ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ንኣብ ሊብያ ዝተሓርዱን ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ዘኪሩ
Thursday, 30 April 2015 14:15 Written by ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣንምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ንማሕረዲ ብደዓሽን ቅዝፈት ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ብልዑል ኣገባብ ብሽምዓ ቅሰኑ ኢሎም ዘኪሮሞም ኣምስዮም።

ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ንመሪር ተረኽቦ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ብደዓሽ ጥሩፍ ጉጂለ ዝተፈጸመ ማሕረድን ቅልቂት 350 ኣሕዋት ኤርትርውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉን መሪር ሓዘኖም ምግላጽን ንዝኽሪ ክብሮም ቅሰኑ ዝበል ብሽምዓ ወሊዑ ንምዝካሮም ካብ ሰዓት 15.00 ክሳብ ሰዓት 14.00 ኣብ ሓዲ ሎካሎም ኤርትርዊ ባይሊ ማእከል ኣብ ባካቨገ ቁ.7 ሽርካ ተኣኺቦም ብምዕሩግ ኣገባብ ኣኽቢሮማ ኣምስዮም። እቲ ዝኽሪ ብብዝሒ መንእሰያት ዝዓብለሎ ተሳታፍነት ኮይኑ ብክቲኤን ሰንደቅ ዕላማ ህዝብናን ዝተሸፈነ ጠረበዛ ብሽምዓ ቅሰኑ ተጻሒፉ ልክዕ ሰዓት 15.00 ብዝክሪ ስዉኣት ተኸፊቱ። ብምቅጻል መግለጺ ሽማገለ ማሕበር ባቦወንበር ተነቢቢ ሲዒቡ ከም ኣሕዋት ነዚ ተርኺቡ ዘሎ መርሪር ተርኽቦ ነዛ መራር ቀዛፉት ወርሒ ሚያዝያ ጸላም ወርሒ ብመለርታ ንወለድን ስድራቤትን ጽንዓንት ንዓን ከም ኤርትርውያን ከኣ ካብኡ ተማሂርና ብሓድነት ነት ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ዝኾነ ኣረሚን ስርዓት ህግዲፍ 100% ናይ ህዝቢ ዘይምኻኑ ዘረጋገጾ ክሳብ ሎሚ ብኦም ከይተዛረበ ፡ ንዝሓዘኑ ወለድን ስድራቤትን ዝኣስር ዘሎ ነውራም ስርዓት ኮኒኖም። ቀጺሎም ብሓደ ነዚ ወርድና ዘሎ ዓለም ብዓለሙ እና በኸየ መንግስቲ እየ ዝብል ብህዝቦ ዘጋታቱ ዘይዛረብ ዘይ ዘይዝክርን ንደገፍቱ ንምግጣም ኢድ ኣኢድን ሓሳብ ንሓሳም ተዋሃሂድና ብሓባር ክንቃልስ ዝብል ሓባራዊ ስምምዕ ቃል ኣትዮም በብሓደ ሽምዓ ብምውላዕ ክቡር ዝኽሪ ብመዝሙር ተሰንዩ ኩሉ ተወልዔ። ሲዒቡ ብዋዕሮታት ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ ሕብስትን ሻህን ቡንን ብምእንጋድ ናይቲ ዝኽሪ ምሸት ተፈጸመ።

ጸብጻብ ናይ ሽምዓ ምሸት ኣብ በይ ኤርያ
Thursday, 30 April 2015 06:55 Written by ብማሕበር በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያውን ለውጢ (በአ-ኤደለ)ተቐማጦ በይ አርያን ከባቢኡን ኣብ ሰንበት 26 ሚያዝያ ስዓት 6ድ.ቐ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕርን ሊብያን ሂወቶም ዝሳኣኑ ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ናይ "መብራህቲ ሽምዓ" ዝኽሪ መደብ ኣካይዶም። እዚ መደብ ፡ በዚ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ በይ አርያ ኣብ ሓደ መድረኽ ጠርኒፉ ዝዋስእ ዘሎ ፡ ብማሕበር በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያውን ለውጢ (በአ-ኤደለ) ዝተዳለወ እዩ ኔሩ። ልዕሊ 170 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ግዱሳት ኣባላት ማሕበረስብ ዓለምን ፡ ኣዴታትን ኣቦታትን ደቖምን ፡ በዚ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝተሰመዖም ሓዘነን ጓህን ንምግላጽን ንሓድሕድ ንምጽንናዕን ብሓደ ተረኺቦም ዊዒሎም። ሽሕ እኳ እዚ መደብ ምስ ህጹጽነት እዚ ፍጻሜታት ንምርካብ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተመደበ እንተነበረ ፡ እዞም ጉዱሳት ዜጋታትን ግን ነዚ ኣገዳሲ መደብ ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ እዋኖም መጺኦም። ኣዳላውቲ መደብ ንኹሉ ተጋባኢ ናይ እንቛዕ ብድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምስማዕ ንኹሎም ግዳያትን ሰማእታትን ናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ዝኽሪ እዋን ሂቦም። ካብዚ ብምቕጻል ድማ ነዚ ኣገዳሲ ፍጻሜ ዝምልከት ብማሕበር ዝተዳለወ መልእኺቲ ብኣባላት ቦርድ ቀሪቡ።

