
ዳይረክተር ደቡብ ሱዳን ኣብ ሲቪላዊ ምዝገባ፡ ዜግነትን ፓስፖርትን ሜ/ጀነራል ኢሊያ
ባዓል መዚ ኢሚግረሽን ደቡብ ሱዳን፡ ብ15 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ 17 ኤርትራውያን ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ። እቲ ማእሰርቲ ኣብ ክልተ በበይኑ ኣጋጣሚ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ጠንቁ ከኣ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተሓቢሩ። ናይታ ሃገር ሓላፊ ሲቪላዊ ምዝገባ፡ ዜግነትን ፓስፖርት መጀር ጀነራል አሊኣስ ኮስታ ፋውስቲኖ፡ እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክሰግሩ ክብሉ ከም ዝተታሕዙ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ናይ 10 ጥቅምቲ 2025 ናይ መጀመርያ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም 14 ኤርትራውያን ኣብ ዶባዊ ከተማ ኣወኢል ኣብ ሰሜን ባሕረ-ጋዛል ከም ዝተስሩን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝርከቡ እቲ ጀነራል ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካለኦት ከኣት ሕንቲ ጓለንስተይትን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ጥቓ ፓሎች ዝተባህለት ከተማ ምትሓዞም ጠቒሱ። እዞም ኤርትራውያን ብዘይ ብቑዕ መንቀሳቐሲ ስለ ዝተረኽቡ ናይ ክሲ ፋይል ከም ዝተኸፍቶም’ውንእቲ ዲረክተር ጀነራል ጠቒሱ።
ጀነራል ቾስታ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገሩ ዝተታሕዙ ጉዕዘኦም ምስቲ ብሰዳን ኣቢልካ ደሓር ድማ ናብ ሊቢያን ባሕሪ መደትራኒያን ኣቋሪጽካ ናብ ኤውሮጳን ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣተሓሒዝዎ። እቲ ተረኽቦ ናይ መጀመሪያ ከምዘይኮነን ነዊሕ ሰንሰለት ከም ዘለዎን እውን ኣስሚርሉ። እቶም ዝተኣስሩ ካብ 20 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ምዃኖም ከኣ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኣብ ኬንያ “ኣቦ ዲሞክራሲ” ብዝብል ዝፍለጥ ፖለቲከኛ፡ ራይላ ኦዲንጋ ዓሪፉ
Thursday, 16 October 2025 22:54 Written by ቤት ጽፈት ዜና ሰዲህኤ“ናይ ኬንያ ኣቦ ዲሞክራሲ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ኬንያዊ ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብ15 ጥቅምቲ 2025 ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ሃገረ ህንዲ ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ ከም ዝዓረፈ፡ ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን። ኦዲንግ ናይ ሃገሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ “ኣዚሞ ላ ኣዚሚዮ ኡሞጃ (ሓንቲ ኬንያ)” ኮይኑ፡ 5 ግዜ ንፕረሲደንትነት ተወዳዲሩ ከም ዘይተዓወተ ታሪኽ ህይወቱ ይምስክር።
ብ16 ጥቅምቲ 2025 ኣስከሬኑ ካብ ህንዲ ናብ ሃገሩ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጀሞ ከኒያታ፡ ዝተኣከበ ደጋፊኡ ስለ ዝበዝሐን ንምቁጽጽጻሩ ስለ ዝኣገመን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንግዜኡ ምሉእ ብምሉእ ንክዕጾ ናይ ግድን ኮይኑ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ኣስከሬኑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ቤተመንግስቲ ተወሲዱ ብህዝቢ ክረአ’ኳ መደብ እንተነበረ፡ ህዝቢ መካበብያ ናይቲ ቤተመንግስቲ ክጥሕስ ስለ ዝጀመረ፡ ካብ ከተማ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ናብ ዝርከብ ሞይ ማእከል ስፖርት ከም ዝተወስደ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ስታድየም እውን ደገፍቲ ኦዲንጋ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተሓዝአ ቦታ ብሓይሊ ጥሒሶም ክኣትዉ ምስ ጀመሩ፡ ፖሊስ ነቲ ዕግርግር ንምቁጽጻር ተኹሲ ከፊቱ 3 ሰባት ከም ዝተወቕዑ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዓሌቱ ኣብ ዝርከብዎ፡ ቦንዶ ኣብ ዝበሃል፡ ካብ ከተማ ኪስማዩ ንወገን ምዕራብ 60 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ናይ ሕርሻ ቦታኡ 18 ጥቅምቲ 2025 ከም ዝቐበር ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኬንያ ናይ 7 መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ’ሎ።
