EPDP News

ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱኡዳን ራምታነ ላማምራ፡

ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱኡዳን ራምታነ ላማምራ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ናብ ፖርት ሱዳንን ኣዲስ ኣበባን ክበጽሕ ምዃኑ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ኣብቲ ምብጻሑ ኣብ ውግእ ምስ ዘለዉ ኣካላትን ዞባዊ ሰብ ብጽሕትን ከም ዝራኸብ እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፡ ስተፈን ዱጃሪክ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ላማምራ ቅድሚ መገሻኡ ብዘይስሩዕ መንግዲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ርክባት ብምክያድ፡ ናብ ሓላፍነታዊ ልዝብ ክቐርቡ ከተባብዕ ምጽንሑ  ኣብቲ መግለጺኡ ወሲኹ ጠቒሱ። እቲ ልኡኽ ምስ ዞባዊ ኣካላት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ሊግ ሃገራት ዓረብን ናይ ምርኻብ መደባት ክሰርዕ እዩ። እቲ ልኡኽ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ዝገብሮ ዘተ መሪሕ ኣጀንዳኡ ምክልኻል ሲቪል ሱዳናውያን ከም ዝኸውን እቲ ወሃቢ ቃል ኣመልኪቱ።

ጐኒንጐኒ ናይዚ ዋና ጸሓፊ ተበግሶ፡ ኣመሪካ፡ ሳዑድ ዓረቢያ፡ ግብጽን ኤመረት ዝርከበኦ ኣካል ብወገኑ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዲፕሎማሲያዊ ቃልሶም የስፍሕ ኣሎ። እዚ ኣሜሪካ ዘላቶ ኣካል ጉዳይ ሱዳን ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ፡  ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ እማመ ሓንጺጹ፡ ቅድም 3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሰብኣዊ ተኹሲ ጠጠው ኣብ ምባል ክብጻሕ፡ ድሕሪኡ ድማ ብቐጻሊ ተኹሲ ጠጠው ናብ ምባል ዘብጽሕ ሰፊሕ ዘተ ዝካየደሉ ኩነታት ክፈጥርን ብኡ ኣቢሉ ድማ ብናይ 9 ኣዋርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ኣቢልካ ናብ ቀዋሚ ሲቪላዊ መንግስቲ ዘብጽሕ ኩነታት ንክፍጠር ይጽዕር ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ኣቀራርባ ክልቲኦም ወገናት ዝመርጽዎ መንገዲ ይፈላለ እዩ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተታሕዘ መደብ፡ ምስ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ኮይንካ ብሱዳናውያን ዝምእከል ቀዳምነታቱ ዘነጸረ ዘተ ምክያድ ዝብል እዩ። እቲ ናይ በዓል ኣሜሪካ ተበግሶ ከኣ፡ ናይ ተዓዘብትን ኣዛተይትን ድፍኢት ክሕይል ኣለዎ ዝብል ርኢቶ እዩ ዘለዎ። ነዚ ክልቲኡ ተበግሶታት ናብ ሓደ ምምጻእ ቀሊል ከም ዝኸውን ከኣ ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።

ሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሓለዋኣ ብዝተፈጸመ ተኹሲ፡ ብዝሓደራ ስግእት ኤርትራ ናይ እትርከበን  19 ሃገራት ናብ ኣሚሪካ ኣትዮም ቀዋሚ መንበሪ (green card) ናይዝረኸቡ ዜጋታት ዳግማይ ምርመራ  ንከተካይድ፡ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኢሚግረሽን ናይታ ሃገር ትእዛዝ ከም ዝሃበ ሲኤንኤን (cnn) ሓቢራ።

ኣብቲ ንኢሚግረሽን ኣሜሪካ ዝተዋህበ ጥቡቕ መምርሒ፡ እቲ ምጽራይ ኣብቶም ካብ ዘጠራጥራ ሃገራት ዝመጹ እሞ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎም ዜጋታት ክግበር ምዃኑ፡ ጆ አድሎው ዝተባህለ ዳይረክተር ዜግነትን ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ኣሜሪካ ብ27 ሕዳር 2025  ኣብ ዘመሓላልፎ መምርሒ ሓቢሩ። እቲ ዳይረክተር እተን እዚ ምጽራይ ዝምልከተን ሃገራት ኣየኖት ምዃነን ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2025 ፕረሲደንታዊ ውሳነ ተወሲንወን ዝነበራ ምዃነን ጠቒሱ።

