ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ዑደት ኣካይዱ

2024-04-02 18:28:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 270 times

ናይ ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዡ ቢንግ፡ ናይታ ሃገር መራሒ ዢ ፒንግ መልእኽቲ ንምብጻሕ  ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ መጋቢት 2024 ዑደት ከም ዘካየደ መርበብ ሓበሬታ ኦል ኣፍሪቃ/ All AFRICA ኣፍሊጣ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጅቡቲ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ናብ መራሕቲ እተን ሃገራት መልእኽቱ ከብጽሕ እንከሎ፡ ናብ ኤርትራ ብዛዕባ ምብጽሑ ዝተሓበረ የለን።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ መራሕትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ብምርኻብ ቻይና ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ኣተኩሮ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዝምድና ንምሕያል ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ዝተመያየጠ ተፈሊጡ። ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐራሪበን ከም ዝሰርሓ ምርድደኦም ጋሮውኦንላይን/Garow-online ዝተባህለት ናይ ሶማሊያ መርበብ ምንጭታት ቪላሶማሊያ ብምጥቃስ ኣፍሊጣ።

እቲ  ልኡኽ ቻይና ነዚ ዑደት ዘካየዶ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንክቲ ኣብ መንጎ የመናውያን ሑትን ምዕራባያውንን ብዝተፈጥረ ወጥሪ ኣጋጢሙ  ዘሎ ቅልውላው፡ ቻይና መራክባ’ኳ ዒላማ ዕጡቓት ሑቲ እንተዘይኮና፡ ነቲ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ 500 ወተሃደራት ጥራይ ዝሓዘ ወተሃደራዊ መደበር ዝያዳ  ናይ ምድልዳሉ ምስ ዘለዋ መደብ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ናይ ዕደና፡ ህንጻን ጸዓትን ወፍርታት ዘለዋ ቻይና፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝተራእየ ቅልጡፍ ምቅይያራት ካብ 2022 ኣትሒዛ እያ ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ።

Last modified on Tuesday, 02 April 2024 20:47