ኦዲንጋ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዃን ምስ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱስፍ ተወዳዲሩ ከምዘይተዓወተ’ውን ዝፍለጥ እዩ።
ስልጣን ከም ዝመንዝዑ እናኣወጁ
ኣብ ደሴታዊቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማዳጋስካር፡ ኣባላት ፍሉይ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ካብ ፕረሲደንት ኣንድሪ ራጆየሊና ብዕልዋ ከም ዝመንዝዑ ምሕባሮም ኣልጀዚራ ኣፍሊጣ። እቶም ወተሃደራት ስልጣን ዝመንዝዑ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ፕረሲዳንት ዝተላዕለ ቀጻሊ ተቓውሞ ምዃኖም ድሕሪ ምፍላጦም እዮም።
ብዛዕባቲ ተረኽቦ ብ14 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ቤተ-መንግስቲ ናይታ ሃገር ኮይኑ ዘፍለጠ፡ ኮለኔል ሚካኤል ራንድሪኣኒሪና ዝተባህለ ኦፊሰር ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ወተሃደራዊ መግለጺ፡ ድሕሪ 2 ዓመት ምርጫ ክሳብ ዝግበር፡ ዝመርሕ መሰጋገሪ ኣካል ከም ዝምስረት ከኣ ሓቢሩ። ወተሃደራት ኮኑ መንእሰያት ነቲ ዝተገብረ ለውጢ ዘለዎም ደገፍ ኣብ ጐደናታት ከም ዝገለጹ ከኣ ተፈሊጡ።
በቲ ወተሃደራዊ መግለጺ መሰረት፡ ከም ኮሚሽን ምርጫ ዝኣመሰላ ናይታ ሃገር ቀንዲ ዲሞክራሲያዊ ትካላት፡ ከም ዝተኣገዱ ክሕበር እንከሎ፡ ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ተቓውሞ ከካይዱ ዝጸንሑ መንእሰያት እውን ኣካልቲ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ ኣካል ከም ዝኾኑ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ማዳጋስካር ዝረአ ዘሎ ምዕብልና ንምምይያጥ ብ15 ጥቅምቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይቲ ቤት ምኽሪ መበል 1306 ኣኼባ ዝተጸወዓ ብዛዕባቲ ስልጣን ብወተሃደራት ምትሓዙ ከኸትሎ ዝኽእል ሓደጋ ንምምይያጥ እዩ። ነቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ቀንዲ ዘሻቐሎ ከኣ ናይቲ ፕረሲደንት ስግኣት ሓዲርዎ ካብታ ሃገር ምውጽኡ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱፍ ምልከታኦም ካብ ዘቕርቡ ሓደ ክኸውን እዩ።. ፕረሲደንት ኣንጆሊና ናበይ ከም ዝኸደ ብወግዒ ዝተገልጸኳ እንተዘየለ ናብ ምውርሸ ከይዱ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ።
መራሒ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ መራሒ ቐጠር ኣሚር ሸኽ ታሚን ቢንን ፕረሲደንት ቱርክ ጠይብ ኤርዶጋንን ብመሰርት እቲ ኣሚሪካ ኣቐዲማ ዘቕረበቶ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ሰላም እሞ ሓማስን እስራኤልን ዝተቐበልዎ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ሰነድ ብ13 ጥቅምቲ 2025 ፈሪሞም። ድሕሪ’ቲ ኣብ ግብጺ ሻርም ኢል-ሻይክ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምኽታሞም፡ እቶም ከተምቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ድማ ነቲ ስምምዕን ንቀጻሊ ኣተገባብራኡን ከም ዝድግፉ ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ዝተኻየደ ስነስርዓት ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ሰፊኑ’ሎ ምስ በለ፡ “ፍልጣኤምን እስራኤልን ማዕረ መሰል ክህልዎም ይግባእ” ዝብል ቃል’ኳ እንተቃለሐ፡ መራሕቲ ፍልጥኤምን እስራኤል ዋናታት ናይቲ ዋኒንን ኣቐዲሞም ንእማመ ኣሚሪካ ዝተቐበልዎን ክነሶም፡ ኣካል’ቲ ምኽታም ዘይምዃኖም ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ቀዳሊ ዓብይ ብደሆ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዳግመ-ህንጻ ጋዛ እዩ እውን ኢሉ።
