ውግእ ዕንወትን ህልቂትን ዘስዕብ ናይ ጥፋኣት ምርጫ ስለዝኾነ፡ ተገዲድካ ዝእቶ እምበር፡ ዝምረጽ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ንውግእ ከም ከም መናውሒ ዕድመ ስልጣኖም ዝጥቀሉ መለኽቲ ምህላዎም ዝከሓድ ኣይኮነን። ድሕሪ’ቲ ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ  ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ፡ ኤርትራውያን ዝሳተፍሉ ጐንጺ ዓሪፉ ጸኒሑ። እቲ ውግእን ወረ ውግእን ግና፡ ኣብዚ ቀረባና  ሱዳን፡ ርሕቕ ኢሉ ከኣ ካብ ሩሲያ ክሳብ  ዩኩረይን፡ ካብ እስራኤል ክሳብ ፍልስጥኤምን ሊባኖስን ኢራንን የመንን ደሓር ድማ ክሳብ ሲርያ ዝወናጨፍ ኮይኑ’ሎ። እቲ ወረ ውግእ ካብዚ ህውከት ዘይፍለዮ ዞባና  ዘይምውጽኡ ከኣ ዘሻቕል እዩ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝጸንሐ ናይ ሕድሕድ ናይ “መጻእናኩም” ፈኸራታት፡ ናብ ዘተኣማምን’ኳ  እንተዘይበጸሐ፡ ናይ ህድኣት ምልክታት ምርኣዩ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ’ሎ።  

ከምኡ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ትጽቢት’ኳ እንተዘይነበረ፡ ዝምድና ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድን “ካብ ዓሰብ ክሳብ ኡሞሓጀር ፈቓድ ብዘይምጽባይ ክዘዋወሩ ይተዓዳደሙ”  ከምዘይነበሩ፡  ናብዚ ንዕዘቦ ዘለና  ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ ምክሳስን ፈኸራን ምብጽሑ፡ እቲ ገለ ወገናት ነዚ ዞባና “ህውከት ዘይፍለዮ ዘይህዱእ” ዝብልዎ ይግሃድ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ክልቲኦም መራሕቲ   ብልኡኻቶም ኣቢሎም ብኢድ ኣዙራዊ “ክንርእአ ኢና” ምብህሃል ካብ ዝጅምሩ ኣዋርሕ ኣሊፉ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ቀጥታዊ ፕርፖጋንዳዊ ዳርባታት ኣትዮምስ፡ ኣብ መንግስታዊ መደብ ተለቪዥ ኢትዮጵያ ክሳብ “ቀይ ባሕረኛ” ዝብል ቀዋሚ ሰሙናዊ  መደብ ምስራዕ ተበጺሑ’ሎ። ኤርትራ’ውን ብቤት ጽሕፈት ዜንኣን ከም ኣወል ስዕድ ብዝኣመሰሉ ናይ መድያ ነጠፍቲ ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ንመራሕ  ኢትዮጵያ ዘይበለቶ ምንእኣስ የለን።

 ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ 30 ሕዳር  2024 ቃለ መጠይቕን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር  ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሓለፍቱን ኣብ ፓርላማን ተመሳሳሊ መድረኻትን ተደጋጋሚ ምኩምሳዕ “ምውናን ወደብ ዓሰብ”  እቲ ምትፍናን ይዓርግ ከም ዘሎ የርኢ። ብዙሓት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎም መዲያታትን “ፈላጣት ሕጊ ኢና በሃልቲ” ኢትዮጵያውያን ከኣ ነቲ መንግስታዊ ስስዐ ከዳምቑ ከም “ዓሰብ ናይ መንእያ” እትብል ብዶር ያቆብ ሃይለማርያም ዝተደርሰት መጽሓፍ ዝኣመሰሉ ዝንቡዓት ድርሰታት ክጠቕሱ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ተኹሲ ሓላፍን ፍሉይ ኣማኻሪ ኣዛዚ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ዝኾነ ሌተናል ጀነራል ኣለምሸት ደጊፈ ምስ ናይ ሰራዊት መድያ መድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ “ዋንነት ወደብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ናብ ዝነበሮ ክንመልሶ ኢና” ዝበሎ  ንኤርትራውያን ዘየቕስን ኮይኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎት ወደብን ናይ ገምገም ባሕሪ ክራይ መሬትን ዝረኽበሉ ስምምዕ’ ምስ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኣንካራ  ምስተፈራረመን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተራኸቡን ሕቶ ኢትዮጵያ ተመሊስሉ እዩ እሞ  ናብ ኤርትራ ምምዕዳዉ  የቋረጽ ይኸውን ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። እንተኾነ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣኡ ዝዕገስ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ነቲ ናብ  ምውናን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝመጣጠር ህርፋኑ ዝምልከት ካብ ምትኹታኽ ዓዲ ኣይወዓለን። ነዚ ንምርግጋጽ “እንተተኻኢሉ ብሰላም፡ ብኡ እንተዘይሰሊጡ ድማ ብዝኾነ ኣገባብ ዝትግብር’ዩ” ዝብል ሓሳብ’ውን ይንጸባረቕ ኣሎ። እዚ ነቲ ደበና ስግኣት መሊሱ ዘኽብዶ እዩ። “ሎሚ ንሕና እንተዘየዕዊትናዮ ደቅና ዝቕጽልዎ ክኸውን እዩ”  ዝብል ብሂል ክውስኾ እንከሎ ድማ፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ዋጢጥ ሱር ክሰድድ ይድልይዎ ከም ዘለዉ የመልክት።

