ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዞባዊ ኣኼባኡ ኣክይዱ
Thursday, 11 December 2014 20:00 Written by ሰደህኤ - ዞባ ሰሜን ኣመሪካሰደህኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ድሕሪ’ቲ ብመስከረም 27 – 28, 2014 ዓ.ምኣብ ከተማ ቺካጎ ዘካየዶ 3ይ ዞባዊ ዕዉት ጉባኤኡ፣ ብናይ ስልኪ ዋዕላ ንዅሎም ኣባላቱ ዘሳተፈ ቀዳማይ ዞባዊ ኣኼባኡ ብ 7 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ኣሰላሲሉ። ኣኼባ ዝኸፈተ ኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ፣ ወልዱ ነጋሲ፤ ንምይይጥ ተቐሪቡ ዘሎ ዛዕባታት ብዝርዝር ድሕሪ ምሕባር፤ ብቐዳምነት ግን ኣብ ኣኼባና ተሳቲፎም ዘለዉ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰደህኤ፣ ብዛዕባ ሰልፍና ሒዝዎም ዘሎ ዕማማትን ዘሰላስሎም ዘሎ ንጥፈታትን፣ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘጠቓለለ ሓበሬታን መብርህን ምእንቲ ክህቡና መድረኽ ንዓኦም ኣረከበ።
ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስርርዓዊ ጉዳያትን፣ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼብኡ ዝመዘኖምን ዝወጠኖምን መደባት መሰረት ብምግባር ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቡ። ሰልፍና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዕማማት ዝያዳ ይነጥፍ ከምዘሎን፣ ኣብ ተቓውሞ ደምበ ብፍላይ ምስቶም ብራኢ ዝቀራረቡና ሓይልታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ጽዑቕ ርኽክባትን ልዝብን የካይድ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ። ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ህግደፍ፣ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ምረት ናብራን ስቓይን ብምሕባር ስርዓት ኢሳያስ ብውሽጡ ቦኽቢኹ ኣብ ገምገም ውድቀት ትልኽ ዝብል ዘሎ ንምልጋስ ቃልስና ከነዛይድ ከምዘሎና ኣዘኻኺሩ። ካብ ኣባላት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልስታት ሂቡ።
ወልዱ ነጋሲ ዞባ ሽማግለ ተመያይጡ ዝቐረቦም ዛዕባታት፤ ዕማማት ናይ ኵለን ኣብያተ ጽሕፈት ሰልፍና ዝሓቖፈ ኰይኑ፣ ጨናፍር ዞባና ኣብ ዘዝነብራሉ ከባብታት ዕቱብ ምንቅስቓስ ከካይዳሉን ክትግብርኦን ከምዘለወን ብስም ዞባ ሽማግለ ኣዘኻኺሩ። ብምቕጻል ነቲ ንጥፈታት ዝመርሓ ናይ ዕማም ሽማግለታት ቆይመን ከምዘለዋ’ውን ሓቢሩ። ኣባላት ዞባ ሽማግለ ነንዝመልከቶም ቤት ጽሕፈት ወኪሎም ኣብ ርእሲ’ቲ ወልዱ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ ኣቕሪቦም። ኣባላት ኣብ ዝቐረበ መደብ ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶን ብምቕራብ ዓሚቝ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ፣ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።
ምኽትል ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፍስሃየ ሓጎስ፣ ድሕረ ባይታ ናይ’ቲ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ኣገልግሎትን ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ዕማም ቤት ጽሕፈት ንኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ብፍላይ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ህጻናትን መንእሰያትን ኣገልግሎት ትምህርትን ረድኤታዊ ንጥፈታትን ምክያድ ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ መደብ’ዚ ክዕወትን ዝሰፍሐ ኣገልግሎት ከቕርብን ግን ናይ ንዋትን ገንዘብን ካብ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ውልቀ ለገስትን ክርክብ ምስ ዝኽእል ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣባላትን ጨናፍርን ሰልፊ ነዚ መደብ’ዚ ከዐውቱ ጻዕርታቶም ከዛይዱ ኣተሓሳሲቡ።
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት
ፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት’ዩ
ሰደህኤ - ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
7 ታሕሳስ 2014
ብኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ዝተጸውዔ ናይ ጥምሮ ኣብያተ ስሕፈት ሃልፍትን ካድራትን ሰሚናር ተኻይዱ
Wednesday, 10 December 2014 20:35 Written by ሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ኽፍለብዕለት 07-12-14 ብኣቦወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ዝተጸውዔ ሰለስተ ቤት ጽሕፈታት
- ቤት ጽሕፈት ኣበወንበር 2) ቤት ጽሕፈት ሉኡኽ ወጻኢ ጉዳያት 3) ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህሊን ፣ኩለን ሓለፍቲ ትካላት ሚዲያ ሰልፊና እውን ዝተኻፈልዎ፣ ሓቢርካን ተዋሃሂድካ ምስራሕ ዝብል መደብ ዕዮ ዝኣመተ ሰሚናር ተኻይዱ።
