ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ነዊሕ አዝዩ መሪርን ጽንኩር ን 30 ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ዓርቢ መዓልቲ ከተማ አስመራ ናጻ ምስ ወጸት እዩ ኔሩ ናጽነቱ ዝጨበጠ። ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 ዓ.ም ድማ አብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ መወዳድርቲ ዘይርከባ ክብርቲ ዕለት እያ። ድሕሪ እታ ታሪኻዊት ዓርቢ አብ ቅድሜና ዝተራእየና መጻኢ ህንጸት ሃገር፡ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ቅሳነት እዩ ዝነበረ። ሕልምና ግና ብአግኡ በኒኑ ተሪፉ። ናጽነትና ጨቢጥና ክንስና አብ ኢድ ጠላም ውልቀ መላኺ ስለዝወደቕና፤ አብ እዋን መግዛእቲ ርእይናዮ አብ ዘይንፈልጥ ባርነትን ብቓላት ክትገልጾ አብ ዘጸግም ጭቆናን ሓሰረ መከራን ወዲቕና። ሕጂ ተመሊስካ እንክትግምግሞ ዘካየድናዮ ቃልሲ ባንዴራ ንምስቃልን ሉአላዊት ሃገር ንምውናን እምበር ዲሞክራስያዊትን ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደርን ሃገር ንኽንተክል አይሓሰብናሉን ክንብል ንደፍር። እዚ ወሪዱና ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ደቂ ሃገር ድማ ውጽኢት ናይቲ ዘይምሉእ ቃልሲ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።
ሕጂ ብዛዕባ ዝሓለፈ ምቑዛምን ነቲ ዝሓለፈ ድኽመታት ወግሐ ጸብሐ እንዳምጻኻ ምኒን ምባልን ምንም ዝርከቦ ፋይዳ የብሉን። እንታይ ደአ መለበሚ አይግበርካ መለበሚ ግና አይኽላእካ እኳ ዝበሃል፤ ትማሊ መለበሚ ስለዝኾንና ሕጂ ከይንዕሹ ሃየ ደአ ዓይንና ከም ዓይኒ ዓሳ ብዘይ ሰለም ቋሕ ነብሎ። እወ ብየማን ብጸጋም ብላዕሊ ብታሕቲ ምቁማት አይንሕመቕ። ቃልስና ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ምውራድ ጥራይ ከይከውን እሞ ወዮ ጉዳይና ወጮ እንተገምጠልካዮስ ወጮ ኮይኑ ከይተርፍ ንሕሰብ። ኢሰያስ መዓልቱን ሰዓቱን ሓልዩ ምኻዱ ዝጠራጠር ሰብ አሎ አይብልን፤ መን ንዘንተ እለት ምስ ነበረ እዩ’ሞ ኢሰያስ ንመዋእል ክነብር። ክንርስዖ ዘይብልና ኢሰያስ ዲክታቶር ወይ ጎብለል ኮይኑ አይኮነን ተወሊዱ እንታይ ደአ ጊዜን ኩነታትን ናብ ረብሕኡን ዊንታኡን ቀይሩ እዩ ናብዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኢሰያስ ዝተቐየረ።
እምበአርከስ ነታ ታሪኻዊት ዓርቢ መዓልቲ ናጽነት ዘዘኻኸረትና ዓርቢ ሰነ 26 መዓልቲ ማዕርነት ኤርትራ ክብላ ይደፍር። ነዚ ክብል ዝደረኸኒ ደምበ ተቓውሞ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ እየ በሃሊ ብማዕርነት ዘየአንግድ ገለ ከምድላዩ ዝዕንድረሉ ገለ ድማ ብዘይ ዋላ ሓደ አበሳ ብሰንኪ መበቆሉ ወይ እምነቱ ዝሽቑረረሉ ደምበ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ካብኡ ተበጊስካ ጄኔቫ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ’ያ ለጊሳትልና ሓሊፋ ክበሃል ይከአል። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ሓይሊ ሓፋሽ ዓጋቲ ከምዘይርከቦ ዝተመሃሩላ ዕለት እንተኔራ ብዘይምግናን ዓርቢ ሰነ 26 እያ ኔራ። ድሮ እኳ አብ ውሻጠ ገዝኦም ደጊም ዘመነ ኢሰያስ አብቂዑ እዩ ይብሉ ከምዘልው ይስማዕ አሎ። መዓስ ግና ሰብ ንሕና ንሱ ጥራይ፤ እቶም ብዘይብአና ደምበ ተቓውሞ ሕቖ የብሉን፤ ንሕና ዘይባረኽናዮ ሰላማዊ ሰልፍን አኼባን ብደምበ ተቓውሞ ውጉዝ’ዩ እንዳበሉ ብቃልሲ ሓፋሽ ከባጭው ዝረአናዮም፤ ንተቓለስትን ደለይቲ ፍትሒ ሃገራውያንን ከጸልሙን ክንጽሉን ጸሊም ፈላላዪ ከዋድዱ ዝጸንሑ በደልቲ ብዱላት ኩርኳሕ ቃልሲ ሓርነት ዓቢ ትምህርቲ ሂባቶም እያ ሓሊፋ ዓርቢ 26 ሰነ መዓልቲ ማዕርነት ኤርትራውያን። ቀደሙ እኮ “ዘአወገዘ በከንቱ፡ ወተወገዘ ብእንቱ” ተባሂሉ እዩ። በዚ አጋጣሚ ነቶም ካብ ቃልሲ ክትንጸሉን ተስፋ ቆሪጽኩም ገዛኹም ኮፍ ንኽትብሉን ተፈሪድኩም ክንስኹም፤ እዛ ኤርትራና ንመን ቀሪባቶስ ንመንከ ትርሕቆ ኢልኩም አንጻር ኩሉ ተጻብኦ ስንኹም ነኺስኩም ዝመከትኩም ደቂ ህዝቢ ወያ ጽንዓትኩም እንሆ ፍረ ክትህብ ጀሚራ ክብል ይደልይ ዋላ’ኳ ሕጂ’ውን ገና እቲ ተንኮላት ተወዲኡ እዩ እንተዘይተባህለ። ሕጂ’ውን ፈቲና ጸሊእና ማዕርነት ህዝቢ ዘየረጋገጸ ቃልሲ ብንምን መለኪዒ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ቃልሲ ክኸውን አይክእልን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ተቓሊሱ ሓርነቱ ከም ዝጭብጥ ውዕሎ ጄኔቫ አረጋጊጹልና ክኸውን ተስፋ ይገብር። እዚ ሕጸ እዩ ደቂ ዓድና፤ ገና ጽባሕ ካልእ መርዓ ክትርእዩ ኢኹም። ወዲ መታሕት ወዲ ከበሳ፤ አስላማይ ክርስትያን፤ ወዲ ኩለን አውራጃን ብሄራትን ኤርትራ በተግ ኢሉ ምስ ወጸ፤ ወያ አይትጽርኒ ትም ሕትም ክትከውን እያ። ለባም ሰብን