ከምቲ ጉቡእ ፡ ዜጋታት ሓደጋ ኣብ ዝወርዶም እዋን ወይ ውን ሞትን ህልቂትን ምስ ዝስዕቦም ፡ መንግስቲ ወይውን ኣካላቱ ሓላፍነት ወሲዶም ናይ ሓዘን መግለጺ ክህቡን ተገዳስነቶም ክርእዩን እዩ ዝግባእ። እቲ ዘገርም ግን ፡ ደገፍቲ ስርዓት ምልኪ ኤርትራ ንዕድሚኦም ጸጊቦም ንዝሞቱ ሓልፍቲ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ሓዘን ስርዓት እንዳገብሩ ፡ ነዞም ነዛ ክብርቲ ሂወቶም ብማንካ ከየልዓሉላ ዝጠፍኡ ዕሸላትን መንእሰያትን ግን ፡ ግዲውን ኣይገብሩን። እዚ ዝሕብሮ ፡ ስርዓት ምልኪ ኤርትራን መርበባቱን ብሂወት ዜጋታት ዘይግደሱ ምዃኖም እዩ። ሽሕ እኳ ህዝብና ፡ በዚ ኮረሻ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት በቶም ልቦም ድርዒ ኣጥርዩ ዘሎ ደግፍቱን እንተተጠልመ ፡ በቶም ኩሉ ግዜ ብዘይ ምስልካይ ፡ ድሕነት ህዝቢ ክውሕሱን መሰላቱን ክመልሱን ልዕልና ሕጊ ንምስፋን ፡ ከይተሓለሉ ዝጽዕሩ ግዱሳት ዜጋታት ፍጹም ኣተረስዑን። ነዚ ዘረጋግጽ ሕቂ ፡ እቲ ኣብዚ ናይ ሰንበት 26 ሚያዝያ ተኣኪቡ ዝነበረ ተቐማጢ በይ አርያን ዝነበረ ትዕዝብቲ እዩ።

ኣብዚ ዝኽሪ ዝነበራ ኣዴታት ከምኡውን ደቅንስቲዮ ኣሓትን ዝርንዝሕ ንብዓት ነቢዐን ፡ ክሳብ ምእባድ ዝስእና ተነኽኒኸን። ኣቦታትን ኣሕዋትን ውን ገጾም ብድንጋጸን ሓዘንን ተኣሳሲሩ ኣብ ማዕበል ስምዒት ክገማጠሉ ተራእዮም። ማይክሮፎን ዝጨበጡ ድማ ብዓውታ ሓዘኖምን እህህትኦምን ክስምዑ እንከለዉ ፡ እቲ ዝተረፈ ተጋባኢ ብሰንኪ ጸቕቲ ስምዒት ርእሱ ክንቕንቕን ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ይርእዩ ኔሮም። ኣቦታትን ገዳይም ተቓለስትን ካብ ቕድም ኣትሒዞም ነቲ ጠንቂ ህልቂት ይቃወምዎ ምንባሮም ድሕሪ ምጥቃስ ፡ ነቲ ኩሉ ተጋባኢ ኣብ መትከሉ ክጸንዕን ክሳብ ፍታሕ ዝመጽእ ከይተሓለሉ ክጽዕሩን ኣዘኻኺሮም። ደቂ ኣንስቶዮ ውን ካብ ሞት ውላድ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝኸፍእ ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላጽ ፡ከምቲ ቀደም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሕጅውን ኣብ ጸረ ምልኪ ደው ክብላን ድምጸን ከስምዓን ብዓውታ ተዛሪበን። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ናይ እምነት ሰባት እውን ፡ ሙሉእ ፍታሕ ካብ ሰማይ ስለዝኾነ ፡ ጸሎትን ምህለላን ክዝውተረን ከይርሳዕን ለበውኦም ሂቦም። ሕብረት ኩሉ ጊዜ ሓይሊ ስለዝኾነን ንእዋናዊ ለውጢ ቀንዲ ደራኺ ስለዝኾነን ፡ ኩሉ ዳላዪ ፍትሒ ኣብ ሕበረቱ ክጸንዕን ኣዘኻኺሮም። ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ሓባርዊ ዘተን ሓሳብ ምልልውዋጥን እዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ ንጥፈታት ተጠቒሶምን ናብ ግብሪ ክመሓላላፍ እውን ናብ መሪሒነት ማሕበር በአ-ኤደለ ብሕድሪ ተላብዮም፦

- ንግዳያትን ቤተሰቦምን ኩሉ ዜጋ ከጸናንዕን ክሕግዝን ፡ ንበደልቲ ድማ ናብ ሕጊ ምቕራብን - ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበርን ክሉ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበራት ሕብረተሰብ ዓለም ንኽሳተፍውን ዕድመ ክግበር።
- ብኪኢላታትን ሰብ ተሞክሮን ዝተመርሐ ህዝባዊ ዘተ ክግበርን ፡ ሲዒቡውን ናይ ምርምርን ስትራተጅን ንጥፈታት ክግበር
- ንጉንበት 24 ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ትልሂት ክቛረጽን ብካልኦት ወገናት ዝግበር መደባት እንተልዩውን ጠጠው ምባሉን
ማሕበርኩም በአ-ኤደለ ንኽሎም ተጋባእትን ኣብዚ መደብ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ዘይውዓልኩም ግን ተገዳስነትኩም ዘገልጽኩምን ብፍላይ ድማ ነዚ መደብ ክውን ንኽኸውን ዝሰራሕኩምን ዝተሓጋግዝኩምን ፡ ብስም ማሕበርን ሕብረተሰብን ብልቢ ነመስግነኩም ፡ ኣብ ቀጻሊ መደባትን ጻዕርታትን እውን
ኣይተፈለዩና ንብል።
ሰላምን ፍትሕን ንውጹዕ ህዝብና ፡ ምጽንናዕን ዕረፍትን ንግዳያት ህዝብናን ቤተሰቦምን!
