ጸብጻብ ናይ ሽምዓ ምሸት ኣብ በይ ኤርያ

2015-04-30 04:55:33 Written by  ብማሕበር በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያውን ለውጢ (በአ-ኤደለ) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2089 times

ተቐማጦ በይ አርያን ከባቢኡን ኣብ ሰንበት 26 ሚያዝያ ስዓት 6. ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕርን ሊብያን ሂወቶም ዝሳኣኑ ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ናይ "መብራህቲ ሽምዓ" ዝኽሪ መደብ ኣካይዶም። እዚ መደብ በዚ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ በይ አርያ ኣብ ሓደ መድረኽ ጠርኒፉ ዝዋስእ ዘሎ ብማሕበር በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያውን ለውጢ (በአ-ኤደለ) ዝተዳለወ እዩ ኔሩ። ልዕሊ 170 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ግዱሳት ኣባላት ማሕበረስብ ዓለምን ኣዴታትን ኣቦታትን ደቖምን በዚ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝተሰመዖም ሓዘነን ጓህን ንምግላጽን ንሓድሕድ ንምጽንናዕን ብሓደ ተረኺቦም ዊዒሎም። ሽሕ እኳ እዚ መደብ ምስ ህጹጽነት እዚ ፍጻሜታት ንምርካብ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተመደበ እንተነበረ እዞም ጉዱሳት ዜጋታትን ግን ነዚ ኣገዳሲ መደብ ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ እዋኖም መጺኦም። ኣዳላውቲ መደብ ንኹሉ ተጋባኢ ናይ እንቛዕ ብድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምስማዕ ንኹሎም ግዳያትን ሰማእታትን ናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ዝኽሪ እዋን ሂቦም። ካብዚ ብምቕጻል ድማ ነዚ ኣገዳሲ ፍጻሜ ዝምልከት ብማሕበር ዝተዳለወ መልእኺቲ ብኣባላት ቦርድ ቀሪቡ።

Pic Bay Area 1

ከምቲ ጉቡእ ዜጋታት ሓደጋ ኣብ ዝወርዶም እዋን ወይ ውን ሞትን ህልቂትን ምስ ዝስዕቦም መንግስቲ ወይውን ኣካላቱ ሓላፍነት ወሲዶም ናይ ሓዘን መግለጺ ክህቡን ተገዳስነቶም ክርእዩን እዩ ዝግባእ። እቲ ዘገርም ግን ደገፍቲ ስርዓት ምልኪ ኤርትራ ንዕድሚኦም ጸጊቦም ንዝሞቱ ሓልፍቲ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ሓዘን ስርዓት እንዳገብሩ ነዞም ነዛ ክብርቲ ሂወቶም ብማንካ ከየልዓሉላ ዝጠፍኡ ዕሸላትን መንእሰያትን ግን ግዲውን ኣይገብሩን። እዚ ዝሕብሮ ስርዓት ምልኪ ኤርትራን መርበባቱን ብሂወት ዜጋታት ዘይግደሱ ምዃኖም እዩ። ሽሕ እኳ ህዝብና በዚ ኮረሻ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት በቶም ልቦም ድርዒ ኣጥርዩ ዘሎ ደግፍቱን እንተተጠልመ በቶም ኩሉ ግዜ ብዘይ ምስልካይ ድሕነት ህዝቢ ክውሕሱን መሰላቱን ክመልሱን ልዕልና ሕጊ ንምስፋን ከይተሓለሉ ዝጽዕሩ ግዱሳት ዜጋታት ፍጹም ኣተረስዑን። ነዚ ዘረጋግጽ ሕቂ እቲ ኣብዚ ናይ ሰንበት 26 ሚያዝያ ተኣኪቡ ዝነበረ ተቐማጢ በይ አርያን ዝነበረ ትዕዝብቲ እዩ።