እዚ ዝገማዳሕ ዘሎ ምጽልላም፡ ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከባቢና ከም ዝምዕብል ምልክታቱ ይረኣ ኣሎ። ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዝነበረ ኣሰላልፋ፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ መልክዑ ናይ ምቕይር ኣንፊት ሒዙ ምንባሩ  ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ሎሚ ከኣ ካልእ መልክዕ ናብ ምሓዝ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ቅድሚ ውዕል ፕሪቶርያ ብሓባር ዝነበሩ ወገናት ተፈንጢሖም ሓድሽ መዛምድቲ ንምርካብ  የመዓድዉ ኣለወ። ኣብ ትግራይ ዝሕቆን ዘሎ ፖለቲካዊ ምፍንጫል ከኣ፡ ነናትካ ኣሰላልፋ ናብ ምንዳይ ገጹ ይምዕብል  ከም ዘሎ  ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ። “ምስ ህግደፍን ፋኖንዶ ወይ ምስ ብልጽግና ምዝማድ?” ዝብሉ ሓሳባት ከኣ ዝተፋነኑ ዘለዉ ምርጫታት እዮም።  ገለ ተጋሩ ፖለቲከኛታትን መዲያታትን ብግህዶ ምስቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ትማሊ ንህዝቢ ትግራይ ደም ዘንበዐ፡  ጉጅለ ምስላፍ’ዩ ዝሕሸና” ዝቓንኡ ጐስጓስ ከቃልሑ ክስምዑ ከለዉ፡ ብኣንጻሩ “ብስምምዕ ፕሪቶርያ ተቐይድና ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ምስላፍ’ዩ ዝሕሸና” ዝብሉ እውን ኣለዉ። እዚ እቲ ሓድሽ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ እንታይ መልክዕ ሒዙ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር ኣንፈት እዩ። ኣብ ሱዳን እውን  ካብቶም ጀነራላት ነናትካ  ጸግዒ ወሲድካ ምስላፍ ይረአ’ሎ።  

ተጋሩ ክግንዘብዎ ዝግበኦም ሓቂ፡ እቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ እሞ “ምሳኻ ኢና” ክብልዎ ዝደልዩ ዘለዉ ጉጅለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ’ኳ ዝገበረሉ ጽቡቕ የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሕሰሙ፡ ጭቆናኡን ድኽነቱን ጠንቂ ምዃኑ ከስተውዕሉ ይግበኦም። ሓይልታት ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ፡ ግዳይ ናይቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ዝፈሰሰ ጭካነን ዓመጽን ህግደፍ ክኾኑ ከም ዝጸንሑ ባዕላቶም ዝፈልጥዎ እዩ። ስለዚ “ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ጉጅለ”፡ ራህዋን መዋጸኦን ክረኽቡ ዝጽበዩ እንተኾይኖም፡ ኣብ ግጉይ ምርጫን ኣሰላልፋን ከም ዘለዉ ይረድኡ። ካለኦት ምስ ዓመጸኛ ጉጅለ ህግደፍ ክስለፉ ዝሓስቡ እንተልዮም’ውን መኻይዶም ከምዘይከውን ከሎ ጋና ክግንዘቡ ይግበኦም ንብል። ሎሚ ንህዝብታት ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን ኮነ ክልል ትግራይ ዘዋጸኦም፡ ኣብ ውግእ ምሳኻ ዝስለፍ ዓቕሚ ምድላይ ዘይኮነ፡ ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ተረዲኡ፡ ኣብ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዝኣምን ክኸውን ይግበኦ።

ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ፡ በዚ ሃገርና ኣብ እትርከቦ ዞባ ኣትዩ ዘሎ ሕምስምስ፡ ዘኸትሎ ሳዕቤን ዝጉዳእ  ህዝቢ ምዃኑ ዝርድእዎ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ዕላምኡ  ኣገልግሎት ወደብ ምርካብ እንተኾይኑ፡ ነዚ ዝምልከት ሕጋውን ዓለም ለኻውን ኣሰራርሓ ስለ ዘሎ፡ ንዓኡ ክኽተል ከም ወትሩ ኣትሪርና ንመኽሮ። ካብኡ ሓሊፉ፡  ናይ ታሪኽ መወከሲ ንክኽውን ተዓጽዩ ዝተዓቀበ ፋይላት ብምግንጻል፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ወደባት ኤርትራ ብሓይሊ ንምምንዛዕ ምሕላን፡ ሳዕቤኑ ዳግማይ ጥፍኣትን ዕንወትን ይረዳእ ንብል።

Sunday, 26 January 2025 10:10

Dimtsi Harnnet Sweden 25.01.2025

Written by

“ውድብ ወይ ምውዳብ” ዝብሉ ቃላት ንነዊሕ ግዜ ሓቢሮሙናን ሓቢርናዮምን ስለ ዝጸናሕናን፡ ንመጻኢ’ውን ሓቢርና ስለ እንህሉን ናብ ትርጉሞምን ኣድላይነቶምን ምድሃብ ብዙሕ ዘድሊ ኣይመስለናን። ቀንዲ መንቀሊና ስለ ዝኾኑ ግና ቁሩብ ሃሰስ ኢልካዮም ምሕላፍ ጽቡቕ እዩ። ምውዳብ ድሌቱን ዕላማኡን ናይ ሓባር ክነሱ፡ በበይኑ ዝጸንሐ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ምእንቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ስራሕ ከድምዕ ብሓባር ምውዳዱ ወይ ምቅርራቡ ማለት እዩ። እዚ ምውዳድ ወይ ምቅርራብ ኣብ ፖለቲካዊ ዕላማ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ካልእ ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ዕማም ንምፍጻም እውን እንጥቀመሉ መተካእታ ዘየብሉ መሳርሒ እዩ። ናይ ሕጂ ኣድህቦና ግና ናብ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘቋምት ክኸውን እዩ።

