ንኡስ ዞባ ጀርመን ስርዒታውያን ሓለፍቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ዕዉት ሰሚናር ኣካይዱ

2014-12-08 16:13:01 Written by  ንኡስ ዞባ ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2688 times

ብንኡስ ዞባ ሽማግለ  ዞባ ጀርመን ዝተጸውዐ  ሰሚናር፡ ስርዒታውያን ሓለፍቲ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 06-12-2014 ዓ.ም. ኣኼባኡ ብምክያድ፡   ዕዉት ስራሕ  ኣሰላሲሉ።

ኣብ መኽፈቲ ሰሚናር ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ነዚ ዕለት እዚ ተዳሊዩ ዘሎ ዛዕባ ብምትንታን ከፈቶ።

Frankfurt-SeminarDec14-1ብድሕሪዚ እዚ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት 2015 ን መደምደምታ ዓመት 2014 ን ዝተገብረ ሰሚናር ኵለን ጨናፍር ንኡስ ዞባታት ጀርመን  ነቲ ኣብ 2014 ዘካየድኦ ንጥፈታተን ብመራሕቲ ጨንፈራተን ብቐደም ተኸተል ብንጹር ኣወታውን ኣሉታውን ጸብጻበን ኣቕሪበን።

እዚ ጸብጻብ እዚ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ  ሓዲሽ ዓመት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፖለቲካውን ማሕበራዊን ዲፕሎኦማስያዊን ቁጠባውን ባህላዊን መዳያት  ንምሕያል ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥርን ንዅሉ ኣወንታዊ ከይዲ ዝተብገረ ስራሓት ንምስፋሕን እቲ ኣሉታዊ ጐድንታት ድማ ከይድገም  ካባኡ ብምምሃርን  ምጽጋንን  ዘኽእል እኹል  መግለጺ ተዋሂቡ።

Frankfurt-SeminarDec14-2ሰሚናር ካብዚ ብምብጋስ ንዝመጽእ  ሓዲሽ ዓመት 2015 ክሰርሖም ዘለዎ ሓዲሽ መደብ ዕዮታትን እማመታትን ብምስራዕ ነዚ መደባት እዚ ተግባራዊ ንምግባር  ብቑዓት ኣካላት ምምዳብን ምቁጽጻርን ክግበረሉ ከም ዘለዎ ብጥብቂ ኣስሚርሉ።    

              ብድሕሪዚ ኣኼበኛ ሰሚናር ብሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ሂቡ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ዛዘመ።   

 

Last modified on Monday, 08 December 2014 17:46