EPDP News

ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ብ26 ለካቲት 2020 ኣብ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ኣቕሪበን። ንሰን ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ለውጢ ክገብር ፈቓደኛ ከምዘየለ ኣብሪሀን።

ንሰን ኣተሓሒዘን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ምህላዎም ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ኮነ ሰብኣዊ ለውጢ ከምዘየለ ዘመልክት እዩ ኢለን።

ወይዘሮ ክራቨትዝ ዳርጋ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ሓላፍነተን ካብ ዝርከባ፡ መንግስቲ ኤርትራ እዞም ዝስዕቡ ዝርከብዎም ክትግበሩ ዝበለኦም ሓሙሽተ ነጥብታት ኣቕሪበን ነይረን።

  1. ኣብ ልዕልና ሕጋዊ ምሕደራ ለውጢ ምምጻእ
  2. ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ለውጢ ምትእትታው
  3. ኣብ ሲቪላዊ ናጽነት ለውጢ ምምጻእ
  4. ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ ማዕርነትን ዕቤት ምምጻእ
  5. ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሳሉ ኩነታት ምጥጣሕ።

ወይዘሮ ክራቨትዝ ኣብዚ ናይ ቃል ጸብጻበን፡ ኤርትራ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ዝኾነ ናይ ምምሕያሽ ምልክት ከተርኢ ከም ዘይከኣለት ኣስሚረናሉ። ኣተሓሒዘን ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ኣብተን ቅድሚአን ዝነበራ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዝገበራ ዝተራእየ፡ ንዓአን እውን ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ከምዘይተፈቐደለን ሓቢረን

ንሰን መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ሃይማኖታዊ እምነታት ምጭቋኑ ከም ዝቕጸለን ኣብያተ- ትምህርተንን ሕክምናዊ ትካላተንን ከም ዝወረሰን ገሊጸን። ድሕሪቲ ገለጸአን ከኣ ኣብቲ ጉዳይ ምይይጥ ተኻይዱ።

ኣብዚ ንኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ዝተኻየደ ምይይጥ 22 ካብ ኣባላ ሃገራትን 4 ዓለመ ለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ርኢቶ ብምሃብ ተሳቲፈን። ሕብረት ኤውሮጳን ካለኦት ተዛረብትን ኣብ ባህሪ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ለውጢ ኣይረአዩን። ኣወስትራልያ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ዝቐረበሉ 131 ለበዋታት ዋላ ሓንቲ ናይ ምትግባር ፈተነ ዘይምክያዱ ዘይዕግበታ ኣመዝጊባ። ቫቲካን ቀጻሊ ምምይያጥ ከምዘድሊ ጠቒሳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግብረሰናይ ትካላት ካብ ምርሳይ ክዕቀብ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ። ጀርመን ከኣ ኣብ ኤርትራ ሲቪላዊ ዕድላት ይጸብብ ከም ዘሎ ኣመልኪታ። ብዙሓት ወሃብቲ ርኢቶ፡ ናይተን ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ናይ ሓላፍነት ግዜ ምንዋሕ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እቲ ልሙድ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝመርሖ ልኡኽ ኤርትራ፡ ልሙድ ናይ ክሕደትን ሓሶትን ቃሉ ኣቕሪቡ፡ ካብ ናይ ቨንዝዋላ፡ ኩባ፡ ራሻን ቻይናን ልኡኻት ከኣ ደገፍ ረኺቡ።

ወይዘሮ ክራቨትዝ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝካየድ መበል 44 ርክብ ናይቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ምሉእ ጸብጻበን ክቕርባ እየን። ኣብዚ ርክብዚ ጉዳየን ተራእዩ ልእኽቲ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኮይነን ክቕጽላ ዝለዓለ ዕድል ኣሎ።

UN Special Rapporteur for Human Rights on Eritrea, Ms Daniela Kravetz, told the 43rd Session of the UN Human Rights Council on 26 February 2020 that Eritrea is refusing to make any progress whatsoever in basic human rights of its own people.

She said the fact that thousands of Eritreans are fleeing their country is a “telling sign of no progress” in the political and human rights situation in the country.