እዚ ውድብ ወይ ውዳበ ናይ ሓባር ዕማምን ባህግን እንዳሃለዎ ዝተበተነ ዓቕሚ ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ንከድምዕ ምቅርራቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ምቅርራብ ቃል ኪዳን ኣድማዕን ቀጻልን ምእንቲ ክኸውን ዝምረሓሉ መትከላት፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ዝቕየደሉ ሕግታትን ዝመርሖ ኣካልን ዘድልዮ ፍቱን ናይ ለውጥን ቃልስን መሳርሒ እዩ። እዚኦም ዝተጠቕሱ ረቛሕታት ኣብ ዘይተማልእሉ ግዜ ግና፡ እቲ ምቅርራብ ቀጥዕን ቀጻልነትን ዘየብሉ ሓንሳብ ተራእዩ ዝቅህም ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ጥራይ ኮይኑ ዝተርፈሉ ዕድል ኣለዎ። ርግጽ እዩ ውድብ ስለ ዝሰራሕካ ጥራይ ኣይትዕወትን ኢኻ። መሳርሒ ወኒንካ ብግቡእ እንተዘይሰራሕካሉ ኣብ ፍረ ከም ዘይብጻሕ ርዱእ‘ዩ። ኣድማዕነት ውደባ እቶም ኣብኡ ዝስለፉ ኣካላት ብዘርእይዎ፡ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ጹረት፡ ኣበርክቶን ሕራነን ዝውሰን እዩ። ኣብቶም ኣብቲ ውድብ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ዝረአ ድኽመት ድማ፡ ናይቲ ውድብ ድኽመት ኮይኑ ይምዝገብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ነቲ በቶም ኣብቲ ውድብ ዝዋስኡ ኣካላት ዘመዝግብዎ ድኽመት ኣብ ምምዛን ለውጢ ንምምጻእ መተካእታ ብዘየብሉ ንውደባ ምዅናን ከኣ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ናይ ደንበ ተቓውሞና ጸገም ህላወ ውድባት ምዃኑ ኣምሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ግጉይ ፈተነ ፈጺሙ ቅኑዕን ሓላፍነታውን ኣይኮነን። ንሓደ ውድብ፡ ኣብቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ድዩ ኣብቲ ዝመርሖ ዘሎ ኣካል ዘይዕግበት ምምዝጋብን ከተዐርዮ መተካእታ ሒዝካ ምቅላስን ግና ንቡርን መሰልን እዩ። ብሰንኪ ኣብቲ ፖሊሲ ድዩ ኣብቲ መሪሕነት ዘለካ ዘይዕግበት “ውድባት ኣየድልያን እየን” ዝዓይነቱ ንፋስ ምዝራው ግና፡ ዓብይ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ ተወዲብካ ኣንጻር ምልኪ ምቅላስ ኣየድልን’ዩ ናብ ዝብል ግጉይ ኣንፈት ከየምርሕ”ሞ መፍቶ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ካብ ምኽላእ መሰል ምውዳብ ዝዕንገል ጉጅለ ከይትኸውን ዘሰክፍ‘ዩ።

“ህዝቢ መሰሉ ከውሕስ ይወደብን ይንቃሕን” ምባል ቅቡል እዩ። ናይ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት ተሓላቒ እየ እንዳበልካ፡ ህዝቢ ኣንጻር ህላወ ውደባት ክለዓል ኣለዎ ዝብል ስብከትን ጸዋዒትን ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ንገለ ወገናት ናብ ከምዚ ግጉይ መንገዲ ዝወስዶም ዘሎ ምናልባት ናይዘን ህሉዋት ውድባት ድኽመት ይኸውን። ነቲ ምኽንያት ከም ቅቡል  እንተወሲድናዮ‘ውን ነዚ ድኽመትዚ ንምፍዋስ ናብ ዘይቅቡል ኩነኔ ከይከድካ፡ ካልእ ኣመራጽታት ከም ዘሎ ምርኣይ ጽቡቕ ይመስለና። ንሱ ድማ ነቲ ኣብቲ ውድባት ትርእዮ ዘለኻ ድኽመት ኣብቲ ውድባት ኣቲኻ ብልዙብን መተካእታ ዘሰነዮ ኣገባብን ቃልሲ ስዒርካ፡ በቲ ናትካ ርእይቶ ከም ዝምራሕ ምግባር‘ዩ።