ኣቦወንበር ሰልፊ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ኣብ ኣኼባ ተረኺቦም ዝነበሩ ኣባላት ሕውነታዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ንኣኼባ መጸዊዕዑ ምኽኒያት እቲ ድሕሪ ነዊሕ ግዜታት ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈታትናን ትካላታትናን፣ ብመደብ ዕዮ ሰልፍና ተመርዂሰን ዘካየድኦ ገና እውን ዘካይድኦ ዘለዋ ኑጡፍ ውድባዊ ስርሓት ኽምስገን ዘለዎ እኳ እንተኾነ፣ ግዚኡ ገምጋም እንግሀብረሉን ኣብ ተሞክሮና ተሞርኲስና ምምሕያሽን ተሞክሮታትና እንላዋወጠሉ ኣብ ስርሓትና ምትሕግጋዝ ኣንገብረሉ ሓዲሽን ሃናጽን መደበ-ዕዮ እነተኣታትወሉ ይጠቅም ብምባል ቤት ጽሕፈታትና ትካላትናን ንምውህሃድ ኣብ 3 ጥምሮ ምትእኽኻባት ኸፊልናዮስ እንሆ እዚ ሎሚ ጸዊዕናዮ ዘለና ናብኡ ዝዓለመ እዩ ኽብል ኣብሪሁ ። ዘረባኡ ብምቕጻል፣ቅድሚ ኣብቲ ርእሲ ነገር ምእታው ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣነ ኣብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ፣ሓው ወልደየሱስ ክኣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንርከብ ከም ዘለና ኩሉኹም እትፈልጥዎ እዩ። ብወገነይ እቲ ምስ ግዜን ኩነታትን ኽግበር ዘለዎ ዑደት ብምምርኳስ፣ዕድመ ብጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበሩልና ምስ ሓው መሓመድ ድራር ኣኬባ ምስ ኣባላትና ሰሚናራት ምስ ዜጋታትና ወይ ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ክፋል ህዝብናን ውድባትን ውልቀ ሰባትን ምስ ሰልፍታትን ባእታትት መንግስታውያን ኣካላት ብሪጣንያ ወይ ኣማሓደርቲን ዘካየድናዮ ርክባት ጹቡቕ ውጺኢት ሂቡን ይህብን ኣሎ፣ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ዑደት ኣብ ሙሉእ ኤውሮጳ ፣ኣመሪካ ፣ኣውስትራልያ፣ኣሲያ፣ኣፍሪቃ ኽግበር ዘለዎ ኢልና እናኣምኖን እንደልዮን እኳ ይኹንምበር ምስ ግዜን ምቅርራብ ዞቦታትና ፣ኣብ ዓቕምታት ትሕዝቶና ዝተሞርኮሰ ኸም ዝኾነ ኹላትና እንግንዘቦ እዩ።
ሓው ወልደኢየሱስ ዓማር በቲ ን15 ሃገራት ዝውከል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (Southem African Development Community/SADC) ዝተገብረልና ዕድመ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፣ ኣባል ኣዋሃሃዲ ኣካል ኤርትራዊት መድረኽ ንዲሞክራስያዊ ዘተን ወይዘሮ ሳልዋ ኑር ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሳኢት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካብ ወሽመጥ ዓረብ፣ዝተኻፈልዎ ኹነታት ህዝብና ፣ግብሪ ውልቀ -መላኺ ስርዓተ ኢሳያስ ብደቂቕን ንጹሩን ኣብሪሆምስ ኽዋሃብ ዘለዎ ደገፍን ንተግባረ ዲክታተራዊ ስርዓተ ኢሳያስ ንምግላጽን ኣብ እቲ ዘድሊዮ ኢንስቲትዩሽን ምምልካትን ኽዝተዮ ኽንጽዕር ዝብል ፖለቲካዊን ሞራላዊ ደገፍ ረኺቦም ኸም ዘለለዉ በቲ ቐልጢፉ ዝማሓላለፈልና ሪፖርታጅ ይበርህ፣ ገና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ምንቅስቃሳት ኸምኡ ዜጋታት ኤርትራዊያን ኣኸባታትን ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ርክባት ንምግባር ይቕጽል ኣሎ ኣወንታዊ ውጽኢት ኽርከብ ዘለና ትምኒትን እምነትናን እዩ።
ብወገን ዞባታትናን ኑኡሳት ዞባታትን ጨናፍርናን እውን ጹዑቕ ስርሓትን ጉባኤታተንን ኣኼባታትን ገምጋም ስሪሓተን ብምክያድ ፣ምቅርራብ ንዝመጽእ ጉባኤና ፣ፈስቲቫልና፣ ኸምኡ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ናይ ምቅርራብ ጉዕዞ ተጀሚሩ ኣሎ ኽብል ኣብሪሁ። ብምቕጻል ኣቦ ወንበር ሓደ ሰፊሕ ፕሮግራም ናይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን ናይ ዜናን ባህልን ዝርዝር ኣንቢቡ ናብ ኹላትና ኽበጽሕ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።
ድሕሪ ብጽምዋን ጥንቃቐን ምስማዕ ቓል ኣቦ ወንበር ንዝቐረበ ሓበረታን ሓድሽ ምትእትታው መደብ ዕዮ ኣድንቖትን ንተሞክሮታትናን ኣብ ስራሕ ምትሕግጋዝ ኣዚዩ ጠቓሚ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ካብ ዝቐረቡ ርእይቶ ንምጥቃስ ስጋብ ሕጂ ዝርኤ ዝጸንሔ ጻዕሪ ቤት ጽሕፈታትና ትካላታትና ኑኡድ እኳ ይኹን እምበር ተሞክሮታት ምልውዋጥን ምምልላእ ወይ ምትኽኻእ ንስርሓትና የሳልጥ ጥራይ ዘይኮነስ ብቦታ ዝኣክል ተራሓሂቕና ዘለና ሳላ ምዕቡል መራኸቢ ቡዙሃን ኽንቃራረብን ኣብ ስራሕ ተራኺብካ ኣጸቢቕካ ክትላለ ዝሕግዝ፣ ብሓቂ ዝንኣድ ሓሳብን ኣጋባብ ስራሕን እዩ ዝብል ነበረ።
ካብቶም ዝተረዳዳእናሉ ነጥብታት፣
1) ኩሉ ፕሮግራማት ነቲ ቐዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ኣለሊኻ ብምኽፋል ውሱን ግዜ ብምሃብን ጽብጻባት ስርሓት ኽቐርብን ንቕድሚት ዝኸደሉ ወይ ዝስጉመሉ ኣጋባብ ኽሕዝ ምግባር።
2) ኹሉ ዝስራሕ ስራሕ ደቒቕ ጸብጻብ ውሽጣዊ ኮይኑ ንደገ ዝወጽእ ኸም ዜና፣ ሪፖርታጅ ፣ ሓቤረታ ምትሕልላፍ፣ንስራሕ ሰልፍና ምስ ህዝቢ ምልላይ ኣገዳሲ እኳ ይኹንምበር እንጽሕፎ ሕጽር ዝበለ ክኸውን እቲ ዝተመርጸ እዩ። ኹሎም ወረ ዘመሓላኪፉ ካብ ተገዳስነት ልምድን ዝነቐለ ድኣምበር ሞያኛታት ወይ ናይ ጋዜጣ ኺኢላታት ስለ ዘይኮና ንዓቕምታትና ምድላብ የዲሊ እኳ እንተኾነ ሰልፍና ብጨናፍሩ ኣቢሉ ኣብቲ እንነብረሉ ሃገራት ብምድህሳስ ንመንእሰያትና ዕድል ትምህርትን ንስርሓትና ኽኣ ብኺኢላታት ኽስራሕ ዝጠቅም ዓውዲ ስራሕ ኸነማልእ ስል ንኽእል ንምምላኡ ኽንጽዕር ኣለና ዝብል ሓሳባት ቐረበ።