ርዙን ሕብረተሰብን ካብ ሕሉፍ ጌጋታት እዮም ዝመሃሩ። እቶም ገና ነዚ ብህዝባዊ ተሳትፎ ሓፋሽ ዝተዓወተ ሰላማዊ ሰልፊ ጄኔቫን ውጽኢት ጸብጻብ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብአዊ መሰላትን ኤርትራ ናብ ውልቃዊ ዝናናን ውድባዊ ረብሓን ከትውዕልዎ ህርዲግ ትብሉ ዘለኹም አደብ እንተትገብሩ ዝሓሸየ እዩ፡ ደጊምና ናብ ጭርጭር ዓበደ መታን ከይንምለስ። ይትረፍ ግዳ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ እውን ባዕሉ ይፈልጥ’ዩ መን’ዩ አብዚ ጉዳይ ሰለሎ ዘእተወትሉን ንዓመታት ዝደኸመን እሞ፤ እቶም ነዛ ዘይሕለል ጻዕሪ ዝገበረት ዋዕሮ ግቡእ ክብራ ዝኸላእኩምን ስማ ንምጽዋዕ ዝተጸየንኩም ጽባሕ ንግሆ መዛግብቲ ታሪኽ ንስማ እምበር ስማ ንምህሳስ ንዝተገብረ ሽርሒ አብ ገጻቶምን ዓንቀጻቶምን ኣይከስፍርዎን እዮም።
አብ መወዳእታ ንዓወት ጄኔቫ ከመይ ናብ ረብሓ ህዝቢ ነውዕሎ ዝብል ዕዮ ገዛ ኣብ አእምሮ ነፍሲ ወከፍና ክድይብን ክወርድን ይግባእ። ብጊዜያዊ ዓወት ሰላማዊ ሰልፊ ጄኔቫ ክንዛነ የብልናን። ሳጥናኤል ኢሰያስ ክንደይ መንቀራቕሮታት ዝሰገረ ከም ዱሙ ሸውዓተ ትንፋስ ዘለዎ ጋኔል ምዃኑ አይንረስዕ። አብ መዛዘሚ ጹሑፈይ፤ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ለባማት ቀዳሞት ወለዶ ወርቂ ሚዛን ዝበልዎ እቶት ሓንቲ ግራትን ጸባ ሓንቲ ላምን ምዃኑ ካብ ጄኔቭ ተማሂርና ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ንቕድሚት ንመርሽ። ንሳ እያ እታ እንኮ መገዲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ።
(ደቂ ሰባት ድምጾም ብዓውታ ከስምዑ እንከለው ንምንታይ ድምጾም የስምዑ ኢሉ ዝቑጣዕ ወይ ካልእ ላቔባ ዘጠምቕ እቲ ድምጺ ውጹዓት ዓፊኑ ረብሕኡ ከህጥር ዝጽዕር ጥራይ እዩ።)
ሰሎሙን ገብረእየሱስ
(ኦክላንድ ካሊፎርንያ)
ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብጽላል ኤርትራውያን ማሕበራት ንለውጢ ኖርወይ ኣብ ኦስሎ
Wednesday, 01 July 2015 19:41 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ኖርወይጽላል ኤርትራውያን ማሕበራት ንለውጢ ኖርወይ ኣብ ከተማ ኦስሎ ን20 ሰኔ መዓልቲ ሰማዕታት ብኽብ ዝበለ ኣገባብ ዘኪሩ፣ ዕዉት ዝኾነ ክፉት ህዝባዊ ኣኼኣውን ኣካይዱ። ብኣቆጻጽራ በርሊን ልክዕ ሰዓት 15 30 ብናይ አንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ብዝኽረ ሰማእታትን ዝጀመረ መደብ ዝኽረ ሰማዕታትን ህዝባዊ ኣኼባን ክሳብ ሰዓት 22.00 ናይ ምሸት ቀጺሉ።

ድሕሪ ስነስርዓት ዝኽረ ሰማእታት ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማገለ ዝኾነ ብጻይ ባህልቢ ክፍሉ ንኣኼበኛታት ምውቅ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል አንከስምዕ ብጻይ ኣቤል ድማ መደባት ኣኼባ ኣንቢቡ፣ መድረኽ ንኣቦ መንበር ጽላል ኣቶ ሙሴ ዳኘው ኣረኪቡ።
ቀጺሉ ኣቦ መንበር ጽላል አውን ብወገኑ ንኣኼበኛታት ዝግባእ ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብን ሌላ ነፍሱን፣ ንጽላል ብዝምልከት: ኣብ ትሕቲ ጽላል ኖርወይ ኣጽሊለን ዝርከባ 10 ዝተፈላለያ ማሕበራትን፣ ኣቃውማጽላል፣ ታሪኽኣመጻጽኣ ጽላልን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዕቤቱን፣ መትከላዊ እምነታት ጽላልን፣ ጽላል ካብ ዝምስረት ብዛዕባ ዘሳለጦምን ኣብ መስርሕ ዘለዉን ጉዳያት ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ።
ኣብ መወዳአታ ኣቦ መንበር ጽላል ብጻይ ሙሴ ዳኘው ጽላል ኮነ ኣብ ጽላል ተጠርኒፈን ዝርከባ ማሕበራት ንኤርትራውያንን ንኤርትራን ክነወፍዮ እንኻል አንኮ ኣበርክቶ ናይ ቃልሲ ባይታ ምፍጣር ጥራሕ አዩ ኢሉ። ኑሱ ወሲኹ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ናይ ፋሕፋሕን ምብትታንን ኩነታት አትርከብ ሃገር ኣይኮነትን፣ አንተኾነ ኣብ ናይ ፋሕፋሕ መስሪሕ ኣትያ ከምዘላ ክከሓድ ከምዘይብሉ ኣስሚርሉ። ሃገርና ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣንዳሃለወት ድማ ቀሲና ክንድቅስ ከምዘየምሕረልና ኣዘኻኺሩ። ኩሉ ብዝከኣሎን፣ ብዝመረጾን ክቃለስ ጽላል መድረኽ ፈጢሩ ይጽውዕ ከምዘሎ አውን ኣዘኻኺሩ። ምውዳብ ኣገዳስነት ከምዘለዎን፣ ጽላል ድማ ኣብ ምውዳብ ከም ዝኣምን አውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ናይ ኣቦ መንበር መደረ ብሓው ሰዒድ ብዓረበኛ ተተርጒሙ። መድረኽ ሕቶን፣ መልስን ሪኢቶን ተኸፊቱ። ሃናጺ ዝኾነ ሪኢቶታትን ሕቶታትን ድማ ክፈስስ ኣምሰየ።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና!! ዘለዓለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትናን ስንኩላናን!!
ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ
ኣንቶንዮ ተስፋይ
26 ሰነ 2015
24 ዓመት ኣልቦ ስጕሚ
መዕነዊ ሃገር፡ ራህዋ ሓላሚ
ብሓንቲ ቃል ሓጋይ ከራሚ
ባዕሉ መህተፍተፊ ባዕሉ ተርጓሚ፡
ርህራሀ ዘይብሉ ምልካዊ ረምጽ
ኣንኳይ ቀሪብካዮስ ብማዕዶ ዝህንፍጽ
ብፍርሓት ራዕዲ ህዝቢ ዝርብጽ
ጎብለል መንእሰይ ዘጥፍእ ዘንፍጽ
ጸላኢ ህዝቡ፡ ብሃገር ዘላግጽ፡
ሃገር ከላትኒ ተሰዲደ ዝነብር
መላኺ፡ ኣብ ህድሞይ ክዕንድር
ጎጎ፡ ሃንዛ ሰንኪተ ጾመይ ዝሓድር
ሰናደር ንዘቐበልዎ ዝኸትር
ዜጋታት ነጺሉ ምስ ዲ.ም.ህ.ት ዝመክር፡
ጽውያ የብሉን ኣዝዩ መሪሩ
ኣብ ህጻናት በጺሑ ልቢ ዘይቆጸሩ
በዚ ተጨዉዩ፡ በቲ ተኣሲሩ
ሓደ ጠፊኡ፡ ሓደ ዶብ ሰጊሩ
ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ፡ ኣብ ሰሃራ ዝሓረሩ።
ወለዶና ክጸንት ክጠፍእ
ዘይበሊ ዘይውድእ
ሞት ዶ ይልመድ መርድእ
ሸጥ መዓንጣ ኣእምሮ ርግእ
ጽናዕ ጥራሕ. ህ.ግ.ዲ.ፍ ክጠፍእ፡
ብኽያት ሕሱም፡ ረማሲ ሓዘን
ክሳድካ ቅናዕ፡ ርእሲ ኣይተድንን
ኣበይ ምስ ከደካ ጅግነን ሓበን
ሕሩይ ዕንቝ ባሕሪ፡ ወርቒ ሚዛን
ክትሓልፍያ እዛ መራር ቀጣን፡
ለይቲ ብጸላም ደምቐት
ወጋሕታ ይስዕሮ ጸሃይ በረቐት
ግዜ ተዓረቐት
ዋጋ ስቓይካ፡ ህ.ግ.ዲ.ፋዊ ውድቐት
ኣኽሊል ሓርነት፡ ክብሪ ክትቕለት፡
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣት
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ኣንቶንዮ ተስፋይ
26 ሰነ 2015
ብዕለት 26 ሰነ 2015፡ ኣብ ጀኔቫ (ስዊዘርላንድ) ኣብ ዝተገብረ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝወሓዙ፡ ብኣዝዩ ዓቃባዊ ገምጋም፡ ልዕሊ 5000 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ደገፎም ንመርማሪት ኮምሽን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘየማትእ መገዲ ንምግላጽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሆጭ ኢሎም ውዒሎም።
ቁጽሪ ናይ ተሳተፍቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ብውሕጅን ዕልቕልቕን ዝግለጽ፡ መስተንክራዊ’ዩ ኔሩ። ብኣዝዩ ዓቃባዊ ገምጋም፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ ዕጽፊ ናይቲ ድንጉራት “ደገፍቲ” ስርዓት ህግደፍ፡ ንምልኪ ዘለዎም ፍቕሪ ንምግላጽ ዘካየድዎ ናይ ዕለት 22 ሰነ ምትእኽኻብ እዩ ኔሩ።
ኣብ መልእኽቲ ናይቲ ዕለት ብትሪ ከም እተገልጸ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ’ዩ ኣነጺሩ – ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ዘይዕፈን ምዃኑ! ብርግጽ፡ ሓይሊ ሚዛን ብርኡይ ይሰፍል ኣሎ። ኣብ ሞንጎ ድንጉራት ኣፍቀርቲ ምልክን ህግደፍን በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ብፍቕሪ ሃገር ዝነደዱ ደለይቲ ፍትሕን፡ ይካየድ ኣብ ዘሎ ከቢድ ናይ ፍትሕን ዓመጽን ጥምጥም፡ እቲ ሓይሊ ሚዛን ናብ ረብሓ ደለይቲ ፍትሒ ዘቢሉ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ድንጉራት ደገፍቱ ኣኪቡ ዝፈጥሮ ዘሎ ናይ ቅብጽት ጫውጫውታ፡ ደጊም ንዓለም ኣይክዕብልላን’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ደለይቲ ፍትሒ ፈጢሮሞ ብዘለዉ ዘናውጽ ናይ ፍትሒ ጻውዒት፡ ንዓለም ብዘይማትእ መገዲ ኣስሚዖማስ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምብቃዕ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስድ ብዓውታ ይጽውዑ ኣለዉ። እቲ መልእኽቲ፡ ንጹርን ደሚቕን’ዩ። ይኣክል! ኢና ንብል ዘለና። እቲ መላኺ ይኣኽሎ፡ ይኺደልና። ንዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ድማ ምሉእ ሕጋዊ ተጸባጻብነት ይገበር።
እቲ መደብ፡ ልዕሊ ትጽቢት ብዝኸደ መዐቀኒታት ንኽዕወት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ንዘበርከቱ ወገናት ኩሎም፡ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ብልቢ ተመስግኖም።
ስዒቡ፡ ኣብቲ ዕለት ናይ ዝተነበ መልእኽቲ ምሉእ ትሕዝቶ ብትግርኛ ቀሪቡ ኣሎ። ናይ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ትርጉም ኣብ ሓጺር ግዜ ክስዕብ’ዩ።
ድሕሪ ደጊም ድምጽና ኣይክዕፈንን’ዩ!
