ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝጸውዖ ወርሓዊ ኣኼባ ኣባላት (ሰዲህኤ)፡ ብ20 መስከረም 2025 ተኻይዱ። ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ “ዲጂታላዊ ቁጠባ” ዝብል ኮይኑ፡ ብዛዕባዚ ዘመናዊ ቁጠባዊ ተርእዮ ሰፊሕ ኣገዳስን ኣስተምህሮ ዝሃበ ናይቲ ዛዕባ ክኢላ ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ እዩ።
ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ብዛዕባቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎን በብግዜኡ ቀልጢፉ ዝቀያየርን “ክሪብቶንን ምስኡ ዝተሓሓዙ ምህዞታትን ኣብ ቁጠባዊ ወፍሪ ዘርእዮ ዘሎ ዕቤትን” ሰፊሕን ዝተጸንዐን መብርሂ ሂቡ። ብዘይካዚ ባዛዕባ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ገንዘብን ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ዘርኣዮ ለውጥታትን ዝምልከት መግለጺ’ውን ሂቡ። ቅድሚ ገንዘብ ናብ መድረኽ ዕዳጋ ምምጽኡ ብነገራዊ ናይ ምልውዋጥ ዕዳጋ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ ብጻይ ደስበለ፡ ንግደ ገንዘብ ኣብ ዕቤት ዕዳጋ ክገልጽ እንከሎ ድማ “ናይ ዕዳጋ መራኸቢ” ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰንዩ ብቐሊሉ ኣብሪህዎ።
ኣብቲ መብርሂኡ ዝምድና ገንዘብን ወርቅን እውን ዝጠቐሰ ብጻይ ደስበለ፡ ገንዘብ ካብ ላዕሊ ብውሳነ መንግስታት እናተሓትመ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ዝነበረ ምዃኑ ሓቢሩ፡ እቶም ንዓኡ ንምትካእ ዝመጹ ከም ክሪፕቶን ዝኣመሰሉ ዘመናዊ ዲጃታላዊ ምህዞታት ግና ካብ ታሕቲ ዝነቕሉ ኮይኖም፡ ካብ ገንዘብ ዝያዳ፡ ግሉጽነት፡ ዘይምእኩል ኣጠቓቕማ፡ ስሉጥነትትን ውሑስን ምትሕልላፍ ዘተኣታተዉ ምዃኖም ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ተጠቃምነት እዚ ዲጂታላዊ ዘበናዊ ገንዘብ ይሰፍሕ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ናይተን ኣብዚ መዳይ መሪሕ ግደ ዝጻወታ ዘለዋ ሃገራት ኣስማተን ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ሓያል ውድድርን ከም ኣብነት ዘርዚሩ። እቲ ሓድሽ መስርሕ ተጠቃምነት ክሪፕቶን ምስ ዘመናዊ ምዕባለ ንምስጓም ዘኽእል ኮይኑ፡ ክሳራ ንከይጋጥም ቅድሚ ናብ ተግባር ምእታው መጽናዕቲ ምክያድ፡ ጥንቃቐ ምዝውታርን ምስ ቅልጡፍ ለውጥታት ምስጓምን ከም ዘድሊ እውን ኣገንዚቡ።
ድሕሪቲ መበገሲ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ እቲ ምዕባል ሓድሽ ምስ ምዃኑ ብዛዕባ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሕድሮ ስግኣትን ፍርሕን ምስ ተመኩሮታት ብምስናይ ሕቶታት ሓቲቶም፡ ብኣቕራቢ ከኣ ሰፊሕ መብርህታት ተዋሂብዎም።
ኣብ ትግራይ ሓድሽ ውድብ ተመስሪቱ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓርግ ሂቡ
Sunday, 21 September 2025 13:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ“ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)” ዝተባህለ ውድብ፡ ብ20 መስከረም 2025 ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝተመስረተ ናይቲ ምምስራት ግዝያዊ ኣተሓባባሪ ኣቶ ጉዕሽ ግዳይ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ትግራይ ሓቢረን። እቲ ብ31 ሓምለ 2025 ካብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ዝሓበረ ውድብ፡ ኣብዚ መስራቲ ርክቡ ዝምረሓሉ ቅዋምን ማንፌስቶን ከም ዘጽደቐን ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ከኣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን66 ወተሃደራዊ መኮነናት ናብ ዝተፈላለዩ ደረጃ መዓርግ ጀነራልነት ኣደይቡ።
