ህግደፍ፡ ሕጂ ኸ ናበይ?

2022-06-27 07:32:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1335 times

ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ምስ ኩሉቲ ዘኸተሎ ህልቂት፡ ስንክልና፡ ምምዝባላት፡ ናይ ንብረት ዕንወት፡ ስደትን ማእሰርትን ብፍላይ ብወገን ኤርትራ እንታይ ንግበር? ኣብ ዝብል ከም ሓደ ነጥበ-መቐይሮ ዝውሰድ ነይሩ። ድሕሪቲ ውግእ ኣብ ኤርትራ “ደጊም ኣብ ክንዲ ኣብ ውግእ ንሕባእ ጉዳይና ንግበር” ዝበሉ ፖለቲከኛታት ዝተኣስርሉ፡ ተስፋ ተነቢሩለን ዝነበረ ብሕታዊ ጋዜጣታትን መጺሐታትን ተኣጊደን ጋዜጠኛታተን  ዝተኣስርሉን ብዙሓት መንእሰያት ዝተሰድሉን ምንባሩ ይዝከር። ስርዓት ህግደፍ በዚ ተግባራቱን ካልእ ካብ ኤርትራ ወጻኢ  ብዝመጣጠር ዘራጊ ተግባራቱን ኣደዳ እገዳታት ክኸውን ዝጀመረሉ መድረኽ’ውን ኣስዒቡ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ድሕሪቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ዝተኸፍተ ዕድል ሰላም ዝምልከቶም ኣካላት ሰለ ዘይተጠቕምሉ፡ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ይበሃል ኣብ ዝነበረ እዋን“ኤርትራ ደጋፊ ትግባረ ውሳነ ዶብ ኢትዮጵያ ከኣ ተቓዋሚት”  ኮይነን ዝግለጻሉ ዝነበራ እዩ። ስርዓት ኤርትራ ከኣ ብተነጽሎን ብሕትውናን ተዋሒጥሉ ዝነበረ እዩ። እዚ ስርዓት ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ዘቤታዊ ዕማም’ውን በቲ ናይ ደገ ተጽዕኖ ኣመኻንዩ ዋላ ሓንቲ  ኣይዓመመን። እኳ ደኣ ሕገ-መንግስቲ ከተግብር ትጽቢት እንዳተገብረሉ፡ ነቲ ሰነድ ሓንሳብን ንሓዋሩን “ከይሰርሐ ዝሞተ” ኢሉ ጉሒፍዎ። እቲ “ካልእ ሕገ-መንግስቲ ይነድፍ ኣለኹ” ዝበሎ ከኣ ምስ ግዜ ሃጢሙ ተሪፉ።

ብ2018 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢቲ ገዛኢ ግንባር ኢህወደግ ክሕቆን ዝጸንሐ ማዕበል ናይ ደገ ኣእዳው ተወሲኽዎ ነቲጉ፡  ክሳብ ሎሚ ጽገናዊ ድዩ መሰረታዊ ኢልካ፡  ንምስያሙ ዘጸገም ለውጢ ኮይኑ ተጋሂዱ። እቲ  ለውጢ ናብ ውሽጣዊ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ዘሕደሮ ጽልዋን ተጽዕኖን ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ለውጢ ኣኸቲሉስ፡ “በዚ መጸ ከይተባህለ” ኣብ መንጎ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ንድሕሪት ዝምለስ ብዘይመስል ዳንኬራ ዝተሰነየ ፍቕሪ ገንፊሉ። እቶም ንለውጢ እንቃለስ ዘለና፡ ኣንጻር ለውጢ ክንከውን ባህርያዊ ስለዘይኮነኳ ነቲ ጽልዋኡ ናብ ሃገርና እውን ክልሑኽ እምነት ኣንቢርናሉ ዝነበርና ለውጢ ኣይተቓወምናዮን። ብዛዕባ ቀጻሊ መዓልቦ ዝምድና ክልቲኦም መራሕቲ ግና ትዕዝብትና ረዚን ስኽፍታ ዝተሓወሶ ነይሩ። ምኽንያቱ “እዞም ክልተ መራሕቲ ዝምድናኦም  ንከቐጽሉ፡ መንዩ ንናይቲ ሓደ ፖሊሲ ክርዕም?”  ዝብል ሕቶ ምምላሱ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ።

ኣብ ርእሲዚ፡ ንናይ ኢሳያስ ስሱዕ ኣተሓሕዛ ዝምድና ተመኩሮ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ምስቲ እቲ ዝምድና ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ምንባሩ፡ ነቲ ቀንዲ ናብ ሰላም ንክመርሕ ክውገን ዝነበሮ ጉዳይ ምጥራር ዶብ ዕሽሽ ምባሉን እቲ ዝምድና ጥዕና ሃልይዎ ንክቕጽል ናቱ ብጽሒት ንዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምግላሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ካብ ጸወታ ወጻኢ ክንገብሮ ኢና” ዝብል ጭረሖ ይቃላሕ ብምንባሩ ናይቲ ሓድሽ ዕርክነት ዕድመ ክሓጽር ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ ነይሩ። ብተግባር ከኣ ኣብ ሎሚ ኮይና ክንመዝኖ እንከለና፡ ግምት ጥራይ ኮይኑ ዝተረፈ  ኣይመስልን።

