EPDP News

ምስሊ ካብ ቢቢሲ ናይቲ በቲ ባርዕ ዝዓነወ

ኣብ ሱዳን: ተጋሩ ዝተዓቖብሉ መደበር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብ15 ሕዳር 2022  ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ዝደተኛታት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ ቢቢሲ/BBC ንናይቲ መደበር ምክትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያትን መምህር  ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ኣብቲ መደበር ቅድሚ ሎሚ’ውን ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ከም ዘጋጠመን ብፍላይ ብ8 ጥሪ 2022 ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ባርዕ 67 ህዝያዊ መጽለሊ ኣባይቲ ዓንዮም 175 ስደተኛታት ብዘይመጽለሊ ተሪፎም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ባርዕ ካብቲ መደበር ብፍሉይ መጸውዒኡ “ቁጽሪ-3” ኣብ ዝተባህለ ኩርናዕ ብዘጋጠመ 51 ብቴንዳን ዕንጸይትን ዝተስርሑ ኣባይቲ ዓንዮም 130 ሰባት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ እቲ ዜና ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ  ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዘየለ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዝነደደ ኣባይቲ ዝነበረ ሰነዳት፡ ክዳውንትን ካልእ ንብረትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነደደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ምክትል ኣማሓዳሪ ናይቲ መደበር ስደተኛታት መምህር ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ እንታይ ከም ዝኾነ ይጻረ ከም ዘሎ ተቒሱ፡  ናይቲ ግዝያዊ ኣባይቲ ኣቀማምጣ ዝተተሓሕዘ ምዃኑ ምኽንያት ናይቲ ባርዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚቱ፡ እቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ከም ዝተላዕለ ኣፍሊጡ። ነብርቲ እቲ መደበር ንመስርሒ ገዘ ኢሎም ዝእክብዎ ሳዕረን ንበምሰሊ መግቢ ዝቕርብዎ ዕንጸይትን ነቲ ባርዕ ከም ዘጋድድዎ’ውን ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።

ኣብዚ መደበር ስደተኛታት ብ28 ለካቲት 2022 ብዝተኻየደ ምምዝጋብ መሰረት፡ 19, 189 ስደተኛታት ከም ዘለዉን፡ ድሕሪዚ ሓድሽ ባርዕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓደስቲ መጽለሊ ቴንዳታት ይተክል ከም ዘሎን ካብቲ ካብ ቢቢሲ/BBC ዝተረኽበ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣሜሪካዊ ኣባል ባይቶ ብራድ ሼርማን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻልን ዝተኣማምንን ሰላም ዝመጽእ ሓይልታት ኤርትራ ካብታ ሃገር ምስ ዝወጹ ምዃኑ ገሊጾም። እቶም ኣባል ባይቶ ነዚ መግለጺ ዝሃቡ፡ ምስ ኣማኻሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምኽያዶም ምዃኑ እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። እቶም ኣባል ባይቶ ናብቶም ሓላፊ ጸጥታ ኣሜሪካ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ  ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ኣብቲ ጸዋዒቶም ገሊጾም።

ድ ሼርማን ኣብ ርእሲቲ ናብቶም ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፦ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝቐጽዕ ውሳነ ክውሰን ከም ዝጸውዑ እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብስም 2% ዘኽፍሎ ገንዘብ ንክምርመር ጸዊዖም።

እቶም ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ  ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ  ጽኒዑ ዝጸነሐ  እገዳ ዕዳጋ AGOA፡ ክሳብ፤ ሰብኣዊ ረዲአት መግብን መድሃኒትን ንመከፍፋሉ  ዘድሊ ነዳድን ብዘይገደብ ናብ ትግራይ ዝበጽሕ፡ ከምኡ እውን ተሓልቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ተጋሩ ብኣልማማ ተዳጒነምሉ  ናብ ዘለዉ ቦታታትን ክኣትዉ ክሳብ ዝፍቀደሎም  እቲ እገዳ ክጸንዕ ተማሕጺኖም።

እቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸነሐ ውግእ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ከንያን ዝተብጽሐ ስምምዓት ክጸንዕ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ዝምህጸንሉ ዘለዉ ግዜ  ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቃላሕ ዘሎ እዩ። ኣብቲ ስምምዓት እውን ብፍላይ ኣብቲ ናይ ኬንንያ፡ “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ” ብዝብል ተጠቒሱ እዩ።