ንውድብ ወለዶ ትግራይ ዝምስርቱ ዘለዉ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ኣካልቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ዝነበሩ እዮም። ብዘይካዚ ካብቶም መስረቲ መብዛሕተኦም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊው ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሕታት ምምሕዳር ትግራይ ተመዲቦም ዝነበሩ በቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ሓለነቶም ዝተመንዝዑን ድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ተገዲዶም ዝነበሩን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ኣቶ ጉዕሽ ግዳይ ኣብቲ መስራቲ ጉባአ፡ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ናይ ለውጢ ባህጊ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ውድቦም መንእሰይ ትግራይ ነቲ ባህጊ ኣብ ግብሪ ንከውዕል ኩነታት ንከጣጥሕ ዕድል ዝኸፍት እዩ ኢሉ። እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ መስርሕ ምምስራት ከም ዘሎ ዝጠቐሰ፡ ውድብ ስምረት ትግራይ ተፈልዩ ንገዛእ ርእሱ ዝውድብ ዘሎ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ህወሓት ብወግዒ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቶ ጉዕሽ ግደይን ናብ ዝምርሑ ሰለስተ ኣካላት ከም ዝተኸፍለ ዘመልክት እዩ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ናብቲ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ብዝምልከት ዘልዕሎ ዘሎ ዓመጸኛ ዛዕባ ብዘድሃበ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስትን ሓይሊ ሕማምን ዝበለን ኣካላት ምምስራቱ ተሓቢሩ። ብ20 መስከረም 2025 ድማ፡ ጐኒንጐኒ’ቲ ናይ ውግእ ፕሮፓጋንዳኡ፡ 4 ናይ ምሉእ ጀነራልነት፡ 2 ናይ ሌፍትናንት ጀነራልነት፡ 17 ናይ ሜጀር ጀነራልነትን 43 ናይ ብሪጌደር ጀነራልነትን ብድምር ን66 ወተሃደራዊ መኮነናት ዝለዓለ መዓርግ ከም ዝሃበ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣንበሳድር ማሳድ ፓውሎስ
ኣብ ውጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ላዕለዋይ ኣማካሪ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ፓውሎስ ብ17 መስከረም 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ርክቦም ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ኣብ እትገብሮ ርክብ፡ ንምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእ ብትሪ ንከተዕዝዝ ምኽሩ ምልጋሱ ተሓቢሩ። እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣተሓሒዙ፡ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ምርግጋጽ ቀንዲ ምርጫ ፕረሲደንት ትራምፕ ምዃኑ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝገለጸሉ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ጠቒሳ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጂርጂያ መሎኒ፡ ሓዱሽ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጋንግ ኮንግን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያን እውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ዝህድድን ውግእ ዝዕድምን ዘይልዙብ መልእኽቱ ንከቋርጽ ዝጽውዕ መልእኽቲ ምትሕልላፎም ተሓቢሩ። ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ምስቲ ኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ምርኻቡ’ኳ እንተተኣመነ ብዛዕባ’ቲ ዝተመያየጥሉ ኣጀንዳ ግና ኣይጠቐሰን።