ብማሕበር በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያውን ለውጢ (በአ-ኤደለ)
ሚያዝያ 28 2015__
እዛ ዓለም ንምንታይ ትጸበኒ፡
ብሰፋሓ’ወ ትንእሰኒ፡
ብምውቕታ ትቖረኒ፡
ብርኽብታ ንዓይ ዝጠምየኒ።
ኣነ እምበር’የ ናታ፡
ፍጡር ካብ ከርሳ ካብ ባይታ፡
መሰለይ እምበርዩ መሰላታ፡
ንምንታይ ደኣ ሓኒቓ ዓትዒታ።
ወዲ ዓለም እንድ’የ ውሉዳ፡
ዝብጽሓ ናይ ከርሳ ናይ ከብዳ፡
ኣካል’ቲ ኣቑጸልታ ጉንዳ፡
ሰርቢ ጠፈራ፡ ዝናባ በረዳ።
ትብጸሓኒ እምበር ማዕረ፡
ባህገይ ኣብ እምነታ ዝተደረ፡
ርሒብ’ዩ ንስፍሓታ ዝጾረ፡
ንምንታይ ኣብ ዓደይ ቆሪረ፡
ከይፈቶኹ መብጽዓታት ሰይረ።
ደስ ከይበለነ መረበተይ ገዲፈ፡
ንወላዲተይ ራሕሪሐያ ተጸርጊፈ፡
ዘይፈልጦ ረጊጸ ሃጓፍ ዝጸደፈ፡
ይውዳእ እንተበልኩስ ጉዳም ዝሓለፈ።
መስክሪ ዓለመይ ተስፋይ ተሰሪቑ፡
ጠሊ ሓሪሙዎ ሕልናይ ደሪቑ፡
ሃጽ ኢሉ ቀልበይ ሃውቲቱ ርሒቑ፡
ዓገብ በሉለይ ዓለምይ ጨኒቑ።
እወ! ቀላያት ክሰግር ካብ ዝርኢ ንዑ፡
ምድረበዳ መሪጸ ድምጹ ካብ ምስማዑ፡
በል ቀታል ተስፋይ ይግፋሓልካ ሽዑ፡
ተካል ፍጥረት ዶኽብል፡ በላዒ ግዛዑ።
እንተ ጠፋእኩሉ ደኾን’ዩ፡ ክገፍሖ?
ካን ዘርኢ ኣበዋተይ ከምዘይነበረ ክምሖ፡
ንተስፋፋታተይ ሸንኪሩሉ መርሖ፡
ቁንቁነ ኮይኑኒ ዘየናሕሲ ፍልሖ።
ዓዱ ዝለቕቐ ንዓለም ኣሚኑ፡
ወዮ ምድረ-በዳ’ውን ዋና’ሎዎ ኾይኑ፡
ክረግጾን ክነብሮን ዓለሙ ዋኒኑ፡
ተስፋኡ ኣንቢሩ ዘውደቐሉ ጎድኑ።
ኣይጥዓመን ኣሕዋት ሂወት ብሓረጣ፡
ሂወት ተቐዪሩ ጠላዕ ከም ገበጣ፡
ንተስፋ ክረትዕ መንብሮይ ክሰልጣ፡
ግን ኩሉ ሓደ ኮይኑ፡ ዓለመይ ጎቢጣ።
ለካ ኢሎም ኔሮም ሽዑ ንሪአክን፡
ኣይገደፉን ጎራሓት ንሕና ንሕሸክን፡
ካን ገምድ ክቕየረለይ ኣብ ዓዲ እንዳማትክን፡
መለሳ ጎይታ ነየለ ናብዝን ናብትን ኢልክን።
ጎይቶት ኩኑ እንዶ’ሞ ቀልቡ ተስፋና፡
ዓቕሊ ምለሱሉ ኣልዕሉ መድፈና፡
ንዓኹም ክንብል ኣኽሊል ምሰቕልና።
እሱ ካብ ኮነ ጸወታ ዓለምና።
ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!
ሃይለ ወልዱ።
ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ብ April 25, 2015፡ ንዝኽሪ ግዳያት መዲትራንያን ባሕርን ግብረሽበራዊ ቅትለት ናይ ንነብሱ ብ ISIS ዝፈልጣ ግብረሽበራዊ ጉጅለን ንምዝካር ኣብ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ምውላዕ ስነ-ስርዓት፡ ብ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ዝቐረበ ቃል።
ደቕና! ረኸብቲ መከራ!
ደቕና! ረኸብቲ ጋዶ! ረኸብቲ መግደራ!
ደቅና! ሰብ-ቃላይ-ዳግማይ ሰቲሞ!