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ እቲ ውግእ ምስትጀመረ ከሎ ግና፡ ብ21 ሕዳር 2020፡ ስርዓት ህግደፍ ባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ ንሰራዊት ኤርትራውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል  ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ”  ከም ዝበለ ዝዝከር እዩ።

ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያን ብሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልኡኽ ክልል ትግራይን ብ12 ሕዳር 2022 ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ንኣፈጻጽማ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሮተርያ ዝምልከት ናይ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝኸተሙ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብቐጥታ ኣመሓላሊፈናኦ።

እቲ ናይ ናይሮቢ ስምምዕ፡ ኣብቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመስሪቱ፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ክልላትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት ሰብኣዊ ረዲአት ብቐጻሊ ክቐርብን፡ ኣብ መስርሕ እቲ ምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ንሰራሕተኛታትን ትካላት ሰብኣዊ ረዲአት ኣድላይ ዝኾነ ሓለዋ ክግበረሎም ኣረጋጊጹ። ብዘይካዚ  ንምንቅስቓስ ሲቪል ወገናት እውን ኣድላይ ናይ ሰላም ውሕስነትን ሓለዋን  ንክግበረሎም ኣብቲ ስምምዕ ተጠቒሱ። እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ቀጻሊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ክጸንዕ እውን ኣብቲ 6 ገጻት ዝሓዘ ክልቲኦም ወገናት ዝኸተምሉ  ስምምዕ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።

ነቲ ካብ 7 ክሳብ 12 ሕዳር 2022 ድሕሪ ምዝታይ ዝተበጽሐ ናይ ኣተገባብራ ስምምዕ ምስ ከተሙ፡ ናይቲ ወተሃደራዊ ልኡኻት መራሕቲ ሓጸርቲ ቃል ኣስሚዖም። በዚ መሰረት ፊልድ ማርሻ ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ዘተ ብጽቡቕ መንፈስ ከም ዝተኻየደ ጠቒሱ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ድልዉነት ኣረጋጊጹ። ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ብኣዝዩ ከቢድ መከራን ጨንቅን ከሕልፍ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ድማ እዚ ንኽትሞ ዘለና ስምምዕ ፡ ንህዝብና ካብቲ ዝጸንሖ መከራ ከናግፎ እዩ ብዝብል ተስፋን ትጽቢትን እዩ ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንረብሓኦም ክብሉ ክዕንቅፍዎ ዝደልዩ ወገናት ከም ዝህልዉ ጠቒሱ፡ እቲ መፈራርምቶም ወገን፡ ህውከት ጠጠው ኣብ ምባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰብኣዊ ቀረብ ኣብ ምቕጻል እውን ብዘይገደብ ክሰርሕ ጸዊዑ።

ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ፡ መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ኣፈጻጽማኡ ግና ከምቲ ቅድም ዝተሓስቦ ብታህዋኽ ዘይኮነ፡ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝትግበር ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ 6 ገጻት ዝሓዘ ዝርዝር ስምምዕ ኣብ ቁጽሪ 2.1/D ምፍታሕ ከቢድቲ ብረት ዝትግበር፡ ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መከላኸሊ ሓይሊ፡ ካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ኣብቲ ቦታ  ዘለዉ ኩሎም ዕጡቓትን ምስ ወጹ ዝትግበር እዩ” ብዝብል ሰፊሩ ኣሎ።

ንኣገባብን ኣተገባብራን ናይቲ ስምምዕ እትከታተል፡ ካብ ክልቲኡ ወገናትን ካብ መንጐኛታትን ዝኣባላታ ናይ ሓባር ኮሚተ ከውጽኡ ከም እተሰማምዑ ኣብቲ ዝተኸተመ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።

ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብመንጽር ምልዋጥ፡ ናይ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ስግኣት ምዃን፡ ኣብ ፖለቲካ ደሞክራስያዊ ባህሊ ዘውሕስ ለውጢ ዘይምትእትታው፡ ንሃይማኖታዊ ነጻነት ወሲኽካ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዘይምኽባርን ቁጠባውን ልምዓታውን ጽገናታት ዘይምትእትታውን ከም ዝምስረት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብ7 ሕዳር 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ።

 እቲ ካብ ግዜ ናጽነት ዝጅምር ነቲ ነዊሕ ድሕረባይታ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ዝዳህሰሰ መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ዋላኳ እቲ ዝተሓልፈ መስርሕ ብዙሕ ብደሆታት ዝነበሮ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኣሚሪካ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ዝምድና ኣብ  ባህላዊ መዳይ  ከይተረፈ፡ ዝህልዎ ዝምድና ከም ዝቕጽሎ ኣብሪሁ። ምስ ኤርትራ ብመንጽርቲ መንግስቲ ከቕርቦ ዝጸንሐ ብሓፈሻ ናይ ምትሕግጋዝ ጠለባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ኣብ መንጎ ክልቴን ዝምድና ከምዘየለ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። 

በቲ መግለጺ መሰረት፡ መግስቲ ኤርትራ ኣብ ቁጠባ ናይታ ሃገር ጽኑዕ ምቁጽጻር እዩ ዝገብር። ንንግዲ ኣብ ዝምልከት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካን ዘሎ ዝምድና ኣዝዩ ንኡስ ኮይኑ፡ ንሱ እውን ኣብ ዘይምትእምማን ዝተሰረተ እዩ። ኤርትራ ኣባል ናይ ሓባር ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃን እያ። እዚ ኣካልዚ ድማ ምስ ኣሜሪካ ስምምዕ ዘለዎ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብሕታዊ  ገዛኢ ሰልፊ  ህግዲፍ፡ በዚ ገዛኢ ሰልፊ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝጽለዉ ኮባንያታት ሕድርን ቀይሕ ባሕርን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ክልተ ላዕለዎት ሓለፍትን ገንዘባዊ እገዳ ከም ዝወሰነት እዚ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዘጋርዲያን/THE GAURDIAN ዝተባህለ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ጋዜጣ ብ10 ሕዳር 2022 ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናይ ትግራይ ሓይሊ ዕጥቁ ክፈትሕኳ ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፡ ናይቲ ስምምዕ ኣካላት ዘይኮኑ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራንከ መዓስ እዮም ካብ ትግራይ ዝወጹ? ዝብል ኣተሓሳሳቢ ሕቶ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ኣብ ትግራይ ክዋጋእ ከም ዝጸንሐን እቲ ዝኸፈአ ግፍዕታት ዝፈጸሞ ንሱ እዩ ተባሂሉ ከም ዝሕመን ድማ ዘጋርዲያን ኣቃሊዑ።

ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ተበታቲኖም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብቲ ኣብ ከባቢ ዳባት ጐንደር ዝርከብ ኣለምዋጭን ኣብ ዓፋር ናብ ዘሎ በርሓለን መደበራት ይተኣካኸቡ ከምዘለዉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ከይተዓጽወ ዝጸንሐ ኣብ ከባቢቲ ጽዕጹዕ ውግኣት ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽን ማይዓይንን ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ይውሰዱ ኣለዉ። እዚ ላዕለዋይ ኮሚሽ  ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ብሓባር ዝካየድ ዘሎ ስርሒት፡ ብመደበር ዓዲ ሓርሽ ከም ዝጀመረን ናብ ማይ ዓይኒ ከም ዝቕጽልን ተፈሊጡ ኣሎ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ክሳብ ሕጂ ካብ ዓዲ ሓርሽ 6 ሺሕ ዝኾኑ ናብቲ ሓድሽ መደበር ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብቲ ውግእ ዝጀመረሉ ግዜ ኣብ ክልቲኡ መደበራት ክሳብ 100 ሺሕ ስደተኛታት ክነብሩ እንከለዉ፡ እንተኾነ ብዝተፈላለዩ እቲ ውግእ ዘስዓቦም ምኽንያታት ዝበዝሑ ተበቲኖም ውሑዳት እዮም ተሪፎም። ኣብዚ እዋንዚ ናብ ኣለምዋጭ ዝሰጋገሩ ዘለዉ ከኣ መብዛሕቶም ብሕማምን ብዝተፈላለዩ ጸገማትን ካብቲ መደበራት ክወጹ ዘይከኣሉ እዮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ከም ዝተገልጸ መደበር ኣለምዋጭ ብኹሉ መለክዒ ንስደተኛታት ዘይጥዕም ቦታ ምዃኑ በቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክግለጽ ዝጸንሐ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብሰንክቲ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ዓፋር ዝተለሓመ ውግእ፡ ካብቲ ነባር መደበር በርሓለ ተበታቲኖም፡ ገሊኦም ናብ ሰመራ፡ ገሊኦም ድማ ናብ ሰርዶን ኣፍዴራን ተበቲኖም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበር በርሓለ ክምለሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ቅድሚ እቲ ውግእ ኣብ በርሓለ ልዕሊ 34 ሺሕ ስደተኛታት ክነብሩ እንከለዉ፡  ናይቲ ከባቢ ጸጥታ ስለ ዝተመሓየሸ ዝምለሱ ዘለዉ ግና ከባቢ 26 ሺሕ ምዃኖም ተፈሊጡ። እዚ መደብ እዚ እውን ብምትሕብባር፡ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝዕመም ዘሎ መደብ እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛን ተመራማርን ማርቲን ፕላውት፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ናይ ዝተረስዑ 100 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጻኢ ዕድል” ብዝብል ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሎሚ ካብቶም 100 ሺሕ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ቅድሚ ሓደ ዓመት  ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት፡ 10 ሺሕ ጥራይ ከም ዝተረፉ ይጠቅስ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ 14, 603 ከም ዝበጽሕ እውን እቲ ተመራማሪ በቲ ጽሑፉ ሓቢሩ።

ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ሸበለ መዲያ/ Shabelle Media ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ካብ መቓድሾ ኣፍሊጣ። እቲ ካብ ቪላ-ሶማሊያ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቶም ፕረሲደንት ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ጠቒሱ ናይ መገሸኦም ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ግና ኣይሃበን።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰፊሕ ዝርዝርኳ እንተዘይኣተወ፡ ፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ብዛዕባቶም  ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ  ከይዶም ኤርትራ ዘለዉ ናይ ሶማሊያ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝኽእልሉ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝዛረቡ ጠቒሱ። እቲ ኣብ መጻኢ ሰሙን  ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ምምላስ ናይዞም ኣስታት 5ሺሕ መንእሰያት፡ ዝገብርዎ ዝርርብ ንመጻኢ ዝምድና ናይተን ሃገራት ዝትንክፍ ከም ዝኸውን እውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

መራሒ ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት 2022 ብፓርላማ ሃገሮም  ፕረሲደንት ኮይኖም ምስተሰየሙ፡ ቀልጢፎም ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ወለዲ ናይቶም ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ ከይዶም ካብ 2019 ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሃለዋቶም ክፍለጥን ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኣብ ልዕሊ እቶም ፕረሲደንት ተደጋጋሚ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ኣለዉ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ወገናት ድማ፡ እዞም ሶማላውያን ካብ ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ነይሮም ዝብል ግምት ኣለዎም።

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ፣ ብ6 ሕዳር 2022 ኣብ ከተማ ኦስሎ ብኣካል ተራኺቦም ዕዉት ኣኼባ ኣሰላሲሎም። ኣብዚ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብኣካል ናይ ምርኻብ ኣኼባ ኣኼበኛታት ኣብ ኩነታትን መደባትን ጨንፈር፣ ዞባን ሰልፍን ዘተኮረ ዓሚቊ ምይይጥ ኣካይዶም። ኣብ ኩነታት ጨንፈር ብምኽንያት ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ዘኸተሎ ምስንባድ፣ ብሓፈሻ ኩሉ መዳያዊ ኣኼባታት ብፍላይ ድማ ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድላት ንሓያለይ ግዜ ተኾሊፉ ብምጽንሑ፣ ናህሪ ቃልሲ ብኡ መጠን ኣብ ዘገምታ ወሪዱ ከምዝጸንሐ ተገምጊሙ። ብመንጽር እዚ ኣኼበኛታት ናህሪ ቃልሶም ኣብ ንቡር ክመልሱን፣ ምስ ጠለብ ኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ከቃንዩን ንኹሉ ኣብ ቀረባን ርሑቅን ዘሎ ኣባል ጨንፈር ከሳትፍ ዝኽእል ኣገባብን ግዜን እንዳተመርጸ ጽዑቅ ኣኼባታት ክካየድ ከምዘለዎ፣ ነዚ ድማ መሪሕነት ጨንፈር ዝያዳ ዓቲቡ ክሰርሓሉ ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ።

