ናይ ቃልስና ማእከል  ህዝብና እዩ

2022-07-06 05:49:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1340 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኩሉ ዝሓለፍናዮ መድረኻት  ቃልሲ ማእከሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ከምኡ ኣሎ። ጽባሕ ከኣ ቀጻሊ እዩ። ናይቲ ቃልሲ ማእከል ህዝቢ እዩ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ቃልሲ ህዝባዊ ረብሓ ምርግጋጽ ምዃኑ ተገንዚቡ  ዋጋ ዝኸፍል ህዝቢ እዩ ማለት’ዩ፡  ናይቲ  ቃልሲ ዓወት ተረጋጊጹ ዝበሃል ከኣ ናይ ህዝቢ ሕቶታት መሰረታዊ መልሲ  ክረኽቡ እንከለዉ  እዩ።

ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ታሪኻውን ኣንጸባራቕን ዓወት እዩ፡ ካብ ዝበሃለሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ብሃንቀውታ ክጽበዮን ዋጋ ክኸፍለሉን ንዝጸንሐ ሃገራዊ  መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ  ዝኾነ እዩ። እዚ ኣንጸባራቒ ዓወት ክረጋገጽ ናይ ብዙሓት ወገናት ኣስተዋጽኦ ዝተሓወሶ ኮይኑ፡ ቀንዲ ማእከል ኮይኑ ናብ ዓወት ዘብጸሐ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይቶም ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ወጺኦም፡ ዝተፈላለየ መልክዕ ውዳበታት ሒዞም ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን ኤርትራዊ ሓይልታት ናይ ምውህሃድን ምምራሕን ግደ ዓብይ ምዃኑኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ንማእከላዊ ግደ ህዝቢ ዝትክእ ግና ኣይኮነን። እቲ ሓሓሊፉ ክረአ ዝጸንሐ ጌና ሎሚ እውን ኣሰራቱ ዘሎ፡ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘንጊዕካ፡ ንዓኡ ተኪእካ ናይቲ ቃልስን ዓወትን ዝለዓለ ቀላሲ ክትከውን ምፍታን፡ ካብቶም ንጉዕዞ ቃልስና ንድሕሪት ዝጐቱ ጠንቅታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ናይ ግዳም ሓይልታት ደገፍን ምትሕብባርን  እውን ካብ ምጽላውን ምትብባዕን ሓሊፉ  ንኤርትራዊ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝትክእ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ “ህዝቢ እዩ ወሳኒ” ዝበሃል፡ ንማለቱ ዝድረፍ ዘይኮነ፡ ካብዚ መስረታዊ ምኽንያት ዝነቅል እዩ።

ድሕሪ ናጽነት  ነካይዶ ናይ ዘለና ቃልሲ ማእከል እውን ከምቲ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ  ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት ሓርነታዊ ቃልስና ጌና ኣይተዓወተን ቃልስና ግና ቀጻሊ እዩ፡  ንብል ዘለና ከኣ  መሰረታዊ ባህግታት ህዝብና ኣይተመለሰን ካብ ዝብል መሰረታዊ ዕግበት ዝነቅል እዩ። ከምቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ሳላ ህዝባዊ ማእከሉ ዘይለቐቐ ዝተዓወተ እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ብዘተኣማምን ናይ ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ዕድል ዝውሰን፡ ብናይ ህዝቢ ማእከላይን ወሳናይን ቦታ ምሓዙን ዘይምሓዙን እዩ።  ህዝቢ ናይ ቃልሱን ዓወቱን ማእከል ንክኸውን ድማ ብተሳትፍኡ እምበር፡ ኢደ-እግሩ ኣኪቡ፡ ዓወት ካብ ኢድ ካለኦት ብምጽባይ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ ኣብ ቃልስና ህዝባዊ ተሳትፎ ናይ ዓወትና ዋሕስ ምዃኑ ዝእመነሉ።

ፖለቲካዊ ውድባትናን ሰልፍታትናን ከምኡ እውን ካለኦት ውዳበታት፡ ንክዕወቱ እቲ ቀላሲ ግደ ህዝቢ ከይልቀቕ ክጥንቀቑ ይግበኦም። ህዝባዊ ማእከል ዘይምልቃቕ ማለት፡ እትምርሓሉ መትከላት ክትትልም፡ ፖሊሲ ክትቀርጽ፡ ውሳነታት ክትውስን ኮነ፡ ቀጥዒ ዝምድናታትካ ክትሕንጽጽ እንከለኻ፡ ኮታ መጻኢኻ ክትቅይስ እንከለኻ፡ እትምርኮሰሉ መጽናዕቲ፡ ማእከላይ ብጽሒትን ባህግን ህዝቢ ከይትስሕት ምጥንቃቕ ግድን እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ህዝቢ ትጽቢትን ወሳኒ ግደን  ዘንጊዕካ፡ መምስ ዝተቀልቀለ ጫፋት እንዳተዓዘርካ “ምስ ህዝብና ኣለና” ምባል፡ ከምቲ እትብሎ ኮይንካ ናይ ዘይምቕራብ ሓደጋ ዘኸትል እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መጻኢ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ከዕዝዞ እንከሎ “ሰዲህኤ፡ ምልካዊ ስርዓትን ንሱ ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን  ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ይብል።