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ
28 ሰነ 2015
///––///
ድምጽና ኣይክዕፈንን’ዩ!
ኣብዚ ዓለም ንገበናት ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ፈሊጣቶስ፡ ሕጋዊ ተጸባጻብነት ክትገብረሉ ብዓውታ እትዛረበሉ ዘላ ወሳኒ መድረኽ፡ ህግደፍ ንኣንዒትን ኣእዛንን ማሕበረሰብ ዓለም ክደፍን ህርድግ ይብል ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ ውን ድምጽና ክዕፍን ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ድምጽና ግን ኣይክዕፈንን’ዩ።
ከምቲ ደጋጊምና ንብሎ፡ ንሕና፡ ኣብቲ ቅኑዕ ጎደና ታሪኽን ኣብ ጸግዒ ፍትሕን ኢና ዘለና። ተሞክሮ ጨፍለቕትን መለኽትን ስርዓታት ከም ዝምህረና ድማ፡ ንምሸቱ ኣብ ፍትሒ ዝተወከለን ኣብ ሓቂ ዝተማእከለን ቃልሲ ዝዕወት ምዃኑ’ዩ።
ርድኢትና፡ ካብ ስምዒታውነትን ግዚያዊ ጦብላሕታን ሓሊፉ ናብ ግሁድ ክውንነት ክቕየር እንሆ በዒንትና ንርኢ፣ በእዛዝና ንሰምዕ፣ ብሕልናናን ኣእምሮና ድማ ነስተብህለሉ ኣለና። ደጊም ብምረትን እህህታን እንቑዝመሉ እዋናት ሓሊፉ፡ ገፋዕቲ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡሉ እዋን ኢና ተገማጊምና ዘለና’ሞ፡ ባህ ብዘብል ስምዒት ከይተሃመልና፡ ናህሪ ቃልስና ብዝተዓጻጸፈ ክነሐይሎ ይግባኣና። ንምሸቱ ዓለም ድምጽናን ኣውያትናን ሰሚዓቶ እያ’ሞ፡ ነዚ ተረኽቦ’ዚ ናብ ወሳኒ መድረኽ ከም ዘሰጋገረና ነጥበ-መቐይሮ ጌርና እንተመዘንናዮ ምግናን ኣይኮነን።
እዚ ክንብል እንከለና ግን፡ ዕዮ ገዛና ጠቕሊልና ዛዚምና ማለት ኣይኮነን። ገና ብዙሕ ስራሕ ተሪፉና ከም ዘሎ ኣይንዝንግዕን። እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶና በጺሕናዮ እንብል ድማ፡ ገፋዕቲ ዝግብኦም ፍርዲ ምስ ወሰዱ፡ ተገፋዕቲ ድማ ፍትሒ ምስ ተፈረደሎም’ዩ። እዚ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮምሽን ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ድማ፡ ንቓልስና ናህሪ ዝውስኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነታዊ ለውጢ ዘደልበና ፍሉይ ዕድልን ኣጋጣምን ብምዃኑ፡ ነዚ ንምርጋግጽን፡ ናይ ቃልሲ ወንና ንምሕዳስን ኢና ሎሚ ኣብዚ ተራኺብና ዘለና። ማዕረ ማዕርኡ ድማ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (crimes agnainst humanity) ዝግለጽ መጠን ዝሓለፈ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቅልውላው፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ፍታሕ ከናድየሉ ንምጽዋዕ’ዩ።
እዚ ክንብል እንከለና፡ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ይሰጋገረሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ኮይንና ንብሎ ዘለና ምዃኑ ብምስትብሃል እንኮላይ’ዩ። ብኣንጻሩ ግን ህግደፍ ነዚ ክዕፈን ዘይክእል ድምጽና ንምዕፋን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት መናውራታት፡ ካብቲ ዘለዎ ዓቕሊ ጽበታዊ ወስታ ዝሓልፍ ከም ዘይኮነ ብዕምቆት ንርዳእ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት ከይኣኽሎ፡ ሎሚ ሕሉፍ ሓሊፉ ናብ ኣባላት ናይታ መርማሪት ኮምሽን ሰጊሩ፡ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ምፍርራሕን ምጉብዕባዕን ተንኮል ጀሚሩ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ስንጊጥራዊ ባህርይ’ዚ ናብ ዝኸፍአ ተንጽሎ ኣእትይዎ ይርከብ ኣሎ።
እቲ ናይ መወዳእታ ንዕና ዘገድሰና ነገር፡ ብርግጽ ድምጽና ዘይዕፈን ምዃኑ’ዩ። ድሕሪ ደጊም ህግደፍ ንድምጽና ኣይክዕፍኖን’ዩ። ከምቲ ጀሚርናዮ ዘለና፡ ዘሎ ዘበለ ናይ ሓድነት ብኩራት እንዳኣረምና፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶና ክንበጽሕ ምዃና እንዳኣረጋጽና፡ ደጊምና ድምጽና ኣይክዕፈንን’ዩ ንብል።
ኣብ ኤርትራ ህግሰት ሰብኣዊ የብቅዕ!