እቲ ዝተፈረመ ሰነድ 6 ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ብወግዒ ጠጠው ምባሉ ምእዋጅ፡ ናብ ጋዛ ብህጹጽ ሰብኣዊ ረዲአት ንክኣቱ ምፍቃድ፡ ሰራዊት እስራኤል በብምዕራፉ ካብ ጋዛ ክወጽእ፡ ክልቲኦም ወገናት ብመንጎኛ ኣቢሎም ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ መስመር ክኸፍቱ፡ ካብ ኣሚሪካ፡ ግብጺ፡ ቱርክ፡ ቀጠርን ካለኦት ሃገራትን ብኣባልነት ዝርከብዎ፡ መስርሕ ኣተገባብራ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ምምስራት ዝብሉ ይርከብዎ
በቲ ስምምዕ መሰረት ድሮ ብሓማስ ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ እስራኤላውያን ግዳያት፡ 20 ብህይወቶም ተፈቲሖም ክፋነዉ እንከለዉ ናይ ዝሞቱ ኣስከሬናት’ውን ተረኪቡ። ብኻልእ ወገን ድማ እስራኤል ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ኣስታት 1700 ፍልስጥኤማውያን ፈቲሓ ኣፋንያቶም።
ግብጺ “ብፈለግ ናይል ዝተሰየመ” ናይታ ሃገር ዝለዓለ መዳልያ ንፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክትህብ ከም ዝወሰነት፡ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ንመዲያታት ግብጺ ብምጥቃስ ሓቢራ። ትራምፕ ነዚ ዝለዓለ መዳልያ ዝወሃብ ዘሎ ኣብ ፍልስጤም- ጋዛ ውግእ ጠጠው ኢሉ ሰላም ንክሰፍን ንዝገበሮ ኣበርክቶ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ መዳልያ ንትራምፕ ንክወሃብ ዝተወሰነ፡ ፕረሲደንት ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ብመሰረት ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ናይ ማይ ድሕንነታ ንምሕላው “ግብጺ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክትወድ እያ” ዝብል ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተሰነየ መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፈ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ፕረሲዳንት ትራንፕ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025፡ ዝለዓሉ ረፐብሊካን ሰኔተራት ኣብ ዝተዓደምሉ ናይ ድራር እንግዶት፡ ናይ ኢትዮጵያ ዓብይ ሓጽቢ መብዛሕትኡ ብገንዘብ ኣሚሪካ ዝተሃንጸ እዩ ኢሉ ነይሩ። እቲ ሓጽቢ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ብዝገበሮ ገንዘባዊ ኣስተዋጸኦ ዝተሃንጸ ከነሱ፡ ትራምፕ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ምሃቡ ከኣ ንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑ ዝጸንሐን ኢትዮጵያ ተቓውሞ ዘስምዓትሉን እዩ።
ኣብ ለንደን ዝመደበራ ጋዜጣ፡ “ሓዳስ ዓረብ” ብወገና፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ብምጥቃስ፡ ትራምፕ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዝሃበ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምውጣጥ ንምሽምጋል ኢዱ ከእቱ ስለ ዝደለየ እዩ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪባ። ትራምፕ ኢዱ እንተኣ ኣእትዩ ናብ ግብጺ ከዳሉ እዩ ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ እዩ።
ግብጺ ንትራፕ ኣፍልጦ ሂባ ዝለዓለ ሽልማት ተበርክት ዘላ፡ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራትን ቀዳማይ ሚኒስተራትን ዝሳተፍሉን ኣልሲሲን ትራምፕን ብሓባር ዝመርሕዎ ናይ ሰላም መድረኽ ኣብ ዘዳለወትሉ ድሮ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፈታዊ ኣልሲሲ እናተባህለ’ኳ ዝጥቀስ እንተኾነ፡ ኣብ ዝርዝር ተሳተፍቲ ናይዚ ናይ ሰላም መድረኽ ግና ስሙ ኣይተጠቕሰን። ግብጺ ነቲ ንትራምፕ እትህቦ ዘላ ፍሉይ ሽልማት ብዝለዓለ ደረጃ ንእትርእዮም ባእታታት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያዊ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ንጉስ ሑሴን ጆርዳናዊ፡ ንንግስ ኤልሳበጥ 2ይትን ፕረሲደንት ጂሚ ካርተርን ዝሃበቶ እዩ።