Since receiving the mandate nearly two years, Ms Kravetz submitted five benchmarks that Eritrea could start making some progress. These include:

  1. Showing progress in rule of law
  2. Making reform on the national service
  3. Progress in promoting civil liberties
  4. Progress in women’s rights and gender equality, and
  5. Improving operating environment for international agencies in Eritrea.

Ms Kravetz’s oral report underlined that Eritrea failed to make any progress even in these few starting benchmarks. The Asmara authorities also continued to refuse her a single visit to Eritrea as they did for six years to the previous UN Special Rapporteur, Ms Sheila Keetharuth.

She also reported that the Eritrean regime is continuing its persecution of all faiths in Eritrea and confiscating their schools and health facilities. See full report on the interactive dialogue that followed her presentation: http://webtv.un.org/live/watch/id-sr-on-human-rights-in-eritrea-9th-meeting-43rd-regular-session-human-rights-council/6136241213001/?term=

Twenty-one delegations of member states and four international NGOs made quick interventions at the interactive dialogue on Eritrea. The European Union and many other speakers saw “no sign of change” in the behavior of the Eritrean regime; Australia regretted that none of the 131 recommendations Eritrea promised to work on have been given a try; Vatican asked for dialogue with Eritrea and hoped the regime would stop the war against charities and Germany saw civil space continually narrowing in Eritrea. A number of speakers expressed their conviction that the renewal of the mandate of the Special Rapporteur for Human Rights for Eritrea is already a given fact.

Eritrea’s envoy, the usual Tesfamichael Gerhatu, presented his usual words of denial and was supported by the delegates of Venezuela, Cuba, Russia and China.

Ms Kravetz will present her full written report at the upcoming 44th Session of the Council in June this year which is expected review her mandate and highly probably extent it for another year.

መበል 43 ኣኼባ፡ ናይቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ24 ለካቲት 2020 ኣብ ጀነቫ ተጀሚሩ። እዚ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት ዓለምና ናይ ምድሓን መብጸዓታት ዝጽበዮ ዘሎ ኣኼባ፡ ብናይ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ እዋናዊ ፕረሲደንት ጠቕላላ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታትን ካልኦት 100 ዝኾኑ ላዕለዎት ሰብ መዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን መደረ እዩ ተኸፊቱ።

ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንተኒዮ ጉተርዝ ኣብዚ ኣኼባ ናብ ኩለን ሃገራትን ዝምልከቶም ተዋሳእት ኣካላትን ንሰብኣዊ መሰል ከም ቀንዲ ሸቶኦም ወሲዶም ስጉምቲ ንክወስዱ ናይ ተግባር መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። እቶም ዋና ጸሓዊ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኩሉ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ንምግሃስ ንሃገራዊ ልኡላውነት ከም መኸወሊ ምኽንያት ክጥቀማ ከምዘየብለን መኺሮም።

UN Human Rights Council Session Opens with Big Promises 2

እቶም ዋና ጸሓፊ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ከም ቀንዲ መድረኽ ንምምይጥን ምትሕብባርን ንምዕቃብ ኩሉ ሰብኣዊ መሰል ጠቒሶም፡ እዚ ትካል ኣብ ምትግባር እቲ ግሎባላዊ መጸዋዕታ “ንተግባር ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል” ክሕግዝ ዘለዎ ተስፋ ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብቲ ኣብ መስርሕ ተዓንቂጹ ዘሎ ናይ ናይ ክሊማዊ ለውጢ ስግኣት ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም።

ናይቶም ዋና ጸሓፊ 10 ናይ ተግባር ነጥብታት፡ ንጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ወሲኽካ፡ ቀጻሊ ልምዓት፡ ምክልኻል ጐንጺ፡ ጾታዊ ማዕርነት፡ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ካለኦት ኣገደስቲ ዛዕባታትን ይርከብዎም። ኣብቲ ኣኼባ ኩሎም መደርቲ ሓደ ድሕሪቲ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ብኣካላት ሕቡራት ሃገራት ክካየዱ ዝጸንሑ ርክባትን ኣብቲ ርክባት ዝሓልፉ ዝነበሩ ውሳኔታት ንክትግበሩ ጸዊዕም።