ኣባል መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ዝኾነ ሓው ሙሴ ዓማር ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ፣ ንኣኸበኛታት ብዛዕባ ኩሉ መደባት፣ መምሪሕታትን ኣካይዳን ዞባ እኹል ዝርዝራዊ መብሪሂ ሂቡ። ተጋባእቲ ንዝተዋህቦም ሓበረታ ምርኩስ ብምግባር፣ ንትግባረ መደባት ዞባ ብዘለዎም ዓቅሚ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም፣ ንምሕያል ጨናፍርን ዞባን ብዝምልከት መሪሕነት ዞባ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ ዝበልዎ ናይ ስራሕ እማመታት እውን ኣቕሪቦም።

ብምቅጻል ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ፣ ንኣባላት ብዛዕባ እቲ ንሱ ንጨንፈር ወኪሉ ብኣካል ዝተሳተፎ ኣብ ዕለታት  23 24 25 መስከረም ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ ሰሚናር ሰልፍን፣ ብዛዕባ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክካየድ ተመዲቡ ዝስረሓሉ ዘሎ 4ይ ጉባኤ ሰልፍን፣ ንዕዉት ኣተገባብራ ናይዚ ጉባኤ ብዝምልከት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፍን፣ ፍሉይ ኣሰናዳዊ ሽማገለ ጉባኤን ሓንጺጾምዎ ዘለዉ መደባትን ናይ ስራሕ ኣከፋፍላን ብዝምልከት መብሪሂ ሂቡ። ኣባላት ጨንፈር ብወገኖም ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ጎድኒ መሪሕነት ሰልፎም ምህላውዎም ኣረጋጊጾም። ብመሰረት እቲ ኣብ ሰሚናር ፍራንክፎርቲ ዝተበጽሐ ናይ ሓባር መረዳእታን ገምጋምን ድማ ሰልፍና ክሕይልን ሓዪሉ ንቅድሚት ክሓንንን ኣብ መንጎ ጨናፍርን፣ ዞባን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፍን ዘሎ ሰንሰለታዊ ርክብ ሓያልን ህያውን ክኸውንን፣ ዝያዳ ኣብ ፖለቲካዊ መደባት ዘድሃበን ክኸውን ከምዘለዎን ተላብዮም።

ኣኼበኛታት ኣብ መወዳእታ ንመጻኢ ግዜ ዝራኸቡሉ ዕለተን ሰዓትን ስሩዕ ኣኼባ ብሓባር ወሲኖም ተሰናቢቶም።     

ዓወት ንዲሞክራስያውን ህዝባውን ቃልስና!

ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብጉልባብ ልምዓት ዝእክቦ 2% ካብ ኣታዊኦም ንክምርመር ኣባላት ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ከም ዝሓተቱ ዘጋርዲያን ገሊጹ። እቶም ኣባላት ፓርላማ እቲ ዝእከብ ገንዘብ ህግደፍ ኣብ ውግእን ዞባዊ ህውከትን የውዕሎ ከም ዘሎ ዝሓደሮም ስግኣት ገሊጾም

ዘጋርድያን ኣብቲ ዘሃውስ ኦፍ ሎርድስ” ብምጥቃስ ዘቕረቦ ሓበሬታ፡ እቶም ኣባላት ፓርላማ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብጉልባብ 2% ዝእከቦ ገንዘብ ብደቂቕን ወግዓውን ንክምርምሮ ከም ዝጸውዑ ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ብሪታንያ ብዛዕባቲ ክሳብ ሕጂ ብህግደፍ ብዘይሕጋዊ መንገዲ  ካብ ኤርትራውያን ዝተኣከበ ገንዘብ ኣፍልጦ እንተልይዎ ንፓርላማ ክሕብር  ጸዊዖም።

ኣብቲ ዜና ከም ዝተጠቕሰ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኤምባሲታቱን ካልኦት ኣካላቱን ኣቢሉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝእክቦ ገንዘብ፡ ንዳግመ ህንጻ ሃገር እዩ ዝብል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ኣብ መዓልኡ ከምዘየውዕሎ ኣቃሊዑ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፤ ኣቐዲሙ እውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ እቲ ናብ ኤምባሲ ኬድካ ብቕሉዕ ምኽፋል’ኳ እንተነከየ፡ ብዘይቅሉዕ መንገድታት እቲ መስርሕ  ምእካብ ከምዘይተረፈ እቶም ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ከም ዝሓበሩ እቲ ዜና ሓቢሩ። 