ኣብዚ በብኩርናዑ ናይ ኣተሓሳስባ ሸለውለው ሓይልሉ ዘሎ ግዜን ኩነታትን፡ “ናይ ቃልስና ማእከል  ህዝብና እዩ”  ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ኣጽኒዕና ክንሕዝ ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ መድረኽ  ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥ፡ መልከዓቱ እንተዘይተፈላልዩ፡ ኣብቲ “ናይ ቃልስና ማእከል ህዝቢ እዩ” ዝብል  ግንዛበ ጐሊሑ ዝረአ ጸገም ኣይጸነሓናን። ካብቲ ብስም ህዝቢ ዝዝመር ኣየናዩ እዩ እቲ ሓቀኛ፡ ኣየናይከ እዩ እቲ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ብስም ህዝቢ ዝዝመር ግና ደቂቕ ዳህሳስ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ከይተረፈ  ደጋፍን ሓላይን  ህዝቢ እናመሰለ “ንብዓት ሓርማዝ”  ስለ ዝነብዕ። ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ዝሓለፈ መድረኻት፡ ቃልስና ከባብያዊ ናይ ምስፍሕፋሕ መልክዕ ይሕዝ ስለ ዘሎ፡ ንዓኻ ዝመስል ሃሰስ ኢልካ ምዝማድ ዘይስገር ይኸውን ኣሎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘንጊዕካ፡ ጫፋት መመዚዝካ ናይ ምጉታት ዝንባለታት ከም ዝንጸባረቕ ንዕዘብ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ረብሓ ኣብ ዘይነጸረሉ፡ ካብ በትሪ ምዕራባውያን ንምህዳም ብዝመስል፡  ምስ በዓል ሩሲያ ይሻረኽ ኣሎ።  በቲ ካልእ ወገን ድማ “ንሓንሳብ ምስ ሓይልታት ትግራይ፡ ንሓንሳብ ድማ  ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ” ኢና ዝቃንኦም ድምጽታት ዝብርኹ ዘለዉ ይመስሉ። እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዘድልዮ ከኣ፡  ኣብ ቅድሜና ካብዞም  ጫፋት ወጻኢ  ካልእ ምርጫ  ከምዘየለ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ነቲ ነዚ ጫፋት ዘይረዓመ ወገን፡ ካብ ቃልሲ ከም ዝበኾረ ኣምሲልካ ብምውሳድ ንስኻ ጥራይ ብጉዳይ ህዝቢ እትሕለቕ ኣምሲልካ ምቕራብ   ሓሓሊፉ ይቀላቐል  ምህላዉን እዩ። ብመሰረቱ ግና ሓደ ጫፍ ጥራይ ምጉታት፡ ንድሌት ህዝቢ ዘየንጸባርቕን ዘየሳትፍን፡  ከኸትሎ ብዛዕባ ዝኽእል ሳዕቤን ኣርሒቑ ዘይእምት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡  ንሓቢርካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ምዕዋት ዘይሕግዝ ስለ ዝኸውን ኣሰካፊ  እዩ።

ህዝቢ ዝማእከሉ፡ ሓደ ጫፍ ጥራይ ሒዝካ ምኻድ ዘኸትሎ ኣሉታዊ  ሳዕቤን ዝተረደአ፡ ሓቢርካን ተኸኣኢልካን  ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ተዓዋቲ ምዃኑ ዝተገንዘበ ሓቛፊ ምርጫ ከም ዘሎ  ምግንዛብ የድሊ። ነዚ ናይ ምክእኣልን ምጽዉዋርብ  ምርጫ ምሓዝ፡  ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ብህዝቢ ዝምእከል፡ ዝሓሸ መጻኢ ዝጥምትን ሰላም ዘውሕስን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ናብ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ትዕወተሉ፡ ልዕልና ህዝብታት ተውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳይካ ናይ ምውሳን ነጻነትካ እትዕቅበሉ ተዓዋቲ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ዝወስድን መገዲ’ውን እዩ።

ጉዳያት ደባሊቕካ፡ በቲ ሓደ ወገን ንህዝባዊ ወሳንነት ከተሕይልን ከተውሕስን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ድሌታትካ እተንግሰሉ መንገዲ ምኽታል ዝቃደዉ ኣይኮነን። ናይዞም ንሓርነት ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ወገናት  ምርጫ፡ ልዕሊ ኩሉ ልኡላውነትን ናጽነትን ህዝብን ሃገርን  ቅድሚት ምስራዕ ዘይዝለል እዩ። ነዚ ዓቂብካ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ካብ ህዝቢ ብእትረኽቦ ተቐባልነትን ፈቓድን ናብ ስልጣን ምምጻእ ግና ሓላል እምበር ሓራም ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ንማእከላይ ግደ ህዝቢና ኣብ ገዛእ ጉዳዩን ሃገሩን ደፊኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። እሞ እቶም  ኣንጻርዚ ጥልመት ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢኸ፡ ጫፋት እናጎተትና ሓድነትና ብምድኻም፡   ብሓባር ናይ ምቅላስ ዕድልና ኣምኪናዶ መፍቶን ግዳይን ናይ ህግደፍ ንኸውን ወይስ ብናይ ሓባር ቅልጽም፡ ንቂመኛ ጸላኢ ህዝብና ንሰብር?

Last modified on Wednesday, 06 July 2022 07:57