ብእምነትና ንሓደ ፍጻመ ግጉይ እዩ ኢልካ ክትቃወሞ እንከለኻ ከም ርዱእ ናትካ ዝሓሸ ኢልካ እትኣምነሉ መተካእታ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ናትካ መተካእታ ዘይብልካ ክንስኻ ኣብ ጥራይ ኢድካ ምቅዋም ግና ሓጋዚ ኣይኮነን ዝብል እምነት እዩ ዘለና። እንተደኣ ኣብቲ ግጉይ ትብሎ ዘለኻ ውድባት ኣቲኻ ከተዕሪ ከምዘይትኽእል ደምዲምካ ከኣ፡ እቲ ዝሓሸ እትብሎ ፖሊሲ ንምዕዋት ዘኽእለካ ናትካ ውዳበ ፈጢርካ፡ ምስቲ ክትነቕፎ ዝጸናሕካ ውድባት ተወዳዲርካ ክትስዕር ምኽኣል እዩ። እዚ ነብስኻ ናይ ምውዳብ መሰል ናይ ማንም ፈቓድ ከይሓተትካ እትጥቀመሉ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ነቲ ንስኻ ዘይትኣምነሉን እትነቕፎን ውድባት ካብ ሜዳ ቃልስን ውድድርን ኣውጺእካ፡ በይንኻ እትዕንድረሉ ፖለቲካዊ ሜዳ ክትውንን ምፍታን ዘይከኣል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ በሓቲ ኣተሓሳስባ ስለ ዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን። ኣንጻር በሓትነት ይቃለስ ኣለኹ እንዳበልካ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይቅዱስ ምርጫ ዳምዳም ምባል ድማ ዘተዓዛዝብ እዩ።

ንውድባት ምኹናንን ንህዝቢ ንክውደብ ምጽዋዕንከ ብኽመይ እዩ ክተዓረቕ ዝኽእል። ብእምነትና ህዝቢ ተወዲቡ ነቲ ብውድባት ክሳብ ሎሚ ዘይሰለጠ ዕማም ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን መተካእታ ኮይንካ ምቕራብን ንከተግብር መጸዋዕታ ምቕራብ ማለት’ኮ፡ ናይ ሓባር ዕላማ ክህልወካ እዩ፡ ንሕግታት ውዳበ ክትምእዘዝ ኢኻ፡ እትጥርነፈሉ መሪሕነት ክህልወካ እዩ …. ወዘተ ማለት ምዃኑ እዩ ዝርደኣና። ኩልና ከም እንርደኦ ውደባ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብውሱናት ኣብ ሓደ ጉዳይ ናይ ሓባር እምነት ብዘጥረዩ ውሱናት ሰባት ጀሚሩ እዩ እንዳዓበየን እንዳሰሰነን ዝኸይድ። እቲ ክጅመር እንከሎ ካብ ታሕቲ ኮነ ካብ ላዕሊ ዝነቐለ ውዳበ ብኸመይ ከም ዝዓቢ ንምጥጣሕ፡ ብመጀመርያ ከማለኦ ካብ ዝግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ ዘሳልዮ መሪሕነትን ዝምረሓሉ መትከላትን ምፍጣር እዩ። ስለዚ ኣብቲ “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ዝብል መትከል ብሓባር እንተሊና፡ እቲ ንቕሎ ብታሕቲ ይኹን ብላዕሊ ውጽኢቱ ውድብ ምፍጣር እዩ። ኣብ ከባቢኻ ብዛዕባ ዝረአ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ መርተዖ ዝተመስረተ ርትዓዊ ነቐፈታ ምቕራብ መሰል እምበር ሓጥያት ኣይኮነን። እዚ ነቐፈታ ዝያዳ ኣድማዕን ሃናጽን ዝኸውን ግና፡ ብተግባር ካብቲ እትነቕፎ ኣካል በሪኽካን በሊጽካን ክትረአ እንከለኻ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና “ክንዳኻ ዘይኣኽላስ ብኣኻ ይወዓላ” ኢኻ እትበሃል።

ንሓደ ኣካል ክትነቅፍ እንከለኻ፡ ካብ ጸቢብ ውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ዘይዕግበት ነቒልካ ብእትስሕሎ ሴፍ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከይተድሚ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ክንሓስብ እንከለና፡ ነቲ መስረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትን ዘይዕግበታትን ንቕድሚት ከየምጻእና ካለኣይ ደረጃ ኣትሒዝና፡ ኣብ ዓበይቲ ናይ ሓባር ጉዳያት ከነድህብ ይግበኣና እንብል። እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዘይግብኦ እንብሎ ዘለና ፍልልያት፡ ካብ ውልቃዊ ቅርሕንትን ረብሓን ወይ ናይ ድሕረ-ባይታ፡ ናይ እምነትን ናይ ተመኩሮን ፍልልይ ዝነቅል ግጉይ ሚዛን ክኸውን ይኽእል።

