ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ከይንኸውን!

2015-02-10 20:04:13 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2833 times

ኣርዓዶም በርሀ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ጸገምና ኣዝዩ ብዙሕን ዘይውግኑን እዩ። ንኤርትራ ብዝምልከት ኣጀንዳ መሪጽካ ክዝረብ እንከሎ መዛዘሚኡ ኣጨናቕን ዘየደቅስን እዩ ዝኸውን። ንብዙሓት ተመራመርቲ፡ ዝኾነ ንኤርትራ ዝምልከት ኣርእስቲ ሂብካ ተመራመሩ እንተትብሎም ውጽኢቱ ዘሰክፍን ሓላፍነት ዘሰክምን እምበር ዘሕጉስ ከም ዘይከውን ከም ርዱእ ዝተወስተደ ናይዚ እዋን መደምደምታ እዩ። ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝያዳ ናይ ካለኦት በዚ ሕጂ ንሕና ንነብረሉ ዘለና ኩነታት ዝሓለፉ ኣካላት ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቲ ጸገም ኣብቲ ኣንጻሩ እንቃለስ ዘለና መላኺ ጉጅለ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ “ኣነ ናይ ለውጢ ሓይሊ እየ” ዝብል ሸነኽ ተቓውሞ እውን ምህላዉ እዩ። ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስና ንክንዕወት ካብቲ ንሱ እቲ ጉጅለ ዝመርጾ መንገዲ ጥፍኣት ዝተፈልየ እኳደኣ ዝጻረር፡ ናትና መንገዲ ቃልሲ ክህልወና ይግባእ። ሓያል ዓቕሚ እንተኣጥሪና ከዓ፡ ጉጅለ ህግደፍ ናቱ ኣጀንዳ ምሓዝ ስኢኑ ናይ ኣጀንዳና ግዙእን ኣብ ምክልኻል ዝተወሰነን ክንገብሮ ክንክእል ምተገበኣና። ነዚ ክሳብ ዘይበቓዕና ግና መሪሕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ምዃን ዕድልና ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኣብዚ ክንርስዖ ዘይግበኣና፡ ስርዓት ህግደፍ ኣንጻሩ እንቃለስ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከም ዘለና ብልሳኑ’ኳ እንተዘይተዛረቦ ልቡ ግና ዘይስሕቶ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ካብ ኮነ ብውሽጡ ምሽቓሉ ዘይተርፍ እዩ። ነዚ ዘሻቕሎ ኩነታት ናብ ረብሓኡ ንምቕያር ካብ ዝጥቀመሉ ብልሓታት ድማ፡ ተቓወምቲ ናትና ኣጀንዳ ከም ዘይህልወና ገይሩ፡ ናይ ኣጀንዳኡ ግዙኣት እንኾነሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ።

ንሕና ተቓወምቲ እምበኣር ኣብ ኩሉ መዳያት ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ክንሓስብን ክንትልምን ባህርያዊ እንድዩ፡ እንተኽኢልና ጉጅለ ህግደፍ ብናትና ኣጀንዳ ከም ዝኸይድ ንምግዳዱ፡ ነዚ እንተዘይበቒዕና ከዓ ንሕና ናይ ኣጀንዳኡ ግዙኣት ከይንኸውን ክንጥንቀቕን ክንሰርሕን ባህርያዊ ሓላፍነትና እዩ። “እሞኸ ነዚ ግጥሚያዚ ክሳብ ክንደይ ንበቕዖ ኣለና?” ዝብል ሕቶ ክለዓል እንከሎ ግና ኣዝዩ ኣዘራራቢ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ብኸምዚ ነእውየሉ ዘለና ኣሽካዕላል “ቸቸ” ንክብለሉ ክነዝሖ ካብ ዝነበሮ መርዚ ሓደ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዘይተኣማመን ምግባሩ እዩ። ዕላማ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዘይተኣማመን ኣብ ምግባር ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ከም ዝከፋፈልን እቲ ሓደ ኣንጻር እቲ ሓደ፡ ደማዊ”ኳ እንተዘይኮነ ሓሳባዊ ውግእ ከም ዝኸፍት ካብ ምጽዓት ኣይቁጠብን እዩ። ኣዚ ከፋፋሊ ተግባር ኣብ ህግደፍ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ዝኾነ ህዝቢ እምነቱ ዝነፈጎ ስርዓት ዝሕበኣሉ በዓቲ እዩ። እዚ ከፋፋሊ ኣጀንዳ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ እንተዝኸውን፡ እምብዛ ኣይመሻቐለናን። ስለምንታይ እቲ ጉጅለ ንጽቡቕና ከም ዘይሰርሕ ኣቐዲምና ስለ እንርዳእ።

እቲ ዘሰክፍ፡ ዘሻቕል፡ ምናልባት እውን ዘስግእ እምበኣር ገለ ኣካላት ተቓወምቲ፡ እሞ ድማ “ንሕና ኢና ቁጽሪ ሓደ ተቓወምቲ” ክብሉ ዝደናደኑ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዜማ፡ ግና ብዝተፈልየ ግጥሚ ከዝይሙ ክትሰምዕ እንከለኻ እዩ። “መንነትን ባህርያትን እቲ ጉጅለ ከመይ ይመስል?” ክበሃል እንከሎ፡ “ናይቲ ትግርኛ፡ ናይ ከበሳ”፡ አረ ኣይፋልኩምን ናብ ልብኹም ተመለሱ እንተተባህሉ ድማ መሊሶም ናይ ሓንቲ ከበሳዊት ኣውራጃ መንግስቲ እዩ ዝብሉ ወገናት ከም ዘለዉ፡ ቀደም ብወረወረ ንሰምዕ ኔርና፡ ሎሚሎሚ ግና፡ ሕንኮም ጠቕሊሎም ከምኡ እንዳበሉ፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ወገናት ከም ዘለዉ ነስተብህል ኣለና። ካብዚ ዝንቡዕ ሚዛኖም ነቒሎም፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ገለ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ናይ ገለ ድማ ጸላኢ’ዩ ዝብሉ ኣካላት’ውን ውጥም ቅልቅል ይብሉ ኣለዉ። ነዚ ንምዕዛዝ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ጸረ ኩሉ ኤርርትራዊ ባህርያቱ ነቒሉ፡ ኣብ ዝተፈልየ ኩርናዕ ንዝፈጸሞም ገበናት ጥራይ ቆንጢሮም ዝያዳ ከድምቑ ይህቅኑ። እቲ ጉጅለ ዕድመኡ እንተዘይሓጺሩ፡ ብመንጽርቲ ባህሪኡ፡ ሎሚ ንዘይቀተሎ ጽባሕ ከም ዝቐትሎ፡ ሎሚ ንዘይኣሰሮ ጽባሕ ከም ዝኣስሮ ኮነ ኢልካ ብምዝንጋዕ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ጉጅለ ህግደፍ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ናይ ዝተወሰነ ከባቢ ጸላኢ ኣምሲሎም ምስክርነቶም ይህቡ። እዞም ወገናት ከምዚ ክብሉ እንከለዉ ካብቲ ብርኡይ ብጉጅለ ህግደፍ ዝውጻዕ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንገለ ክፋሉ፡ “የለን ጉጅለ ህግደፍ ናትካ እዩ። ንስኻውን ናቱ ኢኻ፡ ክልቴኹም ድማ ጸላእትና ኢኹም” እንዳበሉ ዘለና ጸላኢ ንኢሱናስ ካልእ ጸላኢ ይዕድሙልና ከም ዘለዉ ይርደኦምዶ ይኸውን?

“ጉጅለ ህግደፍ ወዲ ሃገር ግና ድማ ጸላኢ ህዝብና ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ንክፍጠር እዚ ጉጅለ እዚ ክውገድ ናይ ግድን ምዃኑ፡ ካብ ውድቀት እዚ ጉጅለ ክሳብ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ምትክኡ ዘሎ መሰጋገሪ መስርሕ ሰላማዊ ክኸውን ከም ዝግበኦ ... ወዘተ” ዝብሉ መትከላት ንኩላትና ተቓወምቲ ዘሰማምዑ ሓስባት እዮም ተባሂሎም ካብ ዝውሰዱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ጽንሕ ኢልና ክንዕዘብ እንከለና ግና ንነብሶም ባዕላቶም ደሞክራሲያዊ ቅብኣት ኣልቢሶም፡ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመሓደረን ብሕገመንግስታዊ ብይን ክውዳእ ዝግበኦን ፍልልያት ተመሊሶም “የለን ቅድሚ ዝኣገረ መሰል ብሔራት ክሳብ ምግንጻል ወይ ምትካል ሃይማኖታዊ መንግስቲ ተቐበሉ፡ ነዚ እንተዘይተቐቢልኩም ግና፡ ስምኩም እዩ ተቓዋሚ እምበር መስርዕኩም ምስ ጉጅለ ህግደፍ እዩ” ክብሉ ድንዕምንዕ ዝብሉ ኣካላት ከም ብሓዱሽ ክቀላቐሉ ንዕዘብ ኣለና። እቲ “ደቂ እገለ ኣውራጃ በይንና ክንውደብ ኢና። ደቂ እገለ ኣውራጃ ግና ደንጉየሙና ኣለዉ” ዝብልን በቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣካይዳ ናብ ወረዳን ቁሸትን ምንቁልቋሉ ዘይተርፎ ጸቢብነት፡ ዘይሩዘይሩ ናብቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ናይ ምፍልላይ ዲጋ ዝፈስስ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳይ ብሄራት ይኹን ሃይማኖት ኣብ መጻኢት ኤርትራ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ክሊ እዚ ዛዕባታት’ዚ ዝተወደቡ ውድባት ብምህላዎም ዘይኮነስ፡ ከም ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ሸለል ኢልዎም ዝሓልፍ ኣይኮነን። ዝኾነ ኤርትራዊ ብሰንኪ ብሄሩ ኮነ ሃይማኖቱ ዝኾነ መሰል ከይንፈጎ፡ ብሄራት ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ኩርናዕ ይሃልዉ፡ መንነቶም ቋንቋኦምን ባህሎም ከማዕብሉ፡ ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ናይ ስልጣን ደረጃታት ግቡእ ቦታ ክህልዎም፡ ይቕበል እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ሕብረ-ብሄራዊ ዕላምኡ እዩ። በቲ ካልእ መንገዲ ናይዚ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ካልእ ዘይቅሱን ኩነታትን፡ ጠንቁ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለ ዝኾነ፡ እዚ ጉጅለ ተወጊዱ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ዝተተከኣሉ ክውገድዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ሰደህኤ እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ዘይተወገደሉ ንጸቢብ ስምዒታት ኣግዚፍካን ንቕድሚት ኣምጺእካን ሎሚ ክትውደኦ ምፍታን ኣሉታዊ ሳዕናቤቱ ብዙሕ ኮይኑ፡ ነቲ ነዚ ጉጅለ ከውድቕ ዝግበኦ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘዳኽም እዩ። ናይ’ዚ ሓይሊዚ ምድኻም ድማ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣህጢሩ፡ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዚ ጉጅለ ኣበርክቶ ምውፋይ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኩላትና “ካብዚ ዘለናዮ ናይ ዋግዋጎ ሃለዋት መዋጽኦ እዩ” እንብሎ ሓሳባት ኣለና። ”ጸገማትና ከምዚ እንተፈጺምና እዩ ፍታሕ ዝረክብ” እንብሎም ሃቐናታት እውን ኣለዉና። ኣብዚ መስርሕዚ ብዘይካ’ቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕድሕድና፡ እገለ ውድብ ወይ ማሕበር እዩ ዕንቅፋትና እንዳበልና በትሪ እነወጣውጠሎም ኣካላት እውን ኣለዉና። ኣብዚ ንነብሮ ዘለና ናይ ዕንይንይ መድረኽ ኮይና፡ ከምኡ ምባልና ከም ነውሪ ኣይምተወሰደን። እቲ ጸገም ካብቲ እትጽብጽቦ ጸገማት ናትካ ብጽሒት ከም ዝህልወካ ኣሚንካ እቲ ካልኦት ከካይድዎ እትደልዮ መእረምታ ካባኻ ክትጅምሮ ቅሩብ ዘይምዃን እዩ። ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሳዕሪሮም ካብ ዘለዉ ዕንቅፋታት ሓደ ንፖለቲካዊ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ብዓይኒ ቂምን ጽልእን ምርኣይ ብኣሉታዊ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቲ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ሜዳ ናይ ኩልኻ ክነሱ፡ ኣብ ክንዲ ብኸመይ ሓቢርና ንቃለሰሉ፡ ከመይ ገይረ ነቲ መጻውተይ ኣርሒቐ ነቲ ሜዳ በይነይ ይወርሶ ዝብል ”ናይ ሓደ ሰዓሪ እቲ ካልእ ተሰዓሪ” ስምዒት እውን ካልእ መርኣያ ነጻጊ ባህርያት ደንበ ተቓውሞና ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ርኢቶ ኣለኒ ኢሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ውድብ ደኲኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ በቲ ኣነ ዘይደልዮ ኣገባብ ዘይግለጽ ኢልካ ኣይትሓዙኒ ምባልን ንናይ ሓባር ጉዕዞ ምዕንቃፍን ካልእ ዘሻቕለና ዘሎ ጉዳይ እዩ። እዚ ነጻግን በሓትን ኣካይዳ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ክፍጸም እንከሎ ዝውገዝ፡ ባዕልና ከነዘውትሮ እንከለና ኸዓ ሓላል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚታት ስለ ዝዕዘቡ እዮም ከዓ ገለ ኣካላት ንደንበ ተቓውሞን ንጉጅለ ህግደፍን ብባህሪ ከመሳስልዎም ዝፍትኑ። ከምቲ ለባማት “እትፈትዎ ዓርኪ ክሳብ እትረክብ፡ ነቲ ዝተዓራሪኽካዮ ፍተዎ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ድሕሪ ህግደፍ መተካእትኡ እንታይ እዩ ብዘየገድስ፡ ምስ ኣብ ምውዳቕ ኣቲ ጉጅለ ከማኻ ረብሓ ዘለዎ ኣካል መንገዲ ቀይስካ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ምርጫ ዘይኮነስ መተካእታ ዘየብሉ ግድነት እዩ።

ምርድዳእ ማለት ፍልልያት ኣወጊድካ፡ ኣብ ኩሉ ነገራት ሓደ ዓይነት ተረድኦ ምውናን ማለት ኣይኮነን። ምርድዳእ ማለት ቅድም ኣበይ ከም እትሰማማዕን ኣበይ ከም እትፈላለን ምንጻር እዩ። ድሕሪኡ ድማ ብኸመይ ኣብቲ እትሰማምዖ ከም እትሰርሕን ብኸመይከ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ፍልልይ እንተኾነ ከተወግዶ እንተዘየለ ከዓ ከተጻብቦ ከም እትኽእል ቀጻሊ ኣፍደገ ልዝብ ከም እትኸፍት ምስምማዕ እዩ። ኣብቲ ዘሰማማዓካ ዝሓለፈ እንዳጸብጸብካ ዘይኮነስ፡ ብሩህ መጻኢ እንዳማዕደኻ ክትሰርሕ እንከለኻ እተርእዮ ግሉጽነትን ብቕዓትን ነቲ ዝጸንሓካ ፍልልይ ኣብ ምጽባብ ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ብቐጻልን ዕጉስን ኣብ መትከል እንካን ሃባን ዝተሰረተ ዘተ እምበር ተመዓዳዲኻ ርእሲ እንዳነቕነቕካ ዝብጻሕ ኣይኮነን።

10 ለካቲት 2015

Last modified on Tuesday, 10 February 2015 21:05