3) ዓውደ-መጽናዕቲ (workshop) ኽንገብርን ኣብ ስርሓትና ኣወንታዊ ምትሕግጋዝን ምምልላእን፣ ጽፉፍ ኣጋባብ ኣሳራርሓ ኸነኻይድ፣ ፍልጠትና ኽምዕብልን ውጺኢት ስርሓትና ኣዕጋቢ ክኸውን ምእንቲ ኸም ስራሕ ኽንትሓሓዞ ኣለና ዝብል ሓሳብ እውን ሰሚሩሉ።
4) ናይ ኹላትና ኢ-መይል፣ ስካይፐ ብምልውዋጥን ንኹላትና ዘራክበና ቦታ ኽንገብርን ኽንጥቀመሉ፣ ቑልጡፍ ሓቤረታት ኽንላዋወጥን ጡርኑፍ ኣሳራርሓ ኸነታኣታቱ እዩ ድልየትና ።
5) ኣዚ ሓዲሽ መራኸቢ ቡዙሃን ከም ትዊተር፣ ፈይዝ ቡክ ፣ይቱብ ኻልእ ሓደስቲ ዝወጹ ናውቲ፣ ቢፍላይ መንእሰያትና ምስ መዘናታቶም ክራኸቡን ከም እዋኑ ዝጠልቦ ሙዕቡል ኣጋባብ ክጥቀሙ ክንታሓባበሮም ኣለና ኽብል ኣኼባ ተደምደመ።
ሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ
ፍትዊ ኽፍለ
ኣርዓዶም በርሀ
“ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” እዚኣበሃህላ’ዚ ኣብ ባህልና ልሙድ ኮይኑ መልእኽቱ ድማ ክልተ ድኹማት እንተተላፈኑ’ውን ኣየድምዑን እዮም ዝብል እዩ። ሎሚ ኣብ ህዝብና ናይ ለውጢ ድሌትን ቅሩብነትን ኣሎ። ኣብ ሃገርና ድማ ገሃርሃር ዝብል ናይ ለውጢ ወድዓዊ ባይታ ኣሎ። እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ እምበኣር ነቲ ብሱል ባይታ መዚኑን ሓድነቱ ኣድልዲሉን ናብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ከውዕል ዝኽእል ቃያሪ ሓይሊ ክጥረ ዘይምኽኣሉ እዩ። ከምቲ ካብቲ ክምዝገብ ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ተጠቀምቲ ብዙሓት ምዃና ዘየዳዲ፡ እቲ ለውጢ ንክረጋገጽ ክስለፍሉ ዝግበኦም ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን’ውን ብዙሓት ኢና። ካብዞም ብዙሓት ሰብ ውራይ እቶም ቅድም ቀዳድም ዝጥቀሱ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብዓብይኡ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን እውን ቅድሚት ዝስለፉ ውዱባት ኣካላት እዮም። ህዝብና ሎሚ ኣብ ትሕቲ መሰል ምውዳብ ዝነፍግ ገዛኢ ሓይሊ ስለ ዘሎ ነቲ ድሌቱን ህርፋኑን ብዝምጥን ፍጥነት ኣብ ናይ ለውጢ ጐደና ክምርሽ ኣብ ዘይክእለሉ ሃለዋት እዩ ዝርከብ።
እቲ ኣብ ዓዲ ጓና ዘሎ ውድባትን ማሕበራትን እውን፡ ብዘይካቲ ምስቲ ቀንዲ ደላይን ዋናንን ናይ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ዝባኑ ቀሊዑ ብኣካል ተራኺቡ እሂንምሂን ክብሃሃል ዘይምኽኣሉ ሓደ ንቃልሱ ካብ ዝብድህዎ ሕጽረታት እዩ። ናቱ ባዕላዊ ስንፍና እንተወሲኽሉ ኸዓ እቲ ጉዕዞ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ከም ዝኸውን እዚ ንነብረሉ ዘለና ናይ ቀንፈዘው ህይወት ባዕሉ ምስክር እዩ። እንተኾነ እዚ ሕጽረታት እዚ ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝበሃል ቅንዕናን ናይ “ክገብሮ ኣለኒ” በሃልነት ኒሕን እንተልዩ ዘይከኣል ዕማም እዩ ማለት ኣይኮነን። ብዙሕ ዋጋ ከም ዘኽፍል ግና ከሎ ጌና ከነስተብህለሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ከምቲ ንደልዮ ዘይሰለጠና መንገዲ፡ ኩሉ ግዜ መውጽኢ ኣፍና ጌርናዮም ክንስና ብተግባር ግና ዘየዕወትናዮም መብጸዓታት ሓደ “ሓይልና ደልዲሉ ንጸላኢ ዘርዕድ ቀጺሉ ድማ ዘወግዶ ምእንቲ ክኸውን ሓቢርና ንስራሕ” ዝብል ምሉእ ሓሳብ ምዃኑ ኩልና ንሰማማዓሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ መብጸዓዚ ምምብጻዕን ከምቲ ዝተመባጻዕካዮ ኮይንካ ምቕራብን በበይኑ፡ እኳደኣ ኣዝዩ ዝረሓሓቕ ምዃኑ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ምሂሩና እዩ። እንተኾነ ነዚ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኩሮ እውን ክንድቲ ዝድለ ኣይተመሃርናሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ብዛዕባኡ ወርትግ ደጋጊምና ክንዛረበሉን ክንጽሕፈሉን ተገዲድና ዘለና። ገለገለ ወገና ነቲ ጉዕዞና “ስብራ ዘየብሉ ጓይላ” ዝብልዎ’ውን ካብዚ ብምንቃል እዩ።
ውድብ ኮነ ማሕበር ወነንቲ ጽቡቕ ድሌት ውልቀሰባት ተኣኪቦም እዮም ዝምስርትዎን ዘዕውትዎን። ብርታዐን ዓቕምን ናይዚ ውዳበታት ድማ ካብ ዓቕምን ብርታዐን ናይዞም መስረቱን ኣንቀሳቐስቱን እዩ ዝቕዳሕ። ንሳቶም ብቑዓትን ውፉያትን እንተኾይኖም ወዮ ውድቦም ወይ ማሕበሮም ብኽንድኡ ደረጃ የድምዕ። ንሳቶም ሰነፋት ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩን ናይ ህዝቦም ጸበባ ዘየሳሕዮምን እንተኾይኖም ከዓ ብኽንድኡ ደረጃ ይደክም ምናልባት እውን ጠቕሊሉ ካብ መስርዕ ቃልሲ ይወጽእ። ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ዝያዳ ከድምዑ ከም ዝግበኦም ምስ ተረድኡ ክገብርዎ ካብ ዝግበኦም ብዙሕ ሓላፍነታዊ ስጉምታት ሓደ ከምቲ “ዝሓበራ ኣጻብዕ ኣርቃይ የዘንብዓ” ዝበሃል ሓደ ዝዕማሙ ክንሱ በበይኑ ንዝወፍር ዓቕምታት ኣብ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መኣዲ ከም ዝቕረብ ምግባሩ እዩ። ከምቲ ብቕዓት ውድባት ኣባላተን ካብ መጀመርታኡ ጀሚሮም ብዝመርጽዎ መንገድን ዘርእይዎ ተወፋይነትን’ዩ ዝውሰን ዝበልናዮ፡ ግንባራት፡ ምሕዝነታት፡ ኪዳናትን ባይቶታት ኣውን ዓቕመን ኮነ መልከዐን ነቲ ዘቑመን ውድባት ይኹን ማሕበራት ዝመስል ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ውድባትን ማሕበራትን ናብዚ ዝተጠቕሰ ናይ ሓባር መድረኻት ከንቅዱ እንከለዉ፡ ዕላማኦም ብኻለኦት ኣብ ዝተኣጉደ መጋርያ ንምስሓን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መጋርያ ውልዕ ኢሉ ከየብሰለ ወይ ከየሞቕ ምእንቲ ከይጠፍእ ነናቶም መጻኢ ራእይ ዘንጸባርቕ መወዓዓዪ ሓሳብ ሒዞም ክቐርቡ ይግበኦም። ኣብ’ዚ ግና እቲ ሒዘምዎ ዝቐርቡ ራእይ፡ ናብቲ ናይ ሓባር ዕዳጋ ቀሪቡ ናይ ምሻጥን ዘይምሻጥን ዕድል ዘለዎ እምበር፡ ናይ ግድን ናተይ ቅቡል እንተዘይኮነ ኢልካ እምባጋሮ እትፈጥረሉ ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ሓባር መድረኽ ራእይካ ብርኡይ ምኽንያት ክሰዓር እንከሎ፡ ግዚያዊ ስዕረትካ ተቐቢልካ፡ ነቲ ካብ ናትካ ዝያዳ ልዕልና ረኺቡ ናይ ሓባር ክኸውን ዝተመርጸ ሓሳብ ከም ናትካ ጌርካ ምቕባሉን ብምሉእ ልብን ዓቕምን ምትግባሩን ካብ ሓደ ዕቱብ ናይ ለውጢ ሓይሊ እትጽበዮ እዩ።
ናብቲ ኣርእስተይ ክምለስ። እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበኦ ቅድሚ ብኸመይን ምስ መንን ልፍንቲ ምቑጻር፡ እንታይ መላፈኒ ዓቕሚ ከም ዘለካ ምፍላጥን ካባኻ ዝድለ ዕጥቂ ክትዕጠቕ ክትበቅዕን ናይ ግድነት እዩ። ሓደ ውድብ ከም ስሙ ውድብ ንክበሃል ጥራይ ዘይኮነስ ውድብ ንክትከውን ከተማለኦ ብዛዕባ ዝግበኣካ መምዘኒ ዝምልከት ምናልባት ኩልኻ ኣብ ሓደ ዘይቅየር መዕቀኒ ቀትዒ ምርድዳድ ኣይከኣልን ይኸውን። ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም መምዘኒ ኩነት ንምስኣል ኣብ ግምት ዘይእትዉዎም ነጥብታት ክፈላለዩ ስለ ዝኽእሉ። ብውሕዱ ግና፡ ኣብ ቀጻሊ ኣባላት ናይ ምምልማል፡ ጥቡቕ ዝምድና ምስቲ ምእንታኡ እየ ዝቃለስ ዘለኹ እትብሎ ህዝብ ምፍጣርን ድሌቱ ምርዳእን፡ በብግዜኡ ንዘጋጥሙ ምዕባሌታት ዝርዕም ሜላታት ምህንዳስ፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ዝመረጽካዮ ሜላ ብተግባር ዘየሰጉም ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ግዜ ከየባኸንካ ሓድሽ መዋጸኦ ሃሰስ ምባል፡ እትምረሓሉ ነጻ ራእይ ምውናን፡ ኣባላትካ ምስቲ ዝፍጠር ምዕባለታት ዘሰጉሞም ብቕዓት ከም ዝውንኑ ምኽኣል … ወዘተ ናይ ሓደ ውድብ ተግባራት ክኾኑ ይግበኦም። እዚ ንጥፈታት ኣብ ዝበኾረሉ፡ ዝተወሰነ ሓይሊ ሰብ ሒዝካ፡ ጉባአ ኣካይድና፡ ኣኼባ ሓጋጊ ኣካል ኣሳሊጥና፡ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ቀኒና እንዳበልካ ደድሕሪ’ዚ ፍጻመታት ሓድሽ ጉዳይ ዘይንበበሉ ደምዳሚ መግለጽታት ብምውጻእ ጥራይ ውድባዊ ፖለቲካዊ ህይወት ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ።
እቲ ዝያዳ ዘገርምን ሕጂ’ውን ከእረም ዝግበኦን ከዓ ኣብዞም ዝተጠቕሱ መምዘንታት ሰሪሕካ ከምቲ እትጽወዓሉ ህይወት ዘለዎ ውድብ ድዩ ማሕበር ክትከውን ዘይበቃዕካ ክንስኻ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጢ ናብ ደገ እንዳማዕደኻ ብዛዕባ ካለኦት ክትወራዘ ምፍታን እዩ። እቲ ካልእ ግጉይ ጉዳይ ንገዛእ ርእስኻ ከም ውድብ ወይ ማሕበር ትንፋስ ሰዂዕካ ክትቀውም ስለ ዘይከኣልካ ረይረይ እንዳበልካ እንከለኻ ምስ ካለኦት ክትላፈን ዝግበር ሃቐነ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝፍጠር መላፈኒ መድረኽ ክትቃለሰሉ ዲኻ ወይስ ክትዕቆበሉ ፍሉጥ ኣይኮነን። እቲ ምሳኻ ዝላፈን ከማኻ ድኹም እንተኾይኑ እሞ ድማ ውጽኢቱ ብሓቂ “ ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ኮይኑ ናብ ዓዲ ውድቀት መገሻ እዩ ዝኸውን።
”ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ” ዝብል ምስላ ወለድና ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሃለዋት እውን ዝሰርሕ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ሓደ ነገር ክንጅምር እንከለና ውድብ ድዩ ግንባር እቲ ዝድኮነሉ ባይታ “ክሳብ ክንደይ እዩ ጥጡሕ” ንዝብል ሕቶ ካብ ልቢ ክንሻቐለሉ እዩ ዝግበኣና። ብሰንኪ ታህዋኽ ድዩ ካልእ ምኽንያት ከም መንቀሊ ዝመረጽናዮ ባይታ ዘይጽኑዕ እንተኾይኑ፡ ደሓር ዝፍጠር ነቓዕ ንምልጋብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት እውን ኣይከኣልን ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ታህዋኽን ኣቋራጭ መንገዲ ምምራጽን ዝፈጠሮ ጸገም ኣብ ብዙሕ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ዘጋጥም እዩ። ንሕና ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነዚ ብዝምልከት ተመኩሮ ንምንዳይ ኣርሒቕካ ምጋሽ ወይ ዓበይቲ መዛግብ ምግንጻል ዘድልየና ኣይኮነን። ንተመኩሮና ኣብ ግዜ ምትእኽኻብ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኮሚሽ ኣቃቂ፡ ባይቶ ኣዋሳ ብኽፉት ኣእምሮ ሃሰስ እንተንብሎም ካባና ሓሊፉ ካለኦት ዘይኤርትራዊ ኣካላት’ውን ክመሃርሉ ዝኽእሉ ምስጢራት ኣለዎም። ነቲ በብግዜኡ ኣብ መንጎ ውሱናት ውድባት ከጋጥም ዝጸንሐ ናይ “ስርሕ ብትን” ተመኩሮ ሓድነታትን ልፍንትታትን እንተወሲኽናሉ’ሞ ኸዓ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣዝዩ ሰፊሕ መኾነ። መን’ዩ እሞ ክይመሃረሉ?