ናይ ሓባር እምንቶ ኣሕዲርካ ንእኡ ንምዕዋት ምውዳብ ሓደ እዩ። ድሕሪኡ ዝመጽእ ነዚ እምነትካ ዘዐውት መሪሕነት ክህልወካ ምጽዓት ናይ ግድን እዩ። ሓደ ውድብ መሪሕነት ክህልዎ ናይ ግድን ካብኮነ፡ መሪሕነቱ ካብ ውሽጡ እዩ ዝወጽእ። እቲ ክመርሕ ዝተመዘዘ ኣካል ከኣ፡ በቲ ውድቡ ዝምረሓሉ ሕግታት ተቐይዱ ክመርሕ መሰሉን ግዴታኡን እዩ። ኣብ ፖለቲካ ክትዋሳእ እንከለኻ ክትመርሕ ወይ ክትምራሕ ቅሩብ ምዃን ውሁብ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ሓደ ውድብ ኣብቲ ዝወዳደረሉ ፖለቲካዊ ሜዳ ነቲ ቅኑዕ ኢሉ ዝኣመነሉ መትከላት ከዐውት መሪሕ ቦታ ክሕዝ እንተጸዓተ መሰሉ ኣኽበረ እምበር መሰል ህዝቢ ኣይገሃሰን። ንሓደ ፖለቲካዊ ውድብ፡ “ንምንታይ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት እንተረኸበ ክመርሕ እየ” ካብ ዝብል ምጉጣጥ “ካብ ስለምንታይ ትቃለስ” ኢልካ ክትእግዶ ምፍታን ተፈልዩ ዘይርአ ግጉይ ኣቀራርባ እዩ። ከም ውድብ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሃዋህው መሪሕ ክትከውን ምሕላንን ምቅላስን ካብቲ ኣብ ፖለቲካ ዘለካ ተሳትፎ ፈሊኻ ዝረአ ኣይከውንን እዩ። ፖለቲካዊ ውድብ ኮይንካ “ንለውጢ ክቃለስ እየ ግን ከኣ ኣይመርሕን እየ ምባል ድማ ንተሳትፎኻ ጐደሎ እዩ ዝገብሮ። ኣብቲ ውድድር ብቕዓት ጐዲሉካ ወይ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ስኢንካ ክትመርሕ ተዘይክኢልካ ከኣ ብጸጋ ክትቅበሎ ዝግበኣካ ፖለቲካዊ ተረኽቦ እዩ። “ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ቃልሲ ተሳተፍ ግና ክመርሕ እየ ኣይትበል” ምባል ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ በዚ ዝኽሰሳሉ ምኽንያት የብለንን። ብመንጽር እዚ ናብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክንመጽእ እንከለና፡ ጸገምና ህላወን ብዝሕን ውድባት ዘይኮነ፡ ጻዕረን ጌና ባህግታት ህዝብና ከማልእ ዘይምኽኣሉ እዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል፡ ምትዕርራይ ክግበረሉ፡ "ዝደኸሙ መራሕቶም" ድማ ክትክኡ፡  ብ23 ጥሪ 2025 ብዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ፡ ነቲ መግለጺ፡ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታው ድሕሪ ምባሉ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ኣካይዶም ዝርዝር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 22 ጥሪ 2025 ኣኼባ ኣካይድና ዝበሉ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ትግራይ ዘውጽእዎ 13 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ፡ ነቲ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝሰረዞ ኣካል ህወሓት ከም ዝድግፍዎን ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ዘለዎ ልዕሊ 50%  ሓላፍነት ግዝያዊ ምምሕዳት ትግራይን ላዕለዎት ኣዘዝቶም ናይ ምግዳብ መንፈስ ዘለዎ ምዃኑ የመልክት። ነቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ እሞ ዘካየዶ መበል 14 ጉባአኡ ብብሄራዊ ቦርዲ ምርጫ ኢትዮጵያ ውጽኢቱ ዝተሰረዞ ክፋል ህወሓት ከም ዝድግፉ በቲ መግለጽኡ ኣፍሊጡ ።

ብምቕጻል ድማ ብደረጃ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውሰድ ዝጸንሐ ምምሕዳራዊ ምትዕርራያት ንድሕሪት ንክምለስ ኣብቲ መግለጺ ካብ ዝሰፈሩ ነጥብታት ሓደ እዩ። ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ  ብህወሕ ዝተገልጸ ብምድጋም “ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይ” ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዱ ከእትው ኣይንፈቅድን ኢሉ። ብዘይካዚ ከምቲ መግለጺ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝበሎ፡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዘለዉ ሓለፍቲ ብኽሕደት ከሲሰሞም። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዝበልዎ ዘየነጸርዎኳ እንተኾነ ብናይ ብዙሓት ተረድኦ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝርከቦም 13 ጀነራላት፡ እቲ  መግለጺ ካብ ዘጽደቐሉ ኣኼባ ረጊጾም ወጺኦም።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ መግለጺ ሕጋውን ፖለቲካውን ተቐባልነት ዘየብሉ ምዃኑ ገሊጹ፡ ድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ምክያድ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓያሎ መዲያታትን ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይን ነቲ ብስም ኣዘዝቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ውሑዳት ኣብ ዘይምልከቶም ዝኣተዉ ስጉምቲ እዩ ብዝብል ተሪር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣውጺኦም። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ነቲ ስጉምቲ “ልስሉስ ዕልዋ” ክብሉ ይገልጽዎ’ለዉ።

Thursday, 23 January 2025 19:47

Dimtsi Harnnet Kassel 23.01.2025

Written by

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ትካል ንህጹጽ ድሕነት ህጻናት (UNICEF) ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ናይ ፈጻሚ ኣካል ኣኼባ፡ ካብ ዝመረጾም ሓደ ዳይረተርን 4ተ ምክትላን፡ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝተባህለት ወኪል ህግደፍ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ምክትላት ሓንቲ ኮይና ምምዛዛ ብዙሓት ኤርትራውያን ቁተዐኦም ይገልጹ’ለዉ።

