ኤርትራ ብህግደፍ፡ ትድሕን ድያ ዘላ ትጠፍእ?

2022-06-22 07:47:57 Written by  Published in EPDP Editorial Read 1244 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብዙሕነትና ብዝተፈላለየ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። ሓደ ካብኡ ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ዝለዓለ ናይ ኣተሓሳስባ  ብዙሕነትና ብደረጃ “ተቓወምትን ደገፍትን ምምሕዳር ህግደፍ” ዝግለጽ እዩ። ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተና ኣብ ነፍሲ ወከፍ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣተሓሳስባታት ዝሕቆፉ፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ተቓወምቲ ወገን ኣብ ጉዳያት   ዘለዉ ኣረዳድኣታት ብዙሓት እዮም። እዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልያት ኣብዚ እዋንዚ’ውን ኣብ ክንዲ እንዳወሓደ፡ እንዳሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ። በብግዜኡ ብዝሒ ሰልፍታትና፡ ውድባትና፡ ማሕበራትናን ምንቅስቓሳትናን ናይ ምውሳኹን ምፍንጫላቱን ምስጢር ከኣ ካብቲ እናሐደረ ዝጫጫሕ  ኣተሓሳስባታት ዝነቅል እዩ።

ናይ ሓሳብ ብዙሕነት ጸጋ እምበር ሓጥያት ኣይኮነን ንብል ኢና። ከምኡ ካብ ምባል ሓሊፍና እቲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ እንምስርቶ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከረጋግጾም ካብ እንጽበዮም ረቛሕታት ሓደ ምውሓስ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ብዙሕነት ዝምርኮሰሉ፡ ብፖሊሲ ናጽነት መሰል ምውዳብን  ርኢቶኻ ምግላጽን ዝቃነን ብሕጊ ዝግዛእን ምኽንያታዊ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ብውልቃዊ ስምዒትን ረብሓን ተደሪኹ ከም ኣሜባ ዝራባሕ ብዙሕነት ግና ንድሕሪት ዝጐትት እዩ።

ብዙሕነት ብሓላፍነት ዝመሓደር፡ ምክእኣልን ምጽውዋርን ዝቕበል፡ ኣብቲ ብዙሕነት ዝወዳደሩ ኣካላት ከምቲ ናቶም ርኢቶ ተቐባልነት ክረክብ ዝደልይዎ፡ ንናይ መወዳድርቶም ካብ ናቶም ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ  ኣፍልጦ ናይ ምሃብን ምኽባርን ግደታ ከም ዘለዎም ኣብ ዘይርድእሉ ብዙሕነት ናይ ኣተሓሳስባ ሃሳዪ እዩ። እዚ ጐዳኢ ተርእዮ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣተሓሳስባኡ ንዘይቅበሉ፡ ብሓሙሻይ መስርዕ፡ ብከደዓት፡ ብወያነን በብግዜኡ ብዝረኣዩ ኣሉታዊ ዝብሎም ተርእዮታትን እዩ ዝገልጾም። ከምቲ “ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ” ዝበሃል፡ ካብቲ ኣጸላሚ  ጉጅለ ካልእ  ስለ ዘይንጽበ ኣይሕደሰናን፡ እኳደኣ ክሳብ እንስዕሮ እንቃለሶ እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ እውን ካብ ናትካ ርእይቶ   ንዝተፈልየ፡ እሞ ብሓሳብ ምምካቱ ምስዘይትኽእል፡ ክሳብ ንዋናታቱ ኤርትራውነቶም ክትነፍግ ናይ ምድንዳን ሃቐነ ይረአ እዩ። እዚ እዩ ከኣ እቲ ቀንዲ ንሓቢርካ ምቅላስ ኣዳኺሙ፡ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንከናውሕ ዝሕግዞ ዘሎ። ካብዚ ስለ ዝነቕሉ እዮም ድማ  ንተመኩሮ ተቓውሞና ብጽሞና  ዝከታተሉ ወገናት “ዕድመ ህግደፍ ብብቕዓቱን ተቐባልነቱን ዘይኮነ፡ ዝያዳ  ብድኽመት ተቓወምቱ እዩ ዝነውሕ”  ክሳብ ምባል ዝበጽሑ። 