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ
26 ሰነ 2015
ኣንቶንዮ ተስፋይ
27 ሰነ 2018
ማይ ዘየዕቝር ሰባር ገንኢ
ቀትሪ ሰብ፡ ለይቲ ዝብኢ
ዝብሎ'ምበር ዝፍጽሞ ዘይርኢ
ዜጋታት ሰሚሮም ብውሽጢ ወጻኢ
ሎምስ በዓትኻ ድለ ቢንቶ መሕብኢ፡
ጎብለል፡ ሽመልባ፡ ሓዲ ሓርሽ፡ ማይ ዓይኒ
ውዕሎ ጀነቭ ሓቦ ምንካስ ስኒ
ደጊም ከብቕዕ ሞት፡ ሪጋ ላምባ ባኒ
ተመስገን ፈጣሪ'ዚ ዘርኣካኒ
ሕሩመይ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣይሓድር ኣይቕኒ፡
ከም ኣንጭዋ ኣብ ለቖታኣ
እምበር ህ.ግ.ዲ.ፍ ደኣ
በጺሑ'ንድዩ ኣብ ጀንቭ ኣብኣ
ዓለም ብዓለሙ ዝዛተየላ ዝጋባኣ
እሞ ሓቂ ዘይብሉስ ካበይ ከምጽኣ፡
ስርሒት ምልኪ ጃህራ ሓሶት
ጭራኻ ዶጊልካ ኣየወ ውርደት
ክትኸዶ ጎልጎል ክትምለስ ዓቐበት
ኣይንርኣዮ ንህ.ግ.ዲ.ፋዊ ዝረኽበት
ሞት ኣድጊ ኮይኑ ጎተት፡
ክትለኣ'ኻ፡ እንተበሉ
ስቕ ኢልካ ዶ ትዕዘር ከም ባሊሉ
ኣድራሻ ዘይፍሉጥ መልእክቲ ዘይብሉ
ጽውያ ሓሊቦ ደኣ ዘይክምኡ እንደኣሉ
ፊንጥራዕ ዝኣመሎም ዒሉ ወዲ ዒሉ፡
ሰላም እንተበልኹምስ፡ ንግፍዒ ተድምጹ
ዘይበላዕኩምሉ መኣዲ፡ ከንፈርኩም ተልምጹ
ንጥፍኣት ህዝብኹም ትልህልሁ ትርህጹ
ጀነቭ ከይገሽኩም ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘይትመርጹ
ዕደ ደኣ ፍትሕስ፡ ካብ ኢሰያስ የለን ቕበጹ፡
ዕልል በሊ ተሓጎሲ ኣደ
በጺሑ ናይትኪ ግደ
ቤት ፍርዲ ክበጽሕ ዝሓንገደ
ኣይመሓርን ኢድኪ ከይነስአ፡ ብርክኺ ከይሰገደ
ሕጂስ ንሓዲኡ'ዩ ዝወለደ እንተወለደ፡
ኣሳፍሒ ኩርዒ ኣንጽፊዮ ኣጓዛ
ጅማትኪ ክፍታሕ ክወጻልኪ ቃንዛ
ኣዕዋፍ በረኻ ክምለሳኺ ባሬቶ፡ዋሪ፡ራዛ
መጥፊእቱ'ያ ባዕሉ ዝመሃዛ
ደጊም ገበን ተሰኒዳ'ያ ጸብጻብ ተታሒዛ፡
ሃየ በል ኣቦይ ነዊት ኣውርዶ
ሃጸይ ምስ ከፈይ ክትጽመዶ
ዓይንካ ከቛምት ነቲ ዝለመዶ
ልሙዕ ሩባ፡ ቀላቕል ማዕዶ
ጾርካ ኣራግፍ ጸላኢኻ ይኽበዶ፡
ኣገናዕ እወ ሽሕ ኣገናዕ
በሊሕ መንእሰይ ተባዕ
ኣትሪርካ ርገጽ ጽናዕ
ኣይትጠራጠር ምናዕ
ፍሉይ ዝቦታኻ ሃገራዊ ጽዋዕ፡
ዋዕሮ ንብዓትኪ ጽረጊ
ሎሚ ካዕቦ የለ ፈርጊ
መሰልኪ ክፍለጥ ብስርዓት ብሕጊ
ማዕረ ክትምጕቲ ብዘንጊ
ወላዲት ጀጋኑ ፈራይት ሓድጊ፡
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ኣብ ባህልና ከም ሓደ ካብ መለለዪታትና ኮይኑ ዝቐርብ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ እዩ። እዚ ንክልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ሰፊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ናይ ወዲ ተባዕታይ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ጎተናን ዓሊባበን ኣብ ዝብሉ ዝተወሰነ እዩ። እዚ ከም ሓደ ባህላዊ መለለዪ ኢለ ኣስፊረዮ ዘለኹ ንኣሰራርሓ ጸጉሪ ዝምልከት ዛዕባ፡ ከባቢ፡ ጾታ፡ ዕድመን ኣጋጣምን መሰረት ገይሩ ዝፈላለ ምዃኑ ድማ ከይጠቕስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ከምቲ ዝበልኩዎ እዚ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ጋመ፡ ሳዱላ፡ ሽብላሎ፡ ኣልባሶ፡ ግልብጭን ድርምምን ዝብሉ ኣስማት ኣለዉዎ። ኣብ ካልእ ከባቢታትና ድማ ዝተፈልየ ኣስማት ከም ዝህልዎ እግምት። ብመንጽር ኣሰራርሓ ጸጉሪ ምስ ኣጋጣምታት ዘለዎ ዝምድና ግልብጭን ኣልባሶን ኣብ ናይ ሓጐስ ግዜ ክዝውተሩ እንከለዉ፡ ድርምም ድማ ኣደታትና ናይ ቀረባ ቤተሰብ ክሞተን እንከሎ ዝስረሐኦ ናይ ሓዘን መግለጺ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ኣደታት ብፍላይ ምስ ሞት በዓል ቤተን ጸጉረን ይላጽየኦ እሞ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ኩሉ እዚ ዝጠቐስኩዎ ኣገባብ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ ዝሕረማሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።
