
ኣምበስዳር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዶር. ኣብረሃም ንጉሰ
ኣምበሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣኼባ ከም ዝተሰጐጐ ኣልጀዚራ ሓቢራ። እስራኤል ካብ 2002 ጀሚሩ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ናይቲ ሕብረት ብተዓዛብነት ናይ ምስታፍ ፈቓድ ካብ ዝተዋህበን ሓገራት ሓንቲኳ እንተኾነት ኣምበሳድራ ካብዚ ናይ 7 ማዝያ 2025 ዝተሰጐ ብዙሓት ናይቲ ኣኼባ ተሳፍቲ ኣፍሪቃውያን ኣምበሳድራት ብዘስምዕዎ ተቓውሞ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ዓመታዊ ንህልቂት (Genocide) ዝምልከት ርክብ ከም ዝነበረ እውን ተፈሊጡ።
ኣልጀዚራ ብዛዕባቲ ጉዳይ ዘዘራበቶም ዲፕሎማት ጠቒሳ ከም ዝገለጸቶ; እቲ እስራኤላዊ ኣምበሳደር ዶር ኣብረሃም ንጉሰ ክሳተፍዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይንበረ ኣብ ተሳተፍቲ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ብሰንክ’ቲ እስራኤላዊ ኣምበሳድር ንዝተወሰነ ግዜ ተቛሪጹ ከም ዝነበረን ድሕሪ ካብቲ ኣዳራሽ ምስጓጉ ከም ዝቐጸለን ከኣ ተፈሊጡ። ነቲ ኣምበሳደር ናብቲ ኣኼባ መን ከም ዝዓደሞ ከኣ ይጻረ ከም ዘሎ ከኣ ተሓቢሩ።
እቲ ዜና ካብ 2002 ጀሚሩ ተሳትፎ ተዓዘብቲ ኣብ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራትን ትካላትት 87 ዝበጸሐ ኮይኑ፡ እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ስሩዓትን ፍሉይትን ኣኼባ ተሳቲፎም ሓሳብ ናይ ምሃብ እምበር ናይ ምድማጽ መሰል የብሎምን። ፍልስጥኤማዊ ውድብ ፒኤልኦ (PLO) ግና ካብ 1973 ጀሚሩ እዩ ተዓዛቢ።
ናይቲ ኣምበሳደር ካብቲ ኣኼባ ምስጓግ ብሰንክቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጢኤማውያት ትፍጽሞ ዘላ ጭካኑ ኮይኑ ተጽዕኖ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያል ምዃኑ ከኣ ኣብቲ ናይ ኣልጀዚራ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ልኡኽ እስራኤል በዚ ምኽንያት ካብ ተዓዛብነት ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ክስጐግ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ እውን ተዓዘብቲ ገሊጾም።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንደቡብ ሱዳን ዝተዋህበ ቪዛ ክስረዝን ሓድሽ ከይወሃባን ከም ዝወሰነት ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ናይቲ ውሳነ ጠንቂ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣሪካ ዝምለሱ ዜጋታታ ክትቅበል ቅርብቲ ብሰንኪ ዘይምዃና ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
እቲ ነዚ ውሳነ ብዝምልከት ብ4 ማዝያ 2025 ዝወጸ መግለጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ህልዊ ቪዛ ናይ ምስራዝን ሓድሽ ከይወሃብ ናይ ምእጋድን መግለጺ ዝሃበ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ማክሮ ሩቢዮ እዩ። ንሱ ኣብቲ መግለጺኡ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ዜጋታታ ክትቅበል ፈቓደኛ ስለ ዘይኮነት ንምቕጸዓ ዝተዋህበ ውሳነ እዩ።
ማክሮ ሩቢዮ ደቡብ ሱዳን ብናይ ኣመሪካ ጸጋታት ክትጥቀም ከም ዝጸንሐት ጠቒሱ፡ ድሕሪ ሕጂ ግና ናይ ኣሜሪካ ውሳነ እናነጸገት ተጠቃሚት ክትከውን ኣይክትክእል እያ ኢሉ። እቲ ውሳነ ናይ ኣሚሪካ ኣሰራርሓ ኢሚግረሽን ንምሕያል ዝተወስደ ምዃኑ እውን ኣብቲ መግልለጺኡ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ከኣ ዝኾነት ሃገር ብኣመሪካ ይኹን ብኻልእ ዜጋታታ ክትርክርብ ክትሕተት እንከላ፡ ነቲ ውሳነ ክትቅበል ናይ ግድን እዩ ኢሉ። ብምቕጻል ድማ ደቡብ ሱዳን ሓሳባ ቀይራ ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ክትቅበል ፈቓደኛ እንተኮና፡ ኣብቲ ንምስራዝን ምኽልካልን ቪዛ ዝምልከት ውሳነ ዳግመ-ርኢቶ ክግበር ከም ዝከኣል ኣመላኺቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንክ’ቲ ኣብ መንጎ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ማርድያትን ቀዳማይ ምክትሉ ሪክ ማቻርን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እቲ ኣብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተራእየ እሞ ህይወት ኣማኢት ኣሸሓት ዝቐዘፈ ውግእ ሕድሕድ ከይድገም ኣብ ዝስገኣሉ ዘሎ ግዜ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ሽማግለ ምልኣኹ እቲ ሕብረት ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ርእሲቲ ብናይ ዜጋታት ማዕበላዊ ምምዝባልን ከቢድ ሕጽረት መግብን ትሳቐ ምህላዋ ብውግእ ሕድሕ ናይ ምብራዕ ሓደጋ’ውን ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ገዲም ተቓላሳይ ብጻይና እስማዒል ናዳ ብ27 መጋቢት 2025 ተሰዊኡ ዝብል ሓበሬታ ብመሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። እስማዒል ናዳ ኣብ 1976 ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባአ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተሳቲፉ ኣባል ማእከላይ ኮሚተ ኮይኑ ከም ዝተመርጸ ታሪኹ ይሕብር። ኣብ ርእሲ ናይ ማእከላይ ኮሚተ ኣባልነቱ ከኣ ኣብ ሃገር ሱዳን ካርቱም ናይ ዝነበረ ናይቲ ማሕበር ጨንፈር ጠርናፊ እውን ነይሩ። እስማዒል ናዳ ምስ ሱዳናውያን ብዝነበሮ ጽቡቕ ዝምድና ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጽገሙ እንከለዉ ብዘይ ይኹነ ዝኹን ምፍልላይ ይሕግዞም ከም ዝነበረ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ይምስክሩ።
ድሕሪ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ምእታዋ፡ ካብ 1982 ንደሓር ከኣ ምስ ሰውራዊ ባይቶ ብቐረባ ይተሓባበር ከም ዝነበረን፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ንሓርነት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ድማ ኣቦመንበር ውድብ “ምንቅስቓስ ጋሽ-ሰቲት” ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ። ብምቕጻል ኣድላይነት በበይኑ ዝነበረ ዓቕምታት ኣብ ሓደ ኣስሚርካ ምቅላስ ዝሓሸን ዝበለጸን ምዃኑ ብምርዳእ፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ብምቕባል ውድቡ መሪሑ ኣብ ምሉእ ስምረትን ምትሕንፋጽን ኣተወ።
ተቓላሳይ እስማዒል ናዳ፡ ንሓድነት ተቃወምቲ ሓይልታት ካብ ዝነበሮ ጽኑዕ እምነት፡ ናብቲ ንምቋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየደ ዝነበረ መስርሕ ኣካል ሰህኤ ኮይኑ፡ ምስ ኩሎም ናይቲ ምንቅስቓስን ብጾቱ ብዕግበት ካብዝተቐበሉ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ምቛም ሰዲህኤ ከኣ ካብ ኣባል ማእከልይ ባይቶ ጀሚሩ፡ ኣብ ዞባ ሱዳን ክሳብ’ዛ ብመስዋእቲ ዝተፈልየላ ዕለት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሓታት ብትግሃት ተቓሊሱ።
እነሀ ከኣ ካብ መስዋእትነት ዝተርፍ ተቓላሳይ ስለ ዘየለ፡ ብ27 መጋቢት 2025 ኣብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዓሪፉ ኣብኡ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ሰለዚ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጸና፡ ንእስማኦኢል ናዳ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ይሃበና ንብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ30 መጋቢት 2025 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መእተዊ እቲ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ “እንኳዕ ናብ ኣኼባ ብደሓን መጻእኩም፡ እንኳዕ ከኣ ናብ ዒድ ኣልፈጥሪ 2025 ኣብጸሓኩም” ድሕሪ ምባል፡ ህልዊ ኩነታት ሰልፍናን ዞባናን ኣብ ዝምልከቱ ብዛዕባታትን ዝረኣዩ ዘለዉ ምዕባለታትን ዝዳህሰሰ ሓጺር ቃል ኣስሚዑ።
ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባኡ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕን ናብ ዝሰፍሐ መድረኽ ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ዘተን ዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ካብ ዝከታተሉ ኣካላት ሰሚዑ። ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ብሰፊሑ ተመያይጡን ሰዲህኤ ኣባል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብምዃኑ፣ ግዲኡ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ተረዳዲኡ።
ብዘይካዚ ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ናብ ውግእ ከየምርሕ ዘስግእ ምስሕሓባት ተመያይጡ። እቲ ንህዝብታት ዘየርብሕ ውግኣት ብኸመይ ይውገድ ኣብ ዝብል እውን ሰፊሕ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ኣካይዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ ነዚ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ለውጥታት ብትኹረት ክከታተሉ ኣዘኻኺሩ።
ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባዊ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰዲህኤ ኣብ ዝሰርዖ ወርሓዊ ኣኼባ፡ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንቅዋማዊ ኣሰራርሓ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብዚ ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሓላፍን ብጻይ ጎይተኦም መብራህቱ፡ ብዛዕባ መምዘኒ ኣባልነት፡ ኣባልነት ሰልፊ ዝወሃበሉ ትካላዊ መስርሕ፡ መሰላትን ግቡኣትን ኣባላት ሰልፊ፡ ነጻነት ኣባል ኣብ ምቕራብ ህናጺ ሓሳባት ኣብ መድረኻት፡ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ካብቲ ግቡኣት ኣባላት ድማ፡ ነብስኻ ምምዕባል፡ ሓድነት ሰልፊ ምዕቃብን ቁጠባዊ ዓቕሚ ምሕያልን፡ ብዝሒ ኣባላት ኣብ ምስፋሕ ምጽዓትን ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ብሰፊሩ ኣብሪሁ።
ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ዘሎ ምምሕዳር ኣሰራርዓን ናይ ኣባላቱ ምክፍፍፋል ስረሓትን ዝምልከት ከምኡ እውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ምምሕዳር ብጽሒትን ናይ ሕድሕድ ርክባትን ኣብ ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ብዛዕባቲ ኣባላት ምምሕዳር ብሓባርን በብግሎምን ዘካይድዎም ንጥፈታትን ተሓታትነቶምን ከኣ ብኣብነታት እናሰነየ ንተሳተፍቲ ገሊጹ።
ኣብቲ ድሕሪ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዝተዋህበ መበገሲ ሓሳብ ምቕራቡ ዝተኻየደ ምይይጥ ድማ፡ ሓደስቲ ኣባላት ዝምልመልሉን ኣብዚ መዳይ ዝዋፈርሉን፡ ኣባላት ዝተማእከለ እዋናዊ ሓበሬታ ዝረኽብሉ፡ መንእሰይ ተረካቢ ሕድሪ ንክኸውን ዝተባበዓሉ ሜላታት ዝብሉን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ተዘትይሎም።
ሰልፍና በቲ ኣብ ዞባናን ዓለምናን ዝምዕብል ዘሎ ሓደስቲ ተርእዮታት ዝጽሎ ስለ ዝኾነ; ነቲ በብግዜኡ ዝረአ ለውጢታት ኣብ ግምት ዘእተወ ብዝተፈላለዩ ሰልፋዊ ትካላት ቀጸልቲ ርክባትን ሰሚናራትን ክግበሩን ኣብዚ መዳዚ ግደ መንእሰያት ኣባላት ሰዲህኤ ዕዙዝ ምዃኑን ኣብቲ ኣኼባ ተላዒሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ተሳተፍቲ እዚ ወርሓዊ ኣኼባ ኣባላት፡ በቲ ተታሒዝሉ ዘሎ መደብ ክቕጽል ለበዋ ኣቕሪቦም። ቤት ጽሕፈት ውደባ ኮነ እቲ ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ድማ ነቲ ዝቐረበ ለበዋታት ከተግብርዎ ቅሩባት ምዃኖም ድሕሪ ምርግጋጾም ኣኼባ ተዛዚሙ።