እዚ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳብ 20 መጋቢት 2020 ክቕጽል እዩ። ወይዘሮ ዳኒየለ ክራተዝ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ኣብ 26 ለካቲት 2020 ናይ ቃል ጸብጻብ ከቕርባ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ንድሕሪ ናተን ጸብጻብ ክፉት ምይይጥ ክካየድ እዩ።

Started with addresses by the UN Secretary General; the current presidents of the UN General Assembly; the UN High Commissioner for Human Rights as well as a long list of 100 high-level guests from several countries and organizations, the 43rd session of the 47-member UN Human Rights Council opened on Monday, 24 February, with promises for commitment to promote human rights and save the planet.

UN Secretary General Antonio Guterres launched a “call to action” to all countries and actors to do their utmost in order to promote human rights as the “highest aspiration” of humanity. He said human rights are under assault everywhere and advised that nations should not make pretexts of state sovereignty to violate all types of human rights.

UN Human Rights Council Session Opens with Big Promises 2

He called the UN HR Council “the fulcrum for international dialogue and cooperation to advance all human rights” and hoped that it will help in the global call for action to promote peoples’ rights and take action on the threats being posed by climate change.

The Secretary General’s seven-point action plan including linking human rights to issues like sustainable development, prevention of conflicts, gender equality and freedom of expression and civil society, among other things. Speakers after speaker reiterated the urgency of seriously implementing the long list of conventions and resolutions adopted by the UN system during the past 75 years.

This 43 UN HR Council session will last till March 20. Ms Daniel Kravetz, the UN Human Rights Rapporterur for Eritrea, is scheduled to present her oral report on 26 Febuary 2020 that will be followed by an interactive dialogue at the plenary session.

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ22 ለካቲት 2020 ፍሉይ ሓበሬታዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ እዚ ፍሉይ ኣኼባ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣቕሪቡ፡ ናይቲ ኣኼባ ዝርዝር ኣጀንዳ ሓቢሩ።

ኣብዚ ፍሉይ ሓበሬታዊ ኣኼባ ካብ ዝተዘርበሎም ዛዕባታት ሓደ፡ ሰዲህኤ ኣብ ከም ተበግሶ ሚኒሶታ፡ ዘተ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ለውጥን ዝኸዶ ዘሎን ንመጻኢ ዝቕጽለሉ ኣገባብን ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ነዚ ዕማም ከሰላስሉ ዝተመዘዙ ኣባላት ባይቶ ብዛዕባኡ ክሳብ ሕጂ በጺሐምዎ ዘለዉ ደረጃ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቦም። ነቲ መብርሂ ዝተከታተለ ኣኼባ፡ ሰዲህኤ ሓደ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት መድረኽ ወይ ጽላል ክሳብ ዝረጋገጽ ጻዕሩ ኣሕይሉ ክቕጽለሉ ምዃኑ መዚኑ።

እቲ ካልእ ኣኼባ ባይቶ ዝተዛረበሉ ብሓፈሻ ኣብዚ ከባብና ዝምዕብል ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ምዕብልናታት፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ተርእዮታት ብዝምልት ነዚ ዛዕባዚ ክከታተሉ ብዝጸንሑ ኣባላት ባይቶ ዝቐረበ ሰፊሕ ሓበሬታዊ ጸብጻብ ሰሚዑ፡ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ክተሓዝ ከም ዝግበኦ ከኣ ኣመላኺቱ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካዊ ዓውዲ፡ መቆራቖሲ ኮይኖም ዘለዉ ዛዕባታት ብዙሓት ምዃኖም ዝጠቐሰ እዚ ኣኼባ፣ ዝያዳ ዘተኮረሉ ነቲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ተርእዮ ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሱ ዝያዳ ተዛሪብሉ። ባይቶ ኣብዚ ዛዕባዚ ነቲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይዋገ ወገን ኢትዮጵያ ከም ዘተባብዕን ምስኡ ዝህልዎ ዝምድና ከደልድል ከም ዝግበኦን ኣቃሊሑ።