መናእሰይ ካብ ምድሪ ዓደቦኹም ዘንፍጸኩም ዘበርግገኩም ዘሎ፥ ኣብ ኢድ ኣረሜናውያን ክትወድቁ፤ ክጋናዘይልኩም ዕድል ዝህብ ዘሎ፣ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ዘሎ መን ኢዩ? ሰበቡን ተግባራት ገባሪኡን እንርእዮ ዘሎና ኢዩ።እዚ ግን ንሓዋሩ ኣይኰነ። ኤርትራዊያን ብሕብረት ከም ጥንትና ተሓቛቚፍና ክሳዕ እንትንስእ ጥራሕ ኢዩ። ሓቢርና ክንዝቲ፣ ዝጐድኣናን ዝጠቕመናን ክንፈልጥ፣ዘባእስና መሰረታዊ ነገር ከም ዘየሎ ከነለሊ ምስ ከኣልና ኢዩ።ፍቕሪ ናይ ኣሕዋት ዘይደልዩ በቲ ዓቢ ምድዋኦም ሰለ ዝሸርዉናን፥ ሓድሕድና ስለ ዘጋራጪውናን እንሆ ሓደ ኣካል ንምዃን ግዜ ወሲዱልና ይርከብ። ግዜ ክንዲ ዝወሰደልና ድማ እንሆና ንጠፍእ፣ደቕና ይብርግጉ፣ቀለብ ዓሳ ይዀኑ፣ማዕበል ሑጻ ይደፍኖም፣ብኢድ ኣረማያን ይቕተሉ፡ ኣብ መዓሙቝ ባሕር ይሰጥሙ ኣለዉ።እንታይ’ኮን ኢና ኰይና፡ ቑሩብ ዘይነስተውዕል፣ቑሩብ ፊኒሕኒሕ ዘይንብል።ብኣንጻሩ፡ክንዲ ንፋቐር ንጻላእ፣ክንዲ ንሓብር ንበታተን፡ክንዲ ንከባበር ንነኣእስ፣ክንዲ ንቀራረብ ንረሓሓቕ። እዚ ዓይነት ተርእዮ ወለድና ዘውረሱና ኣይከነን። ጐራሓትን ሕሱማትን ኣንቀላዊጦም ካብ ደገ ዝጐተቱልና ኢዩ።ነቲ ዘስምረና ገዲፍና ነቲ ዘባእሰናን ዝበታትነናን ንመርጽ፣ንምብትታን ንፈጥን።ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኢዩ ሻቢቡና ዘሎ።ነፍስና ወኪልና እንተ-ንቀራረብ ኩሉ ሽግርና ዓይኒ ንርእአ፡ ንፈናተይ፡ዝርግርግ ይኣትወና፣ደቕና በብሓደ ይነፍጹ፣ገበጣ ክሳዕ ዝውዳእ ክንጻወት ንፍትን ኣሎና። ኣብዚ ኵሉ ሕሰምን መከራን ዘእትወና ዘሎ፣ከም ኣቦታትና “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብሉ ሓራናት ስለ ዝሰኣንና ኢዩ።
ዛንታ ጀጋኑ ሃገርና ምስ እንፍትሽ፣ምስ ዝተፈላለየ ሽግራትን፣ ጸላእትን ወትሩ ብሕብረት ምስ ተሓናነቑ ኢዮም። ኣብ ጽንኩር ግዜ፡ ኣዋጅ ጀጋኑና “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብል’ዩ። እንታይ ማለቶም’ዩ ? ጀጋኑና ሓድሓደ ግዜ ንቕድሚት ዝሰጥሉን ደው ዝብልሉን ደረት ወይ ቀይሕ መስመር ኣለዎም። እቶም ጀጋኑ ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን ዝብል ቃል እንተ-ኣስሚዖም፣ብጸላኢኦም፣ክድፍኡ ጸኒሖም ናይ ግድን ጠጠው ዝብልሉ ኢዩ። ንሱ ከኣ “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብል ድምጺ ምስ ኣቃልሑ ዝፍጸም ኢዩ። ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ምስ ተባህለ ሓቢሮም ምስ ጸላኢኦም ኣትኪሎም ክሳዕ መወዳእታ ዝተሓናነቕሉ ግዜ ማለት ኢዩ። ምኽኒያቱ ክኒዮ’ዚ ዓዲ የለን ስለ ዝተባህለ። ኣቦታትና በዚ እምነት’ዚ ነታ ሃገርን ንታሪኻን ዓቂቦሞ።በዚ ታሪኽ’ዚ ነዛ ምድሪ ካብ ኢድ ዓመጽቲ ኣናጊፎማ።ሎሚ ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ዝብሉ ጀጋኑ ጌና ኣይረኸብናን። ደቕና ኽጠፍኡ ከለዉ ስቕ፣ ፍትሒ ክጠፍእ ከሎ ስቕ፣ ክብሪ ደቂ ሰባት ክገሃስ ከሎ ስቕ።ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ዝብሉ ሓራናት ኣይተረኽቡን። ጠፊኦም ማለት ግን ኣይኰነን፤ስለ ዘይተበራበሩ ኢዩ።
ሎሚ ነታ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ጸላኢ ኣባሪሮም ነጻ ዝገበርዋ፡ምድሪ ዓደበኹም ገዲፍኹም፡ ነፊጽኩም ኽትጠፍኡ ዝደፍኣኩም ዘሎ ኵነት እንታይ’ዩ!። ብርግጽ ሓቢርና ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ስለ ዘይበልና ኢዩ።
እወ፡ገለ ብዱዓት ጸጊቦም ክብልኹም ንሰምዕ ኢና። “ ዓሻ ሰበይቲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ከም ዝተባህለ።እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ዘይለዓቱ ኢዩ። እንታይ ዘጽግብ ምስ ረኸብኩም’ሞ!።
እቲ ምኽኒያት’ስ ካልእ ኢዩ። ዓው ኢልኩም ክትዛረብዎ ዘይከኣልኩም፣ ”ዓው ኢልካ ዘይብከይ ሞት ሕጹይ” ዝዀይንኩም ነገር’ስ ኣሎ። እቶም ጸጊቦም’ዮም ዝብልኹም፣ ወያ ጽጋብኩም ጽጋቦም ትኹን እንተበልናዮም መርገም ከይኮኖም፣ኣሕዋትና’ዮም። ውዒልና ሓዲርና ጡብ ኣዴና ኤርትራ ዝዓርቀና ኣሕዋት ኢና።
ከምኡ እንተበሉ’ውን ካብ ልቦም ዝመጸ ኣይኰነን። ከምቲ ዝስሞዓና ይስምዖም ኢዩ። ፈጺሙ ጠፊእዎም ክበሃል ኣይከኣልን፤እንታይ’ደኣ ብመውረርያ ትሑዛት ኢዮም፤ገጽ-ርኣይነት ስለ ዝሓየሎም’ዩ ኢዩ።እዛ ሓላፊት ዓለም ነባሪት ስለ ዝመሰለቶም፣ብልሳነን-ቅብጥር ዝበልዎ ኢዩ። ልቦም ግን ይዕዘቦም ኣሎ። ”ኣፍ ክዛረብ ልቢ ይንዕቕ” ከም ዝተባህለ። ሓቂ ተዛሪብካ ምሙዋት ዓቢ ክብሪ ምዃኑ ተረሲዑ። ምሕረቱ ይልኣኸልና። ኣብ ርእሲ ኵልና ዝደየበ፡ ግዜ ዝበልዐ ስኽራን ቀልጢፉ ካብ ሰብነትና ይውጸኣልና። ካብዚ ሓሊፉ ግን መን ኢዩ እናረኣየ እናሰምዐ ኣብ ሓዊ ክትጥበስን፣ብኻራ ከም ጤል ክሕረድን፣ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ክትሰጥምን ዝመርጽ?። ከመይ’ሉ ከምኡ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰብ ይመጽእ። ሕጂ’ውን እቲ ጸገም ዝፍታሓልና ”ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን “ ኢልና ምስ እንትንስእ ጥራሕ ኢዩ።
ዋይ! ዋይ! ዋይ! ስለ መከረኛታት ‘ደቅና!
