ዝተዓጽወ ፋይል ምግንጻል፡ ዘይዕወት ሃቐነ

2022-05-28 22:00:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1258 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ፡ ብስፍሓታ ብደረጃ ኣፍሪቃ ካብ 54 ሃገራት  መበል 37፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ካብ 234 ሃገራት ኣብ መበል  101 እትስራዕ እያ። ኤርትራ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ዶባትን ዝሓዘት መንግስቲ ኢጣልያ ከም ኣካል  ወራር ኤውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ብ1 ጥሪ 1890 “ግዝኣተይ” ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁን ስምምዓት ምኽታሙን  እዩ። ድሕሪ ምድምዳም 2ይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጻ ክወጻ እንከለዋ ዶባተን ምውሳን ዓብይ ጉዳይ ስለ ዝነበረ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ኣኼባኡ ነቲ ኩነታት መዚኑ፡ ምስ ኩሉ ጸገማቱ እቲ መግዛእታዊ ዶባት ጸኒዑ ንክቕጽል ኣጽዲቕዎ እዩ። ዶብ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ እውን ኣካል እዚ ውሳነ እዩ። እዚ ውሳነ ናይ ኤርትራ ሃገራውነት ዝተመዝገቦ ፋይል ኣብቲ እዋኑ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ዝዓጸወ ተረኽቦ እዩ።

እንተኾነ መግዛእታዊ ሓይልታት ኢትዮጵያን ተሓጋገዝቶም ተረባሕትን፡ ንታሪኽን ሓቅን ጠማዚዞም ነዚ ዝተዓጽወ ፋይል ከፊቶም ንኤርትራ ካብ ሃገርነታ ኣውሪዶም ዓምጺጾም ናብ ኢትዮጵያ ከእትውዋ ፈቲኖም። ንህዝቢ ኤርትራ ነዚ ውዲቶም ተቐቢሉ ንክርዕሞ ብብዙሕ መተዓሻሸዊ መብጸዓታት ፈቲነሞ። ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ምቑራን ድማ ሓደ ካብቲ ፈተነታት ነይሩ። እንተኾነ ህዝብና  ነቲ ካብ ኤርትራዊ ሃገርነቱ ዘውርድ ውሳነ ኣይተቐበሎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ንምውሓሳ ቃልሲ መሪጹ። እዚ ቃልሱ ከኣ ብዙሕ ውረድ ደይብ ሰጊሩን ክቡር ዋጋ ከፊሉን ተዓዊቱ ኤርትራ ብ1991 ናጻ ሃገር ኮይና። እዚ ተረኽቦዚ ነቲ ካብ ቀደሙ እውን “ሃገርነት ኤርትራ” መዝጊቡ  ተዓጽዩ ብኽብሪ ዝተዓቀበ ፋይል ዝያዳ ዓጽይዎ። እቲ 1,062,410 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ካብኣቶም 99.83% “እወ ንናጽነት” ዘድመጽሉ ረፈረንደም ድማ ነቲ ፋይል ዳግማይ ከምዘይግንጸል ኣትሪሩ ከቲምሉ።

ድሕሪዚ ነቲ ዝተዓጽወ ፋይል ገንጺልካ፡ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ክትቅይር ምህቃን ስለ ዘይዕወት፡ ንሃቀንቱ ካብ ምድካም ሓሊፉ ዘምጸኦ ለውጢ የብሉን። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ናይ ገለ ኣካላት ዘይርትዓዊ ሃቐነታት ክሳብ ሎሚ’ውን ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ሃቐነታት ካበይን ስለምንታይን ይመጽእ ኣሎ ርዱእ እዩ። ታምራት ነገራ ዝተባህለ ጋዜጠኛ “ኤርትራ ኣብ ውግእ ምስ ትግራይ ምስ ደኸመትልና ስንና እናመወጽና ኢና ናብ ኣስመራ ንጐዓዝ” ዝበሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ሓደ እዋን “ምስ ኤርትራ ክንድመር እንከለና ዓሰብ ንካፈል” ካልእ ግዜ ድማ “ትግራይ ንሓጺር ግዜ እያ ተዓጽያ፡ ኢትዮጵያ ግና 30 ዓመታት እያ ተዓጽያ ስለዚ ድሕሪ ሕጂ ክመውት ዝደሊ ንኣፍደገ ባሕሪ እዩ ክመውት ዝግበኦ” ዝበሎ፡ ደደቢት ናይ ዝተባህለት መዲያ ኣካየድቲ “ቀይሕ ባሕሪ ብታሪኽ ናይ ትግራይ እዩ” ኢሎም ዝመጐትዎ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዘንጸባረቖ ናይ “ንስምምዕ ኣልጀርስ ዳግመ-ርኢቶ ክንገብረሉ ኢና” ዝብል ዝንባለ፡  ደሚርካ ክምዘን እንከሎ፡ እቲ ዝተዓጸወ ፋይል ናይ ምግንጻል ሃቐነ ካብ ገለ ኢትዮጵያውያን ዝመጽእ ዘሎ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምስዚ ግና ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይዕጸፍ ቃል ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ወገናት የለዉን ማለት ግን ኣይኮነን። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኽንያት መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ሃገርና ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ዮሃና “…..ህዝቢ፡ ሰራዊትን መንግስትን ትግራይ፡ ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ህዝባዊ መስመሮም ንጻት ዘይሸራረፍን ቅዋሞም ደጊሞም የረጋግጹ……” ብዝብል ዘስፈሮ ኣብ ሓቂ ዘትከለ ርትዓዊ መርገጽ እዩ። 

ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ፡ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል  ከይኮነና፡ እቲ ድሌት ኣብቶም ዓው ኢሎም ዝዛረቡ ዘለዉ ዝነበረኳ እንተኾነ፡ ዝተዓጽወ ፋይል ንምግንጻል ዘተባብዕዎም ዘለዉ ካብ መራሒ ህግደፍ ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ኣካላት ከምቲ “ኣድግስ ሃሊላ በላዒኣ ትጽውዕ” ዝበሃል ዘርእይዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ዝፍሑቕ ዝንባለታት ከም ዘጋደዶ ዝከሓድ ኣይኮነን። ህልዊ ዕርክነት ህግደፍን ፋኖ ኣምሓራን ናይዚ ምልክት እዩ።

እዚ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ስምዒት ንክኽሰት ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ምዃኑ ክንጸባረቕ ጸኒሑ እዩ። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ዘይኮነ ብደረጃ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘየብለን ይፍለጥ። ካብዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት እተን 16 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ እየን። ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዓለም ዝሰፍሐት ቀዳመይቲ  ካዛኪስታን ክትከውን እንከላ ዝበዘሐ ህዝቢ ዘለዋ ከኣ ኢትዮጵያ እያ። ዝበዝሐ ህዝቢ ምውናን ግና ሕጊ ኮይኑስ ናይ ካልእ ኣፍደገ ባሕሪ ክውንን ዘኽእል ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ካብ መዋስንታ፡ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነት፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ጅቡትን ሶማሊያን እውን ኣፍደገ ባሕሪ ኣለወን።

እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ደኣ “ስለምንታይ እቲ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ይግበኣኒ ዝንባለ ናብ ኤርትራ ይዓዝዝ?” ዘዛርብ እዩ። ሓቂ እዩ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘቀራርበን ታሪኽ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ታሪኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ወይ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክጽንብር ዝኽእል ሕጋዊ ሓይልን ትርጉምን የብሉን። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብባህሊ፡ ቋንቋ፡ ዓሌትን እምነትን ዝተኣሳሰሩ ጐረባብቲ ህዝብታት ኣለዉ። ኣብ ማሕበራዊ፡ ንግዳውን መውስቦን እውን ርክባት ኣለዎም። እንተኾነ እዚ ኩሉ ተመሳሳልነቶም ተደማሚሩ፡ ካብ ጥቡቕ ጉርብትናዊ ምቅርራብ ሓሊፉ፡ ዓለም ለኻዊ ዶባት ኣፍሪሱ ዜጋታት ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ዘብሎም ኣይኮነን። እዚ ናይ ህዝብታት ምምስሳል ኤርትራ ምስ ሱዳንን ጅቡትን እውን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ኣለዋ።

ጉዳይ ቁጠባዊ ተጠቃምነት እንተኮይኑ፡ ዘለናዮ ዘመን ምስ ጐረቤትካ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ርሑቕ እውን ክትዛመድ ዘገድድ እዩ። ኤርትራ ከም ምስተን ካለኦት ጐረባብታ፡ ምስ ኢትዮጵያ ትካላዊ ደረጃ ብዘውሓሰ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሰረተ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ንግዳውን መዳያት ዝምድና ክትገብር ምርጫኣ ዘይኮነ ግደታኣ እዩ። ጉዳይ ተጠቃምነት ወደባትን ባሕርን እውን ካብዚ ወጻኢ ዝርአ ኣይኮነን። ኤርትራ ንወደባታ ክጥቀማሉ ካብ ዝኽእላ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነት እሞ እቲ ጠቕሚ ናይ ሓባር ስለ ዝኾነ ክትጉስጉሰሉ እውን ዝግበኣ እዩ። ኮታ እቲ ዝምድና ናይ ኣቕራባይ ዓዳጋይን እዩ። ስለዚ ተጠቃሚ ወደብ ዝልምነሉ ኤርትራ ከኣ ትልመነሉ ጌርካ ምርኣዩ ግጉይ እዩ። እዚ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ጥዕናኡ ዝሓለወ  ንክኸውን ድማ ፡ ዝተዓጽወ ፋይል ምግንጻል፡ ዘይዕወት ሃቐነ” ዕንቅፋትዩ’ሞ ይተኣለ።

Last modified on Sunday, 29 May 2022 00:04