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝመረጽካዮ ናይ ሓባር መድረኽ ምስራሕ ይኣቢ። ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት ናይቲ ኣብያ፡ ቅድም ክትብገስ እንከለኻ ዘይዳህሰስካዮም ምዕባለታት ደሓር ግዜኦም ጸብጺቦም ስለ ዝመጹ’ሞ ፍታሕ ስለ ዝደልዩ ሓደ ምኽንያት እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክትከፍቶ ፈቲንካ ምኽፋት ዝኣበየካ ማዕጾ ክትኩሕኩሕ ግዜን ጉልበትን ምብኻን ውሕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣይኮነን። እቲ ውሕሉል መፍትሕስ ብዓንተብኡ ካልእ መማረጺ ምድላይ እዩ። ምናልባት እቲ ደሓር ዝምረጽ መዋጸኦ ናይቲ ቀዳማይ ግና ምስራሕ ዝኣበየ መድረኽ ምፍራስ የስዕብ ይኸውን። ኣብዚ እዩ እምበኣር ኣብ ልዕሊ ከም ዘይስርሕ ባዕሉ ዝተዛረበ መድረኽ ከይትጭክን ክትብል፡ ካልእ ከስርሕ ዝኽእል ዕድልን ግዜን ከይሃድመካ ንምድሓኑ ትብዓትን ውሕልነትን ዝሓትትን።
10 ታሕሳስ 2014
ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ብመራኸቢ ብዙሃን ፓል ኣቢሎም ኣኼባ ኣካይዶም
Wednesday, 10 December 2014 20:18 Written by ሓላፊ ዜናን ባህሊን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ክፍለብዕለት 05-12-14 ናይ ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ብመራኸቢ ብዙሃን ፓል ኣቢሎም ኣኼባ ኣካይዶም።
ኣቦ ወንበር ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ህሉው ኹነታት ሃገርና ኻብቲ ናይ ቅድም እናገደደ ቀረብ ዘይርከበሉ ብነፍሒ ወይ ፕሮፓጋንዳ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ዓይኒ ህዝብና ንምድፋንን እዝኑ ንምጽማምን ዕለታዊ መደበ-ስርሑ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብዚ እዋን እዚ ኽኣኸምቲ ሉሙድ ሓሶቱ ሓዲሽ ወረ ወተሃደራዊ ኣጎልጉሎት ሓደ-ዓመቲን ሾመንተ ወሪሒን ኪከውን ኢዩ ዝብል ኽነፍሕ ጀሚሩ ኣሎ ።እዚ ወረ እዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ኸደናግር ዘይክእል እኳ ኣንተኾነ ኒቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ምስ ዲክታተር ዝዳናገጽ ዝዓለመ እዩ፣እዚ ሽጣራ በቢግዚኡ ዝጥቀመሉ፣ ግዜ ምንዋሕ ግዝኣቱ ንምንዋሕ ኢሉ ፉሹል ስራሕ፣ ኑኹሉ ቡሩህ ኮይኑ ቓልስኻ ብዘይ ምድኻም ምቕጻል እዩ።እታ ሓንትን መጠርሽታ ኽገብራ ዘለዎ ስልጣን ንህዝቢ ምስርካብ እዩ ፣እዚ ግን ኣብ ርእስን ሓሳብን ውልቀ መላኺ ስለ ዘየሎ ህዝቢና ብቓልሱ ኣቢሉ ባዕሉ ስልጣን ኻብ እዚ ዲክታተር መንጢሉ ህዝባዊን ዲሞክራሲያዊት ስርዓትን ሉእላዊት ሃገርን ሓድነቱን ዘጠንክረልሉ ባዕሉ እዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብ ደኒማርክ ነዞም ሓደሽቲ ዕቑባ ዝሓተቱ ኣስጋኢ ወረ ይስማዕ ኣሎ፣ መንግስቲ ደኒማርክ ኸም ዝብሎ ሉኡኹ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ ምስ ስርዓተ ኢሳያስ ተራኺብና ዝረኸብናዮ መረጋገጺ ምሕረት ኽግበረልሎምን ብሓገዝ መንግስቲ ደኒማርክ ናብርኦም ከጣጥሑ ይኽእሉ ብምብእል ንቡዙሓት ዜጋታትና ናብ ሃገሮም ኽመልሶም ይቃራረብ ምህላዉ እንሰምዖ ዘለና ወረ እዩ።
ንሕና ብወገና እዚ ምትላል ስርዓተ ኢሳያስ መጀመርታን መጠረሽታን ኣይክኸውንን እዩ፣ስለዚ ንምድሓን ዜጋታትና ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ማሕበራትን ፣ ዲሞክራሲያን ውድባትን ፣ ምስ ኹሎም ዉዑል ጅነቭራ ዝቕበሉ ባእትታትን። ዝተፋላለዩ ኣመንቲ ቤተ ክርስትያናት ደቂ ደኒማርክ ብምትሕብባር ናይ ዕቑበኛ ሰባዊ መሰላቶም ኽሕሎ ኽንጽዕር ኣለና።
ብዛዕባ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ፣ኹሉ ናብ ጉባኤታቱ ዝኸይድን ገሊኡ ኽኣ ድሮ ዝገብርን ብሚዲያ እንሰምዖ ዘሎና ሃዋሁው እዩ፣ ብወገና እቲ ሓቢርካ ምስራሕን ኣብ ሓደ ንኹላትና ኽጥርንፍ ዝኽእል ጽላል ንምብጻሕ ጺዕርናን ኽንጽዕርን ምዃና ደጊምና እነራጋግጾ ጉዳይ እዩ።
ንሕና እውን ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ስልፋዊ፣ ዞባዊ፣ ጉባኤታትን ፈስቲቫልን ከነካውን ስለ ዝኾንና መደባትን፣ ምቅሊት ስርሓትን ጌርና ጉዕዞ ስራሕ ብምጅማር ኑጡፉን እሩሙን ኣጋባብ ምኽታል ኸድሊየና እዩ ኽብል መድሩ ደምደመ።
ሓለፍቲ ዞባ ነቲ ዝተዋህበ ኣርእስቲ ዘትዮም ዘድሊ ስጉምትታት መደብ ስራሕ ኣውጺኦም ንስራሕ ንምጓዓዝ ብሙሉ ሓይሎም ኽሰርሑ ተራዲዶም።
ሓላፊ ዜናን ባህሊን ዞባ ኤውሮጳ
ፍትዊ ክፍለ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ጀርመን ጨንፈር 3 (ከለንን ከባቢኡን) ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ
Tuesday, 09 December 2014 19:51 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ጀርመንብዕለት 06-12-2014 ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 18.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ጨንፈር ከሎንን ከባቢኡን ብዓወት ከምዝዛመ ካብኡ ዝተመሓላለፈ ዜና እነሆ።
ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምጅማር ነቶም ኣኼበኛታት ብናይ ሕድሕድ ምልላይ ገይሩ ነቲ ኣኼባ ከፈትዎ።
ሓው ዓንደብርሃን ዮሃንስ ብዛዕባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኵሉ መዳይ ዘካይዶ ቃልሲ ሰፊሕ መግለጺ ንጨንፈር ገሊጹ። ብድሕሪዚ ጨንፈር ኮሎን ብዛዕባ ውሽጣዊ ምምሕዳሩ ዝምልከት ምምይያጥ ብምግባር ኣሰራርሓ ጨንፈር ክግምግምን ክሰርሓሉ ዘለዎ መንገዲን ተዘራሪብሉ። ኣብ ርእሲኡ ኣኸበኛ ጨንፈር ብዛዕባ ዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ዓመት 2015 መደብ ዕዮ ሰልፊ ብምክትታል ሕኑን ቃልሲ ከካይድ ብዃኑ ቃል ኣትዩ።
ኣስዒቡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣውጺእዎ ዘሎ እማሜ መሰረት ምስ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ናይ ምስራሕ ዝብል ኣምር ጨንፈር ከሎንን ከባቢኡን ነዚ እማሜ ኣዚ ከም ዝደገፎን ኣብ ስራሕ ከተግብሮ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኣብ መወዳእታ ኣኸበኛ ርእይቶታቱን ለበዋኡን ብምሃብ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ፈጸመ።
ንኡስ ዞባ ጀርመን ስርዒታውያን ሓለፍቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ዕዉት ሰሚናር ኣካይዱ
Monday, 08 December 2014 17:13 Written by ንኡስ ዞባ ጀርመንብንኡስ ዞባ ሽማግለ ዞባ ጀርመን ዝተጸውዐ ሰሚናር፡ ስርዒታውያን ሓለፍቲ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 06-12-2014 ዓ.ም. ኣኼባኡ ብምክያድ፡ ዕዉት ስራሕ ኣሰላሲሉ።
ኣብ መኽፈቲ ሰሚናር ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ነዚ ዕለት እዚ ተዳሊዩ ዘሎ ዛዕባ ብምትንታን ከፈቶ።
ብድሕሪዚ እዚ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት 2015 ን መደምደምታ ዓመት 2014 ን ዝተገብረ ሰሚናር ኵለን ጨናፍር ንኡስ ዞባታት ጀርመን ነቲ ኣብ 2014 ዘካየድኦ ንጥፈታተን ብመራሕቲ ጨንፈራተን ብቐደም ተኸተል ብንጹር ኣወታውን ኣሉታውን ጸብጻበን ኣቕሪበን።
