ሰብኣዊ ትካላት፡ ማእሰርቲ ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ተቓዊመን

2024-04-03 08:21:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 314 times

ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ማእሰርትን ኮሚተ ንፍትሕን ዝተባህላ ሰብኣዊ ትካላት፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገር ግብጺ ዝፍጸም ማእሰርቲ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ኣባላት ኮሚሽንን ፓርላማን ሕብረት ኢውሮጳ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብጃምላዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ዝግደስ ኣካል፡ ኣብቲ ሕብረት ስቓይን ግህሰትን ናይ ዝከላኸል ኮሚተ ኣባላት፡ ከምኡውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ናብ ዝሕለቑ ኣካላት ህጹጽ ፍታሕ ንክረኽቡ መጸዋዕታ ኣቕሪበን።

እተን ሰብኣዊ ትካላት ከም ዝጠቐሰኦ፡ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ዝኣተዉሉ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ግብጻውያን ኣብ ክንዲ ብኣህጉራዊ ሕግታት ስደተኛታትን ንሳቶም ብዝኣተዉዎ ውዕልን ዝቕየዱ ብጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝቐበልዎምን ናብቲ ዝመጽዎ ዘይውሑስ ቦታ ንክምለሱ ከም ዘገድድዎምን ኣቃሊዐን።

ከምዚ ዝኣመሰል ኣንጻር መሰል ስደተኛታት ዝረአ ዘሎ ግህሰት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ንግብጺ ዝህቦ ደገፍ  ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን ምዃኑ እተን ግዱሳት ትካላት ተጠቒሰን። እተን  ትካላት ናብ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘቕረብኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ ክንዲ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ስደተኛታት ናብ ግብጺ ኣብ ዘእቱ ዶባት፡ መሰሎም ንምክልኻልን መንነቶም ናብ ዝምልከቶ ንምግላጽን ናብ ዝኽእልሉ ዘይሻራዊ ኣካል ዝቐርብሉ ኩነታት ንክፍጠር ጸዊዖም። ነብሶም ንምድሓን ናብታ ሃገር ስለ ዝኣትዉ ቪዛ ንከይሕተቱ ድማ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ግብጺ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ሱዳናውያን ኮይኖም፡ እቲ ኣብ 2021 ኣስታት 20,778 ዝነበረ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ወሲኹ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። እዚ ከምዚ እንከሎ ግብጺ ብተደጋጋሚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዳ ናብ ህግደፍ ከተረክብ ዝጸንሐት ሃገር እያ።

Last modified on Wednesday, 03 April 2024 10:38