ስእሊ: መርበብ ሓበሬታ ሰቲት

ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ 2022፡” ዝተሳተፈት ኤርትራዊት ወይዘሪት ኣይዳ መብራህቱ፡ ተዓዋቲት ወይዘሪት ኣፍሪቃ ከም ዝኾነት ብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣረጋጊጸን። ኣብ’ቲ ብርኪት ዝበላ ኣፍሪቃዊያን መንእሰያት ደቀ-ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ፡ 4 ሕዳር 2022  ዝተኻየደ ውድድር እያ ኣይዳ ተዓዊታ።

ኣይዳ መብራህቱ  ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት፡  መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ  ዓወት፡ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተማህረት፡ ከም ኩሎም ኤርትራውያን ተመሃሮ ብህግደፍ ተገዲዳ ኣብ መበል 25  ዙርያ ናብ ወተሃደራዊ መደበር ሳዋ ዝተወስደትን ኣብ ኮለጅ ስነ-ጥበብ ዓዲ ቀይሕ ድማ  ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ከም ዝተማህረት  ድሕረ-ባይታኣ ይገልጽ።

ኣይዳ መብራህቱ ከም ኩሎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብ2016 ናብ ስደት ኣምሪሓ። ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣብ ዓውዲታት ስነ ልቦናን  ምምኽኻርን ትመሃር ዘላ መንእሰይ እያ።

ወለዲ ናይቶም ካብ 2019 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላውያን ወተሃደራት፡ መንግስቶም ናብ ሃገሮም ንክመልሶም የጨንቕዎ ከም ዘለዉ፡ ኤረና ንመርበብ ሶማሊ ጋርድያን/ Somali Guardian  ብምጥቃስ ሓቢራ። እዞም ወለዲ ብ17 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ብፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝምራሕ መንግስቲ ሶማሊያ፡ ነቶም ንስልጠና ተባሂሎም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ 5ሺሕ መንእሰያት ቀልጢፉ እንተዘይመሊስዎም ተቓውመኦም ከም ዘዛይዱ ኣፍሊጦም።

እቶም ሶማላውያን ወለዲ፡ ነቲ ፕረሲደንት ሸኽ ማሕሙድ ንምርጫ ክወዳደር እንከሎ እንተተመሪጹ ደቆም ካብ ኤርትራ ክመልሰሎም ምዃኑ ዝኣተዎ ቃል ብምጥቃስ እዮም ተቓውመኦም  ዘስምዑ ዘለዉ። ኣብቲ ምልክታኦም ካብቶም ሶማላውያን መንእሰያት ዝሙቱ፡ ኣካሎም ዝጐደሉን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘጋጠሞምን ከም ዘለዉ እውን ጠቒሶም።

እቲ ናይቶም ወለዲ ሻቕሎት ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ኣብ ናይ ሶማሊያ መዲያታት እቶም ሶማላውያን ወተሃደራት ምስ ኤርትራውያን ናብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ዝብል ዜናታት ምስ ተቓለሐ እዩ።

ፕረሲደንት ሶማሊያ ስልጣን ምስተረከበ፡ ብጉዳይ እዞም መንእሰያት ናብ ኤርትራ ከይዱ ረኺብዎም ነይሩ። ብድሕሪኡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ገሸ ድማ፡ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ኩነታት ርጉእ ኣይኮነን ብዝብል ጉልባብ ናብ ዓዶም ክምለሱ ክፈቕደሎ ቅሩብ ከይዘይኮነ ጠቒሱ ነይሩ። ምስዚ ብዝተተሓዘ መንግስቲ ኣሜርካብ ኣብ ምምላስ እዞም መንእሰያት ክትተሓባበሮ እውን ተማሕጺኑስ ኣሜርካ እውን ቃል ኣትያትሉ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ብዛዕባዚ ሓድሽ ምልዕዓል ናይቶም ወለዲ ግና ዝኾነ ነገር ከምዘይበለ እቲ ካብ መርበብ ሶማሊ ጋርድያን/ Somali Guardian  ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።