ሓንቲ ኣደ ተደርሚማ እንተርኢኻያ እሞ ድማ ምስኡ ጥራይ ክሳዳ እንተኾይና ሓዘንተኛ ንምዃና ካልእ ተወሳኺ መግለጺ ኣየድልየካን። ምናልባት ግና ዝርዝር ኩነታት ናይቲ ናብዚ ሓዘን ዘብቀዓ ንምፍላጥ ጥራይ ክትሓታ ትኽእል። ኣደታት ሓዘነን ንምግላጽ ንዝተወሰነ ግዜ እየን ዝድርመማ። ደሓር ከከም ቅርበት ናይቲ ዝሞተን ዘመድ፡ በዓል ቤት፡ ሓው፡ ሓብቲ ወይ ውላድ ተራእዩ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ብቐረበን ትይድበሳ። ካብቲ ናይ ምድባሰን ምልክት ሓደ ድማ ድርምመን ተፈቲሑ ጸጉሪ ርእሰን ብኻልእ ኣገባብ ምቑናኑ’ዩ። ኣብቲ ግዜ ምድባስ ከዓ “በሊ እዚ ናይ ሓዘንኪ ወሰን ይግበረልኪ” ይበሃላ’ሞ ንሳተን ድማ “ኣሜን” ኢለን ንደበስተን የመስግና። ሓዘን እንተደኣ ተደጋጊምወን ግና እቲ ድርምም እውን ብድርምሙ ይቕጽል።
ብመንጽር እዚ ኤርትራዊት ኣደ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ተተኻኻኢ ሓዘን ወትሩ ምስ ብድርምምታ እያ ትነብር ዘላ። ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብዝተፈላለዩ ግፍዕታት ቤተሰባ ይሞቱ ስለ ዝነበሩ፡ ክትርመም’ያ ጸኒሓ። ናጽነት ኮይኑ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ’ውን እንተኾነ ኣስማት ስዉኣት ምስ ተነግረ፡ ውላ”ኳ በቲ ሳላ መስዋእቶም ዝተረኽበ ዓወት ሓዘና ውሒጣ ተደዓዒሳ ክትቀርብ እንተፈተነት፡ ከስዐ ኣደ ስለ ዝኾና፡ ነቲደጋዊ ምልክት ገዲፍካ፡ ብውሽጣ ካብ ሓዘን ዓዲ ኣይወዓለትን። እቲ ንደገ ከይወጽእ ትዓግቶ ዝነበረት ንብዓታ ከዓ ንውሽጢ ካብ ምፍሳስ ኣየዕረፈን። ዋላ’ኳ “ከምኡ ደስ ስለ ዝበለኒ እየ” ዝብል ምኽንያታት እንተሃበት፡ ድርምማ ኣይተረፈን። ሓደ ተስፋ ግና ነይሩዋ። ሓዘናን ድርምማን ኣብኡ ከብቅዕ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይህዱእ ፖሊሲ ጉጀለ ህግደፍ ሓዘና ኣይተደረተን። ድርምማ ከዓ ኣይተፈትሐን። ናይ ግድን ኣብ ዘይነበረ ውግኣት ምስ ሱዳን፡ ምስ የመን፡ ምስ ጅቡቲ፡ ብዓብይኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ብዝተሰወኡ፡ በዓል ቤታ፡ ውላዳ ኣሕዋታ ሓዘና ተድጊሱ፡ ድርምማ ድማ መሊሱ ጸኒዑ። ዋሕዚ ንብዓታ ኣይዛረየን። ኣቦ እውን ይሓዝን እዩ’ሞ ግና እቲ ሓዘን ኣብታ ናይ ልውሃት ኣብነት ዝኾነት ኣደ ከም ዝገድድ ዝሰሓት ኣይኮነን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ንሳ ባዕላ እታ ኤርትራዊት ኣደ እያ “ስለምንታይ ወትሩ ይድርመም?” ኢላ ክትሓትት ዝግበኣ። ናይዚ ሕቶኣ መልስን ናይቲ ዘይዛሪ ሓዘና ጠንቅን ምስ ፈለጠት ከዓ ንሳ እያ ነቲ ሕቶ ኣብ ምምላስ ኮነ ነቲ ጠንቂ ኣብ ምውጋድ መሪሕ ግደ ከተበርክት ዝግበኣ። እዚ ናይ ኣደታት “ወትሩ ድርምም” ናይ ሓዘንን እህህን ግዜ፡ ኣደታት ነንሕድሕደን ብዝደባበሰኦ’ሞ መሊሱ ብዝድገስ ኣገባብ ኣይኮነን ዝፍታሕ። እቲ ፍታሕስ ነቲ ጠንቂ “ወትሩ ድርምም” ንሓዋሩ ከምዘይምለስ ምውጋዱ እዩ። ወጽዓ ኣደታት ማለት ብሓፈሻ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ቃልሲ ኣዝዩ ዝኸበደን ድርብን እዩ። ኣብቲ ነዚ ከቢድ ወጽዓ ናብ መሰረቱ ዝደልደለ ራህዋ ንምቕያሩ ዝግበር ቃልሲኸ ማዕሪኡዶ ኣሎ እጃመን? ንዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ግና እቲ ክኸውን ዝግበኦ “እወ መሪሕ እየን” ዝብል እዩ። “ብተግባርከ ከምኡዶ ኣሎ?” ንዝብል ግና ኣፍካ መሊእካ እወ እትብሎ ኣይኮነን። ዝያዳ ብብሩህ ንምግላጹ ተሳትፎአን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ትሕቲ ግምትና እዩ።
ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ከምኡ ኣውን ማሕበራት ካብ ዘቕርብዎ ስኽፍታታት ሓደ ሕጽረት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቃልሲ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። እዚ ብተግባር’ውን ዝረአ ዘሎ እዩ። እሞ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብቑጽረን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ምናልባት እውን እንትዘይበዚሑ፡ ወጽዓአን ድማ ዝመረረ እንዳሃለወን ሃብታም ተመኩሮ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ እንዳወነናን እዩ። ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ይኸውን? እዚ ብዘይወዓል ሕደር ክምልስ ዝግበኦ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ተተሓሒዙ ዝመጸ ባህላዊ ተጽዕኖን ስፍሓት ቤተሰባዊ ሓላፍነትን፡ ኣደታትና ካብ ቃልሲ ንክርሕቃ ኣስተዋጸኦ ከም ዘለዎ ከይዘንጋዕካ፡ ብኩራተን ክሳብ ክንድዚ ምብጸሕሑ ግና ዋላ እንተገላበጥካዮ ቅቡል ኣይኮነን። ሎሚ ኣዋጃት፡ መግለጽታትን መጸዋዕታታትን ክቐርቡ እንከለዉ ቅድሚት ዝስራዕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ንክሳተፋ ዝምሕጸን እዩ። ኣብ ከምዚ እየን እምበኣር ኤርትራውያን ኣደታት “ኣብዚ ቃልሲ መንዩ ዓዳማይ መንከ ተዓዳማይ?” ኢለን ክልዓላ ዝግበአን። ወየን ኣብቲ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ሰንሰለታዊ ናይ ናጽነትን መሰረታዊ መሰላትን ቃልሲ ኣብነታዊ ታሪኽ ዘለወን ኤርትራውያን ደቂ ቅንስትዮ፡ ሎሚ ብብኩራት ካብ ቃልሲ ክሕመያን ብተደጋጋሚ ሰብ ዝሰርሖ ሓዘን ምስ ድርምምን ምእሳር ፈትልን ኣሳንየን ክነብራን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን።
እቲ ቃልሲ ነዊሑ፡ ኣቲ ኣሰላልፋ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘተባብዕ ዘይምዃኑ ካብቶም ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ቃልሲ ከይተግሃ ዝዓግቱ ምኽንያታት ኮይኖም ይቐርቡ እዮም። እዞም ጸገማት የለዉን ኢልካ ምክርኻር ኣይከኣልን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እተን ኩሉ ወዲ ተባዕታይ ክገብሮ ዝኽእል ገይረን ነጻነት ዘውሓሳ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ በዚ ምኽንያት ካብ ቃልሲ ክበኹራ ቅቡል ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ከዓ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዘይጥጡሕ ናይ ቃልሲ መንገዲ ኣብ ምጥጣሕ ዓቕመን ትሕቲ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዘይኮነ ንብኩራተን ካብ ቃልሲ ቅቡል ምኽንያት ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። እምበርከ ነቲ ዝርካቡ ዕድልከ ተጠቒመናሉ ድየን። ብሓጹሩኸ እቲ ዝያዳ ተደራራቢ ወጽዓ ዘለዉ ኣካልዶ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ኣንጻር ወጽዓ ዝግበር ቃልሲ ቅድሚት ክስለፍ ዝግበኦ።
22 ሰነ 2015
ብቀዳምነት 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣትና ስለ ዝኮነት ነቶም ኩሎም ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ካብ ገዛውቶም ውጺኦም መስዋእትነት ከፊሎም ዝተረፉ ክብሪን ምስጋናን ይብጻሓዮም። እንተዀነ ኣብቲ ናይ ኩሉና ዓዲ ኮይኖም ፣ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስደትን ስቓይን ሞትን ብማዕዶ እናተዓዘቡ ከምዘይቀስኑ ገይሩዎም ኣሎ ። ጉጂለ ህግደፍ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰላምን ቅሳነትን ድምጸን ኣርሒቐን ገይሸን ኣሎዋ። ስለዚ ኩሉና ነዚ ተመንዚዑና ዘሎ ክብሪ ክንመልስ ንወደብ! እዚ ድሕሪ ምባል ኣብ ኣርእስተይ ክምለስ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ወርሓት መርበባት ህግደፍ ከምቲ ልሙድ ናይ 03 ናይ ምድንጋር ባህርያተን ንጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ወርሒ ክምለስ ምዃኑ ኣማኻሪ ናይቲ መራሕ ጉጂለ ንገለ ናይ ወጻእተኛታት ወከልቲ ከምእተማጸዓሎም ይገልጻ ኣለዋ ። እንተኮነ እዚ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ተነጺሎ ዘናግፎ ኣይኮነን ። ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጻወቶ ገበጣ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ከኣ ተሳዒሩ እንከሎ ተዓዋቲ ዝኮነሉ እዩ ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ዘዋጽኦ ኣይኮነንን።