ምምሕዳር ህግደፍ፡ ንህጽናት ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት ብግብረሰናይ ትካላት ከይልገስ ዕንፋት ብምፍጣር፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣገዲዱ ናብ ግዱድ ውትህድርና ብምስላፍ፡ ወለዶም ኣሲሩ ህጽናታት ናባይ ስኢኖም ከም ዝኽትሙ ብምግባርን ትሒት 5ተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጽናት ካብ ኤርትራ ከይወጹ ብምኽልካልን ዝግለጽ ጨካን እዩ።  እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ መሪሕነት ናይቲ ንመሰል ህጽናት ዝጣበቕ ትካል ናብ ሓላፍነት ምምዛዙ ከም ዘቖትዕ ዝተፈላለያ መዲያታት ኤርትራ ይገልጻ ኣለዋ። እቶም ዝተቖጥዑ ካብ ዝጠቕስዎም ጭካን፡ ማእሰርቲ ህጻን ሂሳም ጓል ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዶን፡ ህጽናት ደቂ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ብሰንኪ ማእሰርቲ ክልቲኦም ወለዶም ምዝኽታሞምን ይጠቕሱ።

እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕጂ እውን ኮንደኾን ለውጢ ኣብ ምግባር ይሕግዝ ይኸውን ብዝብል፡ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ኮይኑ’ኳ ኮይኑ እንተነበረ፡ ከጋድድ እምበር ከመሓይሽ ኣይተራእየን። ትካል ተሓላቒ መሰል ህጽናት ከኣ ኣብ ክንዲ ካብዚ ተመኩሮ ዝመሃር፡ ብግህሰት መሰል ህጽናት ክኽሰስ ናይ ዝግበኦ ጉጅለ ተወካሊት ናብ ሓላፍነት ምምዛዙ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከምዝኮነ ብምጥቃስ እቶም ኤርትራውያን  መረርኦም ገልጾም።

ሶፊያ ተስፋማርያም መድረኽ ኣብ ዝረኸበትሉ፡ መሰል ኤርትራውያን ብምግሃስን ኤርትራውያን ኣብ ስደት ካብ ድሌቶም ወጻኢ ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብ ምግዳድን ርኡይ ኣሉታዊ ግደ ካብ ዘለዎም ሓንቲ  ክንሳ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስብኣዊ ቦታ ምምዛዛ እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ዘይርዳእ ምዃኑ ከም ዘመልክት  ኤርትራውያን ብቑጠዐ ገሊጾም።

እቲ ንመሰል ህጽናት ዝጣበቕ ትካል  ሕቡራት ሃገራት፡ ብ11 ታሕሳስ 1946 ተመስሪቱ ኣብ ነውዮርክ ዝመደበሩ፡ ኣብ 190 ሃገራት ዓለም ዝንቀሳቐስ ዘሎ ምዃኑ ድሕረ ባይታኡ የመልክት።

 

 

                         كلمة رئيس القوى السياسية الارترية

                         إلى المؤتمر الثاني لتنظيم وحدة الارتريين

 

السيد / تسفا ألم رئيس لتنظيم وحدة الارتريين

السادة / أعضاء اللجنة المركزية،  واللجنة التنفيذية

الحضور الكريم

أصالة عن نفسي ونيابة عن القوى السياسية الإرترية أحييكم وأشكر دعوتكم لنا لحضور افتتاح مؤتمركم الثاني.

يصادف انعقاد مؤتمركم في ظل انحدار وضع شعبنا من السيئ الى الأسوء، ويعيش حياة العبودية التي لا تطاق وحرمان من أبسط حقوقه الإنسانية؛ من حقه في  التفكير، وحقه في  التعبير عن الرأي، وحق الحركة والإنتقال، ويزج به في السجون. ومن حاول الهروب من هذا الجحيم  نجده يكابد مشقة حياة اللجوء. ومن جانب آخر في ظل الحروب بين أبناء الوطن الواحد في السودان وإثيوبيا،  وفي ظل التخوف من اتساع الحرب الدائرة في الشرق الاوسط بين الاسرائيليين والفلسطينيين،  والحرب الروسية الأوكرانية، التي يصعب التكهن بنهايتها. وعلى مستوى الداخل اليوم  تلوح في الأفق غيوم  الحرب، وفي ظل هذه المرحلة الدقيقة يتطلب من الجميع اتخاذ موقف موحّد، والعمل على عزل النظام الشمولي.

عقدت القوى السياسية الإرترية مؤتمرها في أغسطس 2024، وفي هذه اللحظة تعمل اللجنة التنفيذية المنبثقة من المؤتمر لتحقيق أحد أهم القرارات والتوصيات المهمة للمؤتمر؛  ألا وهي بناء مظلة وطنية جامعة تشمل الجميع. وقد خولها المؤتمر صلاحيات كاملة لإنجاز هذه المهمة و أن يتم ذلك على أساس المبادئ الأربعة التي يؤمن بها تنظيمكم وهي:-

 1 – إزالة النظام الشمولي واستبداله بنظام دستوري قانوني ديمقراطي.

 2- الحفاظ والدفاع على سيادة إرتريا.   

 3- احترام حقوق الشعب الإرتري الإنسانية.

 4- الحفاظ على وحدة الشعب وسلامة الأراضي الإرترية.

وهنا نود ان نؤكد على أن اللجنة التنفيذية سوف تبذل كل ما في وسعها لتوحيد القوى الوطنية التي تؤمن بالمبادئ الأربعة المذكورة أعلاه،  وبناء على ذلك هنالك حوارات جارية لإقامة مظلة وطنية شاملة بين التحالف الإرتري للتغيير الديمقراطي و بين القوى السياسية الإرترية. ومن داخل هذه القاعة أناشدكم أن تلعبوا دوركم لإنجاح هذا المسعى وكل المساعي المبذولة، وأوصى أن يولي مؤتمركم الإهتمام  لإقامة مظلة وطنية شاملة وأن يعطي القيادة المنتخبة تفويضاً كاملاً لتحقيق ذلك.