ኢትዮጵያን ግብጽን ብፍላይ ድሕሪ ምምራቕ ናይቲ ሓጽቢ፡ ከም ሓድሽ ኣብ ምስሕሓብ ኣትየን ይዋጠጣ ከም ዘለዋ ኣብ መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወከልተን ተንጸባሪቑ እዩ።
ካብ ኢትዮጵያ ተስፈኣለም ወልደየስ፡ ካብ ጆርጅያ ምዚኣ ኣማግሎበሊ፡ ካብ ኣሜሪካ ማርቲን ባሮን፡ ካብ ፍልስጥኤም ማሪያም ኣቡ ዳጋ፡ ካብ ፔሩ ካስትቮ፡ ካብ ሆን ኮንግ ጂሚ ሊያ፡ ካብ ዩክረይን ቪክቶሪያ ሮሽቺና ዝተባህሉ ሸውዓተ ልሉያት ጋዜጠኛታት፡ ናይ 2025 “ዓለም ለኻዊ ጀጋኑ ናጽነት ፕረስ”፡ ዝብል ኣፍልጦ ረኺቦም ከም ዝተሸለሙ ዓለምለኸ ትካል ፕረስ (IPI) ሓቢሩ። እቶም ጋዜጠኛታት ናብቲ ናይ ክብሪ ኣፍልጦ ዝበቕዑ፡ ምእንቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንዘርኣይዎ ብቕዓትን ትብዓትን ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ካብዞም ጋዜጠኛታት መብዛሕትኦም ካብ ሞያኦም ንምቁራጽን ድምጾም ንምዕፋንን ማእሰርትን ዝተፈላለዩ ተጽዕኖታትን ክበጽሖም ዝጸንሐ ኮይኖም፡ እንተኾነ ምእንቲ ጋዜጣዊ ሙያኦም ንኹሉ ተጻዊሮም ዝቐጸሉ እዮም። ካብቶም እቲ ክብሪ ዝረኸቡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ካብ ማእከል ፍልስጥኤም ጋዛ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ዜናዊ ሓበሬታ ክዝርገሓ እናተቓለሳ ብደብዳብ እስራኤል ዝተቐትላ ምዃነን ተፈሊጡ። ናይዞም ጋዜጠኛታት ናብዚ ፍልጦ ምብጻሕ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ምእንቲ ናጽነት ፕረስ ንክቃለስ ንምትብብዑን ንምብርባርን ምዃኑ እውን ተገሊጹ። ካብዞም ኣፍልጦ ዝረኸቡ 2 ድማ ሕጂ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ይርከብዎም።
እዚ ነዞም 7 ጋዜጠኛታት ዝተዋህበ “ዓለም ለኻዊ ሽልማት ነጻ ፕረስ” ዓመታዊ ኮይኑ ብምቕጻል ኣብ መበል 75 ዓመት ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ዓለም ለኻዊ ትካል ፕረስ፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ደገፍ ንመዲያ ብሓባር ከካይድዎ ከም ዝጸንሑ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ዲረክተር ስኮት ግሪፈን ምሕባሩ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እቲ ነዚ ኣፍልጦ ዝበቐዐ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ፡ ወናንን ኣመሓዳርን መርበብ ሓበሬታ፡ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር (Ethiopia Insider)” ኮይኑ፡ ናጻ ጋዜጠኝነት ከሕይልን ኣገዳሲ ሓበሬት ክዝርግሕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ ክፍጸም ከም ዝጸንሐን ብኣኡ ከይተዓንቀፈ ብሞያኡ ዝቕጽል ዘሎን’ውን እዩ። ተስፈኣለም ድሕሪቲ ኣፍልጦ ምርካቡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ኣፍልጦ ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ወጻኢን ኮይኖም ሙያዊ ግቡኦም ይፍጽሙ ንዘለዉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት እውን ዝተባብዕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትሩ ዶር ጌደዎን ጢሞትዎስ ብዝተኸተመ ደብዳበ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራን ክልል ትግራይ፡ ብ2 ጥቅምቲ 2025 ክሲ ኣቕሪቡ። ክልቲኦም ወገናት ከኣ ነቲ ክሲ መልሲ ሂበምሉ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ዘቕረቦ ክሲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025 ኣንጻር ኤርትራ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ናይ ክትወረኒ እያ ስምዕታ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ተግባሩ ንክቑጠብ ተጽዕኖ ክግበረሉ እናተጸበየ፡ ምስ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ “ህወሓት” “ጽምዶ” ብዝብል ተሓባቢሮም፡ ኣብቲ ፋኖ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻሩ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ኢድ ኣእትዮም ይወግእዎ ከም ዘለዉ ኣብቲ ክሱ ኣስፊሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ናይ ትዊተር ( X) ገጹ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ጭጉራፍሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ኣብ ትሕቲ ዝበል ቴማ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ 2ተ ዓመታት “ብሰላም ይኹን ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኢና” ክብል ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እዚ ሓዲሽ ክሱ ከኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ሕብረተሰብ ዓለም ዘለዎ ንዕቀት ዘርእን ገበናቱ ንምሽፋንን ዝመሃዞ እዩ ኢሉ ነጺግዎ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብወገኑ፡ ብ9 ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተርዝ “መብርሂ ብዛዕባቲ ዝቐረበና ክስን ድልዉነትና ንትግባረ ውዕል ፕረቶርያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል፡ ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብቲ መልእኽቱ ነቲ ክሲ ነጺጉ ብዛዕባ ትሕዝቶ ውዕል ፕሪቶርያን ዘይተተግበረሉ ምኽንያታት ዝበሎን ዘርዚሩ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱዎ።
ክሲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘስፈሮ ክሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ህውከት ንምፍጣር ይካየድ ኣብ ዘሎ ውግእ ምስ ናይ ኢድ ኣዙር መሻርሕቱ ተሓባቢሩ፡ ገንዘብን ንውግእ ዘድሊ መሳለጥያታትን የቕርብ ከም ዘሎ ዝጠቅስ ሓተታ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ብኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምትኹታኽ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ባህጊ ብሰላማውን ቁጠባዊ ምውህሃድን ጥራይ ከተረጋግጾ ከም እትደሊ ዝሕብር ሓሳብ ኣስፊሩ።
ይኹን እምበር፡ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ብቐጻሊ ዘስመዖ ዘሎ መደረታትን ዘካይዶ ጐስጓሳትን እዚ ሓድሽ ክሲ፡ ምስምስ ንምጅማር ውግእ ከይከውን ገለ ወገናት ስግኣት ኣለዎም።
ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበርን ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ዞባናን ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለ መተጠይቕ ኣካይዶም። ኣብዚ ቃለ መጠይቖም ኣቐዲሞም ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ በፖሓኤ “ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ፡” ብዝብል ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዝወጸ እዋናዊ መግለጺ ብንባብ ኣቕሪበምዎ። ቀጽሊኦም ድማ ነቲ ኣዋጅ ዝምልከትን ተዛመድትን ሕቶታት መሊሶም።
