ርእይቶ ኢትዮጵያ ኣብ ቃለ መጠይቕ ኢሳያስ
2024-12-10 12:23:08 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 344 timesፋና ዝተባለት መንግስታዊት መደበር ተለቪዥን ኢትዮጵያ፡ ብ9 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘቕረበቶ “ናታ እናሓረራስ ናይ እንዳማታ ተኽውስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረበቶ ፍሉይ ምድላው፡ ንኢሳያስ “ካብ ምርጫን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ክሃድም ኣብ ወንበሩ ዝኣረገ” ብዝብል ገሊጻቶ። ኣተሓሒዛ ድማ ብኸቢድ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸገም እትሳቐ ዘላ ሃገር እናመረሐ፡ ኣብ ምውርዛይ ብጉዳይ ካለኦት ሃጋራት ዝውዕል ኣገራሚ ዲክታተር ምዃኑ ከኣ ኣስፊራ።
እታ ተለቪዢን ኣይኮነንዶ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ካለኦት ከም ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ብዝማዕበለ ዲሞክራሲ ዝምረሓ ሃገራት’ውን ፍጹማዊ ዝበሃል ሕገ-መንግስቲ የለን ምስ በለት ድማ፡ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ካብ ሕገ-መንግስቲ ዝሃድሙ ብናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ ክወራዘዩ ዘገርም እዩ ኢላቶ። ናይ ኢሳያስ ብዘይ ምርጫ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ጠቒሳ ከኣ፡ ቅድሚ 16 ዓመታት ንምርጫ ብዝምልከት ንመደበር ተለቪዥ ኣልጀዚራ ብዛዕባ ዝሃቦ ናይ ስንባደ መልሲ ብምጥቃስ፡ ኢሳያስ ካብ ኩሉ ዓይነት መስርሕ ዲሞክራስን ምርጫን ዝብህርር ምዃኑ ኣቃሊዓ።
ኢሳያስ በብግዜኡ መንእሰያት ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣስሪጉ ሰላም ዝዘርግ ምዃኑ ዘንጊዑ፡ ብዛዕባ ሰላም ጐረባብትን ዞባን ዝሰብኽን ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ንዝቖሞ ናይ 3ተ ሃገራት ኪዳን ኣስመራ (ASMARA-AXIS) ምእንቲ ዞባዊ ሰላም ምዃኑ ክጠቅስ ምፍታኑ ኣዝዩ ከም ዘገርም እውን ኣብቲ ንምቅላዑ ዝተዳለወ ፍሉይ መደብ ተጠቒሱ። ኣብ ክንዲ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ብኩራት ኤልክትሪክ፡ ኢንተርኔትን ካልእ ቀረባትን ምሕሳብ፡ ኣብ ቁጠባዊ ኩነታት ናይታ ኣብ ዓመት ብገምጋም ካብ 8% ንላዕሊ ዕቤት ተመዝግብ ዘላ ኢትዮጵያ ክወራዘ ምፍታኑ ካልእ ዘተዓዛዝብ ዛዕባ ምዃኑ ከኣ ኣስፊራ። ኣብ ርእሲዚ ኢሳያስ “20% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንክስደድ ዘገደደ” ብዝብል እውን ኣብቲ መደብ ተገሊጹ።
ካብ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ንደሓር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ጽቡቕ ከምዘየለ’ኳ ምልክታት ክርእዩ እንተጸንሑ፡ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኢሳያስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘቃልዕ ርእይቶ ከተንጸባርቕ ናይ መጀመርያ እዩ።