ብዘይካዚ እቲ ኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ፡ ምስ ማሕሙድ ዩሱፍ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ፡ እቲ ሕብረት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኽሰት ምስሕሓብ ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዋሙ ኣብ ዓንቀጽ 3፡ “ምክልኻል ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ኣባል ሃገራት” ብዝብል ሰፊሩ መትከሉ የየካይዶ ንዘሎ ጻዕሪ ንኢዱ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ረዲአትን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያትን ከም ዝተዛረቡን ካብ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እዞም ዲፕሎማት ሻቕሎቶም ዝገልጹ ዘለዉ፡ ላዕለዎት ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ናብ ውግእ ንምእታው ዝዕድም ዘይሓላፍነታዊ መደረታት የጽዕቑ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ እዩ።
ስእሊ ካብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ስዊዘርላንድ
ኣርበዓን ክልተን ህልዊ ሰብኣዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዘሻቐለን ሃገራት፡ ኣብ ጀነቫ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሓባር መልእኽቲ ከም ዝጸሓፋ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። እተን ሃገራት ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺአን ኣብ ኢትዮጵያ መጻኢ ምርጫ 2026 ካብ ሓደ ዓመት ንታሕቲ ኣብ ዝተረፎ ግዜ ዝረአ ዘሎ ኩነታትሰብእዊ መሰል ከም ዘሻቕለን ኣስፊረን።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርገሐ መግለጺ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብደሆ ሰብኣዊ መሰል ብትሪ የሻቕለና ኣሎ፡ ካብቲ ዝረአ ዘሎ ብደሆታት ከኣ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ናጻነት ምእካብን ምውዳብን የጠቓልል” ዝብል ሓሳብ ሰፊሩ ይርከብ። ብዘይካዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ሲቪካዊ ማሕበራት ምግዳቡ ኣሰካፊ ምዃኑ መግለጺ ናይተን 42 ሃገራት ምጥቃሱ እቲ ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ደረጃ ዝውስኽ ዘሎ፡ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ህጻናትን ጾታዊ ዓመጽን ምስዋርን እውን ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 2025 ብምውካስ ኣብቲ መግለጺ ናይተን ግዱሳት ሃገራት ተንጸባሪቑ።
እተን ሃገራት ከምኡ እውን ናይ ነጻ መዲያታትን ጋዜጠኛታተንን ምንግልታዕ ከም ዘተሓሳስበን ጠቒሰን፡ ብዛዕብቲ ተረኽቦታት ግህሰት መሰላት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ ምጽራይ ንክግበር ጸዊዐን።
ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ12 መስከረም 2025 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ጉዳይ እስራኤልን ፍልጥኤምን ንህላወ ክልተ ሃገራት ኣፍልጦ ብምሃብ ክፍታሕ ይግበኦ ዝብል ውሳነ ብዝለዓለ ድምጺ ከም ዝደገፈ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፈን ካብ ዘድመጻ 164 ሃገራት 142 ነቲ ሓሳብ ደገፍ፡ 10 ተቓውሞን 12 ከኣ ተዓቅቦ ከም ዘመዝገባ እቲ ዜና ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነታንያሁ እቲ ውሳነ ምስተወሰነ፡ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ነቲ “ፍልጥኤም እትበሃል ሃገር ብፍጹም ኣይትህሉን” ብዝብል ከም ዝነጸጎ ተሓቢሩ።
ነዚ ህላወ ክልተ ሃገራት ዝድፍ “ኣዋጅ ነው ዮርክ” ዝተሰምየ ሓሳብ፡ እዋናውን ንድሕሪት ዘይምለስን ንዝተባህለሉ መፍትሒ፡ ቀንዲ ተቓወምቱ እስራኤል ባዕላን ከም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ናይ ቀረባ መሻርኽታ ሃገራትን ምዃነን ተጠቒሱ።
እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ተመያይጡ ብዝለዓለ ድምጺ ዘጽደቖ እሞ እንተተግቢሩ፡ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኣቢሉ ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ሰላም ከምጽእ ዝኽል ንእስራኤል ፍልስጥኤም ከም ነጻ ሃገራት ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ብፈረንሳን ሳዑዲ ዕረቢያን ተነዲፉ ዝቐረበ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዝጸደቐ ንድፊ ኣብ ጋዛ ኣንጻር እስራኤል ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ሓማስ፡ ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ እስራኤላውያን ክፈትሕን ዕጥቁ ነቲ ኣፍልጦ ዝወሃቦ መንግስቲ ፍልስጥኤም የረክብን ዝብል ሓሳብ ከም ዝርከቦ ተሓቢሩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ፍልስጥኤም ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ፍረንሳን ሳዑድያን ነቲ ክትግበር ዘለዎ ዝበሎ ንድፊ ብሓባር ብምቕራበን ኣመስጊኑ፡ ግቡእ ኣፍልጦ ፍልጥኤም ብዘረጋግጽ ጐበጣ እስራኤል ንከብቅዕ ከም ዝጸውዐ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ኣብዚ ኣኼባ ኢትዮጵያ ዕቃበ ከተመዝግብ እንከላ፡ ኤርትራ ግና ምስተን ምጽቃጥ ዝመረጻ እያ ተሰሪዓ።
ብጸውዒት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት፡ ኣሜሪካ፡ ግብጺ፡ ሳዑዲ ዓረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ንሰላም ሱዳን ዝምልከት ሰፊሕን ዓሚቕን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ብ12 መስከረም 2025 ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ ድሕሪ ሰፊሕ፡ ምይይጥ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ; ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝኸፍኤ ደረጃ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበን ንዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ሓደገኛ ከም ዝኾነን ተጠቒሱ። እቶም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሽግር ሱዳን ንከብቅዕ ዝከኣሎም ዘበለ ከም ዝገብሩ ቃል ምእታዎም’ውን ተመልኪቱ።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መፍትሒ ዝበልዎም፡ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣስፊሮም ይርከቡ። ናይ ሱዳን ልኡላውነትን ሓድነትን ንሰላም ወሳኒ ምዃኑ። ሽግር ሱዳን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይፍታሕ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት ንጽጉማት ሰብኣዊ ረዲኤት ዝቐርበሉ መንገዲ ኣብ ምኽፋት ክተሓባበሩ ወሳኒ ከምዝኾነ፡ መጻኢ ምምሕዳር ሱዳን ህዝቢ ብዝመርጾን ዝውስኖን ኣሳታፊ ክኸውን። ናይ ግዳም ሓይልታት ኣጽዋር ብምቕራብ ውግእ ንኽጋደድ ካብ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነት ክቑጠቡ። ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺኦም ኣስፊሮም።
እቶም ሚኒስተራት፡ እዚ ዝተጠቕሰ ውሳነታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ውሕስነት ዘለዎ ተኲሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ መሰረታዊ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ህዝቢ ሱዳን ብጸበብትን ሕሉፋትን ዘይዝወር ሲቪላዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድል ንክህልዎ ኣስሚረምሉ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ሚኒስተራት ናይቲ ዘቕረብዎ መፍትሕታት ኣተገባብራ ከም ዝከታተሉ እውን ተሰማሚዖም።
ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት መንገዲ ሰላም ንክሕዙ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ድሕንነት ሲቪላውያን ክሕልዉ፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ምዝራግ ንክቑጠቡ፡ ኣብ ምምዝባልን ምዝራግን ንዝሳተፉ ናይዚ ዞባ ሓይልታት ካብ ተግባሮም ንክእደቡ፡ ከም ዝሰርሑ ኣብ ስምምዕ ምብጸሖም ከኣ ኣብቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺኦም ኣስፊሮም።