ካብቲ ሕቶ ቀሪብሎም ዝመለስዎ ጉዳያት፡ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ብብልጽግና ዝምራሕ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይንካ፡ ኣብ ኤርትራ መንገስቲ ንምውዳቕ ዝምድና ምግባር ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ምስቲ መንግስቲ ንምትሕብባር ካብቲ ካብ ተጠቃምነት ወደብ ሓሊፉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምውናን ኣብ ሓሶት ተመስሪቱ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ፡ ብእዉጅ ክሳብ ዘይሰሓበ ምዝማዱ ከምዘይከኣል ኣስሚረምሉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ኣንጻር ምግሃስ ልኡላውነት ሃገርና ክንሓብር ከም ዝግባእ ጠቒሶም፡ ብተግባራት ህግደፍ ኣቖጢዑካ ንዓኡ ዘርከብካ መሲሉካ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ከየገደሰካ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ምስ ዘሎ ዓመጸኛ መርገጽ፡ ምስኡ ምትሕብባር ዘዋጽእ ኣይኮነ ኢሎም፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ምርጫ ዘለዎም ወገናት ከሎ ጋና ኣብቲ ምርጫኦም ዳግመ-ግምት ንክገብሩ ጸዊዖም። ኣብ ርእሲዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶኡ ብወደብ ዓሰብ ክጥቀም ዝብል እንተዝነብር፡ ረንሓኡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ስለ ዝኸውን ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዘፍቅዶ ምትግብራሩ ዝጽላእ ኣይመኾነን ኢሎም።
እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ውግእ መጎት፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ ብደረጃ ዞባ እውን ሰላምን ምርግጋእን ዝኸልእ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ሕግን ልዕልና ሓይሊ ዘንግስ ሕማቕ ኣርኣያ ስለ ዝኸውን ህዝቢ ኢትዪ እውን ክቃለሶ ከም ዝግበኦ ኣመልኪቶም።
ነቲ ብወገን ኤርትራን ትግራይን ተደጋጊሙ ዝስማዕ ዘሎ ጐስጓስ “ጽምዶ” ኣብ ዝምልከት እውን ሓሳቦም ሂቦም። ኣብቲ ዝሃብዎ ርኢቶ እዚ ጽምዶ ኣብ ተመኩሮ ውድባት ኤርትራን ትግራይን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እምበር፡ ሓድሽ ከምዘይኮነ ጠቒሶም፡ ክልቲኡ ህዝብታት ክራኸብን ብዝሓለፈ ምፍሳስ ደም ክድበስን ጽቡቕ እዩ ኢሎም። እንተኾነ ሓቀኛን መትከላውን እንተዝኸውን ብግሉጽነት ክካየድ መተገለጸ’ሞ ንምድጋፉን ምቅዋሙ መጠዓመ ኢሎም፡ ምናልባት ናብ ውግእ ዘእትው ከይከውን ከም ዘስግእ ጠቒሶም።
ንምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መደባት ራድዮ ኤረና ናይዚ ዕለት ምክትታል ይካኣል።
ሱዳን ጉዳይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ክትመዝንን፡ ምስ ሱዕድያ ኣብ ሓድሽ ሽርክነት ክትኣቱን’ያ
Monday, 06 October 2025 13:56 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ፡ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተረድኦ ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ኮይና እንደጋና ናይ ምምዛኑ መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ሃገሩ ምስ ሳዑድያ 100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ኣቕሪባ ከምዘላ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ተመልሰ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ምስ ሳዑዲ ዓረብያ ዝካየደ 100 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ 100 ፕሮጀክትትታት ኣብ ኣብ ጸጋታት ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ዝካየድ እዩ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ኮይኖም ዘካይድዎ ገምጋም ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ጉድኣትን ዕንወትን ከድሕን ዝኽእል እዩ ኢልዎ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብዛዕባ ውሽጣዊ ቅልውላው ሃገሩ ኣብ ዝጠቐሶ ድማ ኣብ ከተማ ኢል ፋሸር-ዳርፎር ተዓጽዮም ናብ ዘለዉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ነፈርቲ ናይ ምውራድ መደብ ከም ዘለዎም ጠቒሱ፡ ኣብዚ መስርሕ ዝኾነ ኣካል ኢድ ኣእትዩ ከየዕንቅፍ ኣጠንቂቑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካሚል ከምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ እቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ናብታ ከተማ ሰብኣዊ ረዲአት ከይኣቱ ኣብ ዝኸልከለሉ ኩነታት እዩ። ናይ ሱዳን መንግስታዊ ኣካላት ናይ ምቁጽጻር መሰል ሕልዊ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣቀራርባ ረዲአት ናብቶም ኣብ ዕጽዋ ዘለዉ ምስ ዓለምለኻዊ ትካላት ከም ዝተሰማምዑ’ውን ሓቢሩ።
ቀጺሉ ድማ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ክሳብ ተኹሲ ጠጠው ምባልን ሰራዊት ሕመቲ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ምውጻእን ዝበጽሕ ናይ ሰላም እማመ፡ ብብዙሓት ወገናት ደሕን ተቐባልነት ይረክብ ከም ዘሎን ኣብ መጻኢ ንዝግበር ናይ ሰላም ልዝብ መንጸፍ ከም ዝኸውንን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ጠቒሱ።
ሱዳን ኣብ ጉዳይ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዪጵያ ዳህሳስ ናይ ምግባር ሓሳብ ተቕርብ ዘላ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን በዚ ጉዳይ ኣብ ዝለዐለ ምስሕሓብ በጺሐን ኣብ ዝሃለዋሉ ምዃኑ ይዝከር።
ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ
ኣብ ልዕሊ ካብ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ እናተጓዕዙ ዘጋጠሞም ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ ካብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከብዎም፡ 368 ሰባት ዝሃለቕሉ ሓደጋ ደሴት ላምፓዱሳ ኢጣልያ ኣብቲ ዕለቱ 3 ጥቅምቲ 2025 መበል 12 ዓመት ተዘኪሩ። ኣብዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ዝኽሪ፡ ቤተሰብ ግዳያት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ናይቲ ከባቢ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝመጹ ሰብኣውነት ዘገድሶም ሰባትን ትካላትን ኣብቲ ስነስርዓት ከም ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ማሕበራዊ መድያታት ካብቲ ቢታ ሓቢረን።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ጸሎት ተኻይዱ፡ ሽምዓታት ንዝኽሮም በሪሁ፡ ናእሽቱ ናይ መርከብ ምስልታት እውን ኣብ ትሕቲ ሓወልቶም ከም ዝተቐመጣን ናይ ገለ ካብቶም ግዳያት ኣስማት ካብቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝሰፈረ ዝርዝሮም ከም ዝተጸወዐ ተፈሊጡ።
ናይቶም ግዳያት ቀረብን ብኣጋጣሚ ካብቲ ህልቂት ካብ ዝተረፉ 150 ውጻእ መዓትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ናይቶም ግዳያት ሕልፈት ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣእምሮና ኣሎ” ከም ዝበሉ’ውን ተጠቒሱ። ተረኽቦ ላምፓዱሳ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ ከም ዝጥቀስን ብፍላይ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ግዜ ብደረጃ ዓለም ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝነበረን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ዝገብሮ ከኣ፡ ብሰንኪ ኣብያ ጉጅለ ህግደፍ ኣስከሬኖም ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓዶም ክዓርፍ ዘይምኽኣሉ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋ ቀጻሊ ምህላዉን ክሳብ ሎሚ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ግዳይ ናይ ዝኾኑ ሰባት ቁጽሪ ኣማኢት ኣሸሓት ከም ዝበጽሕን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ። ጉዳይናን ግቡእናን ኢሉም ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺቦም ሙያውን ዜግነታውን ግቡኦም ንዝፈጸሙ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማሕበራዊ መዲያ ምስግና ይግበኦም።