እዚ ጸብጻብ እዚ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ዓመት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፖለቲካውን ማሕበራዊን ዲፕሎኦማስያዊን ቁጠባውን ባህላዊን መዳያት ንምሕያል ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥርን ንዅሉ ኣወንታዊ ከይዲ ዝተብገረ ስራሓት ንምስፋሕን እቲ ኣሉታዊ ጐድንታት ድማ ከይድገም ካባኡ ብምምሃርን ምጽጋንን ዘኽእል እኹል መግለጺ ተዋሂቡ።
ሰሚናር ካብዚ ብምብጋስ ንዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት 2015 ክሰርሖም ዘለዎ ሓዲሽ መደብ ዕዮታትን እማመታትን ብምስራዕ ነዚ መደባት እዚ ተግባራዊ ንምግባር ብቑዓት ኣካላት ምምዳብን ምቁጽጻርን ክግበረሉ ከም ዘለዎ ብጥብቂ ኣስሚርሉ።
ብድሕሪዚ ኣኼበኛ ሰሚናር ብሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ሂቡ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ዛዘመ።
ቀጻሊ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብሓውተስፋኣለም ኣርኣያ ዝቐረበ መደረ
Sunday, 07 December 2014 19:30 Written by ኣዋሃሃዲት ፓል ሓርነት
ብዕለት 29-11-2014 ኣብ መስኮት ሓርነት ሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ ዓንድታት ዲሞክራሲ ዝብል መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ኣርኣስቲ ሒዙ ቀሪቡ። እቲ ቅድም ክብል ብዕለት 15-11-2014 ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ዓንቀጽ ንሰማዕቲ መስኮት ሓርነት ቀሪቡ ሰፊሕ መግለጺ ብዛዕባ እንታይነት ዲሞራሲ ክገልጽ ከሎ፡ ነዚ ሰፊሕን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ እዋንናን፡ ጌና እውን ንዝመጽእ ህዝብታት ዝዛተየሉን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ንምምዕባሉ ዘጽዕሩሉን ዝጽዕሩን ዘለዉ ጸሚቝካ ናይ ምቕራቡ ኣብ ክልተ መቒልዎ ከምዝነበረ ይዝከር እዩ። ንሳተን ከኣ ፡-
1) ዲሞክራሲ እንታይ ማለት እዩ
2) ዓንድታት ወይ መቖሚታት ዲሞክራሲ እንታይ ይመስሉ።
ቀዳማይ እንታይ ማለት እዩ ዲሞክራሲ ፤ኣወዓዕልኡኸ ዝብል ምስ ኣመጻጽእኡን ጥቕሙን ዋንነቱን ብሰፊሕ ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ብሩህ ኮይኑ፣ ብዕለት 29-11-2014 ከኣ እቲ ካልኣይ ነጥቢ ዓንዲታት ወይ መቖሚታት ዲሞክራሲ ዝብል ብሕጽር ዝበለ ገይሩ ኣቐሪብዎ። ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክግለጽ ከሎ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኮይኑ ህዝቢ ከኣ ብፍላይ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ክፍለ ዘመን ብምርጫኡ ኣቢሉ ንውሱን ግዚ ስልጣን የስረክብ ድሕሪ እቲ ዝተመደበ ግዜ ከኣ እቲ ስልጣን ተቐቢሉ ዝነበረ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ ይመልሶ። በዚ ኣገባብ እቲ ስልጣን ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝብል ኣገባብ ይካየድ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣሰራርሓኡ ሕገ-መንግስቲ ከም ናይ መንግስቲ መሳርሒ ኮይኑ ይሰርሕ።
ትርጉምን መዝን ሕገ መንግስቲ እስከ ንርኤ፡
ናይ ብላክ (Black) ናይ ሕገ መንግስቲ መዝገበ ቃላት ንሕገ መንግስቲ ከምዚ ዝስዕብ ትርጉም ይህቦ። ‘’ናይ ሃገር ወይ መንግስቲ መሰረታዊ ሕጊ ናይ ኣመሓዳድርኡ ዓይነትን፡ መንፈስን ዝምድብ ውሽጣዊ ናብራ ምስ ሕገ-መንግስቲ ዝሳማማዕ ቀንዲ መትከላት ዝሰርዕን፡ ምምሕዳር ወዲቡ ዝሰርዕ፡ ንኽፍልታት መንግስቲ መዝታት ዝኸፋፍልን ዝውስንን፡ ናይ ልኡላውያን መንግስታት ስርዓትን ኣገባብን ዝገልጽ ስልጣኑ ካብ ህዝቢ ዝኾነ ዓይነት መንግስቲ ’’ እዩ።
ብሕጋውን ክለሳ-ሓሳብን ኣረኣእያን ሃንስ ከሰን (Hans Kelsen) ድማ ከምዚ ገይሩ ይገልጾ፤
‘’እቲ ናይ እወንታዊ ሕጊ ዝለዓለ ደርቢ ቅዋም እዩ፡ ሓፈሻዊ ሕግታት ንምፍጣርን ስርዓቱ ንምምዳቡን ቀንዲ መዙ እዩ። ሓፈሻዊ ሕግታት ተኣኪቡ ሕጋገ ይበሃል። ሕግታት ክሕገግ ከሎ ፡ትሕዝትኡ ዝምድብ ዘፍቅድን ዝእግድን ነገራት ዝውሰን ቅዋም እዩ’’።
ቅዋም ናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ሓደ ዓቢ ኣካል እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ብዓይኒ ጥርጠራ ዳርጋ ጽልኢ ጌርና እንሪኦ ዘለና ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዲሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን ኣገደስቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝቅበልኦ እዩ ወይ እየን። ብወገን ህዝቢ ከኣ ናይ ምቁጽጻር ካብ ቅዋም ከይወጽእ ብሲቪካዊ ማሕበራትን በተን ናጻ ዝኾና ማዕከናት ወይ መድያ ይከታተልን ኣወንታዊን ኣሉታውን ገምጋም ስርሓትን ይመዝንን ይፈርድን።
ኣብ ስልጣኑ ዝተስረከበሉ እዋን ከኣ ናይ ምርጩኡ ግደ ይጻወት።ብተወሳኺ ህዝባዊትካላቱ ፈራዲ ኣካል ‘ውን ናይ ምቊጽጻር ስርሑ የካይድ። ኣብ ርእሲ ስራሕ ናይ ፍርዲ ምክትታል ሕግታት- ስራሓት መንግስትን ካልኦት ምምሕዳራትን ዝካየድ እውን ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ዲሞክራሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ። ተመሊስና ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ክንብል ከለና ከም ቃል ሕጂ እውን ኣብ ናይ ወብስተር (Webster) መዝገበ ቃላት ነታ ብቋንቋ እንግሊዝ ኮንስቲቲትዩት (To constitute) ምቛም እትብል ቃል ጠርናፊ፡ ስሩዕ እርናበ ወይ ኣቘመ ኢሉ ይትርጉማ፡ ማለት ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ተኣርኒቡ ዝቘመሉ ኣገባብ የስምዕ። መብዛሕትኡ ቅዋማት ሕገ-መንግስቲ ካብ ኩሉ ዝለዓለ ሕጊ ናይታ ሃገር ከምዝኾነ ብግልጺ ወይ ብምእማት ይንገር። ግናኸ ሕጊ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን እዩ፣ ምባል ጥራይ እዚ ቅዱስ ሕገ-መንግስቲ እዚ ቅኑዕ ምስ ሕጊ ዝሰማማዕን ምዃኑ ዘረጋግጽ ዋሕስ ኣይክኸውንን እዩ። ስለዚ ሓደ ቅዋም ኣብ ወረቐት ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ናይ ህዝቢ ንቕሓትንምቅርራብንንመሰላቱ ዝሕልው ትካላት፡ ናጻ ፕረስ፡ ክህልዋ ኣለዎ። ሕግን ማዕርነት ዜጋታትና ናጽነት ውልቀ ሰብ ዝሕለወሉ ብትምምህርቲ ልዑል ፍልጠት ዝድለበሉ ኮታ ምዕሩይ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝረጋገጸሉ ክንበጽሕ ምእንቲ ብወገን ኤምዲሰመ ሓደ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ብፓል ሓርነት ኣቢሉ ንህዝብና መነቓቐሒ ኣርእስትታት እናልኣዓልና ምሳኻትኩም ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክግበር ኣብ መደብ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ተታሕዝናዮ ዘለና ኣገባብ ኣሰራርሓ ኮይኑ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ብሰፊሑ ዝተገልጸ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ናይ ሓደ ሃገር ኣብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዓቢ እጃም ዘለዎ እዩ።