ንዓኻትኹም ዘይከውን እዋን መጺኡኩም።እዚ እዋን’ዚ ከምቲ ቀደም ዝሓለፈ ክፉእ ዘመን ዘይሓልፍ ኣይም’ሰ’ለና። ግድን ክሓልፍ’ዩ። እቲ ዘይሓልፍስ ሕማቕ ታሪኽ ጥራይ ኢዩ።
እዚ ባሕሪ’ዚ ናይ ኣቦሓጎታትኩም ስጋ ዝለመደ ኢዩ። ናይ ሰቲሞ ጥፍኣት’ኮ ነዚ ኢዩ ዘዘኻክረና።እቲ ምድግጋሙ ግን እንታይ ንበሎ!! ንሕና ዲና ካብ ኣምላኽ ርሒቕና፣ወይስ ኣምላኽ’ዩ ካባና ርሒቑ። መን’ዩ ቅድም ዝረሒቐ? ስለ ሓቂ ግን፡ንሕና ባዕላትና ኢና ክንርሓቕ ዝጀመርና ባዕላትና ምዃንና ዘይከሓድ’ኢዩ። ፈጠርትና ለኒንን ማኦን ምስ ገበርና። ሕጂ’ውን እቶም ንህልዊ ኣምላኽ እንኣምን፣እቶም ዓለም ሓላፊት ምዃና እንኣምን፣መከራና ክውድኣልና ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ንንገሮ፣ንሱ ከድሕነና ኢዩ። እታ ጀጋኑ ምውላድ ዝለመደት ማሕጸን ኣዴና ኤርትራ’ውን ጀጋኑ ክትፈሪ ክትነብር እያ።እትመክን ኣይምሰሎም።
እዚ ጥፍኣት’ዚ ጠጠው’ዶ ነብሎ ወይስ ጨሪስና ክሳዕ ንጸንት ከምኡ’ሉ ይቐጽል።ኣዚዩ ከሻቕለና ዝግብኦ ነገር ኢዩ። ብርግጽ ደቂ ሃገር ሓድሕድና ስኒት ሓሪሙና፡ ጌና ክንጻላላእን ክንረሓሓቕን ብዓይኒ ትዕቢትን ጽልእን ቅርሕንትን ቀጻሊ ክንጣማመት እንተዄንና ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ካልእ ጥፍኣት ምዕዳም ኢዩ።ስለዚ ሃየ ኣሕዋት ልቢ ነዕቢ!ንሰላምን ፍቕርን ሓቢርና ንወጥጥ!!
ዝፈሰሰ ደም ኣሕዋትና ከም ደም ኣቤል ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ቀሪቡ ክጠርዓልና ሰላም ከምጽኣልና ኢዩ።
ዅልና ደቂ ሃገር ምስትውዓልን ልቦናን ይፍጠረልና።
ዝተቐያየሙ ኣሕዋት ዝተዓረቕሉ፣
ዝተጻልኡ-ዝፋቐርሉ፣
ዝተፈላለዩ ሓደ ዝዝኾንሉ፡
ብፍቕርን ብሓደ ሓሳብን ዝኸድሉ፣ብሓደ ቅልጽምን ዝምክትሉ፣
ሓቢርና ንዓድና ብሰላም ክንነብራ እንኽእለሉ ።እዋን ይምጸኣና።
ሃየ ምዕሻው ይኣክለና፣ምብትታን ይኣክለና፣ ኣብ ሕቝፊ ኣዴና ኤርትራ ንተሓቛቘፍ። ኵልና ነጻ ኴይና ንሕሰብ።እቲ ጉዳይ ናይ ኵልና ኢዩ፡ሓቢርና ንምከር።ንመፍቶ ወዲ መን’ከ ኢዩ፥ደርጒሕና ንዛራረብ።ዕጥቂ ኣቦታትና ኣይነዝልቕ ሓደራ።
ከምኡ እንተ ዘይገይርና ጥፍኣትናን ብርሰትናን ቀልጢፉ ክመጸና ብፍቓድና ንዕድሞ ከም ዘለና ኣይንስሓቶ!!
እታ ሃገር ብደም ናይ ክሎም ሃገራውያን ዝመጸት ምኳና’ውን ኣይንረስዓዮ፤ እቲ ቀንዲ ሰበብ ነዚ ምርሳዕና ኢዩ።
ንቤተሰብ ረኸብቲ መከራ ጽንዓት ይሃቦም!
መንግስተ ሰማያት ንሰማእታት ደቅና!
