ዝሓለፈ ተመኩሮ “ካብ ዓይኒ ዝገለለ ካብ ልቢ ገለለ” ኢልካ ሕጥጥ ኣቢልካ ትርሰዖ ዘይኮነስ ግቡእ ቦታን ክብርን ሂብካ ከም ኣድላይነቱ እትውከሶ ክቡር ውርሻ እዩ። ንናይ ትማሊ ወይ ብቕድሚ ትማሊ ተመኩሮኻ፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክትመዝኖ እንከለኻ ጌጋታት ክትርእየሉ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ነቲ ዝሓለፈ ፍጻመ በዚ ሎሚ ዘሎ ውድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዘይኮነስ፡ ብመንጽርቲ ሽዑ ዝነበረ ምዕባለ እዩ ክምዘን ዝግበኦ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሓፈሻዊ ሃዋህው ዘንጊዕካ ንናይ ሽዑ ተግባር ምስ ናይ ሎሚ ኩነታት ጥራይ ዛሚድካ “ከምዚ ክገብሮ ነይሩኒ” እንዳ በልካ ምጥዓስ ኣየድልን። እዚ ማለት ግና ካብኡ ምምሃር እምበር ዝሓለፈ ድኽመትካ ምሕባእ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ወይ ንስኻ ናብቲ ዝሓለፈ ንክትምለስ ወይ ነቲ ናይ ሽዑ ተግባራት ናብ ሎሚ ከተምጸኦ ስለ ዝይከኣል ካብ ጣዕሳ ዝፍጠር ኣውንታዊ ነገር ስለ ዘየለ። እምበኣር ነቲ ዝሓለፈ ምርኣይ ዘድልየሉ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ምእንቲ ነቲ ቅድም ስለምንታይ ፈጺመዮ ኢልካ ክትጠዓሰሉ ዝጸናሕካ ድኽመት ንመጻኢ እውን ንከይድገም ክትመሃረሉ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ክልቲኡ ጫፋት ማለት ወይ ፈጺምካ ነቲ ዝሓለፈ ምርሳዕ ወይ ድማ ንድሕሪት ተጠዊኻ ነቲ ዝሓለፈ ክትሓይኽ ጥራይ ምንባር ቅቡል ከም ዘይኮነ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ኩልና ከም እንዕዘቦ ጉጅለ ህግደፍ መጻኢ ዘማዕድወሉ ራኢ ስለ ዘየብሉ፡ ኣይኮነንዶ ናይ ቅድም ቃልሲ ክዝክር ዘገድድ ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ፡ ወትሩ እዩ ኣብ ዝሐለፈ ጉዳያት ዘኹድድ። ደርፍታቱ፡ ድራማታቱ፡ ናይ ሰባት ናይ ብቕዓት መለክዕታቱ፡ ኩሎም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ እዮም። ኣብተን ዘለወኦ ዝርካበን መዲያታት ዝቐርብ ሓተታታት፡ ዝካየዱ ቅጭ ዘምጽኡ ነዋሕቲ ቃለ-መጠይቓት ዝሓለፉ’ሞ ድማ   ካብ ክሊ ውግእ ዘይወጹ እዮም። እቶም ኣብቲ ሚድያታት ዘዘንትዉ ድማ ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ዝነበሩ ንድሕሪት እምበር ናብ ንቕድሚት ከማዕዱ ቅሩብ ዘይኮነ ኣእምሮ ዝውንኑ እዮም። እቲ ዝረአ ናይ ውግእ መዛግብ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ዝነደዳ ተሽከርከርቲ፡ ዝተማረኸ ኣጽዋርን ዝተማረኹ ናይ ጸላኢ ወተሃደራትን እዮም። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣብቲ ግዜኦም ክረኣዩ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ሰሓብቲ ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ሎሚ ግና ብኣንጻሩ “ኣየ ጉጅለ ህግደፍ ብናይ ዓሚ ብዕራይኮ ኣይሕረስን እዩ” ዘብሉ እዮም። እቲ ዝለዓል ዛዕባ ሎሚ ቀዳምነት ዘይወሃቦ ወተሃደራዊ ኣጀንዳ ጥራይ ምዃኑ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ድሕሪት ናይ ግዜ ዝሑል ውግእ ዓለም ተሸኺሉ ከም ዘሎ ዘመልክት ካልእ ምሳለ እዩ። ኣብ እንዳ ህግደፍ መንእሰያት ክፈልጥዎ ዝድለ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝለበሱ ዝቐርብ፡ ውግእ፡ ታዕሊም፡ ኣሰራርሓ ድፋዕ፡ ኣተሓሕዛ ውጉኣትን ኣሰራርሓ ቃሬዛን፡ ናይ ግዜ ቃልሲ ዕርቃንን ጥሜትን፡ ለይታዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ … ወዘተ ብዝብሉ ሓረጋት ዝተላዕጠጡ ኣእምሮ መንእሰያት ብስምዒት ክሰርቁ ዝተሃንደሱ ኣስተምህሮታት እዮም። ብዛዕባ ደሞክራሲስ ሕራይ ደሓን ካበይ ክሕሰብ፡ ብዛዕባ ሰሪሕካ ነብስኻ ምኽኣል፡ ተመሃርካ ኣተሓሳስባኻ ምብቃዕ፡ ነጻነት ሕሳብካ ምግላጽ፡ ዝኣመሰሉ ብዘይ ሰብ ጽሩራ ፈላጣት ዝቐርብ ኣስተምህሮ የለን። ኮታ ህግደፍ ዲክታቶርያዊ ኮይንካ ኣልማዒ ወይ ደሞክራሲያዊ ኮይንካ ዘይልምዕታዊ ወይ ከዓ ደሞክራሲያው ልምዓታውን ናይ ምዃን ጨና ዘየብሉ፡ ኣብ ነበረያ ነበረ ዝነብር ለመጭ ጉጅለ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ከምኡ ዝገብር ዘሎ፡ መጻኢ ኣማዕዲኻ ምርኣይ ዘኽእል ኣእምሮ እናሃለዎ ንዓኡ ሓቢኡ ኣይኮነን። ከምቲ “ዝሰኣነት ኣደስ ካብ እምኒ ትጸንዕ” ዝበሃል ሓንሳብ ምስ ጸመመ ንመጻኢ ከሰጉም ዘኽእል ናይ ንዋት ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ስለ ዘጥቀዖ ናይ ጽቡቕ ነገር መኻን ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ኣእምሮ ናይቲ ጉጅለ ብቅርሕንቲ፡ ጽልኢ፡ ትምክሕቲ፡ ጽበትን ፍትወተ ስልጣንን ምስ ተባሕተ ንጽቡቕን ትስፍዉን ማለት ንናይ ህዝባዊ ሓልዮት ኣተሓሳስባ ቦታ ዘየብሉ ምዃኑ እዩ። ቀንዲ መርኣያ ናይ እቲ ጉጅለ እምበኣር፡ ንናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝኸውን ራኢ ዘይምውናን ኮይኑ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና ስእነት ኩሉ መሰረታዊ ቀረባት፡ ከም ጽሉል ከልቢ ምስ ኩሉ ምጉርፋጥን ጸቢብነትን፡ እንተላይ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ፡ ካብዚ መሰረታዊ ጸገሙ ዝቕዳሕ እዩ። እዚ ጉጅለ ዋላ’ኳ ወገሐጸበሐ ብህዝቢ ኤርትራ ዝበሃሎ ስለ ዘሳሕዮ፡ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ መዋጥር ዘውጸኦ ዝመስሎ ዘይትግበር መደባት ከም ዝሕንጽጽ ቃል ዝኣቱ እንተኾነ ብዘይካ ንሞት ኣብታ ዘለዋ ኮይኑ ምጽባይ ዋላ ሓንቲ መዋጸኦ ከም ዘይኮኖ ፍሉጥ እዩ። ኣቶ ኢሳይያስ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ናይ ቃለመጠይቕ መደቡ “ኣብ 2015 ብዛዕባ ልምዓት ኣብ ኤርትራ እንታይ ክንጽበ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ነቲ ምዩቝ እንዳበለ ዝሓተተ ጋዜጠኛ “ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ቆጸራ ሃበኒ’ሞ ርግጸኛ ኮይነ ዝነግረካ ተኣምር ኣለኒ” ኢሉ እዩ መሊስሉ። 24 ዓመታት ሓሺሹስ ኣብ 3 ኣዋርሕ ተኣምር ክሰርሕ።