ስርዓት ህግደፍ በቲ ንኤርትራ ብግቡእ ከየመሓደራ ንኢሳቶ ዘይዓገበ፡ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዝምድና’ውን ኣይዓገበን። ግዜ ከይወሰደ ከኣ ንከም ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝኣመሰላ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ግደአን ኣነኣኢሱ፡ ኣብ ዞባና ጐብለል ዝኾነሉ ካልእ ባይታ ክምህዝ ተንቀሳቒሱ። ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብይ ኣሕመድን መሓመድ ፋርማጆን፡ ከምቲ ቅዲ ህግደፍ ብዘይግሉጽን ዘይትካላውን መንገዲ  ኣብ ከተማ ጎንደር  ናይ ሃታሃታ ስምምዕ ምኽታሞም ናይዚ መርኣያ ነይሩ። ከም ናይ ጽቡቕ ምቅርራቦም መግለጺ ከኣ ሰለስቲኦም ናብ ትግራይ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣንጻር ህውሓትን  ህዝቢ ትግራይን  ተሳቲፎም።

ኣብ ትግራይ ውግእ ምስ ጀመረ ኣብይን ኢሳያስን ንዝተወሰነ ብሓባር ተጓዒዞም። እቲ ውጽኢት ካብ  ትጽቢቶም ወጻኢ ምስ ኮነ ግና ኣብይ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ብወግዒ ጠቕሊሉ ስሒቡ። ክስሕብ እንከሎ ንኤርትራ ከምዘይሓበረ ከኣ፡ ኢሳያስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ። ነቲ ናይ ምስሓብ ተግባር ከኣ ግጉይ ስጉምቲ ነይሩ ኢልዎ። እዚ ኩነታት ንገዛእ ርእሱ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ድሕሪዚ በቲ ሓደ ወገን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ባዕሉ ብዝፈልጦ ምኽንያታት፡ “ካብዚ ንድሓር እቲ ጉዳይ ብዘተ እምበር ብውግእ ዝፍታሕ ኣይኮነን” ኢሉ ኣውጁ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ መሓመድ ፋርማጆ ብምርጫ ካብ ስልጣን ምስ ተወገደ  ኢሳያስ ናብ ዞባዊ ጐብለልነት መኻይዲ ስኢኑ፡ ሕልሙ፡ መኺኑ ኣብ ጎልጎል ዝወግሖ ዝብኢ ኮይኑ  ተሪፉ።

እቶም ኣብ ውግእ ትግራይ ሓቢሮም ዝተሰለፉ ወገናት፡ ስርዓት ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ደሓር ነብሱ ክኢሉ ክዋሳእ ዝፍትን ዘሎ ፋኖ ኣምሓራን ንህወሓት ናይ ሓባር ጸላኢኦም ወሲዶም፡ ካብቲ ውግእ ነናቶም ዝተፈላለየ ውጽኢት ይጽበዩ ነይሮም። ኢሳያስ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ካብ ፖለቲካዊ ጸወታ ክወጽእ ተጸብዩ። ኣብይ ኣሕመድ ህወሓት ብደረጃ ፈደረላዊ መንግስቲ ስልጣን ናብ ዘይወዳደሮ ደረጃ ክወርደሉ ትምኒቱ ነይሩ። ኣምሓራ ከኣ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝነበሩ ዞባታት ራያን ወልቃይትን ምምላስ ይሓልም ነይሩ። ስለዚ ብቕደም ሰዓብ ሕነ ምፍዳይ፡ ናይ ስልጣን ሕቶን ህርፋን መሬትን  ዝነበሮም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ሸቶ ዝዕወት ዘሎ ይመስል። ናይ ኢሳያስን ፋኖ ኣምሓራን ግና ኣይተረጋገጸን። ኣብይ ከኣ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ተወሲኽዎ፡ ደጊም መሰነይታ ናይዞም ሸቶታቶም  ዘየረጋገጹ ክኸውን ይደሊ ስለ ዘየለ፡ ስርዓት ኤርትራ “ሕጂኸ ናበይ?” ኢሉ ክሓትት ተገዲዱስ መልሱ ክሳብ ክንደይ ይትግበር ብዘይፍለጥ፡  “ምስ ፋኖ ኣምሓራ”  ዝኸውን ዘሎ ይመስል።

እዚ ዘርእየና ክሳብ ሕጂ ስርዓት ኤርትራ ዘዝሰሓቦ ካርድታት ይሓሮ ከም ዘሎ እዩ። ናይታ ኣብ ኢዱ ዘላ ንወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ንምድጋፍ ዝሰሓባ ካርድ ዕድልከ እንታይ ክኸውን እዩ? ድማ  ኣብ መጻኢ ዝረአ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቻይና በቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመዘዘቶ ፍሉይ ልኡኻ ኣቢላ ክትጉስጉስ ምስ ጸንሐት፡ ምስ ወከልቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮንፈረንስ ኣካይዳ። ኤርትራ ተዓዲማ ክነሳ ኣይተሳተፈትን። “ናይ ዘይምስታፋ ምኽንያት እንታይ እዩ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ተባሂሎም ብዙሓት ግምታት ይቐርቡ ኣለዉ። እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ኣስመራ ክጋባእ ጠለብ ስርዓት ኤርትራ ነይሩስ ስለ ዝተነጽገ ኮሪያን ስርዓት ኣስመራ ምስ ብልጽግና ዘየረዳድእ ስለ ዘለዎን  ዝብሉ ካብቶም ግምታት እዮም። እቲ ዝያዳ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ግምት ግና፡ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ኮንፈረንስ ሰላም ስለ ዝነበረ፡ እሞ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ሰላም ህግደፍ ምዃኑ ስለ ዝርዳእን፡ እታ ሴፍ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊኡ እትምላሕ ምዃና ስለ ዝርዳእ፡ መጋብሩ ፈሊጡ እዩ በዂሩ። ምኽንያቱ ሰራዊቱ ብጉልበት ኣብ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ኣስፊሩ ዝዋጋእ ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ። እሞ ካብዚ ንደሓርከ  ደኣ ጉዕዘኡ ናበይ ገጹ እዩ?  ድማ ንከታተሎ።

Last modified on Monday, 27 June 2022 09:36