭላዊ መንግስቲ ወከልቲ ምዕዳም ከም ዝምረጽ’ውን ሓሳብ ኣቕሪባ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ማሕበረሰብ ሲቪላውን ፖለቲካውን ሱዳን፡ ኣብ ካልእ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ኣፍሊጣ። እቶም ሲቪላውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብ ሱዳን ኣብቲ ርክቦም፡ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ክሳብ ምጽናት ዓሌት ዝበጽሕ ሜላዊ መጥቃዕትታት ዝሕብር ሰነድ ከም ዘቕረቡ ድማ ተፈሊጡ።
እዚ ኩነታት ዘመልክቶ፡ ሱዳናውያን ጉዳዮም ባዕላቶም ብሰንኪ ክፈትሑ ዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ኢድ ናይ ግዳም ሓይልታት ወዲቑ ይተሓላለኽ ምህላዉ እዩ።
ካብቶም ግዳያት ብኸፊል
ካብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ፈቲኖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 218 ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብሓይልታት ጸጥታ ክልቲአን ተዳወብቲ ሃገራት ከም ዝተዓገቱ ቢቢሲ ሓቢራ። ጸብጻብ ፖሊስ ናይተን ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም እንከለዉ እዮም ኣብ ዶባዊት ከተማ ኡጋንዳ ሞሮቶ ተታሒዞም።
ኣብታ ብ2 ሓምለ 2025 ዝታሕዘት ጀልባ፡ 74 ኤርትራውያን ክተሓዙ እንከለዉ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ሓንቲ ቁሸት ኣጓዱ ተሓቢኦም እንከለዉ ዝተታሕዙ ከኣ 13 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 36 ምዃኖም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ5 ሓምለ ሎኪቶንያለ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣሰጋገርቶም ገዲፈምዎም ዝሃደሙ 13 ህጻናት ዝርከብዎም 108 ኤርትራውያን ካብቶም ብፖሊስ ዝተታሕዙ ግዳያት ምዃኖም ቢቢሲ ፖለስ ኬንያ ብምጥቃስ ኣብቲ’ቲ ዜና ኣስፊራ።
ኢንደፐንደት ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ ብወገና፡ ብፍላይ ነቶም 108 ብምጥቃስ፡ ናይዞምም ህጽናትን ኣደታትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ግዳያትን ኣሰጋገርቶምን ጉዳይ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣላለ ኣብ ዝተባህለ መደበር ፖሊስ ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝርከብ ሓቢራ።
እዚ ናይ ኤርትራውያን ብኬንያ ኣቢልካ ናብ ኡጋንዳ ምእታው፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተለምደ መስመርኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ምስቲ ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ዘጋጥሞም ዘሎ ተጽዕኖን ማእሰርትን ከምኡ እውን ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ዝያዳ ዝጋደድ ዘሎ እዩ።