ንህግደፍ፡ ብናትና ኣገባብ ኢና እንገጥሞ

2022-08-04 06:16:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1307 times

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ኮነ፡ ህልውናኡ ንምርግጋጽ ካብ ዝጥቀመሎም ኣገባባት ሓደ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዝራግን ዘይምትእምማን ምፍጣርን  ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ በብግዜኡን ከከም ኩነታቱን እናቐያየረ ዝጥቀመሎም ሜላታት ኣለዉዎ። ሓደ ካብዚኣቶም እቲ “ፈስቲቫል”  ዝብል ቅዲ  እዩ። እዚ ፈስቲቫል ካብ ምእካብ ገንዘብ ጀሚሩ፡ ጸረ ህዝብነት ምስሊ ህግደፍ ኣጸባቢቕካ ናይ ምቕራብን “ንደቂ ልቢ ገርሃ” መመሊስካ ናይ ምግራህን ዕላማ እዩ ዘለዎ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ስቶክሆለም ንቡር ኣዳራሽ ምስተነጽገ፡ ኣብ ጐልጐል ዝተኻየደ ፈስቲቫል እስካንደኒቪያ’ውን ተልእኮኡ ካብዚ ወጻኢ ከምዘይነበረ ተዓዚብናዮ ኢና።

ናይቲ ፈስቲቫል ተሳተፍቲ መግለጺ ብዝሖንም ዋሕዶምን ኣይኮነን። እቶም ዝተሳተፉ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዘለዎም ግንዛበን ኣተሓሳስባን እዩ እቲ ቀንዲ ጉዳይ። እዞም ተሳተፍቲ፡ ናይ ህግደፍ ጭቆናን ዘመናዊ መግዛእትን ዝረዓሙን ሓመቶም ዝፈሰሰን እዮም። ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሕልዋን ብዲሞክራስያዊ ስርዓታት ኣብ ዝምረሓን ሃገራት ዝነብሩ፡ በቲ ብጉዳይ ህዝቢ  ዝግደስ ምምሕዳራት ዝተጠቕሙ ክነሶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን  መሰላት ተጠቃሚ ከይከውን ዝጨከኑ እዮም። እዞም ወገናት “ዓድና ብበላዒ ሰብ እያ ትመሓደር ዘላ እሞ፡ ናብኣ እንተተመሊስና ዝጽበየና መቑሕን ሞትን እዩ ኣድሕኑና” ብዝቓንኡ ተማሕጺኖም፡ ምሕጽንታኦም፡  ተቐባልነት ረኺቡ ርህይዎም ከብቅዑ፡ ህዝቦም ኣብ ባርነት ክነብር ዝተሰማምዑ ጠላማትን ጸረ ለውጥን እዮም።  ህዝቦም፡ ካብ ስእነት መሰረታዊ ህይወት ዘድሕን ሕክምና ጀሚርካ፡ ብኹሉ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን እናተቐጽዐ፡ በቲ ህግደፍ ኣበሳኡ ንምሕባእ “ኣብዚ እዋንዚ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ቅስንቲ ሃገር የለን” እናበለ፡ ዘሽካዕልሎ ዘሎ ዝተሰልቡ እዮም። ብሓጺሩ ካብቲ ናይ ኩሉ ዓወትን ህልውናን መሰረት ዝኾነን ዘይሓልፍን ህዝቢ፡ ነቲ ናይ ኩሉ ሕሰምን መከራን ጠንቂ ዝኾነ፡ ሓላፊ ህግደፍ ዝመረጹ ደሓር ጣዕሳኡ ዘይወጸሎም ሳዕሳዕቲ ኤርትራዊ ወገናት እዮም።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን ሕቶ ዲሞክራስን፡ ናይ ኩሎም ህዝብታት እምበር፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ጥራይ ኣይኮነን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራሲ እውን በይኑ ተነጺሉ ጸንበለል ዝብል ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ዝግበር ዓለምለኻዊ ቃልሲ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ሕብረተሰብ ዓለም ክንድቲ ንጽበዮኳ እንተዘይኮነ፡ ንኤርትራዊ ቃልስና ደሃይ ዝገብረሉ። ኣብዚ ክካየድ ዝቐነየ ናይ “ስካንድንቪያን” ዝተባህለ ፈስቲቫል ህግደፍ ስቶክሆለም፡ ኣብ ሃገረን ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ዝጠለመ ዳንኬራ ክካየድ ዘይፈቐዳ ሽወደናዊት ኣሳ ኒልሶን ካብ ምስራዝ ክራይ መእከቢ ኣድራሽ ጀሚረን፡ ክሳብቲ ምስ ተለቪዥ ኤሪሳት፡  ዝገበረኦ ቃለመጠይቕ ኣብ ጐኒ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ኮይነን፡ ኣብነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንህግደፍ ዘቃለዐኦ።

ገለ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ይቃለሱ ካብ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት፡ ነዚ ተሳተፍቱ ሃይማኖቶም ድዩ፡ ቋንቋኦም ወይ ካልእ መንነቶም ብዘየገድስ፡ ንወጽዓን ዘመናዊ መግዛእትን ህግደፍ ዝረዓሙ ኤርትራውያን ዝሳዕስዕሉ ፈስቲቫል፡ ከም ናይ ሰዓብቲ ሓደ ሃይማኖት ወይ ነበርቲ ውሱን ከባቢ ኤርትራ፡ ኣምሲሎም ክገልጽዎ ክፍትኑ ተዓዚብና። እቲ መልክዕ ብደጊኡ ከምኡ መሲሉ ይኸውን። እቲ’ቲ ከርሰ ኣተሓሳስባኡ ግና፡ ሓደን ክልተን ዘይብሉ ንህግደፍን ናይ ወጽዓ ኣገባባቱን ምድጋፍ ጥራይ ዘራኸቦም ምዃኖም ምግንዛብ ኣድላዪ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ኣንጻር ህግደፍ ጸኒሖም፡ ካብ ግዝያዊ ግጉይ ግንዛበን ህልኽን ተበጊሶም ከም መፍትሒ ካልእ ጸቢብ ምትእኽኻብ “ናይ ደቂ ውሱን ከባቢ ፈስቲቫል” ምግባር ዝብል ሓሳብ ክሳብ ምስንዛር ዝበጽሑ ኣለዉ። ህግደፍ  ንከምዚ ኣተሓሳስባኦም ክሰምዕ እንከሎ ብክቱር ታሕጓስ  ብኹርምቱ ከም ዝስሕቕ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንምክፍፋል ከም መሳርሒ ስለ ዝጥቀመሉ።  ስለዚ እቶም ህዝብና ንክርህዎ፡ ህግደፍ ንምውጋድ እንቃለስ ዘለና ክንክተሎ ዝግበና ኣገባብ፡ እቲ ናይ ህግደፍ ከፋፋሊ ሜላ ዘይኮነ፡ ናትና ኣብ ሓድነት መሬትናን ህዝብናን ኣጽኒዑ ዘትከለ ፖለቲካዊ መንገዲ እዩ። “ንህግደፍ፡ ብናትና ኣገባብ ኢና እንገጥሞ”  ዘብለና ከኣ እዚ እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ግቡእ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዘይነጸረን ኣብ ፈስቲቫል ስካንድኒቪያ መሸፈጢ ዝነበረን ሓደ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ንኤርትራን ህዝባን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ፈላሊኻ ዘይምርኣይን ከከምክብደቶም ዝምጥን ሚዛን ዘይምሃብን እዩ። እቲ ሓቂ ኤርትራን ህዝባን ዝነበሩ ዘለዉን ጽባሕ ዝህልዉን ቀጸልቲ እዮም። ምምሕዳር ህግደፍ ግና ትማሊ ዘይነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ዘይህሉ ብ”ሓላፍ መንገዲ” ዝምሰል እዩ። ሃገረ-ኤርትራ ካብ 1890 ጀሚራ ቅድሚ ህግደፍ፡ ገዛእቲ ክበራረዩላ ዝጸንሐት እያ። ጽባሕ ድሕሪ ህግደፍ ድማ ክትህሉ እያ። ህግደፍ ግና ከምቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ጽባሕ ኣይክህሉን እዩ። ሃለዋቱ ከብቅዕ እንከሎ ንኤርትራ ኮነ ንህዝባ ተማሊእዎም ናይ ምኻድ ዓቕሚ ኮነ ስልጣን የብሉን። ስለዚ እቶም ምህላውን ዘይምህላውን ኤርትራን ህዝባን ብምህላውን ዘይምህላውን ህግደፍ ዝውሰን ዝመስለኩም፡ ካብዚ ብጉልባብ ህልውና ሃገር፡  ኣንጻር መሰረታዊ መሰልን ረብሓን  ህዝብኹም ተዳኽሩ ዘለኹም ሕሰቡ። እቶም ንደገፍ እቲ ጉጅለ፡ ንህልውና ኤርትራ ክብሉ ዝወሰድዎ ምርጫ ኣምሲሎም ዝቕርቡ ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዘለዉ ይረድኡ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ንህግደፍ ምድጋፍን ዕድሚኡ ክነውሕ ምጽላይን ጸገም፡ ወጽዓ፡ መግዛእትን ሕሰምን ኤርትራን ህዝባን ምግዳድ ምዃኑ ይዘክሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ውድድር ዝነብር ብምዃኑ፡ ዝድግፎን ዝቃወሞን ኣተሓሳስባ ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ። ንመን ይድግፍ? ንመንከ ይቃወም? ክውስን እንከሎ ግና መምዘኒኡ፡ ቀጻሊ ልኡላውነቱ፡ ረብሓኡ፡ ሰላሙን ህልውናኡን እምበር፡ ህግደፍ ዘዝጻሕተሮ ህልኽን ጽልእን ክኸውን ኣይግበኦን። ብኻልእ ኣገላልጻ ህዝብና ፈታዊኡ ኮነ ጸላኢኡ ህግደፍ ክመርጸሉ ከፍቅድ ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ብመሰረቱ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራን  ህግደፍን ዝተፈላለየ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተጻራሪ’ውን ስለ ዝኾነ። ንኣብነት  ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን መዕቀኒኡ ብህግደፍ እንታይ እዩ? ከመይከ ክኸውን ይግበኦ? ንምምላስ ጥንቁቕ ምስትውዓል ዘድልዮ መድረኻዊ ዛዕባ እዩ። ፈስቲቫል ስቶክሆልም ብመንጽርዚ ክንርእዮ እንከለና፡ ካብ ቀንዲ ዕማማቱ ደድሕሪ ሳጹን ህግደፍ ምህጣር ጽልእን ቅርሕንትን ምብላሕ ምንባሩ ዝተሰወረ ኣይነበረን። ስለዚ ህግደፍ ዘዝሓሰቦ፡ መጥፍኢ ድዩ መልምዒ ከይተረዳእካ ምዝላልን ከም ብዕራይ እምባሕ ምባልን ዘይኮነ፡ “ንህግደፍ፡ ብናትና ኣገባብ ኢና እገጥሞ ” ክንብል ኣብ እንግደደሉ እዋን ኢና ዘለና።

Last modified on Thursday, 04 August 2022 08:21