ጉዳይ ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓለም ዝፈለጦን ጸሓይ ዝወቐዖን ዕርቃን እዩ። እስከ ናብ ጉዳይ ደንበና ደንበ ተቓውሞኸ ንመለስ። ብደረጃታት ከም ዝፈላለ’ኳ ተዘየተሓታተተ እዚ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምስንጣቕ ኣብ ዝሓለፈ ምኹዳድ ኣብ ደንበ ተቓውሞ’ውን መሊኡ እዩ። ምናልባት እውን ነቲ ኩሉ ግዜ “ናይዚ ደንበ ተቓውሞ ጸገም እንታይ እዩ?” እንዳተባህለ ዘኹድድ ሕቶ ካብቲ ኣገዳሲ መልስታቱ “ ናይ ውድባት ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ እሱር ብምዃኑ እዩ” ዝብል መኾነ ዝብል እምነት ኣለኒ። ናይ ዝሓለፈ እሱር ምዃን ዝሓለፈ ታሪኽ ክትደጋግም ብምንባር ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ፍልልያት ብሓዱሽ ዝምድና ዘይምሕዳስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብርኢቶ ምስ ዝተፈለኻዮ ውድብ ወይ ውልቀሰብ ሕድገት ጌርካ ሓድሽ ንቕድሚት ዘሰጉም ዝምድና ክትፈጥር ብዘይምኽኣል፡ ኣብ ሓደ እዋን ቀዳምነትካ ንዝነበረ ዛዕባ ምስ ሓድሽ ምዕባለ ኣዛሚድካ ናይ ቀዳምነታት ዳግመ ስርርዕ ክትገብር ብዘይምኽኣል …. ወዘተ እውን ዝግለጽ እዩ። ኣብዚ ደንበ ተቓውሞና ዓብይ ዕዳ ከም ዘለዎ፡ ኩነታቱ ባዕሉ ዝምስክሮ ዘሎ እዩ። ከምዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ፡ ግዜ ተጸቢኻ ምሳኻ ምስ ዝሰማምዑ መሕደስቲ ኣካላት ግዚያዊ ሻርነት ፈጢርካ፡ ሕነ ክትፈዲ ምፍታን ኣብ ዝሓለፈ ምንባር ጥራይ ዘይኮነ ናይ ዘይምብቃዕ መግለጺ’ውን እዩ።

ሓደ ነገር ክትብል እንከለኻ እቲ ከጨንቐካ ዝግበኦ ብኸመይ ትእውጆ ወይ ኣብ መዝገብ ተስፍሮ ወይ ትምድሮ ዘይኮነ፡ ብኸመይ ተተግብሮ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ንፉዕ ወሳኒ ወይ ኣዋጂ ዘይኮነስ ብቑዕ ተግባሪ ክትከውን ክትጭነቕ ይግበኣካ። ናብዚ ምጡን፡ ንእዋናዊ ኩነታት ዘገናዘብ ምስ ናይ ምፍጻም ዓቕምኻ ዝመጣጠን ውሳነ ክትበጽሕ፡ ንውሳነኻ ዘህብትም እኹል ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ሓበሬታ ምውህላ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ርጡብን ኩለመዳያውን ሓበሬታ ዘይተመስረተ ውሳነ ኪኖ ሕልሚ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብናይ ሕልሚ ውሳነ እንዳተመራሕካ ኣብ ርጉጽ ዓወት ናይ ምብጻሕ ዕድል ከዓ ዕጹው እዩ። ስለዚ ብጉዳይ ውሳነኻ ከይተጨነቕካ ኣብ ተግባር ምስ በጻሕካ ምውጥጣይ ውጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብዓብይኡ ከም ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር ክንሓስብ እንከለና ጥራይ ዘይኮነ ብውልቅና ክንትልም እንከለና እውን ክንጭነቐሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብ ግዜ ውሳነ ጉዳይ ሓበሬታን ናይ ምትግባሩ ዕድልን ብወጀሃላይ ምርኣይ ግና ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ትጽበዮን እትሓፍሶን ዝፍጠር ጋግ ዘስፈሖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኩሉ ስረሓትካ ዘወዝል፡ ንምቁጽጻርን ተሓታትነትን ኣብ ዘይጥዕም ህይወት ዘንብር እዩ ዝኸውን።

ቅድሚ ንካልእ ኣካል ምውቃስ ኣቐዲምካ ነብስኻ ምፍታሽ፡ ቅድሚ ናይ ካልኦት ውጽኢት ምቁማት ናትካ ውጽኢት ምርኣይ፡ ቅድሚ ናይ ካልኦት ብቕዓት ምንኣድ ወይ ምውቃስ፡ ናይ ምትላም ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምትግባር ብቕዓትካ ምፍላጥ ከም ዘድሊ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝጥቀስ። ነዚ ኣበሃህላ ዘተግብር ውሑድ፡ ከም መትከል ዝቕበል ግና ብዙሕ ምዃኑ እሙን እዩ። እንተኾነ ንሓደ ጉዳይ ብሓሳብ ደረጃ ምቕባል፡ ብተግባር እንተዘይተሰንዩ ዋጋ ከም ዘየብሉ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ፍረ ንምብጻሕ ነቲ ንብሎ እነተብሮ ኮይና ክንርከብ ይግበኣና። ናይ ትማሊ፡ ናይ ሎሚን ጽባሕን ምትእስሳር ዘይሕበል ኮይኑ፡ ቀንዲ ቆላሕታናስ መጻኢ ምምዕዳው ደኣ ይኹን።

22 ለካቲት 2015

ብምኽንያት እንፍቅሮ በዓልቤተይ፣ ኣቦና ወላዲናን፣ ኣቦሓጎናን፣ ኣቦ ኣቦሓጎናን መምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ ኣብ ሆስቲታል ተዓቊቡ ክሕከም ድሕሪ ምጽንሑ ብሞት ተፈልዩና። ብናይ ፍቑር ኣቦና ሞት ዝወረደና መሪር ሓዘን፤ ኣብ'ዚ ከቢድ እዋን ሓዘንና፤ ድኻምኩም፡ ግዜኹም ከይጸብጸብኩም ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዘጸናናኩምና ኮነ፡ ከምኡ ኣብቲ ናይ መጨረሽታ ናይ ዕርፍቲ ቦትኡ ንምስናይ ካብ ሃገር ሽወድንን፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳን፣ ካብ ሰሜን ኣሜሪካን፣ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ተረኺብኩም ዝቃበርኩምናን፡ ዘጸናናኩምናን፣ ፤ዝገበርኩምልና ኩሉ፡ ዓይነት ድጋፍን ምትሕብባርኩምን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን።ከሞኡ'ውን ብደብዳቤ፡ ተሌፎን፡ ብኢሜል፡ ብኻሊእ መራኸቢታት ዘጸናናዕኩምና ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ጸሎተ-ፍትሓት ዘዕረግኩም ጥቀ ክቡራን ቐሳውሳትን ዲያቆናትን ከኣ ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ብመሳጢ መዛሙራት ዘሰነኹሞ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ኡጄንያ/ስቶኮልም/ መዘምራን ክፍሊ ግእዝ ከኣ ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ቤተ-ክህነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ፡ ዘጸናናዕኩምናን፡ ዘቃበርኩምናን፡ ዝተሓባበርኩምናን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን፤ ከምኡ'ውን ንጃልያ ኢስላምያ ኤርትራ፡ ዘጸናናዕኩምናንን፡ ዘቃበርኩምናን፡ ዝተሓባበርኩምናን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ንኩልኹም ብሓበራ ሕሰም ኣይትርከቡ፡ የቀንየልና፡ ክብረት ይሃበልና ንብል።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት መምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ  

Kurbanመምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ ብ04 ጥሪ 1939 ዓ.ም.ፈ. ካብ ወለዱ ኣቶ ንጉሠ ፍካክን፣ ወይዘሮ ኣብረሀት እክትን፡ ሓደ ኣብ መንጎ ሸውዓተ ኣሕዋት ኣብ ከረን ተወሊዱ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ከረን ድማ ተጠሚቁ።ኣብታ ዝተወልደላ ከተማ መባእታን፣ ማእከላይ ትምህርቱ (ኣብቲ እዋን'ቲ፡ እቲ ዝለዓለ ትምህርቲ፡ ማእከላይ ቤት ትምህርቲ (Middle School) እታ እንኮ ቤት ትምህርቲ ንምሉእ ኣውራጃታት ሠንሒትን፤ ሣሕልን፤ ባርካን/ ናይ ሎሚ ጋሽ-ባርካ/) ምስ ፈጸመ፡ ኣብታ ኣብ ኣሸራ(ከረን) እትርከብ ናይ ቁምስና ቤት ትምህርቲ፡ መምህር ተቈጺሩ ካብ 1959 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 1970 ኣገልጊሉ። ኣብዛ ኣኸቲላ ክሳብ 8 ክፍሊ ዝበጽሐት ቤት ትምህርቲ፡ ንብዙሓት ብፍልጠትን ብሥነ ሥርዓትን ምሂሩን ኰስኲሱን። ብዙሓት ካብቲ ንሱ ዝማሃሮም፤ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝርከቡሉ ወጻኢ ሃገራትን፡ ቦታ ስደትን ተዘርጊሖም ይርከቡ። ኵላቶም ንመምህሮም፡ መም. ቍርባን ብጽቡቅ ይዝክርዎ፡ ኣውራኳ ስነ-ሥርዓት ዝመሃሮም።

መምህር ቍርባን ኣብ ኣሸራ ክምህር ምስ ጀመረ ኣይደንጐየን ምስታ ምእላይ ሕሙማት ብግቡእ ተማሂራ፡ ሽዑ ኣሸራ ብሕምና ተገልግል ዝነበረት ወ/ት ለተየሱስ ተክለሃይማኖት፡ ብቃል ኪዳን ተመርዕዩ፡ክሳብ እታ ዝዓለፈላ ሰዓት ብፍቕርን፡ ብእምነትን ብሓደ ተጓዒዞም። ኣርባዕተ ውሉድ፣ ኣኸቲሎም ከኣ 13 ደቂደቆም፣ 3 ደቂደቃ ንበዅሪ ጓሎም ፈርዮምን ሐቍፎምን።