Pic Bay Area 2

ኣብዚ ዝኽሪ ዝነበራ ኣዴታት ከምኡውን ደቅንስቲዮ ኣሓትን ዝርንዝሕ ንብዓት ነቢዐን ክሳብ ምእባድ ዝስእና ተነኽኒኸን። ኣቦታትን ኣሕዋትን ውን ገጾም ብድንጋጸን ሓዘንን ተኣሳሲሩ ኣብ ማዕበል ስምዒት ክገማጠሉ ተራእዮም። ማይክሮፎን ዝጨበጡ ድማ ብዓውታ ሓዘኖምን እህህትኦምን ክስምዑ እንከለዉ እቲ ዝተረፈ ተጋባኢ ብሰንኪ ጸቕቲ ስምዒት ርእሱ ክንቕንቕን ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ይርእዩ ኔሮም። ኣቦታትን ገዳይም ተቓለስትን ካብ ቕድም ኣትሒዞም ነቲ ጠንቂ ህልቂት ይቃወምዎ ምንባሮም ድሕሪ ምጥቃስ ነቲ ኩሉ ተጋባኢ ኣብ መትከሉ ክጸንዕን ክሳብ ፍታሕ ዝመጽእ ከይተሓለሉ ክጽዕሩን ኣዘኻኺሮም። ደቂ ኣንስቶዮ ውን ካብ ሞት ውላድ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝኸፍእ ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላጽ ፡ከምቲ ቀደም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሕጅውን ኣብ ጸረ ምልኪ ደው ክብላን ድምጸን ከስምዓን ብዓውታ ተዛሪበን። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ናይ እምነት ሰባት እውን ሙሉእ ፍታሕ ካብ ሰማይ ስለዝኾነ ጸሎትን ምህለላን ክዝውተረን ከይርሳዕን ለበውኦም ሂቦም። ሕብረት ኩሉ ጊዜ ሓይሊ ስለዝኾነን ንእዋናዊ ለውጢ ቀንዲ ደራኺ ስለዝኾነን ኩሉ ዳላዪ ፍትሒ ኣብ ሕበረቱ ክጸንዕን ኣዘኻኺሮም። ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ሓባርዊ ዘተን ሓሳብ ምልልውዋጥን እዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ ንጥፈታት ተጠቒሶምን ናብ ግብሪ ክመሓላላፍ እውን ናብ መሪሒነት ማሕበር በአ-ኤደለ ብሕድሪ ተላብዮም፦

Pic Bay Area 3

- ንግዳያትን ቤተሰቦምን ኩሉ ዜጋ ከጸናንዕን ክሕግዝን ንበደልቲ ድማ ናብ ሕጊ ምቕራብን - ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበርን ክሉ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበራት ሕብረተሰብ ዓለም ንኽሳተፍውን ዕድመ ክግበር።

- ብኪኢላታትን ሰብ ተሞክሮን ዝተመርሐ ህዝባዊ ዘተ ክግበርን ሲዒቡውን ናይ ምርምርን ስትራተጅን ንጥፈታት ክግበር

- ንጉንበት 24 ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ትልሂት ክቛረጽን ብካልኦት ወገናት ዝግበር መደባት እንተልዩውን ጠጠው ምባሉን

ማሕበርኩም በአ-ኤደለ ንኽሎም ተጋባእትን ኣብዚ መደብ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ዘይውዓልኩም ግን ተገዳስነትኩም ዘገልጽኩምን ብፍላይ ድማ ነዚ መደብ ክውን ንኽኸውን ዝሰራሕኩምን ዝተሓጋግዝኩምን ብስም ማሕበርን ሕብረተሰብን ብልቢ ነመስግነኩም ኣብ ቀጻሊ መደባትን ጻዕርታትን እውን

ኣይተፈለዩና ንብል።

ሰላምን ፍትሕን ንውጹዕ ህዝብና ምጽንናዕን ዕረፍትን ንግዳያት ህዝብናን ቤተሰቦምን!

ብማሕበር በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያውን ለውጢ (በአ-ኤደለ)

ሚያዝያ 28 2015__

Last modified on Thursday, 30 April 2015 07:32