ኣብ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ዓመታት ብሰንኪ ዓንዳሪ ምሕደራ ጉጂለ ህግደፍ ዝተኣታተዎ ስእነት ልዕልና ሕጊን ብልሽውናን ፣ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝፈጠሮ ገይሮም ዝገልጽዎ ፎኮስቲ ሕልና ኣይተሳእኑን ።ሃገራዊ ኣግልግሎት ሓደ ካብቶም መራሒ ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክነብር ፣ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ እንተሰለጦ ንደቡብ ገጹ እውን ክግልገለሉ ዝሰኣሎ ውጥን ምዃኑ ሕጂ እናተነጸረ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋጅ እዩ ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ክእወጅ እንከሎ ፣ ባይቶ ኤርትራ ተካቲዒሉ ኣጽዲቁዎ ዘይኮነ ፣ መራሕ ህግደፍ ክትግበር ከም ሓሳብ ድሕሪ ምቅራቡ ፤ ኣባላት ባይቶ ድሕሪ ባይታ ናይቲ ኣዋጅ ከይተረዱኡ ይርሓሰና ዝበሉዎ ምዃኑ እዩ ዝንገር ። ከም ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዝትግበር ኮይኑ ፤ እቶም ዜጋታት እቲ ግቡእ ኣዋርሒ ምስ ወድኡ ኣብ ዘዝመረጽዎ መደባት ስራሕ ዝዋፈሩሉ ፍጻሜ እዩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ግን ነቲ መንእሰይ ካብ ከተማታት ኤርትራ ኣርሕቅካ ንናቱ ረብሓን ጥቅምን ከምዝይቓለስን ብዘይ ዶምዝ ዘገልግል(ሓውሲ ባርያ) ኮይኑ ክነበር ዝዓለመ እዩ ።
ኣብ ሊበራል ዲምክራሲ ዜጋታት ብውሑስ ዝኮነ ሕግታት ርእሰ -ማሎም ፣ ከዋፍሩን ሽቅለት ክፈጥሩን እንከለዉ እቶም መንግስታት ከኣ ኩነታት ሰርሓተኛታትን ሕግን ጸጥታን ግብሪን ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ይህሉዎም ። ድኻን ሃብታምን ከም ማይን ዓሳን እቲ ሓደ ብዘይ ህሉውና ናይቲ ካልእ ክነበር ዘይክኣል እዩ ። ብዘይ መክሰብ ከኣ ወፍሪ ርእሰ ማል ዝብሃል የለን ።ኣብ መዋእል መግዛእቲ ህግደፍ ፣ እቲ ድኻ ብቅድሙ ኣይጽንሖን ፣ እቲ ቁሩብ ርእሰ-ማል ዝነበሮ ከኣ ብዝተፈለለየ ምክንያታት እናፈጠሩ ከም ዝደኺ ገይሮሞ እዮም ። ሕጂ ተታሕዝካ ፈፎው ኮይኑ ። መንግስቲ ኩነታት ኢንቨስትመንት ከጠዓዕም እምበር መንግስቲ ስራሕ ኣይፈጥርን ። ዝኮነ ሰርሓተኛ ጥዑይ ዶሞዝ ዘይክፍለሉ ብትግሃት ክሰርሒ ኣብ ታሪኽ ድቂ ሰባት ኣይተርኣየን ። ጉጂለ ህግደፍ ቁጠባዊ ፖሊሲ የብሉን ። ስልዚ ከኣ እዩ እቲ መራሕ ጉጂለ ኩሉ ኣብዘን 24 ዓመታት ዝፈተኖ ህግደፋዊ ቲዮሪ ከምዝፈሸለ ዝገለጾ ።
ኣብ ኤርትራ እቲ ጉጅለ ነቶም ምስ ኩሉ እቲ ዝጋጥሞም ኢሰብኣውነት ኣብ ሃገር ምኽልኽል ተጸሚዶም ዘለዉ ተጋደልቲ ከፈኑዎም እንተ ኮይኑ ፣ ስራሕ ክፍጥረሎም ኣሎዎ ። እንተኮነ በቲ ኣብ ኩሉ መደያቱ ፈሺሉ ዘሎ ናይ ቁጠባ ፖሊሲታቱን ፣ ኣብ ልዕሊኡ ብሕ/ ሃገራት ተኣዊጁ ዘሎ እገዳን ተነጽሎን ብተኣምር ካብ ኣትዩዎ ዘሎ ታኼላ ክውጽእ ኣይኮነን ። እቲ ዘዋጽኦን ዝቀለለን ኣብ ውሱን ግዜ ስልጣን ነቲ ዘጋፎዖን ዝብደሎን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከረኽብ ኣለዎ ።
ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ደረጃ FAILED STATE ስለ ዝበጽሔ ብሓደ ኣንፈት ናይ ሀገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ምምላሱ ክድሕን ፍጹም ኣይክእልን እዩ። እቶም ተረርቲ ልቢ ደገፍቲ ናይቲ ጉጂለ ክሳብ ሕጂ ዓይኖም እናረኣየ እዝኖም እናሰምዔ ክድግፍዎ ዝርኸቡ ምስቲ ጉጂለ መበቆላዊ ዝምድናታት ካብ ግዜ ቓልሲ ተጸኒዑ ዝተወደበ ህወት ስለ ዘለዎም እዩ
ናይ ሓደ ዝፈሸለ ስርዓት ከም መምዘኒ ወይ መዔቐኒ ዝውሰዱ ትንተናታት ዝተፈላለዩ ይኹኑ ደኣ እምበር እቶም መሰረታውያን እዞም ዝስዒቡ ተርእዮታት እዮም ፡
- መንግስቲ ንህዝቢ ክህቦ ዝግባእ ኣገልግሎት ከማልእ ምስ ዘይክእል
- ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጭቆና ክጻወሮ ስለ ዘይክእል ብብዝሒ ክስደድ እንከሎ ።
- መንግስቲ ካብ ጎረቤቱን ማሕበረሰብ ዓለም ተነጽሎ ምስ ዘጋጥሞ ፣
- ልዑላዊ መሬቱ ክከላክል ምስ ዘይክእል
- ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሓደ ውልቀ መላኪ ምስ ዝውነን
- ኹናት ከም መፍቲሒ ሽግራቱ ምስ ዝጥቀም
- ኤትኒካውን ሃይማኖታውን ግርጪታት ምስ ዘሳውር ፣
- ጉቦን ምጥፍፋእን ፤ ስርቅን ክትለትን ምስ ዝነግስ
ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ እንኮ ሃገር ምዃና ነዚ ኩሉ ሽግራት ክፍውስ ዝክእል መበገሲ ዝኸውን ገዚፍ ወፍሪ ናይ ፋይናንስን ዓቅሚ ሰብን ከድሊያ እዩ ። ህግደፍ ክዕኑን ከብርስን እምበር ክሃንጽ ዘይተዓደለ ጉጂለ ጥፍኣት እዩ።
ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና !
ክብሮም ግረነት