ትካል ሰባኣዊ ሓልዮት ኤርትራ፡ ብጉዳይ’ቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ጸገም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መፍትሒ ንምርካብ ኢዶም ንክሕውሱ ብምጥቃስ፡ ናብ ፍሊፖ ግራንዲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መልእኽቲ ከም ዝሰደደ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ብዳይረክተር ናይቲ ትካል ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም፡ ዝቐረበ መጸዋዕታ፡ ኣባላት ጸጥታ ግብጺ ካብቶም ተገዲዶም ካብ ሃገሮም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ንብዙሓት ብሓይሊ ኣገዲዶም ይመልስዎም ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።
እቲ ኣገደድካ ምምላስ፡ ምስቲ ኣብ ካይሮ ዘሎ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ብምትሕብባር ዝካየደ ዘሎ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብወግዒ ተመዝጊቦም መረጋገጺ ዝሓዙ እውን ግዳይ ናይቲ ተገዲድካ ብሓይሊ ምምላስ ይኾኑ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ።
እቲ ተግባር ግሉጽ ጥሕሰት ኣንጻርቲ ብ1951 ግብጺ እውን ዝኸተመትሉ ንመሰል ስደተኛ ዝከላኸል ውዕልን ካለኦት ተዛመድቲ ሰባት ተገዲዶም ናብቲ ንህይወቶም ዘስግኦም ስርዓት ከይምለሱ ዝጣበቑ ሕግታትን ዝጥሕስ ምዃኑ ኣብቲ መልእኽቲ ሰፊሩ። እዞም ግዳያት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥሞም ዝተፈላለየ በደላትን ጭቆናን ዝሃደሙን እንተተመሊሶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወድቕን ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ ኣብ ግብጺ ዝረአ ዘሎ ተግባራት ዘይሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ሻቕሎት ዘሕድር ምኹኑ እውን ተመልኪቱ።
እቲ መጸዋዕታ ናይ ብዙሓት ግዳያት ሓጸርቲ ርእይቶታት’ውን ዘስፈረ ኮይኑ፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ኣገዲድካ ምምላስ ጠጠው ክብል፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ብቕልጡ ክፍትሑ፡ ህጹጽ መጽለሊ ክዳለወሎም፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላት ብምትሕብባር መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት ክወሃቡን ናብ ውሑስ 3ይ ቦታ ዝኸድሉ ኩነታት ክዳለወሎምን ዝብሉ ለበዋታት ድማ ኣካልቲ መልእኽቲ ኮይንም ቀሪቦም።
“ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ” ዝተባህለ ጉጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ “ልኡላውነት ኤርትራን ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሲቲ ዘሰናደኦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣፋሊጡ። እዚ ሰነድ ብ24 መጋቢት 2025 ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማምን ኣብቲ ኣባላቱን ዝዓደሞም ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍሉ ኣኼባ እዩ ነቲ ሰነድ ኣቕሪብዎ። እዚ መወከሲ ንክኸውን ዝተዳለዉ ጽሑፍ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ እንግሊዝን ኣምሓርኛን ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ እውን ብኣርባዕቲኡ ቋንቃታት ተነቢቡ።
