ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣይንኹን

2022-06-13 19:21:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1194 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ወሳኒ ናይ ለውጢ ቃልሲ ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ከም ኣብ ኩሉ ቃልሲ ንድግፎን ከነሕይሎ እንደልዮን ኣጀንዳታት ኣለና። ብኣንጻሩ ብቃልስና እነወግዶን ስርዓት ኣብ ቅድሜና ኣሎ። እቲ ክስስነልና እንደልዮ ድማ፡ ብተሳትፎ ህዝብና ሓያል ናይ ለውጢ ዓቕሚ ምፍጣር እዩ። እቲ ንቃወሞን ከነወግዶ ንቃለሶ ዘለናን ከኣ ህግደፍን ኩሉ ናይ ጭቆና መሓውሩን ትካላቱን እዩ።

ናብቲ ንጉጅለ ህግደፍ ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ኣተሓሳስባኡን መሳለጥያታቱን ኣወጊድካ ኣብ መቓብሩ ዲሞክራስያዊ ስርዓት  ምትካል ዘኽእል ዓብይ ጉዳይ ንምብጻሕ ብዙሓት ናይ ኣተገባብራ ኣጀንዳታት ኣለዉ። ኩሎም እዞም ኣጀንዳታት ነቲ ዓብይ ጉዳይ ዝምግቡን ዘሐይሉን እምበር ካብኡ ተነጺሎም በበይኖም ዝመሓደሩ ኣይኮኑን። ኩሎም እቶም ኣጀንዳታት ክቃነዩ እንከለዉ፡ ብወገን ሓይልታት ለውጢ፡  ህግደፍ ተወጊዱ ኣብ ክንድኡ፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ዲሞክራስያውን ህዝባውን ምምሕዳር ናብ ምትካል ብዘብጽሑ እዮም ዝትለሙ። ብኣንጻሩ ህግደፍ ነቲ ኣጀንዳታት መሰረታዊ መሰላት ህዝብና እናገሃሰ፡ ሕድሪ ሰማእታት እናጠለመን ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ እናውደቐን ኣብ ስልጣን ከም ዘቐጽሎ ገይሩ እዩ ዝስእሎ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ተገሪህና ወይ ንኤርትራን ህዝባን ንሕግዝ ዘለና መሲልሉና ግዳይ ናይቲ ናይ ህዝቢ ዝመስል ግና ከኣ ዘይኮነ፤ ኣጀንዳኡ ከይንኸውን ከነስተብህል ይግበኣና። ጉጅለ ህግደፍ  ጥራይ ኣይኮነን፡ ካለኦት ንሃገርና ዓይኖም ዘውድቑላ ኣካላት እውን ደሓር ተመሊሱ ብዘጣዕሰና፡ መራጐዲ ኣጀንዳኦም ከይገብሩና ብጥንቃቐ ነመዛዝን ።

ሓደ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንምድጋፍ ይኹን ንምቅዋም ብስምዒትን ኣርሒቕካ ብዘይምጥማትን ዘይኮነ፡  ዝተጸንዐ፡ ረብሓ ህዝብናን ልኡላዊ ክብርናን ኣብ ግምት ዘእተወ መዕቀንን መማእዘኒ ደረትን ክህልወና ይግበኦ። እዚ መዕቀኒ ሰልፋዊ ድዩ ውድባዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ቻርተር ወይ ፖሊሲ ክኸውን ይኽእል። ካብቶም ከምዚ ዓይነት ጥንቃቐ ዘድልዮም ኣጀንዳታት ሓደ፡ ምስ  ክንሰግሮም ዘይግበኣና ናይ ርሑቕን ቀረባን ዘይኤርትራዊ ወገናት እንገብሮ ዝምድና ዝምልከት እዩ። ብፍላይዚ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ቅልጡፍ ለውጥታት ዝረኣየሉ  ተሃዋሲ መድረኽን ተባራዒ ዞባን፡ ምጥንቃቕ ዝያዳ ኣገዳሲ ይኸውን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንዝምድና ከም ሓደ ኣገዳሲ ኩርናዕ ስለ ዝወስዶን ብጥንቃቐ ስለ  ዝሕዞን ኣብ ፖሊሲኡ ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና  ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር ኣብ  ውሽጣዊ ጉዳያት  ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ  ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።  ይብል። ምስ ዝኾነ ወገን ንዝግበር ዝምድና እንተላይ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝምልከት እውን ከከም ቅርበቱን ርሕቀቱን ብመንጽርዚ እዩ   ዝሕዞ