በቲ ናይ ሽዑ ዘይርጉእ ኵነታት፡ መምህር ካብ ኣሸራ ንከረን፡ ናብቲ ብ"እንዳ ሚስቴር ሂዩ" ዝፍለጥ ዝኽታማት ቆልዑ ዝዕቆቡሉን፣ ዚእለዩሉን፣ ዚመሃሩሉን (orphanage)ዝነበሩ ትካል፡ ተቈጺሩ ን 7 ዓመት ዚኣክል ነቶም ዘኽታማት ኣብ ምዕባይን ምምሃርን፡ ሓልዮት ዝዕላምኡ ጽቡቅ ኣሰርን ዝናን ዝገደፈ ኣገልግሎት ኣወፊዩ። ገሊኣቶም ካብቶም ሽዑ መምህር ዝኣልዮም ዝነበረ፡ ሕጂ ምስ ሞተ ሓዘኖም እናገለጹ፡ ነቲ ናይ መምህር ቍርባን ተገዳስነትን፡ ሓልዮትን ብኣድናቆት ትዝትኦም ብስምዒት ክዝክሩ ተሰሚዖም። ክሳብ እቲ ትካል በቲ ብናይ ገድሊ ኵነት ምኽንያት ዝገጠመ ለውጢ፡ ሥርሑ ዝትዓናቀፍ ኣብኡ ጸኒሑ'ዩ። ብድሕሪኡ ግን መጀመርያ ንሱዳን፡ ጸኒሑ ድማ ንዓዲ ዓረብ ተሰዲዱ ክሳብ 1991 ኣብኡ እንዳሰርሐ ተቀሚጡ ። ኣብቲ ዳሕራይ ፍርቂ ዓመት ናይ 1991 ናብ ሽወደን ናብ ስድራ ቤቱ ተጸንቢሩ ኣብ ከተማ ቭነሽቦሪ ተቀሚጡ። ኣብኡ'ውን በቲ ብንእስነቱ ዘዘውተሮ ሥርሑ ብምቅጻል "ናይ ቋንቋ ኣደ" መምህር ተቈጺሩ ክሳብ ናይ ጥሮታ ዕድመ ዚመልእ ሠሪሑ። ድሕሪኡ ግን ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ርእሲ ከተማ ሽወደን ስቶኮልም ሠፊሮም። ኣብዚ መወዳእታ ዓመታት ብዙሕ ጥዕና ኣይረኸበን፤ ካብ መጨረሽታ 2013 ከኣ እናበትዖ ከይዱ። ኣውራ ግን ብሠኔ 2014፡ ድሕሪ ጊዜ ዝወሰደ መርመራ፡ ሓካይም እዛ መጨረሻ ናይ ሞቱ ምኽንያት ሕማም ከምዘላቶ ኣረጋጊጾም ኣፍሊጦሞ። ካብ ሽዑ እናተቃለሰ ከሎ እታ ናይ ኵላትና ዕጫ ዝኾነት፡ ዕለታን፡ ሰዓታን ፈሊና ዘይንፈልጣ ሞት ኣርኪባቶ። እቲ ብሕይወቱ ከሎ ብእምነትን፣ ትግሃትን ዘገልገሎ ጐይታ፡ ኣብ ሰማያዊ ዘለኣለማዊ መንግስቱ ይቀበሎ።

ሕጂ'ውን ደጊምና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ፡ የቀንየልና፤ ክብረት ይሃበልና፡ንብል።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ለተ'ሱስ ተክለሃይማኖትን፡ ደቆምን፣ ደቂ ደቆምን፣ ምስ ምሉእ ሥድራ ቤትን።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ): ዝኾነ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም: ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ሃለዋቱ ካብ ዘጥፍእ እንሆ ድሮ ሳልሳይ ዓመቱ  ኣቝጺሩ። ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ካብ ኣጋ ንግሆ ዕለት 14 ለካቲት 2012 ኣትሒዙ ኢዩ ድሃይ ዘጥፍኤ።

ናይ መጭወይቱ ገበን በቲ ኣብ ኣስመራ ዝዓስከረ ጒጅለ ጥፍኣት እተኻየደ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ: ብርግጽ ኣበይ ከም ዘሎ ክሳዕ ሎሚ ብዘይካ ቤላ-በለው ብጭብጢ ክፍለት እተኻእለ ነገር የልቦን። ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ናይ ቃልሲ ብጾቱን: ዝገብርዎ ጠፊእዎም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይነብሩ ምህላዎም ርዱእ ኢዩ።

ከምቲ ብኣግኡ እተሓበረ: መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ምሉእ መዋእሉ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ ወዲ ሃገር ኢዩ። ኣብ ከባቢ 17 ዓመት ዕድሚኡ ብመጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ብ1970 ናይ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ፣ ብ1973 (ኣብ ውግእ ገረግር ከይተረፈ) ናይ ሓይሊ 161፣ ብድሕሪኡ ከኣ ኮሚሽነር ሓይሊ ኰይኑ ኣገልጊሉ። ብ1976 ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ኮርስ ኣብ ደማስቖ ድሕሪ ምስታፍ ብመዓርግ ሙላዝም/ተነንተ ተመሪቑ ንሜዳ ኤርትራ ተመሊሱ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ነታ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ/ፍዳእይን ኣብ ከበሳ ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳዕ 1978 መሪሑ። ቀጺሉውን ክሳዕ 1980: ኣብ ትሕቲ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ነታ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ናይ ብሪጌድ 61 መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ  ናይ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።

ድሕሪ ናይ ሕድሕድ ውግእ: ብሚያዝያ 1982 ኣባል ግዚያዊት ሽማግለ: ብ1983 ከኣ ኣባል ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ። ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት/ሸነኽ ሳበ ስምምዕ ድሕሪ ምእታዉ: ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት/ክንፊ ጃስር ምስ ሓያለይ  ብጾቱ ተኣሲሩ። እቲ ሓይሊ ብዓል ጃድር ብህዝባዊ ግንባር ምስ ተተቕዐ ከኣ ከም እሱር ናይ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ክሳዕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምርጫ ምኻድ ምስ ተዋህቦ ከኣ ንሱዳን ተመሊሱ ምስ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ቃልሲ ቀጺሉ። ካብ 1995 ክሳዕ ጊዜ መጭወይቱ ከኣ ከም ኣባል ባይቶን ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ብምዃን ኣብ ክብ ዝበለ ጽፍሕታት መሪሕነት ቃልሲ ተቓውሞ ጸኒሑ።

ከም ዝፍለጥ: መቓልስቲ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ዝነበረኡ: ብጾት ወልደማርያም ባህልቢን፡ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይ)፡ ካብ ሱዳን ተጨውዮም ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ይበልዩ ከም ዘሎዉ ዝፍለጥ ኢዩ። ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ስዑ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ክልቲኦም ብጾት ብ26 መጋቢት 1992 ተጨውዮም ሃለዋት ካብ ዘጥፍኡ እንሆ 23 ዓመታት ሓሊፉ።

                          

Woldemariam and Wodi bashaiኣብ ውሽቲ ዘሎናዮ ወርሒ: ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጒዳይ እዞም ኣብ ዝለዓለ  መሪሕነታዊ ጽፍሒ ደንበ ተቓውሞ ከለዉ ድሃይ ዘጥፍኡ ሰለስተ መራሕትን፣  ናይ ካልኦት ኣብ ቃልሲ ከሎዉ ካብ ውሽጢ ኤርትራ እተጨውዩ ኣባላትን   ኣስማት ምስ ኣድላይ ጸብጻባቱ ኣብቲ ቈይሙ ዘሎ ናይ ምርመራ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ዓለም  ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

  

ብናይ ውልቀይ ህጹጽ ጉዳይ ካብ ኣሜሪካ ናብ ዓዲ ከይደ፡ ንእግሪ መገደይ፡ ኩነታት ሃገር ተገንዚበ ዝተመለስኩ ኤርትራዊት’ኢየ።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝጸናሕኩሉ ሓጺር ናይ ሽዱሽተ ሰሙን ግዜ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ክዕዘብ ኣኽኢሉኒ’ዩ።

ከም ትዕዝብተይ፡ እዞም ንኤርትራ ነመሓድራ ኣሎና ዝብሉ ህግደፍ፡ ንኤርትራ ሃገርና ደፊኦም ደፋፊኦም ኣብ ገምገም ጸድፊ ኣብጺሖማ ከም ዘለዉ መስክሩለይ ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። እታ ኣነ ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ዝነበርኩ ኤርትራ ብኩሉ መዳያ ቆሲላ ዝተረፋ የብላን እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን።

ኣብ ዝኸድካዮ ቦታ እንትርፎ የለን ዝብል ቃል ካልእ ዘይትሰምዓላ ሃገር ጌሮማ። ገዛ የለን፡ መብራህቲ የለን፡ ማይ የለን፡ ነዳዲ የለን፡ ባኒ የለን፡ ብሓጺሩ፡ ዘሎ የለን። ልዕሊ ኩሉ ድማ መንእሰይ የለን። ህዝቢ ብሕሰም ተጨማዲዱ ዘይምሱል መሲሉ። 