በዚ መሰረት እተን ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ በርማ፡ ቻድ፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡  ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊቢያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ቡሩንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሰራሊዮን፡ ቶጎ፡ ቱርኩሚስታንን ቬንዙዋላን እየ።

በቲ ብ27 ሕዳር 2025 ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ መግለጺ መሰረት፡ ኣብቲ ዝግበር ምጽራይ ካብተን 19 ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ኣሉታዊ ጸብጻብ ዘመዝገበት፡ ምሉእ ብምሉእ ዕድል ኣይክወሃባን እዩ። እቲ ክሳብዚ መገለጺ ክወጽእ ዘገደደ ኣንጻር ኣባላት ሓለዋ ዝተኻየደ ተኹሲ ብዝምልከት፡ እቲ ፈጻሚ ራህማኑላህ ላካዋል ዝተባህለ ኣፍጋኒስታዊ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኣሜሪካ ዘቤታዊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ  ኩሎም ኣብ ግዜ ባይደን ዝጸደቑ  ንኢምግሬሽን ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ብሓድሽ ክጻረዩ እዮም’ውን ኢሉ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንዜጋታት ኣፍጋኒዝታን ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ናይ ኢሚግረሽን ዛዕባታት ንዘይተወሰነ ግዜ ጠጠው ክብል ከም ዝተወሰነ፡ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እቲ ካልእ ዘገርም ከኣ ቢቢሲ ከም ዝጠቐሰቶ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ካብተን ሃገራት 3ይ ዓለም ዝብለን ዝኾነ ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ኣሜርካ ንዘይምቕባል መደብ ዘለዎ ምዃኑ እዩ።

መራሕትን  ርእሳነ-ብሄራትን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ብ24ን 25ን ሕዳር 2025 ኣብ ዋና ከተማ ኣንጎላ ሉዋንዳ 7ይ ሓባራዊ ርክብ ኣካይዶም። ነቲ ኣኼባ ብሓባር ዝመርሕዎ፡ ጃዎ ማኑኤል ፕረሲደንት ኣንጎላን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣንቶኒዮ ኮስታ ፕረሲደንት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃን ኡርሱላ ቮን ለየር ፕረሲደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳን ምዃኖም በቲ ዘውጽእዎ ኣዋጅ  ተሓቢሩ።

እቲ ኣዋጅ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ 7ይ ርክብ እቲ ናይ ሓባር መድረኽ ብ2000 ኣብ ከተማ ካይሮ ካብ ዝጅመር መበል 25 ዓመቱ ስለ ዝኾነ፡ ታሪኻዊ እዩ። 6ይ ርክብ ኣብ ብሩሰልስ ብ17-18 ጥሪ 2022፡ ከምኡ እውን 3ይ ርክብ ሚኒስተራት ኣብ ብሩሰልስ ብ21 ጉንበት 2025 ከም ዝተሳለጡ እቲ ኣዋጅ ኣብ መእተዊኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ኣዋጅ ከም ጽማቕ ናይቲ ዘካየድዎ ሰፊሕ ዘተ፡ 49 ነጥብታት ምስ ኣገዳሲ መግለጺ ተዘርዚሮም። ኣብ 4ይ ነጥቢ  ዝሰፈረ ከኣ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግን ኣብ ሕጊ ዝተሰረተ ኣድማዒ ሓባራዊ ተጠቃምነትን ዓለም ለኻዊ ስርዓትን ኣብ ምኽባር ዘለና ጽኑዕ ቅርቡነት ነረጋግጽ። ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ኣገዳስነቱን ከምኡ ከኣ ንኣህጉራዊ ደክለረሽን ሰብኣዊ መሰልን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትንን ንምዕቃብ ዘለና ቅሩብነትን ደገፍን ነረጋግጽ።

ከዘጋጥም ዝኽእል ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ሃገራውን ብደሆታት ንናይ ሓባር ረብሓ ክውዕል ብዝኽእል መንገዲ ንምትዕርራይ ዓለም ለኻዊ ትካላት ንድግፍ። ንልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነት ናይ ሃገራት ሓዊስካ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሕግታትን መትከላትን ንምዕቃብ ቅሩባት ኣለና። እዞም መትከላት እዚኣቶም ናብ ዘተ ወይ ዋጋ ዕዳጋ ዝቐርቡ ኣይኮኑን። ብመንጽርዚ ተረድኦ ሓላፍነት ኩለን ሃገራት ኣብ ምምስራት ዝምድና፡ ኣብ  ብሓይሊ ተጠቒምካ ምፍርራሕ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘየብሉ ንድግፍ” ይብል።

ኣብ መበል 43 ድማ “ካብ ግህሰት መሰል፡ ግርጭታትን ምስቓይን ፈሪሖም ሃገሮም ንዝለቁ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝመዛበሉ ሰባት ክንሕግዝ ቅሩባት ኢና። ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን እነመሓድረሉ ብልሓትን ኣገባብን ብመንጽር ዘለና ኣህጉራዊ ሓላፍነት ከነሕይሎ ኢና። እዚ ድማ ምስ ምቕሉል ኣቀባብላን ብቑዕ ሓለዋን ምድላው ከምኡ እውን  ምስ ሕብረተሰብ ዝተሓዋወስሉ ኩነታት ምስ ምፍጣር ዝኸይድ እዩ።” ክብል እቲ ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣስፊሩ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር፡ ብ23 ሕዳር 2025 ኣብ ዝሓለፈ 12 ሺሕ ዓመታት ዘይተረእየ ዝተባህለ እሳተ-ጐመራ ከም ዘጋጠመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን። እቲ “ሃይሊ ጉቢ” ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ዘጋጠመ ነትጒ፡ ካብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓሊፉ ናብ የመንን ዑማንን ዝውርወር ከቢድ ሓሙሑሽቲ ከም ዘኸተለ ተሓቢሩ። ናይቲ ሓሙኹሽቲ ብናን ጸሊም ሕብሪ ክሳብ ሰሜናዊ ቀላይ ዓረቢያ ከም ዝተራእየ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ጥቓ ኣፍዴራ ዝርከባ ዓድታት፡ እቲ  ነትጒ እሳተ-ጐመራ ብዘኸተሎ ሓያል ደሮና  ተሸፊነን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡  ናይቲ ነትጒ ድምጺ ክሳብ ከባቢ ኣርታዕለን ኣፍዴራን ከም ዝተሰምዐ እውን ተገሊጽ። እቲ ነትጒ ካብ ኣርታዕለ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 15 ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዝሸፈነ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ።

ከም ገምጋም ቪምለንዱ ጅሃ ዝተባህለ ፈላጥ ስነ-ከባቢያዊ ጉዳያት፡ ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ እሳተ-ጐመራ ዝበነነ ሓሙኽሽቲ  ኣብ ልዕሊ ከም ጉጅራት፡ ራጃስዛንን ደልሂን ዝኣመሰሉ ከባብታት ህንዲ ዘንብዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝንሳፈፍ ደሮና ከም ሳልፈር ኦክሳይድን መስትያትን ዝኣመሰሉ ንጥረ ነገራት ኣብ ደበና ብብዝሒ ከም ዝተራእዩ እቲ ናይ ከባቢያዊ ኩነታት ክኢላ ኣፍሊጡ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዘኸተሎ ጉድኣት’ኳ እንተዘየለ ንቀጻሊ ግና ምክትታል ከም ዘድልዮ  እቲ ክኢላ ምኽሩ ለጊሱ። 

እቲ ብናን ኣብ ህንዲ ናይ ነፈርቲ በረራ ዕንቅፋት’ኳ ፈጢሩ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ካብ ሰሜን ህንዲ  ንወገን ቻይናን ፓስፊክን ተጓዒዙ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ። እዚ ካብ ዶብ ኤርትራ ብዙሕ ዘይርሕቕ ቦታታት ክልል ዓፋር ተደጋጋሚ  ምንቅጥቃት መሬት እውን ካብ ዘይፍለዮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።

ዶባዊት ከተማ ሞያለ

ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብምጥቃስ ዳውን ኣፍሪካ (DAWN AFRICA) ብዝተባህለት ማዕከን ዜና ዝተዘግሐ ዜና፡ ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ብወገን ሞያለ ናብ ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ከባብያዊ ኣመሓደርቲ ቀቲሎም ዜጋታት ከም ዝኣሰሩ ተሓቢሩ። ብመሰረት ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ሓበሬታ እቲ ጸገም ሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዓሚቕ ውልቃውን ፖለቲካውን ምትፍናን ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ’ዩ እውን ተባሂሉ።  ኣብቲ ህውከት ዝተሳተፉ ኬንያውያን ነበርቲ ቶኣ ጃንጊሊ ብዝተባህለ ከባቢ እናተሓገዙ ምዃኖም ከኣ ተጠቒሱ።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ22 ሕዳር 2025 ዶብ ጥሒሱ ናብ ኬንያ ኣስታት 2 ኪሎሜተር ብምእታው ንሓጺር ግዜ ምንቅስቓስ መደብር ፖሊስ ከተማ ሞያለ ኬንያ ጠጠው ኣቢሎም ከም ዝነበሩ ተገሊጹ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ተግባር ብወገን ኬንያ ግብረ መልሲ ንክወሃብ ከም ዘገደደ እውን ብኬንያውያን ተጠቒሱ።

ናይ ሓለዋ ዶብ ኣሃዱታት ኣብቲ ጉዳይ ከም ዝተሳተፋን ንክልተ ሰዓታት ዝኣክል ዝጸንሐ ሓያል ተኹሲ ከም ዝተኻየደን ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ኩነታት ስሩዕ ሰራዊት ኬንያ እውን ንክሳተፎ ከም ዘገደደን  ናይታ ሃገር  ሓይልታት ጸጥታ ብሓባር ነቲ ናብ ሃገሮም ኣትዩ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ደፊኦም ከውጽእዎ ከም ዝኸኣሉን እቲ ዜና ሓቢሩ።በቲ  ውግእ ጉዳኣት ኣጋጢሙ ዝብል ሓበሬታ ብክልቲኡ ወገን ኣይተዋህበን።

ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ስርሒት ዝከታተል ዝነበረ ኣብዱብ ዋሪዮ ዝተባህለ ኣዛዚ መሊሽእ ተቐቲሉ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ ዝበለ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ፡ እቲ ኩነታት ኣብዚ ደረጃ በጺሑ ክነከሱ ብክልቲኡ መንግስታት  ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያን ነበርቲ እቲ ከባብን ከኣ ኣብ ከተማ ሞያለ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሰራዊት ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ይርከብ ስለ ዘሎ  ሓያል ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም። ከተማ ሞያለ ካብ ኣዲስ ኣበባ 762 ካብ ናይሮቢ ድማ 770.4 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ዶባዊት ከተማ እያ።

ክሻያ ኩማር ናይቲ ትካል ዲረክተር ምጥባቕ ንሰብኣዊ መሰል

ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል (human rights watch)፡ ኣብዚ ቀረባ ብመንገዲ ክሻያ ኩማር ናይቲ ትካል ዲረክተር ምጥባቕ ንሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ገበናት ውግእን ካልእ ጥሕሰታትን ጠጠው ዝበለ ኣዘራራቢ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይቋረጽ  ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኩሎም ጽልዋ ዘለዎም ወገናት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ  ንክሰርሑ ጸዊዑ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ “ገበነኛ ጉጅለ” ክብል ገሊጹ፡ ክውገድ ዘለዎ ኣካል እዩ  ምስ በለ፡ ብወገን ትግራይኳ ዓለም ለኻዊ ናይ ዘተ መጸዋዕታ እንተቕረበ እቲ ወጥሪ ግና ኣይሃደአን ኢሉ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ እውን ይብርኽ ኣሎ ኢሉ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራን ህወሓትን ኣንጻር መንግቱ ይተሓባብሩ’ለዉ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ናይቲ ወጥሪ መርኣያ ምዃኑ ከኣ እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ኩሉ ምክሳስ ኣብቲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ወግእ ዘይሓወየ  ከባቢ ሓዲሽ ጐንጺ ከይፍጠር ዘስግእ እዩ ኢሉ።

እቲ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ዓፋርን ካልእ ከባብታትን ዝለሓመ ዝሓለፈ ውግእ፡ ናይ ብዙሓት ህይወት ምጥፋእን ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕታ፡ ዝለዓለ ዕንወት ትሕተ-ቅርጻ ከም ዘኸተል እውን ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ናይ ምድኻም ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ’ውን ጠቒሱ። እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ብግብሪ ንሰብኣዊ መሰል ግቡእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃበ ድማ ኣብቲ መጠቀቕታኡ ኣስፊሩ።

ኢርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣብ ህዝቢ ዝወረደ በደል ከምዘይተገደሱ ጠቒሱ ከኣ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ብ2023 ኣብ ኢትዮጵያ ገበናት ዝምርምር ቀዋሚ ኮሚተ ኣብ ምቛም ከምዘይተዓወተ ኣቃሊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ሎሚ ግዜኡ ኣብቲ  ከባቢ ናይ ዲፕሎማስን ወጥሪ ጠጠው ናይ ምባልን እዩ ክኸውን ዝገባኦ ኢሉ። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ወገናት ክንቀሳቐስሉ ድማ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ኣብዚ እዋንዚ ካብ ቀንዲ ደገፍቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኮይኖም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ተጋሩ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበታብ ጋዜጣ ሪፖርተር ክፍሊ እንግሊዘኛ ሓደ ጽሑፍ ኣውጺኡ’ሎ። ንሱ ኣብቲ ጽሑፉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተዋሳኢት ንምዃን፡ ቅድም ቀዳድም ውሽጣዊ ጸጥታዊ ብደሆታታ ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሕ፡  ኣብ ቁጠባዊ ዕቤታ ከተተኩርን  ፍትሓዊ ምምሕዳር ከተውሕስ ይግበኣ ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ጉዳይ ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሰላም ምፍታሕ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ኣብ  ጉዳይ ኢትዮጵያ ምኹናን ግና  የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣብቱ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ጨንፈር ቁ. 2 ሰዲህኤ ሃገረ ሽወደን ብ21 ሕዳር 2025 ካብ 8ተ ከተማታት ሽወደንን ደንማርክን ተሳተፍቲ ዝተረኽቡሉ ሰፊሕን ዕዉትን ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ ኣቦ። ኣወንበር ጨንፈር  ብሰላምታ ከፊቱ ኣባላት ጨንፈር ዘሎዎም ንጡፍን ዉፉይን ተሳታፍነት ኣብ ዕቤትን ጽንዓትን ስሪዒታዊ  መትከላዊ ንቅሓትን  ምጣኔ ሃብታዊ  ህርኩት ወፈያ ዘይሕለሉ  ምዃኖም ብዝርዝር ኣቅሪቡ።

ኣተሓሒዙ ድማ ምሳኹምን ካባኹምን ምዃነይ ይሕበን ኢሉ። ኣብ ቀጻልነትን ምውህሃድ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዘሎዎም ቅኑዕ ተረዳኦ፡ ሓድነታዊ መንፈስን ዕግበትን ዘርኣይዎ ትብንዓን  ተጻዋርነትን ኒኢዱ፡ ፍረ ጻማ ንዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

 ጨንፈር ቁ. 2 ሃገረ ሽወደን ኣባል ፈጻሚ ሽማገለን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝሓቆፈ ብምዃኑ፡ ኩሎም በብተራ ዘሎዎም ዓሚቅ ኣፍልጦን ተመክሮን ተሳታፍነትን ምስ ኣብነታቱ እናዘርዘሩ ሓቀኛ ናይቲ ሎሚ ዘሎ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ናብ መንእሰይ ዘተኮረ ምቅራቦም ብሉጽን ሃብታምን ኣኼባ ነይሩ። እዚ ናይ ክልተ ሰዓታትን ፈረቃን ዝወሰደ ኣኼባ ብኣገስትን ሃነጽትን ንዕቤት ምጣኔ ሃብቲ ሰልፊ ዝሕግዙ ፈጠራዊ መደባት ክገብሩ ሓያሎ ለወባታት ብምቅራብ ከምቲ  ልሙድ ስምምዖም ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ክራኸቡ ኣኼባኦም ዛዚሞም።

 

ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሪካ ድናልድ ትራምፕ፡ “ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት “ብህጹጽ ምዕጋት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ህውከት፡ “ካብ ዓለምና ዝዓብየ ሰብኣዊ ቅልውላው” ክብል ገሊጽዎ። እቲ ፕረሲደንት ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ከም ዝጠቐሶ፡ ልኡል ሳዑዲ ዓረቢያ ወሲኽካ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዕራብ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ምፍታሕ ጽልዋኡ ንከሕድር ከም ዝጸውዕዎ ሓቢሩ።

ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ነቲ ዝቐረበሉ መጸዋዕታ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጥሕሰታትን ምምዝባላትን ንምህዳእ ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ፡ ብፍሉይ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ኤመረትን ግብጽን ብምጥቃስ፡ ከምኡ እውን ምስ ካለኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝተሓባብረ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንሱዳን “በዓልቲ ዓብይ ስልጣነን ባህልን ክነሳ ናብ ሕማቕ ኩነታት ዝኣተወት” ክብል ገሊጽዋ። እንተኾነ እቲ ኩነታት ናይቲ ዞባ ጻዕሪ’ውን ተወሲኽዎ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ኣሚቱ። ኣብቲ መግለጺኡ ብዛዕባ ዕዙዝን ህጹጽን ኣድላይነት ሕክምና፡ መግብን ካለኦት መሰረታዊ ነገራትን ንሱዳን’ውን ጠቒሱ።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብ18 ሕዳር 2025 ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ትራንፕን ሱዑዳዊ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ዝተገብረ ዘተ ጉዳይ ሱዳን እቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ ዛዕባ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ውግእ ሱዳን ብ2023 ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣሪካ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘትሉ ምዃኑ ዘርኢ ምዃኑ ተገሊጹ።

 እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ኮሚተ ልኡላውነት ሱዳን ነቲ ተገዳስነት ንግስነት ሳዑድ ዓረብን ኣሜሪካን ከም ዝቕበሎ ገሊጹሎ። እቲ መግለጺ ትራምፕ እውን ህዝቢ ሱዳን ዝጽበዮ ሰላም ንምምጻእ ናይቲ መንግስቲ ተሳትፎ ወሳኒ እዩ ኢሉ። እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን ኤመራት ኣብ ውግእ ሰዳን ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ትሰርሕ ስለ ዘላ  ብህላወኣ  ኣብቲ መስርሕ ሰላም ሕጉስ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱሎ።

ሪካ በዚ ኣትያቶ ዘላ ቃል ጉዳይ ሱዳን እንተደኣ ተፈቲሑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩነታት ዞባና ከምኡ እውን ኣብ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእልዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት’ዩ።

ሰሙናዊት መጽሐት ዘኢኮነምሲ (The weekl Economist)፡ ኣብ ናይዚ ሰሙንዚ ሕታማ፡ ብሓፈሻ ንፖለቲካዊ መስሊ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ሓጺር ዳህሳስ ኣቕሪባ። ኣብቲ ዳህሳሳ ድማ “ሓደጋ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊራ። ኣተሓሒዛ ከኣ እቲ ብሳላ ውዕል ፕሪቶርያ 2022 ተረኺቡ ዝነበረ ሰላም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ስለ ዘሎ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ስግኣት’ዩ ክትብል ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ።

ብገምጋም እታ መጽሐት፡ ዋላ’ኳ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣሎ ዝበሃል እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝጸንሐ ዝምድና ቅልጡፍ ወጥሪ ይምዕብል ኣሎ ኢላ። ህወሓት ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምጥሓስ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ዝነበሮ ገንዘባዊ በጀት ጠጠው ብምባልን ብወተሃደዊ ምፍርራሕን ከም ዝኸሶ እታ መጽሐት ጥቒሳ።

እቲ ምክሳስ ብኽልቲኡ ወገናት ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰት ዘኢኮኖሚስት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ፡ ውግእ ከምዘይድግፍ ገሊጹ ከብቅዕ፡ ውግእ እንተጀሚርና ግና ጠጠው ከብለና ዝኽእል ሓይሊ የለን ከም ዝበለ ኣስፊራ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ንወያነ ከየጥፋእና ሰላም ኣይንረክብን ኢና” ምባሉ ጠቒሳ። ኣተሓሒዛ ከኣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሕድሕድ ምክፍፋላት ዝምልከት  ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ኣስፊራ።

.

መጽሐት ዘኢኮኖሚስት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዝምድና እናኸፈአ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢራ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድሕርን ወደብን ምልዓላ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘራኽብ ዶባት  ወተሃደራዊ ምድላዋት ዘርእዩ ምስልታት ይወጹ ከም ዘለዉ ጸብጺባ። እዚ ምዕባለዚ ኣብ ንህወሓት፡ ፋኖ ኣምሓራን ገለ ሓይልታት ሱዳንን ዝምልከት ኣሰላልፋ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ ኣብ ዝሃለወሉ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ዜናዊ  ጸብጻባ ተጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰዓብተንን ኢድ ኣዙራዊ  ውግእ ክባራዕ ከም ዝኽእል ስግኣታ ብምጥቃ ኣጠንቂቓ።

መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ክገብርዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ጥንቃቐ መግለጺ ኣውጺኣ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያ ብወገኑ ዜጋታቱ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐስዎ ብዛዕባ ዘይግበኦም ከባብታት ዝምልከት መተሓሳሰቢ ምውጽኡ ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝለዓለ  ጸጥታዊ ስግኣትን ዘይምርግጋእን  ከምኡ እውን ብሰንክቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ጂንካ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ጥዕናዊ ስግኣት ኣብ ምንቅስቓሶም ከዘውትርዎም ዘይግበኦም ቦታታት ዘርዚራ። ካብቶም ከይንቀሳቐስዎም ዘጠንቀቐቶም ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ሲዳማን፡ ከምኡ ድማ ዝተወሰና ዞባታት ክልል ኦሮሞ፡ ሰሜን ሽዋ፡ ምዕራብ፡ ምብራቕ ወሎ፡ ወለጋ ቀሌምን ሆሮ ጉድሩን ኣብቲ መጠንቀቕታ ተዘርዚረን።

እቲ ብ14 ሕዳር 2025 ዝወጸ ናይ ካናዳ መጠንቀቕታ ኣብተን ዝጠቐሰን ክልላትን ዞባታትን፡ ውግእ፡ ሲቪላዊ ምምዝባላትን ዝተፈላለዩ ገበናትን ይገዱ ምህላዎም ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ካልእ ቦታታት ብምርእኣይ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትርከብ ጠቒሱ። ነቲ መጠንቀቕታ ዘውጽኡ ሰብ መዚ ካናዳ ኣብተን ደሓን ዝበሃላ ከተማታት እውን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣብቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቦም።  ብፍላይ ድማ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ቤንሻንጉልን ኣብ ቀደማይ ደረጃ ስግኣት ዝስረዓ እየን ኢልወን።

እዚ ከምዚሉ እነሎ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ ናይ ዜጋታቱ  ናይ ምንቅስቓስ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ፡ ካብ ዶባት ኣብ ክሊ 25 ኪሎ ሜተር ንከይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።

ነዚ መጠንቀቕታ ከውጽእ ዘገደዶ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ዝበሎ ምትፍናን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ብሃንደበት ክቀያየር ይኽእል እዩ እውን ኢሉ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ብሪጣንያ ሓድሽ ነገር እንተ ተፈጢሩ፡ ካብኡ ምውጻእ ስለ ዘጸግም፡ ዜጋታቱ መሰረታዊ ነገራት ገዚኦም ክቕረቡ ይግበኦም ክብል እውን ኣዘኻኺሩ።