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡  ኣብ ትግራይ ከኣ ብፍላይ፣ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ደረጃ ስለ ዘሎ፡ ዝያዳ ከነቕልበሉ ዝግበኣና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ርእሲቲ ናይ ቀረባ ጐረቤትና ተርእዮ ምዃኑ፡ ብታሪኻውን ወድዓውን ምኽንያታት ኣብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳና ሓያል ጽልዋ ስለ ዘለዎ እዩ። ብርኢቶና ጉዳይ ትግራይ ብዓብይኡ ኣጀንዳ ተጋሩ እዩ። ህግደፍ  ከም ናቱ ኣጀንዳ ገይሩ ወሲድዎ ከም ዘሎ  እውን ይረአ ኣሎ። እዚ ከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝገብሮ ጭቆናን ግፍዕታትን ብምዃኑ፥ ነዚ ንምዕጻፍ ንሕና ውን ኣብቲ ቁርቁስ ምእታውና ዘይተርፍ ኢዪ።  ኣብቲ ኣተሓሕዛኡ  ግና ብመሰረቱ ናትናን ናይ ህግደፍ ተጻራሪ እዩ። ናትና ከምቲ ኣቐዲሙ ፖሊሲና ብምጥቃስ  ዝተገልጸ፡ ጥንቁቕን ጣልቃ ኣእታውነት ኣትሪሩ ዝቃወምን እዩ። እዚ ማለት ግና ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ዘርብሕ፡ ብናይ ክልቴና ቅርቡነት ዝመሓደርን ትካላዊ መስመሩ ዘይስሓተን ምትሕግጋዝ ኣይህሉን ማለት ኣይኮነን። ናይ ህግደፍ ኣጠማምታ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ግና ብኣንጻሩ ኣብ ኢድ ኣእታውነትን ዓመጽን እዩ ዝምስረት። ስለዚ ሓደገኛ ኣካይዳኡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግዳይቲ ዘይሓላፍነታዊ ኣጀንዳ ህግደፍ ከይንኸውን ምጥንቃቕ ናይ ግድን እዩ። ምጥንቃቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተግባሩ ንዝምድናታት ህዝብና ምስ ጐረባብቱ ስለ ዝጐድእ ብቐጻሊ ብትሪ ክንቃወሞ ዝግበኣና እዩ።

ህግደፍ እዚ ሎሚ ካብ ምቁጽጻሩ ወጻኢ ኮይኑ፡ ተገልቢጡ  ኣብ ወጥሪ ኣእትይዎ ዘሎ ሃላልን፡ መሻረውን  ኣጀንዳኡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዞባና እውን ከስርጾ ፈቲኑ እዩ። እንተኾነ ናይ ዞባና ሃገራት ንከምዚ ዓይነት ኣጀንዳ ብመንጽር ረብሓአን ዝዕቅናሉ ማእዝናት ስለ ዘለወን፡ ሃንደፍ ኢለን ምሉእ ብምሉእ ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣይኮናን። ቅድም ጅቡቲ፡ ደሓር ከኣ ሶማሊያ ክንድቲ ህግደፍ ዝተጸበዮ ዋጋ ከይከፈላ፡ ነብሰን ኣግሊለን። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ድሕሪ ብሰንኪ ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ምዃኑ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ዘስዓበሉ ዋጋ ውግእ ምስ ከፈለ፡ ከምቲ “ክሳብ ትኣምን ኪድ፡ ካብዘይትኣምን ተመለስ” ዝበሃል፡ ድሕሪ ሕጂ ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ክኸውን ቅሩብ ከምዘይኮነ ምልክታት ዘርኢ ዘሎ ይመልስ። እንተኾነ ከምቲ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይሲ የዳዲ” ዝበሃል፡ ሻራነት ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ምፍዋሱ ዘጸግም በሰላ ኣሕዲሩ እዩ።

ሓደ ካብ ባህርያት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ መድረኽ፡ ንሱ “ዝጸልኦ ዝጸልኣሉ፡ ንዝደገፎ ድማ ዝድግፈሉ” ግሩህ ሓይሊ ምፍጣር እዩ። በዚ መደናገሪ ሜላዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት መልክዓቱ እንዳቐያየረ ንገለ ካብ ህዝብና ግዳይ ክገብሮ ከም ዝጸንሐ ዝፍሉጥ እዩ። እዚ ሓደገኛ መንገዱ ሎሚ’ውን እንተዘይኣግዲድዎ ኣየቋረጾን። ኣብዚ የዕውቱኒ ኢሉ ካብ ዝምህዞ ሜላታት ተሓላቕን ሓላይን ኤርትራን ህዝባን ተመሲልካ ምቕራብ እዩ። በዚ ኣቢሉ ዘረጋግጾ ድማ “ንዕኡ ምድጋፍ ንኤርትራ ከም ምድጋፍ፡ ንዕኡ ምጽራር ድማ ንኤርትራ ከም ምጽራር” ናይ ዝመስሎም ግሩሃት ቀልቢ ምስሓብ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እውን ናይቶም ዝተጸንዐ መምዘኒ ዘየብሎም፡ ህግደፍ ኣንጻር ትግራይ ሴፍ ስለ ዝመለሐ ንሳቶም እውን ንኤርትራ ዝሕግዙ ዘለዉ እናመሰሎም፡ ልሳን ዝኾንዎ ኣካላት ምህላዎም ንዕዘብ ኣለና።

ኣብዚ እዋንዚ ከምቲ ስዉእ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ኤርትራውያን እቲ ቀንዲ ግርጭት “ኣብ መንጎ፡ ሃይማኖታት፡ ብሄራት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ኣውራጃታትን ጐረባብቲ ሃገራትን ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን እቲ ዝጠለሞን ዝጭቁኖ ዘሎን ስርዓት ህግደፍ እዩ”  ዝበሎ፡ ዝዓበየ ኣጀንዳና ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ክነሱ፡ ጉዳይ ትግራይ ኣሳቢብካ፡ ብዝምድናዊ ኣመዛዝና ትሕቲ ሃገራዊ ጉዳያት ንቕድሚት ኣምጺእካ ምፍልላይ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ምዃን እዩ እሞ፡ ከሎ ጌና “ጉዳይና ብኣጀንዳና ነመሓድር” ፡ እዩ መልእኽትና።

Last modified on Monday, 13 June 2022 21:40