ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ከይትድህለል

2024-04-03 18:40:34 Written by  Published in EPDP Editorial Read 346 times

ርእሰ-ዓቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ እትርከቦ ከባቢ ህድኣትን ምርግጋእን ካብ ዝሓርሞ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ዘይህድኣት ብውግእን ህልቂትን ዝተሰነየ እዩ። ንሱ ዘኽተሎ ስደትን ምምዝባልን ከኣ፡ ከም ዞባ  መለለይና ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ኣብ ከባቢና ዝርአ ውግኣት፡ በቲ ሓደ ወገን ንምጭቋንን ምውራርን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ድማ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ክካየድ ዝጸሐ መኸተ እዩ። ኤርትራ ቅድም ኣብ መንጎ ገዛእትን በሃግቲ ናጽነትን  ሎሚ ድማ  ኣብ መንጎ በሃግቲ ሓርነትን ጸረ ሓርነትን  ውግእ  ዝካየደላ ናይ ከባቢና  ሃገራት ናይ ጽንዓት ኣብነት ኮይና እትጥቀስ እያ።

ናይ ከባቢና ዘይምርግጋእ ጋና ከም ሕሉፍ ታሪኽ ተመዝጊቡ ፋይሉ ዝተዓጽወ ዘይኮነ፡ ንዓለም’ውን ዘየቕስን ህያው ክስተት እዩ። ከየርሓቕና ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ክልል ትግራይ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን እኳ እንተ ዳህሲስና ነዚ ዘይህዱእ ኩነታት እዩ ዘርእየና። እዚ ናይ ጐረባብትና ሃገራት ኣሰካፊ ደበና ናብ ኤርትራ’ውን ከይዘንብ  ኣስጋእነቱ ዘይራሓቐ ምዃኑ   ምስትውዓል የድሊ።  ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ምእንቲ ናጻነት ኣንጻር ናይ ርሑቕን ቀረባን ወረርትን ገዛእትን ፊት ንፊት ተዋጊኡ ተዓዊቱ። ብሰንክቲ ውግኣት ከኣ ኣብ ርእሲቲ ናይ ዓውዲ ውግእ ኩቡር መስዋእቲ፡  ብስደትን ምምዝባልን ዝግለጽ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዋጋ ከፊሉን ይኸፍል ኣሎን።  ናይ ሎሚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕድ ደቂ ሓደ ዜጋ ዝካየደ፡ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘንቀሎ ስለ ዝኾነ፡ ዝያዳ ንቕሓትን ምስትውዓልን ዘድልዮ ረቂቕን ዝተሓላለኸን እዩ።

ህዝቢ  ኣብ ኩሉቲ ምዕራፋትን ኣገባባትን ቃልሲ መሪሕ ተዋሳኢ እዩ። ብዘይካ ናቱ ተሳትፎ ዝዕወት ከምዘየለ ብምርዳእ ከኣ ቅድም ገዛእቲ ሎሚ ድማ ጨቆንቲ ኣንጻር መሰረታዊ ናጽነቱን መሰሉን ክንሶም፡ ዝሓልይሉን ምእንታኡ ዋጋ ዝኸፍሉን መሲሎም፡ ብስሙ ክምሕሉን ክጥሕሉን  ጸኒሖም።  ሎሚ እውን ህግደፍ ነዚ ቅዲ ምትላል ኣመላኹዑ ዘይትግበር መብጸዓታት እናኣተወን ክቕጽሎ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና እዩ። ኣብ ተመኩሮ ቃልስና፡ ከም እነስተውዕሎ፡ ኩሉ ብህዝቢ ዝምሕል ሓቀኛ ወገን ህዝቢ ከምዘይኮነ ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ሓይልታት መግዛእቲ ብስም ህዝቢ ኤርትራ እንዳመሓሉ ብግብሪ ግና ፖሊሲ መሬቱ  እምበር ህዝቢ ኣየድልየናን ንምትግባር፡ “ዓሳ ንምጥፍእ ቀላይ ምንጻፍ” ብዝብል ፈሊጥ ይምርሑ ከም ዝነበሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ናይ ሎሚ ህግደፍ እውን ኩሉ ተግባሩ ጸረ ህዝቢ ክነሱ፡ ወገን ህዝቢ ንክመስል ወትሩ “ዓወት ንሓፋሽ” ይጭርሕ። ብግብሪ ግና ህዝብና  ከምቲ  ብሂጉ ዋጋ ዝኸፈለሉ ከምዘይተዓወተ ይርደኦ እዩ። ብስም’ቲ ዘይተዓወተ ህዝቢ “ዓወት ንሓፋሽ” ምጭራሕ ከኣ ካብ ዘይሓፍር ኣምሰሉነት ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ከምዘይክእል  ርትዓውን ሚዛናውን  ኤርትራዊ ተገንዚብዎ ዘሎ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ብሸርሒ ህግደፍ ከምዘይድህለል ንምርግጋጽ፡ “ኣንጻር ምዕዋተይ እንዳሰራሕኩምስ መድመቒ ጭረሖኹም ኣይትግበሩኒ”  ዝብል ማዕበላዊ ድምጺ ክስምዕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ጉጅለ ህግደፍ  ብዝኾነ መዕቀኒ ክምዘን እንከሎ፡ ጸረ ትጽቢትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ከምዚ መደምደምታ ንበጽሕ ኣለና ዓለም ዝፈለጦን ጸሓይ ዝወቕዖን ስለ ዝኾነ፡  ምምርማር ዘድልዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ብዘይካ ከምስል “ኩለንተናይ ንዓኻ” ዝብል መዝሙር፡  ከም ካለኦት ዲክታተራት’ኳ ሳሕቲ ኣብ ትሕተ- ቅርጻን ገለ መሰረታዊ ኣገልግሎትን “ከምዚኣ ዝኣመሰለት ናብ ህዝቢ ዝወገነት እትበሃል ኣውንታ” የብሉን ምስቶም ዕርቃን ህዝቢ ኣልቢሶም፡ ከብዱ መሊኦምን መባእታዊ ጥዕናውን ትምህርታውን ኣገልግሎት ሂቦምን፡  ካልእ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዝነፍጉ ደቂ ማሕበሩ ዲክታተራት እተወዳድሮ’ውን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ህዝቢ ክሳቐ እንከሎ ዝተዓወተ ዝመስሎ እኩይ እዩ። ናብዚ ዝብጸሖ ከኣ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ንዕቀቱን ጽልኡን  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ  ኤርትራ እዩ።