في الختام أتمنى للمؤتمر النجاح  وان يكون هذا العام حافلاً بالإنجازات،  وتكاتف جهود المقاومة على المستويين الداخلي والخارجي لتحقيق طموحات شعبنا في حكم سيادة القانون والدستور.

النصر لنضال الشعب من أجل الديمقراطية

الهزيمة لنظام أسمرا الديكتاتوري

الوحدة من اجل الحرية

قرزقيهير تولدي

رئيس القوى السياسية الارترية

17 يناير 2025

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ናይ ሃገራት ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ምጽልላው ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሑ  ይርከብ። እዚ ተርእዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብደረጃ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን፡  ብፍላይ ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ንዓለምና ናብ ክልተ ደንበ ከፊልዋ ዝነበረን እዩ። በዚ ምኽንያት እየን ከኣ ሃገራት ንዝምድና ከም ኣገዳሲ  ኣጀንዳአን  ክሰርሓሉ ዝግደዳ።

ኣብ ከይዲ ናይቲ ምጽልላው፡ ዝያዳ ግደ ዘለወን ፍሉያት ሃገራት’ኳ እንተለዋ፡ ዝኾነት ሃገር ዓቕማ ይዕበ ይንኣስ  ግደ ኣለዋ። ልዑል ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕምን ዝናን ዝደለባ ኣብ ዓለምና “ሓያላት”  ዝበሃላ ሃገራትን ትካላትን ዝምድና ኣብ ምቕያስ ወሳኒ ግደ ከም ዘለወን ርኡይ እዩ። ናይ ሃገራት ሓያልነት በብግዜኡ ዝለዋወጥ  ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣስማተን ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ከይተላዕለ ዘይውዕል  ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሩሲያ……ወዘተ ብዘለወን ልዕልና ኣብ ናይ ምጽላው ውድድር ዘለዋ እየን። እቲ ውድድር  ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ብምእታው ጽልዋኻ ብምስፋሕ’ውን ዝግለጽ’ዩ። ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ናይ ህልውና ስግኣትን ዘጋጥመን ሃገራት  ምስ ሓንቲ ካብዘን ሓያላት ተጸጊዐን ክዕቆባ ከም ዝግደዳ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ምግልባጣት ህያው ምስክር እዩ። ብሰንክዚ ህልውነአን ምሉእ ብምሉእ  ኣብ ኢድ ካለኦት ወዲቐን ዝሕመሳ ሃገራት’ውን ውሑዳት ኣይኮናን።

እተን ሓያላት ጽልወአን ንምሕያል ካብ ሃገረን ወጻኢ ዘካይደኦ ወፍሪ፡  መንቀሊኡ ኩለ-መዳያዊ ኮይኑ፡  እቲ ቀዳምነት ዝሰርዐኦ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዓብላልነትን  ቁጠባዊ መኽሰብ ንምድላብን እምበር፡ ናይተን ዝጸልወአን ረብሓ ቅድሚት ዝሰርዕ ከምዘይኮነ ዝተፈልጠ እዩ።   ኣብ መስርሕ ዝምድና “ምስ መን እንተኮይንካ ኢኻ ትረብሕን ትድሕንን?” ዝማእከሉ ሕቶ ምምላስ ወሳኒ እዩ። ኩነታት ክቕየር እንከሉ ምስቲ ሓደ ጸኒሕካ ናብቲ ካልእ ምጽጋዕ  ኣብቲ ጉዕዞ ዝምድና ዝረአ እዩ። ብመንጽር’ዚ እተን ተጽዕኖ ዝፈጥራ ሓያላት ኮና፡ እተን ተጽዕኖ ዝወርደን ናይ ግድን ኣብቲ ሓንሳብ ዝደኮነኦ ዝምድና ይነብራ ማለት ዘይኮነ፡ ምስ ምቅይያራት ረብሓ ዝቕየር እዩ።

 ኣብ ናይ ዝምድና ውረድ ደይብ፡ ዝያዳ ቆላሕታ ዝወሃቦም ተሃወስቲ ኩርነዓት ኣለዉ። ኣብቲ ክሊ እቲ ኩርናዕ ዝርከባ ሃገራት ከኣ ንመጥቃዕቲ ኮነ ንመጎስ ዝተቓለዓ እየን። እዚ ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ሓደ ካብቲ ውድድርን ቁርቁስን ናይ ሓያላት ዘይፍለዮ ከባብታት እዩ። ሓደ ከባቢ መቆራቖሲ ዝኸውን ብዘለዎ ተበሃጊ ጀኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣን ትሕተን ልዕለን ምድሪ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ዝሓቖፈ ክውንን እንከሎ’ዩ።

