ሓጺር ሓበሬታ ብዛዕባ ሲሪያ
2024-12-13 14:04:01 Written by Neguse Tsegai Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 257 timesኣብዚ እዋንዚ ናይ ዓለም ኣጀንዳ ኮይና ዘላ ሲርያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም ኢስያ እትርከብ፡ ኣስታት 185,180 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታ ሃገር እያ። ዓረብ ረፐብሊክ ሲርያ፡ ብሰሜን ምስ ቱርኪ፡ ብምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ምስ ዒራቕ፡ ብደቡብ ምስ ዮርዳኖስ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ እስራኤል ብምዕራብ ምስ ሊባኖስን ባሕሪ መዲተራንያንን ትዳወብ።
ሲሪያ 14 ምምሕዳራዊ ክልታት ክህልዋ እንከሎ፡ እታ ዝዓበየት ናይታ ሃገር ዋና ከተማ ድማ፡ ደማስቆስ እያ። ምስቲ ኩነታት ኣሃዛት ኣብ ሲሪያ ዝቀያየሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ደማስቆስ ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 2,685,000 ነባሪ ህዝብን 105 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓትን ከም ዘለዋ ይንገረላ።
ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሲሪያ ኣብ 2024 ኣስታት 24,672,760 እዩ። ካብዚ 16.7 ሚልዮን ዝኸውን ካብ ህዝባ ብሰንክቲ ኣብ 2011 ዘጋጠመ ውግእ ዝተመዛበለ ኮይኑ፡ ካብኡ እቲ 6.7 ሚልዮን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ዝተመዝገበ እዩ። ካብተን ሲርያውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ዝተዓቑቡለን ሃገራት፡ ቱርኪ፡ ሊባኖስን ዮርዳኖስን ጐረባብታ ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤውሮጳ ድማ ጀርመን ምዃና ይንገረላ። ናብ ቱርኪ ስተሰዱ ጥራይ ክሳብ 3.2 ሚልዮን ይበጽሑ። ናብ ጀርመን ድማ 1.3 ሚልዮን።
ኣብዚ እዋንዚ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ በሺር ኣል ኣሳድ፡ ቅድም ኣባል ኣልቃዒዳ ከም ዝነበረ ብዝንገረሉ መሓመድ ኣል-ጀላኒ ዝምራሕ ሓያት ታሕሪር ኣል ሻም ዝበሃል ጉጅለ ዝለዐለ ኢድ ዘለዎ ኣካል ስልጣን ኣብ ምድልዳል ይርከብ። ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ በሺር ኣልኣሳድ ክግበር ዝጸንሐ ቃልሲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘመሓድር ዝነበረ ተቓዋሚ፡ መሓመድ ኣልበሺር ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ብመሓመድ ኣል-ጀላኒ ተመዚዙ ኣሎ። እዚ መሰጋገሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ክሳብ መጋቢት 2025 ዝጸንሕ ኮይኑ ቀዳምነታቱ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ምስፋንን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ምዃኡ ከኣ ኣዊጁሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሶሪያ ዝተፈጥረ ኩነታት ምእንቲ ለውጢ ንዝቃለሱ ወገናት ተስፋ ዝህብ እዩ። እንተኾነ ምስቲ ኣብታ ሃገር ናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን መንግስታትን ኢድ ኣእታውነት ምጽንሑን ምህላዉን፡ ኣብ ቅድሚኣ ዝጽበያ ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን ኣዝዩ ሓያል እዩ።