ተቓወምቲ ህግደፍ ናይ ምቅዋምና ምኽንያት ነዊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዘይምህላዉ፡ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይክበር፡ ህዝብና መምርሒኡ ብዘይፈልጦ መራሒ ይግዛእ ምህላዉ፡ ብሰንኪ ጻሕታሪ ባህርያት ናይቲ ዝገዝኦ ዘሎ ጉጅለ ህዝብና ኩሉ ግዜ ራህዋ ሓሪምዎ ብስግኣት ዝተዋሕጠ ምዃኑ፡ ደቁ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ስለ ዝተሰዱ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ጠዋሪ ስለ ዝሰኣኑ…..ወዘተ፡ እናበልካ ነዊሕ ዝርዝር ምቕራብ ይከኣል። ዓወትና ከኣ ኩሉ ዓቕምና ኣወሃሂድና እቲ ናይዞም ኩሎም ጸገማት ጠንቂ ዝኾነ ጉጅለን ናይ ጭቆና መሳርሕታቱን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከነወግዶ ክንበቅዕ እንከለና ዝረጋገጽ  እዩ።

ደገፍቲ ህግደፍ ብዘይካቲ በብግዜኡ ካብቲ ጉጅለ ብመርዚ እናተላዕጠጠ ብጉሁድን ብስዉርን ዝወሃቦም፡ ንዓኡ ንኢዱ ንካልእ ዘጸልም ዘይሓላፍነታዊ ሓሳብ ምንዛሕ፡ ናቶም ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ዘእቱ ሓሳብ የብሎምን። ምናልባት ኣብ ውሽጦም ዝተሓብአ፡ ካብቲ ዝድግፍዎ ሓይሊ ስለ ዝፈርሑ ብውሽጠ ውሽጢ ዝሓምይሉ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውድዕነት ዝነቅል ዘይግሁድ ሓቂ ኣይህልዎምን ኢልካ ምድምዳም ግና ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ሓሓሊፉ ዝስማዕ፡ ኣብ ዕላል ምስ ኣሕሊፉ ኣይህበንን እትብሎ፡  “እንታይ ኢና’ሞ ክንገብር፡ እንድዒ ብገለ ግዲ ለውጢ ይመጸልና ይኸውን’ምበር ከምዚልካስ ክሳብ መዓስ፡ ሎምስ ትጽቢት ነዊሑ” ዝብል ምዕዝምዛማት መልእኽቲ የብሎምን ማለት ኣይኮነን። እቶም ቀራናት ዓው ኢሎም ካብ ዘስምዕዎ፡ ንህግደፍ ናይ ምድጋፎም ምኽንያት ግና “ነዛ ሃገር ብዘይካኡ ዝሕልዋን ዘድሕናን የለን” ዝብል ይርከቦ። እሞ “ኤርትራ ብህግደፍከ ትድሕን ድያ ዘላ ትጠፍእ? ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም ግና መልሶም ዕንይንይ እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብልሳን መራሒ ህግደፍ ከይተረፈ ብተደጋጋሚ “ኣብ ኤርትራ እንታይ ኣውንታ ኣሎ?” ኢልካ እንተ ሓቲትካ እትረኽቦ መልሲ“ጥፍኣትን ንድሕሪት ምምላስን ኤርትራ፡ ህዝባን ትካላታን” ስለ ዝኾነ። ስለዚ ዝምድና ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ፡ ተጻራሪ ኮይኑ፡ ፍልልያቱ ናይ ድሕነትን ጥፍኣትን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ምርጫ ናይቲ የመሓድራ ኣሎ ዝበሃል ጉጅለ ዝያዳ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣትያ ከምዘላ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ድሕሪ ሩሲያ ንዩክረይን ወሪራ መሰል ህዝባ ምግሃሳ  ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ምምሕዳር ኤርትራ ምስ ወራርን ግህሰትን እዩ ወጊኑ ዘሎ። እዚ መሪጽዎ ዘሎ ኣሰላልፋ ንመሰልን ክብርን ህዝቢ ዩክረይን ዝጻባእ ኮይኑ፡ ኣንጻር ሓያላት ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ዝደፋፍኦ ኢዩ። እዚ ስጉምቲ ነቲ ኣሜሪካ እትርከቦ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ምጽባእ ዘትከለ ምዃኑ ትንተና ዘድሊዮ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ኩነታት በቲ ውሱን ዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ኣንጻሩ ተሰሊፉ ዘሎ ሓይልታት እውን ይጥመት ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብቲ ብኤሪሳት ዝተወደበ ሲምፖዝየም ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝዳህሰሰ ቃል ኣስሚዖም ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም እንታይ ከም ዘመልክት ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ህግደፍ ድሕሪኡ ብጩቕ ዘይምባሉ ከኣ ስግኣቱ ሰማይ ዓሪጉ ከም ዘሎ የርኢ። ስለዚ እቶም ኤርትራ ክትጠፍእ ዘይኮነ፡ ክትድሕን እንቃለስ ዘለና፡ ንከምዚ ዓይነት ተበግሶ፡ ከምቲ “ሓጋዚታ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ንኸስሮ ናይ ሓባር ድምጽናን ተግባርናን እነበርኸሉ መድረኽ ንግበሮ።

Last modified on Wednesday, 22 June 2022 09:51