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዎ ናይ ንግድን ትራንስፖርትን ዓለምለኻዊ ተባሃግነት፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ መቆራቖሲ ኮይኑ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ኤርትራ ከኣ ምስቲ ረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ሓላፍነታዊ ምምሕዳር ዘየብላ ምዃና፡ በቲ ቁርቁስ እትሰግን ግዳይ ትኸውንን እምበር እትጥቀም ኣይኮነትን። ህዝባ ናይቲ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ወደባቱ ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ነዚ’ዩ ዘመልክት። ብኣንጻሩ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝጥቀመሉን ውዲት ዝኣልመሉን ወተሃደራዊ መደበራት ኣብ ምክራይ እዩ ዝግደስ። ምስዚ ኩሉ ግና ሎሚ’ውን እስትራተጅያዊ ተበሃግነት ኤርትራ ካብ ወተሃደራዊ ተጠማትነትን መወዳዳሪ ሓያላትን ወጻኢ ኣይኮነን። ህግደፍ ብሰንክቲ ዝኽተሎ ዕጽዊ ፖሊሲኡ ንዘጋጥሞ ሕመቕን ድሕረትን፡ ብሓፈሻ ኣንጻር ምዕራባውያን ብፍላይ ከኣ  ኣንጻር እታ ስለ ዘዕበየቶ ክባተኻ ዘይደሊ ኣሜሪካ ብቐጻሊ ከማርር እዩ ዝስማዕ።

ኣሜሪካ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ረብሓኣን ረብሓ መሓዙታን እናቓነየት ኣጀንደኣ ካብ እትገብሮ መዋእል   ኮይኑ እዩ። ካብ ድሮ  ናጽነት ኣትሒዝና እንተተዓዘብና፡ ካብ ሄርመን ኮሀን ጀሚርካ ፖለቲከኛታታ ኣመሪካ ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳኦም ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ሚካኤል ሮቢን፡ ቲቦር ናጅን ፒተር ሻምን ዝኣመሰሉ ኣሜሪካውያን ጸሓፍትን ኣንበሳድራትን ኣንጻር’ቲ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ ህግደፍ፡ ዘቕንዑ  ይመስሉ። ህግደፍ ከምስል’ኳ “ነብሰ-ምርኮሳ” እንናበለ ደገፍ ኣሜሪካ ከምዘይደሊ መሲሉ ዘጉባዕብዕ እንተኾነ፡ ድምጹ ሓቢኡ ራሕሶም ካብ ምልማን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ብፍላይ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ “ኣይሰላም ኣይወግእ” ግዜ ዘስመዖ ዝነበረ ናይ “ዘሪኹሙኒ” ኣውያትን  ናይ ደሓር “ኮሊፎምና”  ሕርቃኑን መረጋገጺ እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ምስግጋር፡ ኣብ ዞባና ድምጺ ናይቲ ሓድሽ ብትራምፕ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንክሰምዑ ዝጸናጸኑ መንግስታት ብዙሓት እዮም። ንኣብነት ሶማሊላንድ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ክትረክብ ብሃንቀውታ ትጽበ። ህግደፍ’ውን ሓደ ካብ ተጸበይቲ ኮይኑ፡ ብምምራጽ ትራምፕ ሓጐሶም ካብ ዝገለጹ ሓደ’ኳ እንተ ነበረ፡ መጋብሩ  ስለ ዝፈልጥን ግና መጻኢ ከምዘየቕስኖ ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ በቲ ክጨንቆ እንከሎ መልእኽቱ ዘመሓላልፈሉ “ማእከል ምምርምርን መጽናዕትን ኤርትራውያን”  ዝበሃል መርበብ  ኣቢሉ ስንባደኡ ምግሃድ ጀሚሩ’ሎ።  

ካብቲ ዘሰንብዶ፡ ባህርያቱ ብደቂቕ ዝርድኡ፡ ከም ቲቦር ነጅን ፒተር ሻምን ዝኣመሰሉ ኣሜሪካውያን ኣንበሳድራት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከት ናብ ሓላፍነት ምምጸኦም ዕድመኡ ዘሕጽር ከይከውን ምስግኡ እዩ። ካብቲ ስግኣቱ ዘንጸባርቕ ኣውያቱ ድማ “ክልተ ኣንጻር ኤርትራ ሽምጦም ገቲሮም ዝታረኹ ፖለቲኬኛታት'ዮም፥ / ፒተር ፋምን ኣምባሳደር ቲቦር ናግን። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ምስ ኢህወደግ ስጥመት ዘለዎ ናይ ስራሕ መሳልል ሃኒጾም ምሉእ ቱኽረቶም ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቢሎም ምጽንሖም ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ'ዩ።” ይብል። “ጉዳይ ቲቦር ናጊ "ቂም ሒዝካ ጸሎት፡ ቁምነገር ሒዝካ ተረት" ከም ዝኸዉን ፍጹም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዝብል’ውን ይውስኸሉ።

ምስዚ ኩሉ ግና ናይዞም ሓያላት ተጽዕኖን ተግሳጥን ኣድላይ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግና ናይ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ቃልስን ግደን እዩ። እቲ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ዕድልዩ ዘጣጥሕ።  ነቲ ዝተፈጥረ ዕድል ተጠቒምካ ናብ ረብሓ ህዝብኻ ምውዓሉ ከኣ ነዓና ንተቓለስቲ እዩ ዝምልከት። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ተጽዕኖ ሓያላት ብመንጽር ናቶም ድሌት ዝተቓነየ ስለ ዝኸውን፡  ውጽኢቱ ብኸመይ ናብ ኤርትራዊ  ረብሓን ባህግን  ይቃነ  ከሎ ጋና ከነስተውዕለሉ ዘለና እዩ። ስለዚ እዚ ክፍጠር ይኽእል ተባሂሉ ዝግመት፡ ንህግደፍ ዘርዕድ ኣሰላልፋ ንዝያዳ ረቂቕ፡ በሊሕን ሓላፍነታውን ሓባራዊ ቃልሲ እንዳለወሉ ምዃኑ  ክንግንዘብ ከድልየና እዩ።

Page 7 of 593