መለለይ ጸረ ህዝብነት ህግደፍ ብዙሕ መልከዓት ዝሓዘ  ኮይኑ፡ በብግዜኡ ህይወት ዝበልዕ፡ ንብረት ዘዕኑን ስም ሃገር ዝድውንን  ውግኣት ምኽፋት እቲ ጐሊሑ ዝረአ ተግባሩ እዩ። እዚ ተግባሩ ንኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ፡  ጐረባብትና ህዝብታት እውን ዘማስንን ዘማርርን  ዘሎ  እዩ። እቲ ዝያዳ ዝመረረ ዝገብሮ ከኣ ኣብቲ ሓሓሊፉ ዝኣጉዶ ሓዊ እቲ ከም ዕንጸይቲ ዝነድድን ዝስደድን መንእሰይ ኤርትራ’ምበር መራሕቲ ህግደፍን ኣዳኸርቶምን ዘይምዃኖም እዩ። ስለዚ ህግደፍ ብንብረትን መሰልን ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብህይወት መንእሰይ እውን ዝነግድ ተጣላዒ እዩ። “ንኽፉእ መልክዕ ብስም የጸባብቕዎ” ከም ዝበሃል፡ ህግደፍ ነቲ ሓሓሊፉ ዝኣጉዶ ውግኣት ንሓንሳብ “ምእንቲ ልኡላውነትና” ንሓንሰብ ድማ “ምእንቲ ህላወናና ከም ህዝቢ” እናበለ እዩ ዘጸባብቖ። ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ  ድማ ዕብዳን” ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ብህግደፍ ስለ ዝተዳህለለ፡ ደፊሮም “ንወጽዓ ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ  ዝተቐበለ” ኢሎም ዝገልጽዎ ወገናት ኣለዉ። ብግብሪ ንልኡላውነትን ንህልውናን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ዘስግእ  ህግደፍ ባዕሉ  ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከም  ዝነገረና ምዝካር ይግባእ።

ህግደፍ ነዚ ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ናይ ምንባር ዝንቡዕ ፖሊሲኡ ኮነ ኢሉ ስለ ዝረዓሞ፡ ክሳብ ዘይተሳዕረ ደንጊጹ ዘቋርጾ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት’ኳ፡ “ሱዳናውያን መንእሰያት ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዱ ኣለዉ፡ መካናይዝድ ሓይሊ ኤርትራ ኣብ ውግእ ሱዳን ይሳተፍ ኣሎ”፡ ዝብሉ ምጽራይን ምክትታልን ዘድልዮም  ወረታት ይስምዑ ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ብመንጽርቲ ከመጾ ዝጸሐ ውዲታዊ  ተመኩሮ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብመሰረት እቲ ኣብ ክንዲ ናብ  ውሽጥኻ  ምቁማት ናብ ደገ ናይ ምምዕዳው ልማዱ፡  ምስዚ ናይ ሱዳን  ብዝተተሓሓዘ ዝውረ ዘሎ “ህግደፍ ውዒልዎ ይኸውን” ዝብል ተረደኦ ናይ ብዙሓት ተዕዘብቲ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ህግደፍ ብዘስምዖ  “ሎሚ እውን ጸላእቲ መጹና”  ዝቓንኡ ጸዋዒት፡ ዝድህለል  ኣመዛዚኑ ከስተብህል  ዝግበኦ።

“መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምን ኣይኽላእካ” ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምድህላል መለበሚ ክደሊ ርሑቕ ዘኽይድ የብሉን። ዝሓለፎ ተመኩሮ፡ ኣይኮነንዶ ንዓኡ ንኻለኦት’ውን ሃብታም መለበሚ እዩ። ስለዚ ኣብዚ  ቅልጡፍ ምቅይያራት ዝረኣየሉ ዘሎ ግዜ፡ “ደጊም ምድህላል ይኣክል “ ኢሉ፡ ካብ ተመኩሮኡ ክመሃርን ካብ ስግኣት ዘውጸኦ መሰረታዊ መፍትሒ ክረክብን ይግበኦ።

Last modified on Wednesday, 03 April 2024 20:46