መደብ "መብራህቲ ሽምዓ" ንዝኽሪ ግዳያት ማእከላይ ባሕርን ሊብያን
Thursday, 23 April 2015 23:39 Written by በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ) (ዳዕሮ ነበር)
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ አርያ
ማሕበርኩም በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ) (ዳዕሮ ነበር) ብስም ማሕበርን ማሕበረሰብ ኤርትርውያንን በዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ሊብያን ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘንን ጓሂን ይገልጽ። ንኹሎም ግዳያት መንግስተ ሰማይ የዋር ሶም፡ መንፈሶም ብሰላም ኣብ የማን ኣቦ ይዕረፍ: ፡ ንኹሎም ስድራቤቶምን በተሰቦምን ድማ ጽንዓት ይሃብ ትብል።
ንኹሎም በዚ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝሓዘኑን ዝተጎድኡን ኤርትራውያንን ፈተውቱን: ስድራቤት ግዳያት ክድግፍን ከጻናንዕን ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነት ከም ዘለና ነዘኻኽር። ኩልና ከምንፈልጦ መሰረታዊ ጠንቒ እዚ ህልቂት እዚ ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጮቛኒን ዘይሓላፍነታዊ ስርዓትን ግጉይ ሃገራዊ ፖሊሱኡን እዩ። ነዚ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕን ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካልን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኩላትና ሓቢርና ክንሰሪሕ ይግባእ::
ነዞም ብልቢ ነፍቅሮምን ከም ብሌን ዓይንና ንፈትዎም የሕዋትና: ኣሓትና፡ ወለድናን ብግቡእ ንምዝካርን ነሓድሕድና ንምጽንናዕን ፡ ናይ "ሽምዓ ዝኽሪ" መደብ ኣዳሊና ኣሎና። በአ-ኤደለ፡ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲን እዋናውን ሕማቕ ፍጻመ ብዝተወደበን ሓላፍነታዊን ኣገባብ ከካይዶ መደብ ሰሪዑ ኣሎ። ኩሉኹም ኤርትራውያን ፈተውቱን ፡ ነዚ ኣገዳስን ረዚንን መደብ ቀዳምነት ሂብኩም ክትሳተፉን ንኻልኦት ከተሳትፉን ነዘኻኽር።
ምስ እዚ ዝተኣሳስር ድማ፡ እቲ ንጽባሕ ቀዳም 25 ምያዝያ 2015 ኣዳሊናዮ ዝነበርና ናይ "ቀዳማይ ርብዓዊ ጸብጻብን ምጽዳቕ ቅዋምን" ንኻልእ ጊዜ ቀዪርናዮ ኣሎና። ብተወሳኺ ነቲ ብምኽንያት ጉንበት 24 መዓልቲ ናጽነት ከነዳልዎ መዲብና ዝነበርና ናይ "ትልሂት መደብ"፡ እውን ከም ዝሰረዝናዮ ክንሕብር ንፈቱ። ንዝኾነ ይኹን ሃናጺ ሓበሬታ: ሓሳባት ርእይቶን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ወይ ውን ፈይስ ቡክ ክትረኽቡና/ባና ትኽእሉ/ላ።
መደብ - ናይ "መብራህቲ ሽምዓ" ናይ ዝኽሪ መደብ
ቦታ - 550 El Embarcadero Oakland CA 94610. El Embarcadero/Grand Ave
ዕለት - ሰንበት 26 ሚያዝያ 2015
ጊዜ - 6:00pm- 9:00pm
በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ) (ዳዕሮ ነበር)

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዚ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ዚጋታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ባርባራዊ ቅትለት በቶም ብሽም ኢስላማዊ መንግስቲ ኢራቁን ሲርያን/ ISIS ( Islamic State Iraq- Syria)ዝፍለጥ፣ ንኩሉ ሕዝብታት ዓለም ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ንሕዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዓሚቕ ሓዘን ከምዘእተወ ነዚ ተግባርዚ ብሓይሊ ንኩንን።
ብሰንኪዚ ዘሕዝን ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ፣ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምቋም ሓዘኑን ኣውያቱን ገሊጹ ኢዩ። ከምኡ እውን ብዘይካ እቶም ዝተቀትሉ፣ ሕይውቶም ንምድሓን ካብ ሊብያ/ትሪፖሊ ብማእከላይ ባሕሪ ንኤውሮጳ ክሳገሩ እናበሉ ካብቶም 900 ዝኾኑ 350 ኤርትራውያን/ኢትዮጵያውያን ከምዝነበሩ ተፈሊጡ ሰለዘሎ እዚ እውን ዝሕዝን ተረኽቦ ብምዃኑ ሓዝና ንገልጽ፡፤