እቲ ሓይሊ ዕማም ነዚ መጽናዕታዊ ሰነድ ከዳሉ ዘለዓዓሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ13 ጥቅምቲ 2023፡ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ባህርያዊ ዶብ ኢትዮጵያ`ዩ” ክብል ምዝራቡን፡ ሃገሩ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ክህልዋ “ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ጉዳይ`ዩ” “ ክብል ዘስመዖ መደረ ምዃኑ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብቲ ሰነዱ ኣስፊሩ። እቲ ሰነድ ኣብቶም ብኢትዮጵያ ተደጋጊሞም ዝለዓሉ 4ተ ዛዕባታት፡ 1) ታሪኽ፡ 2) ጆግራፊ፡ ደሞግራፊን ኤትኒካዊ ዝምድናታት፡ 3) ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕርን 4) ቍጠባን ጸጥታን ኣተኲሩ ዝተጸንዐ ምዃኑ ኣብቲ ጽሑፍ ተጠቒሹ’ሎ።
ኣብቲ ታሪኻዊ ክፋል፡ ኤርትራ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ልኡላውነት ንምብጻሕ ዝተጓዕዘቶ ኘዊህ መስርሕ ቃልሲ ዘርዚሩ። ኣብ ዞባና ቅድሚ ነውሕ ዓመታት ክርአ ዝጸንሐ ደሞግራፋዊ ለውጥታት ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኮይንካ ክረአ እንከሎ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ክትውንን ዘኽእላ መርተዖ ከም ዘየለን ብስምምዕ ምስታ ወናንቲ ወደብ ሃገር ኣገልግሎት ክትረክብ ግና ከም ዝከኣል ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብመንጽር ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ኣህጉራዊ ሕግታትን ቀይሕ ባሕሪ ኣካል ኤርትራዊ ልኡላውነት ምዃኑ ከም ዘነጽር ኣመልኪቱ። ምስዚ ከኣ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ወደብ ዘይምውናና ከጋጥማ ዝኽእል ጸጥታውን ቁጠባውን ሓደጋ ከምዘየለ ኣርእዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዞም ዝስዕቡ መፍትሒ ሓሳባት ኣቕሪቡ።
“(1) ኢትዮጵያውያን ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘየወላውል ኣኽብሮት ክህልዎም ይግባእ፡
(2) ኤርትራን ካልኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ጐረባብቲ ሃገራትን፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ፡ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕርን ትራንዚትን (ምትሕልላፍ) ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰላ ኣፍልጦ ክህባን ክድግፋን፡
(3) ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሰናይ ድሌት ዝተሞርኰሰ ሃናጺ ጽሞዶን፡ ንኽልቲኡ ህዝብታት ዝጠቅምን ናይ ሓባር ዓወት ዘረጋግጽን ክልተኣዊ ስምምዓትን ዝምድናታትን ክምስርታ፡
(4) ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስግኣት ካብ ምፍጣርን፡ ብሄረ ዓፋር ማእከል ዝገበረ ናይ ብሄር ካርድ ካብ ምጽዋትን ምትኽታዅን ክትቁጠብን
(5) ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ድማ፡ ንዘላቒ ናይ ሓባር ዓወታት ዘጓናጽፉ፥ ኣብ ከም ዞባዊ ቍጠባዊ ውህደትን፡ ምቛም ሓባራዊ ጸጥታን ዝኣመሰሉ፡ ተኽእሎታት ክድህስሳን ሓባራዊ ስምምዓት ክበጽሓን ይግባእ።” ይብሉ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ስራሑ ከም ዝወደአ ዝገለጸ ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ጠርናፊ ዶ/ር ዮሃንስ ሃይለን ካለኦት ኣባላትን፡ ብተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ብምሃብን እቲ ጽሑፍ ናብ ኩሎም ኣካላት ንክበጽሕ ለበዋ ብምቕራብን ኣኼባ ተደምዲሙ።
ዜናዊ ጸብጻብ ርክብ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ምስ መንእሰያትን ማሕበረሰብን በሪስበን
Sunday, 23 March 2025 14:20 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ23 መጋቢት 2025 “ኤርትራዊ መንእሰይን ማሕበረሰብን (Eritrean Youth & Community)” ኣብ ኣወስትራሊያ ከተማ ብሪስበን ኣብ ዝጸውዖ ህዝባዊ ሰሚናር ተሳቲፉ።