መንግስቲ ሕጊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምርካብን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ዘረጋግጽ ወግዓዊ ሕጋውነት ጥራይ ማለት ኣይኮነን፤ ግናኸ ነቲ ናይ ወዲ ሰብ ልዑል ክብሪ ኣብ ምፍላጡን ፣ኣብ ምቕባሉን ፣እተሰረተ ፍትሒ ፡ምሉእ ሓሳቡ ንምግላጽ ድማ ብትካላት እተተግብረሉ መረጋገጺ ማለት እዩ።
ብዛዕባ ‘’መንግስቲ’’ ሓሙሽተ ሓሳባት ንምጥቃስ፡-
- መንግስቲ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ
- ምፍልላይ መንግስትን ቁጽጽርን ሚዛንን
- ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ዘለዎ ዝውሰን ስርዓት ምሕላው ሓርነትን ክብርን ሰብ
- ደረት ዘለዎ መንግስትን ምእኩል ምሕደራን
- ብዛዕባ ሕገ-መንግስትን ኣሰራርሓኡን ዘርኢ ናጻ ቤት ፍርዲ
እዘን ሓሙሽተ ሓሳባት ተላዒለን ዘለዋ ዋላ እኳ ትንክፍ ኣቢልናዮ እንተ ኣለናኣጸቢቕና ምርዳእናሉዑልክኸውን ክንጽዕርን ኣብ ዲሞክራሲያዊትን ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ንምብጻሕ ክንገብሮ ዘለና ነዊሕ ጉዕዞ ኩላትና እንግንዘቦ እዩ።
ንምጥቕላሉ ኣከፋፍላ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ጫለዳታት ይምቀል
እዘን ቀንዲ ዓንድታት ናይ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ሃገር ክኾና ከለዋ ነዚኤን ዓንድታት ዝገልጹን ዝከታተሉን መሰላቶም ዝሓቱን ኮታ ናጻ ኮይኖም ንምዕባለ ሃገር ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ከይጉዕጸጹ ስራሓት ናይ ዝተወደቡ ትካላት ከም መድያ፣ መሰል ደቂ-ስብ ዝከታተላ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ናይ እምነት ውድባት፣ ካልኦትን በብዓይነቱ መሰረታት ህዝብታት በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ ተወዲበን ይኹና ብውልቀ ዝዋስኣ ክህልዋ እቲ ግቡእን መሰልን ኣጸቢቕና ምፍላጡ ከድለየና እዩ። እዚ ስለዝኾነ ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተባህለ ኩላትና በብዓቕምና ክኢላታት ማለት ኦሊጋርኪታትና ይኹኑ ኤሊታትና ድሮ ኣብ ሓላፍነት ውድባት ዘለው የሕዋት፣ ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን ፣ ሚድያ ፣እናመጹን ኸምኡ ሰሚናራት፣ፈስቲቫላት ዝግበረሉ እዋንን፣ኣገደስቲ ኣስተምህሮን መርሆ ቃልሲ ዝብልዎ መግለጽታት ክህቡ ዘለኒ ትምኒትን፣ባህግን፣ድልየትን ዓቢ እዩ ብምባል መደርኡ ደምደመ።
ካብ ኣዋሃሃዲት ፓል ሓርነት
ኣብ ወርሒ 8, 2014 ዓ.ም 703 ኤርትራውያን ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣትዮም
Saturday, 06 December 2014 22:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኤርትራዊ ልኡኽ ኣብ ኣኼባ ጆሃንስበርግ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክድግፋ ጸዊዑ
Saturday, 06 December 2014 18:57 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
5 ታሕሳስ 2014
ድሕሪ'ቲ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ጆሃንስበርግ ዝተኻየደ ብዛዕባ ሃለዋት ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ፍልስጤም፡ ስዋዚላንድን ምዕራብ ሰሃራን ዝዘተየ ዓወደ-ምይይጥ (ዎርክሾፕ)፡ ኣብ'ቲ ኣኼባ እተሳተፈ ኤርትራዊ ልኡኽ ብ5 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በቲ ን15 ሃገራት ዝውክል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (Southern African Development Community/SADC ንኤርትራ ዝድግፍ ግብረ-ሓይሊ ንምቛምዝተወስደ ስጕምቲ ታሪኻዊ ክብል ኣመጒስዎ።
ኣቶ ኣቢ ዲትልሃከ፡ ዳይረክተር ፈጻሚ ኣካል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንወከልቲ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ተኻፈልትን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ንምብዳህ ብዕቱብነት ክተሓሓዝዎ ዘይምርኣዩ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ ሓቢሩ።
ኣብ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ዝግሃድ ዘሎ ጭቆናን ምፍንቓልን፡ ኣፍሪቃውያን ዲሞክራስያውያን ሓይልታትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ብሓባር ክብድህዎ ዝግብኦም እዋናዊ ሕቶ ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ መታን ሕማቕ ከይንርኢ፡ እቲ ኣንጻር ባዕዳውያን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ተጋድሎ ብዅሎም ኣፍሪቃውያን ዝተፈጸመ ተወፋይነት ሕጂ እንደገና ክሕደስ ወይ ክድገም ኣለዎ ኢሉ።
ዳይረክተር ባይቶ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጕዳይ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ኣጀንዳ ንምግባርን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ንምግልጋልን ማሕበሩ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ነቲ ካብ 3-4 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ-ምይይጥ (ዎርክሾፕ) ዝተገብረ ውሳኔታት ጸሚቑ ብምቕራብ ድማ፡ እዚ ነቲ ንኤርትራ፡ ፍልስጤም፡ ስዋዚላንድን ምዕራባዊ ስሃራን ዝምልከት ብሓምለ 2014 ዝተገብረ ኣዋጅ ዓሰራይ ጕባኤ መድረኽ ሲቪላዊ ማሕበራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ ክብል ገሊጽዎ። ብድሕር'ዚ፡ ኣቶ ዲትልሃከ፡ ንኤርትራዊ ልኡኽ መልእኽቱ ንጋዜጠኛታት ከስምዕ ናብ መድረኽ ዓዲምዎ።
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፡ ኣባል ኣውሃሃዲ ኣካል ኤርትራዊ መድረኽ ንዲሞክራስያዊ ዘተ ንኣባላት ኤርትራዊ ልኡኽ ድሕሪ ምልላይ፡ ነቲ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ዝገለጾ ደገፍዘመጕስ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣንቢቡ። እቲ መግለጺ፡ ንኣፍሪቃውን ኣህጕራውን ደገፍ ዝጽውዕን ኣብ ኤርትራ ኣወንታዊ ለውጢ ንምምዝጋብ ዞባውን ኣህጕራውን ደገፍ ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ዘብርህን ነበረ።
እቲ ኤርትራዊ ልኡኽ፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻኢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃም፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ወይዘሮ ሳልዋ ኑር፡ ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሳኢት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነበሩ። እቲ ልኡኽ፡ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ብዝርዝር ገሊጹን ካብ ተሳተፍቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱን።