እዚ ኩሉ ቅትለትን ኣብ ባሕሪ ሕልቀትን ናይ ዝሓለፈ ላምፐዱሳ ከይኣኸለና ተተመላሊሱ ብምርካቡ ብጣዕሚ ዘጉሂ ኢዩ። ንሕና ስዊደናውያን/ ኤርትራውያን ጽላል ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዓሚቕ ሓዘን ከምዝተሰማዓና ክንገልጸልኩም ንፈቱ።
ሕዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓው ሕዝቢ ኢዩ፣ብጥንቲ ድማ ክርስትያኑን ኢስላሙን ተኸባቢሩን ብስኒት ዝነብር ዝጸንሔን ዘሎን ሕዝብታት ኢዩ። ነዚ ሕዝቢዚ ክፈላሊ ብሃይማኖት ክፈላሊ ዝደሊ ድማ ብሕዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ቅቡል ኣይኮነን፡፤
እዚ ኣብ ሃገረ ሊብያ ኣብ ካል ኦት ሃገራት ዓለም ዘስፋፍሕ ዘሎ ንሃይማኖት ኢስልምና ዝምልከት ዘይኮነ ናይ ውሑዳት ግብረሽበራውያን ኢሰብኣዊ ተግባራት ኢዩ፡፤ ነዚ ድማ ሕብረተሰብ ዓለም ሓቢሩ ካብ ሱሩ ከልግሶ ጻዋዒትና እናቅረብና ክሎና ድማ እቶም ኣብ ንግደት ደቂሰባት ተዋፊሮም ነሕዋቶም ኣብ ኢድ ገበነኛታት ዝሕልፉ ዘለዉ ካብዚ እኩይ ስራሕ ከልግሱ፣ እቶም ገና ብህይወቶም ኣብ ሊብያ ን ኤውሮጳ ክሳገሩ ዝደልዩ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ንድሕነቶም ክጽዕር ምሕጽንታና ነቅርብ። ዜጋታትና ካብዚ ሓደገኛ መገድታት ክቁጠብ ድማ ኩላትና ሓቢርና ንህዝብና
ኩሎም ኣባላት ስዊደናዊ ኤርትራዊ ጽላል ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስዊደን ነቶም ሒይወቶም ዝሰኣኑ ንጹሓት አሕዋትና ኢትዮጵያውያን መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ንመላእ ሕዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፣ ብሓፈሻ ፣ ብፍላይ ድማ ንኩሎም በተሰቦም ድማ ጽን ዓት ይሃብኩም ይሃብና እናበልና ሓዘና ንገልጽ።
ተኻፋሊ ሓዘን
አካያዲት ኣካል ጽላል ስዊደናዊ/ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ብኣሰናኢትን ሓጻዪትን ሽማግለታት 2ይ ጕባኤ ዝተመርሐ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ተኻይዱ
Thursday, 23 April 2015 00:33 Written by ፍትዊ ክፍለ፡ ሓላፊ ዜና ዞባ ኤውሮጳዛዕባ :- ምሕባር ተበጺሑ ዘሎ፣ ጉዕዞን ምቅርራብን ስርሓት ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤን ሓጻይት ሽማግለ ሰ.ድ.ህ.ኤ.
ንኣኼባ ዝኸፈተ ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣቦ/ወንብር ኣሳናዳኢት 2ይ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.ኣቐዲንኣመንቲ ክርስትና ተዋህዶ፣ በዚ ኣጋጣሚ ሩሑስ በዓል ላአፋሲካ ኸምኡ ዳግማይ ትንሳኤእ እናበልኩ ኣስሲዒበ፣ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባሕሪ መዲተራኒያ፣ ስጋብ 950 ዝኾኑ ዜጋታት ማለት 50 ህጻናት 200 ደቂ/አንስትዮ 700 ደቂ ተባዕትዮ ዝግመቱ፣ ጢሕሎም ካብዚኦም 25 ዲሒኖም ዝብል ወረ ማዕክናት ይዝርግሓ ዘለዋሉ ስዓት ተኣኪብና ብምህላውና፣ ኣኼባና ብናይ ሕልና ጸሎት ኽንጅምሮ ብምባል ናይ ሓደ ዲቒቕ ጸጥታ እዩ ተጀሚሩ፡፡ ኣስዒቡ ኸም ማዕክናት ዝህብኦ ዘለዋ መብዛሕትኦም ኤርትራዊያንን ሶማልዊያን ኻብ ኻልእ ሃግሀራት ዘለውዎም ኮይኑ ዝተፋላለያ መርከባት ረሳታት ምግፋፍ ይርከባ፣ ካብዚኦም 25 ዜጋታት ጥራይ ዲሒኖም እዩ ዝባሃል ዘሎ፡፡
እዚ ህልቀታት እዚ ንሕልናና መንፈስና ዘየድቅስ፣ዓለምና እውን ካብ ጳጳስ ፍራንሲስኮ ጀሚርካ ሕቡራት ሃገራት ፣ኩሎም መራሕቲ መንግስታትተ፣ እዚ ትራጀዲ ጠጠው ኽብል እናጸውዑ፣ መፍትሒኡ ካብታ ዝተወልዱላ ሃገር ኸይወጹ ሓገዝ ኽግበረሎም ኣለዎ፡ ስለዚ መስሰቶም ዘለዉ ስርዓታት ብምርኻብ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምትታት ምውሳድ ዝሓሸ እዩ ዝብል ምይይጥ የካይዱ ኣለዉ፡፡