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዲጋ እሰርሕ ኣሎኹ እንዳበለ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ቤት ጽሕፈት ኣስሪሑ። ናይ ጸይቂ ስርሓት ክኣልም ይውዕል ከም ዘሎ ህዝቢ ኣስመራ ብሰፊሑ ዝዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ሓደ መራሕ ሃገር ከም ሓደ ጂኦመትራ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዲጋ ተጸሚዱ ክውዕል ከሎ ብዙሕ ዘዛርብ’ዩ። ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጸለለ፡ ገለ ከኣ ከም ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክገልጹዎ ይስማዕ። ብዝኾነ፡ እቲ ኮይኑ እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብከምዚ ዓይነት መራሒ ክመሓደር ዘተሓሳስብ ጥራይ ዘይኮነ ዘሕፍር ኢዩ።

ኢሳያስ ካብቲ ኣረቂ ምዒጉ ምውቕ ምስ በሎ፡ “ህዝቢ ኣስመራ ካብዛ ዲጋ’ዚኣ ሳንኬሎ ማይ ኣይረክብን ኢዩ” ኢሉ ከም ዝህውትት መሳኽርቱን መዛውርቱን ዝምስክሩዎ ሓቂ’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጽልኢን ንዕቀትን ከም ዘለዎ፡ ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ክሳብ ክንደይ ተጸሊሉ ከም ዘሎ ዝእምት’ዩ። ስለዚ፡ እዛ ዲጋ ንመናወራ ኣብ ልምዓት ኢየ ተጸሚደ ዘሎኹ ንምባል ዝጀመራ’ምበር ተዛዚማ ኣብ መዓልኣ ከም ዘይትውዕል ኩሉ ህዝቢ ኣረጋጊጹ ኢዩ ዝዛረበላ ዘሎ። ኢሳያስ፡ “ህዝቢ ኣስመራ ካብዛ ዲጋ’ዚኣ ሳንኬሎ ማይ ኣይክረክብን’ዩ” ክብል እንከሎ ከኣ፡ ብዕላማ፡ ከም ዘይትዛዘም ስለ ዝፈልጥ ኢዩ። እስኪ ኢሳያስ እዛ ስራሕ’ዚኣ ዛዚሙ ኣብ መዓላኣ ኣውዒሉዋ ዝብል እንተሎ የብርሃልና ዝብሉ ተዓዘብቲ ውሑዳት ኣይኮኑን::

ብኣጠቓላሊ፡ ኣብ ሃገርና ብኢሳያስ ዝካየድ ኩሉ መደብ ስራሓት ክዕዘቦ ከሎኹ፡ ኢሳያስ፡ ንቡር ናይ መራሕ ሃገር ስራሕ ሰሪሑ ከም ዘይፈልጥ ኢየ ዝርዳእ። ድሕሪ 2001፡ እሞ ከኣ ካብ “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ”  ክሳብ ሎሚ ናይ ጽላለ መደባት’ዩ  ዘካይድ  ዘሎ ::  ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ብግቡእ ኣብ ዝግምገመሉ እዋን፡ ክሳብ ክንደይ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ሃገርና ብብላሽ ከም ዝሃለቐን ከም ዝባኸነን ገምገምቲ ከም ዝስንዱዎ ርዱእ ኢዩ። ብዙሓት፡ ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ናይ ባርነት ወፍሪ ከም ዝኾነ ተንቲነም ኢዮም :: ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝብሃል መደብ ዝያዳ ዝኸፍአ ዝገብሮ ባርነት ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ይበታትን ብምላው ኢዩ።           

ኢሳያስ ሓደ መራሕ ሃገር ክሰርሖ ዝግባእ ስራሕ ፈጺሙ ሓዲጉዎ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ንክሰርሕ ዓቕሚ ኮነ ጥዕና የብሉን። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 2005 ቤት ጽሕፈት ኣብ ባጽዕ ከፊቱ፡ ኣንጻር ወያነ፡ ብቐንዱ ከኣ ንመለስ ክረክብ፡ ምስ ኣል-ሸባብ ተመሓዝዩ ከም ዝተጨማለቐ ዝዝከር ኢዩ። ከም ሳዕቤን ከኣ ሃገር ከም ዓዲ ሸፋቱ ተጸብጺባ ብእገዳ ከም ትኮራመት ኮይና። ሕጂ ድማ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ቤት ጽሕፈቱ ኣስሪሑ ስልጣኑ ዝናውሓሉ ውዲታት ምስ ደምሒትን ካልኦትን ኮይኑ ይኣልም ከም ዘሎ ኢዩ ዝግመት። ከም ተወሳኺ፡ ጨርቁ ደርብዩ ተጸሊሉ ከይከውን’ውን ዘይግመት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ናይ ጽሉላት ስለ ዝመስልን ስለ ዝኾነን። ቕዋም ክንነድፍ ኢና ማለት ንባዕሉ ዕብዳን’ዩ።    

ክንነብር ብሃልቲ ተበለጽቲ ሚኒስተራትን ኣመሓደርትን፡ ከምኡ’ውን መሰልቶምን፡ መራሕኦም ኣብ ከምዚ ጽላለ እንዳሃለወ፡ ናብ ዓዲ ሃሎ ከይዶም ኢዮም ብስራሕ ክረኽቡዎ ዝፍትኑ። ቤት ጽሕፈትካ ደኣ ስለምንታይ ኣብ በረኻ ጌርካዮ ዝብሎ የለን። ብዕሊ ዘይተኣወጀ ኮይኑ’ምበር፡ ብግብሪስ ንዓዲ ሃሎ ናብ ርእሲ ከተማ ኤርትራ ቀይረያ ኢየ ኢዩ ዝብለና ዘሎ።

ሃገርና ብሕጽረት ዝተፈላለዩ ሃለኽቲ ነገራት እንዳ ተሓመሰት፡ ንበይና ተነጺላ መኣዝና እንዳ ሰሓተት፡ ከምኡ’ውን መንእሰይ ኮነ ቆልዓ-ሰበይቲ ብእኩብ ካብ ሃገር፡ እሞ ድማ ናብታ ጸላኢት ሃገር እንዳ ተባህለት ብህግደፍ እትንገሮም ሃገረ-ኢትዮጵያ እንዳ ተሰዱ፡ ንሱ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተሓቢኡ ንባዕሉ ዘገድሶ ተንኮላት ክፍሕስ ይውዕል ኣሎ። “ኣብ በረኻ ክውዕል ከሎኹ የእምሮይ ይሕይል” ከም ዝብል’ውን መሳኽርቱ ይዛረቡዮም።

ኣገልገልቱ ጀነራላትን ኮሎኔላትን ከኣ ንሳዋ ምኻድ ዝኣበዩ መንእሰያትን ናብ ታዕሊም ምኻድ ዝኣበዩ ዓበይቲን ክሃድኑን ክገፉን ሰብ ድቃስ ከሊኦም ኣለዉ።

ካልእ፡ ኤርትራ ብጋህዲ መነሃርያ ጸሊም ዕዳጋ ኮይና ከም ዝተረፈት ኢየ ተገንዚበ። ካብ ግዜ ሰውራ ጀሚሩ ናይ ኮንትራባንድ ስርሓት የካይድ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ነስረዲን በኺት (ወዲ በኺት)፡ ነቲ ንስሙ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝብሃል ትካል ኣጠቓሊሉ፡ ኣብ ተሰነይ-ገሉጅ ኮይኑ፡ ናይ ሚኒስተር መዓርግ ለቢሱ ከም ዘመሓድሮ ገይሩዎ   ኣሎ። ኩሉ’ቲ ዕላዊ ክኸውን ዝግብኦ ንግዳዊ ስርሓት ብጸሊም ዕዳጋ ተለዊጡ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝፍለጥ ዝነበረ ኣብ ጎደና ሰማእታት ዝርከብ ህንጻ፡ ገረውረው ዝብል ህንጻ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ። ስራሕ የብሉን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝነበራ መዐደሊታት ነዳዲ (በንዚንን ናፍታን) ሎሚ-ጽባሕ ስርሐን ክጅምራ ኢየን እንዳ ተባህለ፡ ስርሐን ጠጠው ኣቢለን ተዓዚበ። ሚኒስተር ወዲ በኺት ብኮንትራባንድ ዘእትዎ ዘሎ በንዚንን ናፍታን ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ብናኣሽቱ ጀሪካናት ብክቡር ዋጋ ክሽየጥ ተዓዚበ።

እቲ ካልእ ኣገራሚ ጉዳይ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ባንኪታት፡ ናይ 100ን ናይ 50ን ናቕፋ ባጤራ የብለንን። ናይ ዓሰርተን ናይ ሓሙሽተን ናቕፋ ባጤራ ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ። ንዕኡ ክትረክብ’ውን ብክንደይ ልማኖ’ዩ። ባንኪታት ሰልዲ የብልናን ዝብላሉ ግዜ’ውን ኣሎ። እቲ ናይ 100 ኮነ ናይ 50 ባጤራ ኣብቲ ብክብሪ ዝኣክል ምኽኣሉ ተሳኢኑ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ከም ዝተዋፈረን ምስ ህግደፍ ዘውደልዱሉ፡ ከም ብዓል ወዲ በኺትን ወዲ ለገሰን ዝኣመሰሉ፡ ካብ ባንኪታት ተለቂሖም ስለ ዘይመለሱዎን ምዃኑ ይግለጽ። እታ ዓዲ ፍጹም ዓዲ ሸፋቱ ኮይና ስለ ዘላ፡ ዝሓዝካ-ሒዝካ ምሽፋት’ዩ ዘሎ። መራሕቲ ህግደፍ ነብሶም ክንዲ ዝፍትሹ፡ ሓንሳብ ብኣሜሪካ፡ ሓንሳብ ድማ ብናይ ውሽጢ ተጻባእቲ፡ ወዘተ እንዳመሳመሱ፡ ዓዲ ቀቲሎማ ኢዮም። ንባዕሎም ከም ጲላጦሳት ጌሮም ኢዮም ዝወስዱዋ። ኣይሓፍሩ ኣይሓንኩ፡ ህዝቢ ብሕማምን ብጥሜትን እንዳ ተሓመሰ ሽቶታት ዓለም ወቒዕና ክብሉ’ውን ኩልና ንሰሞዖ ዘሎና’ዩ።

ንሃገርና ቀቲሉዋ ዘሎ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ውልቀ-ምልካዊ ኣሰራርሓ ኮይኑ፡ ከም ተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ  ናይ ምዕባለ ስትራተጂ ወይ ውጥን ዘይምህላውን ፍጹም ዝኾነ ናይ ምሕደራ ውድቀትን ኢዩ። ከም ሳዕቤን ከኣ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብጉቦን ካልእ ብልሽውናን ተቖማጢዖም ኢዮም። ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣስሪጸሞ ዘለዉ ብልሹው ኣሰራርሓ ንሓዋሩ ሓደ ባዕሉ ዝኸኣለ መንሹሮ ኢዩ። ነዚ ሕማምዚ ንምእላይ መጻኢ ትውልዲ ብዙሕ ስራሕ ክሓቶ ኢዩ።

ናብ ኣስመራ ካብ ዝኣቶኹላ መዓልቲ ጀሚረ ክሳብ ዝወጽእ፡ ቀጻሊ ዝተዓዘብኩዎ ነገር እንተልዩ ሃገር መዓልታዊ ኢያ ትሩኽመሽ ዘላ። እቲ ውድቀት፡ ሰሉስ ካብ ሰኑይ፡ ረቡዕ ካብ ሰሉስ፡ ሓሙስ ካብ ረቡዕ፡ ወዘተ፡ ዝያዳ እንዳ በኣሰን እንዳ ከፍአን ይኸይድ። ናይ ሃገርና ኩነታት ዘረባ የብሉን። ብሓቂ፡ ንክትገልጾ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገር መዓልታዊ ክትዓኑ ብግብሪ ይግንዘብ ኣሎ። ካብ ኣውያት ሓሊፉ ክገብሮ ዝኽእል ግና የለን።

ስለዚ፡ ብውልቀሰብ እትመሓደር ዓዲ ቀድያ ነይትቐዲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ገምገም ጸድፊ’ውን ስለ እትርከብ፡ ንሓዋሩ መታን ከይንጸድፍ፡ ኣብ ውሽጢን ደገን ዘሎና ደቂ ሃገር ብሓባር፡ ምስቲ ከርተት ዝብል ዘሎ ሰራዊትና ኰንና፡ ነዚ ንከይንህሉ ብመደብ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ክንድምስስ ገለ ክንገብር ይግባእ። ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘሎ ህግደፋዊ ስርዓት’ዩ። ብድሕሪ’ዚ ህግደፋዊ ስርዓት ዝስራዕ ጸላኢ ከኣ ድኽነትን ድንቍርናን ኢዩ።

ስለዝኾነ፡ ሎሚ ተዓዘብቲ እንኾነሉ መድረኽ ኣይኮነን። ሃገር ከም ሃገር ከነድሕነሉ ዝግባእ ግዜ ኢዩ። ከም ሃገርን ህዝብን ናይ ምህላው ሕቶ ኢና በጺሕና ዘሎና። ብሓባር ኰንና “ኣይፋል” እንብለላ እዋን ሕጂ’ያ። 

ሎሚ፡ ካብ ደጋፊ መንግስቲ’ባ ተቓዋሚ’ባ ዝብሃል ግዜኡ ዘሕለፈ ድሑር ሃበስ-ቀደስ ወጺእና ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕን እንብገሰሉ መድረኽ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ መንግስቲ የብልናን፡ ናይ ሸፋቱ ጉጅለ’ዩ ንመላእ ሃገር ናብ ገደል ዝመርሓ ዘሎ። ዝኸውን ምስ ኮነ ዋይ-ዋይ ፋይዳ የብሉን። ማእለያ ዘይብሉ ሂወትን ደምን የዕጽምትን ግዜን ተኸፊሉዋ ዝተረኽበት ሃገር፡ እንዳ ረአናያ ብመደብ ናይ ሓደ ዕላላ ውልቀ-መላኺ ትራኸስ ኣላ። ኤርትራዊ ተበራበር!!! ብዘይ ውዓል-ሕደርን ብምጽውዋርን ሃገር ካብ ዘላቶ ንምድሓን መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ኣይንዳህለል!!! እንዳበልኩ ኣውያተይ ንህዝቢ አስምዕ።

ካብ በጻሕቲ ሃገር ሓንቲ።

ኣርዓዶም በርሀ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ጸገምና ኣዝዩ ብዙሕን ዘይውግኑን እዩ። ንኤርትራ ብዝምልከት ኣጀንዳ መሪጽካ ክዝረብ እንከሎ መዛዘሚኡ ኣጨናቕን ዘየደቅስን እዩ ዝኸውን። ንብዙሓት ተመራመርቲ፡ ዝኾነ ንኤርትራ ዝምልከት ኣርእስቲ ሂብካ ተመራመሩ እንተትብሎም ውጽኢቱ ዘሰክፍን ሓላፍነት ዘሰክምን እምበር ዘሕጉስ ከም ዘይከውን ከም ርዱእ ዝተወስተደ ናይዚ እዋን መደምደምታ እዩ። ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝያዳ ናይ ካለኦት በዚ ሕጂ ንሕና ንነብረሉ ዘለና ኩነታት ዝሓለፉ ኣካላት ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቲ ጸገም ኣብቲ ኣንጻሩ እንቃለስ ዘለና መላኺ ጉጅለ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ “ኣነ ናይ ለውጢ ሓይሊ እየ” ዝብል ሸነኽ ተቓውሞ እውን ምህላዉ እዩ። ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስና ንክንዕወት ካብቲ ንሱ እቲ ጉጅለ ዝመርጾ መንገዲ ጥፍኣት ዝተፈልየ እኳደኣ ዝጻረር፡ ናትና መንገዲ ቃልሲ ክህልወና ይግባእ። ሓያል ዓቕሚ እንተኣጥሪና ከዓ፡ ጉጅለ ህግደፍ ናቱ ኣጀንዳ ምሓዝ ስኢኑ ናይ ኣጀንዳና ግዙእን ኣብ ምክልኻል ዝተወሰነን ክንገብሮ ክንክእል ምተገበኣና። ነዚ ክሳብ ዘይበቓዕና ግና መሪሕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ምዃን ዕድልና ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኣብዚ ክንርስዖ ዘይግበኣና፡ ስርዓት ህግደፍ ኣንጻሩ እንቃለስ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከም ዘለና ብልሳኑ’ኳ እንተዘይተዛረቦ ልቡ ግና ዘይስሕቶ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ካብ ኮነ ብውሽጡ ምሽቓሉ ዘይተርፍ እዩ። ነዚ ዘሻቕሎ ኩነታት ናብ ረብሓኡ ንምቕያር ካብ ዝጥቀመሉ ብልሓታት ድማ፡ ተቓወምቲ ናትና ኣጀንዳ ከም ዘይህልወና ገይሩ፡ ናይ ኣጀንዳኡ ግዙኣት እንኾነሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ።

ንሕና ተቓወምቲ እምበኣር ኣብ ኩሉ መዳያት ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ክንሓስብን ክንትልምን ባህርያዊ እንድዩ፡ እንተኽኢልና ጉጅለ ህግደፍ ብናትና ኣጀንዳ ከም ዝኸይድ ንምግዳዱ፡ ነዚ እንተዘይበቒዕና ከዓ ንሕና ናይ ኣጀንዳኡ ግዙኣት ከይንኸውን ክንጥንቀቕን ክንሰርሕን ባህርያዊ ሓላፍነትና እዩ። “እሞኸ ነዚ ግጥሚያዚ ክሳብ ክንደይ ንበቕዖ ኣለና?” ዝብል ሕቶ ክለዓል እንከሎ ግና ኣዝዩ ኣዘራራቢ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ብኸምዚ ነእውየሉ ዘለና ኣሽካዕላል “ቸቸ” ንክብለሉ ክነዝሖ ካብ ዝነበሮ መርዚ ሓደ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዘይተኣማመን ምግባሩ እዩ። ዕላማ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዘይተኣማመን ኣብ ምግባር ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ከም ዝከፋፈልን እቲ ሓደ ኣንጻር እቲ ሓደ፡ ደማዊ”ኳ እንተዘይኮነ ሓሳባዊ ውግእ ከም ዝኸፍት ካብ ምጽዓት ኣይቁጠብን እዩ። ኣዚ ከፋፋሊ ተግባር ኣብ ህግደፍ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ዝኾነ ህዝቢ እምነቱ ዝነፈጎ ስርዓት ዝሕበኣሉ በዓቲ እዩ። እዚ ከፋፋሊ ኣጀንዳ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ እንተዝኸውን፡ እምብዛ ኣይመሻቐለናን። ስለምንታይ እቲ ጉጅለ ንጽቡቕና ከም ዘይሰርሕ ኣቐዲምና ስለ እንርዳእ።

እቲ ዘሰክፍ፡ ዘሻቕል፡ ምናልባት እውን ዘስግእ እምበኣር ገለ ኣካላት ተቓወምቲ፡ እሞ ድማ “ንሕና ኢና ቁጽሪ ሓደ ተቓወምቲ” ክብሉ ዝደናደኑ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዜማ፡ ግና ብዝተፈልየ ግጥሚ ከዝይሙ ክትሰምዕ እንከለኻ እዩ። “መንነትን ባህርያትን እቲ ጉጅለ ከመይ ይመስል?” ክበሃል እንከሎ፡ “ናይቲ ትግርኛ፡ ናይ ከበሳ”፡ አረ ኣይፋልኩምን ናብ ልብኹም ተመለሱ እንተተባህሉ ድማ መሊሶም ናይ ሓንቲ ከበሳዊት ኣውራጃ መንግስቲ እዩ ዝብሉ ወገናት ከም ዘለዉ፡ ቀደም ብወረወረ ንሰምዕ ኔርና፡ ሎሚሎሚ ግና፡ ሕንኮም ጠቕሊሎም ከምኡ እንዳበሉ፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ወገናት ከም ዘለዉ ነስተብህል ኣለና። ካብዚ ዝንቡዕ ሚዛኖም ነቒሎም፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ገለ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ናይ ገለ ድማ ጸላኢ’ዩ ዝብሉ ኣካላት’ውን ውጥም ቅልቅል ይብሉ ኣለዉ። ነዚ ንምዕዛዝ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ጸረ ኩሉ ኤርርትራዊ ባህርያቱ ነቒሉ፡ ኣብ ዝተፈልየ ኩርናዕ ንዝፈጸሞም ገበናት ጥራይ ቆንጢሮም ዝያዳ ከድምቑ ይህቅኑ። እቲ ጉጅለ ዕድመኡ እንተዘይሓጺሩ፡ ብመንጽርቲ ባህሪኡ፡ ሎሚ ንዘይቀተሎ ጽባሕ ከም ዝቐትሎ፡ ሎሚ ንዘይኣሰሮ ጽባሕ ከም ዝኣስሮ ኮነ ኢልካ ብምዝንጋዕ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ጉጅለ ህግደፍ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ናይ ዝተወሰነ ከባቢ ጸላኢ ኣምሲሎም ምስክርነቶም ይህቡ። እዞም ወገናት ከምዚ ክብሉ እንከለዉ ካብቲ ብርኡይ ብጉጅለ ህግደፍ ዝውጻዕ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንገለ ክፋሉ፡ “የለን ጉጅለ ህግደፍ ናትካ እዩ። ንስኻውን ናቱ ኢኻ፡ ክልቴኹም ድማ ጸላእትና ኢኹም” እንዳበሉ ዘለና ጸላኢ ንኢሱናስ ካልእ ጸላኢ ይዕድሙልና ከም ዘለዉ ይርደኦምዶ ይኸውን?

“ጉጅለ ህግደፍ ወዲ ሃገር ግና ድማ ጸላኢ ህዝብና ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ንክፍጠር እዚ ጉጅለ እዚ ክውገድ ናይ ግድን ምዃኑ፡ ካብ ውድቀት እዚ ጉጅለ ክሳብ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ምትክኡ ዘሎ መሰጋገሪ መስርሕ ሰላማዊ ክኸውን ከም ዝግበኦ ... ወዘተ” ዝብሉ መትከላት ንኩላትና ተቓወምቲ ዘሰማምዑ ሓስባት እዮም ተባሂሎም ካብ ዝውሰዱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ጽንሕ ኢልና ክንዕዘብ እንከለና ግና ንነብሶም ባዕላቶም ደሞክራሲያዊ ቅብኣት ኣልቢሶም፡ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመሓደረን ብሕገመንግስታዊ ብይን ክውዳእ ዝግበኦን ፍልልያት ተመሊሶም “የለን ቅድሚ ዝኣገረ መሰል ብሔራት ክሳብ ምግንጻል ወይ ምትካል ሃይማኖታዊ መንግስቲ ተቐበሉ፡ ነዚ እንተዘይተቐቢልኩም ግና፡ ስምኩም እዩ ተቓዋሚ እምበር መስርዕኩም ምስ ጉጅለ ህግደፍ እዩ” ክብሉ ድንዕምንዕ ዝብሉ ኣካላት ከም ብሓዱሽ ክቀላቐሉ ንዕዘብ ኣለና። እቲ “ደቂ እገለ ኣውራጃ በይንና ክንውደብ ኢና። ደቂ እገለ ኣውራጃ ግና ደንጉየሙና ኣለዉ” ዝብልን በቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣካይዳ ናብ ወረዳን ቁሸትን ምንቁልቋሉ ዘይተርፎ ጸቢብነት፡ ዘይሩዘይሩ ናብቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ናይ ምፍልላይ ዲጋ ዝፈስስ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳይ ብሄራት ይኹን ሃይማኖት ኣብ መጻኢት ኤርትራ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ክሊ እዚ ዛዕባታት’ዚ ዝተወደቡ ውድባት ብምህላዎም ዘይኮነስ፡ ከም ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ሸለል ኢልዎም ዝሓልፍ ኣይኮነን። ዝኾነ ኤርትራዊ ብሰንኪ ብሄሩ ኮነ ሃይማኖቱ ዝኾነ መሰል ከይንፈጎ፡ ብሄራት ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ኩርናዕ ይሃልዉ፡ መንነቶም ቋንቋኦምን ባህሎም ከማዕብሉ፡ ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ናይ ስልጣን ደረጃታት ግቡእ ቦታ ክህልዎም፡ ይቕበል እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ሕብረ-ብሄራዊ ዕላምኡ እዩ። በቲ ካልእ መንገዲ ናይዚ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ካልእ ዘይቅሱን ኩነታትን፡ ጠንቁ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለ ዝኾነ፡ እዚ ጉጅለ ተወጊዱ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ዝተተከኣሉ ክውገድዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ሰደህኤ እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ዘይተወገደሉ ንጸቢብ ስምዒታት ኣግዚፍካን ንቕድሚት ኣምጺእካን ሎሚ ክትውደኦ ምፍታን ኣሉታዊ ሳዕናቤቱ ብዙሕ ኮይኑ፡ ነቲ ነዚ ጉጅለ ከውድቕ ዝግበኦ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘዳኽም እዩ። ናይ’ዚ ሓይሊዚ ምድኻም ድማ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣህጢሩ፡ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዚ ጉጅለ ኣበርክቶ ምውፋይ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኩላትና “ካብዚ ዘለናዮ ናይ ዋግዋጎ ሃለዋት መዋጽኦ እዩ” እንብሎ ሓሳባት ኣለና። ”ጸገማትና ከምዚ እንተፈጺምና እዩ ፍታሕ ዝረክብ” እንብሎም ሃቐናታት እውን ኣለዉና። ኣብዚ መስርሕዚ ብዘይካ’ቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕድሕድና፡ እገለ ውድብ ወይ ማሕበር እዩ ዕንቅፋትና እንዳበልና በትሪ እነወጣውጠሎም ኣካላት እውን ኣለዉና። ኣብዚ ንነብሮ ዘለና ናይ ዕንይንይ መድረኽ ኮይና፡ ከምኡ ምባልና ከም ነውሪ ኣይምተወሰደን። እቲ ጸገም ካብቲ እትጽብጽቦ ጸገማት ናትካ ብጽሒት ከም ዝህልወካ ኣሚንካ እቲ ካልኦት ከካይድዎ እትደልዮ መእረምታ ካባኻ ክትጅምሮ ቅሩብ ዘይምዃን እዩ። ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሳዕሪሮም ካብ ዘለዉ ዕንቅፋታት ሓደ ንፖለቲካዊ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ብዓይኒ ቂምን ጽልእን ምርኣይ ብኣሉታዊ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቲ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ሜዳ ናይ ኩልኻ ክነሱ፡ ኣብ ክንዲ ብኸመይ ሓቢርና ንቃለሰሉ፡ ከመይ ገይረ ነቲ መጻውተይ ኣርሒቐ ነቲ ሜዳ በይነይ ይወርሶ ዝብል ”ናይ ሓደ ሰዓሪ እቲ ካልእ ተሰዓሪ” ስምዒት እውን ካልእ መርኣያ ነጻጊ ባህርያት ደንበ ተቓውሞና ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ርኢቶ ኣለኒ ኢሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ውድብ ደኲኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ በቲ ኣነ ዘይደልዮ ኣገባብ ዘይግለጽ ኢልካ ኣይትሓዙኒ ምባልን ንናይ ሓባር ጉዕዞ ምዕንቃፍን ካልእ ዘሻቕለና ዘሎ ጉዳይ እዩ። እዚ ነጻግን በሓትን ኣካይዳ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ክፍጸም እንከሎ ዝውገዝ፡ ባዕልና ከነዘውትሮ እንከለና ኸዓ ሓላል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚታት ስለ ዝዕዘቡ እዮም ከዓ ገለ ኣካላት ንደንበ ተቓውሞን ንጉጅለ ህግደፍን ብባህሪ ከመሳስልዎም ዝፍትኑ። ከምቲ ለባማት “እትፈትዎ ዓርኪ ክሳብ እትረክብ፡ ነቲ ዝተዓራሪኽካዮ ፍተዎ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ድሕሪ ህግደፍ መተካእትኡ እንታይ እዩ ብዘየገድስ፡ ምስ ኣብ ምውዳቕ ኣቲ ጉጅለ ከማኻ ረብሓ ዘለዎ ኣካል መንገዲ ቀይስካ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ምርጫ ዘይኮነስ መተካእታ ዘየብሉ ግድነት እዩ።

ምርድዳእ ማለት ፍልልያት ኣወጊድካ፡ ኣብ ኩሉ ነገራት ሓደ ዓይነት ተረድኦ ምውናን ማለት ኣይኮነን። ምርድዳእ ማለት ቅድም ኣበይ ከም እትሰማማዕን ኣበይ ከም እትፈላለን ምንጻር እዩ። ድሕሪኡ ድማ ብኸመይ ኣብቲ እትሰማምዖ ከም እትሰርሕን ብኸመይከ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ፍልልይ እንተኾነ ከተወግዶ እንተዘየለ ከዓ ከተጻብቦ ከም እትኽእል ቀጻሊ ኣፍደገ ልዝብ ከም እትኸፍት ምስምማዕ እዩ። ኣብቲ ዘሰማማዓካ ዝሓለፈ እንዳጸብጸብካ ዘይኮነስ፡ ብሩህ መጻኢ እንዳማዕደኻ ክትሰርሕ እንከለኻ እተርእዮ ግሉጽነትን ብቕዓትን ነቲ ዝጸንሓካ ፍልልይ ኣብ ምጽባብ ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ብቐጻልን ዕጉስን ኣብ መትከል እንካን ሃባን ዝተሰረተ ዘተ እምበር ተመዓዳዲኻ ርእሲ እንዳነቕነቕካ ዝብጻሕ ኣይኮነን።

10 ለካቲት 2015

ግጥሚ

Tuesday, 10 February 2015 20:31 Written by

ሐዳስ ዓመት ናይ ሰላም ኩንልና ናይ ቅሳነት

ናይ ፍትሒ ኩንልና ናይ ሓድነት

ይኣክል በለና ናብራ ስደት

                                ነዚ መሪር ስቃይ ዋሕዚ ናይ ስደትና

                                 ነዚ ሕሱም ህልቂት ብርሰት ናይ ህዝብና

                                 መዕገቲ ረኺቡ ሰላም ክነግሰና

                                 ነዚ ጨካን ስርዓት ኣምላኽ ይእለየልና

                                 ነዚ ጨካን ስርዓት ኣምላኽ ይእለየልና

                                  ሰቓይ በዚሑ ጸምያ ሃገርና

                                   ብሒም ዘዝበለ ኣብ ጉድጋድ ዓፈና

                                   ነፍሲ ወከፍ ስድራስ ዝርንዛሕ ነቢዕና        

                                    ክሳብ ማኣስ ኢና ከነብር ከምዚልና

እዞም ኣረመናውያን ሕልናኦም ዝሸጡ

መራሕቲ ናይ ህግደፍ ዓበይቲ ወጣጡ

ኣብ ኩርሲ ኮፍ ኢሎም ንህዝቦም ዘጽንቱ

ብናይ ሐፋሻ ገንዘብ ከብዶም ዝተመጡ

ብሕሰም ናይ ህዝቦም እፎይታ ዝረኸቡ

ሸይቦም ከለዉ ጽጉሮም ዘጽልሙ

ኣብ ምንዝርና ዝሓድሩ ከም ናይ ሓኽሊ ድሙ

ኣብ ኣጋዱ ሰንበል ብዳንሲ ዝተሸለሙ

ግዜ ይኣክል’ዩ ዘሎ ናበይ ከይትሃድሙ

                               ሃገርና በሪሳ ቆላ ምስ ከበሳ

                               ህዝባን እንስሳን ብሐደ በሪሳ

                               ሸቃላይ ጠፊኡ በዓል ሞደሻ ኣፈራዛ

                               ተማሃራይ ወጺኡ እቲ በዓል ቦርሳ

                               ሐረስታይ ከይተረፈ እቲ ንእሹቶይ ጓሳ

                             ኣብ ክንዲ ህንጸትሲ መቓብር ናይ ሬሳ

ገረብ ከይንተክል ንዓኺ መጽለሊ

መሬት ክይንግድብ ከይነፍሪ እኽሊ

ገሌና ኣብ እስርቤት ኣብ ጉድጋድ ንበሊ

ገሌና ከም ጫማ ጉልበትና ይበሊ

ገሌና ትሑዛት ከም እስርቲ በቕሊ

ገሌና ንስደት እንጀራ ክንደሊ

ኣብ ዘይናትና ባሕሪ ድማ ረጊፍና ከም ቆጽሊ

ህዝቢ ተዓፊኑ መሰል ሐቢምዎ

ውሉድ ካብ ውለዱ ብሓይሊ ፈልይዎ

ካብዚ ንኽሃድም ባሕሪ ውሒጥዎ

ንሬሳ ውላዱ ንቡር ከሊእዎ

                   እዚ ንኢስዎስ ብደዐ ወሲኽዎ

                 ነቲ ቅዋም ሃገር መይቱ’ዩ ኢሉዎ

                 ነዚ በሊሕ ህዝብ ደንቆሮ ጌርዎ

ንናይ ባዕሉ ድኻም ክኾኖ መሸፈኒ

ብኣሜርካ ይጅምር ይሰግር ናብ ወያኒ

ንሶም’ዮም ወራር ጀሚሮም ዘተዓናቀፉኒ

እምበር ምትግባሩ መኣስ ጠፊኡኒ

ሕጂ ብዝሞተ ቅዋም ኣይትሕተቱኒ

ክነዽፈልኩም የ ንዓይ ብዝሕሸኒ

ኣንታ እምበር’ ዶ ጥዑዩ እቲ ኣእምሮኻ

ገና እይፈለጥካያን ንነብስኻ

ሓላማይ’ዶ ስኢንካ የእኪልካ ዝብለካ

ክንዲ ስቕ ኢልካ ትጽብ ግዜኻ

ንቅዋም ክትቀብርስ ኣብ ሚድያ ወጺእካ

ቅዋምስ ኣይሞተን ንስኻ ኢኻ መትካ

መርድእ ንዓኣቶም’ዩ ነቶም ደገፍትኻ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርትን ( Frankfurt) ከባቢኡን ሃገረ ጀርመን ካልኣይ ምዱብ ኣኼብኡ ኣብ ዕለት 08.02.2015 ኣካይዱ፡፡

ኣብቲልሙድኣዳራሽመኣከቢኡ Kirch Platz Bockonhem ከተማ  Frankfurt a.M. ብዕለት  08-02-2015 ዓ.ም. ካብሰዓት  14.00 ክሳዕ ሰዓት 17.30 ዝወሰደ ዕዉት ኣኼባ ከም ዘካየደ ዝመጸና  ሓበሬታ እነሆ። 

 እቲ ኣኼባ ብሓው ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጽእኩም ብምባል፡ ኣስዒቡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣገዳሲ ሓበሬታት ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ  ህዝቢኤርትራገሊጹ።

Frankfurt Branch meeting2 Feb2015ብምቅጻል ሓጂ ሳልሕ በቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንካልእይ ጉብኤኡ ክገብር ተዳሊዩ ዘሎ ብኣማራጺት ሽማግለ ዝተሰደ መምርሒ መሰረት ብምግባር ነቲ ዝቐረበ መልእኽቲ ናይ ኣማራጺት ሽማግለ ብዝርዝር ኣንቢቡን ገሊጹን።                                          

ብድሕሪዚ ኣብቲ  ዝቐረበ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ብጉዳይ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ብስፍሕ ዝበለ ኣገላልጻ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ መብርሂ ሂቡ። ሓው ንጉሰ ጸጋይ ዝገለጾም ጉዳይት  ቁዋም እንታይ ማላት እዩ፡ቁዋምካኸ ምዓስ ተጽድቆ፡ቁዋም ንምንታይ የድልየካ፡ዝብሉ ዑሙቕ ዝበለ መግለጺ ጌሩ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ፡፡

Frankfurt Branch meeting3 Feb2015ከምኡውን ሓው ዓንዶም ገርጊስ ኣባል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሽማግለ ጀርመን ብናይ ኣገባብ ኣመራርጻ ውክልና ኣብ ጨንፈር ተሞኩሮ ናይ ቀዳማይ ጉባኤ መሰረት ብምግባር ብስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ኣስዒቡ ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሉ ኣንጻር  ነቲ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ጨቛኒ ስርዓት ክምክቱ ከም ዘለዎም ንኣኼበኛ ኣተሓሳሲቡ።

Frankfurt Branch meeting4 Feb2015ብድሕሪዚ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ጨንፈር ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሎም ኣብቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ኣዳራሻት ኣሰካፊ ዝኾነ ሕድሕድ ዘይምቅዳው ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ምጥንቃቕን ኣንዊሕካ ምሕሳብን  ካብ ወስታ ተቆጢብካ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ናይቲ ቦታ ምሕባርን፡  ንዘየራዳድኣካ ጉዳይት ብሕጊ ናይ ምፍትሖም ከምዝከኣል ምሕሳብ ከምዘድሊ ሰፊሕ ምኽርን መታሓሳሰብን ተለጊሱ፡፡ ድሕሪዚ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት  ተዛዚሙ።

ብዕለት 7 የካቲት 2015 ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣብ እተጋብኤ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኤርትራውያን: ሓንቲ ብቐዳምነት ንሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝዓለመትነጻ ማሕበር ኣቚሞም።

እዛ «ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ንምትሕግጋዝ» ብዝብል ስም ብዕሊ ቈይማ ዘላ ማሕበር: ናይ ፓለቲካን ናይ ሃይማኖትን ጸግዕነት ኣይክህልዋን ኢዩ። ብጽዓት እታ ብመንእሰይ ዝቖመት መሰጋገሪት ሽማግለ: ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 6 ኣዋርሕ እተዓመ ስራሓት ከም ዝነበረ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ጅኔቭ ዝርከቡ ኣባላት ነባር ማሕበራትን ውደባታትን: ውልቀሰባትን ነዛ ሓዳስ ማሕበር ኣካላ ኰይኖም ከዐውትዋ ድልውነቶም ከም ዝረጋገጹ ተፈሊጡ።

Genevemeeting 1

«ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ንምትሕግጋዝ» ብቐዳምነት ከተዐውቶም እትጽዕተሎም ዕማማት ኣየኖት ምዃኖም እቶም ነቲ መስራቲ ጉባኤ ዝመርሑ ዝነበሩ መንሰይ ተድሮስ ኢያሱን: ተድሮስ ተኽለማርያምን: ሶፍያ ዓማርን ዓወት ኣረጋይን ደጋጊሞም ንጉባኤ ኣብሪሆምሉ።

እቲ ዕማማት ከኣ:-

  1. ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኣብ ስዊስ ኣብ ኩሉ መዳያት መነባብሮኦም፡ ሂወቶም ባዕሎም ኣብ ዝመርሕሉ ደረጃ ንምብጻሕ ምስናይን ምሕጋዝን። ብፍላይ ከኣ
    1. 1ዘድሊ ሓበሬታ ምሃብ (ንኣብነት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም፣ ኣብ ናይ መንበሪ ገዛ ምርካብ፣ ኣብ ማሕበራዊ ውሕስነት ኢንሹራንስ ዝምልከት) ።
    2. 2ኣብ ቋንቋ ምትርጓም ብፍላይ ኣብ ናይ ምምሕዳራት ዝካየድ መስርሕን ኣብ ሕክማናን ካልእን ።
    3. 3ግርጭት ከይፍጠር ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻልን።
  1. ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኣብ ናይ ስዊስ ሕበረተሰብ ንምውህሃድ ዝሕግዝ ናይ ትምህርትን ዓቕምታት ምድላብ መድባትን ምውጻእ።
  2. ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ምስ ካልኦት ኤርትራውያንን ስዊስ-ኤርትራውያንን ንምቅርራብ ናይ መራኸቢን ንጥፈታት ዝግበረሉን ቆዋሚ ቦታ ምርካብ።
  3. ባህልን ልምድን ኤርትራ ንምዕቃብ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር።

መስራቲ ጉባኤ ንቅዋም ሓዳስ ማሕበር ድሕሪ ምጽዳቑ: ነቶም ኣብ መስራቲት ሽማግለ ዝጸንሑ ኣባላት ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሓት ክቕጽልዎ ብምሉድ ድምጺ መሪጽዎም።

ነቶም ሓደስቲ (ብዙሓት ትዕቲ ዕድሜ ቈልዑ ዝርከብዎም) ስደተኛታት: ክተሓባበራ ንዝጸንሓ ኣደታትን: ነቶም ቋንቋ ፈረንሳ ዝምህርዎም ዘለዉ ኣብ ሃገረ ስዊስ እተወልዱ/ዝዓበዩ መንእሰይን ጉባኤ ብዓቢ ኣድናቖት መጐሱ ገሊጽሎም።

Geneve2

ኣብ ጉባኤ ተረኺበን ብዛዕባ ናይ ህዝብኦ ዘለዋ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ብስቡር ትግርኛ ክገልጻ እተረኽባ (ካብ የማን ንጸጋም) ቨሮኒካ ኣልመዶም: ኒያት ተስፋልደት: ሃናእ ዓማር እየን። ካልኦት ኣብቲ መደብ ትምህርቲ ዝተሓባበሩ መንእሰይ ፊልሞን ዘርኣይ: ሊና ሓምደ: ሰናይት ኣልመዶም ሁዳ በኺት ይርከብዎም።

E-mailPrintPDF

ለንደን (04.02.2015)፡

ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ ነታ ካብ 23 ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዓባይ ብሪጣያ ናይ መርመራ ዑደት ዘካየደት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዛዕባቶም ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት መርትዖታትን ሓበሬታን ኣብ ምሃብ ተሳቲፎም።

ብኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበረንን ብጉዳይ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝግደሳን ኤርትራውያን ማሕበራት ዝቖመ ልፍንቲ: ንመርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዑደታ ንምሕጋዝ ናብ ህዝቢ ዘቕነዐ ጎስጓስ ኣካይዱ፡ ነቶም ንመርማሪት ኮሚሽን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምስክርነት ወይውን ሓበሬታ ንምሃብ ቅሩብነት ንዘርኣዩ ኤርትራውያን ከኣ ተሓጋጊዙ። ዋላኳ እቲ ናይ ምስክርነት ምሃብ መስርሕ ንቡዙሓት ግዳያት ኣዝዩ ከቢድ እንተነበረ፡ ኣብቲ ንቶም ኣብ ኤርትራ ክፍጸሙ ዝጸነሑ ግስህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ኣቃልቦ ክፈጥር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ መስርሕ ብቐጻሊ ናይ ምስታፍ ድልየት ኣርኢዮም።

ኣብ ከተማታት ለንደን፡ በርሚንግሃም፡ ማንቸስተር፡ ሊድስ ክምኡውን ኣብ ግላስጎ ግዝያዊ መደበር ዝመስረቱ መርመርቲ ምስ ኣብ ቀደማይ ደረጃ ዝስራዕ ሓበሬታ ዘለዎም ሓያሎ ግዳያትን ኣባላት ስድራቤታት ግዳያትን ተራኺቦም። እዚ ሓበሬታዚ ከኣ ካብ ሕጋዊ መስርሕ ወጻኢ ዝፍጸሙ ቅትለታት፡ምልካዊ መእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ምስዋር፡ ግህሰት ናይ ሃይማኖት መሰላት፡ ጾታዊ መሰረት ዘለዎም ግህሰታት፡ ከምኡውን ኣንጻር እቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡ ዜጋታት ዝግበሩ ግህሰታት ወዘተ የጠቓልል። ብተወሳኺ እቶም ኮሚሽነራት ዝተሰታፉሉ ናይዞም ዝተጠቐሱ ግህሰታት ድሕረ ባይታ ንምሃብ ዝዓለሙ ናይ ጉጅለ ኣኼባታት እውን ተኻይዶም።    

ኣብዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ካልኦት ኤርትራውያን ዝርከቡሎም ከባቢታትን እናዛየደ ዝከይድ ዘሎ ቁጽሪ ናይቶም ሓበሬታ ብጽሑፍ ከቕርቡ ድልየት ዘለዎም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ መርማሪት ኮሚሽን ነቲ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ንምቕባል ከም መወዳእታ መዓልቲ ተወሲኑ ዝነበረ ዕለት 31 ጥሪ 2015 ብሓደ ወርሒ ከተናውሖ ወሲና፡ ኣብ ክንድኡ ኸኣ ክሳብ ዕለት 28 ለካቲት ሓበሬታ ብጽሑፍ ንክትቕበል ወሲና።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ኮንሶርትዮም ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ንኩሎም እቶም ብውልቂ ይኹን ኣብቲ በብጉጅለ ዝተኻያደ ኣኼባታት ብምስታፍ ምስክርነትን ሓበሬታን ብምሃብ ኣብዚ መስርሕዚ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ምስጋና የቕርብ። ብተወሳኺ ነቶም ኩሎም እቲ በብሓደ ዝተኻየደ ቃለ መሕትታትን ናይቲ በብጉጅለ ዝተኻየደ ኣኼባታትን ናይ ሓበሬታ ጎስጓስን ንክዕወት ልዑል ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ኤርትራውያን የመስግን።

እቲ ብኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበረን ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ዝቖመ ኮንሶርትዮም ነዘን ዝስዕባ ማሕበራት የጠቓልል፡ ኤርትራውያን ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት - ዓባይ ብሪጣንያ (EHDR – UK) ፡ ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ (CDRiE) ፡ ረሊዝ ኤርትራ ፡ ማእከል ስወይራ ንሰብኣዊ መሰላት።

ብተወሳኺ ኩሎም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ኤርትራውያን ወይውን ብዛዕብኡ ሓበሬታ ዘለዎም በዚ ዝስዕብ ናይ ኢመይል ኣድራሻ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.ብቐጥታ ብጽሑፍ ክሰዱ ይጽውዕ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መርማሪት ኮምሽን ንምርካብ ከኣ ነዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ፡

http://www.ohchr.org/EN/HRBodies/HRC/CoIEritrea/Pages/commissioninquiryonhrinEritrea.aspx