መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር ህግደፍ ተሪር ክሲ ዘርጊሑ
2025-06-25 10:10:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 516 timesኢትዮጵያ ብ20 ሰነ 2025 ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራ ኣቢላ ናብ ዝተፈላለዩ ይምልከቶም ዝበለቶም ኣካላት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት፡ ብፍላይ ድማ ጸጥታ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትዘርግ ኣላ ክትብል ብትሪ ከሲሳታ። ኣብቲ ደብዳበ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ጸጥታና ንምዝራግ ተደጋጋሚ ፈተነታት ተካይድ ስለ ዘላ ነቲ ተግባር ብትሪ ንኹንኖ” ዝብል መልእኽቲ ሰፊሩ። ኣተሓሒዛ ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ተግባር ኤርትራ ዘብቅዓሉ ኩነታት ንክፈጥር መጸዋዕታ ቀሪባ።
ኣብዚ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ብዙሓት ጸለውቲ ዝበሃላ ሃገራትን ዝተጻሕፈ ናይ ስምዕታ ደብዳበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጋና ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘይወጸ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት ብምዕጣቕን ምስናቕን ሰላም ኢትዮጵያ ትዘርግ ኣላ ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።
ኣተሓሒዙ ድማ እዚ ዘራጊ ተግባራት ኤርትራ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝመጸ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ንተግባራት ኤርትራ ካብዚ ንላዕሊ ከምዘይትጻወሮን ነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋን ኣስፊሩ። ቅድሚ ኩሉ ግና ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ተጽዕኖኡ ንከሕይል ጸዊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብዚ ቀረባ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዝፍጠር ዘሎ ምቅርራብ “ኣንጻር ሕገመንግስታዊ ኣካይዳ ልምምዳት ንዕዘብ ኣለና” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ሰፊሕ ናይ ክሲ ዝርዝር ዘለዎ ደብዳበ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዓዘቡ ኣካላት፡ እዚ ስጉምቲ ናይ ቅድመ-ውግእ ስምዕታ ከይከውን ስግኣታቶም ይገልጹ ኣለዉ።