ከምዚ ክንሰምዖ ዝቐነና ዝተፋላለያ መንግስታት ሉኡኻተን፡ብምስዳድ ፍለመ ርክባት ምስ ውልቀ መላኺ ስርዓተ ኢሳያስ ክገብራ ጀሚረን ኽም ዘለዋ፣ ናይ ኣዳባባይየ ንሰምዖ ዘለና ወረ እዩ፡፡ እዚ እንተደኣ ኣብ ግብሪ ተተርጒሙ፣ ነዚ ስርዓት ዕምሩ ናይ ምንዋሕ ዕድል ይኸፍተሉ ምህላዉ ንኩላትና ብሩህ እዩ ፣ እቲ ፍታሕ ግን፣ እዚ ዘሎ ስርዓት ስልጣን ናብ ህዝቢ ኣስረኪቡ ግዝኣተ ሕግን፣ ዲሞክርስን፣ ፍትሕን፣ ሰላምን፣ ልእልቲን ሓድነት ህዝባ ዝሓለወት፣ኣብ ማሕበራውን ቁተባውን ምዕባለ ዝመሰረቱ ሕብረተሰብ ምስ ዝህሉ እዩ፡ ኢልና ፖለቲካዊ ዘመተታትን ዕዮን ኽንገብር፣ ሎሚ ኻብ ትማሊ ቢዝያዳ፣ጻዕሪ ይጽበየና ኣሎ፣ ኽብል አስዒቡ ኣብ ዛዕባ ብምምላስ ስርሓት ምቅርራብ ጠቕላላ 2ይ ግባኤ ሰልፊ ካብ መስከረም ጀሚሩ ናይ ስርሑ መደበ ዕዮን ዝተፋላለዩ ሓይሊ ዕማምት ብምስራዕ ምስ ዞሎና ግዜን ዘጋጡሙና ንኣሽቱ ጸገማት እናፈታሕና ንጓዓዝ ኣለና፣ ውጺኢቱ ኣዕጋቢ ዘብሎ እቲ መምሪሕታት ምምሕያሽ ንድፍን ቅዋምን በጺሕኩምስ ድሮ መልሲ ብምሃብኩም ንምውህሃዱን ብትግሪኛ፡ዓረብኛ፣ እንግሊዝኛ ተጻሒፉ እንደገና ናብ ኣባላትና ተመሊሱ ዳግመ ምምሕያሽን፣ የድልዮ ዝብሃል ተማማይጦም ብወከልቶም ኣብ ጉባኤ ሰልፊላቢ ሓፈሻዊ ዘተ፣ ንምክያድ ዝዓለመ ኣሳራርሓ ኢና ነማልእ ዘለና ክብል መግለጺኡ ደምዲሙ፡፡
ብድሕሪኡ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ኣቦ ወንበር ሓጻይት ሽማግለ ነቲ ብሓው ተስፋሚካኤል ዝቐረበ፣ናይዜጋታት ህልቀት፣ኣብ መዲተራንያን ንልቢ ኩላትና ዝትንክፍን፣ንሕልናና ዘየደቅስን ሓዘን ኣብ ርእሲ ሓዘን ኸምቲ ናይ ላምፐዱሳ፣ተር ዝበለ ናይ ሬሳ ስንዱቛት ክንሪኢ ኮሎና፡እዛ ሃገር እዚኣን ህዝባን መዓስ እዩ ሕጅስ ኣኺሉ እዩ እትብለሉ እዋን ዝባጽሕ ? መልሱ ህዝባ ሕጂ ይኣክል ኢሉ ተላዒሉ ስልጣኑ ኣብ ኢድ ምስ ዝጭብጥ ምዃኑ ብዝያዳ ዝበርህ፣ ስለዚ ሓላፍነትናን ስራሕናን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ ዝተዓጻጸፈ ምዃኑ በሪሁልና ኣሎ፡፡ብወገን ሓጻይት ሽማግለ ድሮሰለስተ ወርሒ ይኸውን መምርሒን፣ኣጋባብ ኣማራርጻ ሕጽያት መሪሕነት ተላኢኹስ መልስታት እውን ይመጸና ኣሎ፡ ዕለት ናይ መጠርሽታ ምስርካብ እውን ተሓቢሩ ስለ ዘሎ አብ እውኑ ኸምዝማላእ እምነትና እዩ፡፡ሓው ረዘነ ነቲ ናብ ጨናፍር ተላኢኹ ዝነበረ መምርሒ ክበርህ ኣለዎ ዝብል ነቑጣታት ሓደ ብሓደ ኣብሪሁ፡፡ኹሎም ኣባላት ሰልፊ ሓለፍቲ ጨናፍር ንኡስ ዞባ፣ ዞባ ኻብ ኣፍሪቓ፣ኣስያ፣ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ዘይበርሄ ሕቶታት በሪህሎም፡ ኣብ ኣሳራርሓ ክማሓየሽ ኣለዎ ዝበልዎ ሓስብን ለበዋታትን ብምቕራብ ሰፊሕን ዓሚቚ ዝኮነ ዘተን ምምይያጥን ተኻይዱ ፡፡
ንዝኽሪ ንጹሓት ኣብ ሊብያ ዝጠፍኡ፣ ኣብከተማ ጀኔቭ፣ ሰላማዊ ሰልፍን፣ ሸምዓ ምዉላዕን፣
Thursday, 23 April 2015 00:17 Written by ግዱሳት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንንዕለት 25 ሚያዝያ ቀዳም፣ 2015ዓም
ኣብ ሊብያ፣ ብየዘይሓደ በደል "ክርስትያን ጥራይ ብሙዃኖም" ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብሓይሊ "ኢስላም በሃልቲ" ንዝተሓርዱ ንዝተቐንጸሉን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፋፈት ኤውሮጳ መርከብ ተሰራ ንሞት ዝተጸጥሑን፣ ንምዝካርን ምስ ስድራቤታቶም ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ከምዝኾናን ዘርኢ፣ ነዚ ኢሰብኣብውነት ተቓዉሞና መታን ክንገልጽ፣ ብጸታ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ከምኡ’ውን ሸምዓ ክንዉልዕን'ና። ነዚ ሞት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዘይኣፈላላይ ክልተ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምኡ ካልኦት ፈተውቲ ፍትሒ ጎኒንጎኒ ኮና ክነካይዶ'ና።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሰዓት 13:30 ካብ 14 ሮንድ ፑዋ ደሪቭ (14h au rond-point de Rive ) ተበጊስና ኣብ ፓርክ ባስቲዮን (parc des bastions, devant le mur des Réformateurs) ኣብ ቅድሚ ሃውልትታት ናይ ዓበይቲ ስዊስ ንለውጢ ዝተቓለሱ ክውዳእ'ዩ።
ሰብኣውነት፣ ሃይማኖት የብሉን ከምኡ'ውን ዜግነትን ርኣይቶ ፖሎቲካን የብሉን።
ኣብ'ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ብብዝሒ ተኻፊልና መግለጺ ሰብኣውነትና ይኹን።
ዝሰምዔ ንዘይሰምዔ ከመሓላልፍ ሓደራ ንብል።
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝኽሪ ንጹሓት’ዩ፣ ዝኾነ ካልእ ተወሳኺ የብሉን።
ጸዋዕቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ግዱሳት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን