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ ሰንበት፡ እቲ ልኡኽ ኣብ ከተማታት ደርባንን ጆሃንስበርግን ህዝባዊ ኣኼባታት ከካይድ ኢዩ። ( ነዚ ዑደት ዝምልከት ሰፊሕ ሪፖርታጅ ውን ከነስዕበልኩም ኢና)።
እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ፡ እቲ ልኡኽ ዘቕረቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢዩ።
ጋዜጣዊ መግለጺ
(ብቕልጡፍ ዝዝርጋሕ)
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ንኤርትራ የብርሳን ንህዝባ ድማ መዘና ዘይብሉ ስቅያት የውርደሉን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ኣሕዛንን ኣሰንባድን ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ኢዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ብዘይ ክስን ፍርድን ምእሳር፡ ደረት ዘይብሉ ምሕያር፡ ምስዋርን ብዘይ ፍርዲ ምቕታልን ....ወዘተ ነታ ሃገር ህዝባ ክነብረላ ዘይኽእል ርስንቲ እቶን ገይርዋ ኣሎ። ብሰንኪ'ዚ መሪር ጭቆና ጅምላዊ ስደት፡ ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት ስደት ኣብ ዘሰንብድ ብርኪ በጺሑ ኣሎ።
ውድቀት ናይ'ቲ ስርዓትን ለውጥን ዘይተርፍ ኢዩ። ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ ናይ'ቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ዘለዉ ሓይልታት ኢዩ ወዲቑ ዘሎ። ስልጣን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝቀባበለሉ መስርሕ ኰነ፡ ናጽነት ናይ ምዝራብን ናይ ምእካብን ዘይምህላው፡ ንሓደጋታት ናይ ባዶነትን ምብትታን ብዝያዳ ኢዩ ኣጕሊህዎ ዘሎ። ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት "ናይ ዕላማ ሓድነት ምርግጋጽ"፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዘካየድናዮ ነዊሕ ቃልስን ባህግታትን ዘባራብር ኢዩ። ስለ'ዚ፡ ናብ ዲሞክራሲ ዘብጽሓና ሕግን ስርዓትን ዝሓለወ መሰጋገሪ መድረኽ ኣድላዪነቱ ዓቢ ምዃን ክንፈልጥ ይግባእ።
ኣህጕራውን ዞባውን ደገፍ ኣብ ኤርትራ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ እጃም ከምዘለዎ እምነትና ኢዩ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ መበል 10ይ ጕባኤ መድረኽ ሲቪላውያን ማሕበራት ደቡብ ኣፍሪቃ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገለጾ ደገፍን ንኤርትራ ዝድግፍ ግብረ-ሓይሊ ምቛሙን ነመጕስ።
እዚ ኣብ ዓውደ ምይይጥ (ዎርክሾፕ) ናይ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) እተሳተፈ ኤርትራዊ ልኡኽ እዚ፡ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ የቕርብ።
- መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቝባን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰላም ክነብሩን ኣብ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ ናይ'ታ ሃገር ክሳተፉ ዘኽእሎም ዘድሊ ሕጋዊ ሰነዳትን ክህቦም፤
- ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲቪላውያን ማሕበራት ንቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ዝገብርዎ ደገፍ ክብ ከብሉ፤
- ሕብረት ኣፍሪቃ ብመሰረት ቅዋሙ ናይ ኣሳላጢነት እጃሙ ክጻወት፤
- ጐረባብቲ ኤርትራን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብመሰረት ኣህጕራዊ ውዕላትን ንመሰላትን ድሕነትን ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከሕልዋን ንጽውዕ።
ዓርቢ 5 ታሕሳስ 2014
ጆሃንስበርግ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ
ኤርትራዊ ልኡኽ ኣብ ኣኼባ ዓወደ-ምይይጥ/ዎርክሾፕ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO)
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ህዝቢ ይራኸብ
Thursday, 04 December 2014 17:33 Written by ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ሎንደንኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንከሰላስሎ ጸሚድሉ ዘሎ መደብ፡ ኣብ ሎንዶን ምስ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ብምርኻብ ጀሚርዎ።
እዚ ብዕለት 30 ሕዳር 2014፡ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ሎንዶን ዝተወደበ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ። ካብ ኩሉ ኩርንዓት ሎንደን መጸዋዕታን ዕድመን ኣኽቢሮም ዝመጹ ደለይቲ ለውጥን ፍትሒን ካብ ኩሉ ሸንኻት ህዝብና ምንባሮም ተስፋ ዝህብ ኣጋጣሚ ኢዩ ። እዚ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ኣቦ መንበር ሽማግለ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ፡ሓው ጎይቶኦም መብራህቱ ኢዩ ተኸፊቱ።
ካብዚ ብምቕጻል፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሓው ሓምድ ድራርን፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን፡ ኩነታት ተቓዉሞ ደምበን ኣህጉራዊ ኩነታትን ብሰፊሑ ብክልቲኡ ቋንቋታት፡ ትግርኛን ዓረብኛን መግለጺ ኣቕሪቦም።ብተወሳኺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህዝባዊን ዜናውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ብዝርዝር ገሊጾም።
ተቓዉሞ ደምበ በዚ ሎሚ ዘለዎ፡ ዝተበታተነ ሃለዋት ከድምዕ ከምዘይክእልን፡ ብክንዲተን ኩላትና እንሰማማዓለን ዕላማታት ተወሃሂድና ክንሰርሕ ከምእንጥለብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ገሊጹ።
ሰልፊ፡ መንእሰያት ኤርትራ ንዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ንምቅላል ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታቱ ዓቢ ቦታ ከምዘትሕዞ ሓው መንግስተኣብ ገልጹ።
ብመራሕቲ ኣኼባ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ መድረኽ ንተሳትፍቲ ኣኼባ ሕቶታት ከቕርቡ ተፈቒዱ። ዝቐረበ ሕቶታት ውን ብኣቦመንበር ሰልፊ ሰፊሕ መብሪሂታት ተዋሂብዎ። እቲ ኣኼባ ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ይካየድ ምንባሩ ኩሉ ተሳታፋይ ንትሕዝቶኡ ክርዳእ ኣብቂዕዎ ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ናይ ግዜ ጽበት ስለዘጋጠመ ናይ ህዝቢ ርእይቶ ብሙሉኡ ፈሲሱ ክበሃል ዝከኣል ኣይነበረን።
3/12/2014
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ጨንፈር ሎንደን