ኣኼባ ኢሳያስ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባ እንዳሃደመ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ የእቱ ከም ዘሎ መዚኑ። ብዛዕባ ነዚ ጦሎቕሎቑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ግብረ- መስልሲ ከኣ ዳህሲሱ። እዚ ተግባር ኢሳያስ ህዝቢ ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ብምምልካ ህዝቢ ባዕሉ ክቃለሶ ከም ዝግባኦ ጸዊዑ። ብዘይካዚ ጉዳይ ምድላው መጻኢ ፈስቲቫልን ኣብ ኣባላት ሰልፊ ክግበር ተታሒዙ መድረኻዊ ጐስጓስን ብዝምልከት እውን ከም ሓበሬታ ብዝርዝር ቀሪቡ። ፍሉይ ኣኼባ ሰልፊ፡ ኣባላት ሰዲህኤን ተደግፍቱን ክሳብ ሕጂ ንዘበርከትዎ ንኢዱ፡ ንመጻኢ እውን ኣበርክተኦም ከዛኡዱ ጸዊዑ።

ብመሰረት ቕዋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪ ጉባአ ዝለዓለ ስልጣን ኮይኑ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ፡ ከም ኣድላይነቱ ከኣ ፍሉይ ሓበሬታዊ ኣኼባታት የካይድ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብ19 ለካቲት 2020 መበል 45 ዝኽሪ ምምስራቱ ኣብ ዓለም-ለኸ ስታድየም ከተማ መቐለ “መስመርና ኣጽኒዕና ንመኸተ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ፡ ብድምቀት ኣኽቢሩ። ኣብዚ በዓል ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ነበርቲ ከተማ መቐለን ከባቢኣን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኣካላት ፈደራላዊ ሓይልን ወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ተሳቲፎም።

ኣቦመንበር ሕወሓትን ምክትል ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ዶ/ር ደብረጽዮም ገብረሚካኤል ኣብቲ በዓል ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እዚ ግዜ ናይ ምውሳን እዋን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ሕጋውነቱ ዝውዳእ ዘሎ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ከይዝንግዕ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ በዓል ካብ ግዜ ኣኽሱም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ትግራይ ትሓልፎ ዘላ ናይ ስልጣነ፡ ጥበብን ፖለቲካን መስርሕ ዘመልክት ሰፊሕ ምርኢት ቀሪቡ። ብዘይካዚ ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣቕሪቦም። ብኣሸሓት ናይ ዝቑጸሩ ሰማእታት ትግራይ ኣሳእል ከኣ ብሰልፊ ቀሪቡ። ኣካለ ስንኩላት ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት እውን ተሰሊፎም።

እዚ በዓል ቅድሚ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ክኽበር ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ድሮ እዚ በዓል ከኣ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሎሚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንግደ ትግራይ ኣብቲ መስርሕ ዝድህስስ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ነቲ በዓል ብዝምልከት ብማእከላይ ኮሚተ ሕወሓት ኣብ ዝወጸ ሰፊሕ መግለጺ፡ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ።

“ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተዋግዮምን ተጋግዮምን ከምዘይፈልጡ ትርደኦ ኢኻ። ሓቢርና ብዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ንስርዓት ደርጊ ደምሲስና ናይ ሓባር ዓወት ዓቲርና ኢና። ናይ ቃልስኻ ቀንዲ መንቀሊ ዝኾነ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ኣረጋጊጽካ ኢኻ። በዚ ከኣ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ይሕበኑ። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ምኽንያታዊ ኣብ ዘይኮነ ውግእን ጐንጽን ኣቲና ኩልና ኣድላይ ዘይነበረ ዋጋ ከፊልና ኢና። እዚ ዝገደፎ በሰላ ቀሊል ከምዘይኮነ ከኣ ኩልና እንግንዘቦ ሓቂ እዩ። ሎሚ ግና ናይ ሓባር ጠቕምናን ዝምድናናን ብምሕዳስ ናይ ሓባር ዕብየትና ምውሓስ ናብ ዘኽእል ከነሰጋግሮ ህወሓት ደጊሙ መጸዋዕታኡ የቕርብ።”

ኣብ መኽፈቲት እቲ ብ18 ለካቲት 2020 ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ዝምልከት ኣኼባ ኤርትራ ኣብ ዝርዝር እተን በደል ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈጽማ ሃገራት ተጠቒሳ። ምስ ኤርትራ ኣብቲ ዝርዝር ዝሰፈራ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቨንዙዋላ፡ ኢራን፡ ሩሲያን ካለኦት ጨቆንቲ መንግስታትን እየን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዘን ሃገራት ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮና እውን ካብዚ ተግባራተን ከምዘይተቖጠባ ተጠቒሱ። እዘን ሃገራት ብዘይ ሕፍረት ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ምስልምና ዝኽተሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣባላት ኡይግሁር ብሓይሊ ኣብ መደበ ንምስፋር ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ምድጋፈን ከኣ ብፍሉይ ኣብዚ ኣኼባ ተጠቒሱ።

ኣቶ ሂለል ኑየር ፈጻሚ ዳይረክተር ሓለዋ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣብ ጀነቫ ዝተጋብአ ኣስታት 700 ሰባት ዝተሳተፍዎ ርክብ ቃል ኣስሚዖም። ንሶም ብስም እተን ነዚ ቅድሚቲ እቲ ብ24 ለካቲት ክሳብ 20 መጋቢት 2020 ዝካየድ ዓመታዊ ኣኼባ ዘዳለዋ 25 ዓለም ለኻውያን ዘይመንግስታዊ ትካላት እዮም ቃል ኣስሚዖም። ዳንየል ክራቨትዝ ሓላፊ ናይቲ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መበል 43 ዓመታዊ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናይ ቃል ጸብጻብ ከቕርቡ ትጽቢት ኣሎ።

Geneva Summit for HR and Democracy 2

ኣብዚ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ መበል 12 ርክብ ጀነቫ፡ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ፡ ግዳያት ግህሰት፡ ምሁራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ቃል ኣስሚዖም። ኣብ ከምዚ ኣኼባ ዝሳተፉ ሲቪል ማሕበረሰባት፡ ምስኣቶም ግዳያት ግህሰት ወይ በዚ ጉዳይ ተኣሲሮም ዝነበሩ የሳትፉ እዮም። ኣብዚ ዓመትዚ ኣፍሪቃ፡ ብግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ተኸላኸልቲ መሰልን ካብ ማላውን ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎን እያ ተወኪላ።

እቲ ኩሉ ግዜ ዘሕዝን ኣብዚ ርክብ ካብ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ግህሰት ከቃልዕ ዝኽእል ሲቪላዊ ማሕበር ወይ ግዳይ ዘይምንባሩ እዩ።

At the opening session of the 12th Geneva Summit for Human Rights and Democracy on Tuesday, 18 February 2020, Eritrea was listed alongside North Korea, Venezuela, Iran, Russia and other authoritarian regimes for supporting human rights abuses in the world even while they are members of the UN Human Rights Council. He singled out a number of authoritarian states in connection with their unashamed recent support of China’s abusive treatment of its minority Uyghur Muslims, a million of whom are in forced ‘rehabilitation’ camps.

Mr. Hillel Neuer, Executive Director of the UN Watch, made the remark in his welcoming statement to an audience of over 700 participants in Geneva. He was speaking on behalf of the 25 international NGOs which co-sponsor the annually Geneva Summits, which are held a few days before the opening of a New Year session of the UN Human Rights Council now scheduled to start next week (24 February – 20 March 2020). Ms. Daniela Kravetz, the UN Human Rights Rapporteur for Eritrea is expected to present an oral report during this 43rd Session of the HR Council.

Geneva Summit for HR and Democracy 2

The day-long 12th Geneva Summit was addressed by pro-democracy activists, victims of abuses, scholars and other prominent speakers on a variety of topics related to human rights and democracy. Civil societies in many affected countries attend the summits annually and bring with them relatives or former prisoners and other victims of abuse. This year, Africa was represented by human rights victims and defenders from Malawi and Democratic Republic of Congo. (www.genevasummit.org).

Sadly, and as always, there was no Eritrean civil society activist or a victim of abuse from Eritrea taking the podium to testify the heartbreaking human rights situation in our country.      

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብ9 ለካቲት 2020 ናብ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እዋናዊ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብዚ መልእኽቱ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነዛ ሎሚ ጸገማ ፈኸም ዝብል ዘሎን ኣብ ዝኾነ ግዜ ክባራዕ ዝኽእልን ኤርትራን ህዝባን ህጹጽ ተገዳስነቶም ከርእዩ ጸዊዑ። እቲ መልእኽቲ ኣቦመንበር ኣተሓሒዙ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ናይ ህጹጽ ግዜ ደወል ዝድወለሉ እዩ ኢሉ

እቲ ን2ተ መዓልታት ዝተካየደ መበል 33 ጉባአ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ10 ለካቲት 2020 እዩ ዝዛዘም። እዚ መበል 33 ጉባአ ኣፍሪቃ “ድምጺ ጥይት ኣጥፊእካ፡ ንዕቤት ኣፍሪቃ ጥጡሕ ኩነታት ምፍጣር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብቲ መልእኽቱ እዚ ጭረሖ  ንኩነታት ኤርትራ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣስፊሩ።

እቲ ብቐጥታ ናብ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ ማሃማትን ንፍልጠኦም  ብቅዳሕ ናብ ተሳተፍቲ እቲ ጉባአ ዝተላእከ መልእኽቲ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት እውን ጠቒሱ።

  • እቲ ህይወት 100 ሺሕ ሰባት ዝጠፈአ ጸገም ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጌና ኣይተፈትሐን
  • እቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ከቢድ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝጸንሐን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ መደበር ስደተኛታት ፋሕ ኢሉ ንክሳቐ ምኽንያት ዝኾነን ኩነታት ኣይውግእ ኣይሰላም ሕጂ እውን ኣየብቅዐን።
  • ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኩነታት ሃገሮም ሕጉሳት ኣይኮኑን
  • ጉባአ ሕብረት ኣፍሪቃ እዚ ኩነታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ዝሰፈሓሉ ህብረተሰብን መብዛሕትኡ ካብቲ ህዝቢ ኣጠቓቕማ ብረት ዝኽእልን ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከስተውዕል።

እዚ መልእኽቲ እቲ ኣኼባ ንኣተገባብራ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ኣጀንዳ ክሕዞ ሓቲቱ። ብዘይካዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም ውሳነታትን ለበዋታትን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡  ንተደጋጋሚ መጸዋዕታ  መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል  ኤርትራ ሕቡራት ሃገራት ንከተግብር ተጽዕኖ ክገብረሉ እውን ጸዊዑ።

In a timely message of 9 February 2020 to the African Union Summit in Addis Ababa, Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), Chairman of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP),  once more told African leaders that Eritrea and its people  deserve their most urgent attention because the country is “a smouldering fire” that can go ablaze anytime soon.

“This is an Eritrean SOS message, an alarm call to Africa”, the EPDP Chair message added.

The two-day 33rd Session of the Assembly of the AU, which is expected to wind up today, February 10, is convened under the theme of “Silencing the Guns: Creating Conducive Conditions for Africa’s Development” and the EPDP Chairman described the slogan  as  “a very much relevant to the Eritrean condition.”

Addressed to the AU Commission Chairman, Mr.  Mr. Moussa  Faki Mahamat, and copied to delegations of  African leaders attending the Summit,  the Eritrean message listed the following facts to the attention of the AU Summit:

  • That the Eritrean-Ethiopian border problem that cost nearly 100,000 lives, is NOT yet resolved;
  • That the past 20 years of no war-no peace are NOT yet over in Eritrea after having caused massive suffering to the people, nearly a third of whom are now refugees scattered all over the globe;
  • That Eritreans at home and those in exile are bitterly unhappy; and
  • That the AU Summit should guess the consequence of this situation in a highly militarized society in which a huge percentage of the population knows how to handle guns.

The Eritrean message thus asked the Summit to include in its agenda with the aim of committing itself to help the implementation of the final and binding ruling on Ethio-Eritrean border, and to make an AU pressure on the Eritrean regime to implement all the resolutions and recommendations of the UN Human Rights Council, the findings of the UN Commission of Inquiry as well as the repeated calls of UN Human Rights Rapporteurs for Eritrea.