ብጻይ ገረዝግሄር ኣብዚ ብዙሓት ብኣካልን ብዙምን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ናብ ከምዚ ዝኣመሰዘ ኩነታት ዝወድቕና ምኽንያታት’ውን ኣብሪሁ። ብምትሕሓዝ ከኣ ወጽዓ ዝቕበል ህዝቢ እንተልዩ ወጻዒ ክህሉ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ “እምቢ ንወጽዓ” ክብል ይግበኦ ኢሉ። ቀጺሉ ድማ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ወጽዓን ወጻዕትን ዝምልከት መጽናዕታዊ መዛግብቲ ብምምርኳስ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ኣብ ሃገርና ናይ ህዝቢ ምእዙዝነት ንህግደፍ በቲ ዝመረጾ ወጻዒ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንክዕንድር ከም ዘተባብዖ’ውን ገሊጹ።
ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይባራዕ ዘስግእ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናይ ድሕሪ 2018 ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ፡ “ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ፍልልይ ኣሎ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ኣብይ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ኣነ ከኣ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ድላይካ ናብ ኩሉ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ” ዝበሎ ፡ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ “ኣነን ኢሱን እንካፈሎ ዓሳብ ይኸውን” ክብል እንከሎ “ይድገም ይደገም” ዝበሃለሉ ዝነበረ ኩነታት፡ ነቶም ካብ ቀደሙ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያዊ ወገናት እዚ ሎሚ ዝደጋገምዘሎ ሕቶታት ከልዑ ከም ዝተባብዖም ኣገንዚቡ። ብምቕጻል ከኣ ኤርትራዊ ልኡላውነትና እናዓቀብና፡ ነቲ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘየርብሕ ውግእ “እምቢ” ክንብል ይግበኣና ኢሉ።
ብጻይ ገረዝጊሄር መቖምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምውሓስ መሰረታዊ መሰላትን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እዞም መቖምያታት ከኣ መብርሂ ሂቡ። ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ መስርሕ ምምስራት ጽላል ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲይዊ ለውጢ ድሕሪ ጉባአኡ ኣካል ፖሓኤ ክኸውን ዘለዎ ትጽቢት ብምግላጽ ድማ፡ ምስ ልፍንቲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘተ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ሰዲህኤ ንብሪጌድ ንሓመዱ ከም ሓደ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ 4ይ ጉባአኡ፡ ከም ዝተባበዖ ብምጥቃስ፡ ንዘካይዶ ቃልሲ ኮነ ምስኣቶም ንዝግበር ርክባት ንክሕግዝ ትካላዊ ጥርናፈ ክህልዎምን ናይ ገዳይም ተቓለስቲ ተመኩሮ ምቕሳምን ከም ዘድልዮ ኣገንዚቡ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ንጹር መትከላት ዝተሰረተን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝዓቀበን ክኸውን ከም ዝግባእ ጠቒሱ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ርክብ’ውን ከምቲ ምስ ጐረባብትና ህዝቢ ኩናማ፡ ዓፋር፡ ኮነ ሕዳርብ ዝግበር ኮይኑ፡ ንሓድነት ኤርትራን ህዝባን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዘይጻባእ ክኸውን ይግበኦ ኢሉ።
ንግደ መንእሰይ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ መንእሰይ ተስፋ ህዝብን ሃገርን እ ኢሉ፡ ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ዝሓልፍ ዘሎ ወለዶ ብወገኑ ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ስደትን ካልእ ሕሰማትን እንተኾነ፡ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣረኪቡ እዩ ኢሉ። ኣብ መጻኢ ግደ መንእሰይ ዲሞክራስያዊ ሃገር ምህናጽ ምዃኑ ብምሕሕባር ድማ፡ መንእሰይ ኣብ መጻኢ ጉዕዞ ቃልሱ ክሰንቆም ብዛዕባ ዝግበኦም ሓሳባት ሰፊሕ ምዕዶ ሂቡ። እቲ ስፍሕ ብዝበለን ኣብ ተመኩሮታት ዝተራእየን ኣሰንዩ ዝሃቦ ምኽሪ ከኣ። እዚ ዝስዕብ ይርከቦ።
“ዘጋጥም ናይ ምፍልላይ ዕንቅፋታትን ስምዒታትን ኣወግዱ፡ ናይ ካልእ ኣገልጋሊ ከይትኾኑ፡ በይንኹም ከተዕርዩ ከምዘይትኽእሉ ተረድኡ ብቑዓት መቓልስቲ ርኸቡ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ክትገብሩ ከም እትደልዩ ኣቐዲምኩም ኣነጽሩ፡ ስቕታ መሪጾም ንዝጸንሑ ኣበራብሩ፡ ብዘለኩም ዓቕሚ ተኣማሚንክም ተበገሱ፡ ምህናጽ ልሙጽ ዘይኮነስ ዕንቅፋት ሓሊፍካ ዝረጋገጽ ምዃኑ እመኑ፡ ከይሰሳዕኩም ብንእሽቶ ጀምሩ፡ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ይሃልኹም፡ …… ጽባሕ ሓቢርና እንዓብየላ ዓለም ኣብ ምህናጽ ጽዓሩ።” ዝብሉ ይርከብዎም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብቶም መብርሂ ዝሃበሎም ሓሳባት ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ኣገደስቲ ለበዋታትን ርኢቶታትን ከኣ መዝጊቡ።
ካብቶም ግዳይ መጥቃዕቲ ዱሮን ዝኾኑ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታት
ኣርባዕተጋዜ ጠኛታት መንግስታዊ ተለቪዥን ሱዳንን ክልተ ወተሃደራዊ ሪፖርተራትን፡ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቲ መጥቃዕቲ በቲ ካብቲ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ቤተመንግስቲ ተደፊኡ ዝለቐቐ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሚሊሻን ዝተፈጸመ እዩ። እቶም ጋዜጠኛታት እቲ ቤተመንግስቲ ብሰራዊ ሱዳን ምስ ተታሕዘ ሙያዊ ግቡእ ንምፍጻም ዝብቲ ቦታ ቀልጥፎኦም ምስተረኽቡ ኣብ ስራሕ እንከለዉ ዝተቐትሉ ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ዜና ሱዳን ካሊድ ኣለይሲር፡ ንመቕተልትቲ እቶም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብቶም ናይ ድሮን ግዳይ ዝኾኑ፡ ፋሩቕ ኣሕመድ መሓመድ ኣል ዛሂር፡ዲረክተር፡ ማጅዲ ዓብደል ራሕማን ሰኣላይን ዋጂህ ጃዕፈር መራሕ መኪናን ከም ዝርከብዎም ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝገለጾ እቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ መሊሻ ካብቲ ዳርጋ ንክልተ ዓመታት ክቆጻጸሮ ዝጸንሐ ቤተመንግስቲ ብሓይሊ ተደፊኡ ምስወጸ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዘዝነበን፡ ብሰንክቲ መጥቃዕቲ ኣብ ወተሃደራዊ ክፍሊ ተለቪዥን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ሌተናል ኮለኔል ሓሰን ኢብራሂምን ሻንበል ኢማድ ኢልዲንን ዝተባህሉ ክኢላታት ዝርከብዎም ሓያሎ ወተሃደራት ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብ21 መጋቢት2025 ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ሱዳን ከም ዝተቖጻጸረ ሓቢሩ፡ ነቲ ስርሒት ሱዳናውያን ከም ምልክት ናይ ምሉእ ብምሉእ ዓወት ናይቲ ሰራዊት ገይሮም ከም ዝወስድዎ ኣፍሊጡ። ናይ ሱዳን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ብወገኑ ናይቲ ቤተመንግስቲ ምትሓዝ ነቶም ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ኣእትዮም ነቲ ሚሊሻ ክሕግዙ ዝጸንሑ ናይ ግዳም ሓይልታት ናይ ውድቀቶም መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ ኢልዎ።
ቀይሕ ባሕሪ ክፍለ-ዓለማት ኣፍሪቃን ኢስያን ዘራኽብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኣብ መንጎ ወሽመጥ ስዊዝ ካናልን ባብኤል-መንደብን ዘሳፍሐ፡ ምስ ህንዲ ውቅያኖስን ባሕሪ መዲተራንያን በተን ወሽመጣት ዘራኸብ ዓብይ ማያዊ ክፍሊ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስና ሃገራት፡ ብወገን ምዕራብ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራን ጅቡትን ክኾና እንከለዋ፡ ብምብራቕ ድማ ሳዑዲ ዓረብያን የመንን ከዋስነኦ እንከለዋ፡ እስራኤልን ዮርዳኖስ እውን ብውሱን ደረጃ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝራኸባ እየን።
ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ 2,250 ኪ.ሜ ንውሓት ክህልዎ እንከሎ፡ ጠቕላላ ስፍሓቱ ከኣ 438,000 ትርብዒት ኪ.ሜ እዩ። ንጐኒ ዘለዎ ንውሓት ከኣ ኣብቲ ዝገፈሐ ኣካሉ 355 ኪ.ሜ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝጸበበ ወገኑ ከኣ 26-29 ኪ.ሜ እዩ።
ንቀይሕ ባሕሪ ዘዋስና ሃገራት ካብቲ ገማግሙ ዝተፈላለየ ንውሓት ዘለዎ ማያዊ ክፍሊ ይውንና። በዚ መሰረት ብግምታዊ ኣሃዝ ብመዕቀኒ ኪ.ሜ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ 2,640፡ የመን 1,906፡ ግብጺ 1,906፡ ሱዳን 853፡ ኤርትራ 1,151፡ ጅቡቲ 316፡ እስራኤል 273፡ ዮርዳኖስ ከኣ 26 ብጽሒት ኣለወን።
ናይቲ ባሕሪ ወነንቲ ሃገራት ነፍሲ ወከፈን እዚ ዝስዕብ ማያዊ ስፍሓት ይብጸሓን። ሳዑዲ ዓረቢያ፡ 186,392፡ ሱዳን 92,513፡ ግብጺ 91,279፡ ኤርትራ 78, 383፡ የመን 35, 861፡ ጅቡቲ 7,037 ትርብዒት ኪ.ሜ ይውንና።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈላለየ ስፍሓት ዘለወንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝህባን 521 ደሴታት ኣለዋ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ 10 ኣገደስቲ ወደባት ክህልዋ እንከለዋ፡ ንሳተን ከኣ፡ ወዳባት ጅዳ እስላማዊትን ያንቡን ናይ ስሳዑዱ ዓረቢያ፡ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ናይ ኤርትራ፡ ወደብ ፖርት ሱዳን ናይ ሱዳን፡ ወደብ ስፋጋ ናይ ግብጺ፡ ወደብ ኢላት ናይ እስራኤል፡ ወደባት ሑደይዳን ዓደንን ናይ የመን፡ ወደብ ኣቃባ ድማ ናይ ዮርዳኖስ እየን።
ዝለዓለ ቁመት ቀይሕ ባሕሪ 2,250 ኪ.ሜ ክኸውን እንከሎ፡ ዝገፈሐ ጐኑ 355 ኪ.ሜ ኮይኑ፡ እቲ ዝጸበበ ከኣ 26-29 ኪ.ሜ እዩ። ናይ ትሕቲ ማይ መሬት (surface) ስፍሓቱ ድማ 438,000 ትርብዒት ኪ.ሜ እዩ። ማእከላይ (average) ዕምቆቱ 490 ሜትሮ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓመቐ ድማ 3,042 ሜትሮ እዩ። ምስዚ ኣስታት 40% ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ዕምቆቱ ትሕቲ 100 ሜትሮ እዩ። ማይ ናይ ምሕዝ ጠቕላላ ዓቕሙ 233,000 ኩቢክ ኪ.ሜ እዩ ይበሃል።
ማይ ቀይሕ ባሕሪ 4.1% ጨዋም ከም ዝኾነን ምስ ናይ ካለኦት ማያዊ ኣካላት ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ምዉቕ ምዃኑን ካብ ካለኦት ባሕርታት ፍሉይ ዝገብሮ እዩ። ምስዚ ዓቐን ጨው ግና ምስ ምዉታት ባሕርታት ዝምደብ ኣይኮነን። ናብኡ ዝፈሱ ወሓይዝ ስለ ዘየለዉ፡ ማይ ቀይሕ ወትሩ ጽሩይን ንመስተ ክውዕል ዝኽእልን እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓመት ብሓንቲ ሴንቲ ሜተር ዓቐኑ ከም ዝውስኽ እውን ይሕበር። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት 1,200 ዓይነት ዓሳ ዝርከቡ ኮይኖም እቶም 10-20% ኣብ ካልእ ማያዊ ክፍሊ ዘይርከቡ እዮም።
ቀይሕ ባሕሪ ህንዳዊ ውቅያኖስን ባሕሪ መዲትራንያንን ብዘለዎ ናይ ምርኻብ ግደ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ብፍላይ ከኣ ኤስያን ኤውሮጵን ንምርኻብ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ፡ ነቲ ብኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣቢልካ ዝግበር ነዊሕ ጉዕዞ ብፍርቂ ብምንካይ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። 12-15% ግሎባላዊ ንግዲ ከኣ ብቀይሕ ባሕሪ ይመሓላለፍ።
መዘከርታ፡ እዚ ሓበሬታዚ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ናይ ኣቐራርባ ምቕይያራት ከጋጥም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ።