EPDP News

መንእስይ ብሱሩ ሓደ ብውሱን ዕድመ ዝልለ ኣካል ናይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኮይኑ፤ ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ድማ ነዚ ናይ መንእሰይነት ደረጃ ብፍሉይ ኣገባብ ዘረጋግጹሉን ዕላዊ ዝገብሩሉን ዝተፈለላለዩ ልማዳት ከምዝነበሮምን ዘለዎምን ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብ ሃገርና አርትራ ይኹን ካልእ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፤ ንመንእሰይ ዝፍትኑን ዝብድሁን ንጥፈታት ድሕሪ ምክያድ ኢዮም ዘሕልፍዎ፥ መንእሰይውን ነዚ ምስ ዘይሓልፍ ኣብቲ ሕብረተሰብ ንሓዋሩ ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ናይ ኣኽብሮትን ሚዛንን ሕጽረታት ስለዝርዳእ ንብድሆታት ብግቡእ ክፍጽም ከምዝጽዕር ኢዩ ዝኸውን። ወዲ ይኹን ጓል ድማ ነናቶም ብድሆታት ነይርዎም ኢዩ። ገለ ሕብረተሰባት ጌና ዝጥቀሙሉ ክህልዉ ዝኽእሉኳ እንተኾኑ፥ ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ምስ ምትእትታው ዘበናዊ ስልጣነ እናሃሰሰን እናተረፈን ከይዱ ኢዩ።

እዚ ማለት ግን ን ኣገዳስነትን ትርጉምን መንእሰይ ይቕይር ማለት ኣይኮነን። መንእሰይ ተካኢ መጻኢ ወለዶ ምኳኑ ባህርያዊ ሕጊ ስለዝኾነ፥ ሕብረተሰብ ኣብ መንእሰይ ክህልዎ ዝኽእል ኣትኩሮ እውን ከምኡ ዘይቕየር ኢዩ። መንእሰይ ድማ ተካኢ ናይ መጻኢ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣመሓያሽን ቀያርን ናይ ዝነበረን ክወራረስ ዝጸንሐን እውን ኢዩ፤ ከምቲ ናይ´ዚ ኣርእስቲዚ ተመራመርቲ ዝገልጽዎ እውን፥ ኣብ ሞንጎ መንእሰይን ኣውረስቶምን ኩሉ ጊዜ ግርጭት ዝሓዘለ ዝምድናታት´ውን ከምዝህሉ ኢዩ። መንእሰይ ዝቕይሮን ዘመሓየሾን ድማ፥ ንመጻኢ ወለዶ የመሓላልፎ´ሞ ባህልን ልማዳትን ናይ መጻኢ ወለዶ ይኸውን። እዚ ማለት ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ መንእሰይ ለውጢ ይርአ ማለት ኣይኮነን፥ ሕብረተሰባት ብዙሕ ከይቀየሩ ንነዊሕ ወለዶታት ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም፥ ከምኡውን ለውጥታት ብሰላሕታ ቀስ ኢሉ፤ ወይ ድማ ቅልጡፍን ርኡይን´ውን ክኸውን ይኽእል።
መንእሰይ ኤርትራ፤

መንእሰይ ኣብ ታሪኽ ናይዘን ሎሚ ንኤርትራ ኣቒመን ዝርከባ ኣካላት ሕብረተሰብና፤ ኣብ ብዙሕ ሸነኻቱ ተመሳሳልነት ዝሓዘለ ከምዝነበረ፤ ደረጃ ምዕባለታቶምን፥ ስርዓት ስድራበታቶምን፥ ምስ ከባቢኦም ዝነበሮም ዝምድናታትን ገለ ካብ ክጥቀሱ ዝኽእሉ መበገሲታትን ምኽን ያታት ክንወስድ ንኽእል። ብፍላይ ኣብቲ ጥልያን ዝኣተወሉ እዋናትን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታት፥ መንእሰይ ኣብ ማእቶት (ሕርሻን፥ ምእላይ ከብትን ምግፋፍ ዓሳን ወዘተ) ቀንዲ ተዋስኣይ ስድራበት እኳ እንተነበረ፤ ኣብ ንሕብረተሰቡን ዶባት ብሔሩን ምክልኻልን ንወረርቲ ኣብ ምምካትን ክህልዎ ዝኽእል ዝነበረ ኣገዳሲ ግደ እውን ክዝከር ዝግብኦ ኢዩ። ጥልያን ናብ አርትራ ብዘይ ብዙሕ ጸገማት ንክኣቱ ካብ ዝሓገዝዎ ምኽኛታት ሓደ´ውን፥ ህዝቢ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብሰንኪ ናይ ጎረባብቲ ተደጋጋሚ ወረራታትን መጥቃዕትታትን ፥ ኣዝዩ ተዳኺሙን ደኽዩን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ተሰዲዱን ብምንባሩ፤ ንጥልያን ከም መድሕን ጌሩ´ውን ስለዝወሶዶ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣብ ልዕሊ´ቲ ንመላእ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ዝነበረ ሓሳር፥ መንእሰይ´ውን ከም ርእሰ-ኲናት ብቐዳምነት ዝጥቃዕን ዝበርስን ከምዝነበረ ምግማት ከቢድ ኣይኮነን።

ጥልያን ምስ ኣተወ ንመንእሰይ ዝማርኽ ትሕዝቶታት ኣተኣታተወ፤ ርእሰማላዊ ዘበናዊ በት ዕዮታትን ኣገባብ ሕርሻታትን ምትእትታው ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንሰራሕተይናታት መሃያ (ደሞዝ) ክኸፍል ጀመረ፥ እዚ ንብዙሓት መንእሰያት ማረኸ። ጥልያን ንዝነበረ ናይ ወረራ ሕልምታቱ ንክሳኻዓሉ ወተሃደራት ምኽታብ ምስጀመረ እውን፥ ኣብ ልዕሊ´ቲ ብመሃያ ምስርሑ፥ ብረት ምሓዝ ከምዝማረኾን ብብዝሒ ድማ ከም እተኸትበን ዝፍለጥ ኢዩ። መንእሰይ ኤርትራ ናይ´ቲ እዋንቲ እምበኣርከስ፤ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ዘበናዊ ናይ ስራሕ ማዕከናት ክሳተፍ እንሎ፤ ብካልእ ሸነኽ ድማ መሳርሒ ባዕድነት ኮይኑ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ውግኣት ክጠፍእን ክስንክልን ኢዩ ኮይኑ። ኣብ ጊዜ ጥልያን መንእሰይ ኣብ ትምህርቲ ኣይተጠቕመን፤ ብዘይካ´ቶም ምእንቲ ኣብ ገለ ንኡስ ስራሓት ከገልግልዎ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝመሃሮም፥ መንእሰይ ብሓፈሻ ብትምህርቲ ኣይተዓደለን። ከምዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባን ደረጃን ናይ ምብጻሕ ዕድል ኣይተኸፍተሉን፥ እዚ ድማ ናይ ገዛእቲ ሜላ ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ ጥልያን ምውጽኡን እንግሊዝ ምእታዉን ዝተራእየ: ቅልውላዋት ፖሊቲካ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢዩ ናይ መንእሰይ ግደ ኣብ ፖሊቲካ ዝተራእየ። ብሰንኪ ናይ ገዛእቲ መላታትን ትሑት ናይ ትምህርቲ ደረጃታትን ድማ፥ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘደናግር ፖሊቲካዊ ሃዋህው ኣተወ፥ ናብቲ ዝተፈላለየ ናይ ሃገር መጻኢ ዕድል ንምውሳን ዝግበር ዝነበረ ምክፍፋላት´ውን ተኸፋፈለ። ወላኳ መብዛሕትኡ መንእሰይ ንናጽነት ሃገሩ ደው ከምዝበለ ርዱእ አንተኾነ፤ ከምሰቡ ብሰንኪቲ ኣደናጋሪ ኢድ ኣእታውነት ኢትዮጵያን ሜላታት ሓያላን ሃገራትን ኣብ ወጽመዳት ዝኣተወ´ውን ውሑድ ኣይነበረን።

ኣብ ጊዜ ጥልያን ናይ ምስራሕን ምግልጋልን ዕማም ዝሰፈኖ ናብራ ዘካይድ ዝነበረ መንእሰይ ይመስል ክበሃል ይከኣል። ኣብ ጊዜ እንግሊዝ ዝነበረ መንእሰይ ግን ብዙሕ ናይ ፖሊቲካ ጸዋታታትን ሸርሕታትን ተንኮላትን እናተዓዘበን፥ ብኡ´ውን እንዳተጸልወን ዝሓለፈ ብምንባሩ፥ ዝፈልጦ ትርጉም ፖሊቲካ´ውን ንሱ ዝኾነ ይመስል። ኣብ ሃገርና ´እንግሊዝ` ማለት፥ ልቡ ዘይርከብ ተንኮለኛ ወይ ጎራሕ ከስምዕ ይኽእል። ምሕደራን ፖሊቲካዊ ስነኣእምሮን እንግሊዝ ኣብቲ ዝነበረ ወለዶታት ኣሰራቱ ከይገደፈ ኣይተረፈን። ንህዝቢ በቢቅኒቱ ምዝማርን ምስ ካልኦት ኣነጻጺርካ ፍሉይነቱ ኣጋኒንካ ከይሓብር ምግባርን ገለ ካብ ናይ መለኽቲ መራሕትን ጥበባት ፖለቲካ ገዝእትን ኢዩ፤ ብግሁድ ድማ ኣብ ጊዜ እንግሊዝን ጥልያንን ደሓር ´ውን ኢትዮጵያን ብግሁድ ዝተራእየ ኢዩ።

እምበኣርከስ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘደናግርን ርጉእ ዘይኮነ ኩነታትን እንከሎ ኢዩ ናብ ፈደራስዮን ኣትዩ። እቲ ንፈደራስዮን ዘይድግፍ ዝነበረን፥ ድሒሩ ንኩሉ ተንኮላት ዘስተብሃለን መንእሰይ ድማ ከሎገና ኣብ ጊዜ ፈደራስዮን ንናጽነቱ ናይ ቃልሲ ባይታ ከንጽፍ ተቓለሰ፥ ናህርን ዕዙዝ ድልየትን ወሳንነትን ዝነበሮ፥ ናይ ጸላኢ ዕብየትን ተንኮላትን ከይኣገሞ ንቕድሚት መሪ ሹ ኢዩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዘምርሐ። ምስትብሃል ዘድልዮ፥ ማናልባሽውን መጽናዕቲ ክግበረሉ ዝግብኦ ኢለ ዝኣምነሉ፥ እቲ ብግሆኡ ንናጽነት ኤርትራ ዝተበገሰን መሰረት ዘንብረን ወለዶታት፤ ሕውስዋስ ናይ´ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘበናትን ወለዶታትን ምንባሩ ኢዩ። ኣብ ጉዕዞ ሰውራ ክርከብ ንዝጸንሐን ጌና´ውን ዘሎን ጽቡቑን ሕማቑን፤ ምናልባሽ ካብቲ ዝተፈላለየ ተረድኦ ፖለቲካን ምሕደራ ሃገርን ከምኡውን ግደ ውልቀ ዜጋን ዝመንጨወ ከይከውን ምምርማር ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ። ውድድር እንዳታትን ሕነ ምፍዳይን፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር መን ከማይ ዝብል ስምዒታት፤ ኣብ ንሕድሕድካ ምጥርጣር፥ ኣብ ስልጣን ተጎዝጒዝካን መሳርሒ ዀንካ ኣብ መጥቃዕቲ ንጹሃት ምውዓል፤ ስልጣን ዝሓዘ ፈላጽን ቆራጽን (ዝድላዩ ዝገብረሉ) ምዃንን ብኸምኡ ምርዳእን፤ ሰብ ምስ ሰብ ምግጫው ከም ብልሓትን መንፍዓትን ምቑጻርን፤ ኣብ ክንዲ ኣብ ህዝብኻ ኣብ ወገንካ ኣሚንካ ናይ ምምራሕ ቦታኻ ንምርግጋጽ ምቅላስን ወዘተ…. እቲ ሓሓሊፉ ዝርኤን ጸገም ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣብ ታሪኽ ሰውራና መብዝሕትኡ ንሰላምን ዕርቅን ሓቢርካ ብማዕርነት ምስራሕን ዝተማጎቱን ዝተቓለሱን ከም ዝነበሩን ዘለዉን ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ፤ ብዙሓት ህይወቶም ከፊሎምሉ ኢዮም፥ ገለ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ወይ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ከምዘለዉ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ።

ትምህርቲን ኣገዳስነቱን ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ እናዓዘዘ ከደ። ካብቲ ናይ ጥልያን ራብዓይ ክፍሊ ዝዶቡ፤ ድሒሩ እውን ናይ እንግሊዝ ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ወዲእካ መምህር ምኳንን፥ ኣብ በት ጽሕፈታት ብምስራሕ ዝሓሸን ክብሪ ዘለዎ ናብራ ምክያድን ንስድራበታት ደቆም ንከምህሩ ኣተባብዖም። እቲ ብሚስዮናውያንን ብእስልምናን ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርትታት እውን ኣብ ሕብረተሰብ ተዋሳእትን ርኡያት ዝኾኑ ባእታታት ኣብ ምፍራይ ግደታቱ ነይርዎ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ግዱስነት´ዚ ድማ፥ ኢትዮጱያ ንኤርትራ ኣካላ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፥ ኤርትራውያን ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ክመሃሩ ብዝነበረ ዕድላት፥ ብቁጽሪ ብዙሓት ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ንላዕለዋይ ትምህርቲን ካልእ ናይ ሞያ ትምህርትታትን ክመሃሩ ምኻዶም ጥራይ ዘይኮነ፥ መብዝሕትኦም ብዝነኣድ ፍልጠትን ውጽኢትን ይውድኡ ከምዝነበሩ ኢዩ ዝዝረብ። ኣብ ጊዜ ንጉስ ሃይለስላሴ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝኣትዉ ተመሃሮ፥ ብኣውራጃታት እሞ ብሚእታዊት (%) ምስ ተራእየ፤ ኤሪትራውያን ካብ እጃሞም ንላዕሊ ይሳተፉ ምንባሮም ተበጺሑስ ሓዲስ ሕጊ ከምዝወጸ ይፍለጥ። እቲ ሕጊ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ዝተወሰኑ ተመሃሮ ምቕባል ዝብልኳ እንተነበረ፥ ካብተን ካልኦት ኣውራጃታት ሓሊፎም ዝመጹ ብዙሓት ኤሪትራውያን ስለዝነበሩ ከምቲ ዝተደልየ ኣይተዓወተን። ኤሪትራውያን መንእሰያት ኣብ ስርሖምን ትግሃቶምን ኣድኖቖት ዘትረፉ ኢዮም ነይሮም። ብካልእ ሸነኽ ድማ ብፍላይ ካብ መታሕታዊ ክፋል ኤርትራ ንሱዳን ደቆም እናለኣኹ ዘምሃሩ ብዙሓት ኢዮም፥ ገለ ካብኣቶምውን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብ ከይዶም ላዕለዋይ ትምህርትታቶም ዘካየዱ ነይሮም፥ ካብኣታቶም ድማ ውሩያት ተቓለስቲን ጀመርቲ ውድባትን ይርከብዎም።

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ዝነበረ ናይ መንእሰይ ፖሊቲካዊ ብቕዓት ብሓፈሽኡ፤ ኣብ ፖሊቲካዊ ናጽነት ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ፤ ድሕሪ መፋርቕ ሱሳታት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ኣብ ደሳውነት (ዴስንት) ዝተሞርኮሰ ፍልስፍና ኣብ መላእ መንእሰያት (ብፍላይውን ተመሃሮ) ኢትዮጵያ ገነነ። እዚ ምንቅስቓዚ ካብ ኩሉ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝፈልዮ እንተሎ፥ ኣብ ክቱር ዝኾነ ምሉእ ሓልዮት ህዝቢ ዘድሃበ ምንባሩ ኢዩ ነይሩ። ተግባርውነቱ ብዘየገድስ፥ ኣብ ኣተሓሳስባ መንእሰይ ፍሉይ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዝህልዎ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ´ዚ ድማ ንህዝቢ ንምዕዋት ዘድሊ ሕሉፍ ተወፋይነትን መብጽዓታዊ ግደታን ኣብ ሓንጎል መንእሰያት ኣሕደረ። ጽልዋታቱ ውን ናብ መንእሰያት ኤርትራ ኣሕደረ። መንእሰያት (ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ) ኣብ ዕላዊ ማሕበሮም: ኣህዛብ ኢትዮጵያ (እንኮላይ ኤርትራ) ዕድላተን ባዕላተን ክ ውስና መሰል ክህልወን ከምዝግባእ ኣስፊሮም ነበሩ። እዚ መንፈስን ኣተሓሳስባን ንመንእሰይ አርትራን ሰውርኡን ዓቢ ድጋፈሕልና ኢዩ ነይሩ። ኤሪትራዊ መንእሰይውን ናብ ሰውርኡ ብዝለዓለ ንክሳተፍ ኣዝዩ ሓጊዙ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብቲ እዋናት´ቲ ብዙሓት ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ተመሃሮ ነዚ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ኣብ ግምት ዘእተዉን ውዒሉ ሓዲሩ ንህዝቢ ዝሓልን ዘማዕብልን ህዝባዊ ስልጣን ዘረጋግጽን ስርዓት ንክፍጠር ከምዝኾነ ምግማቱ ኣይጽግምን፤ ኮይኑ ግን ኩላቶም በጃ ህዝቢ ብመላኺ መራሒ ተኣርዮም ጠፍኡ ፤ስዉኣት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኢዮም። ድሒሩ ኣብ ክፍላ ሰብዓታት ዝተሳተፈ ብኣሽሓት ዝቑጸር መንእሰይውን እንተኾነ፤ ንህዝቢ ቀዳምነት ሂቡ ህይወቱ ክውፊ ዝወጸ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ አርትራ ነቲ ኣብ ስሳታትን ሰብዓታትን ዝነበረ መሰታ ዘይርከቦ ህዝባዊ ሓልዮት ዝነበሮ ኣተሓሳስባን ስነምግባርን ክወዳደር ዝኽእል የለን ምባል ይከኣል። ንሓንሳብ ዝተራእየን ምናልባሽ´ውን ዘይድገምን ክኸውን ይኽእል ይኸውን።

ሰውራ ኤርትራ ኩሉ ደረጃ ወለዶታትን ኩሉ ጾታታትን ዝተሳተፈሉ ሓያል ህዝባዊ ደገፍ ዘረጋገጸ ምኳኑ ምስኩር ኢዩ። ኮይኑ ግን ኣስተብህሎ ክግበረሉ ዝግብኦ እቲ ዝበዝሐ ንጡፍ ኣባል ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ፥ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምንባሩ ኢዩ።

እዚ መንእሰይ ክቃለስ እንከሎውን ነታ ጽባሕ ንሱ ብሰላም ዝነብረላ፥ ቅኑዕ ኣመራርሓ መስሪቱ ዝመርሓላን ዝምርሓላን፥ ዝኾርዓላን ህዝቡ ዘቕስነላን ወዘተ መጻኢት ናጻ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ።

መንእሰይ ኤርትራ ንናጽነቱ ብምሉእ ሓድነት ኣብ ሪፈርንዱም ኣድሚጹ ጥራይ ዘይኮነ፥ ብሓጎስን ብበዓላትን ክብርን ድማ ኢዩ ድልየቱን መርገጹን ዝገለጸ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን እዚ ሕልሚ´ዚ ኣይተማልአን ጥራይ ዘይኮነስ፥ እቶም ዝተቓለሱላ ግደ ከምዘይህልዎምን፥ ኣብ ፈቐዶ ኣድላይነት ዘይነበሮ ውግኣት ክጠፍኡን፥ ዝተረፉ ብማእሰርትን መቕተልትን ተወጊኖም ብሓዲሽ´ሞ ታሪኽ ሰውርኡ ዘየለለየ ወለዶ ተተኪኦም ኣለዉ። ንመንእሰይ ዘጋጠሞን ዘጋጥሞ ዘሎን፥

ኣብ ጊዜ ናጽነት ዝነበረ መንእሰይ ሕሉፍ ዝኾነ ታሕጓስን ኩርዓትን ዝተሰምዖ፤ ከም ምስጋና ናይቶም ናጽነት ዘምጽኡን ስለናጽነት ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ህንጸት ሃገር ክሳተፍን ግደኡ ከበርክትን ህንጡይ ዝነበረ እዩ ነይሩ። እዚ ሓይሊ መንእሰይዚ ድማ ንሃገርና ኤርትራ ንቕድሚት ንከተምርሕ ዘኽእላ ትሑዝ ሓይሊ ምንባሩ ርዱእ ኳ እንተነበረ፥ ጊዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዚ ህንጡይ ድልየት መንእሰይ ከም ሓገዝ ዘይኮነስ ከም ዘስግእ ጌሩ ዝረኣዮ ስለዝኾነ፥ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ፋሕ ኣቢሉ መንእሰይ ናይ ትምህርቱን ናይ ንእስነቱን ዘበን ከምዝሓልፎ ክገብር ኢዩ ዝተራእየን ዘሎን። መንእሰይ ኤርትራ፤ ነቲ ንዓኡ ጥራይ ዝምልከት ዝነበረ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ኣዋጅ ምስተኣወጀ፥ ብሃረርታን ምሉእ ድልየትን ኢዩ ተቐቢልዎ። እናዘመረን እናጨርሐን ግዲኡ ንከበርክት ድማ ይወፍር ነበረ። ኮይኑ ግን ዕላማ መራሕቲ ህግድፍ ከምቲ ሓሳብ መንእሰያት ዘይኮነ፥ ንመንእሰይ ፈጺምካ ካብ ከባቢ ቦታ መርሕነት ንምርሓቑን ተቓዊሙ ኣብ ዘየራኽበሎም ቦታ ንምርሓቑን፥ ምድንቋሩን፥ ከምቲ ዝደልይዎ ምግርዑን ብምንባሩ፥ ኣገልግሎት ናይ ጊዜ ገደብ ዘይብሉ ኮነ፥ ብንእስነቱ ንኣገልግሎት ዝወጸ መንእሰይ ድማ ኣይ ካብ ትምህርቲ ኣይ ካብ ስርሕ ኣይ ካብ ሓዳር ሞንጎ ሞንጎ ኮይኑ ክተርፍ ኮነ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ መንእሰይ ጽልኢ ናይ ኩነታቱ ከሕድርን ሃገር ገዲፉ ክርሕቅን ይገብሮ ንርኢ ኣለና። መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጨካናት ኣካየድትን መሪር ናይ ናብራ ኩነታትን ካብ ስድራበታቶም ተፈልዮም ሓላይ ዘይብሎም ከርተት ክብሉ ይነብሩ ኣለዉ።

ነቲ ናይ ኣገልግሎቶም ጊዜ ንምንዋሕን ዘየቋርጽ ቀጻልነት ንምርግጋጽንድ ድማ ምስ ጎረባብቲ ግጭታት ብምፍጣር፥ ንህዝቢ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ንሃገሮም ንክከላኸሉ ዘገድድ ሕልና ከምዝገዝኦም ገይርዎም ይርከብ። መንግስቲ ህግድፍ ነቲ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ዝውልዖ ዝነበረ ውግኣት፥ ንመንእሰይ፤ ንዝነበሮ ሕሉፍ ሃገራዊ ፍቕርን ሓላፍነትን መዝሚዙ፥ ኣብ ፈቐዶ ውግኣት ከጥፍኦን ከሰንክሎን፥ ሓላው ዶብ ጌሩ ካብ ማእከል ከርሕቖን ብምግባር መደባቱ ኣዓዊቱ ኢዩ፤ እንሆ ድማ ዕድመ መንግስቱ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ነዊሑሉ ኣሎ። ንመንእሰይ ግን እዚ´ውን መሪርዎን ኣድኪምዎን፥ ጠንጢንዎ ድማ ናብ ጎርባብቲ ሃገራት ክስደድን ብኡውን ኣብ ዓለም ፋሕ ክብል ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ወለዶ ድማ ኣብ ሰዓት ናጽነትን ሓጎስን ዝተወልደ፥ ምእዙዝን ኣገልጋሊን ናይቶም ናጽነት ኣምጺእናልካ ብምባል ጸብለል ዝብልዎ ኮይኑ ርእሱ ኣድኒኑ ክኸይድን ንከይብዳህ ዝተዳህለን ውጹዕ ወለዶ ኢዩ። ኩሉ ዝፈልጦን ዝተማህሮን ታሪኽ ንሓቅታት ዘገለለን ኣብ ኣምባገነንነት ናይቶም ዝመርሕዎ ዘለዉ ዘተኮረ ብምኳኑ ኣዝዩ ዝተሃስየ ወለዶ ኢዩ። ኮይኑ ግን ናጽነቱ ተጋሂሱ ዳርጋ ጊላ ኮይኑ ህይወቱ የሕርር ምህላዉ ዘይርድኦ ኣይኮነን፤ ውጽኢቱ ድማ እነሆ እዚ ንዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን መሪርን ሓደገኛን ጉዕዞ ስደት ኢዩ።

ኣብ ሰራዊት ይኹን ኣብ በት ትምህርትታት ዝነበሩ መንእሰያት፤ ኣብቲ ደድሕሪ ናጽነት ዝነበረ እዋናት ነቲ ስርዓት ክብድህዎ ከምዝጀመሩ ዝዝከር ኢዩ። እቲ ናይ ኣካለ ስንኩላት ተጋደልቲ ፈተነን ምንቅስቓስ ሰራዊትን ከምኡውን ናይ ተመሃሮ ጠላባትን እምቢታን ካብተን ኣዝየን ጎሊሐን ዝዝከራ ኢየን። ኩሉ ግን ብዘይምሕርን ዝኾነ ይኹን ሓልዮት ብዘይብሉ መገዲ ኢዩ ተደምዲሙ፥ ዝቕተል ተቐቲሉ ዝእሰር´ውን ተኣሲሩ። ሽሕ´ኳ ናይ ጉጅለ 13ን ጉጅለ 15ን ፈተነታት እንተሰዓበ፤ ንሳተን እውን በቲ እቲ ስርዓትዝጥዕሞ ኢየን ዝተደምደማ፤ ማእሰርትን መቕተልትን!!

ብዙሓት ካብ ውሽጢ ሃገርን፥ ካብ ግዳም ዝመጹን ኤሪትራውያን፥ ኣብ ምምስራት ዲሞክራስያዊትን ምዕብልትን ሃገር ክሳተፉ በቢ ፍልጠታቶምን ሞያታቶምን ፈቲኖም ኢዮም፤ ኮይኑ ግን በዓል ገንዘብ ገንዘቡ ኣጥፊኡ፥ በዓል ሞያ ተዓጊቱ፥ ኣብ ፖለቲካ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዝነበሮ ድማ ወይ ተኣሲሩ ወይ ህይወቱ ከፊሉ ኢዩ። ብዙሓት ንአርትራ ዓቢ  እጃም ከበርክቱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ድማ ኢዮም ኣሰር ዘይብሎም ጠፊኦም ዘለዉ።

ስደተኛ ኤሪትራዊ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ንክርሕቕን ብዘስካሕክሕ መገድታትን ኣገባባትን ናብ ዓለም ፋሕ ንክብል ዝገብሮ ዘሎ፤ መንቀሊኡ እቲ ክፋእ መንግስቲ ህግድፍን ጨካንን ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ኣመሓድራኡን ኢዩ። ”ኣብዚ ሞት ኣብቲ ሞት” ብምባል፥ ዓይኒ የብለይ ኢሉ ብሰሃራን ቀላያትን፥ ከም ከብትን ኣቕሑትን እናተሸጠን እናተለወጠን ዘይተኣደነ ገንዘብ እናኸፈለን ዝስደድ ዘሎ።

ኣብ ጉዕዞ ዝጠፍኡን፥ ኣካላቶም ተጓሕጊሑ ኣብ ፈቐዶኡ ዝተረፉን፤ ብመግረፍትን ብሓውን ዝሰንበሩን ዝሞቱን፥ ዝተዓመጻን ቆልዑ ዓመጽተን ዝሓቖፋን ኣሓትና ኤሪትራውያን ወዘተ… ክንዝክር ከለና፥ መንግስቲ ህግድፍ ንመንእሰይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቲ ብታሪኹን ብመንነቱን ንዝምልከት ብኩርእዓትን ትብዓትን ዝልለ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ከይተረፈ ሃስይዎን ደቊስዎን ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

-ኣብ ውግእ ዝጠፍኡ፥ ብፍላይ ናይ ባድመ ስዉኣት
-ዶብ ቅድሚ ምስጋሮም ብሰራዊት ህግድፍ ዝተቐትሉ ምንእሰያት
-ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ስደተኛታት ዘሕልፎ ዘሎ ክፉእ ናብራ
-ንኣውሮጳ ገጹ ክጎዓዝ ዘጋጥሞ ዘሎ ኣስካሕካሒ ጸገማት (መግረፍቲ፥ ጥሜት፥ ናይ ኣካላት ምሻጥ ንግዲ፥
ከም ከብቲ ኣብ መጎዓዝያታት ተኣኲቱ ዝጸዓነሉ፥ ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝጥለበሉ፥ ኣብ ባሕሪ ክሰግር
ዝጠፍኣሉ ዘስካሕክሕ ታሪኻት፥
-ኣብ ኣውሮጳውን እንተኾነ ክሳብ ቀሲኑ ክነብር ዝጅምር ዘሕልፎ ሰንፈላላት

ነዚ ኩሉ እሞ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ዘጋጠሞ ሓሊፉ ከብቅዕ፥ ተመሊሱ ኣገልጋሊ ምልካዊ ስርዓት ንክኸውን ዘጋጥሞ ብድሆታትን ፈተነታትን እውን ሓደ ካብቲ ክዝከር ዝግብኦ ኣጋጣሚታት ምዃኑ ክጥቀስ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ።

ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፥ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ስደት መጺኡ ንዝረኽቦም ኤሪትራውያን ከምቶም ዝገደፎም ከምዘይኮኑ ከለሊን ክዕዘብን ጊዜ እንተወሰደሉ ዘገርም ክኸውን ኣይግባእን።ዝረኣዮን ዘስተብሃሎን ዝዓበየሉን ትርጉም መንግስትን ተግባራት ሓለፍትን፤ ከምኡ´ውን ተማእዛዚ ክኸውን ዝተቐሰበ ህዝብን ስለዝኾነ፤ ካብ ሃገሩ ምስ ወጸ ዘርእዮ ባህርያት ፍልይ ዝበለ እንተኾነ ከገርም የብሉን።

መጀመርያ ታሪኽ ክፈልጥን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ግፍዕታት ፖለቲካዊ መንቀሊኡን ትርጉሙን ክበርሃሉ ይግባእ፤ ነዚ ምስ ተረድአ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝወዓሎ ካብቶም መማህራኑ ንላዕሊ ክገልጾ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ካብ`ዚ ተበጊስና እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን እንርከብ ይኹን፥ ከም ውልቀሰባት እውን እንተኾነ፤ ነዚ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ከነጸናንዕን፥ ከነተባብዕን፥ ብቐዳምነት ኣብቲ ዝርከበሉ ሃገር ርእሱ ክኢሉ ጥጡሕ ናብርኡ ንከካይድ ፥ብቑዕ ኣካል ናይቲ ንለውጢ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ክኸውን ንምእታዉን ንምስታፉን፥ ንመጻኢት አርትራ ከነዳልዎን: ምግባር ቀንዲ ዕማማትና ክኸውን ይግብእ።

መንእሰይ ኤርትራ፥ ታሪኽን ባህልታትን ሕብረተሰቡ፥ ሓቀኛ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቡን ብግቡእ ንክፈልጥ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ኢዩ። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝድለ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትርጉሙን ምስቲ ሕጂ ዘሎ መላኺ ስርዓት ብምውድዳር ምብራህ፣ መሰልን ግቡእን ዘጋታት ምብራህን ካልኦትን ምስትምሃር ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። በዚ ድማ ንመንእሰይ ሓላፍነቱ ከምዘለሊ፥ ነቲ ብሰንኪ ህግድፍ ተዳኺሙ ዘሎ ወለዶ ንምትንሳእን ብውሑዱ ይከኣል ይኸውን።

የቐንየለይ: ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!


ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ኣንቶኒዮ ኣልፋኖ ብ25 ነሃሰ 2017  መልእኽቲ ልኢኹ። ሰዲህኤ ኣብ’ዚ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ዘይብሎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስድተኛታት ዝተወስደ ካብቲ ግዚያዊ መዕቆቢኦም ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ስንባደን ሓዘንን ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢጣልያ ነዚ ጉዳይ ከም ሓደ ህጹጽ ተረኽቡ ብግቡእ ከጽነዖን ቆላሕታ ክገብረሉን ጸዊዑ። 

እዚ መልእኽቲ ሰዲህኤ  ስጉምቲ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ካብ ምስ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዝምድና ዝይዳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ብዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዙሓት ኤርትራውያን በዚ ስጉምቲ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑ ኣመልኪቱ። እቲ መልእኽቲ ኣብ ርእስ’ቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ኢጣልያ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝያዳ ክትግደስ ሞራላዊ ግደታ ከም ዘለዋ ጠቒሱ።

ኣደታትን ህጻናትን ዝርከብዎም 800 ሰባት ካብቲ ኣብ ጥቓ መንገዲ ባቡር ዝርከብ ካብ 2013 ጀሚሩ ስደተኛታት ክዕቆብሉ ዝጸንሑ ህንጻ ከም ዝተሰጐጉ ጸብጻባት ሓቢሮም እዮም።

In a message addressed to Italian Foreign Minister Angelino Alfano on Friday, 25 August 2017, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) expressed its shock and sadness on the sudden eviction from a temorary shelter of helpless Eritrean and Ethiopian refugees and urged the Italian Government to address the problem as a matter of urgency.

 

The EPDP message noted that the action deeply saddened many Eritreans who still consider Italy much closer to them than the rest of Europe because of historical ties.  It further stated that, on top of the international law obligation to protect the right of refugees, Italy has "a moral responsibility towards Eritrea and its suffering people."

 

Reports had it that upto 800 persons, including children and mothers, were thrown out of a building near Rome's Termini railway station in which they took shelter since 2013.

On 19 August 2017, the first branch of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) in Sweden held its annual congress in academically famed city of Uppsala under the slogan: "Law-based struggle guarantees victory of our cause!"

 

Opened by welcoming remarks of the out-going branch chairman, Dr. Habtemichael Tekle, the EPDP Branch-1 annual congress heard a moving solidarity message sent by the All-Europe Zone chairman, Mr. Ishaq Woldemariam.

EPDP Branch-2 chairman, Mr. Zehaie Keleta, who attended the congress at observer-level also presented an inspirational speech in which he recounted the challenges being faced by the Eritrean people and their struggle for a better future and urged the Uppsala congress participants to counter those challenges with redoubled resolve to win.

Congress Branch 1The branch annual congress, which went on for four hours, exhaustively discussed political, organizational and financial issues related to the branch and its performances in each sector of activity. The congress also took time to discuss the effective ways in implementing future programme of action and the paramount importance of each member to fully understand the party's political programme and the constitution. Also discussed and applauded was the renewed attention being given by the EPDP to joint work with sister organizations in the opposition camp.

Likewise, the Uppsala congress of EPDP Branch-1 frowned upon misguided elements bent at unnecessary mud-slinging on this worthy party and its committed and steadfast leadership and reaffirmed branch members' principled support to the EPDP Central Council and the Executive Committee.

The annual Branch-1 Congress was concluded after adopting the future action plan and electing  a new branch leadership for a one-year term.

ሻሙናይ  ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዕለት 26 ነሓሰ 2017 ክጅምር ኢዩ።ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (ካብ ክፍላ 2016 ክሳብ ክፍላ 2017) ናይ ዘካየዶም ንጥፈታት፡ ሃለዋት ህዝብን ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ጸብጻብ ክሰምዕን ክመያየጥን ኢዩ።

 

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣኼባ ዝዛረበሎም ጕዳያት፡ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ሓይልታትን ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዝካየድ ልዝብን፡ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፍን ጕዳይ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።

 

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ከም’ቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመታዊ ኣኼባኡ ዝገብሮ፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣቦ መንበርን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክመርጽን ንውጽኢት ኣኼባ ዝምልከት መግለጺ ከውጽእን ኢዩ።

ብዕለት 19 ነሓሰ 2017 ጨንፈር ቁ. 1 ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብ ትሕቲ ትካላዊ ቃልስና ዋሕስ ዓወትና!!! ዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ጕባኤኡ ኣካይዱ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ዶ/ ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን ናይ ሰላምታን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መልእኽቱ ድሕሪ ምቕራብ: ምልኣተ ጉባኤን ኣጀንዳ ጉባኤን ብድምጺ ኣኼበኛታት ኣኼበኛታት ጸዲቑ።

ቀጺሉ ድማ፡ ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም፡ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡ ንጉባኤ ዝለኣኾ ናይ ደገፍ መልእኽቲ  ተነቢቡ። ሓው ጽሃየ ቀለታ፡ ኣቦ መንበር ሰ.ደ.ህ.ኤ. ጨንፈር ሽወደን ቁ.2፡ ብኣካል ኣብ’ቲ ጕባኤ ተረኺቡ፡ ንህዝብና ካብ ኣርዑት ምልካውነት ንምንጋፍ ዝግበር ቃልሲ መሪር ቃልሲ ክሕይልን ሓድነት ሰልፊ ክዕቆብን ኩሉ ዝከኣል ጻዕርታት ክግበር ድሕሪ ምዝኽኻር። ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ዕጥቅና ብዝያዳ ከነደልድል ከም ዘሎና ድማ ኣስሚርሉ። ብሓፈሻዊ ከኣ ንኣሰካፊ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ዝገልጽ ጭርሖ ጉባኤ: ብሩህን ሓባርን ጻዊዒት ምዃኑ ብምእማት፣ ንቀጻሊ’ውን ሓባራውን ስጡምን ቃልሲ ከም ዘደሊ ኣብሪሁ።

እዚ ንምሉእ ሰላምን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ዝገበረ ጉባኤ: ኣብቲ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ስርሑ: ኣብ ፖለቲካዊ፡ ውደባውን ገንዘባውን መዳያት ጨንፈር ዘበርከቶ ተራን ተሳትፎን ብግቡእ ገምጊሙ፤ ንዝመጽእ ዓመት ክዓሞ ዘለዎ መደብውን ሓንጺጹ። ቀንዲ ካብኡ ንፖለቲካዊ መደብን ቅዋምን ሰልፊ ብግቡእ ምኽታልን ኣብኡ መሰረት ዝገበረ ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ተቛውሞ ደምበ እጃሙ ክጻወትን ዝብል ነበረ።

Congress Branch 1

ብድሕር’ዚ። ንዓመት 2017/2018 እተገልግል መሪሕነት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ኩሉ ስርሓት ሰልፊ ኣድማዒ ዝኽውን ድማ ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ምድልዳልን ቀጻሊ ናይ ተሃድሶ መስርሕ ምክያድን ምዃኑ ድማ ጉባኤ ኣረጋጊጹ። ንህልዊ ጸገማት ሰልፊ ብምጥማት: ናይ ርእይቶ ፍልልይ ንቡር መስርሕ ፖለቲካ ምዃኑ ብምእማን: ንዝገሃዱ ሽግራት ንምፍታሕ ዝውሰዱ ስጕምትታት ግን፡ ካብ ሕጋውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣስሚሩሉ።

ጕባኤ፡ ነቲ ብስም ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ሰልፍን ሕጋዊ መሪሕነትን ዝካየድ ዘሎ፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘየገልግል ናይ ጸለመ ወፈራታት ምዃኑ ብምእማት፡ ብምሉእ ድምጺ ኣብ ጐድኒ ሕጋዊ መሪሕነቱ ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ንኹሎም ግዳይ ናይ’ዚ ወፈራ ዝዀኑ ንጹሃት ተቓለስቲ ድማ፡ ኣብ ቀልቦም ተመሊሶም ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ መገዲ ክመርጹ ጉባኤ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንህልው ኩነታት ደምበ ተቛውሞ ዳህሲሱ: ውሽጣዊ ኩነታቱ ገምጊሙ: ኣብ ዲፕሎማስን ዜናን ህዝባዊ ጉዳያትን ምስ ኩለን ናይ ተቛውሞ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢሩ ክሰርሕን ክቃልስን ዘኽእል እማመ ምቕራቡ ጉባኤ ኣመጒሱ። ብሓፈሻኡ ከኣ መሪሕነት ሰልፍና ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ክልተ ዓመት ግዜ መሪሒነቱ ንዝዓመሞም ጉዳያት ንኢዱ።

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና
ውድቀት ንህግደፋውያን
ንሓባራዊ ስራሕ ምስ ኩሎም ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ንበገስ።

السادة والسيدات الأكارم

 

في البدء أرحب بكم وأقدر حضوركم الكريم وتلبيتكم دعوتنا لمشاركتنا فعاليات مهرجان ارتريا للعام 2017م بفرانكفورت بألمانيا. والشكر والتقدير موصولان للجنة التحضيرية للمهرجان وساعدها الأيمن الرابطة الديمقراطية الارترية لإعدادهما المهرجان بهذه الصورة الجميلة.

 

يأتي مهرجان هذا العام وارتريا تعاني من شح المياه، الكهرباء، العدل، الأمن وحقوق الانسان، تدفق هجرة الشباب، اشتداد قبضة دكتاتورية إسياس أفورقي علي جميع مجالات الحياة، استباحة الأرض الارترية ومياهها وأجوائها من قبل القوى الأجنبية، الي جانب تسبب سياسات أفورقي الخرقاء في وقوع أراضٍ ارترية واسعة تحت الحكم الاثيوبي المباشر، فضلاً عن غيوم الحرب التي تظلل سماء العلاقة بين ارتريا واثيوبيا من جهة وارتريا وجيبوتي من جهة. أما علي صعيد المعارضة فيأتي المهرجان وهي تعيش أضعف حالاتها من تمزق وتناحر وتقوقع علي الذات.

 

لا شك أن هذا الوضع الارتري السيئ داخلاً وخارجاً يتجه بارتريا نحو الانحدار المتسارع الي مصير الدولة الفاشلة، الأمر الذي يفرض علي كل حادب علي مصلحة شعبه ووطنه المبادرة بالإسهام في انتشال بلاده من هذا النفق المظلم، وإلا فإن التاريخ لن يرحم أحداً ممن يتقاعسون عن هذه المهمة الوطنية.

 

للخروج من هذه الأحوال المتردية قام المجلس الوطني لحزب الشعب الديمقراطي الارتري بدراسة وتقييم التجارب السابقة للعمل المشترك بين قوى المعارضة وما كان ينشأ بينها من أطر مظلية شاملة أو جزئية. وبذلك توصل التقييم الي أن أهم عيوب ومعيقات العمل المشترك ظلت تتمثل في الآتي:

1/ فشلنا في ترتيب الأولويات

2/ قضاء الوقت فيما لا يجدي فتيلاً كالمكايدة والتنافس دون أسباب وجيهة.

 

وانطلاقاً من هذا التشخيص العلمي الدقيق لعيوب وأمراض المعارضة نقترح العناصر الأربعة أدناه للانطلاق من منصة جديدة للعمل المشترك، ألا وهي:

1/ الحفاظ علي السيادة الوطنية لارتريا

2/ إسقاط نظام الهقدف الدكتاتوري واجتثاث مؤسساته القمعية

3/ إبدال النظام الدكتاتوري بنظام شعبي ديمقراطي متعدد الأحزاب.

4/ الإقرار بحكم القانون وجميع الحريات والحقوق الديمقراطية للمواطنين

 

حزبنا يتقدم بهذا الطرح لجميع قوى المعارضة بلا استثناء أحد لتتخذ منها حجر الأساس نحو بناء مظلة وطنية جامعة. كما يرى الحزب أن تنشئ المظلة ثلاث لجان للعمل الدبلوماسي والاعلامي والجماهيري التعبوي. علي أن يكون شرط الانتماء لتلك اللجان قائماً علي الإيمان بالتغيير والخبرة العملية والسياسية وليس بالضرورة الانتماء الي إحدى قوى المظلة أو تمثيلها.

 

السادة والسيدات:

هذا الطرح بالطبع ليس الوحيد والنهائي، إنه قابل للتعديل حذفاً وإضافة، قابل للأخذ والرد، لكن بشرطٍ واحد هو أن ما نتفق عليه جميعاً من حذف أو إضافة لابد له من أن يكون مهمة اليوم وليس الغد.

 

ما طرحناه مشروعاً للعمل المشترك لتنظيمات المعارضة الارترية لا يمنع الوحدة أو التقارب أكثر بين مكونات المظلة المتطابقة أو المتقاربة برامجياً، علي أن لا يؤدي ذلك الي اتخاذ هذه الأطر الأضيق بديلاً للإطار المظلي الجامع، ومن هنا أعلن لكم أن حزبنا علي استعداد للانضمام الي أي مشروع مظلي أفضل من مشروعه الحالي يتسم بالديناميكية والقابلية للتطبيق العملي.

  

السادة والسيدات:

بهذه المناسبة يناشد حزبنا كافة القوى العسكرية الأجنبية الخروج من ارتريا، وإيماناً منه بعدم جدوى الحل العسكري للنزاع الحدودي بين ارتريا واثيوبيا من جهة وارتريا وجيبوتي من جهة، يناشد أطراف النزاع التقيد بالمعاهدات الدولية المعنية والبحث عن حلول سلمية.

  

كما يناشد حزبنا الحكومة الاسرائيلية وقف انتهاكاتها لحقوق المهاجرين الارتريين وأن تعاملهم وفق اتفاقيات اللجوء الدولية.

كذلك يدعو الحزب دول الاتحاد الاوربي الي إعادة النظر في دعمها للنظام الدكتاتوري وقفل حدودها أمام اللاجئين الارتريين تحت حجة وقف تدفق الهجرة الي تلك البلدان.

 

نناشد الجيش الارتري أن يقف بجانب شعبه وحقوقه وأن يواجه بحزم الطبيعة الخرقاء لنظام اسمرا الدكتاتوري الأرعن.

يشيد الحزب بالجهود النضالية الدؤوبة لمنظمات المجتمع المدني وتجمعات المثقفين في كشف وتعرية نظام أفورقي والعمل علي تمتين وحدة قوى المعارضة الوطنية.

 

ختاماً لا يسعني إلا أن أتمنى لمهرجاننا النجاح وأن يكون منبراً وموسماً للوحدة والتجانس والتفاهم بيننا في جميع المجالات.

 

لنتحد ليكون زندنا الأقوى وصوتنا الأعلى

 

منقستئاب أسمروم

رئيس الحزب

3 أغسطس 2017م

 

ክቡራት ወከልቲ ፖለቲካውንን ሲቪካውንን ማሕበራት ኤርትራ ብሓበራ

ክቡራት ዕዱማት ኣጋይሽናን

 

 

ኣቐዲመ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ንዕድሜና ኣኽቢርኩም ኣብ ናይ 2017 ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ክትካፈሉ ንዝመጻእኩም ኣጋይሽና ክብ ዝበለ መጐሰይ ክገልጸልኩም እፈቱ።

 

ቀጺለ ንኣሰናዳኢት ፈስቲቫል ኤርትራን ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ከምዝኣመሰለ ፈስቲቫል ንምእንጋድ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዘሎኒ ኣድናቖትን መጐስን ክገልጸሎም ክብሪ ይስምዓኒ፤ ክብረት ድማ ይሃብኩም።

 

ናይ ሎሚ ፈስቲቫል ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ማይ፡ መግቢ፡ መብራህቲ፡ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰል ሰላምን ኣብ ዝሳቐየሉን ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያትና ንስደት ኣብ ዘምርሕሉን፥ ምልኪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ዜጋታትና ኣብ ዝኸረረሉ፥ መሬት፡ቀላያትን ሰማያትን ኤርትራ መዐንደሪ ናይብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሰራዊት ልፍንቲ ኣንጻር የመን ኣብ ዝዀነሉ፤ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታት ስርዓት ኢሳያስ፡ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጐበጣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከበሉ፡ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡውን ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ናይ ውግእ ድነ ኣብ ዝዝምብየሉ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ደምበ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡መኣዝኑ ኣጥፊኡ ዕንይንይ ኣብ ዝብለሉን ናይ ምብትታን ምፍንጫልን ተረኽቦታት ኣብ ዝዓምበበሉን ሃለዋት ኢና ንርከብ ዘሎና።

 

እዚ ክልቲኡ ተረኽቦታት ተደማሚሩ ንኤርትራ ናብ ፍሽልቲ ሃገር ምዃና ዘምርሕ ምልክታት ስለዝዀነ፡ኵሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝሓስብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ንምድሓን ቆሪጹ ክብገሰሉ ዘለዎ ናይ ኣፈርክቡ ሃለዋት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ሎሚ፡ ማዕረተነቢሩልና ዘሎ ሓላፍነት ኰና እንተዘይተረኺብና፡ ጽባሕ ብታሪኽ ክንሕተትን ክንውቀስን ምዃና ክንርስዕ ኣይግባእን።

 

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ዝሓለፉ ተመኵሮታት ምቛም ጽላላት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ከም ቀንዲ ጕድለት ወይ ሕጽረት ኰይኖም ንቕድሚት ንኸይንጕዓዝ ሓሊኾም ሒዞምና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ቀዳምነትና ክንሰርዕ ዘይምኽኣልን ኣብ ፋይዳ ዘይብሉ ናይ ህልኽን ኣሉታዊ ናይ ውድድር መንፈስን ተጸሚድና ምጽናሕናን ምዃኖም ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ

ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ገምጊሙ።

 

ስለ’ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ነዞም ዝስዕቡ 4 ነጥብታት ወይ ዕላማታት ልዕሊ ኵሎም ካልኦት ቀዳምነታት ሰሪዕና ብሓባር ክንሰርሓሎም ከምዘሎና ይኣምንንሳቶም ከኣ፦

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ፡

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ ጨቆናዊ መሓውራቱን

3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም

4. ብግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ኤርትራ ምእማን ኢዮም።

 

ኣብ’ዞም ዕላማታት እዚኣቶም ዝተሰረተ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝሳተፍሉ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ምቛም ናይ ዘለናዮ መድረኽ እዋናዊ ዕማም ኢዩ ንብል። እዚ ጽላል’ዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝዋስኣ ብውክልና ዘይኰነስ ብኽእለትን ብቕዓትን ናይ ዝምዘዝሉ ዕማም ዝምረጹ ኮሚቴታት ማለት ዲፕሎማስያዊ ኮሚቴ፡ ዜናዊ ኮሚቴን ናይ ህዝባዊ ዕዮ ኮሚቴን ይህልዋኦ።

እዚ ተብግሶ’ዚ፡ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ዘይኰነስ፡ ብልዝብ ኣብ መንጎ ዝምልከቶም ኣካላት ክውሰኾን ክጐድሎን ከምዝኽእል ርዱእ ክኸውን ይግባእ። እቲ ዝውሰኽ ይኹን ዝጐድል ግን፡ ኵላትና እንሰማምዓሉን ናይ ጽባሕ ዘይኰነስ ናይ ሕጂ ዕማማት ክኸውን ኣለዎ።

 

ኣቕሪብናዮ ዘለና እማመ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ንተመሳሰልቲ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ክጸናበሩ ዝዕንቅፍ ወይ ዝኽልክል ኣይኰነን። መተካእታ ናይ’ቲ ዘሎ ጽላላት ጌርካ ክውሰድ እውን ኣይግባእን። ካብ’ዚ ብሰልፍና ተኣሚሙ ዘሎ ዝሓሸ ተበግሶ እንተደኣ ቀሪቡልና ድማ፡ ንዕኡ ተቐቢልና ክንሰርሕ ድልዋት ምህላውና ከረጋግጸልኩም እፈቱ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

ኤርትራ፡ ብዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ስደት’ዜ ከኣ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ፖሊሲታቱን ኢዮም።

 

ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምጕዳል፡ ብሓደ ሸነኽ ሓለዋ ዶባቶም ከጠናኽሩ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነቶም ዲክታቶርያውያን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክልግሱ ይርኣዩ ኣለዉ።

 

እዚ ግን፡ ንዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዘሻድን ንነጋዶ ደቂ ሰባት ድማ ዘርብሕ እምበር ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከብል ከምዘይኽእል ብግብሪ ይርአ ኣሎ።

 

ዋሕዚ ስደተኛታት ከኽትም ነቲ ጠንቂ ናይ’ቲ ጸገም ዝዀኑ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ምልጋስ ወይ ምእላይ ኢዩ ዘድሊ። ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፡ ነቶም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ዝቃለሱ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ (ተቓወምቲ ፖለቲካውን ሲቪካውን ውድባት) ክድግፉ፡ ነቶም ስደተኛታት ድማ፡ ናይ ዘዘለዉሉ ከባቢታት ቋንቋታት ተማሂሮም ወፊሮም ዝኣትውሉ ስራሕን ሞያውን ኣካዳምያውን ትምህርትን ዝረኽብሉ ዕድላትን ብምፍጣር፡ ምስ ኣዕቆብቶም ዝዀኑ ኣህዛብ ተዋሃሂዶም (integrated ኰይኖም) ዝነብርሉ ኵነታት ክመቻችኡሎም ኢዩ ዝግባእ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

·         በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ንዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝውሃብ ዝዀነ ይኹን ደገፍ ደው ክብል ይጽውዕ፤

·         ናይ ፖለቲካ ይኹን ናይ ሕልና እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ ይሓትት፤

·         ንዅሎም ናይ ግዳም ወተሃደራዊ ሓይልታት ካብ ኤርትራ ብቕጽበት ክወጹ ይጽውዕ፤

·         ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓባት ብውግእ ከምዘይፍታሕ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺኡ ተበጊሱ፡ ኵሎም ሸነኻት ናይ’ቲ ጐንጺ፡ ብኣህጕራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ክቕየዱን ሰላማዊ መፍትሒታት ከናድዩን ይጽውዕ።

·         ናይ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ናይ ስነኪነት ጕጀለታትን ውልቀሰባትን ንስርዓት ኢሳያስ ንምቅላዕን ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ንምሕያልን ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ክብ ዝበለ ናእዳኡን መጐሱን ይገልጽ።

 

ጽን ኢልኩም ብምስማዕኩም አመስግን

 

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

5 ነሓሰ 2017

ገዲምን ውሩይ ስነ-ጥበባዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ብ7 ነሃሰ 2017 ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልየ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ናይ መርድእ ዜና ተኸታቲልና። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፈተ-ህይወት ናይዚ ነባር ሰነ-ጥበባዊ ዓሚቝ ሓዘን ይገልጽ።

መምህርን ናይ ሙዚቃ ክኢላን ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ብዘይካቲ ኣብ 60ታትን 70ታት ኣባል ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማትኣ) ኮይኑ ዘበርከቶ ሓርበኛውን ባህላውን ደርፍታት፡ ካብ ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ጀሚሩ ክሳብ ሜዳ ኤርትራ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝነበሮ እዩ። ኣልኣሚ ዓብደላጢፍ ብትግረን ትግርኛ ዘበርከቶም ደርፍታቱ ብዛይካቲ ንቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ዘለዓዕሉ ምንባሮም ቋንቋን ባህልን ኣብ ምምዕባ’ውን ዓብይ ግደ ዝነበሮም እዮም። ብፍላይ ከኣ “ሰብንኸብዱጥራይኣይኮነንዝነብርእትብል ደርፉ መለለይቱ ነይራ። ሰዲህኤ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ እንዳገለጸ “ንቤተሰቡ ጽንዓት ይሃብኩም፡ ንመዋቲ ድማ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ” ይብል።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
መራሕትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ

እዚ ሎሚ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ጀርመንን ምትሕብባር ጨናፍር ኤውሮጳን ዝተዳለወ ሰፊሕ በዓል ክዉን ንምግባር፥ ዝጸዓረት ኣሰናዳዊት ሽማግለ፡ ብስመይን ብስም ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣናኣመስገንኩ ዕዉት ፈስቲቫል ክኸውን ሰናይ ትምኒተይ ይገልጽ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን፥ ብውሽጥን ኣብ ሜዳን ተሰሊፈን ምስቲ ድርብ ወጽዓእን ምስ ኣሕዋተን ኮይነን ንጸላኢ መኪተን ተቓሊሰን ኣቃሊሰን ሃገር ኣዉሒሰን እየን። ካልኦት እውን ኣብ ሰዊት ዕድሚአን፥ ኣቦታተንን ኣሕዋተንን ኣብ ቃልሲ ምስተሓወሱ፡ ንስድራ ቤተን ንምእላይ ኣብ ዝተፋላለየ ሃገራት ዓለም ተስዲደን፡ ነቲ ሰውራ እዉን ዓቢ ናይ እኮኖሚ ሓገዝ ስጋብ መጨርሽታ ደኺምና ከይበላ ነቲ ቃልሲ ደው ዘበሎኦ እውን እየን።

ድሕሪ ናጽነት ስርዓት ህግደፍ፡ ንመብጽዓታት ጠሊሙ፡ ነታ ምእንቲ ናጽነት ሃገራ፥ ህይወታን ጕልበታን ንብረታን ዘወፈየት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ዓሰርተ ሽሕ ናቕፋ ሂቡ ኣፋንዩ፡ ኣደዳ ሕማም፡ ስእነት ስራሕን ትምህርትን፣ ገይርዋ። ኣብ ሃገራ ከቢራ ክትነብር ስለዘይከኣለት ድማ ንዳግማይ ስደት ኣምርሓ ትሳቐን ተጨቘንን ኣላ። ብተወሳኺ ኣቦታት ዘይብሉ ስድራ ክኣልያ፣ ዝወለድኦም ደቀን ካብ ሕቍፈን ተመንዚዖም ሃለዋቶም ከይፈለጣ ዓመታት ዝተሳቐያን፣ ኣብ ፈቐዶ መድረበዳን ዝተፈላለያ ሃገራትን ሲናይን ባሕርን ኣብ ስደት ጕዕዞአን ዘጋጥመን ግፍዕታት ዝጾራ፡ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እነሆ ከኣ እታ ጀጋኑ ዝወለደት ኣደ፡ ጠዋሪ ስኢና፡ ብጓህን ሓዘንን ዘይምሱል መሲላ፡ ንበይና ኣብ ውሻጠኣ ተዀርምያ ትነብዕ ኣላ።

ብስንኪ እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን፡ ብፍላይ ከኣ ንጾታዊን ፖለቲካውን ወጽዓታት ከራግፋን፡ መሰለን ክረጋግጻን ኣብ ዝካየድ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክዓኩዂ ዝከኣለና ክንገብር ኣሎና። ስለዚ ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ኣብ ሰልፊ ንሃሉ፣ ኣብ ሲቪካውያን ማሕበራት፣) ብዘየገድስ ምእንቲ‘ተን ኣብ ማሕዩርን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ስደትን ዝሳቐያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከይተሓለልና ድምጽና ከነስምዕን ወጽዓኤን ከነቃልሕን መብጽዓ ከይንጠልም መድረኻውን ታሪኻውን ሓላፍነትና እዩ። በዚ ኣቢልና ከኣ ነቲ ፍትሓውን ማዕርነታውን ደሞክራሲያዊን ስርዓት ንምትካል ዝኾነ ሓባራዊ ሽቶና፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና፡ ንዘጋጥም ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ሰጊርና ክሳብ ዓወት ሓቢርና ንኽንቃለስ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ደው ንክብል፥ ደምበ ተቓውሞ ንሽግር ህዝብን ሃገርን ክፈትሕ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ኣብ ምፍጣርን ሓቢርካ ኣብ ምስራሕን ክጽዕት ጻዋዒትና ነቕርብ።

ዝኸበርክን ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ከም‘ቲ ትማሊ ንናጽነት ሃገርናን ንዝተጠልመ ሓርነትናን ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝብና ደው ኢልና ዝተቓለስና፣ ሎሚ እውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣሓትናን ኣደታትናን ዝፍጸም ዘሎ ድርብ ወጽዓ ንምብዳህ ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝብና ደው ኢልና ታሪኽ ክንሰርሕ ንምሕጸን።

ሓድነት ህዝብና: ዋሕስ ሓርነታዊ ዓውትና!!!

ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና!!!

ከምኡ እዉን ነተን ኩለን ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ብበደዊንን ራሻይዳን ዳዒሸን ዝሃለቓን ከኣ መንግስተ ሰማይ የዉርሰን።
ጽን እልኩም ዝሰማዕክናንን ዝሰማዕኩምንን
የቐንየለይ።