እዘን ወገን ፈልየን ኣብ ውግእ ሱዳን ደገፍ ብምቕራብ ብተጻራሪ ተሰሊፈን ዝጸንሐ ኣብዚ ስምምዕ ምብጸሓን ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ ኤርትራ ወገን ፈልያ ምስ ግብጽን ሱዕድ ዓረብን ተሰሊፋ ዝጸንሐት ክነሳ፡ ኣብዚ ኣሜሪካ ጸዊዓ ዘተሓባበረቶ ኣኼባ ዘይምስታፋ ክሳብ ክንደይ ብኣሜሪካ ትንጸል ከም ዘላ የመልክት።
ህንጸቱ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2011 ዝተጀመረ ዓብይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ፡ ብ9 መስከረም 2025 ብወግዒ ተመሪቑ። ኣብቲ ምምራቕ መራሕቲ ኬንያ፡ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያን በርባዶስን ከምኡ እውን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ዋና ጸሓፊ ኢጋድን ወሲኹ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያንን ወጻእተኛታት ዕዱማት ተረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ካብ ዘስመዖ ዘረባ “ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ኑክሌር ስራሕ ክትጅምርያ” ዝብል ይርከቦ።
እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ምዕራብ 718 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ፡ ህንጸቱ 14 ዓመታት ዝወሰደ ሓጽቢ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣስታት 40 ኪሎ ሜተር ርሑቑ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ጉባ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝተደኮነ፡ ንዓቕሚ ኤለክትሪክ ናይታ ሃገር ብዕጽፊ ከዕብዮ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።
እዚ 170 ሜትሮ ዝንውሓቱ፡ 145 ሜትሮ ዝውርዱ፡ ኣስታት 74 ቢልዮን ሜትሮ ኪዩብ/ኩቢክ ሜትሮ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ፡ 5,150 ሜጋዋት ዘመንጩ፡ 13 ተርባይት ዘለዎ፡ ንህንጸቱ ከባቢ 5 ቢልዮን ዶላር ዝሓተተ እዩ። ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሓይሊ ኤለክትሪ ዘመንጩ ሓጽቢ ምዃኑ ከኣ ይንገረሉ። እቲ ናይ ምምንጫው ዓቕሙ ካብ ናይ ግብጺ ሓጽቢ ኣስዋን ዝያዳ ዕጽፊ ምዃኑ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት።
እቲ ሓጽቢ ብዝዓቖሮ ማይ ተፈጢሩ ዘሎ ቀላይ፡ “ንጋት/ወጋሕታ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ። እዚ ሓድሽ ቀላይ ካብቲ ጣና ዝበሃል ዝዓበየ ተፈጥሮኣዊ ቀላይ ኢትዮጵያ ልዕሊ ዕጽፊ ኮይኑ፡ 145 ኪሎ ሜተር ንውሓትን ኣስታት 70 ናእሽቱ ደሴታትን ኣለዎ። ኢትዮጵያ ካብዚ ሓጽቢ ኣብ ዓመት 1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ትጽቢት ኣለዋ።
ኢትዮጵያ ነዚ ሓጽቢ ተመርቖ ዘላ፡ ብግብጽን ሱዳንን ተሪር ተቓውሞ ይቐርባ እናሃለወ እያ። ምኽንያቱ ክልቲአን ሃገራት ናይዚ ሓጽቢ ብዘይናታተን ስምምዕ ተሃኒጹ ማይ ምምልኡን ምምሕዳሩን ኣብ ልሊአን ዋሕዲ ማይ ከየጋጥመን ዝሰግኣ ብምዃነን’የ። መንቀሊ ቀላያት ፈለግ ኒል፡ ኣብ ኡጋንዳ ዝርከብ ቪክቶርያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጣናን እዮም። መዓርፎኡ ከኣ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዘራኽብ ቀላይ መዲተራኒያን እዩ።
ናብዚ 6,650 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ፈለግ ኒል ዝተፈላለየ ዓቐን ማይ ዘበርክታ ሃገራት፡ ዲሞክራሲያዊት ረፐብሊክ ኮንጎ፡ ታንዛንያ፡ ቡሩንዲ፡ ሩዋንዳ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ግብጽን እየ። ማያዊ ዓቕሚ ፈለግ ኒል ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ዝናብ ግዜ 7, 620 ቢልዮን ሜትሮ ኪዩብ/ኩቢክ ሜትሮ ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ካብዚ እቲ 85% ካብ ኢትዮጵያ ዝፈስስ እዩ።
ዓረብ ሊግ ኣብ መበል 164 ናይ ሚኒስተራት ኣኼባኡ፡ ብ5 መስከረም 2025 ኢትዮጵያ ኣብ ምምላእን ምምሕዳርን እቲ ዓብይ ሓጽቢ በይናዊ ውሳነ ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ደጊሙ ከም ዝጸውዓ ኢጅብት ቱደይ (Egypt today) ዝተባህለት ጋዜጣ ካብ ካይሮ ኣፍሊጣ።
እቶም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኦም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናይቲ ሊግ ኣባላት ግብጽን ሱዳንን ናይ ማይ ውሕስነት ንምርግጋጽ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ምብጻሕ ህጹጽ ተደላይነት ከም ዘለዎ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ ዝግበር ስምምዕ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዕቤት ድሌት ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዝግባእ እውን ኣስሚረምሉ። ብዝተፈልየ መልክዑ ድማ እቲ ኣኼባ ሚንስተራት ብዝኾነ መንገዲ ናይ ግብጽን ሱዳንን ማያዊ ድሕንነት ምወሓስ ኣካል ዓረባዊ ጸጥታ ዝኸውን’ዩ እውን ኢሉ።
ናይ ሱዳንን ግብጽን ማያዊ ድሕንነት ዝጥሓስ ዝኾነ ውሳነ፡ ብዝኾነ መልክዕ ተቐባልነት የብሉን ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ ንግብጽን ሱዳንን ብዝጐድእ ብበይናዊ ውሳነኣ ምቕጸላ ከም ዘሕዘኖም ከኣ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዞም ድማ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብ2025 ኣብ ሱዳን ዝተኸተመ “ናይ ኣጠቓቕማ መትከላት” ዝብል ስምምዕን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ዝጠሓሰ እዩ ኢሉ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝጠሓሰቶ ሕግታትን ስምምዓትን ተመሊሳ ክትርእዮ ጸዊዑ።
ብዘይካዚ እቲ መዋጸኦ፡ ኩለን ናብ ሩባ ኒል ማይ ዘበርክታ ሃገራት ዝሰማማዓሉ ሓባዊ ስምምዕ ክብጻሕ ምኽኣልዩ ምስበለ እቲ መግለጺ፡ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይ ዓረብ ሊግ፡ ኣብ ቀጻኢ ኣኼባኦም ዝረአ ምዕባለታት ብምክትታልን ምቁጽጻርን ነቲ ዛዕባ፡ ናይ ግብጽን ሱዳንን ናይ ማይ ድሕንነት ንምድሓ ኣጀንዳኦም ገይሮም ክሕዝዎ ከም ዝተሰማምዑ ተሓቢሩ። እዚ መግለጺ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብ ድሮ ምምራቕ እቲ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣዛራራቢ እዩ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሱዳንን ግብጽን ኣብ ካይሮ
ሚኒስተራት ግብጽን ሱዳንን ብ3 መስከረም 2025 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ማየን ናብቲ ካብ ዓለም ዝነወሐ ፈለግ ኣባይ (ኒል) ዝፈስስ ሃገራት ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ንምስታፈን ዝግበር ፈተነ ነጺጎም፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ጥራይ ክሕጸር ይግበኦ ከም ዝበሉ ቢቢሲ ሓቢራ።
እዚ ዝተገልጸ፡ ኣብቲ ናይ ክልቴን ሃገራት ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያትን መስኖን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ እዩ። እቲ መግለጺ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ኣብ ታሕተዋይ ኣካል ናይቲ ፈለግ ዝርከባብ ክልቲአን ሃገራትን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ነተን ዝተረፋ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ዝርከባ ማይ ዘበርክታ ሃገራት ከም ዝሳተፋ ምግባረን ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ። ክልቲአን ሃገራት ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ (EGRD)፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጠሓሰን ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ስግኣት ዝፈጥርን እዩ ኢለን ከም ዝገልጸኦ ኣብቲ ዝወጸ መግለጺአን ሰፊሩሎ።
እቲ መግለጺ ከም ዘነጸሮ፡ ናይ ኢትዮጵያ በይናዊ ስጉምቲ ኣብ ምምላእ ኣገባብ ማይ፡ ድሕንነት ናይቲ ሓጽብን ብዘይገደብ ማይ ናብቲ ሓጽቢ ምምላእን ብፍላይ ኣብ ናይ ደርቂ ግዝያት ሓደገኛት ተግባር እዩ ኢሉ። እቶም ሚኒስተራት ኣተሓሒዞም፡ ኣስታት 85% ማያ ናብቲ ፈለግ ዝፈስስ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትሕግጋዝ ኣፍደገ ዝኸፍት ፖሊሲ ንክትቅይስ’ውን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።
ግብጽን ሱዳንን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ወሲኽካ፡ ኣብቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ፈለግ ዝርከባ 6 ሃገራት ዝፈረመኦ ስምምዕ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ኒል ካብ ቅድም እየ ዝቃወመኦ። ኣብ ክንድኡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ 1959 ዝተፈረመ እሞ ፡ ካብቲ ማይ ንግብጺ 55.5 ቢልዮን ንሱዳን ድማ 18.5 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ዘውሕስ ስምምዕ እየን ዝድግፋ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምህናጹ 14 ዓመታት ዝወሰደን ካብ 5 ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ ወጻኢ ዝተገብረሉን ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ሓድሽ ቀላይ “ወጋሕታ (ንጋት)” ዝብል ስያመ ሂቡ፡ 9 መስከረም 2025 ንምምራቑ ኣብ ምሽብሻብ’ዩ ዝርከብ።
ጉጅለ ናይ ሰላም ተበግሶ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃኡ
ሓደ ጉጅለ ሱዳናውያን፡ ብ31 ነሃሰ 2025 ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኣብ ዘመናዊ ታሪኻ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብራሲ’ ዝበሎ ውግእ ጠጠው ከብል ይኽእል’ዩ ዝበሎ ርኢቶ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ። እዚ “መጸዋዕታ ሰላም ንሱዳን” ዝተሰየመ፡ በቲ ተሓላቒ ጉጅለ ዝተወስደ ተበግሶ ብሱዳናዊ ዘቤታዊ ዓቕሚ ጥራይ ኮይኑ፡ ብሰፊሕ ናይ ዕርቂ መስርሕ፡ ፍትሕን ቀጻሊ ሰላምን ንምርግጋጽ ዝሓለነ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ተበግሶ ብፍሉጥ ምሁርን ነባር ዲፕሎማትን ፍራንሲስ ደንግ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ምብሳር ናይ ማንዛ ርክብ ቃሉ ኣስሚዑ። እቲ መራሒ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ምርግጋጽ ሰላምን ሓድነትን ሱዳናውያን ከውሕስ ዝኽእል ሃዋህው ምፍጣር ከም ዘኽእል ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ፍራንሲስ ደንግ ኣብቲ ርኢቶኡ ብተወሳኺ ሱዳናውያን፡ ቅድሚ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ምምዕዳው መጻኢ ዕድል ሃገሮም ኣብ ምውሳን ምሉእ ሓላፍነት ንክወስዱ ጸዊዑ።
እቲ ንቕሎ ሱዳናዊ ጉጅለ፡ ንኹሎም ሱዳናውያን ዜጋታት ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፡ ዓሌት፡ ጾታን ከባብን ብማዕረ ዝርኢ ምዃኑ ወደብቲ ናይቲ ተበግሶ ምግላጾም እቲ ካብ ሱዳን ትሪቡን ዝተረኽበ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ሓደ ናይቲ ተበግሶ ሰላም ዝወስድ ዘሎ ጉጅለ ኣባል፡ ኢሳም ኢል ዓባስ፡ ምንቅስቓሶም ምንጽጻግ ከም ዝቃወም ጠቒሱ፡ ናብቲ ምሁራት ሱዳን ዝመርሕዎ ዘለዉ ምክፍፋላት ዕዙዝ ናይ ሓድነት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ካልእ ኣባል ናይቲ ተበግሶ ዓብደላ ኣል ናይም ብወገኑ፡ ሰላም ኣብ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ውግእ ጠጠው ንምባል፡ ሓድነት ህዝቢ ንምፍጣርን ዕግርግር ንምውጋድን እንኮ መሳርሒ ምዃኑ ጠቒሱ። እዚ ተበግሶ ድሕሪ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025 ጀሚርካ ምስ ዝምልከቶም ሱዳናውያን ምሁራትን ሲቪላዊ መራሕትን ምምኽኻር ምክያድ ዝመጸ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።
ሱዳናውያን ምሁራት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ውግእ ካብ ዝባራዕ ጀሚሮም’ኳ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ከቕርቡ እንተጸንሑ፡ ብሰንኪ እቶም ነቲ ውግእ ሕድሕድ ዝመርሕዎ ዘለዉ ጀነራላት ቅሩባት ዘይምዃኖም ኣብ ፍረ ክበጽሕ ኣይከኣለን።